ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወንጌል ታሪኽ ድዩ ወይስ ጽውጽዋይ፧

ወንጌል ታሪኽ ድዩ ወይስ ጽውጽዋይ፧

ወንጌል ታሪኽ ድዩ ወይስ ጽውጽዋይ፧

 እቲ ንጕዕዞ ታሪኽ ወድሰብ ክቕይር ከሎ መንእሰይ ዝነበረ የሱስ በዓል ናዝሬት: ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሕብረተሰባት ዝሰረጸ ዛንታ ኣለዎ። እዚ ዛንታ እዚ ክፍሊ ናይቲ ሰባት ብወግዒ ይኹን ብዘይወግዒ ዝረኽብዎ ትምህርቲ ኢዩ። ንወንጌል ምንጪ ናይ ግዜ ዘይሓልፎ ሓቅታት ከምኡውን ምንጪ ናይ ከም “እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ይኹን” ዝኣመሰለ ብሂላት ገይሮም ዝቘጽርዎ ብዙሓት ኢዮም። (ማቴዎስ 5:⁠37) ወለድኻ ክርስትያናት ይንበሩ ኣይንበሩ ብዘየገድስ: እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸብጻብ ነቲ ዝመሃሩኻ ትምህርቲ መሰረት ኰይንዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ወንጌል ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ቅኑዓት ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ብሰንኩ ንኽሳቐዩን ንኽሞቱን ፍቓደኛታት ዝዀኑሉ ሰብኣይ መብርሂ ሂብዎም ኢዩ። ብተወሳኺውን ወንጌል ንትብዓት: ምጽማም: እምነት: ከምኡውን ንተስፋ ዝኸውን መሰረት ክህብን ምንጪ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ክኸውንን ጸኒሑ ኢዩ። እሞኸ ደኣ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ከም ተራ ልቢ ወለድ ቈጺርካ ንምንጻጉ: ዲግ ዝበለ መርትዖ ኣይመድለየንዶ ምበልካ፧ ሓደ ሰብ ንሓቅነት እቲ ወንጌል ዝህቦ ጸብጻብ ዝምልከት ምጥርጣር ክዘርእ ምስ ዝደሊ: ነቲ እዚ ጸብጻባት እዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ደቅሰብ ኣተሓሳስባን ባህርይን ክገብሮ ዝጸንሐ ሓያል ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው: ዘእምን ድልዱል መርትዖ ክቐርበልካ ኣይምሓተትካንዶ፧

ንብርክት ዝበለ ካብቲ ንወንጌል ዝምልከት ኣጸቢቕካ ከም እትሓስበሉ ዝገብር ሕቶታት ክትምርምር ዕድመ ነቕርበልካ ኣሎና። ኣብ ወንጌል መጽናዕቲ ዘካይዱ ሰባት ብዛዕባ እዚ ክርክራት እዚ ንዝህብዎ ሓሳብ ባዕልኻ ክትግንዘቦ ፈትን: ርግጽ ኢዩ ገለ ካብዚኣቶም ንገዛእ ርእሶም ክርስትያናት ከም ዘይኰኑ ኢዮም ዝዛረቡ። ድሕሪኡ ኣብ ርጡብ ሓበሬታ እተመስረተ ናይ ገዛእ ርእስኻ መደምደምታ ኽትገብር ኢኻ።

ክሕሰበሉ ዝግባእ ሕቶታት

ወንጌል ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ፈጠራ ክኸውን ይኽእልዶ፧

መስራቲ ናይ የሱስ ሰሚናር ዝዀነ ሮበርት ፋንክ ከምዚ ይብል:- “ማቴዎስ: ማርቆስ: ሉቃስ: ከምኡውን ዮሃንስ ምስቲ ድሕሪ ሞት የሱስ ዝማዕበለ ሰረተ-እምነት ክርስትና ከም ዝሰማምዓሎም ገይሮም ኢዮም ‘ንመሲሕ ኣቕሪቦምዎ።’ ” ይኹን እምበር: ወንጌል ክጸሓፍ ከሎ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ነገራት ዝሰምዑ: ንተግባራቱ ዝረኣዩ: ንዕኡ እውን ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝረኣይዎ ሰባት ገና ብህይወት ኢዮም ነይሮም። ነቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ከኣ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምትላል ከም ዝፈጸሙ ገይሩ ዝኸሰሶም ኣካል ኣይነበረን።

ንሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ እስከ ንርአ። ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ትውክልቲ ዝግበሮ ጸብጻብ ሒዙ ዘሎ ወንጌል ጥራይ ኣይኰነን: እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠርኒፋ ዘላ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሰደዳ ቀዳመይቲ መልእኽቲ እውን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ኣለዋ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዅሉ ነጊረኩም እየ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ: ተቐብረ ኸኣ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ: ንኬፋ: ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ: ድሕሪኡ: ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ: ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ: ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። ድሕሪኡ ንያእቆብ: ድሕሪኡ ኸኣ ንዅላቶም ሃዋርያት ተራእየ። ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንኣይ: ቍላዕ ንዝመስል: ተራእየኒ።” (1 ቈረንቶስ 15:⁠3-8) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነቲ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዝገልጽ ታሪኻዊ ጭብጥታት ዝዕቅቡ ኢዮም ነይሮም።

እቲ ዘመናውያን ሃየስቲ ከም ዘሎ ዝዛረብሉ ፈጠራ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ከቶ ኣይርከብን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ነዚ ዝብልዎ ፈጠራ ሒዙ ክቕልቀል ዝጀመረ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተዳለወ ሰነዳት ኢዩ። ስለዚ ገለ ካብቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝወሃብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መግለጺታት ዝቐረበ: ኣብቶም ካብ ሃዋርያዊት ጉባኤ እተነጸሉ ጕጅለታት ካብ ሓቀኛ ክርስትና ዝረሓቐ ክሕደት ክዕምብብ ምስ ጀመረ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28-30

ወንጌል: ያታዊ ታሪኽ ክኸውን ይኽእልዶ፧

ደራስን ናይ ስነ⁠-​ጽሑፍ ሃያስን ዝዀነ ሲ. ኤስ. ሌዊስ ንወንጌል: ያታዊ ታሪኽ ገይሩ ክርእዮ ኣጸጋሚ ኰይንዎ ኢዩ። “ከም ተመራማሪ ስነ-ጽሑፋዊ ታሪኽ መጠን ወንጌል እንታይ ዓይነት ጽሑፋት ምዃኑ ብዘየገድስ ያታዊ ታሪኽ ከም ዘይኰነ ምሉእ ብምሉእ ክኣምን ክኢለ ኢየ” ብምባል ጸሓፈ። “ያታዊ ታሪኽ ኢዩ ከብሎ ዝኽእል ፈጠራ የብሉን። . . . ንመብዛሕትኡ ህይወት የሱስ ኣይንፈልጦን ኢና። እቶም ያታዊ ታሪኽ ክምህዙ ዝደልዩ ሰባት ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃጓፍ ክፍጠር ኣይደልዩን ኢዮም።” ሽሕኳ እቲ ውሩይ ተመራማሪ ታሪኽ ዝዀነ ኤች. ጂ. ዌልስ ክርስትያን ኢየ በሃሊ እንተ ዘይነበረ እዚ ዝስዕብ ንሱ ዝሃቦ ነጥቢ ግን ኣገዳሲ ኢዩ:- ‘ኣርባዕቲኦም [ጸሓፍቲ ወንጌል] ስእሊ ናይ ሓደ ኣዝዩ ጭቡጥ ዝዀነ ኣካል ኣብ ምሃብ ይሰማምዑ እዮም። ናይ ክውንነት ወይ ሓቅነት መርትዖ . . . የመሓላልፉ።’

የሱስ ድሕሪ ምትንስኡ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እተራእየሉ ህሞት እስከ ሕሰብ። ሓደ ወሓለ ያታዊ ታሪኽ ዝምህዝ ሰብ ንየሱስ ከም ብመሳጢ ትርኢት ዝትንስእ: ከም ሓደ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ መደረ ዘስምዕ: ብርሃንን ግርማን ከም ዝጐናጸፍ ኣካል ገይሩ ከይገለጾ ኸም ዘይሓልፍ ፍሉጥ ኢዩ። ካብዚ ብእተፈልየ ኣገባብ ግን ጸሓፍቲ ወንጌል ንየሱስ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ ደው ከም ዝበለ ጥራይ ኢዮም ገሊጾምዎ። “ደቀይ: ገለ ዚብላዕዶ አሎኩም፧” ብምባል ሓቲትዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 21:⁠5) ግረግ ኢስተርብሩክ ዝስሙ ምሁር “እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝራዊ ሓበሬታ: እተኣልመ ጽውጽዋይ ዘይኰነስ ሓቀኛ ፍጻመ ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዝዀነ ዘርኢ ኢዩ” ኣብ ዝብል መደምደምታ ይበጽሕ።

ወንጌል ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ዝዝውተር ዝነበረ ናይ ራቢ ጥብቂ ኣገባብ ኣመሃህራ: ነቲ ወንጌል ያታዊ ታሪኽ ኢዩ ዝብል ክሲ ከም ዝንጸግ ዝገብሮ ኢዩ። እቲ ኣገባብ ኣመሃህራ እቲ: ብምድግጋም ንዝግበር ናይ ሽምደዳ ሜላ ኢዩ ብጽኑዕ ዝኽተል ዝነበረ። እዚ ኸኣ እቲ የሱስ እተዛረቦ ነገራትን ዝገበሮ ተግባራትን ብልክዕን ጥንቃቐን ከም እተወስደ እምበር: ብምኵሕሓል ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዘይኰነ ዝድግፍ ኢዩ።

ወንጌል ያታዊ ታሪኽ ነይሩ እንተ ዝኸውን ድሕሪ ሞት የሱስ ብኡንብኡ ኣብ ጽሑፍ ምተጠርነፈዶ፧

ተረኺቡ ዘሎ መርትዖታት ከም ዝሕብሮ ወንጌል ካብ 41 ክሳዕ 98 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኢዩ ተጻሒፉ። የሱስ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ሞይቱ። ስለዚ ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ ኣገልግሎቱ ካብ ዝውድእ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኢዩ እቲ ብዛዕባ ህይወቱ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ። እዚ ድማ ወንጌል ሒዝዎ ዘሎ ጸብጻብ: ተራ ያታዊ ታሪኽ ምዃኑ ንዝምጕት ክሲ ብዘገርም መገዲ ኸም ዝንጸግ ዝገብሮ ኢዩ። ያታዊ ታሪኽ ናብ ምዕቡል ደረጃ ንኽሓልፍ ግዜ የድልዮ ኢዩ። ነቲ ብጥንታዊ ግሪኻዊ ገጣሚ ሆመር እተዳለወ ኢልያድ ከምኡውን ኦዲሰይ ዝበሃል ጽሑፋት ከም ኣብነት ንውሰዶ። እዚ ክልተ ውሩይ ያታዊ ጽሑፍ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ እናማዕበለን እናተጻፈፈን ንኣማእታት ዓመታት ከም ዝቐጸለ ርእይቶኦም ዝገልጹ ሰባት ኣለዉ። ብዛዕባ ወንጌልከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

ዊል ዱራንት እተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ኣብታ ቄሳርን ክርስቶስን እተባህለት መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ:- “ሒደት ተራ ሰባት ከምዚ ዝበለ ብርቱዕን ባህ ዘብልን ሰብኣዊ መንነት: ክብ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት: ህያው ዝዀነ ትርኢት ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ክምህዙስ ካብቲ ኣብ ወንጌል ተመዝጊቡ ዝርከብ ተኣምራት ንላዕሊ ንኽትኣምኖ ዘሸግር ኢዩ። እቲ ናይ ክርስቶስ ህይወት: ባህሪ: ከምኡውን ትምህርቲ ንኽልተ ዘመናት በቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን ዘጽንዑ ምሁራት ተመርመረ: ንጹር ከምኡውን ኣብ ታሪኽ ናይ ምዕራባውያን ኣዝዩ ዘደንቕ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ።”

ወንጌል ምስ ድሌት ናይቲ ጥንታዊ ክርስትያን ማሕበረሰብ ንኽሰማማዕ ደሓር እተዓራረየ ድዩ፧

ገለ ሃያስያን እቲ ጥንታዊ ክርስትያን ማሕበረሰብ ንኸስፋሕፍሕ ዝነበረ ድሌት ጸሓፍቲ ወንጌል ንዛንታ የሱስ ንኸጸባብቕዎን ክወሳስኽሉን ጽልዋ ከም ዝገበረሎም ይምጕቱ። ይኹን እምበር: ኣብ ወንጌል እተኻየደ ደቂቕ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትንኻፋት ኣይተገብረን። እቲ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ወንጌል ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ ብሰንኪ እቲ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና ዝኽተሎ ዝነበረ ናይ ምድንጋር መገዲ: ለውጢ ተገይርሉ እንተ ዝነብር፣ ክሳዕ ሕጂ እቲ ብዛዕባ ኣይሁድን ኣህዛብን እተዋህበ ኣሉታዊ ርእይቶ ኣብቲ ጽሑፋት ተዓቂቡ እንረኽቦ ደኣ ስለምንታይ ኢዩ፧

ናይዚ ኣብነት ኣብቲ የሱስ ነዚ ዝስዕብ ከም እተዛረበ ተጠቒስሉ ዘሎ ማቴዎስ 6:⁠5-7 ይርከብ:- “ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም: እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርአዩ: ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ: ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” እዚ ኵነኔ እዚ እተዋህበ ንኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ምንባሩ ንጹር ኢዩ። ብተወሳኺ የሱስ “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ: ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ: ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ” በለ። ጸሓፍቲ ወንጌል ንየሱስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ምጥቃሶም እምበኣር: ክርስትና ዝቕበሉ ሰባት ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ከም ዘይኰኑ ዘርኢ ኢዩ። ነቲ ካብ ኣፍ የሱስ ዝወጸ ቃላት ኢዮም ዝምዝግቡ ነይሮም።

ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸብጻብ ናይተን ንመቓብር የሱስ ክርእያ ዝኸዳ እሞ እቲ መቓብር ጥራዩ ዝጸንሐን ኣንስቲ እውን ተመልከት። (ማርቆስ 16:⁠1-8) ግረግ ኢስተርብሩክ ከም ዝበሎ: “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝነበረ ጥንታዊ ሕብረተሰባት ብደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ቃል ምስክርነት ፈጺሙ ትውክልቲ ኣይግበረሉን ኢዩ ነይሩ፣ ንኣብነት: ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝሙት ስለ ዝፈጸመት ገበነኛ ንምግባራ ምስክርነት ናይ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ እኹል ኢዩ ነይሩ፣ ዝዀነት ትኹን ጓል ኣንስተይቲ እትህቦ ምስክርነት ግን ንሓደ ወዲ ተባዕታይ ገበነኛ ክገብሮ ኣይክእልን ነበረ።” አረ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ነተን ኣንስቲ ኣይኣመንወንን! (ሉቃስ 24:⁠11) ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትረኻታት ከም ኰነ ኢልካ እተማህዘ ዛንታ ክትወስዶስ ዘይመስል ኢዩ።

ኣብ መልእኽትታት ይኹን መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ምሳልያዊ ትምህርትታት ዘይምህላዉ: እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ምሳልያዊ ትምህርትታት: ቀዳሞት ክርስትያናት ዘእተውዎ ዘይኰነስ የሱስ ባዕሉ እተዛረቦ ምዃኑ ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብጥንቃቐ ንወንጌል ምስ ካልእ ናይ ግሪኽ ጽሑፋት ምንጽጻር: ጳውሎስ ይኹን ካልኦት ጸሓፍቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንቓላቶም ተጣቢቦም የሱስ ከም ዝበሎ ገይሮም ከቕርብዎ ፍጹም ከም ዘይክእሉ ዘግህድ ኢዩ። እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ክርስትያን ማሕበረሰብ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብ: የሱስ ከም እተዛረቦ ገይሩ ኣቕሪብዎ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ገለ ካብ ትሕዝቶ መልእኽትታት ኣብ ወንጌል ክርከብ ትጽቢት ክንገብር ኣሎና። ስለ ዘይንረክብ ግን: ኣብ ወንጌል ዘሎ ትሕዝቶ የሱስ ባዕሉ ዝበሎን ሓቀኛን ኢዩ ኣብ ዝብል ርግጽ ዝዀነ መደምደምታ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ዝጋጮ ዝመስል ሓሳባትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

ሃያስያን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ወንጌል ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ሓሳብ ዝመልአ ምዃኑ ኢዮም ክኸሱ ጸኒሖም። ተመራማሪ ታሪኽ ዝዀነ ዱራንት ንጸብጻባት ወንጌል ከም ሰነዳት ታሪኽ መጠን ብቕንዕና ክምርምሮ ደለየ። ኣብ ወንጌል ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል ሓሳባት ከም ዘሎ እኳ እንተ ተዛረበ: “እቲ ዝጋጮ ሓሳባት ብዙሕ ግምት ዘይወሃቦ [ኣገዳስነት ዘይብሉ ዝርዝራት] ድኣ እምበር: መሰረታዊ ቁም ነገር ዘለዎ ኣይኰነን፣ ኣብ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ሓሳባት ግን እተን ሲኖፕቲክ ተባሂለን ዝፍለጣ ቀዳሞት ሰለስተ ወንጌል ብኣዝዩ ዘደንቕ መገዲ ኢየን ዝሰማምዓ: ሓደ ዓይነት ስእሊ ክርስቶስ ከኣ ይህባ።”

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል ሓሳብ ዝሓዘ ጸብጻባት ወንጌል ብቐሊሉ ፍታሕ ይረክብ ኢዩ። ንኣብነት:- ማቴዎስ 8:⁠5 ኣገልጋሊኡ ምእንቲ ኸሕውየሉ ‘[ሓደ] ሓለቓ ሚእቲ ናብ [የሱስ] መጺኡ ኸም ዝለመኖ’ ትገልጽ። ኣብ ሉቃስ 7:⁠3 ግን እቲ መኰነን ‘ዓበይቲ ኣይሁድ ናብ [የሱስ] ልኢኹ: መጺኡ ንባርያኡ ከሕውየሉ ከም ዝለመኖ’ ነንብብ። እቲ መኰነን ነቶም ዓበይቲ ከም ወኪላቱ ኢዩ ልኢኽዎም። ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ እቲ መኰነን ባዕሉ ኸም ዝለመነ ዝገለጸሉ ምኽንያት እዚ ኣዛዝ ሰራዊት እዚ ንልመናኡ በቶም ከም ኣፈኛታት ዝዀንዎ ዓበይቲ ኣቢሉ ስለ ዘቕረቦ ኢዩ። እዚ እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል ሓሳባት ፍታሕ ክረክብ ከም ዝኽእል ዘርኢ ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ሃያስያን ወንጌል ናይ ሓቂ ታሪኽ ከማልኦ ዘለዎ መምዘኒ ኣየማልእን ኢዩ ብምባል ዘቕርብዎ ንሕስያ ዘይብሉ ነቐፌታኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ዱራንት ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “እቲ ሓቅነት ሓድሽ ኪዳን ንምርግጋጽ ሃየር ክሪቲስዝም ዝገበሮ ህንጥዮት ዝመልኦ ኣዝዩ ደቂቕ ምርመራ ንኸም በዓል ሃሙራቢ: ዳቪድ: ሶቅራጠስ ዝኣመሰሉ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ውሩያት ሰባት ኣብ ያታዊ ታሪኽ ዘውድቖም ኢዩ። እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ነቲ ክወርዶም ዝኽእል ዝነበረ ኣድልዎን ሃይማኖታዊ ጽልእን ከይፈርሁ: ብኻልኦት ተራ መሃዝቲ ተዓቢጦም ክሓልፉ ዝኽእሉ ተግባራት: ከም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝለዓለ ቦታ ንምሓዝ እቶም ሃዋርያት ዝገበርዎ ውድድር: የሱስ ምስ ተታሕዘ ምህዳሞም: ጴጥሮስ ዝገበሮ ክሕደት ዝኣመሰለ ብዙሕ ፍጻመታት መዝጊቦም ኢዮም። . . . ሓደ ሰብ ነዚ ጸብጻብ እዚ ምስ ኣንበበ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ እዚ ፍጻመታት እዚ ዘሎ ናይ ሓቂ ኣካል ክጠራጠር ኣይክእልን ኢዩ።”

ዘመናዊ ክርስትና ነቲ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ዝውክል ድዩ፧

ናይ የሱስ ሰሚናር: እቲ ኣብ ወንጌል ዘካይዶ ምርምር “ብስርዓታት ኣብያተ-ምኽሪ ናይ ኣብያተ-ክርስትያን ዘይቅየድ” ምዃኑ ብዕሊ ኣፍሊጡ ኢዩ። እቲ ተመራማሪ ታሪኽ ዝዀነ ዌልስ ግን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ ትምህርትታት የሱስን ህዝበ⁠-​ክርስትያን እትምህሮ ትምህርትን ገፊሕ ጋግ ከም ዘሎ ተገንዚቡ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሃዋርያት ንትምህርቲ ስላሴ ካብ የሱስ ከም ዝሰምዕዎ ዝሕብር መርትዖ ፍጹም ክርከብ ኣይከኣልን ኢዩ። . . . [የሱስ] ኣዲኡ ኣምሳያ ናይታ ኣይሲስ እትበሃል ንግስቲ ሰማይ ኰይና ክትምለኽ ከም ዘለዋ ዝሕብር ቃል እውን ትኹን ኣየውጽአን። ንዅሉ እቲ ብብዙሕ ጐድንታቱ ክርስትያናዊ ዝመስል ኣምልኾን ተግባርን ነጺግዎ ኢዩ።” ስለዚ ንትምህርትታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን መሰረት ብምግባር ንትሕዝቶ ወንጌል ክፈርዶ ዝኽእል ኣካል የለን።

እንታይ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕካ፧

ነዚ ኣቐዲሙ እተገልጸ ነጥብታት ምስ መርመርካ እንታይ ሓሳብ መጺኡካ፧ ወንጌል ተራ ጽውጽዋይ ምዃኑ ከእምነካ ዝኽእል ህያው መርትዖ ኣሎዶ፧ ብዙሓት ነቲ ብዛዕባ ሓቅነት ወንጌል ዝለዓል ሕቶታትን ምጥርጣራትን መሰረት ዘይብሉን ዘየእምንን ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ብሕታዊ ኣረኣእያ ንኽህልወካ ንወንጌል ብኽፉት ኣእምሮ ከተንብቦ የድልየካ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠11) ኣብቲ ወንጌል ኵልንትንኣዊ ስእሊ የሱስ ንምሃብ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ዘሎ ናይ ሓሳብ ስምምዕ: ናይ ኣጸሓሕፋ ቅንዕና: ከምኡውን ሒዝዎ ዘሎ ልክዕነት ምስ እተስተብህል፣ እዚ ጸብጻባት እዚ ፍጹም ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ጽውጽዋይ ከም ዘይኰነ ክትግንዘብ ኢኻ። a

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ እንተድኣ ኣንቢብካዮን ነቲ ዝህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልካዮን: ንህይወትካ ናብ ዝሓሸ ዅነታት ክልውጦ ከም ዝኽእል ከተስተብህል ኢኻ። (ዮሃንስ 6:⁠68) እዚ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ወንጌል ሰፊሩ ዘሎ ባዕሉ የሱስ ዝበሎ ነገራት ክትርእዮ ኢኻ። ብተወሳኺ ድማ ካብ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ንእዙዛት ደቅሰብ ተዓቝሩሎም ዘሎ ዘደንቕ መጻኢ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16፣ 17:⁠3, 17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትብል መጽሓፍ ካብ ምዕራፍ 5 ፣6 ክሳብ 7 (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ነታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትብሃል ብሮሹር ርአ። ክልቲአን ጽሑፋት ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ ኢየን።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

መርትዖ ናይ ሓቅነት ዘለዎ ኣወሃህባ ጸብጻብ

ሓደ ቅድም ሃያሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኣውስትራልያዊ ኣሰናዳኢ ጽሑፍ: ገለ ዓመታት ይገብር ከምዚ ብምባል ተኣመነ:- “ኣብ ህይወተይ ንፈለማ ግዜ ኢየ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ትጽቢት ዝግበር ነገር ዝፈጸምኩ: እዚ ኸኣ ጭብጥታት ምምርማር ኢዩ። . . . ቀዘዝኩ ድማ: ከመይሲ እቲ [ኣብ ጸብጻባት ወንጌል] ዘንብቦ ዝነበርኩ ነገራት ያታዊ ታሪኽ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን: ህያው መሲሉ እተጻሕፈ ልቢ ወለድ እውን ኣይነበረን። ጸብጻብ ኢዩ ተዋሂቡ። እዚ ኸኣ ባዕሎም ዝረኣይዎ ወይ ካብ ካልኦት ሰባት ብዝረኸብዎ ሓበሬታ እተጻሕፈ ሓለፍ ዝበለ ናይ ፍጻመታት ጸብጻብ ኢዩ። . . . ኣወሃህባ ጸብጻብ ናይ ገዛእ ርእሱ መለለዪ ኣለዎ: እዚ መለለዪ እዚ ኸኣ ኣብ ወንጌል ብግልጺ ኢዩ ዝርአ።”

ብተመሳሳሊ ኢ. ኤም. ብላይክሎክ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክላንድ ናይ ጥንታዎት ግሪኽን ሮሜን ፕሮፌሰር ስነ-ጽሑፍ ነዚ ዝስዕብ መርትዖ የቕርብ:- “ንገዛእ ርእሰይ ከም ተመራማሪ ታሪኽ ገይረ ኢየ ዘቕርባ። እቲ ኣብ ጥንታዎት ግሪኽን ሮሜን ዝገብሮ መጽናዕቲ እውን ኣብ ታሪኽ ዘተኰረ ኢዩ። እቲ ንናይ ክርስቶስ ህይወትን ሞትን ትንሳኤን ዝድግፍ መርትዖ ካብ መብዛሕትኡ ጥንታዊ ታሪኻት ሒዝዎ ዘሎ ጭብጥታት ንላዕሊ ሓቅነት ዝሓዘለ ምዃኑ ከረጋግጸልኩም እኽእል ኢየ።”

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ፊንቄ

ገሊላ

ርባ ዮርዳኖስ

ይሁዳ

[ስእሊ]

‘እቲ ንናይ ክርስቶስ ህይወትን መብዛሕትኡ ጥንታዊ ታሪኻት ሒዝዎ ዘሎ ሞትን ትንሳኤን ዝድግፍ መርትዖ ካብ ጭብጥታት ንላዕሊ ሓቅነት ዝሓዘለ ኢዩ።’​—ፕሮፌሰር ኢ. ኤም. ብላይክሎክ

[ምንጪ ስእሊ]

ካርታ:- Based on a map copyrighted by Pictorial Archive (Near Eastern History) Est. and Survey of Israel.