ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል እምነት ይሃሉኻ!

ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል እምነት ይሃሉኻ!

ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል እምነት ይሃሉኻ!

“ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና።”​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠19

1, 2. ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ካብ ዝርከብ ናይ መጀመርታ ትንቢት ኣየናይ ኢዩ: ሓደ ካብቲ ዘልዓሎ ሕቶታትከ እንታይ ነበረ፧

 የሆዋ ምንጪ ናይቲ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ናይ መጀመርታ ትንቢት ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ: ኣምላኽ ነቲ ተመን ከምዚ በሎ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀንኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ዘፍጥረት 3:​1-7, 14, 15) ሰባት ነዚ ትንቢታዊ ቃላት እዚ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምርድኦም ዘመናት ክሓልፍ ነበሮ።

2 እቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት ንሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ናይ ሓቂ ተስፋ ሂብዎም ኢዩ። ደሓር ሰይጣን ድያብሎስ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ምዃኑ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገልጸ። (ራእይ 12:⁠9) እቲ ኣምላኽ እተማባጽዖ ዘርኢ ግን መን ኰን ክኸውን ኢዩ፧

ነቲ ዘርኢ ምድላይ

3. ኣቤል ኣብቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት እምነት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

3 እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣቤል ከም ኣቦኡ ዘይኰነስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት እምነት ኣርእዩ ኢዩ። ኣቤል ሓጢኣት ንምሽፋን ምፍሳስ ደም ኣድላዪ ምዃኑ ከም እተረድአ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ: ብእምነት ተደሪኹ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ኣቕረበ። (ዘፍጥረት 4:⁠2-4) ገና ግን: መንነት ናይቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ምስጢር ኢዩ ነይሩ።

4. ኣምላኽ ንኣብርሃም እንታይ መብጽዓ ኣተወሉ: እዚኸ ብዛዕባ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ እንታይ ይሕብር፧

4 ካብቲ ኣቤል ዝነበረሉ እዋን ገለ 2,000 ዝኸውን ዓመታት ጸኒሑ: የሆዋ ንሓደ ካብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ ኣብርሃም እዚ ዝስዕብ ትንቢታዊ መብጽዓ ኣተወሉ:- ‘ኣዝየ ኽባርኸካ ኢየ: ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣዝየ ከብዝሖ ኢየ። ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ክባረኹ ኢዮም።’ (ዘፍጥረት 22:⁠17, 18) እዘን ቃላት እዚኣተን ንኣብርሃም ምስ ፍጻሜ ናይቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት ኣተሓሓዝኦ። እቲ ንግብሪ ሰይጣን ዘፍርስ ዘርኢ ብመስመር ውልድነት ኣብርሃም ክመጽእ ምዃኑ እውን ዝሕብራ ኢየን። (1 ዮሃንስ 3:⁠8) ኣብርሃም ‘ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን:’ እቶም ‘ነታ ተስፋ ዘይረኸብዋ’ ካልኦት ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር የሆዋ እውን ኣይተወላወሉን። (ሮሜ 4:⁠20, 21፣ እብራውያን 11:⁠39) ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዝነበሮም እምነት ኣጽኒዖም ሒዞም ኢዮም።

5. እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብ መን ተፈጸመ: ምኽንያት ናይቲ እትህቦ መልሲኸ እንታይ ኢዩ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣምላኽ እተማባጽዖ ዘርኢ ከምዚ ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ገሊጽዎ ኣሎ:- “እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሀል: ንዘርእኻ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር: ንብዙሓት ከም ዚብሀል: ነዝርእቲ: ኣይብልን እዩ።” (ገላትያ 3:⁠16) እቲ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ዝባረኹሉ ዘርኢ ንዅሎም ውሉዳት ኣብርሃም ዘጠቓልል ኣይነበረን። ዘርኢ እስማኤል ወዱ ዀነ ዘርኢ እቶም ቄጡራ ዝወለደትሉ ኣወዳት ንደቅሰብ ንምብራኽ ኣይጠቐሙን። እቲ ዝባርኽ ዘርኢ ብወዱ ይስሃቅ ከምኡውን ብወዲ ወዱ ያእቆብ ኣቢሉ ኢዩ ዝመጸ። (ዘፍጥረት 21:⁠12፣ 25:⁠23, 31-34፣ 27:⁠18-29, 37፣ 28:⁠14) ያእቆብ “ህዝብታት” ንናይ ነገድ ይሁዳ ሺሎ ከም ዝእዘዝዎ ሓበረ: ድሓር ግን እቲ ዘርኢ ኣብ መስመር ውልድነት ዳዊት ጥራይ ተወሰነ። (ዘፍጥረት 49:⁠10፣ 2 ሳሙኤል 7:⁠12-16) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ሓደ ሰብ ከም መሲህ ወይ ክርስቶስ ኰይኑ ክመጽእ ይጽበዩ ነበሩ። (ዮሃንስ 7:⁠41, 42) ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ እተነበዮ ትንቢት ከኣ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ተፈጺሙ።

እቲ መሲህ ይመጽእ!

6. (ሀ) እቲ ብዛዕባ 70 ሰሙን እተነግረ ትንቢት ብኸመይ ኢና ክንርድኦ እንኽእል፧ (ለ) የሱስ መዓስን ብኸመይን ኢዩ ‘ንሓጢኣት ዝወድኦ፧’

6 ነብዪ ዳንኤል ሓደ ኣገዳሲ መሲሓዊ ትንቢት መዝገበ። ኣብ ቀዳማይ ዓመት ግዝኣት ዳርዮስ ሜዶናዊ እቲ የሩሳሌም ዓንያ እትጸንሓሉ 70 ዓመት ክውዳእ ከም ዝቐረበ ኣስተውዓለ። (ኤርምያስ 29:⁠10፣ ዳንኤል 9:⁠1-4) ዳንኤል ክጽሊ ኸሎ: ገብርኤል መልኣኽ መጸ እሞ ‘ሓጢኣት ንኽውዳእ ሰብዓ ሰሙን ከም እተመደበ’ ገለጸሉ። ኣብ ፈረቓ ናይታ መበል 70 ሰሙን እቲ መሲህ ክቕተል ነበሮ። እተን “ሰብዓ ናይ ዓመታት ሰሙናት” ፋርሳዊ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ቀዳማይ ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. ‘የሩሳሌም ክትህነጽ ዝብል ቃል ምስ ኣውጽአ’ ጀመራ። (ዳንኤል 9:⁠20-27 ትርጕም ሞፋት፣ ነህምያ 2:⁠1-8) እቲ መሲህ ድሕሪ 7 ሰሙናትን 62 ሰሙናትን ክመጽእ ነበሮ። እዘን 483 ዓመታት ካብ 455 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚረን ኣብታ የሱስ እተጠመቐላ: ኣምላኽ ከኣ ከም መሲህ ወይ ክርስቶስ ገይሩ ዝቐብኦ 29 ከ.ኣ.ዘ. የብጽሓና። (ሉቃስ 3:⁠21, 22) ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ንህይወቱ በጃ ብምሃብ ‘ንሓጢኣት ወድኦ።’ (ማርቆስ 10:⁠45) እዝስ ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል: እምነት ንኸነሕድር ዘኽእል ከመይ ዝበለ ብቑዕ ምኽንያት ኰን ኢዩ! a

7. ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይርካ የሱስ ብኸመይ ነቲ መሲሓዊ ትንቢታት ከም ዝፈጸሞ ግለጽ።

7 ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል እምነት ምግባር ነቲ መሲህ ክንፈልጦ የኽእለና። ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ እተመዝገበ ብዙሕ መሲሓዊ ትንቢታት: ሓያሎ ብቐጥታ ኣብ የሱስ ከም ዝወዓለ ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ገሊጾም ኢዮም። ንኣብነት: የሱስ ካብ ድንግል ኣብ ቤተ⁠-​ልሄም ተወልደ። (ኢሳይያስ 7:⁠14፣ ሚክያስ 5:⁠2፣ ማቴዎስ 1:⁠18-23፣ ሉቃስ 2:⁠4-11) ካብ ግብጺ ተጸውዐ: ምስ ተወልደ ኸኣ ሕጻናት ተቐትሉ። (ኤርምያስ 31:⁠15፣ ሆሴእ 11:⁠1፣ ማቴዎስ 2:⁠13-18) የሱስ ንሕማምና ጾረ። (ኢሳይያስ 53:⁠4፣ ማቴዎስ 8:⁠16, 17) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ። (ዘካርያስ 9:⁠9፣ ዮሃንስ 12:⁠12-15) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸሓፎ ቃላት: የሱስ ድሕሪ ምስቃሉ እቶም ዓቀይቲ ነቲ ክዳውንቱ ምስ ተማቐልዎን ነቲ ቐምሹ ዕጭ ምስ ኣውደቑሉን ተፈጸመ። (መዝሙር 22:⁠18፣ ዮሃንስ 19:⁠23, 24) ኣዕጽምቲ የሱስ ብዘይምስባሩን ምስ ወግእዎን እውን ትንቢት ተፈጺሙ ኢዩ። (መዝሙር 34:⁠20፣ ዘካርያስ 12:⁠10፣ ዮሃንስ 19:⁠33-37) እዚ ሒደት ኣብነታት ናይቲ ብመለኮታዊ መንፈስ ተመሪሖም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት ዝመዝገብዎ ኣብ የሱስ እተፈጸመ መሲሓዊ ትንቢታት ኢዩ። b

ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ወድሶ!

8. እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ መን ኢዩ: እቲ ኣብ ዳንኤል 7:⁠9-14 እተመዝገበ ትንቢትከ ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧

8 ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ: የሆዋ ንዳንኤል ሕልምን ዘደንቕ ራእያትን ኣርኣዮ። እቲ ነብዪ መጀመርታ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ረኣየ። መልኣኽ ኣምላኽ ብተኸታታሊ ዝመጹ ሓይሊ ዓለም ምዃኖም ብምሕባር “ኣርባዕተ ነገስታት” ብምባል ገለጾም። (ዳንኤል 7:⁠1-8, 17) ድሕርዚ: ዳንኤል ነቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” የሆዋ ኣብ ግርማዊ ዝፋን ኮፍ ኢሉ ኸሎ ረኣዮ። ኣንጻር እቶም ኣራዊት ብምፍራድ ግዝኣቶም ወሰዶ: ነቲ ራብዓይ ኣራዊት ከኣ ኣጥፍኦ። “ወዲ ሰብ ዚመስል” ድማ ኣብ ልዕሊ “ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን” ዘለኣለማዊ ግዝኣት ተዋህቦ። (ዳንኤል 7:⁠9-14) እዝስ ነቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ እተፈጸመ ንንግስና ናይቲ ‘ወዲ ሰብ’ ዝበሃል የሱስ ክርስቶስ ዝምልከት ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ትንቢት ኰን ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 16:⁠13

9, 10. (ሀ) እቲ እተፈላለየ ክፍልታት ናይቲ ኣብ ሕልሚ እተራእየ ምስሊ ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) ፍጻሜ ናይ ዳንኤል 2:⁠44 ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

9 ኣምላኽ “ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም” ከም ዘሎ ዳንኤል ይፈልጥ ነበረ። (ዳንኤል 2:⁠21) እቲ ነብዪ ኣብቲ “ምስጢራት ዚገልጽ” የሆዋ እምነት ብምግባር ንትርጕም ናይቲ ባቢሎናዊ ንጉስ ነቡካድነጻር ብሕልሚ ዝረኣዮ ዓብዪ ምስሊ ገለጾ። እቲ እተፈላለየ ክፍልታቱ ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ከም ባቢሎን: ሜዶንን ፋርስን: ግሪኽ: ከምኡውን ሮሜ ዝኣመሰላ ሓይልታት ዓለም ኢዩ ዘመልክት። ብተወሳኺ ኣምላኽ ክሳዕ እዚ ግዜናን ብድሕሪኡን ዝኸውን ፍጻመታት ዓለም ንምሕባር ንዳንኤል ተጠቒምሉ ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠24-30

10 እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:⁠44) “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ምስ ተወድአ: ኣምላኽ ብክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ ኣቘመ። (ሉቃስ 21:⁠24፣ ራእይ 12:⁠1-5) ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ “እምኒ” ናይ መሲሓዊት መንግስቲ ብመለኮታዊ ሓይሊ ካብቲ “ኸረን” ናይ ኣድማሳዊ ሉዓላውነት ኣምላኽ ተፈንቀለት። ኣብ ኣርማጌዶን እታ እምኒ ነቲ ምስሊ ክትወቕዖን ክትድዕምኾን ኢያ። እታ መሲሓዊት መንግስቲ ‘ንብዘላ ምድሪ’ እትጸሉ ምምሕዳራዊ ከረን ብምዃን ንዘለኣለም ክትቀውም ኢያ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠35, 45፣ ራእይ 16:⁠14, 16 c

11. ናይ የሱስ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ናይ ምንታይ መርኣያ ኢዩ: እቲ ራእይ እቲ ንጴጥሮስ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረሉ፧

11 የሱስ ንግዝኣት መንግስቱ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ: ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዝርእይዎ: ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኣለዉ’ ኢሉ ነገሮም። (ማቴዎስ 16:⁠28) ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልትታት: የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ ናብቲ ኣብ ቅድሚኦም ብተኣምራታዊ መገዲ ትርኢቱ እተለወጠሉ ነዊሕ ከረን ደየበ። ነቶም ሃዋርያት ብሩህ ደበና ኣጐልቢብዎም ከሎ: ኣምላኽ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ኢሉ ኣወጀ። (ማቴዎስ 17:⁠1-9፣ ማርቆስ 9:⁠1-9) ኣየ ከመይ ዝበለ ክብሪ መንግስቲ ክርስቶስ ዝገልጽ መርኣያ ኰን ኢዩ! እምበኣር ጴጥሮስ ነቲ ኣንጸባራቒ ራእይ ምጥቃሱ: “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና” ምባሉ ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠16-19 d

12. እዚ ግዜ እዚ ብፍላይ ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ንዘላትና እምነት እነርእየሉ ግዜ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እቲ “ቓል ትንቢት” ነቲ ብዛዕባ መሲህ እተነግረ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ትንቢታት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ የሱስ “ብብዙሕ ሓይልን ግርማን” ከም ዝመጽእ እተዛረቦ እውን ከም ዘጠቓልል ግሁድ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠30) እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ነቲ ክርስቶስ ብሓይሊ መንግስቱ ብኽብሪ ከም ዝመጽእ ዝገልጽ ቃል ትንቢት የረጋግጾ። እቲ ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ዝገሃድ ክብሩ ነቶም እምነት ዘይብሎም ጥፍኣት: ነቶም እምነት ዘርኣዩ ኸኣ በረኸት ማለት ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-10) ፍጻሜ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት: እዚ እዋን እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዝዀነ የረጋግጸልና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5, 16, 17፣ ማቴዎስ 24:⁠3-14) እቲ ናይ የሆዋ ቀንዲ ፈጻሚ ፍርዲ ዝዀነ ሚካኤል ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ግዜ እቲ “መከራ” ነዚ እኩይ ኣገባብ ከም ዘብቅዕ ንምግባር ክመጽእ ተዳልዩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠21፣ ዳንኤል 12:⁠1) ስለዚ: እዚ ግዜ እዚ ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዘላትና እምነት እነርእየሉ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።

ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዘላትካ እምነት ኣጽኒዕካ ሓዛ

13. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኣጽኒዕና ንኽንሕዛን ኣብ ቃሉ ዘላትና እምነት ህያው ኰይና ንኽትቅጽልን ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

13 ብዛዕባ ፍጻሜታት ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተማሃርና ብርግጽ ተሓጒስና ኢና። እንተዀነ ግን: እምነትና ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ጐዲላ ወይ ፍቕርና ዝሒላዶ ኢያ፧ ፈጺምና ከምቶም ‘ቀዳመይቲ ፍቕሮም ዝሓደጉ’ ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣይንኹን። (ራእይ 2:⁠1-4) ንየሆዋ ዘገልገልናዮ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ ኣብ ሰማይ መዝገብ ምእንቲ ክንእክብ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተ ዘይደሊና’ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠19-21, 31-33) መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ምጽናዕ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል: ከምኡውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ ምስባኽ ነታ ኣብ የሆዋን ወዱን ቅዱሳት ጽሑፋትን ዘላትና ፍቕሪ ኣጽኒዕና ንኽንሕዛ ይሕግዘና ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠105፣ ማርቆስ 13:⁠10፣ እብራውያን 10:⁠24, 25) እዚ እውን ብግዴኡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘላትና እምነት ህያው ኰይና ከም እትቕጽል ይገብር።​—⁠መዝሙር 106:⁠12

14. ቅቡኣት ክርስትያናት ስለቲ ኣብ ናይ የሆዋ ትንቢታዊ ቃል ዝነበሮም እምነት ዓስቢ ዝረኸቡ ብኸመይ ኢዮም፧

14 ልክዕ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ፍጻሜኡ ዝረኸበ: ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ እተነበዮ እውን እምነት ክንገብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ክርስቶስ ብኽብሪ መንግስቱ ከም ዝመጸ ርግጽ ኢዩ: እቶም ክሳዕ ሞት እሙናት ዝዀኑ ቅቡኣት ክርስትያናት ድማ ንፍጻሜ ናይቲ “ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ” ዝብል ትንቢታዊ መብጽዓ ርእዮሞ ኢዮም። (ራእይ 2:⁠7, 10፣ 1 ተሰሎንቄ 4:⁠14-17) የሱስ ነዞም ዕዉታት ሰባት ኣብ ሰማያዊት “ገነት ኣምላኽ” ‘ኦም ህይወት ናይ ምብላዕ’ መሰል ክህልዎም ምዃኑ ኣረጋገጸሎም። ኣብ ግዜ ትንሳኤኦም ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ካብቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ: ዘይሐልፍ: ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዘረጋገጸሎም ዘይመውትን ዘይሓልፍን ህይወት ክካፈሉ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠17፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠50-54፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:⁠10) እዝስ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘላቶም ዘይትጠፍእ ፍቕርን ኣብ ትንቢታዊ ቃሉ ዘላቶም ዘይትነቓነቕ እምነትን ዝኸውን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ዓስቢ ኰን ኢዩ!

15. መሰረት ናይ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ኣብ መን ኢዩ እተሰረተ: ተሓባበርቶምከ መን ኢዮም፧

15 እቶም ሞይቶም ዝነበሩ እሙናት ቅቡኣት ተንሲኦም ናብ ሰማያዊት “ገነት ኣምላኽ” ምስ ኣተዉ ብዙሕ ከይጸንሐ: እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ መንፈሳውያን እስራኤል ካብታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ሓራ ወጹ። (ራእይ 14:⁠8፣ ገላትያ 6:⁠16) ኣብዚኣቶም መሰረት ናይ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ተሰረተ። (ራእይ 21:⁠1) በዚ ኸምዚ ድማ ሓንቲ ‘ሃገር’ ተወልደት ከምኡውን ክሳዕ እዚ ሎሚ ኣብ ብምልእታ ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ደረጃ ናይ መንፈሳዊ ገነት ዝብጻሕ እናዓበየት ከደት። (ኢሳይያስ 66:⁠8) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ተሓባበርቲ ናይቶም መንፈሳውያን እስራኤል ናብታ መንፈሳዊት ገነት ይውሕዙ ኣለዉ።​—⁠ኢሳይያስ 2:⁠2-4፣ ዘካርያስ 8:⁠23፣ ዮሃንስ 10:⁠16፣ ራእይ 7:⁠9

ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ኣቐዲሙ እተነግረ መጻኢ ደቅሰብ

16. ተስፋ ናይቶም እሙናት ደገፍቲ ቅቡኣት እንታይ ኢዩ፧

16 ተስፋ ናይቶም እሙናት ደገፍቲ ቅቡኣት እንታይ ኢዩ፧ እዚኣቶም እውን ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል እምነት ኣለዎም: ተስፍኦም ከኣ ኣብ ምድራዊት ገነት ምእታው ኢዩ። (ሉቃስ 23:⁠39-43) ኣብኡ ካብቲ ህይወት ዝህብ “ርባ ማይ ህይወት” ክሰትዩ: ‘በቝጽልቲ’ ናይተን ብጐኒ እቲ ሩባ እተተኽላ ‘ኣእዋም’ ከኣ ክፍወሱ ኢዮም። (ራእይ 22:⁠1, 2) ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ተስፋ እንተሎካ: ንየሆዋ ዘሎካ ዓሚቝ ፍቕርን ኣብ ትንቢታዊ ቃሉ ዘሎካ እምነትን ምርኣይ ቀጽል። ካብቶም ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ረኺቦም ደረት ዘይብሉ ሓጐስ ዘስተማቕሩ ይግበርካ።

17. ኣብ ምድራዊት ገነት ዝህሉ ህይወት እንታይ በረኸታት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ፧

17 ዘይፍጹማት ሰባት ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ዝህሉ ህይወት ክገልጽዎ ኣይክእሉን ኢዮም: ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ንእዙዛት ደቅሰብ ተቐሪብሎም ዘሎ በረኸታት ከም እነስተውዕል ይገብረና ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይተጻራሪ ክትገዝእ ከላ ከምኡውን ፍቓዱ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ እውን ምስ ኰነ: “እከይን ጕድኣትን ዚገብር” ሕሱም ሰብ ኰነ እንስሳ “ኣይኪህሉን እዩ።” (ኢሳይያስ 11:⁠9፣ ማቴዎስ 6:⁠9, 10) ትሑታት ንምድሪ ክሰፍርዋ ኢዮም: “ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:⁠11) ብጥሜት ዝሳቐዩ ህዝብታት ኣይክህልዉን ኢዮም: ከመይሲ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” ኢዩ። (መዝሙር 72:⁠16) ንብዓት ሓዘን ኣይክህሉን ኢዩ። ሕማም ክጠፍእ: ሞት እውን ከይተረፈ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:⁠24፣ ራእይ 21:⁠4) ሓካይም: መድሃኒታት: ሆስፒታላት ወይ መዕቈቢ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት: ቀብሪ ዘይህልወሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። ኣየ ከመይ ዝበለ ግሩም ተስፋታት ኰን ኢዩ!

18. (ሀ) ዳንኤል ብዛዕባ እንታይ ኢዩ መረጋገጺ ተዋሂብዎ፧ (ለ) ‘ግደ’ ዳንኤል እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

18 ሞት ተሪፉ ትንሳኤ ምስ ተተክአ እቲ ተራ መቓብር ደቅሰብ እውን ከይተረፈ ጥርሑ ክተርፍ ኢዩ። እቲ ጻድቕ እዮብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ተስፋ ነበረቶ። (እዮብ 14:⁠14, 15) ዳንኤል እውን መልኣኽ ኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘጸናንዕ መረጋገጺ ስለ ዝሃቦ እዛ ተስፋ እዚኣ ኣላቶ:- “ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ። ክትዐርፍ: በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ።” (ዳንኤል 12:⁠13) ዳንኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ኢዩ። ሕጂ ሞይቱ ኢዩ ዘሎ: እንተዀነ ግን ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ‘ብትንሳኤ ጻድቃን’ ‘ክትንስእ’ ኢዩ። (ሉቃስ 14:⁠14) ‘ግደ’ ዳንኤል እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ ኣብ ገነት ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ቦታ ክህልዎም ምዃኑ: አረ እታ ምድሪ እውን ፍትሓውን ስርዓት ብዘለዎ መገድን ክትከፋፈል ምዃና ትንቢት ህዝቅኤል ይሕብር ኢዩ። (ህዝቅኤል 47:⁠13–48:⁠35) ስለዚ: ዳንኤል ኣብ ገነት ቦታ ክህልዎ ኢዩ: እቲ ኣብኡ ዘለዎ ግደ ግን መሬት ካብ ምርካብ ንላዕሊ ኢዩ ዘጠቓልል። ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ቦታ ዘጠቓልል ኢዩ።

19. ኣብ ምድራዊት ገነት ህይወት ንምርካብ እንታይ ብቕዓታት ምምላእ የድሊ፧

19 ንስኻን ግደኻንከ፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት እንተሎካ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ህይወት ንምርካብ ከም እትናፍቕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምናልባት እውን ገዛእ ርእስኻ ኣብኡ ኣእቲኻ ነቲ በረኸታት ከተስተማቕሮ: ንምድሪ ክትከናኸና: ከምኡውን ነቶም ምዉታት ብሓጐስ ሓንጐፋይ ኢልካ ክትቅበሎም ከሎኻ ትሓስብ ትኸውን። ከመይሲ ደቅሰብ ኣብ ገነት ክነብሩ ኢዮም ተፈጢሮም። ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ክነብሩ ኢዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 2:⁠7-9) እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ድማ ኢዩ ዝደሊ። ካብ መንጎ እቶም ኣብ መወዳእታ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝነብሩ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምእንቲ ክትከውን ንተግባርካ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣሰማሚዕካዶ ክትመላለስ ኢኻ፧ ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ሓቀኛ ፍቕሪ: ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ከኣ ክምህ ዘይትብል እምነት እንተ ኣልያትካ ኣብኡ ክትኣቱ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ኣብ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 11 ከምኡውን ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ኣብ ትሕቲ “ሰብዓ ሰሙናት” ዝብል ኣርእስቲ ርአ: ክልቲአን መጻሕፍቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ ኢየን።

b ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኦል ስክሪፕቸር ኢዝ ኢንስፓይርድ ኦቭ ጎድ ኤንድ በነፊሻል ” ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 343-4 ርአ።

d ኣብታ ናይ 1 ሚያዝያ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ኣቕልበሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እታ ናይ መጀመርታ ትንቢት እንታይ ኢያ: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢኸ መን ኢዩ፧

• ገለ ካብቲ ኣብ የሱስ እተፈጸመ መሲሓዊ ትንቢታት ኣየናይ ኢዩ፧

ዳንኤል 2:⁠44, 45 ብኸመይ ክፍጸም ኢዩ፧

• ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ብዛዕባ ናይ እዙዛት ደቅሰብ መጻኢ እንታይ ይሕብር፧

[ምንጪ ስእሊ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ምድራዊት ገነት ህይወት ንምርካብ ተስፋ ትገብርዶ ኣሎኻ፧