ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ዎ እግዚኣብሄር: . . . ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ”

“ዎ እግዚኣብሄር: . . . ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ”

“ዎ እግዚኣብሄር: . . . ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ”

 “ዎ እግዚኣብሄር: ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን: . . . ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ።” (መዝሙር 26:⁠6) እቲ ናይ ጥንቲ ንጉስ ዳዊት በዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ገይሩ ንየሆዋ ዘለዎ ተወፋይነት ገለጸ። እንተዀነ ግን: ስለምንታይን ብኸመይን ኢዩ ንመሰውኢ የሆዋ ‘ዝዞሮ’ ዝነበረ፧

ንዳዊት ማእከል ኣምልኾ የሆዋ ማለት እቲ ማሕደር ምስቲ ብኣስራዚ እተለበጠ መሰውኢ ዀይኑ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብታ ብሰሜን የሩሳሌም እትርከብ ጊብዖን ይርከብ ነበረ። (1 ነገስት 3:⁠4) እቲ መሰውኢ 2.2 ትርብዒት ሜትሮ ኣቢሉ ኰይኑ: ካብቲ ሰሎሞን ኣብ ዝሰርሖ ኣጸድ ቤት መቕደስ ቈይሙ ዝነበረ ዓቢ መሰውኢ ድማ ኣጸቢቑ ይንእስ ነበረ። a ገና ግን: ዳዊት ካብቲ ማሕደርን መሰውኢኡን ብዙሕ ሓጐስ ይረክብ ነበረ። እዚ ድማ ማእከል ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ንጹህ ኣምልኾ ነበረ።​—⁠መዝሙር 26:⁠8

ዝሓርር መስዋእቲ: መስዋእቲ ምስጋና: ከምኡውን መስዋእቲ በደል ኣብዚ መሰውኢ እዚ ይቐርብ: ኣብ ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ ከኣ ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ መስዋእቲ ይቐርብ ነበረ። ሎሚ: እቲ መሰውእን እቲ መስዋእትታቱን ንክርስትያናት ትርጕም ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ መሰውኢ ነቲ ኣምላኽ ንድሕነት ደቅሰብ ዝኸውን ተመዓራራዪ መስዋእቲ እተቐበለሉ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘመልክት ገለጸ። ጳውሎስ “በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና” በለ።​—⁠እብራውያን 10:⁠5-10

ካህናት እቲ ኣብ መሰውኢ ዝፍጸም ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሮም ብልምዲ ኣእዳዎም ብማይ ይሓጽቡ ነበሩ። ስለዚ: ንጉስ ዳዊት ‘ነቲ መሰውኢ [ቅድሚ] ምዛሩ’ ኣእዳዉ “ብንጽህና” ምሕጻቡ ዝግባእ ኢዩ። “ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን” ኢዩ ተመላሊሱ። (1 ነገስት 9:⁠4) በዚ ኸምዚ ኣእዳዉ እንተ ዘይሓጽብ ነይሩ: ኣምልኾኡ ማለት ‘ንመሰውኢ ምዛሩ’ ተቐባልነት ኣይምረኸበን ነይሩ። ርግጽ ኢዩ: ዳዊት ሌዋዊ ኣይነበረን: ስለዚ ኣብቲ መሰውኢ ከም ካህን ኴንካ ናይ ምዕያይ መሰል ኣይነበሮን። ንጉስ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኣጸድ ናይቲ ማሕደር እውን ከይተረፈ ክኣቱ ኣይፍቀደሉን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ከም እሙን እስራኤላዊ መጠን ንሕጊ ሙሴ ይእዘዝ: ኣብቲ መሰውኢ ንምስዋእ ከኣ ብቐጻሊ መስዋእቱ የምጽእ ነበረ። ንንጹህ ኣምልኾ ኣብ ህይወቱ ኣገዳሲ ነገር ብምግባር ነቲ መሰውኢ ይዞሮ ነበረ።

ሎሚ ንኣብነት ዳዊት ክንስዕብ ንኽእልዶ ኢና፧ እወ። ኣብ መስዋእቲ የሱስ እምነት እንተድኣ ገይርና ከምኡውን ‘ንጹህ ኣእዳውን ንጹህ ልብን’ ሒዝና ንየሆዋ ብምሉእ ተወፋይነት እንተድኣ ኣገልጊልናዮ: ንሕናውን ኣእዳውና ብንጽህና ክንሓጽበንን ንመሰውኢ ኣምላኽ ክንዞሮን ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 24:⁠4

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ መሰውኢ እዚ 9 ትርብዒት ሜትሮ ኣቢሉ ዝኸውን ነበረ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ መሰውኢ ነቲ የሆዋ ንድሕነት ደቅሰብ ዝኸውን ተመዓራራዪ መስዋእቲ እተቐበለሉ ፍቓዱ ኢዩ ዘመልክት