ዝነበረኒ ሕንኪ ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ
ታሪኽ ህይወት
ዝነበረኒ ሕንኪ ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ
ሩት ኤል. ኡርሊክ ዘዘንተወቶ
ገና ኣብ ኣፍደገ ቤት ናይቲ ቐሺ ከለኹ ሕርቃነይ ምቍጽጻር ኣብዩኒ በኸኹ። ቀቅድሚኡ እቲ ቐሺ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ኰይኑ ዘገልገለ ቻርለስ ቲ. ራስል ማእለያ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ክስታት ደርጒሑለይ ኢዩ። መንእሰይ ከለኹ ብኸመይ ንሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ እገብር ከም ዝነበርኩ እስኪ ክነግረኩም።
ኣብ ነብራስካ: ሕ.መ.ኣ. ካብ ሓንቲ ሃይማኖታዊት ስድራቤት ብ1910 ተወለድኩ። ስድራቤትና ብሓባር ኴንና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ድሕሪ ቍርሲ: ምሸት ከኣ ድሕሪ ድራር መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ነበርና። ኣቦይ ናይታ ካብ ሕርሻና ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዊንሳይድ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ዝነበረት ናይ ሜቶዲስት ቤተ-ክርስትያን መራሒ ትምህርቲ ሰንበት ነበረ። መሳዅታ ብመጋረጃ እተሸፈነት ካሮሳ ነበረትና: ስለዚ ኵነታት ኣየር ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ ካብቲ ትምህርቲ ሰንበት ኣይንበኵርን ነበርና።
ጓል ሸሞንተ ዓመት ከለኹ: እቲ ሕጻን ዝነበረ ሓወይ ብሕማም ፖልዮ ተጠቕዐ: ኣደይ ከኣ ሕክምና ምእንቲ ክረክብ ናብቲ ኣብ ኢዮዋ ዝርከብ እተወጽዑ ሕሙማት ዝሕከሙሉ ሆስፒታል ወሰደቶ። ብእተኻእላ መጠን እኳ እንተ ተኸናኸነቶ: ኣብኡ ከለዉ ሞተ። ይኹን እምበር: ኣደይ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ሓንቲ ካብቶም ሽዑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ምስታ ሰበይቲ ብዙሕ ተዘራረባ እሞ: ነደይ ናብ ገለ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒዛታ ከደት።
ኣደይ ናብ ገዛ ክትምለስ ከላ ሓያሎ ጥራዛት ናይታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመት ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ተማልአት። ብዙሕ ከይጸንሐት እቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህርዎ ትምህርቲ ሓቂ ምዃኑ ከምኡውን ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ሰብን እኩያት ንዘለኣለም ከም ዝሳቐዩን ዝገልጽ ትምህርትታት ሓሶት ከም ዝዀነ ኣመነት።—ዘፍጥረት 2:7፣ መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4
ኣቦይ ግን ኣዝዩ ሓረቐ: ነቲ ኣደይ ኣብ ኣኼባታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምክፋል እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ድማ ተቓወሞ። ንዓይን ነቲ ካባይ ዝዓቢ ክላረንስ ሓወይን ምስኡ ናብ ቤተ-ክርስትያን ይወስደና ነበረ። ኣቦይ ኣብ ቤት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ግን ኣደይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህረና ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ: ቈልዑ ከሎና ነቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህርዎ ዝነበሩ ትምህርታት ምስቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ዝሰማዕናዮ ናይ ምውድዳር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸብና።
ኣነን ክላረንስን ብቐጻሊ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ንካፈል ነበርና: ክላረንስ ድማ ነታ መምህር ክትምልሶ ዘይትኽእል ሕቶታት ይሓታ ነበረ። ናብ ቤት ምስ ተመለስና ንኣዴና ንነግራ እሞ እዚ እውን ኣብቲ ኣርእስትታት እቲ ተመርኲስና ነዊሕ ምይይጥ ናብ ምግባር ይመርሓና ነበረ። ኣብ መወዳእታ: ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ኣቋረጽኩ እሞ ኣብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ: ነዊሕ ከይጸንሐ ክላረንስ ሓወይ እውን ከምኡ ገበረ።
ነቲ ዝነበረኒ ሕንኪ ምሽናፉ
ኣብ መስከረም 1922 ኣነን ኣደይን ኣብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ እተገብረ ዘይርሳዕ ዓቢ ኣኼባ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተኻፈልና። እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ነቶም ካብ 18,000 ንላዕሊ ዝዀኑ ተኣከብቲ በተን ኣብቲ ተዘርጊሑ ዝነበረ ዓቢ ጨርቂ ተጻሒፈን ዝነበራ “ነቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ” ዝብላ ቃላት ገይሩ ክምሕጸነና ከሎ: እቲ ዓቢ ጨርቂ ክሳዕ ሕጂ ይረኣየኒ። እዚ ነገር እዚ ዓቢ ድራኸ ኣሕደረለይ: ንኻልኦት ሰባት ድማ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንጋር ህጹጽነት ተሰምዓኒ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14
ኣብቲ ካብ 1922 ክሳዕ 1928 እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ብተኸታታሊ ናይ ኣቕዋም መግለጺታት ወጺኡ ነበረ: እቲ መልእኽትታት ድማ ኣብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ብዓሰርተታት ሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ዝዘርግሕዎ ትራክትታት ወጸ። ቀጣንን ነዋሕን ስለ ዝነበርኩ ግረይሃውንድ (ቀጢንን ነዊሕን ከልቢ ሃድን) ዝብል ሳጓ ነበረኒ: ካብ ቤት ናብ ቤት ብፍጥነት እናኸድኩ ኸኣ ነዚ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መልእኽትታት አብጽሕ ነበርኩ። እዚ ዕዮ እዚ ናይ ሓቂ ኢዩ ባህ ዝብለኒ ነይሩ። ንሰባት ኣብ ቤቶም ከይድካ ብብሕቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ግን እተፈልየ ነገር ኢዩ ነይሩ።
ኣዝየ እሓንኽ ስለ ዝነበርኩ ኣደይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ኣዝማድና ክትዕድም ከላ እውን እፈርህ ነበርኩ። ኣብ ውሽጢ መደቀስየይ እሕባእ ነበርኩ። ሓደ ግዜ: ኣደይ ብምሉእና ስድራቤት ብሓባር ክንሰኣል ደለየት
እሞ ካብ መደቀስየይ ወጺአ ምስኣቶም ንኽኸውን ነገረትኒ። ኣነ ግን ክጽምበሮም ስለ ዘይደለኹ: ካብ ክፍለይ ጐቲታ ከተውጽኣኒ ከላ ወጨጭኩ።ይኹን እምበር: እታ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ ቦርሳይ ሒዘ ንኽኸይድ ዝወሰንኩላ መዓልቲ መጸት። ብተደጋጋሚ “እዚ ክገብሮ ኣይክእልን ኢየ” ዝብል ስምዒት ይመጸኒ እሞ: ቀጺለ ግን “ክገብሮ ኣሎኒ” እብል ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ: ናብ ኣገልግሎት ከድኩ። ድሓር: ንኽኸይድ ትብዓት ስለ ዝረኸብኩ ኣዝየ ተሓጐስኩ። እቲ ዕዮ ይኸብደኒ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ክገብሮ ዝደሊ ነገር ብምፍጻመይ ግን ዕግበት እረክብ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢለ ኸኣ ኢየ ምስቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ቀሺ እተራኸብኩ እሞ እናበኸኹ ዝተመለስኩ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ብሓገዝ የሆዋ ንሰባት ኣብ ቤቶም ከይደ ከዘራርቦም ከኣልኩ: ሓጐሰይ እውን ወሰኸ። ድሕርዚ: ብ1925 ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጅማር
ጓል 18 ዓመት ምስ ኰንኩ ሓትኖይ ብዘውረሰትኒ ገንዘብ ገይረ ማኪና ዓደግኩ እሞ ዕዮ ፓይነር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ብ1930 ኣነን ሓንቲ ብጸይተይን እንሰብከሉ ቦታ ተመደበልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ክላረንስ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ጀሚሩ ነበረ። ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ቤትኤል ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ተጸውዐ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ: ወለደይ ስለ እተፈላለዩ ኣነን ኣደይን ሓንቲ ተጐታቲት ቤት ኣስራሕና እሞ ብሓባር ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ጀመርና። እዚ ዝዀነ እቲ ግሬት ደፕረሽን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጋጠመ ውድቀት ዋጋ ኣክስዮናት ኣብ ዝጅምረሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ዕዮ ፓይነር ምቕጻል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ንኸይነቋርጽ ወሲንና ነበርና። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብደርሁ: እንቋቝሖታት: ኣሕምልቲ: ከምኡውን ብኣረጊት ባትርን ኣሉሚንዮምን ንቕይሮ ነበርና። ነቲ ኣረጊት ባትርን ኣሉሚንዮምን ንሸጦ እሞ በቲ ገንዘብ ገይርና ንማኪናና ዝኸውን ነዳድን ካልእ ወጻኢታትን ንሽፍን ነበርና። ብተወሳኺውን: ንማኪናና ባዕለይ ግራሶ ምግባርን ዘይቲ ምቕያርን ለመድኩ: እዚ ገንዘብ ንኽንቍጥብ ይሕግዘና ነበረ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ እተማባጽዖ ዘጋጠመና ዕንቅፋታት ንኽንሰግሮ መገዲ ከም ዝኸፈተልና ርኢና ኢና።—ማቴዎስ 6:33
ሚስዮናዊት ኰይነ ናብ እተመደብኩሉ ምኻድ
ብ1946 ኣብ ሻውዓይ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ጥቓ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ተጸዋዕኩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣነን ኣደይን ብሓባር ፓይነራት ኴንና ምግልጋል ካብ እንጅምር ልዕሊ 15 ዓመታት ኰይኑ ነበረ: እንተዀነ ግን ንዕዮ ሚስዮናውነት ዝኸውን ስልጠና ንኽወሃበኒ ኣጋጣሚ ብምርካበይ ክትዓናቕፈኒ ኣይደለየትን። ስለዚ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽማሃር ዝረኸብክዎ መሰል ንኽቕበል ኣተባብዓትኒ። ድሕሪ ምረቓ: ኣነን እታ ካብ ፒዮርያ: ኢሊዮንስ ዝመጸት ማርታ ሄስን ብሓደ ተመደብና። ንሕናን ክልተ ካልኦት ኣሓትን ኣብ ወጻኢ ክሳዕ እንምደብ ንሓደ ዓመት ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ ኣገልገልና።
ብ1947 ናይ ወጻኢ ምድብና ተነግረና። ኣነን ማርታን ናብ ሃዋይ ተመደብና። ኣብቲ ግዜ እቲ ናብተን ደሴታት ምኻድ ቀሊል ስለ ዝነበረ ኣደይ መጸት እሞ ኣብ ከተማ ሆኖሉሉ ኣብ ጥቓና ተቐመጠት። ጥዕና እናሰኣነት ትኸይድ ስለ ዝነበረት ሚስዮናዊት ኰይነ እናኣገልገልኩ እሕግዛ ነበርኩ። ብ1956 ኣብ ሃዋይ ኣብ 77 ዓመት ዕድሚኣ ክሳዕ እትመውት ክኣልያ ክኢለ ኢየ። ናብ ሃዋይ ክንከይድ ከሎና ዳርጋ 130 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: ኣደይ ኣብ ዝሞተትሉ ግዜ ግን ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ነበሩ: ስለዚ ኣብኡ ሚስዮናውያን ኣየድለዩን።
ድሕርዚ: ኣነን ማርታን ናብ ጃፓን ክንከይድ እትሓትት ደብዳበ ካብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጸትና። ልዕሊ ዅሉ: ኣብቲ ዕድመ እቲ ቋንቋ ጃፓን ንኽእሎ ደኾን ዝብል ስግኣት ሓደረና። ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 48 ዓመት ነበርኩ: ማርታ ድማ ካባይ ብኣርባዕተ ዓመት ጥራይ ኢያ እትንእስ ነይራ። እንተዀነ ግን: ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ገዲፍና ነቲ መዝነት ተቐበልናዮ።
ደድሕሪ እቲ ብ1958 ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩምን ፖሎ ግራውንድስን እተገብረ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ብመርከብ ገይርና ናብ ቶክዮ ከድና። ኣብ ጥቓ
ወደብ ዮኮሃማ ምስ በጻሕና ብርቱዕ ህቦብላ ኣጋጠመና፣ ኣብቲ ወደብ ምስ ዳን ሃስለትን ማበል ሃስለትን: ሎይድ ባሪን መልባ ባሪን: ከምኡውን ምስ ካልኦት ሚስዮናውያን ተራኸብና። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ጃፓን 1,124 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ነበሩ።ብኡንብኡ ቋንቋ ጃፓን ከነጽንዕን ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ከነገልግልን ጀመርና። ብናይ እንግሊዝኛ ፊደላት ገይርና ናይ ቋንቋ ጃፓን መእተዊታት ንጽሕፍ እሞ ነንብበሎም ነበርና። እቶም ሰብ ቤት ድማ “ዮሮሺ ደሱ” ወይ “ከኮ ደሱ” ይብሉና ነበሩ: እዚ ማለት ድማ “ሰናይ” ወይ “ጽቡቕ” ምዃኑ ፈለጥና። እዘን ቃላት እዚኣተን ንምንጻግ እውን ስለ ዝጥቀሙለን: እቲ በዓል ቤት ብሓቂ ተገዳስነት ኣለዎ ድዩ የብሉን ኵሉ ሳዕ ንፈልጥ ኣይነበርናን። ትርጕም ናይዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ቃና ድምጺ ወይ ኣብ ገጽ ናይቲ ሰብ ኢየን ዝምርኰሳ። ነዘን ቃላት እዚኣተን ብኸመይ ከም እንትርጕመን ንምፍላጥ ግዜ ወሲዱልና ኢዩ።
ንልበይ ዘሐጕስ ተመክሮታት
ገና ነቲ ቋንቋ ከይመለኽክዎ ከለኹ ሓደ መዓልቲ ኣብ ናይ ሚትሱቢሺ ኩባንያ ሰራሕተኛታት ዝነብሩሉ ቦታ ኳሕኳሕኩ እሞ ሓንቲ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ረኸብኩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ፍልጠት እናዓበየ ከደ: ብ1966 ከኣ ተጠምቀት። ድሕሪ ሓደ ዓመት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀመረት: ብዙሕ ከይጸንሐት ከኣ ፍልይቲ ፓይነር ኰነት። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ፍልይቲ ፓይነር ኰይና ተገልግል ኣላ። ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ግዜኣን ሓይላን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እተጠቕመትሉ ምርኣይ የነቓቕሓኒ ኢዩ።
ኣቕዋምካ ኣብ ጐኒ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ምግባር በዳሂ ኢዩ: ብፍላይ ነቶም ኣብ ክርስትያን ዘይኰነ ሕብረተሰብ ዝነብሩ ኸኣ እዚ ዝገደደ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ ብድሆ እዚ ተዋጺኦምሉ ኢዮም: ካብዚኣቶም እቶም ጽንዓት ዝገበርኩሎም ብዙሓት ሰባት ይርከብዎም። ነቲ ብባህሊ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 19:18-20
ቤት ጃፓናውያን ዝርከብ ኣዝዩ ክቡር ዝዋግኡ ናይ ቡድሂስት መሰውኢታትን ናይ ሺንቶ ከብሒታትን ኣወጊዶም ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ኣዝማድ ነዚ ተግባር እዚ ኣብቶም ዝሞቱ ኣባሓጐታት ዘሎካ ንዕቀት ኢዩ ዘርኢ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ነዚ ምግባር ትብዓት ይሓትት ኢዩ። እቲ ትብዓት ዝመልኦ ተግባራቶም ነቶም ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተተሓሓዙ ነገራት ዘወገዱ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት የዘኻኽረና።—ሓንቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ዝነበረት በዓልቲ ሓዳር ምስ ስድራቤታ ናብ ቶክዮ ክትግዕዝ መዲባ ከም ዝነበረት ትዝ ይብለኒ። ምስ ኣረማዊ ኣምልኾ ዝተሓሓዝ ነገራት ናብ ዘይብሉ ሓድሽ ቤት ክትግዕዝ ደለየት። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ድሌታ ንሰብኣያ ነገረቶ: ንሱ ድማ ክተሓባበራ ፍቓደኛ ኰነ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ተሓጒሳ ነገረትኒ: ድሕሪኡ ግን ሓደ ኣብ ገዛ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ ስለ ዝበሃለሉ ዝዓደገቶ ክቡር ዝዋግኡ ካብ እምነ-በረድ እተሰርሐ ዓቢ ሳርማ ተጠቕሊሉ ከም ዘሎ ትዝ በላ። ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርክብ ኣለዎ ዝብል ጥርጣረ ስለ ዝነበራ ነቲ ሳርማ ብሞደሻ ገይራ ሰባቢራ ጐሓፈቶ።
እዛ ሰበይቲ እዚኣን ካልኦትን ነቲ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተተሓሓዘ ክቡር ኣቝሑ ብፍቓዶም ከወግድዎን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ብትብዓት ሓድሽ ህይወት ክጅምሩን ከለዉ ምርኣይ ዝኽሕስን ዘዕግብን ተመክሮ ኢዩ ኰይኑኒ። ኣብ ጃፓን ንልዕሊ 40 ዓመታት ሚስዮናዊት ኰይነ ከገልግል ብምኽኣለይ ኵሉ ሳዕ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።
ዘመናዊ “ተኣምራት”
ንልዕሊ 70 ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ክዓዪ ከም ዝኸኣልኩ ክሓስቦ ከለኹ: እዚ ኣባይ እተፈጸመ ዘመናዊ ተኣምራት የገርመኒ ኢዩ። መንእሰይ ከለኹ ሓናኽ ስለ ዝነበርኩ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ነቲ ብዙሓት ሰባት ክሰምዕዎ ዘይደልዩ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝራብ ተበግሶ ክወስድ ኢየ ኢለ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን። እንተዀነ ግን: ኣነ ክዛረብ ከም ዝኽእል ጥራይ ዘይኰነስ ብኣማእታት ዝቝጸሩ: አረ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እውን ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ርእየ ኢየ። ብውሕሉል መገዲ ስለ ዝፈጸምዎ ኸኣ እቶም ብ1958 ኣነ ናብ ጃፓን ክኸይድ ከለኹ ካብ ሓደ ሽሕ ብዙሕ ዘይዛይዱ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሎሚ ልዕሊ 222,000 በጺሖም ኣለዉ!
ኣነን ማርታን ናብ ጃፓን ምስ መጻእና ኣብቲ ኣብ
ቶክዮ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንነብር ነበርና። ብ1963 ኣብቲ ቦታ እቲ ሽዱሽተ ደርቢ ዘለዎ ሓድሽ ህንጻ ተሃንጸ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዝና ድማ ኣብኡ ንነብር ኣሎና። ኣብ ሕዳር 1963 እቲ ጨንፈር ክውፈ ከሎ በቲ ናይ ጨንፈርና ተዓዛቢ ዝነበረ ሎይድ ባሪ ዝቐረበ ዝርርብ ካብ ዝሰምዑ 163 ሰባት ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጃፓን 3,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበርና።ብ1972 ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝዓቢ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ኑማዙ ተሰሪሑ ክውዳእ ከሎ ካብ 14,000 ንላዕሊ ኣስፋሕቲ ብምብጻሕና: እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዘደንቕ መገዲ ክውስኽ ከሎ ምርኣይ ባህ ዘብል ኢዩ። ይኹን እምበር: ብ1982 ኣብ ጃፓን ልዕሊ 68,000 ኣስፋሕቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ: ስለዚ ኣብታ ካብ ቶክዮ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኢብና ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝዓቢ ሓድሽ ናይ ጨንፈር ህንጻ ተሃንጸ።
እዚ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ: እቲ ኣብ ማእከል ቶክዮ ዝርከብ ቅድም ጨንፈር ዝነበረ ህንጻ ተሓደሰ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ንዓይን ነታ ንነዊሕ እዋን ብጸይተይ ዝዀነት ማርታ ሄስን ወሲኽካ ነቶም ኣብ ጃፓን ን40: 50: ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመታት ዘገልገልና ልዕሊ 20 እንኸውን ሚስዮናውያን መንበሪና ኰነ። ሓደ ሓኪም ምስታ ኣላዪት ሕሙማት ዝዀነት ሰበይቱ እውን ኣብቲ ህንጻ ይነብሩ ኢዮም። ብጥዕና ዝመጸ ዘድልየና ዘበለ ዅሉ እናገበሩ ብፍቕሪ ይከናኸኑና ኢዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን: ካልእ ኣላዪት ሕሙማት እውን ተወሲኻትልና ኢያ: መዓልቲ መዓልቲ እውን ነተን ኣለይቲ ሕሙማት ዝሕግዛ ኣሓት ይመጻ ኢየን። ክልተ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኢብና ዝርከብ ስድራ ቤትኤል መግቢ ንምድላውን ኣባይትና ንምጽራይን በብተራ ይመጻ ኢየን። ብርግጽ: የሆዋ ሰናይ ገይሩልና ኢዩ።—መዝሙር 34:8, 10
እቶም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገልና ሚስዮናውያን እንነብረሉ ዝነበርና ቤት ካብ ዝውፈ ድሕሪ 36 ዓመታት: ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ሚስዮናዊ ህይወተይ ጕሉሕ ነገር ተፈጸመ። ብ13 ሕዳር 1999 ናይቲ ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ጨንፈር ጃፓን ኣብ ኢብና እተሰርሐ ተወሳኺ ህንጻታት ክውፈ ኸሎ ካብ እተረኽቡ 4,486 ዝዀኑ ተኣከብቲ ሓንቲ ኢየ ነይረ፣ ካብ 37 ሃገራት ዝመጹ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነይሮም ኢዮም። ሕጂ: ኣብዚ ጨንፈር እዚ 650 ዝዀኑ ስድራ ቤትኤል ኣለዉ።
ካብቲ እናፈራህኩ ካብ ቤት ናብ ቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽትታት ከብጽሕ ዝጀመርኩሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብዚ 80 ዝኸውን ዓመታት የሆዋ ዘበራትዕ ደገፍ ኰይኑኒ ኢዩ። ዝነበረኒ ሕንኪ ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ዝገበረ ሰብ: ዋላ እውን ከምዚ ኸማይ ኣዝዩ ሓናኽ እንተዀነ: የሆዋ ክሕግዞ ከም ዝኽእል ኣሚነ ኢየ። ንዘይፈልጦም ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽና ብምንጋረይ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘዕግብ ህይወት ኢየ ኣሕሊፈ!
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ምስ ኣደይን ምስቲ ካብ ቤትኤል ክበጽሓና ዝመጸ ክላረንስን
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ደቂ ክፍልና ኣብቲ ጥቓ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ሸኻ እናጽንዑ ኸለዉ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ጸጋም:- ኣነ: ማርታ ሄስ: ከምኡውን ኣደይ ኣብ ሃዋይ ከሎና
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
የማን:- ኣባላት ናይታ ኣብ ቶክዮ እትርከብ ናይ ሚስዮናውያን ቤትና
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ታሕቲ:- ምስታ ንነዊሕ እዋን ብጸይተይ ዝዀነት ማርታ ሄስ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ናይቲ ኣብ ኢብና ዝርከብ ጨንፈር ተወሳኺ ህንጻታት ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ተወፍዩ