ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወንጌል እቲ ኽርክር ይቕጽል ኣሎ

ወንጌል እቲ ኽርክር ይቕጽል ኣሎ

ወንጌል እቲ ኽርክር ይቕጽል ኣሎ

እቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ሓቅነት ዘለዎ ድዩ፧

የሱስ ናይ ከረን ስብከት ብሓቂ ሂቡ ድዩ፧

ብርግጽ ካብ ሞት ተንሲኡ ድዩ፧

“መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ ድዩ፧ ​ዮሃንስ 14:⁠6

 ካብ 1985 ኣትሒዙ ክልተ ግዜ ኣብ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ የሱስ ሰሚናር ዝሳተፉ ዳርጋ 80 ኣቢሎም ዝዀኑ ምሁራት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ክመያየጥሉ ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ብምሁራት ዝቘመ ጕጅለ እዚ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ኢዩ መልሲ ክህበሉ ጸኒሑ። ተሳተፍቲ እቲ ሰሚናር ንነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ዘለዎም ርእይቶ ንምግላጽ: ዕንቊ ተጠቒሞም ኢዮም ድምጺ ሂቦምሉ። ቀይሕ ዕንቊ: እቲ ሓሳብ ብሓቂ የሱስ ከም ዝሃቦ ንምሕባር ትውዕል። የሱስ ዝበሎ ክኸውን ዝኽእል ሓሳብ ንምምልካት ድማ ሮዛ ዕንቊ ኢዮም ዝጥቀሙ። ሓደ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳብ ምስቲ የሱስ ዝበሎ ዝቀራረብ እኳ እንተዀነ: ናይ የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ ከም ዘይኰነ ንምምልካት ከኣ ሓሙዅሽታይ ዕንቊ ይጥቀሙ። ጸሊም ዕንቊ: እቲ ሓሳብ ካብቲ ጸኒሑ ዝበቘለ ኣፈ-ታሪኽ ከም እተወስደ ምስ ዝኣምኑ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ሓሳብ ንምንጻግ የውዕሉዋ።

ነዚ ሜላ እዚ ተጠቒሞም ተሳተፍቲ ናይ የሱስ ሰሚናር ነቲ ኣብ መእተዊ ብመልክዕ ሕቶ ቐሪቡ ዘሎ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ኣርባዕተ ነጥብታት ነጺጎምዎ ኣለዉ። አረ 82 ሚእታዊት ንዝኸውን ካብቲ ኣብ ወንጌል ብየሱስ ከም እተዘርበ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባትሲ ጸሊም ዕንቊ ኢዮም ኣውዲቖምሉ። ብመሰረት እቲ ንሳቶም ዝበልዎ ክንግምግም እንተድኣ ዄንና: ካብቲ የሱስ ከም እተዋስኣሉ ኣብ ወንጌል ይኹን ኣብ ካልእ ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት: ሓቅነት ዝሓዘለ ዝመስል 16 ሚእታዊት ጥራይ ኢዩ።

ብዛዕባ ወንጌል ከምዚ ዝኣመሰለ ነቐፌታ ምሃብ ሓድሽ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ሃምበርግ: ጀርመን ናይ ርሑቕ ምብራቕ ቋንቋታት ፕሮፌሰር ዝነበረ ሄርማን ራይማሩስ ዘዳለዎ 1,400 ገጽ ዘለዎ ኢደ-ጽሑፍ: ንሱ ድሕሪ ሙማቱ ኣብ 1774 ምስ ተሓትመ ኢዩ እቲ ኣብ ወንጌል ዝግበር መጥቃዕቲ ዝጀመረ። ራይማሩስ ኣብቲ ኢደ-ጽሑፍ ኣብ ታሪኻዊ ሓቅነት ወንጌል ሓያል ጥርጥር ዘልዕል ሓሳባት ኣስፊሩ ኣሎ። ኣብ ናይ ቋንቋ ትንተናን ኣብቲ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል ተጠቒሱ ዘሎ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል ሓሳባትን ተመርኲሱ ኢዩ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ክኢሉ። ካብ ሽዑ ንነጀው ሃያስያን ኣብ ሓቅነት ወንጌል ዘለዎም ምጥርጣር ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም: ከም ውጽኢት እዚ ኸኣ ነቲ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ጽሑፋት እዚ ዝነበሮም እምንቶ ብእተወሰነ ደረጃ ከዳኽምዎ ክኢሎም ኢዮም።

እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ምሁራት ሓደ ናይ ሓባር መለለዪ ኣለዎም፣ ኵላቶም ነቲ ኣብ ወንጌል ሰፊሩ ዘሎ ጸብጻብ: ብእተፈላለዩ ሰባት እተጻሕፈ ሃይማኖታዊ ልቢ ወለድ ገይሮም ኢዮም ዝቘጽርዎ። እዚ ዝስዕብ በቶም ናይ ምጥርጣር መንፈስ ዘለዎም ምሁራት ዝለዓል ልሙድ ሕቶታት ኢዩ:- እምነት ናይቶም ጸሓፍቲ ኣርባዕቲኡ ወንጌል ነቲ ክዉን ጭብጥታት ከም ዝዀሓሕልዎ ገይርዎምዶ ይኸውን፧ እቲ ናይ ጥንቲ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ንኸስፋሕፍሕ ዝነበረ ድሌት: ንታሪኽ የሱስ ከጸባብቕዎ ወይ ክወሳስኽሉ ነቶም ጸሓፍቲ ኣለዓዒልዎምዶ ይኸውን፧ ናይ ጽውጽዋይ መልክዕ ኣብ ክንዲ ዝሕዝ ቅኑዕ ጸብጻብ ዘለዎ ዝመስል ክፍሊ ወንጌል ኣየናይ ኢዩ፧

ኣብ ኢዚሄራውን ዓለማውን ሕብረተሰብ ዝዓብዩ ሰባት እንተላይ ንወንጌል ሓዊስካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሽኡ ኸም ስነ-ጽሑፋዊ ያታን ጽውጽዋይን ኢዮም ዝቘጽርዎ። ካልኦት ከኣ በቲ ኣብ ታሪኽ ህዝበ⁠-​ክርስትያን እተራእየ ምፍሳስ ደም: ጭቈና: ዝርግርግ: ከምኡውን በቲ ዘርኣየቶ ፍርሃት ኣምላኽ ዝጐደሎ ባህርያት የስካሕክሑ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ነቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ከም ቅዱስ ገይራ እትርእዮ ጽሑፋት ከድህብሉ ዝገብሮም ምኽንያት ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ግብዝና ዝመልኦ ሃይማኖት ዘፍሪ ጽሑፋት: ፈጠራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ግምት ክትህቦ ምፍታን ፋይዳ ዘይብሉ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም።

ንዓኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ንታሪኻዊ ሓቅነት ወንጌል ኣተሓታቲ ክገብርዎ ዝጽዕሩ ገለ ምሁራት: ከምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣራት ኣብ ሓሳብካ ከም ዝለዓል ክገብሩ ትፈቕደሎም ዲኻ፧ ብዛዕባ እቲ ጸሓፍቲ ወንጌል: ጽውጽዋይ ከም ዝኣለሙ ገይርካ ብዕሊ ዝንገር ዘረባታት ምስ እትሰምዕ: እቲ ኣብ ጽሑፋት ወንጌል ዘሎካ እምንቶ ይነቓነቕ ድዩ፧ እቲ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ፍርሃት ኣምላኽ ዝጐደሎ ተግባራት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንሓቅነት ወንጌል ከም እትጠራጠረሉ ክገብረካ ይግባእ ድዩ፧ ንገለ ካብቲ ብዛዕባ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ጭብጥታት ክትምርምር ንዕድመካ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ድሕረ⁠-​ባይታ: ገጽ 3-5 ከምኡውን 8:- Courtesy of the Freer Gallery of Art, Smithsonian Institution, Washington, D.C.

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

የሱስ ብእግሩ ኣብ ባሕሪ ክጓዓዝ ከሎ/The Doré Bible Illustrations/Dover Publications

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ወንጌል ትሕዝትኡ ጽውጽዋይ ድዩ ወይስ ሓቂ፧