ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ መምህር ከይመርመረ ብሕማቕ ብምፍራዱ ወለዲ ተቓዊሞም

ሓደ መምህር ከይመርመረ ብሕማቕ ብምፍራዱ ወለዲ ተቓዊሞም

ሓደ መምህር ከይመርመረ ብሕማቕ ብምፍራዱ ወለዲ ተቓዊሞም

 ኣብ ኢጣልያ ኣብ ካሳኖ ሙርጀ ዝብሃል ዓዲ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝምህር ሓደ መምህር: ንገለ ካብ ተማሃሮኡ ገዝኦም ክኸዱ ከለዉ ዝጥቃዕ ወረቐት ሃቦም። እዚ ኣብ ናይ ደገ ማዕጾ ክጥቃዕ ብዝብል ዕላማ እተዋህበ ጽሑፍ ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ተጻሒፍዎ ነበረ:- “ካቶሊክ ኢና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዛ ማዕጾ እዚኣ ከይኵሕኵሑ።”

ወለዲ ናይ ገለ ተማሃሮ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይነበሩ ንተግባር ናይቲ መምህር ኣትሪሮም ተቓወምዎ። ብመሰረት እታ ሙዎቪቲ ሙዎቪቲ እትብሃል ጋዜጣ ዝበለቶ ‘ንቘልዑ ከምዚ ዝበለ መልእኽቲ ምሃብ ነቲ ከም ናቶም ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ ወይ ካብ ናቶም “እተፈልየ” ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ ንኽነጽጉ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ’ ብምባል እቶም ወለዲ ከሰሱ። ሓንቲ ናብታ ጋዜጣ መልእኽቲ ዝሰደደት ወላዲት ነቲ ዝጥቃዕ ጽሑፍ “ዘርኢ ጻህያይ: ሳዕቤን ድንቁርናን ዕሽነትን” ኢላ ጸውዓቶ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ከም ዘመልክቶ: ብዙሓት ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት: ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ምዝራእ ሓደጋ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢጣልያን ብዘላ ዓለምን ዝገብርዎ ዘለዉ ክርስትያናዊ ዕዮ እውን ክብሪ የርእዩ ኢዮም። ስለምንታይ ደኣ እሞ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ብዛዕባ እታ ኣባታቶም ዘላ ተስፋ’ ዘይትሓቶም፧ ንሳቶምውን ብዛዕባ እዚ “ብፍርሃት [“ብዓሚቝ ኣኽብሮት:” NW  ]” ምሳኻ ክዘራረቡ ይህንጠዩ ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠15