ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መበል 108 ክፍሊ ጊልዓድ ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም

መበል 108 ክፍሊ ጊልዓድ ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም

መበል 108 ክፍሊ ጊልዓድ ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ዝወሃብ ኣምልኾ መብዛሕትኡ ግዜ “ቅዱስ ኣገልግሎት” ብእትብል ሓረግ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ሓረግ እዚኣ ካብታ ንኣምላኽ ኣገልግሎት ምቕራብ እተመልክት ናይ ግሪኽ ስያመ ዝመጸት ኢያ። (ሮሜ 9:⁠4 NW ) እቶም ተዛረብቲ ነቶም ተመረቕቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ቅዱስ ኣገልግሎት ንኸቕርቡ ዝሕግዞም ተግባራዊ ምኽርታት ክህብዎም ከለዉ: እቶም 5,562 ዝዀኑ ኣብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መበል 108 ክፍሊ መመረቕታ ፕሮግራም ዝነበሩ ተኣከብቲ ተኸታቲሎምዎ ኢዮም። a

እቲ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ቴዶር ጃራዝ ኣቦ መንበር ናይቲ ፕሮግራም ነበረ። እቲ ፕሮግራም በታ “ስም ኣቦና” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መዝሙር ቍጽሪ 52 ጀመረ። እታ ካልኣይቲ ሕጡብ ግጥሚ ናይታ መዝሙር “ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስምካ ንምቕዳስ ንሕና እውን መገድታት ነናዲ ኢና” ብምባል ትእውጅ። እዚ ንልባዊ ባህጊ ናይቶም (ካብ 10 ሃገራት እተኣኻኸቡ) ተመረቕቲ ዝገልጽ ኢዩ: ከምዚ ክበሃል ከሎ ነቲ እተዋህቦም ስልጠና ኣብተን ሚስዮናውያን ኰይኖም እተመደቡለን 17 ሃገራት ክጥቀምሉ ማለት ኢዩ።

ሓው ጃራዝ ኣብ መእተዊ ዝርርቡ ነቶም ተማሃሮ ንናይ ወጻኢ ሃገር ኣገልግሎት ከዳልዎም ተባሂሉ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝኣክል እተዋህቦም ጽዑቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣተኰረሉ። እዚ ድማ ‘ንዅሉ ክዕዘብዎ’ ማለት ነቲ ኣቐዲሞም እተማህርዎ ብርሃን ቃል ኣምላኽ ኣድቂቖም ክምርምርዎ ከምኡውን ‘ነቲ ሰናይ ክሕዝዎ’ ሓጊዝዎም ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠21) ሓው ጃራዝ ብተኣማንነት ምስ የሆዋ ክጠብቁ ከምኡውን ንቓሉን ነቲ ዝሰልጠኑሉ መዝነቶምን ኣጥቢቖም ክሕዙ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። እዚ ዅሉ ክገብሩ ከለዉ እንታይ ክሕግዞም ኢዩ፧

ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ ዝሕግዝ ተግባራዊ ምኽሪ

ኣባል ኮሚቴ ዕዮ ቤትኤል ላን ሽሊንግ “ምኽንያታዊ ኣብ ምዃን ዘሎ ብድሆ ክትሰግርዎ ዲኹም፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ሃበ። ንዋጋ ናይታ ኣምላኻዊ ጥበብ እተንጸባርቕ ምኽንያታውነት ኣጕሊሑ ኢዩ። (ያእቆብ 3:⁠17 NW ) ምኽንያታውነት ንልኡም ምዃን: ኣድልዎ ዘይምግባር: ህድኣት: ሓልዮት: ከምኡውን ንርእሰ⁠-​ግትኣት እተጠቓልል ኢያ። ሓው ሽሊንግ ከምዚ በለ:- “ምኽንያታውያን ሰባት ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ሚዛናውያን ኢዮም። ኣኽረርቲ ኣይኰኑን።” ሓደ ሚስዮናዊ ምኽንያታዊ ንኽኸውን ክሕግዞ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምስ ዝህልዎ: ንኻልኦት ንኽሰምዕን ካብ ካልኦት ንኽማሃርን ዘለዎ ኣጋጣሚ ምስ ዝጥቀመሉ: ከምኡውን ናይ ኣምላኽ ስርዓታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ ንናይ ካልኦት ኣረኣእያ ኣብ ግምት ምስ ዘእቱ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 9:⁠19-23

እቲ ብኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሳሙዌል ሄርድ ቀጺሉ ዝቐረበ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም “ምምጋብ ኣይትረስዑ!” ዝብል ዝምስጥ ኣርእስቲ ነበሮ። ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ብቑዕ ኴንካ ምእንቲ ክትርከብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኣመጋግባ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። ሓው ሄርድ ከምዚ በለ:- “ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን መዝነትኩም ምስ ኣተኹም መንፈሳዊ ንጥፈታትኩም ወሰኽ ክገብር ኢዩ። ስለዚ: ብርታዐኹም ሚዛኑ ንኽሕሉን ንኽመዓራረን ዝያዳ መንፈሳዊ መግቢ ክትወስዱ ከድልየኩም ኢዩ።” ስሩዕ ኣመጋግባ መንፈሳዊ መግቢ ንሓደ ሚስዮናዊ መንፈሳዊ ጭንቀትን ናፍቖትን ንኸርሕቕ ይሕግዞ። እዚ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ዕግበትን ኣብቲ እተመዘዘሉ ዕዮ ቅዱስ ኣገልግሎት ጸኒዑ ንኽቕጽልን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠13

ሎረንስ ቦወን ዝብሃል ናይ ጊልዓድ መምህር ነቶም ተመረቕቲ “ናብ መጀመርታ ተመለሱ” ብምባል ኣተባቢዕዎም ኢዩ። እንታይ ማለቱ ኢዩ ዝነበረ፧ ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ናብታ ኣብ ምሳሌ 1:⁠7 ዘላ “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ” እትብል ጥቕሲ ከም ዝግንጽሉ ገበረ። እቲ ተዛራቢ “ነቲ ናይ ፈለማ ሓቂ ዝዀነ ህላወ የሆዋ ዝነጽግ ዘበለ ከም ሓቀኛ ፍልጠትን ግቡእ ምርዳእን ንምዃን ፈጺሙ ብቕዓት ኣይክረክብን ኢዩ” በለ። ሓው ቦወን ንዝርዝራት ናይቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ቍርጽራጽ ናይ ሓደ ዝገጣጠም ስእሊ ዘለዎ መጻወቲ ኣመሳሰሎ። እቲ ቍርጽራጽ ምስ ገጣጠምካዮ ስእሊ ይኸውን። ዝያዳ ቍርጽራጽ ብዘገጣጠምካ መጠን እቲ ስእሊ ብዝያዳ እናዓበየን እናነጸረን ይኸይድ: ናይቲ ሰብ ምርዳእ እውን እናወሰኸ ይኸይድ። እዚ ድማ ኵሎም ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ንኸቕርቡ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።

ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብ ዝዀነ ዋለስ ሊቨራንስ ነቲ ተኸታታሊ ዝርርባት ደምደሞ። ኣርእስቲ ናይ ዝርርቡ “ከም ክፍሊ መስዋእትኹም ገይርኩም ብምርኣይ ንኣምላኽ ምስጋና ኣቕርቡ” ዝብል ነበረ። ነቲ የሱስ ንዓሰርተ ለምጻማት ከም ዘሕወየ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣተኲርሉ ኢዩ። (ሉቃስ 17:⁠11-19) ሓደ ጥራይ ኢዩ ንኣምላኽ ክውድስን ንየሱስ ምስጋንኡ ክገልጽን እተመልሰ። ሓው ሊቨራንስ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “እቶም ካልኦት ምስ ነጽሁ ብሓጐስ ከም እተፈንጭሑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብምንጽሆም ባህ ኢልዎም ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ንጹሃት ምዃኖም ካህን ኣፍልጦ ክህቦም ዝደለዩ ጥራይ ኢዮም ዝመስሉ።” ሓደ ሰብ ሓቂ ካብ ምፍላጥ ዝረኽቦ መንፈሳዊ ምንጻህ ምስቲ ናይ ምምሳው ባህሪኡ ብሓባር ኰይኑ ንኣምላኽ ስለቲ ዝገበረሉ ጽቡቕ ነገር ንኸመስግኖ ክድርኾ ኣለዎ። እቶም ተማሃሮ ናይ መበል 108 ክፍሊ ጊልዓድ ኣብ ኣገልግሎቶምን መስዋእቶምን ንኣምላኽ ዘመስግኑ ምዃኖም ምእንቲ ከንጸባርቑ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ኵሉ ንጥፈታትን ጽቡቕ ነገራትን ከስተንትኑ ምትብባዕ ተዋህቦም።​—⁠መዝሙር 50:⁠14, 23፣ 116:⁠12, 17

ብኸመይ ከም ዝፍጽምዎ ዘርኢ ተመክሮታትን ቃለ⁠-​መጠይቓትን

ማርክ ኑማር ዝበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ነቲ ዝቕጽል ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም መርሖ። እዚ ድማ እቶም ተማሃሮ ስልጠና ኣብ ዝወሃቦም ዝነበረ እዋን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ተመክሮታት ዝሓዘ ነበረ። እቶም ተማሃሮ ቅድሚ ናብ ጊልዓድ ምምጻኦም ብገምጋም ዳርጋ 12 ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣሕሊፎም ኢዮም። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከለዉ ንእተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚሮምዎም ኢዮም: ስለዚ ኸኣ እቶም ተማሃሮ ብኸመይ ‘ንዅላቶም ኵሉ ከም ዝዀኑ’ ይፈልጡ ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 9:⁠22

ደድሕሪ እቲ ናይ ተማሃሮ ተመክሮታት: ቻርለስ ሞለሃን ከምኡውን ዊልያም ሳሙኤልሰን ንገለ ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ኣባላት ስድራ ቤትኤልን ገየሽቲ ተዓዘብትን ቃለ⁠-​መጠይቓት ገበሩሎም። ሮበርት ፔቪ ዝበሃል ሓደ ካብቶም ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገብረሎም ሰባት: ካብ መበል 51 ክፍሊ ጊልዓድ ድሕሪ ምምራቑ ኣብ ፊሊፕንስ ኣገልገለ። ነቶም ተማሃሮ ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸሮም:- “ሽግር ምስ ዘጋጥም: ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓሳባት ይህብ ኢዩ። ኵሉ ሳዕ ካባኻትኩም ዝነፍዕ: ካብቲ ዘቕረብኩምዎ ሓሳብ ዝሓይሽ ርእይቶ ዘምጽእ ሰብ ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተወኪስክምዎን ንነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ እንተ ርኢኽምዎን ግን ዋላ ሓደ ሰብ ኣይክበልጸኩምን ኢዩ። እቲ ካብኡ እትረኽብዎ ወትሩ እቲ ቕኑዕ መልሲ ክኸውን ኢዩ።”

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ፕሮግራም እቲ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጆን ባር “ብየሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርቡ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ሃበ። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ⁠-​ሰባት ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣምልኾ ንኽህቡ ብምሕጋዝ ቅዱስ ኣገልግሎት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብኸመይ ክንጸባረቕ ከም ዝኽእል ገለጸ። ሓው ባር ነተን ኣብ ማቴዎስ 4:⁠10 ዝርከባ ቃላት የሱስ ድሕሪ ምጥቃስ ከምዚ በለ:- “ንየሆዋ ጥራይ ከነምልኽ እንተ​ድኣ ዄንና: ንኸም ስስዐ: ባህጊ ሃብቲ: ከምኡውን ገዛእ ርእስኻ ምንኣድ ዝኣመሰለ ኵሉ ረቂቕ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ከነርሕቕ ኣሎና። ካብ መጀመርታ 1940ታት ኣትሒዞም ክሳዕ ሕጂ ዘለዉ ሚስዮናውያንና ኣብዚ መዳይ እዚ ብሉጽ ስም ብምሕዳጎምስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰና! ተመረቕቲ ናይ መበል 108 ክፍሊ ጊልዓድ እውን ኣብነቶም ከም እትስዕቡ ርግጸኛታት ኢና። ነቲ በይኑ ቅዱስ ኣገልግሎት ክወሃቦ ዝግባእ የሆዋ ከተገልግልዎ ኢኹም።”

ብጽቡቕ መደምደምታ እተዛዘመ ሃናጺ ፕሮግራም ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ካብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ሰላምታታትን ሰናይ ምንዮታትን ንምስማዕ: ዲፕሎማ ንምዕዳል: ከምኡውን እቶም ኣባላት እታ ክፍሊ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ዘለዎም ሞሳ ብምግላጽ ዝጸሓፍዋ ደብዳበ ንምንባብ ዝኸውን ግዜ ነይሩ ኢዩ። እቶም ተመረቕቲ ኣብ መዝነቶምን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ናይ ተኣማንነት ባህሪ ከርእዩ ተማዒዶም ኢዮም። ነቶም ካብ 25 ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ ሓዊስካ ኵሎም እቶም ተኣከብቲ: እቲ ፕሮግራም ብመዝሙርን ጸሎትን ክዕጾ ከሎ ተኻፊሎም ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ፕሮግራም ብ11 መጋቢት 2000 ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ኢዩ ተኻይዱ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 10

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 17

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 46

ገምጋም ዕድመ:- 34

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 108 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።

(1) ኢቨልይን ኣማዶሪ፣ ዋን ኩክ፣ ሚረያ በርን፣ ኣሊሰን ሊ (2) ዶን ኒውሳም፣ ኣና ፓደርትሶሊ፣ ሄለን ቢግራ፣ ቶሺ ካቶ፣ ደቢ ጌትዉድ (3) ዶን ኢድ፣ ጁሊ ኢድ፣ ሶንያ ዌልስ፣ ጀኒፈር ጀይምሰን፣ ሚሸል ጎንዛለስ፣ ጆ ጎንዛለስ (4) ቶም ካቶ፣ ዴብራ ሎን፣ ይቨት ኒክሎስ፣ ሴራ ፕረይስ፣ ፓም ፎስተር፣ ጃኲሊን ይባራ (5) ማይከል ኣማዶሪ፣ ሚሸል ማኒን፣ ማይሊ ጄምስ፣ ኣና ቦስትሮየም፣ ብራይን ጌትዉድ፣ ዳርየል ኒውሳም (6) ብሩስ ፎስተር፣ ሪክ ጀይምሰን፣ ኣንድርያ ሂፊንገር፣ ሲንዲ ኮፈል፣ ቶቢ ኮፈል፣ ጆርጅ በርን (7) ከላውስ ሂፊንገር፣ ክለይተን ማኒን፣ ጆ ኩክ፣ ያኒ ቦስትሮየም፣ ኢሪክ ሎን፣ ኣልበርቶ ፓደርትሶሊ (8) ኣንዲ ጄምስ፣ ላይል ዌልስ፣ ዳምያን ፕረይስ፣ ኢክሃርት ኒክሎስ፣ ማርክ ሊ፣ ፖል ይባራ፣ ኢቭ ቢግራ