ጠቓሚ ምኽሪ ካበይ ኢኻ ክትረክብ እትኽእል፧
ጠቓሚ ምኽሪ ካበይ ኢኻ ክትረክብ እትኽእል፧
“ናይ ምኽሪ ኢንዱስትሪ” ኣብ ዓመት ብቢልዮናት ዝቝጸር ዶላር ዘኽስብ ንግዲ ኰይኑ ኣሎ። ሰባት ሓገዝ ይደልዩ ኢዮም። ናይ ኣእምሮ ጥዕና በዓል ሞያ ዝዀነ ሂንት ለይማን ከምዚ በለ:- “[ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ] ትምህርታውን ማሕበራውን ሕጽረታት ኣሎ። ሃይማኖታዊ ቍም ነገር ከምቲ ቅድም ዝነበሮ ኣይኰነን ዘሎ። ስድራቤታት እውን ጽኑዓት ኣይኰናን . . . ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሰባት ጠምበርበር ይብሉ ኣለዉ።” ደራሲ ኤሪክ ማይሰል ከምዚ በለ:- “እቶም ሓደ እዋን ንኣእምሮኣውን መንፈሳውን ኣካላውን ግድላቶም ንኽዋጽእሉ ምእንቲ ክሕግዞም ናብ ሓደ ካብ ዓሌቶም ዝዀነ ጠቢብ: ቀሺ ወይ ናይ ስድራቤት ሓኪም ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ መልሲ ንምርካብ ናብቲ ንምኽሪ ተባሂሉ ዝዳሎ መጻሕፍቲ የተኵሩ ኣለዉ።”
ኣመሪካን ሳይኮሎጂካል ኣሶሰሽን ነቲ ዘደንጹ ዕቤት ዘርኢ ዘሎ ናይ ምኽሪ ኢንዱስትሪ ዝምርምር ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ ኣሎ። ኣባላት እዚ ሓይሊ እዚ ከም ዝበልዎ “ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ካልኦትን ንኽርድኡ ክሕግዞም ዝኽእል ዓቢ ተኽእሎ [እኳ እንተሎ] . . . እቲ ነዚ ፕሮግራም እዚ ዝግበረሉ ዋዕዋዕታን ሆይሆይታን ግን ኣዝዩ እተጋነነን ስምዒታውን ኢዩ።” ሓደ ናይ ቶሮንቶ ስታር (እንግሊዝኛ) ጸሓፊ ከምዚ በለ:- “ነቲ ብብዝሒ ዝርአ ዘሎ ሃይማኖታውን መንፈሳውን መደናገሪታት ተጠንቀቑሉ። . . . ብፍላይ ነቲ ብዙሕ ኸይጸዓርካ ወይ ነፍስኻ ከይቀጻዕካ ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ ዝህብ ንምኽሪ ተባሂሉ ዝዳሎ መጻሕፍቲ ዀነ እተቐርጸ ካሴታት ወይ ሰሚናራት ተጠንቀቑሉ።” ነቶም ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ሓቂ ድሌት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዘሕዝን ብዙሓት ስኽፍ ዘይብሎም ውልቀ-ሰባት ናይ ሓቂ ሓገዝ ወይ መፍትሒ ክህቡ ዘይክእሉ ክነሶም መኽሰባት ንምሕፋስ ነቲ ናይ ሰባት ጽምዋን ስቓይን ይምዝምዝዎ ምህላዎም ኢዩ።
በዚ መሰረት እዚ ክንውከሎ እንኽእል ቀንዲ ምንጪ ሓገዝ እንታይ ኢዩ፧ ብቐጻሊ ክዓዪ ዝኽእል ተግባራዊ ምኽሪ ኣበይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
ምንጪ ናይቲ ዘይፈሽል መምርሒ
ናይ መበል 19 ዘመን ኣመሪካዊ ሰባኺ ሄንሪ ዋርድ ቢቸር ከምዚ በለ:- “መጽሓፍ ቅዱስ: ንኽመርሓካ: ካብ ሓደጋ ንኽሕልወካ: ከምኡውን እቲ ወደብ ኣበይ ከም ዘሎን ኣኻውሕን ሑጻን ሰጊርካ ብኸመይ ከም እትበጽሕን ንኽሕብረካ ኢሉ ኣምላኽ ዘዳለዎ ካርታ ባሕሪ ኢዩ።” ካልእ ሰብ ከኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ በለ:- “ንቕዱሳት ጽሑፋት ክበልጾ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን። ዕድመ እናወሰኽና ክንከይድ ከሎና እቲ መጽሓፍ መመሊሱ እናሰፍሐን እናዓመቘን ኢዩ ዝኸይድ።” ነዚ ምንጪ እዚ ኣርዚንና ክንሓስበሉ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ ክግበረሉ ከም ዝከኣል ባዕሉ ከረጋግጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ: ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ካብቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ ኢዩ። (መዝሙር 36:9) ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ከምቲ መዝሙር 103:14 ዘዘኻኽረና: ብዛዕባ ኣሰራርሓና ይፈልጥ ኢዩ:- “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” ስለዚ እምበኣር ኣብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ እምንቶ ክንገብር ንኽእል ኢና።
አረ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ክትርከብ ከሎኻ እውን ከይተረፈ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል ብዙሕ ስርዓታትን መምርሕን ሒዙ ኣሎ። ብእኡ ኣቢሉ ኣምላኽ ከምዚ ይብለና:- “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ።” (ኢሳይያስ 30:21) እሞ መጽሓፍ ቅዱስሲ ብሓቂዶ ነቲ ሎሚ ንሰባት ዘድልዮም ነገራት ከማልኣሎም ይኽእል ኢዩ፧ እስከ ንርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘማልኦም ዘድልዩና ነገራት:-
ንጭንቀት ንኽንዋጽኣሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) ምስ ቍጠባዊ ጸገማት: ብጾታን ብቓላትን ምስ ዝወርድ ማህሰይቲ: ወይ ምስ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ተተሓሒዙ ንዝመጽእ ጭንቀት ንኽትዋጽኣሉ ጸሎት ውጽኢታዊ ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ተመክሮ ርአ።
ጃኪ ጓላ ብጾታዊ ርክብ ከም እተዓመጸት ምስ ፈለጠት ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ውሉድካ ንምዕቋብ ዓቕሚ ብዘይምርካብካ ዝስምዓካ ናይ በደል ስምዒት ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም ኢዩ። ምስቲ ዝመጻኒ ዝነበረ ናይ ምረትን ቂምን ሓርቖትን ስምዒታት ክቃለስ ነበረኒ። እዚ ስምዒታት እዚ ንህይወተይ ክምርዞ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ልበይ ክሕልወለይ ኣጸቢቐ ደለኽዎ።” ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዘሎ ምኽሪ ደጋጊማ ድሕሪ ምንባባ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ጸዓረት። ከምዚ ብምባል ከኣ ተዘንቱ:- “ብኣሉታዊ ስምዒታት ህይወተይ ከየዕኑ ደጋጊመ ብምሕታት መዓልቲ መዓልቲ እጽሊ ነበርኩ: የሆዋ ኸኣ ህዱእን ሰላማውን ልቢ ክህልወኒ ሓገዘኒ። ሕጂ ብሓቂ ሰላም ከም ዝረኸብኩ ይስምዓኒ።”
ንስኻውን ንኽትቈጻጸሮ ወይ ንኽትፈትሖ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ከም ዘሎኻ ይስምዓካ ይኸውን: እዚ ኸኣ ጭንቀት የምጽኣልካ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጽሊ ዝህበካ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ የተባብዓና:- “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።”—መዝሙር 37:5
ንምትብባዕ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር እዚ ዝስዕብ ናይ ምምሳው ቃላት ኣውስአ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ንቤት ማሕደርካ: ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ። እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ ኣላ: ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።” (መዝሙር 26:8, 12) ንየሆዋ ንምምላኽ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ስርዓታውያን ኴንና ክንካፈል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምትብባዕ ተዋሂቡና ኢዩ። እዚ ሕብረት እዚ ብኸመይ ኢዩ ንድሌትኩም ከማልኦ ዝኽእል፧ ካልኦት እንታይ ረኸቡ፧
ቤኪ ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “ወለደይ ንየሆዋ ኣየገልግሉን ኢዮም: ስለዚ ምስ ኣገልግሎት ኣምላኽ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ክገብር ክጽዕር ከሎኹ ይጻረሩኒ ኢዮም። ኣኼባታት ንኽካፈል ብዙሕ ጻዕሪ ኢዩ ዝሓተኒ።” ቤኪ ስርዓታዊት ኰይና ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽትካፈል ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ብዙሕ በረኸታት ከም ዝረኸበት ኢዩ ዝስምዓ። “ኣኼባታት እምነተይ ስለ ዘደልደለለይ: ነቲ ከም ተማሃሪት: ከም ኣብ ትሕቲ ስድራ ዘላ ጓል: ከምኡውን ከም ኣገልጋሊት የሆዋ መጠን መዓልቲ መዓልቲ ንዝወርደኒ ጸቕጥታት ክዋጽኣሉ እኽእል ኢየ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝረኽቦም ሰባት ካብቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝረኽቦም ተማሃሮ ኣዝዮም እተፈለዩ ኢዮም! ሓለይትን ተሓጋገዝትን ኢዮም: እቲ እነዕልሎ ዕላል ከኣ ኵሉ ግዜ ዘተባብዕ ኢዩ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኢዮም።”
እወ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታውያን ኴንና ንኽንእከብ ዝህበና መምርሒ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልናዮ የሆዋ ነቲ ምትብባዕ ንኽንረክብ ዘሎና ድሌት ከማልኣልና ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ኸኣ ኢና ንሓቅነት ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ክንምከሮ እንኽእል:- “ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።”—መዝሙር 46:1
ዘዕግብን ጠቓምን ዕዮ ንምዕያይ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።” (1 ቈረንቶስ 15:58) ‘ዕዮ ጐይታ’ ብሓቂ ዘዕግብ ድዩ፧ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ገለ ጠቓሚ ዝዀነ ነገር ይዓምም ድዩ፧
ኣሚልያ ስምዒታ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ናብ ምፍልላይ ገጾም ንዝቀራረቡ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ጽን
ዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገበርኩሎም። ንሓንቲ ጓላ ብዓመጽ እተቐትለታ ሰበይቲ እውን ሓጊዘያ ኢየ። እታ ሰበይቲ ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ርግጸኛ ዝዀነ ፍልጠት ስለ ዘይነበራ ብዙሕ ትሳቐ ነበረት። ኣብ ክልቲኡ እዚ ተመክሮታት እዚ: እቲ ተግባራዊ ዝዀነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብርኦም ሰላምን ተስፋን ኣምጺኡሎም ኢዩ። ንኽሕግዞም ግደ ስለ ዝረኸብኩ ዓቢ ሓጐስን ዕግበትን ተሰሚዑኒ ኢዩ።” ስኮት ከምዚ ይብል:- “ኣብ ግራት ኣገልግሎት ጽቡቕ ተመክሮ እንተድኣ ኣሕሊፍካ: ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ጀሚርካ: ወይ ከኣ ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ገለ ዓወት ብምርካብካ ሓጐስ እንተድኣ ረኺብካ ብዛዕብኡ ንዓመታት ክትዛረብ ኢኻ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ክትዝክር ከሎኻ እቲ ዝነበረ ስምዒትን ሓጐስን ገና ህያው ኰይኑ ኢኻ እትረኽቦ! እቲ ዝዓበየን ነባርን ሓጐስ ዝምንጭ ካብ ኣገልግሎት ኢዩ።”እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጡፋት ኣገልገልቲ ንኽንከውን ዝህበና መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ነቲ ኣዕጋብን ጠቓምን ዝዀነ ዕዮ ንኽዓዩ ዘለዎም ድሌት ከማልኡ ክኢሎም ኢዮም። ንስኻውን ኣብዚ ንኻልኦት መገድታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ናይ ምምሃር ዕዮ ክትካፈል ተዓዲምካ ኣሎኻ። እዚ ክትገብር ከሎኻ ንስኻውን ክትጥቀም ኢኻ።—ኢሳይያስ 48:17፣ ማቴዎስ 28:19, 20
ካብ ቃል ኣምላኽ ረብሓ ምርካብ
ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ናይቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዝዓዪ ትውክልቲ ክትገብረሉ እትኽእል መምርሒ ኢዩ። ካብኡ ክንጥቀም እንተድኣ ዄንና ቀጻሊ ዝዀነ ጻዕሪ ክንገብር ከድልየና ኢዩ። ስርዓታውያን ኴንና ከነንብቦ: ከነጽንዖ: ከነስተንትነሉ ይግብኣና። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምዕድ:- “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:15፣ ዘዳግም 11:18-21) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ትጽዕር እንተድኣ ዄንካ: ዕዉት ክትከውን ኢኻ። ከምዚ ብምባል ከኣ ይመባጻዕ:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ምስዓብ ንህይወት ኣዕጋብን ምሉእን ኢዩ ዝገብሮ