ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓንቲ ጽቡቕ ፍረ እትህብ ኦም ኣውሊዕ ኣብ ቤት ኣምላኽ

ሓንቲ ጽቡቕ ፍረ እትህብ ኦም ኣውሊዕ ኣብ ቤት ኣምላኽ

ሓንቲ ጽቡቕ ፍረ እትህብ ኦም ኣውሊዕ ኣብ ቤት ኣምላኽ

 ካብ መሬት እስራኤል ዳርጋ ኣይበርስን ኢዩ ክብሃል ዝኽእል ዓይነት ኦም ኣሎ። ምስ ተቘርጸ እውን ከይተረፈ እቲ ሰራውሩ ሓድሽ ጠጥዒ የውጽእ። ኣብቲ ምህርቲ ዝኣትወሉ እዋን ድማ ንዋንኡ ንምኽሻን: ንመብራህቲ: ንንጽህና: ከምኡውን ንምኵሕሓል ዝጠቅም ብዙሕ ዘይቲ ይፈሪ።

ብመሰረት ሓደ ነዊሕ ግዜ ይገብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መሳፍንቲ ተጻሒፉ ዘሎ ምሳልያዊ ዛንታ “ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ።” ኣብ ዱር ካብ ዘሎ ኣእዋም ብቐዳምነት ንመን ኢዮም መሪጾም፧ ነቲ ብብዝሒ ዝርከብ ብጽንዓቱ ፍሉጥ ዝዀነ ኦም ኣውሊዕ ድኣ እምበር ንኻልእ ኣይመረጹን።​—⁠መሳፍንቲ 9:⁠8

ልዕሊ 3,500 ዓመታት ይገብር ነብዪ ሙሴ ንእስራኤል ‘ጽብቕቲ ምድሪ: ምድሪ ኣውልዕ’ ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። (ዘዳግም 8:⁠7, 8) ሎሚ እውን እንተዀነ ብሰሜን ካብ ከረን ሄርሞን ኣትሒዝካ ብደቡብ ክሳዕ ወሰናስን ብኤርሸባዕ እቲ ምድሪ ኣእዋም ኣውሊዕ ዝመልአ ኢዩ። እዚ ኣእዋም እዚ ክሳዕ ሎሚ ንገማግም ጐልጐል ሳሮን: ነቲ ከውሒ ዝመልኦ ዅድዅዶታት ሰማርያ: ከምኡውን ነቲ ልሙዕ ስንጭሮ ገሊላ የወቅቦ ኢዩ።

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ንኦም ኣውሊዕ ብምሳልያዊ መገዲ ይጥቀምሉ ኢዮም። እዚ ኦም እዚ ንምሕረት ኣምላኽ: ንተስፋ ትንሳኤ: ከምኡውን ንሕጉስ ናብራ ስድራቤት ንምግላጽ ይውዕል ነበረ። ንኦም ኣውሊዕ ቅርብ ኢልና ምስ እንዕዘቦ ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መወከሲታት ንኽንርድኦ ክሕግዘና ኢዩ: ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ንፈጣሪኡ ንምውዳስ ምስ ካልኦት ፍጥረታት ዝሓብር ፍሉይ ኦም ዘለና ምርዳእ ይዓሙቝ።​—⁠መዝሙር 148:⁠7, 9

እቲ ብጽንዓቱ ፍሉጥ ኦም ኣውሊዕ

ኦም ኣውሊዕ መጀመርታ ርእይ ከተብሎ ከሎኻ ፍሉይ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኣይኰነን። ከም ገሊኡ ዓይነት ዓበይቲ ኣእዋም ሊባኖስ: ሰማይ ዝበጽሕ ቍመት የብሉን። እቲ ካብኡ ዝርከብ ዕንጨይቲ ከም ናይ ጽሕዲ ዝበለ ክብሪ የብሉን: እቲ ዕምባብኡ ድማ ከም ዕምባባ ኦም ለውዚ ዓይኒ ዝማርኽ ኣይኰነን። (መሃልየ መሃልይ 1:⁠17፣ ኣሞጽ 2:⁠9) እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ኣውሊዕ ኣብ ትሕቲ ምድሪ እተቐብረ ኢዩ። ነዚ ኦም እዚ ብብዝሒ ከም ዝፈርን ነዊሕ ዕድመ ከም ዝህልዎን ዝገብሮ ቀንዲ እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ሰራውሩ ኢዩ። ሰራውሩ ክሳዕ 6 ሜትሮ ትሕቲ ምድሪ ክኣቱ ንጐኒ ኸኣ ካብኡ ንላዕሊ ክበጽሕ ይኽእል።

ኣብ ስንጭሮ ዝርከብ ኣእዋም ኣብ ግዜ ድርቂ ብማይ ምስኣን ክሓርር ከሎ እቲ ኣብ ኣእማን ዝበዝሖ ዅድዅዶ ዝርከብ ኦም ኣውሊዕ ግን ሳላ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰራውር ኣይሓርርን ኢዩ። እቲ ሓባጥ ጐባጥ ጉንዲ ኦም ኣውሊዕ ንምንዳድ ጥራይ ዝበቅዕ እኳ እንተ ኣምሰሎ እቲ ሰራውሩ ንብዙሕ ዘመናት ፍረ ከም ዝህብ ይገብሮ። እዚ ብጽንዓቱ ፍሉጥ ኦም እዚ ካብቲ ጐዳኢ ባልዕ ክሕዝ ዝኽእል ጻህያይ ወይ ካልእ ኣታኽልቲ ናጻ ዝዀነ ቦታን ምእንቲ ከተንፍስ እተዀስኰሰ መሬትን ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ። እዚ ቀሊል ዝዀነ ነገራት እንተ ተማሊኡ ሓደ ኦም ኣውሊዕ ኣብ ዓመት ክሳዕ 57 ሊትሮ ዘይቲ ከፍሪ ይኽእል።

ብዘይጥርጥር ኦም ኣውሊዕ በቲ ካብኡ ዝርከብ ክቡር ዘይቲ ብእስራኤላውያን ዝፍቶ ኢዩ ነይሩ። ዘይቲ ኣውሊዕ ዝመልአ ቐንዴል ንቤቶም የብርሆ ነበረ። (ዘሌዋውያን 24:⁠2) ዘይቲ ኣውሊዕ ንምኽሻን ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። ንቘርበት ካብ ጸሓይ ይከላኸል: ንእስራኤላውያን ድማ ንመሕጸቢ ዝኸውን ሳሙና ከም ዝረኽቡ ይገብሮም ነበረ። እኽሊ: ወይኒ: ከምኡውን ኣውሊዕ እቲ ኣብታ ሃገር ዝበቍል ቀንዲ ምህርቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብ እስራኤል ጽቡቕ እቶት ኣውሊዕ እንተ ዘይተረኺቡ ንሓንቲ ስድራቤት ዓቢ ክሳራ ማለት ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘዳግም 7:⁠13፣ ኣንባቆም 3:⁠17

መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዘይቲ ኣውሊዕ ብብዝሒ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ። ሙሴ ንምድሪ ተስፋ ‘ምድሪ ኣውልዕ’ ኢሉ ክጽውዓ ዝኸኣለ ምናልባት ኣብቲ ከባቢ ብብዝሒ ዝበቍል ኦም ስለ ዝነበራ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ብዛዕባ እንስሳታትን ኣትክልትን ፍሉይ መጽናዕቲ ዝገብር ኤች. ቢ. ትሪስትራም ንኦም ኣውሊዕ “ኣብታ ሃገር ከም መለለዪ ዝርአ ኦም” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። በቲ ዘለዎ ክብርን ብዝሕን ዘይቲ ኣውሊዕ ኣብ ብምሉአን እተን ኣብ ከባቢ መዲተራንያን ዝርከባ ሃገራት ከም ኣህጉራዊ ባጤራ ኰይኑ የገልግል ነይሩ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ እውን ‘ንሚእቲ ባት ዘይቲ [‘ኣውሊዕ:’ NW  ]’ ከም መዐቀኒ ናይ ዕዳ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ።​—⁠ሉቃስ 16:⁠5, 6

“ኸም ጫሌዳ ተኽሊ ኣውሊዕ”

እቲ ጠቓሚ ዝዀነ ኦም ኣውሊዕ መለኮታዊ በረኸት ንምግላጽ ክውዕል ዝበቅዕ ኢዩ። ሓደ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ብኸመይ ኢዩ ዝባረኽ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም [“ጫሌዳ:” NW  ] ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።” (መዝሙር 128:⁠3) እዚ “ጫሌዳ ተኽሊ ኣውሊዕ” እንታይ ኢዩ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምስ ውሉዳት ዘወዳደሮኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኦም ኣውሊዕ ኣብ እግሪ ጉንዱ ጫሌዳ ብቐጻሊ ዘብቍል ብምዃኑ ካብ ካልእ ኣግራብ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። a እቲ ቐንዲ ጉንዲ ካብ ምእራጉ እተላዕለ ከምቲ ሓደ እዋን ዘፍርዮ ዝነበረ ፍረ ኣውሊዕ ዘየፍሪ ምስ ዝኸውን: ሓረስቶት ሓያሎ ጫሌዳታት ዓብዮም ምስቲ ቀንዲ ኦም ክሳዕ ዝሓብሩ ይገድፍዎም። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ናይ መጀመርታ ገረብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ኣጕናድ ይኸብዎ: እዚ ኸኣ ልክዕ ከም ኣብ ዙርያ መኣዲ ዘለዉ ውሉዳት ኢዩ። እቲ ጫሌዳ ምስቲ ጉንዲ ሓደ ሱር ኢዩ ዘለዎ: ጽቡቕ ምህርቲ ኣውሊዕ ንኽህሉውን ይሕግዝ።

እዚ ናይ ኦም ኣውሊዕ ባህሪ ኣወዳትን ኣዋልድን ውሉዳት ሳላ መንፈሳዊ ብርታዐ ናይ ወለዶም ኣብ እምነት ጽኑዓት ኰይኖም ክዓብዩ ከም ዝኽእሉ ኢዩ ብልክዕ ዘብርህ። እቶም ውሉዳት እናዓበዩ ምስ ከዱ ፍረ ኣብ ምፍራይን ወለዶም ኣብ ምድጋፍን ግደ ይህልዎም። ወለዲውን ደቆም ምስኦም ኰይኖም ንየሆዋ ከገልግሉ ክርእዩ ከለዉ የሐጕሶም።​—⁠ምሳሌ 15:⁠20

“ኦምሲ ተስፋ አለዎ”

ሓደ ዝሸምገለ ንየሆዋ ዘገልግል ኣቦ: ውሉዳቱ ብፍርሃት ኣምላኽ ምስ ዝመላለሱ ባህ ኢዩ ዝብሎ። ኣብ መወዳእትኡ እቲ ኣቦ ‘መገዲ ዅላ ምድሪ ምስ ከደ’ እቶም ደቁ ይሓዝኑ። (1 ነገስት 2:⁠2) ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ስድራቤት ዝወርድ ዘሕዝን ፍጻመ ንኽንዋጽኣሉ ምእንቲ ኽሕግዘና መጽሓፍ ቅዱስ ትንሳኤ ከም ዘሎ የረጋግጸልና።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 11:⁠25

እቲ ብዙሓት ደቂ ዝነበርዎ እዮብ ዕምሪ ሰብ ሓጺር ምዃኑ ኣጸቢቑ ተገንዚቡ ነበረ። ንህይወት ሰብ ምስቲ ቀልጢፉ ዝጽምሉ ዕምባባ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (እዮብ 1:⁠2፣ 14:⁠1, 2) እዮብ ካብቲ ዝነበሮ ብርቱዕ ስቅያት ንኽናገፍ ሞት ተመነየ: ንመቓብር ከኣ ክምለሰሉ ዝኽእል መሕብኢ ቦታ ገይሩ ረኣዮ። እዮብ “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ክምልስ ከሎ ድማ ብምትእምማን “ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ: ዘመን ሰልፈይ ኵሉ ምተጸቤኹ። ንስኻ [የሆዋ] ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ: ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ” በለ።​—⁠እዮብ 14:⁠13-15

ኣምላኽ ካብ መቓብር ከም ዝጽውዖ ንዘለዎ ምትእምማን እዮብ ብኸመይ ገለጾ፧ ኦም ተጠቒሙ ኢዩ ገሊጽዎ: እቲ መግለጺኡ ድማ ንኦም ኣውሊዕ ብምምልካት ዝዛረብ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። እዮብ “ኦምሲ ተስፋ ኣለዎ: እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ” በለ። (እዮብ 14:⁠7) ኦም ኣውሊዕ ክቝረጽ ይኽእል ኢዩ: ብምቝራጹ ግን ኣይበርስን ኢዩ። እቲ ኦም ካብ ሱሩ እንተ ተማሕዩ ጥራይ ኢዩ ዝጠፍእ። እቲ ሱሩ እንተ ዘይተተንኪፉ ግን እቲ ኦም መሊሱ ብሓድሽ ሓይሊ ይጥጥዕ።

ናይ ነዊሕ እዋን ድርቂ ነቲ ኣረጊት ኦም ኣውሊዕ እንተ ኣቐምሰሎ እውን: እቲ ዝጸምለወ ጉንዲ እንደገና ህያው ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ሱሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ: ጕንዱ ኣብ መሬት እንተ ሞተ: ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ: ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ: ጨናፍር ይገብር።” (እዮብ 14:​8, 9) እዮብ ኣብቲ ብዙሕ ዝኣረገ ጉንዲ ኦም ኣውሊዕ ነቒጹን ክሓርር ደልዩን ክርእየሉ ዝኽእል ዝነበረ ድሩቕን ዶራንን ከባቢ ኢዩ ዝነብር ነይሩ ዝኸውን። ይኹን እምበር: እዋን ዝናም ምስ ኰነ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ‘ዝሞተ’ ኦም ህያው ይኸውን እሞ “ከም ሓድሽ ተኽሊ” ካብቲ ሰራውሩ ሓድሽ ጉንዲ የውጽእ። እዚ ናብቲ መጀመርታ ዝነበሮ ኵነታት ናይ ምምላስ ጕሉሕ ተኽእሎ እዚ ንሓደ ኣትክልትን ዕምባባታትን ፍረታትን ዘብቍል ወዲ ቱኒዝያ “ኦም ኣውሊዕ ፈጺሙ ኣይመውትን ኢዩ ክትብል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ” ዝብል ሓሳብ ከም ዝህብ ገበሮ።

ልክዕ ከምቲ ሓረስታይ እቲ ዝቐምሰለ ኦም ኣውሊዑ እንደገና ክጥጥዕ ከሎ ክርእዮ ዝብህግ የሆዋ እውን ንእሙናት ኣገልገልቱ ካብ ሞት ከተንስኦም ኢዩ ዝብህግ። ንመጻኢ ከም ኣብርሃም: ሳራ: ይስሃቅ: ከምኡውን ርብቃ ዝኣመሰሉ እሙናት ውልቀ-ሰባት እንደገና ህያዋን ዝዀኑሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢዩ ዝጽበዮ። (ማቴዎስ 22:⁠31, 32) ዝሞቱ ሰባት ህያዋን ኰይኖም ክትቅበሎምን እንደገና ፍረ ዘለዎ ህይወት ከሕልፉ ክትርእን ኣየ ክንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ!

እቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውሊዕ

ኣምላኽ ኣድልዎ ዘይምርኣዩን ናይ ትንሳኤ ተስፋ ምድላዉን ምሕረቱ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ዓሌቶምን መበቈሎምን ብዘየገድስ ምሕረት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ደቅሰብ ከም ዝበጽሕ ኦም ኣውሊዕ ብምጥቃም ገሊጹዎ ኣሎ። ንብዙሕ ዘመናት ኣይሁድ ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ “ዘርኢ ኣብርሃም” ኢና ብምባል ተዓብዮም ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠33፣ ሉቃስ 3:⁠8

መለኮታዊ ስምረት ንምርካብ ግድን ኣይሁዳዊ ኴንካ ምውላድ ኣድላዪ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኵሎም ኣይሁድ ኢዮም ነይሮም: ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣብርሃም ንምቛም መጀመርታ ክሕረዩ መሰል ረኸቡ። (ዘፍጥረት 22:⁠18፣ ገላትያ 3:⁠29) ጳውሎስ ነዞም ኣይሁድ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ጨንፈር ምሳልያዊ ኦም ኣውሊዕ ኣመሳሲልዎም ኣሎ።

ዝበዝሑ ካብቶም ትውልዶም ኣይሁድ ዝዀኑ ንየሱስ ነጺጎሞ ኢዮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ንመጻኢ ኣባላት ናይቶም “ሒደት መጓሰ” ወይ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ክዀኑ ከም ዘይበቕዑ ኣርኣዩ። (ሉቃስ 12:⁠32፣ ገላትያ 6:⁠16) ስለዚ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ከም እተጸልጸለ ጨንፈር ኦም ኣውሊዕ ኰኑ። ቦትኦም መን ኢዩ ዝወስዶ፧ ኣብ 36 ከ.ኣ.ዘ. ኣህዛብ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ክዀኑ ተመርጹ። እዚ ኸኣ የሆዋ ንጨንፈር ኣውሊዕ በረኻ ምስቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዝበቍል ኦም ኣውሊዕ ከም ዘዳቐሎ ኢዩ ዝሕሰብ። እቶም ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣብርሃም ዘቝሙ ሰባት ካብ ኣህዛብ እውን ዘጠቓልሉ ኰኑ። ብድሕርዚ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት ‘ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ተማቐልቲ’ ክዀኑ ኸኣሉ።​—⁠ሮሜ 11:⁠17

ሓደ ሓረስታይ ነቲ ናይ በረኻ ኦም ኣውሊዕ ኣብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዝበቍል ኦም ኣውሊዕ ከዳቕል ፈጺምካ ዘይሕሰብ: ኣንጻር ‘ባህርይ’ ኢዩ። (ሮሜ 11:⁠24) እቲ ዘ ላንድ ኤንድ ዘ ቡክ ዝበሃል ጽሑፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝገልጾ “ነቲ ጽቡቕ ኣብቲ ናይ በረኻ እንተ ኣዳቒልካዮ ከምቲ ኣዕራብ ዝብልዎ ጽቡቕ ይፈሪ: እቲ መስርሕ ምስ ዝግልበጥ ግን ጽቡቕ ፍረ ኣይርከቦን።” በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት የሆዋ ‘ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ኸውጽእ ምስ ጀመረ’ ተገሪሞም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠44-48፣ 15:⁠14) እዚ ግን የሆዋ ዕላምኡ ንኽፍጽም ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ከም ዘይምርኰስ ዘርኢ ግሉጽ ምልክት ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠35

ከምቲ እሙናት ዘይኰኑ “ጨነፍር” ኣይሁድ ካብቲ ኦም ኣውሊዕ እተጸልጸሉ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ብትዕቢትን ብዘይምእዛዝን ስምረት የሆዋ እንተ ኣጥፊኡ እውን ከምኦም ክጽልጸል ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 11:⁠19, 20) እዚ ድማ እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ብሸለልትነት ክንርእዮ ከም ዘይብልና ኢዩ ዘብርህ።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:⁠1

ብዘይቲ ምልካይ

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዘይቲ ኣውሊዕ ቃል ብቓሉን ምሳልያውን ኣዘራርባ ይጥቀም። ኣብ ግዜ ጥንቲ ቍስልን ስንብራትን ምእንቲ ክሓዊ ‘ብቕብኢ ይልስልስ’ ነበረ። (ኢሳይያስ 1:⁠6) ሓደ ካብቲ የሱስ ዝሃቦ መብርሂታት ከም ዝገልጾ እቲ ብጻይነት ዝነበሮ ሳምራዊ ኣብ ቍስሊ ናይቲ ናብ ያሪኮ ክኸይድ ከሎ ዝረኸቦ ሰብኣይ ዘይቲ ኣውሊዕን ወይንን ኣፍሲሱ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 10:⁠34

ዘይቲ ኣውሊዕ ኣብ ርእስኻ ምልካይ ዘሐድስን ዘዝሕልን ኢዩ። (መዝሙር 141:⁠5) መንፈሳዊ ሕማም ኣብ ምእላይ ከኣ ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ዝሓመመ ኣባል ናይታ ጉባኤ ‘ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ ይለኽይዎ።’ (ያእቆብ 5:⁠14) እቶም ሽማግለታት ብፍቕሪ ዝህብዎ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምኽርን ምእንቲ እቲ መንፈሳዊ ሕማም ዘጋጠሞ ብጻዮም ኢሎም ዘቕርብዎ ልባዊ ጸሎትን ምስቲ ዘዝሕል ዘይቲ ኣውሊዕ ኢዩ ዝመሳሰል። ሓድሓደ ግዜ በቲ ፍሉይ ዓይነት ኣዘራርባ ናይ እብራይስጢ ንሓደ ሰናይ ሰብ ከም “ንጹህ ዘይቲ ኣውሊዕ” ገይርካ ይግለጽ ኢዩ።

“ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ”

ብመሰረት እዚ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ኦም ኣውሊዕ እንተ ተመሳሰሉ ኣይገርምን ኢዩ። ዳዊት “ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ” ክኸውን በሃገ። (መዝሙር 52:⁠8) ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ስድራቤታት ብዙሕ ግዜ ንገዝኦም ዘካብብ ኦም ኣውሊዕ ዝነበሮም ዳዊት ከኣ ኣብ ጥቓ የሆዋ ክኸውን እሞ ንውዳሰ ኣምላኽ ዝኸውን ፍረ ክፈሪ ኢዩ ብሂጉ።​—⁠መዝሙር 52:⁠9

ኣብ ቅድሚ የሆዋ እምንቲ ከላ እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት ይሁዳ ከም “ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውሊዕ” ኢያ ነይራ። (ኤርምያስ 11:⁠15, 16) ህዝቢ ይሁዳ ‘ንቓሉ ምስማዕ [ምስ] ኣበዩ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ [ምስ] ሰዓቡ’ ግን ነቲ ዝነበሮም ቦታ ኣጥፍኡ።​—⁠ኤርምያስ 11:⁠10

ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ ምእንቲ ኽንከውን ንየሆዋ ክንእዘዞ ከምኡውን ነቲ ብእኡ ኣቢሉ ዝያዳ ክርስትያናዊ ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ‘ዝጽልጽለና’ ተግሳጽ ክንቅበል ፍቓደኛታት ክንከውን ይግባእ። (እብራውያን 12:⁠5, 6) ብተወሳኺ እውን ከምቲ ባህሪያዊ ኦም ኣውሊዕ ንእዋን ደርቂ ምእንቲ ክሓልፎ ሰፊሕ ዝርጋሐ ናይ ሰራውሩ ዘድልዮ: ንሕና እውን ነቲ ዘጋጥመና ፈተናታትን ስደትን ምእንቲ ክንዋጽኣሉ መንፈሳዊ ሰራውርና ከነጽንዕ ይግብኣና።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠21፣ ቈሎሴ 2:⁠6, 7

ኦም ኣውሊዕ ነቲ ዓለም ዘይትፈልጦ ኣምላኽ ግን ዘለልዮ እሙን ዝዀነ ክርስትያን ክምሰል ይኽእል ኢዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብዚ ኣገባብ እዚ እንተ ሞተ እውን: ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እንደገና ህያው ይኸውን።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:⁠9፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

እቲ ብቐጻሊ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ፍረ ዝፈሪ ዳርጋ ፈጺሙ ዘይበርስ ኦም ኣውሊዕ ነቲ ናይ ኣምላኽ መብጽዓ የዘኻኽረና: ከምዚ ይብል:- “ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም።” (ኢሳይያስ 65:⁠22) እዚ ትንቢታዊ መብጽዓ እዚ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ምድሪ ክፍጸም ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

[እግረ-ጽሑፍ]

a መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጫሌዳ ነቲ ቀንዲ ኦም ምእንቲ ከይመጽዮ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኢዩ ዝጽልጸል።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጃቭያ: ኣውራጃ ኣሊካንቲ: ስጳኛ: እተረኽበ ሓባጥ ጎባጥ ዝመልኦ ጥንታዊ ጉንዲ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ግራናዳ ኣውራጃ ስጳኛ ዝርከብ ኣእዋም ኣውሊዕ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ወጻኢ ቀጽሪ የሩሳሌም እትርከብ ጥንታዊት ኦም ኣውሊዕ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድቓል ኦም ኣውሊዕ ይጠቅስ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እዛ ጥንታዊት ኦም ኣውሊዕ ብጫሌዳ እተኸበት ኢያ