ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ደም እተሰርሐ ዝዀነ ዓይነት መድሃኒት ይወስዱዶ ኢዮም፧

እቲ መሰረታዊ መልሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደም ኣይወስዱን ኢዮም ዝብል ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ደም እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ምስቲ በብግዜኡ ዝለዋወጥ ኣረኣእያታት ንኽሰማማዕ ተባሂሉ ዝቀያየር ከም ዘይኰነ ኣጸቢቕና ንኣምነሉ ኢና። እንተ​ዀነ ግን: ሎሚ ደም ብእተፈላለየ መስርሕ ብምሕላፍ ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደምን ናይዚ ተዋጽኦታት ክፋላትን ክፈላለ ስለ ዝኽእል ሓደስቲ ሕቶታት ይለዓል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ነዚ ንኽወስድ ወይ ንኸይወስድ ቅድሚ ምውሳኑ ብዛዕባ ሕክምናዊ ረብሓታቱ ወይ ከስዕቦ ዝኽእል ጠንቅታት ጥራይ ዘይኰነስ ክንዮኡ ክሓስብ ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብልን ምስቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋን ኢዩ ከተሓሳስቦ ዝግባእ።

እቲ መሰረታዊ ሕቶታት ቀሊል ኢዩ። እዚ ቀሊል ዝዀነሉ ምኽንያት ክንግንዘብ ምእንቲ ክሕግዘና ገለ መጽሓፍ ቅዱሳዊ: ታሪኻዊ: ከምኡውን ሕክምናዊ ድሕረ⁠-​ባይታ ንርአ።

የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣቦ ኵላትና ዝዀነ ኖህ ንደም ፍሉይ ገይሩ ክርእዮ ነገሮ። (ዘፍጥረት 9:⁠3, 4) ጸኒሑ: እቲ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ንቕድስና ናይ ደም ዘርኢ ነበረ:- “ዝዀነ ሰብ: ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት: ደም ዘበለ እንተ በልዔ: ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ።” ንሕጊ ኣምላኽ ዝነጽግ እስራኤላዊ ንኻልኦት ክብክሎም ይኽእል ስለ ዝነበረ ኣምላኽ ቀጺሉ ነታ ነፍሲ “ካብ ማእከል ህዝባ . . . ክምንቍሳ እየ” በለ። (ዘሌዋውያን 17:⁠10) ጸኒሑ: እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ካብ ‘ደም ንኽንክልከል’ ትእዛዝ ኣውጽኡ። ኣገዳስነት ናይዚ ማዕረ እቲ ካብ ጾታዊ ርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ክንክልከል እተዋህበና ትእዛዝ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29

ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ምኽልካል’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ነበረ፧ ክርስትያናት ሓድሽ ይኹን ዝረግአ ደም ኣይወስዱን ነበሩ፣ ስጋ ናይ ደሙ ዘይፈሰሰ እንስሳ እውን ኣይበልዑን ነበሩ። ብተወሳኺውን: ከም ናይ ደም ግዕዝም ዝኣመሰለ ደም ዘለዎም መግብታት ኣይበልዑን ነበሩ። ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ መገድታት ብዝዀነ ይኹን ደም ምውሳድ ንሕጊ ኣምላኽ ዝጥሕስ ነበረ።​—⁠1 ሳሙኤል 14:⁠32, 33

ከምቲ ኣብ ናይ ተርቱልያን (ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ.) ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ: ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ደም ምምጋብ ኣየጨንቖምን ኢዩ ነይሩ። ነቲ ክርስትያናት ደም ይበልዑ ኢዮም ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ተርቱልያን ክምልሰሉ ከሎ: ደም ብምጥዓም ውዕል ዝገብሩ ዓሌታት ጠቐሰ። ብተወሳኺውን “ኣብቲ ምርኢት ዝቐርበሉ ቦታታት: [ገሊኣቶም] ነቲ ውዑይ ደም ናይ ገበነኛ ብህርፋን ይሰትይዎ ነበሩ . . . [እዚ ድማ] ካብ ሕማም ባርያ ንኽፍወሱ ኢሎም ኢዮም ዝገብርዎ” በለ።

እዚ ተግባራት እዚ (ዋላ እውን ገለ ሮማውያን ንጥዕንኦም ኢሎም ዝገብርዎ እንተ ነበሩ) ክርስትያናት ዘይገብርዎ ነገር ኢዩ ነይሩ። ተርቱልያን “ኣብ መዓልታዊ መግብና ናይ እንስሳታት ደም እውን ኣይንሕውስን ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። ሮማውያን ንጽህና ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ንምፍታን ደም ዘለዎ መግቢ ይጥቀሙ ነበሩ። ተርቱልያን ወሲኹ ከምዚ በለ:- “በሉ እስኪ ተሓተቱ: [ክርስትያናት] ደም እንስሳታት ከም ዝፍንፍኑ ርግጸኛታት ክነስኹም: ንደም ሰብ ይሃርፉ ኢዮም ምባልሲ እንታይ ነገሩ ኢዩ፧”

ሎሚ: ሓካይም ደም ክውሰድ ክነግሩ ኸለዉ እቲ ጕዳይ ንሕግታት እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዝጥሕስ ገይሮም ዝሓስቡ ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክነብሩ ከም ዝደልዩ ዘጠራጥር እኳ እንተ ዘይኰነ: ነቲ ብዛዕባ ደም ዝምልከት ሕጊ የሆዋ ክንእዘዝ ግን ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ብዓይኒ ዘመናዊ ሕክምና ክርአ ኸሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ልሙድ እናዀነ ምስ መጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ተግባር ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ገይሮም ኢዮም ርእዮሞ፣ ሕጂ እውን ገና ከምኡ ዓይነት እምነት ኢዩ ዘለዎም። እንተ​ዀነ ግን: ሕክምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይቀያየር ኢዩ ዘሎ። ሎሚ መብዛሕትኡ ምትሕልላፍ ዝግበር ብምሉእ ደም ዘይኰነስ ብሓደ ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ኢዩ። እዚኣቶም ከኣ:- (1) ቀያሕቲ ዋህዮታት፣ (2) ጸዓዱ ዋህዮታት፣ (3) ፕላትለት፣ (4) ፕላዝማ (ሴረም): እቲ ፈሳሲ ክፍሊ ኢዮም። ሓካይም ኣብ ኵነታት ናይቲ ሕሙም ብምምርኳስ ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ወይ ፕላዝማ ክወሃብ ክእዝዙ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ፈላሊኻ ዝግበር ምትሕልላፍ: ሓንቲ ኣሃዱ ደም ንብዙሓት ሕሙማት ክትጠቅም ትኽእል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምውሳድ ምሉእ ደም ወይ ዝዀነ ይኹን ካብቶም ኣርባዕተ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝጥሕስ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣቕዋም ብምሓዞም ካብቲ ብደም ክመሓላለፍ ዝኽእል ከም ሕማም ወይቦን አይድስን ዝኣመሰለ ሓዊስካ ካብ ብዙሕ ሓደጋታት ተዓቚቦም ኢዮም።

ይኹን እምበር: ንደም ብኻልእ ተወሳኺ መስርሕ ብምሕላፍ እቲ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም እውን ክከፋፈል ስለ ዝከኣል: እቲ ካብዚ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝወጽእ ክፋላት ሕቶ የልዕል ኢዩ። እዚ ካብቲ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝርከብ ክፋላት ብኸመይ ኢዩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል: ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ክውስን ከሎ ክሓስበሉ ዘለዎ እንታይ ኢዩ፧

ደም እተሓላለኸ ትሕዝቶ ዘለዎ ፈሳሲ ኢዩ። እቲ 90 ሚእታዊት ትሕዝቶኡ ማይ ዝዀነ ፕላዝማ እውን ከይተረፈ ሆርሞን: ጨው: ኤንዛይም: ማዕድንን ሽኮርን: ከምኡውን ካልእ ንጥረ⁠-​ነገራት ብብዝሒ ዝሓዘ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ፕላዝማ ከም ኣልቡሚን: ክሎቲን ፋክተርስ (ደም ከም ዝረግእ ዝገብር ረቛሒ): ከምኡውን ሕማም ዝከላኸል ጸረ⁠-​ኣካል ዝኣመሰለ ፕሮቲናት ኣለዎ። ክኢላታት ነቲ ኣብ ፕላዝማ ዝርከብ ፕሮቲን ብምውጻእ ይጥቀሙሉ ኢዮም። ንኣብነት: ነቶም ብሰንኪ ናይ ደም ዘይምርጋእ ብቐሊሉ ዝደምዩ ሰባት ክሎቲን ፋክተር VIII ዝበሃል ንጥረ⁠-​ነገር ክወሃቦም ጸኒሑ ኢዩ። ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ንገለ ዓይነት ሕማም እተቓልዐ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ሓካይም ካብ ናይ ደም ፕላዝማ ናይቶም ነዚ ሕማም እዚ ተጻዋርነት ዘለዎም ሰባት ዝወጸ ጋማ ግሎቢሊን ዝበሃል መድሃኒት ይእዝዙ ይዀኑ። ኣብ ፕላዝማ ዝርከብ ካልእ ዓይነት ፕሮቲን እውን ንሕክምና የገልግል ኢዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ቀንዲ ተዋጽኦ ደም (ፕላዝማ) ብገለ መስርሕ ድሕሪ ምሕላፉ ብኸመይ ካልእ ክፋላት ከም ዝወጾ ዘርኢ ኣብነት ጥራይ ኢዩ። a

ልክዕ ከምቲ ናይ ደም ፕላዝማ እተፈላለየ ክፋላት ክወጾ ዝኽእል: እቲ ካልእ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም (ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት) እውን ብእተፈላለየ መስርሕ ብምሕላፍ እቲ ዝደቐቐ ክፋላቶም ክፍለ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ናይቲ ብቫይረስ ንዝመጽእ ረኽስን ንሕማም መንሽሮን ንምሕካም ዘገልግል ኢንተርፊርዮን ከምኡውን ኢንተርሊኪን ዝበሃል ነገራት ምንጪ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ፕላትለት ብሓደ መስርሕ ብምሕላፍ ቍስሊ ዘሕዊ ረቛሒ ከውጽእ ይኽእል ኢዩ። ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝርከብ ክፋላት ዝሓዘ (እንተ ወሓደ ኣብ መጀመርታ እቲ መስርሕ) ካልእ መድሃኒታት እውን ይስራሕ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክምና ምስ ምትሕልላፍ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ሓደ ኣይኰነን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ክፋላት ናይቲ ቀንዲ ተዋጽኦታት ኢዩ ዝሕዝ። ክርስትያናት ኣብ እዋን ሕክምና ነዚ ክፋላት እዚ ክወስዱ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ነዚ መልሲ ክንህበሉ ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ደቀቕቲ ዝርዝራት ኣይህብን ኢዩ: ስለዚ ሓደ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሕልንኡ ክውስን ኣለዎ።

ገለ ክርስትያናት ዝዀነ ይኹን ክፋል ደም ዘለዎ ነገር (ዋላ እውን ንግዜኡ ተጻዋርነት ዝህብ ክፋላት ይኹን) ምውሳድ ይኣብዩ ኢዮም። ነቲ ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ዝብል ሕጊ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ኢዮም ተረዲኦምዎ። እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ካብ ሓደ ፍጡር ዝወጸ ደም ‘ናብ ምድሪ ክፈስስ’ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ ዝብል ምኽንያት እውን የቕርቡ ኢዮም። (ዘዳግም 12:⁠22-24) እዚ ምስዚ ጕዳይ ዝተኣሳሰር ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ጋማ ግሎቢሊን: ካብ ደም እተሰርሐ ክሎቲን ፋክተርስ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንምድላው ደም ኣዋህሊልካ ብገለ መስርሕ ከተሕልፎ ኣሎካ። ስለዚ: ገለ ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ምትሕልላፍ ኣርባዕተ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝነጸግዎ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መድሃኒታት እውን ይነጽግዎ ኢዮም። እቲ ካብ ቅኑዕ ሕልና ተበጊሶም ዝሓዝዎ ኣቕዋም ክኽበረሎም ኣለዎ።

ካልኦት ክርስትያናት ድማ ፍልይ ዝበለ ውሳነ ይገብሩ ኢዮም። እዚኣቶም እውን ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ምትሕልላፍ ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ወይ ፕላዝማ ይኣብዩ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ካብቲ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ብዝወጸ ክፋላት ገይሮም ንኽሕከሙ ይፈቕዱ ይዀኑ። ኣብዚ እውን እንተ​ዀነ ፍልልያት ኣሎ። ሓደ ክርስትያን ጋማ ግሎቢሊን ክውጋእ ይፈቅድ: ካብ ቀያሕቲ ወይ ጸዓዱ ዋህዮታት ዝወጸ ክፋል ዘለዎ መድሃኒት ምውሳድ ግን ይኣቢ ወይ ይፈቅድ ይኸውን። ብሓፈሽኡ: ገለ ክርስትያናት ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝርከቡ ክፋላት ክንወስድ ንኽእል ኢና ናብ ዝብል መደምደምታ ክመርሖም ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ናይ 1 ሰነ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ”: ኣብ ፕላዝማ ዝርከብ ፕሮቲን ካብ ደም ናይ ነፍሰ⁠-​ጾር ኣደ ናብቲ እተፈልየ ስርዓተ ደም ዘለዎ ዕሸል ከም ዝመሓላለፍ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ኣደ ንውላዳ ኣድላዪ ሕማም ናይ ምጽዋር ተኽእሎ ምእንቲ ክህልዎ ኢሚዩኖግሎቢሊን ተመሓላልፈሉ ኢያ። ምስቲ ናይታ ኣደ ከይተራኸበ ናይቲ ዕሸል ቀያሕቲ ዋህዮታት ልሙድ ዑደት ህይወቶም ምስ ወድኡ: እቲ ኦክስጅን ዝሓዘ ክፋል ብሓደ መስርሕ ይሓልፍ። ገለ ክፋሉ ቢሊሩቢን ይኸውን: እዚ ኸኣ ብመዳሕንቲ ኣቢሉ ናብታ ኣደ ይኸይድ እሞ ምስ ናይ ኣካላታ ርስሓት ይውገድ። ገለ ክርስትያናት ካብ ቀንዲ ትሕዝቶ ደም ዝወጹ ክፋላት ብባህርያዊ መስርሕ ናብ ካልእ ሰብ ስለ ዝመሓላለፉ: ነቲ ካብ ናይ ደም ፕላዝማ ወይ ዋህዮታት ዝወጽእ ክፋላት ደም ክወስዱ ይውስኑ ይዀኑ።

ኣረኣእያን ኣብ ሕልና ተመርኲስካ ዝግበር ውሳነታትን ክፈላለ ምኽኣሉ ነዚ ሕቶ እዚ ኣገዳሲ ከም ዘይከውን ይገብሮዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ሓደ መሰረታዊ ነገር ኣሎ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ ከም ዝሕብሮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ኰነ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ይነጽግዎ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ‘ንጣኦታት ካብ እተሰውአን ደምን ዝሙትን ክኽልከሉ’ ይእዝዞም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠29) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝወጹ ክፋላት ብዝምልከት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብጥንቃቐን ብጸሎትን ምስ ኣስተንተነሉ: ብሕልንኡ ክውስን ኣለዎ።

ብዙሓት ሰባት ብቕልጡፍ የሕዊ ኢዩ ዝበሃል ዝዀነ ይኹን ሕክምና: ዋላ እውን ንጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ዝፍለጥ ከም ብደም ዝግበር ሕክምና ዝኣመሰለ ንኽቕበሉ ፍቓደኛታት ኢዮም። ቅኑዓት ክርስትያናት ግን እቲ ዝርአ መዳያቱ ጥራይ ዘይኰነስ ዝሰፍሐን ዝያዳ ሚዛናውን ኣረኣእያ ክህልዎም ኢዮም ዝጽዕሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበለጸ ዓይነት ሕክምና ንምሃብ ንዝግበር ጻዕሪ የማስዉሉ ኢዮም: ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ኸኣ ነቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ምስቲ ረብሓታቱ ብምውድዳር ይመዝንዎ ኢዮም። ካብ ደም እተሰርሐ መድሃኒታት ምውሳድ ብዝምልከት ግን ብፍላይ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎን ነቲ ምስቲ ወሃቢ ህይወትና ዘለዎም ብሕታዊ ርክብን ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ።​—⁠መዝሙር 36:⁠9

ሓደ ክርስትያን ከም ናይቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ዝኣመሰለ እምንቶ ምስ ዝህልዎ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ: ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ። ዎ [የሆዋ] . . . ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ”!​—⁠መዝሙር 84:⁠11, 12

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ንሓኪምካ ክትሓቶ እትኽእል ሕቶታት

ካብ ደም እተሰርሐ ዓይነት መድሃኒት ምጥቃም ዘድልዮ መጥባሕቲ ወይ ሕክምና እንተ ኣጋጢሙካ ከምዚ ኢልካ ሕተት:-

ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታት: ዝዀነ ዓይነት ደም (ምሉእ ደም: ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ወይ ናይ ደም ፕላዝማ) ምትሕልላፍ ዘይፈቅድ ምዃነይ ከም ዘፍለጥኩ ኵሎም ኣብዚ ሕክምና እዚ እቱዋት ዝዀኑ ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ይፈልጡዶ ኢዮም፧

ምናልባት ካብ ናይ ደም ፕላዝማ: ቀያሕቲ ወይ ጸዓዱ ዋህዮታት: ወይ ድማ ፕላትለት ዝስራሕ መድሃኒት ክእዘዘልካ እንተ ዀይኑ ከምዚ ኢልካ ሕተት:-

እቲ መድሃኒት ብሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም እተሰርሐ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ብኸመይ ከም እተሰርሐ ምገለጽካለይዶ፧

ክንደይ ዝኣክል ካብዚ ካብ ደም እተሰርሐ መድሃኒት ኢዩ ክወሃበኒ: ብኸመይ ኣገባብከ፧

ነዚ ክፋል ናይ ደም ዘለዎ መድሃኒታት እዚ ክወስድ ሕልናይ እንተ​ድኣ ፈቒዱለይ: እንታይ ናይ ሕክምና ሓደጋታት ክህሉ ይኽእል፧

ነዚ ክፋል ናይ ደም ዘለዎ መድሃኒት እዚ ንኸይቅበል ሕልናይ እንተ​ድኣ ደሪኹኒ: እንታይ ካልእ ዓይነት ሕክምና ክጥቀም እኽእል፧

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣጸቢቐ ድሕሪ ምሕሳብ ዝበጽሖ ውሳነ መዓስ ክሕብረካ እኽእል፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 15 ሰነ 1978 ከምኡውን 1 ጥቅምቲ 1994 ናይ እንግሊዝኛ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ። መድሃኒት ዘፍርያ ትካላት ኣብ ክንዲ እቲ ቀደም ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዝነበረ ካብ ክፋላት ደም ዝወጸ መድሃኒታት ኰይኑ ዘገልግል ካብ ደም ዘይተወስደ መድሃኒታት ሰሪሐን ኣለዋ።