ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንልብኻ ሐልዎ”

“ንልብኻ ሐልዎ”

“ንልብኻ ሐልዎ”

 የሆዋ ንነብዪ ሳሙኤል “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ኢሉ ነገሮ። (1 ሳሙኤል 16:⁠7) ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ ኣትኵሮኡ ኣብ ምሳልያዊ ልቢ ብምግባር “[የሆዋ] ንልበይ ተዐዚብካዮ: ብለይቲ በጺሕካዮ: መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን” በለ።​—⁠መዝሙር 17:⁠3

እወ: የሆዋ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ንምውሳን ልብና ኢዩ ዝርኢ። (ምሳሌ 17:⁠3) እምበኣር: እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ሰሎሞን “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ዝብል ምኽሪ እንተ ሃበ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። (ምሳሌ 4:⁠23) ንምሳልያዊ ልብና ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧ ምሳሌ ምዕራፍ 4 መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ትህበና ኢያ።

ተግሳጽ ወላዲ ስማዕ

እታ 4ይቲ ምዕራፍ ናይ ምሳሌ በዘን ቃላት እዚኣተን ኢያ እትጅምር:- “ኣቱም ቈልዑ: ተግሳጽ ወላዲ ስምዑ: ልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ አቕልቡ። ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ: ንሕገይ ኣይትሕደግዎ።”​—⁠ምሳሌ 4:⁠1, 2

እዚ ንመንእሰያት እተዋህበ ምኽሪ ነቲ ጥዑይ መምርሒታት ናይቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዶም: ብፍላይ ከኣ ናይ ኣቦኦም ምእንቲ ክሰምዑ ኢዩ። ኣቦ ንስድራቤቱ ብስጋውን መንፈሳውን ዘድልዮም ነገራት ናይ ምቕራብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ኣለዎ። (ዘዳግም 6:⁠6, 7፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ሓደ መንእሰይ ብዘይ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪሕነት ኣብ ብስለት ክበጽሕሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘጸግሞ! ስለዚ: ሓደ ቘልዓ ናይ ኣቦኡ ተግሳጽ ብኣኽብሮት ክቕበልዶ ዝግባእ ኣይኰነን፧

እንተዀነ ግን: ዝምህር ኣቦ ዘይብሉ መንእሰይከ እንታይ ኢዩ ዝገብሮ፧ ንኣብነት: እቲ ወዲ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ጀይሰን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ከሎ ብዘይ ኣቦ ተረፈ። a ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ንጀይሰን ካብ ህይወቱ እቲ ኣዝዩ ዘጨንቖ ነገር እንታይ ምዃኑ ምስ ሓተቶ: ብቕጽበት “ብዘይ ኣቦ ምትራፈይ የተሓሳስበኒ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ብሓቂ ይደቝሰኒ ኢዩ” ብምባል መለሰ። ይኹን እምበር: እቶም ካብ ወለዶም መምርሒ ዘይረኽቡ መንእሰያት ዘጸናንዕ ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ጀይሰንን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉን ካብ ሽማግለታት ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብ ዘለዉ ዝበሰሉ ኣሕዋት ኣባታዊ ምኽሪ ክሓቱን ክረኽቡን ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ያእቆብ 1:⁠27

ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ንዕኡ እተዋህቦ ትምህርቲ ክዝክር ከሎ “ኣነውን ነቦይ ውሉድ: ንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ” ብምባል ዘረብኡ ቀጸለ። (ምሳሌ 4:⁠3) እቲ ንጉስ ኣተዓባብያኡ ባህ ዘብል ተዘክሮታት ከም ዘሕደረሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ መንእሰይ ሰሎሞን ንኣባታዊ ምኽሪ ኣርዚኑ ዝርኢ “ውሉድ” ስለ ዝነበረ ምስ ዳዊት ኣቦኡ ምዉቕን ጥብቅን ርክብ ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሰሎሞን ‘ሓደ ጥራይ’ ወይ ኣዝዩ ፍቱው ኢዩ ነይሩ። ቈልዓ ናይ ፍቕሪ ሃዋሁን ምስ ወለዱ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብን ኣብ ዘለዎ ስድራ ክዓብስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ!

ጥበብን ምስትውዓልን ኣጥሪ

ሰሎሞን ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ፍቕራዊ ምኽሪ ክዝክር ከሎ ከምዚ በለ:- “ሽዑ ኣስተምሀረኒ በለኒውን: ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ: ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ንጥበብ ኣጥርያ: ንምስትውዓል [“ምርዳእ: ” NW  ] ኣጥርያ: ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ: ካብኡውን ኣይትዘምብል። [ንጥበብ  ] ኣይትሕደጋ: ንሳ ኸኣ ክትሕልወካ: ኣፍቅራ: ንሳውን ከተዕቍበካ እያ። ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ: ንጥበብ ኣጥርያ: እወ: ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ።”​—⁠ምሳሌ 4:⁠4-7

ጥበብ “ኣውራ ነገር” ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧ ጥበብ ክበሃል ከሎ ንፍልጠትን ምርዳእን ጽቡቕ ፍረ ብዘፍሪ መገዲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ኢዩ። ጥበብ ንምርካብ ፍልጠት የድሊ። ፍልጠት ከኣ ብምዕዛብን ካብ ተመክሮን ወይ ድማ ብምንባብን ምጽናዕን ንጭብጥታት ምስ እተለሊ ወይ ምስ እትፈልጥ ኢዩ ዝርከብ። እንተዀነ ግን: ዝፈለጥናዮ ዘበለ ንሰናይ ነገር ከነውዕሎ እንተ ዘይክኢልና: ፍልጠትና ዳርጋ ዋጋ ዘይብሉ ኢዩ ዝኸውን። ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ብ“እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወልና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብቐጻሊ ከነንብብ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ እተማሃርናዮ ነገር ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ክንጽዕር ኣሎና።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45

ምርዳእ ምጥራይ እውን ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይምርዳእ ጭብጥታት ንሓድሕዱ ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር ክንርዳእን ንሓደ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ክንግንዘቦን ንኽእልዶ ኢና፧ ምርዳእ ምስ ዘይህልወና ሓደ ነገር ስለምንታይ ከም ዝዀነ ክንግንዘብ ከምኡውን ምስትውዓል ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እወ: ካብ እንፈልጦ ጭብጥታት ተበጊስና ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንምብጻሕ ምርዳእ የድልየና ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 9:⁠22, 23

ሰሎሞን: ብዛዕባ ቃላት ኣቦኡ ከዘንቱ ኸሎ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “[ንጥበብ  ] ልዕል ኣብላ: ንሳውን ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሐቘፍካያ: ከተኽብረካ እያ። ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ: ዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።” (ምሳሌ 4:⁠8, 9) ኣምላኻዊ ጥበብ ነቲ ዝሓቝፋ ሰብ ተዕቍቦ ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ክብሪ ትህቦን ተጸብቖን ኢያ። ሃየ እምበኣር: ብእተኻእለና መጠን ጥበብ ነጥሪ።

“ንተግሳጽ ሐዛ”

እቲ ንጉስ እስራኤል ቀጺሉ ከምዚ ብምባል ናይ ኣቦኡ ቃላት ኣቃልሐ:- “ወደየ: ስማዕ: ቃለይ ድማ ተቐበል: ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። ብጐደና ጥበብ መሀርኩኻ: ብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻ። ክትከይድ ከሎኻ: ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን: እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። ህይወትካ እያ እሞ: ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ: ሐልዋውን።”​—⁠ምሳሌ 4:⁠10-13

ሰሎሞን ንኣቦኡ ናይ ሓቂ ውሉድ ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ ትምህርትን መአረምታን ዝዀኖ ዝነበረ ፍቕራዊ ተግሳጽ የማስወሉ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ሚዛኑ ዝሓለወ ተግሳጽ እንተ ዘይረኺብና: ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ክንበጽሕ ወይ ኣነባብራና ከነመሓይሽ ኢልና ከመይ ገይርና ትጽቢት ክንገብር ንኽእል፧ ካብ ጌጋታትና እንተ ዘይተማሂርና ወይ ካብ ግጉይ ኣተሓሳስባና እንተ ዘይተኣሪምና መንፈሳዊ ዕቤት ዳርጋ ኣይንገብርን ኢና። ምኽንያታዊ ዝዀነ ተግሳጽ ኣምላኻዊ ባህሪ ከም እነማዕብል ይገብረና: ስለዚ ኸኣ ‘ብመገዲ ቅንዕና ይመርሓና።’

ብተወሳኺውን: ካልእ ዓይነት ተግሳጽ ‘ዓመታት ዕድሜና ከም ዝበዝሕ’ ይገብር ኢዩ። ብኸመይ፧ የሱስ ክርስቶስ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” በለ። (ሉቃስ 16:⁠10) ብንእሽቶ ነገር ገዛእ ርእስና ንግስጽ እንተድኣ ዄንና: ኣብቲ ንህይወትና ዝትንክፍ ዓቢ ነገራት ከምኡ ንኽንገብር ቀሊልዶ ኣይኰነልናን ኢዩ፧ ንኣብነት: ንዓይንና ‘ንሰበይቲ ክትብህግ ከይትጥምት’ እንተድኣ ኣሰልጢንናያ: ኣብ ጾታዊ ብዕልግና ንኸይንወድቕ ኣጸቢቑ ይድግፈና ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠28) እዚ ስርዓት እዚ ንሰብኡት ኰነ ንኣንስቲ ዝምልከት ኢዩ። ኣእምሮና ‘ንዅሉ ሓሳባት ከም ዝማርኽ’ ገይርና እንተድኣ ኣለማሚድናዮ: ብቓላት ወይ ብተግባር ዓቢ በደል ንኸይንፍጽም ይሕግዘና።​—⁠2 ቈረንቶስ 10:⁠5 NW

ልክዕ ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ተግሳጽ ንኽትቅበሎ የጸግም ኢዩ: ቀያዲ እውን ክመስል ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠11) እንተዀነ ግን: እቲ ጥበበኛ ንጉስ ንተግሳጽ እንተ ሒዝናያ: ኣብ መገድና ዕቤት ንምግባር ከም እትሕግዘና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ግቡእ ስልጠና ንሓደ ጐያዪ ከይወደቐ ወይ ገዛእ ርእሱ ከይጐድአ ምስ ዓቕሙ ብዝመጣጠን ፍጥነት ንቕድሚት ከም ዝኸይድ ዝገብሮ: ንተግሳጽ ምሓዝ ከኣ ኣብ መገዲ ህይወት ከይተዓንቀፍና ብሓደ ዓይነት ኣሰጓጕማ ንኽንቅጽል የኽእለና። ርግጽ ኢዩ: ብዛዕባ እቲ እንመርጾ መገዲ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

ካብ “መገዲ ረሲኣን” ርሓቕ

ሰሎሞን ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ: ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕ: ብእኣ ኣይትሕለፍ: ኣግልሰላ: ክንየዋ ኺድ። እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ: ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ: እከይ ከይገበሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ: ገለ እንተ ዘየውደቑስ: ድቃስ ካብኦም ይበርር። ” ​—⁠ምሳሌ 4:⁠14-17

እቶም ሰሎሞን ክንርሕቆም ዝደልየና ዘሎ ሰባት ብነውራም ተግባራት ኢዮም ዝናበሩ። ሕማቕ ነገር ምግባር ንዖኦም ከም መግብን መስተን ኢዩ። ኣብ ዓመጻ እንተ ዘይተኻፊሎም ክድቅሱ ኣይክእሉን ኢዮም። ጠባዮም እውን ብልሹው ኢዩ! ምስዚኣቶም እናተዓራረኽና ብሓቂ ንልብና ክንሕልዎ ንኽእልዶ ኢና፧ ኣብቲ ዓመጽ ዝመልኦ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ መዘናግዒ ብምጥሓል ‘ብጐደና እቶም እኩያት ምኻድስ’ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ዕሽነት ኰን ኢዩ! ስምዒት⁠-​ኣልቦ ዝገብር ኣብ ተሌቪዥን ወይ ሲነማ ዝቐርብ ትርኢታት ምስቲ ብለውሃት ዝድንግጽ ሰብ ንምዃን ዝግበር ጻዕሪ ኣይቃዶን ኢዩ።

ኣብቲ ብርሃን ጽናሕ

ሰሎሞን ሕጂ እውን ምስ መገዲ ብምምስሳል ከምዚ በለ:- “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።” (ምሳሌ 4:⁠18) ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ነቲ ዝብሎ ኣብ ህይወትካ ተግባራዊ ምግባርን: ምስቲ ገና ከይወግሐ ተሲእካ ጕዕዞ ምጅማር ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ገና ጸልማት ከሎ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። በብቝሩብ እናወግሐ ምስ ከደ ግን: ከባቢና ብዝያዳ ከነለሊ ንኽእል። ኣብ መወዳእታ: ጸሓይ ኳዕ ኢላ ምስ በርሀት ንዅሉ ነገር ኣነጺርና ክንርኢ ንኽእል። እወ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ብትዕግስትን ብትግሃትን ከየባተኽና ምስ እነጽንዕ: እታ ሓቂ እናነጸረትልና ትኸይድ። ንልብና ካብ ናይ ሓሶት ምኽንያታት ክንሕልዎ እንተድኣ ዄንና: ብመንፈስ ክንምግቦ የድልየና።

ትርጕም ወይ ኣገዳስነት ናይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ቀስ ብቐስ ኢዩ ዝግለጽ። ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ትንቢታት ምስ ኣብርሃልና ከምኡውን ኣብ ዓለም ብዘጋጥም ፍጻመታት ወይ ኣብ ተመክሮ ህዝቢ ኣምላኽ ፍጻሜኡ ምስ ረኸበ: እቲ ትንቢታት ንጹር ይዀነልና። ዓቕሊ ብምስኣን ብዛዕባ ፍጻሜታቱ ኣብ ክንዲ እንግምት: ‘እቲ ብርሃን እናወሰኸ ንኽበርህ’ ክንጽበዮ ኣሎና።

እቶም ኣብ ብርሃን ምምልላስ ብምእባይ መምርሒ ኣምላኽ ዝነጸጉ ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞም፧ ሰሎሞን “መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ: እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን” በለ። (ምሳሌ 4:⁠19) እቶም ረሲኣን ከምቲ እንታይ ከም ዝዓንቀፎ ከይፈለጠ ኣብ ጸልማት ደርገፍገፍ ዝብል ሰብ ኢዮም። እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ብሰንኪ ዘይጽድቃዊ ተግባራቶም ዝበልጸጉ እኳ እንተ መሰሉ: እቲ ዝረኽብዎ ናይ ኣምሰሉ ኣሳልጦ ግን ግዝያዊ ጥራይ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምዚ በለ:- “[የሆዋ] ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም: ናብ ጥፍኣት ተውድቖም።”​—⁠መዝሙር 73:⁠18

ንቑሕ ኴንካ ቀጽል

እቲ ንጉስ እስራኤል ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ወደየ: ናብ ቃላተይ ኣቕልብ: እዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኸበን ህይወቱ: ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ: ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን: ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን። ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ።”​—⁠ምሳሌ 4:⁠20-23

ናይ ሰሎሞን ኣብነት እቲ ልብኻ ንምሕላው እተዋህበ ምኽሪ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ የርኢ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ኣብ ግዜ ንእ​ስነቱ ንኣቦኡ “ውሉድ” ምዃኑ ኣመስኪሩ: ክሳዕ ኣጸቢቑ ብዕድመ ዝደፍእ ከኣ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኢዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ኰነ ድማ: ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን [ጓኖት] ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ: ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት: ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።” (1 ነገስት 11:⁠4) ኵሉ ሳዕ ንቑሕ እንተ ዘይኴንካ: እቲ ዝበለጸ ልቢ እውን ከይተረፈ ክፉእ ናብ ምግባር ክሰድዕ ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 17:⁠9) ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መዘኻኸሪታት ኣብ ልብና ክንሕዞ: ማለት ‘ኣብ ውሽጢ ልብና ክንዓቝሮ’ ኣሎና። እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ ኣርባዕተ ዝርከብ መምርሒታት የጠቓልል።

ንዅነታት ልብኻ መርምር

ነቲ ምሳልያዊ ልብና ብዕዉት መገዲ ንሕልዎዶ ኣሎና፧ ውሽጣዊ ኵነታትና እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ የሱስ ክርስቶስ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” በለ። (ማቴዎስ 12:⁠34) ብተወሳኺውን: “ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ቅትለት: ዝሙት: ምንዝር: ስርቂ: ምስክር ሓሶት: ጸርፊ ይወጽእ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 15:⁠19, 20) እወ: ቃላትናን ተግባራትናን እንታይ ዓይነት ልቢ ከም ዘሎና ኣጸቢቑ ይዛረብ ኢዩ።

ሰሎሞን ምስዚ ብምስምማዕ ከምዚ ብምባል ይመኽረና:- “ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ: ንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆ። ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርአያ: ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ: ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ: ንእግርኻ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።”​—⁠ምሳሌ 4:⁠24-27

ንናይ ሰሎሞን ማዕዳ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣዘራርባናን ተግባራትናን ክንምርምር ኣሎና። ንልብና ክንሕልዎ እንተድኣ ዄንና ልግመኛ ኣፍን ውስልትናን ከነርሕቕ ኣሎና። (ምሳሌ 3:⁠32) ስለዚ: ቃላትናን ተግባራትናን ብዛዕባና እንታይ ከም ዝገልጽ ብጸሎት ክንሓስበሉ ኣሎና። ድሕርዚ: ዝዀነ ይኹን ዝፈለጥናዮ ጕድለት ንኽንእርም ሓገዝ የሆዋ ንድለ።​—⁠መዝሙር 139:⁠23, 24

ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ‘ኣዒንትና ቀኒዐን ይርኣያ።’ ኣብቲ ንሰማያዊ ኣቦና ብምሉእ ነፍሲ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ሸቶ ከም ዘተኵራ ንግበረን። (ቈሎሴ 3:⁠23) ከምዚ ዝኣመሰለ ቅኑዕ መገዲ ክትስዕብ ከሎኻ: የሆዋ ኣብ “ኵሉ ጐደናኻ” ዓወት ይሃብካ: ነቲ ‘ንልብኻ ክትሕልዎ’ እተዋህበካ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ብምስዓብካ ኸኣ ኣብዚሑ ይባርኽካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ዝህቡኻ ማዕዳ ተጠቐመሉ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ዓመጽ ዘለዎ መዘናግዒ ተርሕቕዶ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ተግሳጽ ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ኣይጐቶን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ከየባተኽካ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ