ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ

ነቲ ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ

ነቲ ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ

“ኣታ ወዲ ሰብ: እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ጊዜ መወዳእታ እያ እሞ: ኣስተውዕል።”​—⁠ዳንኤል 8:⁠17

1. የሆዋ ኵሎም ደቅሰብ ብዛዕባ ግዜና እንታይ ክፈልጡ ኢዩ ዝደሊ፧

 የሆዋ ኣብ መጻኢ ግዜ ብዛዕባ ዝፍጸም ነገራት ዘለዎ ፍልጠት ንበይኑ ሒዝዎ ስቕ ኣይብልን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ገላጺ ምስጢራት ኢዩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ኣብ ምጽንቃቕ ናይ “ጊዜ መወዳእታ” ንነብር ከም ዘሎና ኵላትና ክንፈልጥ ይደሊ ኢዩ። እዝስ ነቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ሽዱሽተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዝዀነ መልእኽቲ ኰን ኢዩ!

2. ሰባት ብዛዕባ ናይ ደቅሰብ መጻኢ ዝጭነቑ ስለምንታይ ኢዮም፧

2 መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ምቕራቡስ ዘገርምዶ ኢዩ፧ ወድሰብ ኣብ ወርሒ ብእግሩ ክንቀሳቐስ ክኢሉ ክነሱ: ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይዛ ፕላኔት እዚኣ ግን ከይፈርሀ ኣብ ጐደናታት ክዛወር ኣይከኣለን። ንገዝኡ ብዘመናዊ መሳርሒታት ክመልኦ ይኽእል ኢዩ: ንሓያሎ ስድራ​ቤታት ግን ካብ ምፍራስ ከድሕነን ኣይከኣለን። ብተወሳኺውን ናይ ሓበሬታ መዋእል ከምጽእ ክኢሉ ኢዩ: እንተዀነ ግን ንሰባት ሓቢሮም ብሰላም ምንባር ክምህሮም ኣይከኣለን። እዚ ፍሽለታት እዚ ነቲ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር እኹል ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ዝድግፍ ኢዩ።

3. እተን “ጊዜ መወዳእታ” ዝብላ ቃላት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ምድሪ እተዘርባ መዓስ ኢየን፧

3 እተን “ጊዜ መወዳእታ” ዝብላ ዝምስጣ ቓላት ቅድሚ 2,600 ዓመታት ኣቢሉ ንፈለማ ግዜ ኣብ ምድሪ እተጠቕመለን ገብርኤል መልኣኽ ኢዩ። ገብርኤል ንሓደ ብፍርሂ እተዋሕጠ ነብዪ ኣምላኽ “ኣታ ወዲ ሰብ: እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ጊዜ መወዳእታ እያ እሞ: ኣስተውዕል” ኢሉ ተዛረቦ።​—⁠ዳንኤል 8:⁠17

ሎሚ “ጊዜ መወዳእታ” ኢዩ!

4. መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜ መወዳእታ ብምንታይ ካልእ መገድታት ኢዩ ዝጠቕሳ፧

4 እቲ “ጊዜ መወዳእታ” ወይ “ዘመን መወዳእታ” ከምኡውን “እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ” ዝብል መግለጺታት ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ሽዱሽተ ግዜ ይርከብ። (ዳንኤል 8:⁠17, 19፣ 11:⁠35, 40፣ 12:​4, 9) እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ እተነበዮ ዘመልክት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) የሱስ ክርስቶስ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ምስ ተቐመጠ ‘ህላወኡ’ ዝስትውዓለሉ እዋን ክዛረብ ከሎ ነዚ ግዜ እዚ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠37-39 NW 

5, 6. ኣብ ግዜ መወዳእታ ‘ዝምርምሩ’ መን ኢዮም: ምስ እንታይ ውጽኢትከ፧

5 ዳንኤል 12:⁠4 ከምዚ ትብል:- “ንስኻ ግና: ኣታ ዳንኤል: ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላት እዚኤን ዕጸወን: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማ። ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም: ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።” መብዛሕትኡ ካብቲ ዳንኤል ዝጸሓፎ ነገራት ንብዙሕ ዘመናት ምስጢር ብምዃን ደቅሰብ ከም ዘየስተውዕልዎ ኰይኑ ተሓቲሙ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚኸ ገና ምስጢር ኰይኑዶ ኢዩ ዝቕጽል ዘሎ፧

6 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ‘መርሚሮምዎ’ ኢዮም። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ የሆዋ ስለ ዝባረኾም ኣኽል⁠-​ታርፍ ዝዀነ ሓቀኛ ፍልጠት ተረኽበ። ንኣብነት: ቅቡኣት መሰኻኽር የሆዋ: የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ሰማያዊ ንጉስ ከም ዝዀነ ከስተውዕሉ ብምኽኣሎም ተባሪኾም ኢዮም። እቶም ቅቡኣትን እሙናት ብጾቶምን ምስቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:⁠19-21 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይቲ ሃዋርያ ቃላት ብምስምማዕ ‘ነቲ ትንቢታዊ ቃል የስተብህሉሉ’ ከምኡውን እዚ ዘለናዮ እዋን ግዜ መወዳእታ ምዃኑ ርግጸኛታት ኢዮም።

7. መጽሓፍ ዳንኤል ፍልይቲ ዝገብራ ገለ ጸብጻባት እንታይ ኢዩ፧

7 መጽሓፍ ዳንኤል ብእተፈላለየ መዳያት ፍልይቲ ኢያ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እውን ይርከብ ኢዩ:- ሓደ ንጉስ ንኽትርድኦ ዘጸግም ሕልሚ ምስ ሓለመ እቶም ጠቢባኑ ክገልጹሉን ትርጕሙ ክፈትሑሉን ስለ ዘይከኣሉ ንኽቕተሉ ከም ዘፈራርሆም እሞ: ነብዪ ኣምላኽ ግን ነቲ ሕልሚ ክገልጾን ትርጕሙ ክፈትሖን ከም ዝኸኣለ። ንሓደ ኣዝዩ ነዊሕ ምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩ ሰለስተ መንእሰያት ናብ ጕሁር እቶን ሓዊ ተደርብዮም ገለ ከይኰኑ ከም ዝወጹ። ኣብ ሓደ ዓቢ ድግስ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት እናረኣዩ ሓንቲ ኢድ ኣብ መንደቕ ናይ ቤተ⁠-​መንግስቲ ምስጢራዊ ቃላት ከም ዝጸሓፈት። ተንኰለኛታት ሰባት ንሓደ ሽማግለ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበ ገበሩ: እንተዀነ ግን ከይተሓንፈጠ ካብቲ ጕድጓድ ከም ዝወጸ። ኣብ ሓደ ራእይ ኣርባዕተ ኣራዊት ከም እተራእዩ: ክሳዕ እዚ ግዜ መወዳእታ ዝጸንሕ ትንቢታዊ ትርጕም ከኣ ከም ዘለዎም።

8, 9. መጽሓፍ ዳንኤል ብፍላይ ሕጂ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ብኸመይ ክትጠቕመና ትኽእል፧

8 መጽሓፍ ዳንኤል ክልተ ኣጸቢቑ እተፈላለየ መልክዕ ኣቀራርባ ዘለዋ ምዃና ንጹር ኢዩ። እቲ ሓደ ብመልክዕ ጸብጻብ ክኸውን ከሎ: እቲ ሓደ ኸኣ ትንቢት ኢዩ። ክልቲኡ ንእምነትና ክሃንጽ ዝኽእል ኢዩ። እቲ ጸብጻባት: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ንጽህናኦም ዝሕልዉ ሰባት ከም ዝባርኾም ይገልጽ። እቲ ትንቢታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልክዕ ኣቀራርባ ድማ የሆዋ ታሪኽ ብኸመይ ከም ዝጓዓዝ ዘመናት ወይ ኣሽሓት ዓመታት እውን ከይተረፈ ኣቐዲሙ ከም ዝፈልጥ ብምሕባር ንእምነትና የደልድሎ።

9 ዳንኤል ዝጸሓፎ እተፈላለየ ትንቢታት ኣቓልቦና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝኸውን ዝገብር ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት ክፍጸም ክንርኢ ኸሎና እምነትና ይድልድል: ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘሎና ኸኣ ርግጸኛታት ንኸውን። እንተዀነ ግን ገለ ነቐፍቲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ትንቢታት ምስ ተፈጸመ ኢዩ ተጻሒፉ ኢሎም ይነቕፉ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ክስታት ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ: መጽሓፍ ዳንኤል ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ እተነበየቶ ነገር ብዙሕ ዘተሓታትት ምዀነ። ተጠራጠርቲ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ጸብጻብ እውን ኣብ ሕቶ የእትውዎ ኢዮም። ስለዚ እስከ ንመርምሮ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጕዳይ!

10. መጽሓፍ ዳንኤል ብኸመይ ኢያ ተኸሲሳ፧

10 ንገዛእ ርእስኻ ሓደ ጕዳይ ኣብ ዝምርመረሉ ቤት ፍርዲ ከም ዘለኻ ገይርካ እስከ ሕሰብ። እቲ ኣኽባር ሕጊ: ነቲ ተኸሳሲ ኣታሊሉ ኢዩ ኢሉ ከም ገበነኛ ይኸሶ። መጽሓፍ ዳንኤል እውን ኣብ ሻውዓይን ሻድሻይን ዘመናት ቅ.ኣ.ዘ. ብዝነበረ እብራዊ ነብዪ እተጻሕፈት እሞ ክትእመን ዘለዋ መጽሓፍ ኰይና ኢያ ቀሪባ ዘላ። ነቐፍቲ ግን እዛ መጽሓፍ እዚኣ መታለሊት ኢያ ይብሉ። እምበኣር: ፈለማ እቲ ዛንታ ምስ ታሪኻዊ ሓቂ ዝሰማማዕ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ።

11, 12. ቤልሻጽር ልቢ ወለዳዊ ገጸ⁠-​ባህርይ ኢዩ ዝብል ክሲ ኣብ ምንታይ መዕለቢ በጽሐ፧

11 ጕዳይ ናይቲ ዘይተፈልጠ ንጉስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝከኣል እስከ ንመርምር። ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ክትግምጠል ከላ ቤልሻጽር ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ምንባሩ ዳንኤል ምዕራፍ 5 ትገልጽ ኢያ። ናይ ቤልሻጽር ስም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ኣብ ካልእ ስለ ዘይርከብ ነቐፍቲ እዚ ነጥቢ እዚ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ተኸራኺሮም ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ: ናይ ጥንቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ናይ መወዳእታ ባቢሎናዊ ንጉስ ናቦኒደስ ምንባሩ ኢዮም ዝገልጹ።

12 ይኹን እምበር: ብ1854 ጽሕፈት ዝሓዘ ገለ ናይ ስሊንደር ቅርጺ ዘለዎ ካይላታት ኣብ ዑና ናይታ ሕጂ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኡር ብዅዕታ ተረኽበ። ኣብዚ ኲኒፎርም እዚ ንጉስ ናቦኒደስ ክጽሊ ኸሎ “ንቤልሳርሱር: ቦዅሪ ወደይ” ከም ዝበለ ተጻሒፉ ይርከብ። ነቐፍቲ እውን ከይተረፉ እዚ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሱ ዘሎ ቤልሻጽር ምዃኑ ተሰማሚዖምሉ ኢዮም። ስለዚ እቲ ዘይተፈልጠ ንጉስ ዝበሃል ኣብ ዓለማዊ ምንጭታት ድኣ ኢዩ ዘይተረኽበ ነይሩ እምበር ፈጺሙ ኣይጠፍአን። እዚ ነጥቢ እዚ: መጽሓፍ ዳንኤል ብሓቂ ትውክልቲ ዝግበራ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጽ ብዙሕ መረጋገጺታት ሓደ ጥራይ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መርትዖ መጽሓፍ ዳንኤል ብርግጽ ክፍሊ ቃል ኣምላኽ ምዃና የርእየና: ሕጂ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኸኣ ብጥንቃቐ ከነቕልበላ ይግባእ።

13, 14. ንጉስ ነቡካድነጻር እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ብፍላይከ ነየናይ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ኢዩ ዘምልኽ ዝነበረ፧

13 እቲ ብዛዕባ እቶም ተኸታቲሎም ዝመጹ ሓይልታት ዓለምን ተግባራት ናይ ገለ ካብቶም መራሕትን ዝሓዘ ትንቢታት ኣገዳሲ ክፍሊ መጽሓፍ ዳንኤል ኢዩ። ሓደ ካብዞም መራሕቲ እዚኣቶም እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዘቘመ ተዋጋኢ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ኢዩ። ወራስ ዓራት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሰራዊት ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ኣብ ከርከሚሽ ሰዓሮ። እንተዀነ ግን: እዚ ዕዉት ባቢሎናዊ መስፍን መልእኽቲ ስለ ዝመጾ ነቲ ናይ ምዝዛም ስርሒት ኣብ ኢድ ጀነራላቱ ሓዲጉ ክኸይድ ተገደደ። እዚ መንእሰይ ዝነበረ ነቡካድነጻር ኣቦኡ ናቦፖለጻር ከም ዝሞተ ምስ ፈለጠ ብ624 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝፋን ደየበ። ኣብተን ኣብ ዝፋን ዝጸንሓለን 43 ዓመታት ነቲ ብኣሶር ተታሒዙ ዝነበረ ግዝኣት እትቈጻጸር ሃጸይ ኣቘመ: ግዝኣቱ ኸኣ ናብ ሶርያን ጳለስጢናን ክሳብ ዶብ ግብጺ ኣስፍሐ።

14 ነቡካድነጻር ብፍላይ ነቲ ማርዱክ ዝበሃል ቀንዲ ኣምላኽ ባቢሎን የምልኽ ነበረ። እቲ ንጉስ ኵሉ እቲ ዓወቱ ሳላ ማርዱክ ከም ዝረኸቦ ገይሩ ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ኣብ ባቢሎን ንማርዱክን ንኻልኦት ብዙሓት ናይ ባቢሎን ኣማልኽትን ዝኸውን ኣብያተ⁠-​መቕደስ ሃኒጹን ኣጸባቢቑን ኢዩ። እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ጐልጐል ዱራ ዘቘሞ ናይ ወርቂ ምስሊ እውን ንማርዱክ እተወፈየ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዳንኤል 3:⁠1, 2) ብተወሳኺውን: ነቡካድነጻር ንወተሃደራዊ ወፍርታቱ መደብ ከውጽእ ከሎ ኣብ ጥንቈላ ኣጸቢቑ ዝውከል ዝነበረ ኢዩ ዝመስል።

15, 16. ነቡካድነጻር ንባቢሎን እንታይ ገበረላ: ብዛዕባ ዕቤታ ምስ ተጃህረኸ እንታይ ኣጋጠሞ፧

15 ነቡካድነጻር ነቲ ኣቦኡ ዝጀመሮ ነዊሕን ድርብን ግምቢ ባቢሎን ብምውዳእ ነታ ርእሲ ከተማ ዘይትድፈር ኣምሰላ። እታ ሜዶናዊት ንግስቱ ነቲ ኣብ ዓዳ ዝነበረ ጎቦታትን ዱርን ስለ ዝናፈቐት ነቡካድነጻር ንዓኣ ንምድዕዓስ ሓደ ካብቲ ናይ ዓለም ጥንታዊ ሸውዓተ ዘደንቕ ነገራት ዝዀነ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣብ ጸድፊ ሰርሐ። ንባቢሎን ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ዝነበራ ብግምቢ እተኸባ ከተማታት እታ ዝዓበየት ገበራ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ በታ ማእከል ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተዓበየ!

16 ሓደ መዓልቲ ነቡካድነጻር “እዚኣ እታ . . . ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፧” ብምባል ተጃህረ። እንተዀነ ግን: ብመሰረት ዳንኤል 4:⁠30-36 “እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ” ሰብኣዊ ኣተሓሳስብኡ ኣጥፍአ። ልክዕ ከምቲ ዳንኤል እተነበዮ ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ንኽመርሕ ብቕዓት ብምስኣን ሳዕሪ ይበልዕ ነበረ። ድሕርዚ መንግስቱ ተመልሰትሉ። ናይዚ ዅሉ ትንቢታዊ ትርጕም ትፈልጦዶ ኢኻ፧ እቲ ቐንዲ ፍጻሜኡ ክሳዕ እዚ ግዜ መወዳእታ ከም ዝዝርጋሕ ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ንገለ ትንቢታዊ ክፍልታት ምድህሳስ

17. ነቲ ነቡካድነጻር ናይ ዓለም መራሒ ምስ ኰነ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣምላኽ ዘርኣዮ ትንቢታዊ ሕልሚ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

17 ንገለ ክፋል ትንቢታት መጽሓፍ ዳንኤል እስከ ንርአ። ነቡካድነጻር ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዓለም መራሒ ምስ ኰነ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ (606/​605 ቅ.ኣ.ዘ.) ኣምላኽ ሓደ ዘፍርህ ሕልሚ ኣርኣዮ። ብመሰረት ዳንኤል ምዕራፍ 2 ኣብቲ ሕልሚ ሓደ ኣብ ርእሱ ወርቂ: ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር: ከብዱን ሰለፉን ኣስራዚ: መሓውሩ ሓጺን: ኣእጋሩ ድማ ገሊኡ ሓጺን ገሊኡ መሬት ዝዀነ ምስሊ ተራእየ። እዚ እተፈላለየ ክፍልታት ናይዚ ምስሊ ንምንታይ ዘመልክት ነበረ፧

18. እቲ ብወርቂ እተሰርሐ ርእሲ: ብብሩር እተሰርሐ ደረትን ቀላጽምን: ከምኡውን ብኣስራዚ እተሰርሐ ከብድን ሰለፍን ናይቲ ምስሊ ንምንታይ የመልክት ነበረ፧

18 ነብዪ ኣምላኽ ንነቡካድነጻር “ዎ ንጉስ . . . እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ” በሎ። (ዳንኤል 2:⁠37, 38) ነቡካድነጻር ርእሲ ስርወ⁠-​ንግስነት ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ኢዩ ነይሩ። እዚ ሃጸያዊ ግዝኣት እዚ በቲ ብብሩር እተሰርሐ ደረትን ቀላጽምን ናይቲ ምስሊ ተመሲሉ ዘሎ ሜዶንን ፋርስን ተሳዕረ። ድሕርዚ እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ብኸብድን ሰለፍን እተመሰለ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ መጸ። እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝጀመረ፧

19, 20. ኣሌክሳንደር ዓቢ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ንግሪኽ ሓይሊ ዓለም ኣብ ምግባርከ እንታይ ግደ ኢዩ ዘበርከተ፧

19 ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ንትንቢት ዳንኤል ኣብ ምፍጻም ሓደ መንእሰይ ኣገዳሲ ተራ ነበሮ። እዚ ሰብ እዚ ብ356 ቅ.ኣ.ዘ. ተወልደ: ዓለም ድማ ኣሌክሳንደር ዓቢ ዝብል ስም ሃበቶ። ብ336 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ፊሊፕ ዝበሃል ኣቦኡ ምስ ተቐትለ ኣሌክሳንደር ወዲ 20 ዓመት ከሎ ንዝፋን ማሴዶንያ ወረሰ።

20 ኣብ መጀመርታ ግንቦት ናይ 334 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሌክሳንደር ናይ ወራር ወፍርታት ክገብር ጀመረ። ኣጋር ወተሃደራቱ 30,000 ፈረሰኛታቱ ድማ 5,000 ክዀኑ ኸለዉ ቅርጡው ግን ከኣ ሓያል ሰራዊት ነበሮ። ብ334 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሌክሳንደር ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ንእሽቶ እስያ (ሕጂ ቱርኪ) ኣብ ዘሎ ፈለግ ግራኒከስ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ፋርሳውያን ተዋጊኡ ተዓወተ። ብ326 ቅ.ኣ.ዘ. እዚ ንሕስያ ዘይነበሮ ወራሪ ንፋርሳውያን ሰዓሮም: ናብ ምብራቕ ድማ ክሳብ እዚ ሕጂ ኣብ ፓኪስታን ዝርከብ ፈለግ ኣንደስ ከደ። እንተዀነ ግን: ኣሌክሳንደር ኣብ ባቢሎን ከሎ ኣብታ ናይ መወዳእታ ቃልሱ ተሳዕረ። ብ13 ሰነ 323 ቅ.ኣ.ዘ. ን32 ዓመትን 8 ወርሕን ጥራይ ብህይወት ድሕሪ ምጽናሑ በቲ ብርቱዕ ዝዀነ ጸላኢ ማለት ብሞት ተሳዕረ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠55) ይኹን እምበር: ከምቲ ነብዪ ዳንኤል እተነበዮ በቲ ኣሌክሳንደር ዝገበሮ ወራራት ግሪኽ ሓይሊ ዓለም ክትከውን ክኢላ ነበረት።

21. ኣብ ርእሲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ በቲ ካብ ሓጺን እተሰርሐ ኣእጋር ናይቲ ብሕልሚ እተራእየ ምስሊ ተመሲሉ ዘሎ ካልእ ሓይሊ ዓለም መን ኢዩ፧

21 እቲ ካብ ሓጺን እተሰርሐ መሓውር ናይቲ ዓቢ ምስሊ ንምንታይ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ፧ እዚ ነታ ንሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ዝጨፍለቐትን ዝሰባበረትን ከም ሓጺን ዝዀነት ሮሜ የመልክት። ሮማውያን ነታ የሱስ ክርስቶስ ዝእውጃ ዝነበረ መንግስቲ ኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይነበሮም ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ንየሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። ሮሜ ሓቀኛ ክርስትና ንምጥፋእ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ መስጐጕቲ ኣውረደትሎም። ይኹን እምበር: እቲ ካብ ሓጺን እተሰርሐ መሓውር ናይቲ ነቡካድነጻር ዝሓለሞ ምስሊ ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ጥራይ ዘይኰነስ ንፖለቲካዊ ውጽኢት ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት​—⁠ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ⁠—​እውን ዘመልክት ኢዩ።

22. እቲ ኣብቲ ሕልሚ እተራእየ ምስሊ ኣብ ምጽንቃቕ ናይ ግዜ መወዳእታ ከም ዘሎና ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

22 ብደቂቕ ምስ እንምርምር ኣብ ምጽንቃቕ ናይዚ ግዜ መወዳእታ ከም ዘሎና ነረጋግጽ ኢና: ከመይሲ ኣብቲ ካብ ሓጺንን መሬትን እተሰርሐ ኣእጋር ናይቲ ምስሊ ኢና በጺሕና ዘሎና። ገለ ኣብዚ ግዜና ዘለዋ መንግስታት ከም ሓጺን ዝኣመሰላ ውልቀ⁠-​መለኽቲ ኢየን: ገሊኣተን ከኣ ከም መሬት ኢየን። እቲ “ዘርኢ ሰብ” እተሰርሓሉ መሬት ብባህሪኡ ፈርከሽከሽ በሃሊ እኳ እንተዀነ: እቲ ተራ ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ተሰማዕነት ንኽረክብ ነቲ ከም ሓጺን ዝኣመሰለ ግዝኣት ኣገዲድዎ ኢዩ። (ዳንኤል 2:⁠43፣ እዮብ 10:⁠9) ርግጽ ኢዩ: ከምቲ ሓጺንን መሬትን ዘይላገብ ውልቀ⁠-​ምልካዊ ስርዓትን ተራ ህዝብን ክላገብ ኣይክእልን ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ግን ኣብ ቀረባ ግዜ ነዚ ናይ ዓለም ፖለቲካዊ ምክፍፋል መወዳእታ ክትገብረሉ ኢያ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

23. ነቲ ዳንኤል ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ግዝኣት ቤልሻጽር ዝረኣዮ ሕልምን ራእያትን ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

23 እታ 7ይቲ ምዕራፍ ናይ ትንቢት ዳንኤል እውን ናብ ግዜ መወዳእታ ኢያ እተምጽኣና። እዛ ምዕራፍ እዚኣ ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ ብዛዕባ ዝዀነ ፍጻመ ኢያ እተዘንቱ። ዳንኤል ኣብ 70ታት ዓመት ዕድሜኡ “ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ: ሕልምን ራእያት ርእሱን ረአየ።” እዚ ራእያት እዝስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘፍረሆ! ብምግራም ድማ ከምዚ በለ:- “እንሆ ኸኣ: እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨዉ ነበሩ። ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ።” (ዳንኤል 7:⁠1-8, 15) ኣየ ከመይ ዝበሉ ፍሉያት ኣራዊት ኰን ኢዮም! እቲ ቐዳማይ ኣኽናፍ ዘለዎ ኣንበሳ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ድማ ንድቢ ዝመስል ኢዩ። ድሕርዚ ኣርባዕተ ኽንፍን ኣርባዕተ ርእስን ዘለዎ ነብሪ ይወጽእ! እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ዓበይቲ ኣስናን ሓጺንን ዓሰርተ ኣቕርንትን ነበሮ። ካብ መንጎ እተን ዓሰርተ ኣቕርንቱ ሓንቲ “ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን” ዘለዋ “ንእሽቶ” ቀርኒ ወጸት። ከመይ ዝበሉ ዘደንቑ ፍጥረታት ኰን ኢዮም!

24. ብመሰረት ዳንኤል 7:⁠9-14 ዳንኤል ኣብ ሰማይ እንታይ ረኣየ: እዚ ራእይ እዚኸ ንምንታይ የመልክት፧

24 ናይ ዳንኤል ራእይ ቀጺሉ ናብ ሰማይ ገጹ የተኵር። (ዳንኤል 7:⁠9-14) እቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” የሆዋ ኣምላኽ ዳኛ ዀይኑ ኣብ ግርማዊ ዝፋኑ ኮፍ ኢሉ ይርአ። ‘ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ: እልፊ ግዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይቘሙ።’ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣራዊት ዘሰክሕ ፍርዲ ብምውራድ ነቲ ግዝኣት ካብኣቶም ይወስዶ: ነቲ ራብዓይ ኣራዊት ድማ ይድምስሶ። “ወዲ ሰብ ዚመስል” ኣብ ልዕሊ “ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን” ዘለኣለማዊ ግዝኣት ውሕስነት ብዘለዎ መገዲ ይወሃቦ። እዚ ፍጻመ እዚ ንግዜ መወዳእታ ከምኡውን ነቲ ብ1914 እተፈጸመ ናይ ወዲ ሰብ ማለት ናይ የሱስ ክርስቶስ ንግስና የመልክት።

25, 26. መጽሓፍ ዳንኤል ከነንብብ ከሎና እንታይ ሕቶታት ከነልዕል ንኽእል: ነዚ ንምምላስ ክትሕግዘና እትኽእል ጽሕፍቲኸ ኣየነይቲ ኢያ፧

25 ኣንበብቲ መጽሓፍ ዳንኤል ሕቶታት ከም ዘለዎም እተረጋገጸ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ዘለዉ ኣርባዕተ ኣራዊት ንምንታይ የመልክቱ፧ መግለጺ ናይቲ ኣብ ዳንኤል 9:⁠24-27 ተጠቒሱ ዘሎ ትንቢታዊ “ሰብዓ ሰሙን” እንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ዳንኤል ምዕራፍ 11 እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ: እቲ ብትንቢት እተነግረ ኣብ መንጎ ‘ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን’ ዝህሉ ግጭትከ እንታይ ኢዩ፧ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ካብዞም ነገስታት እዚኣቶም እንታይ ክንጽበ ንኽእል፧

26 የሆዋ ነቶም ኣብ ዳንኤል 7:⁠18 “ናይ ልዑል ቅዱሳን” እተባህሉ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ኣገልገልቱ: ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምስትውዓል ሂብዎም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብዛዕባ እታ መንፈስ ዝነፈሳ መጽሓፍ ትንቢት ዳንኤል ኵላትና ተወሳኺ ምስትውዓል ንኽህልወና ምድላው ገይሩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠45) እዚ ኣብታ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ይርከብ። እዛ ምልኩዕ ስእልታት ዝሓዘት 320 ገጽ ዘለዋ ጽሕፍቲ ንዅሉ ክፍሊ መጽሓፍ ዳንኤል ትሽፍን ኢያ። ንነፍሲ ወከፍ እምነት ዝሃንጽ ትንቢትን ንዅሉ እቲ ፍቱው ነብዪ ዳንኤል ዝጸሓፎ ዛንታን ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለዋ።

ንግዜና ዝኸውን ናይ ሓቂ ትርጕም

27, 28. (ሀ) ብዛዕባ ፍጻሜ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዝርከብ ትንቢታት እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ኣየናይ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና: እንታይከ ኢና ክንገብር ዝግብኣና፧

27 ሕጂ ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ እስከ ሕሰበሉ:- ሒደት ዝርዝር ነገራት ገዲፍካ ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዝርከብ ትንቢታት ተፈጺሙ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 2 ከም እግሪ ናይቲ ኣብ ሕልሚ እተራእየ ምስሊ ኰይኑ ዝቐረበ ናይ ዓለም ኵነታት ንርእዮ ኣሎና። እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ተገሊጹ ዘሎ ጕንዲ ሱር: እቲ መሲሓዊ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ዝፋን ምስ ተቐመጠ ተፈትሐ። ኣብቲ እዋን እቲ: ከምቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ተገሊጹ ዘሎ: እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ነቲ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ዘሎ ግዝኣት ሃቦ።​—⁠ዳንኤል 7:⁠13, 14፣ ማቴዎስ 16:27–17:9

28 እቲ ኣብ ምዕራፍ 8 ዘሎ ብዛዕባ 2,300 መዓልትታት: ኣብ ምዕራፍ 12 ዘሎ ብዛዕባ 1,290 ከምኡውን 1,335 መዓልትታት ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ እውን ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እቲ ኣብ መንጎ ‘ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን’ ዘሎ ግጭት ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጅኡ በጺሑ ኣሎ። እዚ ዅሉ ነቲ ኣብ ምጽንቃቕ ግዜ መወዳእታ ከም ዘሎና ዝሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ዝድግፍ ኢዩ። ኣበየናይ ፍሉይ ግዜ ከም ዘሎና ብምሕሳብ: እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጽነት ክንወስድ ዝግባእ፧ ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ከነቕልበሉ ከም ዘሎና ሕቶ ኣየድልዮን ኢዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣምላኽ ብዛዕባ ግዜና ኵሎም ደቅሰብ እንታይ ክፈልጡ ኢዩ ዝደሊ፧

• መጽሓፍ ዳንኤል እምነትና ክትሃንጸልና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

• እቲ ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ ዝረኣዮ ምስሊ እንታይ ክፍልታት ነበሮ: እዚ ክፍልታት እዚኸ ንምንታይ የመልክት፧

• ፍጻሜ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዝርከብ ትንቢታት: ትዅረት ዝስሕብ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧

[ምንጪ ስእሊ]