ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ከነሰንፎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነቲ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ከነሰንፎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነቲ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ከነሰንፎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዝከኣለካ ዘበለ ንምግባር ወትሩ ትቃለስዶ ኣሎኻ፧ ከምኡ ምግባርካ ንዓኻ ይኹን ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት ብብዙሕ መገድታት ክጠቅም ከም ዝኽእል ንጹር ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ገሊኣቶም ኣብ ነገራት ሕሉፍ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ዘለዎም ኰይኖም ተረኺቦም ኢዮም። እዚ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

 እታ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ተባሂላ ዘላ “ፐርፈክሽኒዝም ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል “ንዝዀነ ይኹን ፍጽምና ዝጐደሎ ነገር ከም ዘይቅቡል ገይርካ ናይ ምርኣይ ኣመለኻኽታ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ዘለዎም ሰባት ኣጋጢሞምኻ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ካብ ካልኦት ሰባት ዝጽበይዎ ዘይብጻሕ ነገራት: ናይ ዘይምዕጋብን ተስፋ ምቝራጽን ሃዋሁ ብምፍጣር ጸገማት ከላዕል ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወት ዘይብጻሕን ዘይምኽንያታውን ትጽቢት ብምግባር ዝንጸባረቕ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ብሓቂ ተበሃጊ ከም ዘይኰነ ብዙሓት ሚዛናውያን ሰባት ይሰማምዑሉ ኢዮም። እዚ ከነሰንፎ ዘሎና ዝንባለ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣመለኻኽታ ክንመጽእ ከሎና ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ከም ዘሎና ንምግንዛቡ ኣሸጋሪ ክኸውን ስለ ዝኽእል: ነዚ ዝንባለ እዚ ምስናፍ ብድሆ ይዀነና ኢዩ።

ኔልሰን ብዙሕ ሓላፍነትን ክፈትሖ ዘለዎ ብዙሕ ግድላትን ነበሮ። ኣዘውቲሩ ስታቲስቲካዊ መጽናዕቲ የካይድ: ንምህርቲ ኸኣ ከም ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘሎ ውድድር ንኽትዕወት ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ከም ኣድላዪ ረቛሒ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ገለ ሰባት ነቲ ናይ ኔልሰን ስሉጥነት ዘማስውሉ እኳ እንተዀኑ: እቲ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪኡ ከም ሕማም ርእስን ጭንቀትን ዝኣመሰለ ኣካላዊ ጸገማት ፈጠረሉ። ንስኻኸ ከም ኔልሰን ዲኻ፧

መንእሰያት እውን ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ይትንክፎም ኢዩ። ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጃንየሮ እትነብር ሪታ ከም ቈልዓ መጠን ቤት ትምህርቲ ምኻድ የሐጕሳ ነይሩ ኢዩ። ላዕሊ ላዕሊ እትመጣጠር መሲላ ክትርአ ኣይትደልን ኢያ: ዝለዓለ ነጥቢ እንተ​ድኣ ዘይረኺባ ግን ትጕሂ ነበረት። ሪታ ከምዚ ትብል:- “ካብ ግዜ ቝልዕነተይ ኣትሒዘ ንገዛእ ርእሰይ ምስቶም ብዙሕ ግዜ ዘለዎም ሰባት አወዳድራ ነበርኩ: እንተ​ዀነ ግን ኵሉ ግዜ እጭነቕ: ክዓዪ ከሎኹ ድማ ብሃታሃታ እዓዪ ነበርኩ። ወትሩ ክዓዮ ዘሎኒ ነገራት ስለ ዝነበረ ከዕርፍ ግዜ ዝነበረኒ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን ኢዩ።”

ማርያ እትበሃል ንእሽቶ ጓል ከም ናይ ካልኦት ገይራ ስእሊ ምስ ዘይትስእል ብተስፋ ምቝራጽ ትበኪ ነበረት። ብተወሳኺ: ኣብቲ ናይ ሙዚቃ ስነ⁠-​ጥበብ ፍጽምቲ ክትከውን ድሌት ነበራ: ብኣወቓቕዓ ሙዚቃኣ ወይ ብደርፋ ኣብ ክንዲ እትሕጐስ መብዛሕትኡ ግዜ ትጭነቕ ነበረት። ሓንቲ ኻልእ መስተውዓሊት ንምዃንን ውድድር ንምውጋድን እትጽዕር ዝነበረት ታንያ እተባህለት ጓል ብራዚል ከኣ ገና ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ቤትን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ዝዀነ መዐቀኒታት ተውጽእ ከም ዝነበረት ትእመን። ዕዮኣ ፍጹም እንተ ዘይኰይኑ ሰባት ከም ዘይፈትዉዋ ኰይኑ ይስምዓ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚውን ታንያ ሓድሓደ ግዜ ንኻልኦት ሰባት ካብ መጠን ንላዕሊ ትጽቢት ትገብረሎም ነበረት: እዚ ኸኣ ተስፋ ምቝራጽን ጓህን ኣስዓበላ።

ብቕዓት: ትግሃት: ከምኡውን ብሕታዊ ዕግበት ናይ ምርካብ ስምዒት ኣድላዪ እኳ እንተ​ዀነ ክብጻሕ ዘይክእል ሸቶ ምግባር ግን ከም ንኸይትፈሽል ምፍራህ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ወለዲ ወይ ካልኦት ኣብ ዕዮ ትምህርቲ ይኹን ወይ ኣብ ስፖርት: መንእሰያት ንኽበጽሕዎ ዘሸግሮም መዐቀኒታት ፍጽምና የውጽኡ ይዀኑ ኢዮም። ንኣብነት ኣዲኡ ንሪካርዱ ብዙሕ ትጽቢት ትገብረሉ ነበረት፣ ዶክተር ክኸውን: ፒያኖ ክኽእል: እተፈላለየ ቋንቋታት ክዛረብ ኢያ ትደልዮ ነይራ። ከምዚ ዓይነት ሸቶታት ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ጸገማትን ተስፋ ምቝራጽን ከስዕብ ከም ዝኽእል ክትግንዘብዶ ምኸኣልካ፧

ነቲ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ከነወግዶ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዝለዓለ መዐቀኒታት ዘማልእን ብልጫ ዘለዎን ጸብለል ዝበለ ጽፉፍ ዕዮ ይጥለብ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሰባት ኣብ ፍርያት ክወዳደሩ ይግደዱ። ንብዙሓት ሰባት ኣበርቲዖም ንኽጽዕሩ ዝገብሮም ካልእ ረቛሒ ኸኣ መናበሪ ንኸይስእኑ ዘለዎም ፍርሂ ኢዩ። ገሊኦም ሰራሕተኛታት ልክዕ ከምቲ ሓድሽ ክብረ⁠-​ወሰን ንምምዝጋብ እዚ ዘይብሃል መስዋእትታት ዝኸፍል ስፖርተኛ ኢዮም ዝዀኑ። እቲ ስፖርተኛ ሓያላት ተወዳደርቲ ምስ ዘጋጥምዎ ንኽስዕር ተስፋ ብምግባር ዝያዳ ልምምድ ክገብር ምናልባትውን ብሉጽ ዓወት ከም ዘመዝግብ ክገብሮ ዝኽእል መድሃኒታት ምውሳድ ዘድልዮ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ንሰባት ኣብ ክንዲ በቲ ብሉጽ ውጽኢት ንምርካብ ዝግበር ግቡእ ጻዕሪ ዝጽዕቱ በቲ “ንኸይፈሽሉ ዝመጾም ፍርሂ ከም ዝድረኹ” ወይ ከኣ “ቀዳማይ ንምዃን ከም ዝለዓዓሉ” ይገብሮም ኣሎ።​—ዘ ፊሊን ጉድ ሃንድቡክ (እንግሊዝኛ)

ገሊኣቶም እቲ ኣብ ስነ⁠-​ጥበብ ይኹን ኣብ ስፖርት ዝገብርዎ ንጥፈታት ወትሩ ክመሓየሽ ዝኽእል ኰይኑ ከም ዝስምዖም ፍሉጥ ኢዩ። ገና ግን ብመሰረት እቲ ዶክተር ሮበርት ኤስ. ኤሎት ዝበሎ “ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ኣብ ክዉንነት ክበጽሕ ዘይክእል ትጽቢት ኢዩ።” ወሲኹ ድማ “ናይ ገበን ስምዒት: ናይ ምክልኻል ባህሪ: ከምኡውን ላግጺ ናይ ምፍራህ ዝንባለ ዝሓቘፈ ኢዩ” በለ። ስለዚ ቃላት ናይቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ:- “ኵሉ ጻዕርን ኵሉ ምስላጥ ዕዮን ከኣ ንሰብ ኣብ ብጻዩ ቕንኢ ኸም ዜተንስእ ርኤኹ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ።”​—መክብብ 4:4

ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ እንተ​ድኣ ኣልዩካ ኰይኑ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧ ብዙሕ ብዝጸዓርካ መጠን ዝያዳ ተስፋ ዘቝርጽ ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧ ብዙሕ ዘይትጽበ ሚዛናዊ ክትከውን ምደለኻዶ፧ ፍጹም ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ከተወግድ እኳ ትደሊ እንተ ዀንካ ነቲ ነገራት ናይ ምፍጻም ክእለትካ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀመሉዶ ኣይትደልን ኢኻ፧ ዘይፍጹማት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክእለት ምእንቲ ጥቕሚ ካልኦት ኢሎም ነገራት ንምድህሳስ ክጥቀምሉ ኻብ ከኣሉ: ወድሰብ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኵነታትን መለኮታዊ መሪሕነትን እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል እሞ ሕስብ ኣብል!

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ወይ ካልኦት: ክብጻሕ ዘይክኣል ፍጽምና ካብ መንእሰያት ይጽበዩ ይዀኑ ኢዮም