ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ መንፈስ ንዝብሎ ነገራት ስምዓዮ

እቲ መንፈስ ንዝብሎ ነገራት ስምዓዮ

እቲ መንፈስ ንዝብሎ ነገራት ስምዓዮ

“ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።”​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠21

1, 2. የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰብኣዊ ታሪኽ ንደቅ​ሰብ መልእኽቱ ከመሓላልፈሎም ዝጸንሐ ብኸመይ ኢዩ፧

 ፖርቶ ሪኮ እቲ ነቲ ኣብ ዓውዲ ስነ-ኮኾብ ንማዕበላት ሬድዮ ናይ ምስሓብ ክእለቱ ኣዝዩ ልዑል ዝዀነ በዓል ሓደ ሸሓኒ መሰል ኣንቴና ቴለስኮፕ ኣዕቊቡ ዘሎ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ዝርከበላ ደሴት ኢያ። ሊቃውንቲ በዚ ዓቢ መሳርሒ እዚ ኣቢሎም ካብ ኣድማስ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ህያዋን ዝመጽእ መልእኽትታት ንምቕባል ሃንቀው ካብ ዝብሉ እንሆ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እቲ እተጸበይዎ መልእኽትታት ግን ኣይረኸቡን። እቲ ዘገርም ግን ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን: ብዘይ​ገለ ሓገዝ ናይ እተራቐቐ መሳርሒታት ወጻኢ ካብዚ ዝርአ ግዝኣት ዝመጽእ መልእኽትታት ክቕበል ይኽእል ኢዩ። እዚ መልእኽትታት እዚ ክግመት ካብ ዘይከኣል ርሕቀት ዘለዎ ክብ ዝበለ ስፍራ ኢዩ ዝመጽእ። እዚ ክብ ዝበለ ምንጪ ናይ ከምዚ ዝበለ መልእኽትታት መን ኢዩ: ተቐበልቱኸ እንታዎት ኢዮም፧ እቲ መልእኽትታት እንታይ ትሕዝቶ ኢዩ ዘለዎ፧

2 ብዛዕባ እቲ ሰባት መለኮታዊ ምንጪ ንዝነበሮ መልእኽትታት በእዛኖም ዝሰምዕሉ ዝነበሩ እዋናት ዝገልጽ ሓያለይ ጸብጻባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ኣሎ። ሓድሓደ ግዝያት ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽትታት በቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኰይኖም ዘገልግሉ መንፈሳውያን ፍጡራት ይመጽእ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠11, 15፣ ዘካርያስ 4:⁠4, 5፣ ሉቃስ 1:⁠26-28) ድምጺ የሆዋ እተሰምዓሉ ሰለስተ እዋናት እውን ኣሎ። (ማቴዎስ 3:⁠17፣ 17:⁠5፣ ዮሃንስ 12:⁠28, 29) ኣምላኽ ብሰብኣውያን ነብያት ኣቢሉ እውን ይዛረብ ነይሩ ኢዩ: መብዛሕትኦም ከኣ ነቲ ብመንፈሱ ተመሪሖም ዝበልዎ ነገራት ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሮምዎ ኣለዉ። ሎሚ እቲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መልእኽትታት ከምኡውን ነቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝምህርዎ ዝነበሩ ትምህርትታት ሒዙ ዘሎ ጽሑፋት ዘጠቓልል መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። (እብራውያን 1:⁠1, 2) ብሓቂ የሆዋ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ሓበሬታ ከመሓላልፈሎም ጸኒሑ ኣሎ።

3. ኣምላኽ መልእኽቲ ዝሰድድ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ: ካባናኸ እንታይ ትጽቢት ኢዩ ዝግበር፧

3 ኵሉ እዚ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽትታት ብዛዕባ እዚ ግኡዝ ኣድማስ ዝገልጾ ሓበሬታ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እዚ መልእኽትታት እዚ ኣብዚ ናይ ሕጅን መጻኢ ግዜ ኣብ ዝህልወናን ህይወት ጽልዋ ዝገብር ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት ኢዩ ዘተኵር። (መዝሙር 19:⁠7-11፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8) የሆዋ ፍቓዱ ንኽሕብረናን መሪሕነቱ ንኽህበናን ኢዩ ነዚ መልእኽትታት እዚ ዝሰዶ። እዚ ድማ እቲ “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ዝብል ቃላት ነብዪ ኢሳይያስ ካብ ዝፍጸመሉ ዘሎ መገድታት ሓደ ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:⁠21) የሆዋ ‘ቃሉ’ ንኽንሰምዕ ኣየገድደናን ኢዩ። መሪሕነቱ ምስዓብን ብመገዱ ምምልላስን ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ካብ የሆዋ ዝመጽእ መልእኽትታት ጽን ኢልና ክንሰምዖ ማዕዳ ዝህበና። ኣብ መጽሓፍ ራእይ እቲ ‘መንፈስ ዝብሎ ንምስማዕ’ እተዋህበ መተባብዒ: ሸውዓተ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ።​—⁠ራእይ 2:⁠7, 11, 17, 29፣ 3:⁠6, 13, 22

4. ኣምላኽ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብቐጥታ ካብ ሰማይ መልእኽቱ ከመሓላልፈልና ትጽቢት ምግባር ምኽንያታዊ ድዩ፧

4 ሎሚ የሆዋ ካብቲ ሰማያዊ ግዝኣት ብቐጥታ ኣይዛረበናን ኢዩ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋናት እውን እንተ​ዀነ እቲ ብልዕለ-ባህርያዊ ሜላታት ዝመጽእ ዝነበረ መልእኽትታት ሳሕቲ ኢዩ ዘጋጥም ነይሩ: አረ ሓድሓደ ግዜስ ዘመናት ጸኒሑ ኢዩ ዝኽሰት ነይሩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰብኣዊ ታሪኽ ከም እተራእየ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ቀጥታዊ ብዘይ​ኰነ መገድታት ኢዩ ንህዝቡ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም ጸኒሑ። ኣብ ዘመንና እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። ነቲ ሎሚ የሆዋ መልእኽቱ ዘመሓላልፈልና ዘሎ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርኣዮ።

ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ዝነፈሶ ኢዩ”

5. እቲ ሎሚ ዘሎ ናይ የሆዋ ቀንዲ መትረብ ርክብ እንታይ ኢዩ: ካብኡ ረብሓ ክንረክብ እንኽእልከ ከመይ ገይርና ኢና፧

5 ናይቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ዘሎ ርክብ: ቀንዲ መትረብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ መንፈሱ ዘንፈሰሉ መጽሓፍ ኢዩ: ኵሉ ትሕዝትኡ ረብሓ ከምጽኣልና ከም ዝኽእል ከኣ ምርግጋጽ ይከኣል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16 NW ) መጽሓፍ ቅዱስ ድምጺ የሆዋ ንምስማዕ ወይ ንዘይምስማዕ ውሳነ ክገብሩ ኸለዉ ንናጻ ድሌቶም እተጠቕምሉ ናይ ሓቂ ሰባት ዝሓደግዎ ኣብነታት ዝመልኦ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝብሎ ነገራት ጽን ኢልካ ምስማዕ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ዘዘኻኽር ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠11) ኣብ ርእሲ እዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ውሳነ ክግበረሎም ዘድሊ ጕዳያት ኣብ ህይወትና ኣብ ዘጋጥመና እዋናት ምኽሪ ክንረኽበሉ እንኽእል ተግባራዊ ጥበብ ሒዙ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ብድሕሬና ዀይኑ “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብኣኣ ተመላለሱ” ኢሉ ሕሹኽ ይብለና ኸም ዘሎ ኢዩ ዝቝጸር።

6. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሉ ውጽኢታት ስነ-ጽሑፍ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

6 እቲ መንፈስ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ንዝብሎ ነገራት ምእንቲ ኽንሰምዕ: ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ይግብኣና። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ካብቶም ሎሚ ዝርከቡ ጽቡቕ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ዘለዎም ህቡባት መጻሕፍቲ ጥራይ ኣይኰነን። መንፈስ ዝነፈሶን ሓሳባት ኣምላኽ ዝሓዘን ኢዩ። እብራውያን 4:⁠12 “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ብምባል ትገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና እቲ ትሕዝትኡ ነቲ ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ክሰማምዓሉ ዘለዎ ደረጃታት ብምግላጽ ልክዕ ከም ሰይፊ ክሳዕ ውሽጣዊ ሓሳብናን ድራኸናን ጨንዲሑ ዝኣቱ ኢዩ።

7. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ክሳዕ ክንደይ ኣብ ንባብ ንኽንጽመድ ኢናኸ ተተባቢዕና ዘሎና፧

7 “ምሕላንን ሓሳብ ልብን” ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ይቀያየር ከምኡውን በቲ ኣብ ህይወትና እነሕልፎ ራህዋ ይኹን ጸገማ ይጽሎ ኢዩ። ስርዓታውያን ኴንና ቃል ኣምላኽ ዘይነጽንዕ እንተ​ድኣ ዄንና: ሓሳባትናን ዝንባለታትናን ስምዒታትናን ምስ ኣምላኻዊ ስርዓታት ፍጹም ኣይክሰማማዕን ኢዩ። ስለዚ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ ” ብምባል ዝምዕደና። (2 ቈረንቶስ 13:⁠5 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ መንፈስ ንዝብሎ ነገራት ብዘይ​ ምቍራጽ ክንሰምዕ ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና: ነቲ ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ንኸነንብብ እተዋህበና ምኽሪ ጠቢቕና ክንስዕቦ ኣሎና።​—⁠መዝሙር 1:⁠2

8. ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ርእሰ-ምርመራ ክንገብር ከሎና ክሕግዘና ዝኽእል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣየናይ ኢዩ፧

8 ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ምኽሪ ተዋሂቡ ኣሎ:- እቲ እተንብቦ ምእንቲ ኽስወጠካ እኹል ግዜ መድብ! ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ንምንባብ እተዋህበና ምኽሪ ንምስምማዕ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ናይቲ እነንብቦ ምሉእ ትርጕም ከይተረድኣና ሓያለይ ምዕራፋት ክንሽፍን ኣይንደልን ኢና። ምንም እኳ ስርዓታዊ ዄንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣገዳሲ እንተ​ዀነ: ድራኸና ግን ማዕረ ማዕረ እቲ መደብ ንምስጓም ጥራይ ክኸውን የብሉን፣ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ንኽንመሃር ልባዊ ድሌት ክሓድረና ኣለዎ። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ነዚ ዝስዕብ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ: ርእሰ-ምርመራ ኣብ ምግባር ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ንክርስትያናት ብጾት ክጽሕፈሎም ከሎ ከምዚ በለ:- “[ናብ] ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር: ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን: ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ: እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ: ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ: እጽሊ አሎኹ።”​—⁠ኤፌሶን 3:⁠14, 17-19

9. ነቲ ካብ የሆዋ ንምምሃር ዘሎና ባህጊ ክንኵስኵሶን ከነዕምቖን እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

9 ገሌና ብተፈጥሮና ንባብ ዘይንፈቱ ክንከውን ከሎና ካልኦት ከኣ ንምንባብ ህንጡያት ምዃኖም ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብሕታዊ ዝንባለና እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ: ካብ የሆዋ ናይ ምምሃር ድሌት ክንኵስኵስን ከነዕምቖን ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን ባህጊ ከነሕድር ከም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ድሌት ምምዕባል ከም ዝከኣል እውን ይግንዘብ ነይሩ ኢዩ። “ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ: ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምግባር ‘ባህጊ’ ከነሕድር ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ርእሰ-መቕጻዕቲ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምቲ ንሓደ ጥዒምናዮ ዘይንፈልጥ መግቢ ብተደጋጋሚ እንተ​ድኣ በሊዕናዮ ክንፈትዎ እንኽእል፣ ስርዓታዊ መደብ ጠቢቕና ንምስዓብ ገዛእ ርእስና ንቐጽዕ እንተ​ድኣ ዄንና እቲ ኣብ ምንባብን ምጽናዕን ዘሎና ዝንባለ እናተመሓየሸ ክኸይድ ኢዩ።

‘በብግዚኡ ዝወሃብ መግቢ’

10. እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብመን ዝቘመ ኢዩ: የሆዋ ሎሚ ዝጥቀመሎም ዘሎኸ ብኸመይ ኢዩ፧

10 እቲ ኻልእ የሆዋ ንኽዛረበና ዝጥቀመሉ ዘሎ መዳይ ኣብ ማቴዎስ 24:⁠45-47 የሱስ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ብዛዕባ እታ ብመንፈስ እተቐብአት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኢዩ ተዛሪቡ: እዛ ጉባኤ እዚኣ በቲ መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ክህብ እተመዘዘ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝቘመት ኢያ። ከም ውልቀ-ሰባት መጠን ኣባላት እዚ ክፍሊ እዚ “ስድራ ቤቱ” ንየሱስ ኢዮም። እዚኣቶም ምስ “ሓደ ዓቢ ጭፍራ” ናይ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኰይኖም ምትብባዕን መሪሕነትን ይቕበሉ። (ራእይ 7:⁠9 NWዮሃንስ 10:⁠16) መብዛሕትኡ ካብዚ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ዝዳሎ መግቢ ብኸም ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ!: ከምኡውን ካልእ ጽሑፋት ኣቢሉ ኢዩ ዝወሃብ። በቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝቐርብ ዝርርባትን መርኣያታትን እውን ተወሳኺ መንፈሳዊ መግቢ ይወሃብ ኢዩ።

11. እቲ መንፈስ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ንዝብሎ ነገራት ከም እንቕበሎ ብኸመይ ነረጋግጽ፧

11 እቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝወሃብ ትምህርቲ: እምነትና ንምድልዳል ከምኡውን ልቦናና ንምልምማድ ብዝብል ዕላማ ኢዩ ዝዳሎ። (እብራውያን 5:⁠14) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብብሕቲ ምእንቲ ኽዓየሉ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽርታት ሓፈሻዊ ኣቀራርባ ኢዩ ዘለዎ። ሓድሓደ ግዜ ግን ንፍሉይ መዳያት ኵልንትንኣዊ ኣካይዳና ዝምልከት ምኽሪ ይወሃበና ኢዩ። እቲ መንፈስ በቲ ክፍሊ ባርያ ኣቢሉ ንዝብሎ ነገራት ብሓቂ ጽን ኢልና ንሰምዖ እንተ​ድኣ ኣሊና ዄንና ዝንባለና ከመይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን” ብምባል ይምልስ። (እብራውያን 13:⁠17) ብሓቂ ኵሎም እቶም ኣብዚ ምድላው እዚ እቱዋት ዝዀኑ ሰባት ዘይፍጹማት ኢዮም። ይኹን እምበር: ምንም እኳ ዘይፍጹማት እንተዀኑ የሆዋ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ በቶም ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ኣቢሉ ክመርሓና ኸሎ የሐጕሶ ኢዩ።

ካብ ሕልናና እንረኽቦ መምርሒ

12, 13. (ሀ) የሆዋ መምርሒ ክንረኽበሉ እንኽእል እንታይ ካልእ ምንጪ ኢዩ ሂቡና፧ (ለ) ሕልና ኣብቶም ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት እውን ከይተረፈ ክገብሮ ዝኽእል ኣወንታዊ ጽልዋ እንታይ ኣሎ፧

12 የሆዋ መምርሒ እንረኽበሉ ካልእ ምንጪ ሂቡና ኣሎ: እዚ ኸኣ ሕልናና ኢዩ። ንሰብ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምልላይ ክእለት ከም ዝህልዎ ገይሩ ኢዩ የሆዋ ፈጢርዎ። እዚ ክእለት እዚ ክፍሊ ተፈጥሮና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝሰደዳ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገሊጹ ኣሎ:- “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም።”​—⁠ሮሜ 2:⁠14, 15

13 ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ​ዀነ እምበኣር ብዙሓት ምስ የሆዋ ሌላ ዘይብሎም ሰባት ንኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ምስቲ ቕኑዕን ጌጋን ዝገልጽ ኣምላኻዊ ስርዓታት ከሰማምዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ብቕኑዕ ኣንፈት ዝመርሖም ድኹም ውሽጣዊ ድምጺ ከም ምስማዕ ማለት ኢዩ። እዚ ውሽጣዊ ድምጺ እዚ ኣብቶም ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ጽልዋ ክህልዎ ካብ ከኣለ: ኣብ ሓቀኛታት ክርስትያናት ግዳ ክንደይ ዝዓበየ ጽልዋ ክህልዎ ዘይግባእ! ብርግጽ እኳ ድኣ: ብርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ እተጸጸየን ምስ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ተሰማሚዑ ዝዓዪን ሕልና ትውክልቲ ዝግበረሉ መምርሒ ክህብ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ሮሜ 9:⁠1

14. ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልና ነቲ መንፈስ የሆዋ ዝህበና መምርሒ ኣብ ምስዓብ ክሕግዘና ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

14 ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሰናይ ሕልና በቲ እቲ መንፈስ ክንመላለሰሉ ዝደልየና መገዲ ኽንከይድ ከዘኻኽረና ይኽእል ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ይኹን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ፍልይ ኣቢሉ ሓሳባት ዘይህበሉ ጕዳያት ዘጓንፈሉ እዋናት ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ሕልናና ብሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል መገዲ ከይንኸይድ መጠንቀቕታ ብምሃብ ክሕብረና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: ነቲ ሕልናና ዝህቦ ስምዕታ ዕሽሽ ምባል ብርግጽ ነቲ መንፈስ የሆዋ ዝብለና ነገራት ዕሽሽ ምባል ማለት ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣብ እተገርሐ ክርስትያናዊ ሕልና ትውክልቲ ንኽንገብር ብምልምማድ ኣብቲ ንጹር ዝዀነ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መምርሒ ዘይህልወሉ እዋን እውን ከይተረፈ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ንሓደ ምሉእ ብምሉእ ብሕታዊ ዝዀነ እሞ ንዕኡ ዝምልከት መለኮታዊ ስርዓት: መምርሒ ወይ ድማ ሕጊ ዘይብሉ ጕዳይ ብናይ ገዛእ ርእስና ሕልና ንዝበጻሕናዮ መደምደምታ ኣብ ክርስትያናት ብጾት ተጽዕኖ ንምግባር ክንጥቀመሉ ግቡእ ከም ዘይኰነ ፍጹም ክንርስዖ የብልናን።​—⁠ሮሜ 14:⁠1-4፣ ገላትያ 6:⁠5

15, 16. ንሕልናና ከም ዝበላሾ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ ኢዩ: እዚ ንኸየጋጥምከ ብኸመይ ክንገትኦ ንኽእል፧

15 ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ጽሩይ ሕልና ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ጽቡቕ ህያብ ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠17) እዚ ህያብ እዚ ግን ከም ስነ-ምግባራዊ ድሕንነትና ዝሕለወሉ መሳርሒ ኰይኑ ብግቡእ ክዓዪ እንተ​ድኣ ተደልዩ: ካብ ከባላሹ ዝኽእል ጽልዋታት ክንሕልዎ ይግብኣና። ነቲ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ዝጋጮ ናይ ከባቢና ባህልታት: ወግዕታት: ከምኡውን ልምድታት እንተ​ድኣ ስዒብናዮ ካብ ትልሚ ኣብ እንወጽኣሉ እዋን ሕልናና ኣንፊ ብልሒ ዀይኑ ካብ ምግልጋል ከቋርጽ ኢዩ። ንነገራት ብቕኑዕ ዓይኒ ናይ ምምማይ ክእለት ዘይብልና ዓይነት ሰባት ኴንና ኽንርከብ ንኽእል ኢና: አረ እቲ እኩይ ግብርስ ብሓቂ ቅኑዕ መሲሉ ክሳዕ ዝርኣየና ገዛእ ርእስና ከነታልል እውን ንኽእል ኢና።​—⁠ምስ ዮሃንስ 16:⁠2 ኣረኣእዮ።

16 ነቲ ሕልናና ዝህቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ምባል እንተ​ድኣ ቐጺልና: ብስነ-ምግባር ዝመጸ ስምዒት ኣልቦን ድንዙዛትን ክሳዕ እንኸውን እቲ ናይ ሕልናና ድምጺ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደኸመ ክቕጽል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ” ብምባል ተዛረበ። (መዝሙር 119:⁠70) ገሊኦም እሞ ነቲ ናይ ሕልንኦም ሸቕታ ዕሽሽ ስለ ዝብልዎ ብግቡእ ናይ ምሕሳብ ክእለቶም ይጠፍእ ኢዩ። እዚኣቶም ደጊም ብኣምላኻዊ ስርዓታት ዘይጸዓዱ ከምኡውን ቅኑዕ ውሳነታት ክገብሩ ዘይክእሉ ዓይነት ሰባት ኢዮም ዝዀኑ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኽንባልህ: ዋላ ኣብቲ ንኣሽቱ መሲሉ ዝርአ ኣተሓታቲ ጕዳያት እውን ከይተረፈ ክርስትያናዊ ሕልና ንዝህበና መምርሒታት ቅልጡፍ ምላሽ ክንህብ ኣሎና።​—⁠ሉቃስ 16:⁠10

እቶም ጽን ኢሎም ዝሰምዑን ዝእዘዙን ሕጉሳት ኢዮም

17. ነቲ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቃል’ ጽን ኢልና ምስ እንሰምዕን ናብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልናና ምስ እነቕልብን ብኸመይ ኢና ክንባረኽ እንኽእል፧

17 ነቲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምኡውን እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዝመጽእ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቓል’ ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ልምዲ ምስ እነጥርን ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልና ዝህበና መዘኻኸሪ ጠቢቕና ምስ እንስዕብን: የሆዋ ብመንፈሱ ክባርኸና ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብግዲኡ ነቲ የሆዋ ዝነግረና ነገራት ናይ ምቕባልን ምርዳእን ክእለትና ከመሓይሾ ኢዩ።

18, 19. የሆዋ ዝህበና መምርሒ ኣብ ኣገልግሎትና ይኹን ኣብ ብሕታዊ ናብራና ክረብሓና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

18 ኣብ ርእሲ እዚ እውን መንፈስ የሆዋ ንኣጸጋሚ ኵነታት ብጥበብን ብድፍረትን ንኽንጋጠሞ ትብዓት ክህበና ኢዩ። ከምቲ ሃዋርያት ኣብ ዝነበርሉ ኵነታት እተራእየ: መንፈስ ኣምላኽ ንናይ ምሕሳብ ክእለትና የነቓቕሖ ከምኡውን ወትሩ ምስ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክንመላለስን ክንዛረብን ይሕግዘና። (ማቴዎስ 10:⁠18-20፣ ዮሃንስ 14:⁠26፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠5-8, 13, 31፣ 15:⁠28) መንፈስ የሆዋ ምስቲ እንገብሮ ብሕታዊ ጻዕሪ ተወሃሂዱ ኣብ ህይወትና ኣገደስቲ ውሳነታት ኣብ ምውሳን ይኹን ነቲ ውሳነታት እቲ ኣብ ምትግባር ዕዉታት ከም እንኸውን ክገብረና ኢዩ። ንኣብነት: ምናልባት ኣነባብራኻ ንምትዕርራይን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍን ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። ወይ ድማ ከም ናይ ሓዳር ብጻይ ምሕራይ: ንዝቐረበልካ ዓይነት ስራሕ ምምማይ: ወይ ከም ገዛ ምዕዳግ ዝኣመሰለ ኣገዳስን ናብራኻ ዝቕይርን ምርጫታት ኣጋጢሙካ ይህሉ ይኸውን። ውሳነታት ክንገብር ከሎና ሰብኣዊ ስምዒት እቲ እንኮ ረቛሒ ክኸውን ኣብ ክንዲ እንፈቅድ: ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ክብሎ ዘለዎ ነገራት ጽን ኢልና ክንሰምዕን ምስቲ ዝህቦ መምርሒ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ክንወስድን ኣሎና።

19 ነቲ ካብ ክርስትያናት ብጾትን ሽማግለታትን እንረኽቦ ሕያውነታዊ መዘኻኸርን ምኽርን ብሓቂ ነማስወሉ ኢና። ይኹን እምበር: ካልኦት መጺኦም ንሓደ ጕዳይ ከም እነቕልበሉ ክሳዕ ዝገብሩና ክንጽበ የብልናን። ንኣምላኽ ባህ እነብለሉ ጥበባዊ መገዲ ከምኡውን ኣብ ዝንባለናን ኵልንትንኣዊ ኣካይዳናን ክንገብሮ ዘድልየና ምትዕርራይ ንፈልጦ እንተ​ድኣ ዄንና: ሃየ ስጕምቲ ንውሰደሉ። የሱስ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም: እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠17

20. ነቶም ‘ኣብ ድሕሪኦም ዘሎ ቃል’ ጽን ዝብሉ ሰባት እንታይ በረኸት ኢዩ ክመጽኣሎም፧

20 ክርስትያናት ንኣምላኽ ከመይ ገይሮም ከም ዘስምርዎ ምእንቲ ኽፈልጡ ቃል ብቓሉ ካብ ሰማይ ድምጺ ክሰምዑ ወይ ድማ መላእኽቲ ክበጽሕዎም ትጽቢት ከም ዘይገብሩ ንጹር ኢዩ። ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቃል ኣምላኽ ከምኡውን ፍቕራዊ መሪሕነት ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ቅቡእ ኣምላኽ ዝዀነ ክፍሊ ኣለዎም። ነዚ ‘ኣብ ድሕሪኦም ዘሎ ቃል’ ብጥንቃቐ እንተ​ድኣ ኣቕሊቦምሉን ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልንኦም ዝህቦም መምርሒ ስዒቦምን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዕዉታት ክዀኑ ኢዮም። ሽዑ ነቲ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝብል መብጽዓ ሃዋርያ ዮሃንስ ክፍጸም ከሎ ብርግጽ ክርእይዎ ኢዮም።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠17

ሓጺር ድግማ

የሆዋ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

ካብ ስርዓታዊ ፕሮግራም ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ረብሓ ክንረክብ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

ነቲ ካብ ክፍሊ እቲ ባርያ ዝወሃብ መምርሒ ክንምልሸሉ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልና ኣቢሉ ዝወሃበና ስምዕታ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy Arecibo Observatory/David Parker/Science Photo Library

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ወድሰብ ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ንምቕባል እተራቐቐ መሳርሒታት ኣየድልዮን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኢዩ ዝዛረበና