ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ህንዲ ብጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምህናጽ

ኣብ ህንዲ ብጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምህናጽ

ንሕና ከምቶም እምነት ዘለዎም ኢና

ኣብ ህንዲ ብጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምህናጽ

 ካብቲ ብሰሜን ዝርከብ ኣዝዩ ገዚፍን ብበረድ እተሸፈነን ኣኽራን ሂማላያ ኣትሒዝካ ክሳዕ እቲ ብደቡብ ዝርከብ ሃፋ ዝመልኦ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ: ህንዲ ጆግራፍያዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ፍልልያት ዝመልኣ ሃገር ኢያ። ካብቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ኣብኣ ዝቕመጥ ህዝቢ 83 ካብ ሚእቲ ሂንዱ: 11 ካብ ሚእቲ ኣስላም: እቲ ዝተረፈ ኸኣ ብስመ-​ክርስትና: ሺኽ: ቡድሂስት: ከምኡውን ብጃይንስ ዝቘመ ኢዩ። ኵሎም ናይ ኣምልኾ ሓርነት ኣለዎም። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ከም ዝገልጾ “ሃይማኖት ኣብ ናብራ ህንዳውያን ዓቢ ግደ ኢዩ ዘለዎ።”

እቲ ምስ ክርስትያናዊ እምነቶም ተሰማሚዖም ዝነብሩ ዝብል ቃላት ነቶም ልዕሊ 21,200 ዝዀኑ ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገልጽ ኢዩ። እቶም ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ብጾቶም: ንጐረባብቶም ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጽኑዕ እምነት ምእንቲ ክሃንጹ ምሕጋዞም ከም መሰል ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ንኣብነት ሓንቲ ኣብታ ብደቡብ ህንዲ እትርከብ ቸናይ እትብሃል ከተማ እትነብር ስድራቤት ብኸመይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ክትፈልጥ ከም ዝኸኣለት ንርአ።

ኣባላት እዛ ስድራቤት እዚኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምርኻቦም ብንጥፈት ናይ ካቶሊክ ካሪዝማቲክ ምንቅስቓሳት ተኸተልቲ ኢዮም ነይሮም: ራእያት ንርኢ: ብቛንቋታት ንዛረብ: ከምኡውን ሕሙማት ንፍውስ ኢና ዝብል ኣረኣእያ ኸኣ ነበሮም። ኣብታ ቤተ-ክርስትያንን ኣብቲ ማሕበረሰብን ምርኡያት ኢዮም ነይሮም: አረ ንገለ ኣባላት ናይዛ ስድራቤት ሰባት “ስዋሚ :” ትርጕሙ ድማ “ጐይታ” ኢሎም ይጽውዕዎም ነይሮም ኢዮም። ብድሕርዚ ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ነዛ ስድራቤት በጽሓ እሞ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ድኣ እምበር ከምቲ ብልምዲ ዝብሃል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኣርኣዮም። ብተወሳኺ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ: ዕላማ የሆዋ ኸኣ ንምድሪ ጽብቕቲ ገነት ምግባር ምዃኑ ኣርኣዮም።​—⁠መዝሙር 83:⁠18 NW ፣ ሉቃስ 23:⁠43፣ ዮሃንስ 3:⁠16

ንቓል ኣምላኽ የኽብሩ ብምዃኖምን ነቲ ዝሰምዕዎ ኸኣ ስለ ዝፈተዉዎን ኣባላት ናይዛ ስድራቤት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ፍቓደኛታት ኰኑ። እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝፈልጥዎም ሰባት ስደት ኣስዓበሎም። ይኹን እምበር: እታ ስድራቤት ነቲ ትገብሮ ዝነበረት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትቅጽል ወሰነት። ፍልጠቶም እናዓበየ ምስ ከደ እምነቶም ድማ ምስ ደልደለ ነቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ገደፍዎ። ሎሚ ሰለስተ ኣባላት ናይዛ ስድራቤት እዚኣ ቅንኣት ዘለዎም ጥሙቓት መሰኻኽር ኢዮም: ኣዲኦም ከኣ ክትክእል ከላ ሓጋዚት ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒት ኰይና ተገልግል።

ንስንክልና ዝስዕር እምነት

እቲ ኣብ ፑንጃብ እትብሃል ገጠር ዝነብር ሳንደር ላል ዝብሃል ሰብኣይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ሰባት ንኽነግር ዓቢ እምነትን ትብዓትን የድልዮ ነበረ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ሓደ ካብቲ ምኽንያት: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋ ምእንቲ ከምልኽ ነቶም ናይ ስድራቤቱን ዓዱን ዝዀኑ ብዙሓት ኣማልኽቲ ምምላኽ ብምሕዳጉ ኢዩ። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ ኣእጋር ስለ ዘይብሉ ኢዩ።

ክሳብ 1992 ሳንደር ላል ሓደ ዓይነት ተደጋጋሚ ህይወት ኢዩ ነይርዎ። ከም ሓጋዚ ናይ ሓደ ዶክተር ኰይኑ ኢዩ ዝሰርሕ ነይሩ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ዝመረጽዎ ጉሩ (ሃይማኖታዊ መምህር) ዀይኖም እተፈላለዩ ኣማልኽቲ ኣብ ምምላኽ ከኣ ምስ ስድራቤቱ ይሓብር ነበረ። ብድሕርዚ ሓደ ምሸት መገዲ ባቡር ክሰግር ከሎ ወደቐ። ባቡር ድማ ረገጸቶ እሞ ካብ ሰለፉ ንታሕቲ ንኽልቲአን ኣእጋሩ ቈረጸቶ። ዋላ እኳ ብህይወት እንተ ተረፈ ዓለም ጸልመተቶ። ሳንደር ላል ዓሚቝ መንፈስ ጭንቀት ሓዞ: አረ ርእሰ-ቕትለት እውን ከይተረፈ ክፍጽም ሓሲቡ ነይሩ። ስድራቤቱ ይድግፍዎ እኳ እንተ​ነበሩ ንመጻኢ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኣይነበሮን።

ብድሕርዚ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ እንዳ ሳንደር ላል ከደ እሞ ኣምላኽ ንምድሪ ባህ እተብል ገነት ክገብራ ከም ዝዀነ ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ዝፈርሁን ዘበሉ ኵሎም ድማ ፍጹም ጥዕና ከም ዝህቦም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣዮ። ሳንደር ላል ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማምዐ: ንሓደ ዓመት ድማ ብህርኵትና ኣጽንዐ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈል ይዕድምዎ ነበሩ: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ብሽክለታ ናይ ሓደ ዓርኩ ተጐራቢቱ ከደ። ዋላ እኳ ክጓዓዝ ከሎ እንተ ኣሕመሞ: እቲ ዝረኸቦ ዓስቢ ዓቢ ኢዩ ነይሩ። ምስ ካልኦት ንመብጽዓ ኣምላኽ ብሓቂ ዝኣምኑን ብመሰረት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነብሩን ሰባት ምስ ተራኸበ እቲ ኣብ ናይ ብሕቱ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ሓቂ ምዃኑ ተረጋገጸሉ።

ሳንደር ላል እቲ ብስራት ንጐረባብቱ ክነግር ጀመረ: ኣብ 1995 ድማ ተጠመቐ። ኣብ መጀመርታ ከምቲ ልሙድ ዝነበረ ኣገባብ ምንቅስቓሱ ኣብታ ዓዲ እንዳተንፈሓዀ ካብ ቤት ናብ ቤት ይኸይድ ነበረ። ሕጂ ግን ካብቶም ብመንፈስ ኣሕዋቱ ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ብኢድ “እትዝወር” ብሽክለታ ህያብ ረኺቡ ኢዩ። ሎሚ ሳላ እታ ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ብሽክለትኡ ናብታ ዓሰርተ ክልተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ጉባኤ ብዘይ ናይ ካልእ ሰብ ሓገዝ ንበይኑ ክኸይድ ይኽእል ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ ሞንሱን ዝብሃል ብርቱዕ ንፋስ ካልእ ግዜ ድማ ልዕሊ 43 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዋዒ ኣብ ዝህልወሉ እዋናት እውን ብብሽክለትኡ ይኸይድ።

ኣብ ርእሲ ኣኼባታት ምኻድ ሳንደር ላል ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ምእንቲ ክሃንጹ ሓገዝ ምስ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ። አረ ሸውዓተ ካብቶም ምስኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ዝነበሩ ከምኡውን ንሱ ዝረኸቦም ግን ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጽንዑ ሰለስተ ሰባት ሕጂ እተጠመቑ ኢዮም።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ‘እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።’ (2 ተሰሎንቄ 3:⁠2) ‘እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዅላቶም’ ግን ስርዓታውያን ኰይኖም ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ጽንዕቲ እምነት ክሃንጹ ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48) ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ኣዒንትና በቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘገርም ተስፋ ከም ዝበርሃ ይገብረን። ነዚ ተስፋ እዚ ካብ ህዝቢ ህንዲ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት እምነት ይገብሩሉ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣፍጋኒስታን

ፓኪስታን

ኔፓል

ብሁታን

ቻይና

ባንግላድሽ

ሚያንማር

ላኦስ

ታይላንድ

ቬትናም

ካምቦድያ

ስሪላንካ

ህንዲ

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.