ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ኣብ ልዕሌኹም ስልጣን እተዋህቦም ኣኽብርዎም

ነቶም ኣብ ልዕሌኹም ስልጣን እተዋህቦም ኣኽብርዎም

ነቶም ኣብ ልዕሌኹም ስልጣን እተዋህቦም ኣኽብርዎም

“ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ: ሕውነት ኣፍቅሩ: ንኣምላኽ ፍርህዎ: ንንጉስ ኣኽብርዎ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 2:17

1, 2. ሎሚ ሰባት ብዛዕባ ስልጣን ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

 ሓንቲ ኣደ: “ቈልዑ ዝደለይዎ ክገብሩ ምሉእ መሰል ኢዩ ዘለዎም። ንወለዲ ምኽባር ዝበሃል ነገር የለን” ብምባል ጓሂኣ ትገልጽ። ሓደ ካብ ፕላስቲክ እተሰርሐ እተፈላለየ ነገራት ኣብ ማኪና ምጥቃዕ ዝስርሑ ሰብኣይ ድማ “ንስልጣን በድሃዮ” ይብል። እዚ ካብቲ ሕጂ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ንስኻ እውን እትፈልጦ ኵነታት ክልተ ኣብነታት ጥራይ ኢዩ። ብሓፈሻ ንወለዲ: ንመምሃራን: ኣስራሕቲ: ከምኡውን ንሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ ዘይምኽባር ኣብ መላእ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ነገር ኢዩ።

2 ገሊኦም ‘እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣኽብሮት ዝግብኦም ዓይነት ሰባት ኣይኰኑን’ ኢዮም ዝብሉ። ሓድሓደ ግዜ እዚ ኣሉ ዘይበሃሎ ሓቂ ክኽውን ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ብልሹዋት ናይ መንግስቲ ሰበ⁠-​ስልጣን: ስሱዓት ኣስራሕቲ: ብቕዓት ዘይብሎም መምሃራን: ከምኡውን ንደቆም ዝሃስዩ ወለዲ ዝገልጽ ወረታት ብቐጻሊ ንሰምዕ ኢና። ነቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብኸምዚ ዝርእዩ ክርስትያናት ዳርጋ ዘይምህላዎም ግን ዘሐጕስ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45-47

3, 4. ክርስትያናት ነቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ከኽብርዎም ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ከም ክርስትያናት መጠን ነቶም ዓለማዊ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንኸነኽብር “ደራኺ ምኽንያት” (NW  ) ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ብምባል ምዒዱ ኣሎ። (ሮሜ 13:​1, 2, 5፣ 1 ጴጥሮስ 2:​13-​15) ጳውሎስ ኣብ ስድራ​ቤት ንዘሎ ስልጣን ክንእዘዝ ዝድርኸና ቀንዲ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣትን ኣንስቲ: ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። ኣቱም ውሉድ: እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ: ንወለድኹም ብዅሉ ተአዘዝዎም።” (ቈሎሴ 3:18, 20) ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ‘ማሕበር ጐይታ ንኽጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ዝሸሞም’ ስለ ዝዀኑ ከነኽብሮም ግቡእ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ንሰብኣውያን ሰበ⁠-​ስልጣን እነኽብሮም ንየሆዋ ስለ እነኽብሮ ኢዩ። ንስልጣን የሆዋ ምኽባር ኣብ ህይወትና ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29

4 ነቲ የሆዋ ዘለዎ ዝለዓለ ስልጣን ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ንሰበ⁠-​ስልጣን ዘየኽበሩን ዘኽበሩን ገለ ኣብነታት ንርአ።

ንስልጣን ዘይምኽባር ስምረት የሆዋ ከም ዘይትረክብ ይገብር

5. ሚካል ብዛዕባ ዳዊት ከመይ ዝበለ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ኣረኣእያ ኢያ ዘንጸባረቐት: እዚኸ ናብ ምንታይ ኣምርሐ፧

5 ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ዝንዕቁ ሰባት የሆዋ ብኸመይ ከም ዝርእዮም ካብ ታሪኽ ንጉስ ዳዊት ክንማሃር ንኽእል ኢና። ዳዊት ንታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ክወስዶ ኸሎ በዓልቲ ቤቱ ሚካል “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።” ሚካል ንዳዊት ከም ርእሲ ስድራ​ቤት ጥራይ ዘይኰነስ ከም ንጉስ ናይታ ሃገር ገይራ እውን ክትርእዮ ነበራ። ንሳ ግን ብናይ ምሕጫጭ ስምዒት “ንጉስ እስራኤልሲ: ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ: ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ” በለት። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ሚካል ቈልዑ ኣይወለደትን።​—⁠2 ሳሙኤል 6:⁠14-23

6. የሆዋ ነቲ ቆራሕ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሸሞም ዝነበሮ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ኣረኣእያ ብኸመይ ተመልከቶ፧

6 ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ቲኦክራሲያዊ መሪሕነት ብዘይ​ምኽባር ዝመጸ እቲ ቆራሕ ዝገበሮ ጕሉሕ ኣብነት ኢዩ። ወዲ ቃሃት ብምንባሩ ኣብ ማሕደር የሆዋ ኴንካ ናይ ምግልጋል ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ነይርዎ! እንተ​ዀነ ግን: ኣብቶም ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ንኽመርሑ ዝቐብኦም ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረመ። ቆራሕ ምስ ካልኦት ሹማምንቲ እስራኤል ተሰማሚዑ ንሙሴን ኣሮንን ብትሪ ከምዚ በሎም:- “ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም: እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ: እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ: ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ አሎኹም፧” የሆዋ ንኣተሓሳስባ ቆራሕን ደገፍቱን ብኸመይ ረኣዮ፧ ብተግባሮም ንዕኡ ከም ዘየኽበሩ ገይሩ ኢዩ ርእይዎም። ቆራሕን እቶም 250 ሹማምንትን ንዅሎም እቶም ደገፍቶምን መሬት ክትውሕጦም ከላ ድሕሪ ምርኣዮም ንሳቶም እውን በቲ ካብ የሆዋ ዝመጸ ሓዊ ጠፍኡ።​—⁠ዘሁልቍ 16:⁠1-3, 28-35

7. እቶም “ብሉጻት ሃዋርያት” ንስልጣን ጳውሎስ ክነቕፍሉ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ነይርዎምዶ ኢዩ፧

7 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ቲኦክራሲያዊ ስልጣን ኣኽብሮት ዘይነበሮም ሰባት ነይሮም ኢዮም። እቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ “ብሉጻት ሃዋርያት” ኣብ ጳውሎስ ናይ ንዕቀት ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎም። ‘ባዕሉ ምሳና ኸሎ ድኹም: ዘረባኡውን ንዑቕ ኢዩ’ ብምባል ነቲ ናይ ምዝራብ ክእለቱ ነቒፎምዎ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 10:⁠10፣ 11:⁠5) ጳውሎስ ንፉዕ ተዛራባይ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ከም ሃዋርያ መጠን ክብሪ ይግብኦ ነይሩ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ዘረባኡ ብሓቂ ንዑቕ ድዩ ነይሩ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ንሱ ዝሃቦ ዝርርብ ክሳዕ ክንደይ ከእምን ዝኽእል ተዛራባይ ከም ዝነበረ መርትዖ ዝህብ ኢዩ። ከመይሲ ምስቲ ‘ኵሉ ክርክር ኣይሁድ ዝፈልጥ’ ዝነበረ ሄሮዶስ ኣግሪጳ ካልኣይ ሒደት ምስ ተዛረበ ጥራይ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” ኢልዎ ኢዩ! (ግብሪ ሃዋርያት 13:15-​43፣ 17:22-​34፣ 26:​1-​28) እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ብሉጻት ሃዋርያት ግን ዘረባኡ ንዑቕ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ተዛሪቦም! ነዚ ኣመለኻኽትኦም እዚ የሆዋ ብኸመይ ረኣዮ፧ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ንዝነበሩ ሽማግለታት ክጽሕፈሎም ከሎ በቶም “ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ” ሰባት ንዘይተታለሉ ንኢድዎም ኢዩ።​—⁠ራእይ 2:2

ዘይፍጽምና እኳ እንተሃለወ ኣኽብሮት ምርኣይ

8. ዳዊት ነቲ የሆዋ ንሳኦል ዝሃቦ ስልጣን የኽብሮ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧

8 ነቶም ንስልጣኖም ብግቡእ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ይኹኑ ዘይጥቀምሉ ሰባት ኣኽብሮት ዘርኣዩ ብዙሓት ውልቀ⁠-​ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ኣለዉ። ዳዊት ሓደ ካብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣብነት ዝነበሮም ሰባት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሳኦል ኰይኑ ከገልግል ከሎ እቲ ንጉስ በቲ ዳዊት ዝዓሞ ዝነበረ ነገራት ቀኒኡ ክቐትሎ ደለየ። (1 ሳሙኤል 18:​8-​12፣ 19:​9-​11፣ 23:26) ዳዊት ንሳኦል ክቐትሎ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ነበሮ “ኢደይ ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሄር ካበይ የርሕቆ” በለ። (1 ሳሙኤል 24:​3-6፣ 26:​7-​13) ሳኦል ይጋገ ከም ዝነበረ ዳዊት ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን የሆዋ ክፈርዶ ሓደጎ። (1 ሳሙኤል 24:13, 16፣ 26:22-24) ብዛዕባ ሳኦል ሕማቕ ነገር ኣየውስአን: ንሳኦል እውን ሕማቕ ኣይተዛረቦን።

9. (ሀ) ሳኦል እንተ በደሎ እኳ ዳዊት ከመይ ተሰምዖ፧ (ለ) እቲ ዳዊት ንሳኦል ዝነበሮ ኣኽብሮት ናይ ሓቂ ምንባሩ ብምንታይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧

9 ዳዊት ሕማቕ ነገራት እኳ ይወርዶ እንተ ነበረ ጕህዩዶ ኢዩ፧ “ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ” ብምባል ናብ የሆዋ ኣእውዩ ኢዩ። (መዝሙር 54:3) ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንየሆዋ ናይ ልቡ ኣፍሰሰሉ:- “ኣምላኸየ: ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ: . . . ጐይታየ: ብኣበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሐቢሮም ዘለዉ። ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ: ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ።” (መዝሙር 59:1-4) ሓድሓደ ግዜ ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰብ ዋላ ሓንቲ ከይበደልካዮ የሸግረካ ከም ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ዳዊት ንሳኦል ካብ ምኽባር ዓዲ ኣይወዓለን። ሳኦል ምስ ሞተ ኣብ ክንዲ ብሓጐስ ዝዘልል ዳዊት ነዚ ዝስዕብ ናይ ሓዘን ግጥሚ ገጠመ:- “ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም: ፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ: . . . ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ: ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ። ኣትን ኣዋልድ እስራኤል . . . ንሳኦል ብኸያሉ።” (2 ሳሙኤል 1:⁠23, 24) ዋላ እኳ ሳኦል እንተ በደሎ ንናይ የሆዋ ቕቡእ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ብምርኣይ ዝመጸ ዳዊት ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝገደፈ!

10. ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ብምኽባር ዝመጸ ጳውሎስ እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ: እዚኸ ናብ ምንታይ መርሐ፧

10 ኣብ ዘመነ⁠-​ክርስትና እውን ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ኣኽብሮት ብምርኣይ ብሉጻት ኣብነት ክዀኑና ዝኽእሉ ኣለዉ። ንኣብነት: ጳውሎስ ርአ። እቲ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናዊት ማሕበር ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ንዝሃቦ ውሳነታት ኣኽብሮት ኣርእዩ ኢዩ። ኣብቲ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ዝገበረሉ ግዜ ምስ ሕጊ ሙሴ ዋላ ሓንቲ ጽልኢ ከም ዘይብሉ ንምርኣይ ናይ ምንጻህ ወግዒ ንኽፍጽም እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል መኺርዎ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ:- ‘እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣቐድም ኣቢሎም ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወት ካብ የሩሳሌም ክወጽእ መምርሒ ሂቦምኒ ነይሮም። ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሕጊ ሙሴ ከም ዘኽብር ከርኢ ይሓቱኒ ኣለዉ። ነቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ኣሕዋት ከኣ ንሕጊ ሙሴ ምሕላው ከም ዘየድልዮም ድሮ ጽሒፈሎም ኢየ። ሕጂ ናብቲ ቤት መቕደስ እንተ​ድኣ ከይደ ምስቶም ግዙራት ጕጅለ ንምምስሳል ይለማመጥ ከም ዘለኹ ገይሮም ብምሕሳብ ነቲ ተግባር ብጌጋ ይርድእዎ ይዀኑ።’ ጳውሎስ ግን ከምኡ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮን። ንክርስትያናዊ ስርዓታት ዝጥሕስ ብዘይ​ምንባሩ: እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ንዝሃቦ ምኽሪ ኣኽቢርዎን ተኣዚዝዎን ኢዩ። ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ጳውሎስ ካብ ናዕቢ ኣይሁድ ድሒኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ኣሕለፈ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ተፈጸመ። ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቂሳርያ ዝነበሩ ሰበ⁠-​ስልጣን መስከረ: ድሕርዚ ብናይ መንግስቲ ወጻኢ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ንኽምስክር ናብ ሮሜ ተወስደ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:​26-​30፣ 21:20-​26፣ 23:11፣ 24:27፣ ገላትያ 2:​12፣ 4:​9, 10

ኣኽብሮት ተርእዶ ኢኻ፧

11. ንዓለማዊ ስልጣን ኣኽብሮት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ እቲ ዝግባእ ኣኽብሮት ተርእዶ ኢኻ፧ ክርስትያናት ‘ክብረት ንዝግብኦ ኽብረት: ንዅሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃብዎ’ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ። ብርግጽ እምበኣር ‘ንስልጣናት’ ምእዛዝ ክበሃል ከሎ ግብሪ ምኽፋል ጥራይ ዘይኰነስ ብጠባይናን ኣዘራርባናን እውን ምእዛዞም ዘጠቓልል ኢዩ። (ሮሜ 13:1-7) ጨካናት ዝዀኑ ናይ መንግስቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ምስ ዘጋጥሙናኸ እንታይ ኢና ክንገብር፧ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ኣውራጃ ኪያፓስ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ሰበ⁠-​ስልጣን ን57 ስድራ​ቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገለ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ስለ ዘይተኻፈሉ ነቲ ዝነበሮም ናይ ሕርሻ ቦታ ወሰዱሎም። ነቲ ጕዳይ ንምፍትሑ ይግበር ኣብ ዝነበረ ዋዕላ እቶም መሰኻኽር ጽፉፍን ጽሩይን ክዳውንቲ ተኸዲኖም ብምምጻእ ነቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ኵሉ ግዜ ብኣኽብሮት ይዛረብዎም ነበሩ። ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ምስ ገበረ ኸኣ ንዕኦም ዝድግፍ ውሳነ ተመሓላለፈ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያኦም ከኣ ንገለ ተዓዘብቲ ብርቱዕ ጽልዋ ስለ ዘሕደረሎም ንሳቶም እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀኑ ደለዩ!

12. ንዘይኣማኒ በዓል እንዳ “ዓሚቝ ኣኽብሮት” ምርኣይ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ነቲ ኣብ ስድራ​ቤት ዘሎ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ኣኽብሮት ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ እከይ ምስ ኣጋጠሞ ዘርኣዮ ኣብነት ድሕሪ ምጥቃሱ ከምዚ በለ:- “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት [“ዓሚቝ ኣኽብሮት:” NW  ] ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ​ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።” (1 ጴጥሮስ 3:1, 2፣ ኤፌሶን 5:⁠22-24) ጴጥሮስ ዋላ ሓድሓደ ግዜ ገለ ሰብኡት ኣኽብሮት ዘይግብኦም ዓይነት ሰባት እንተዀኑ እውን ከይተረፈ ሓንቲ ሰበይቲ ንበዓል ቤታ “ዓሚቝ ኣኽብሮት” ብምርኣይ ክትእዘዞ ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሰብኣያ ኣኽብሮት ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ ዝህልዋ ንልቢ እቲ ዘይኣማኒ በዓል እንድኣ ክትንክፍ ትኽእል ትኸውን።

13. ኣንስቲ ንሰብኡተን ብኸመይ ኢየን ከኽብርኦም ዝኽእላ፧

13 ኣብ ትሕዝቶ ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ጴጥሮስ ናብታ ሰብኣያ ኣብርሃም ብሉጽ ኣብነት ናይ እምነት ዝዀነ ሳራ ከም እነቕልብ ኢዩ ዝገብረና። (ሮሜ 4:​16, 17፣ ገላትያ 3:​6-9፣ 1 ጴጥሮስ 3:6) እተን ኣመንቲ ሰብኡት ዘለውወን ኣንስቲ ንሰብኡተን ካብተን ዘይኣመንቲ ሰብኡት ዘለውወን ንታሕቲ ከኽብርኦም ኣለወን ማለት ድዩ፧ ብገለ ነገራት ምስ በዓል ቤትኪ ምስ ዘይትሰማምዒኸ፧ የሱስ “ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ: ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” ብምባሉ ብሓፈሻዊ መገዲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 5:41) ምስ ድሌታቱ ብምስምማዕ ንበዓል ቤትኪ ተኽብርዮዶ ኢኺ፧ እዚ ዝኸብድ መሲሉ እንተ​ድኣ ተራእዩኪ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘሎኪ ስምዒታት ኣካፍልዮ። ከመይ ከም ዝስማዓኪ ከም ዝፈልጥ ገይርኪ ኣይትውሰድዮ። ድሌታትኪ ክትነግርዮ ከሎኺ ግን ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ይኹን። መጽሓፍ ቅዱስ “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ብምባል ይምዕደና።​—⁠ቈሎሴ 4:6

14. ንወለዲ ምኽባር እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

14 ውሉዳትከ፧ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ይእዝዝ:- “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: . . . እዚ ተስፋ ዘሎዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ።” (ኤፌሶን 6:1-3) ንወለድኻ ምእዛዝ ምስ ‘ነቦኻን ኣዴኻን ምኽባር’ ማዕረ ምዃኑ ኣስተብህል። እታ “ኣኽብር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቃል “ዋጋ ምሃብ” ወይ “ግምት ምሃብ” ዝብል ትርጕም እውን ተስምዕ ኢያ። ስለዚ ምእዛዝ ክበሃል ከሎ ነቲ ዘይምኽንያታዊ መሲሉ ዝርአ ወለድኻ ዘውጽእዎ መምርሒ እናጐሃኻ ካብ ምስዓብ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣምላኽ ንወለድኻ ዓቢ ግምት ክትህቦምን ነቲ ዝህብዎ መምርሒ ከተኽብሮን ኢዩ ዝእዝዘካ ዘሎ።​—⁠ምሳሌ 15:⁠5

15. ውሉዳት ወለዶም ጌጋ እንተ ገበሩ እውን ከይተረፈ ነቲ ዘለዎም ኣኽብሮት ናይ ምርኣይ ባህርይ ክዕቅብዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

15 ወለድኻ ነቲ እተርእዮም ኣኽብሮት ከም እትንኪ ዝገብር ነገር ምስ ዝገብሩኸ እንታይ ይኹን፧ ነቲ ጕዳይ ብናቶም ኣራኣእያ ክትርእዮ ፈትን። ‘ወሊዶምኻን’ ናብዮምኻንዶ ከይኰኑ፧ (ምሳሌ 23:⁠22) በቲ ንዓኻ ዘለዎም ፍቕሪ ዝድረኹዶ ከይኰኑ፧ (እብራውያን 12:⁠7-11) ከመይ ከም ዝስመዓካ ብትሕትና ብምግላጽ ንወለድኻ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ተዛረቦም። ኣመላልስኦም ባህ እንተዘይበለካ እውን ኣኽብሮት ብዘይ​ብሉ መገዲ ካብ ምዝራብ ተቘጠብ። (ምሳሌ 24:⁠29) ሳኦል ንምኽሪ ኣምላኽ ሸለል ብምባል ይመላለስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ ዳዊት ከመይ ገይሩ የኽብሮ ከም ዝነበረ ኣይትረስዓዮ። ነቲ ዝስመዓካ ነገራት ምእንቲ ክትዋጽኣሉ ንየሆዋ ለምኖ። ዳዊት “ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ: መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ኣሎ።​—⁠መዝሙር 62:8፣ ድጕዓ ኤርምያስ 3:⁠25-27

ንመራሕትኹም ኣኽብርዎም

16. ካብ ኣብነት ናይቶም ናይ ሓሶት መምሃራንን መላእኽትን እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

16 ሽማግለታት ጉባኤ ብመንፈስ ቅዱስ እተሾሙ እኳ እንተዀኑ ዘይፍጹማትን ዝጋገዩን ኢዮም። (መዝሙር 130:3፣ መክብብ 7:​20፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ ያእቆብ 3:2) ስለዚ ኸኣ ገለ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት እቶም ሽማግለታት ብዝገብርዎ ነገራት ከይዓግቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብታ ጉባኤ ገለ ነገር ብግቡእ ምስ ዘይግበር ወይ ብግቡእ ዘይተገብረ ኰይኑ ምስ ዝስምዓና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ናይ ሓሶት መምሃራንን መላእኽትን ዝነበረ ፍልልይ ርአ:- “[እቶም ናይ ሓሶት መምሃራን] ደፋራት: ፈተውቲ ርእሶም: ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ: መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ: ኣብ ቅድሚ ጐይታ [“ካብቲ ንየሆዋ ዘለዎም ክብሪ ተበጊሶም:” NW  ] ንኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም።” (2 ጴጥሮስ 2:10-13) እቶም ናይ ሓሶት መምሃራን ነቶም ‘ክቡራት’ ተባሂሎም ዘለዉ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናዊት ጉባኤ ስልጣን ተዋሂብዎም ዝነበረ ሽማግለታት ክጸርፉ ኸለዉ: መላእኽቲ ግና ብዛዕባ እቶም ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዕግርግር ዝፈጥሩ ዝነበሩ ናይ ሓሶት መምሃራን ሕማቕ ኣይተዛረቡን። መላእኽቲ ካብ ናይ ሰባት ዝበለጸ ቦታን ዓሚቝ ናይ ፍትሒ ስምዒትን ስለ ዝነበሮም ኣብታ ጉባኤ እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ ክግንዘቡ ይኽእሉ ኢዮም። “ካብቲ ንየሆዋ ዘለዎም ክብሪ ተበጊሶም” ግን እቲ ፍርዲ ንኣምላኽ ገደፍሉ።​—⁠እብራውያን 2:⁠6, 7፣ ይሁዳ 9

17. ንገለ ግድላት ኣብ ምእላይ ሽማግለታት ጌጋ ከም ዝገበሩ ኰይኑ ምስ ዝስመዓካ እምነትካ እንታይ ግደ ኣለዋ፧

17 ሓደ ነገር በቲ ዝግብኦ ኣገባብ እንተዘይተገብረ እውን ከይተረፈ ከም ህያው ርእሲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገይርና ብምውሳድ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ክህልወና ኣይግባእንዶ ኢዩ፧ ኣብታ ዓለምለኻዊት ጉባኤኡ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ይፈልጥዶ ከይኰነ፧ ነቲ ንሱ ንነገራት ዝፈትሓሉ ኣገባብ ከነኽብርን ንነገራት ክቈጻጸር ዘለዎ ክእለት ኣፍልጦ ክንህበሉንዶ ኣይግባእን ኢዩ፧ ‘ኣብ ብጾትና እንፈርድከ’ ንሕና እንታዎት ኢና፧ (ያእቆብ 4:​12፣ 1 ቈረንቶስ 11:3፣ ቈሎሴ 1:​18) ነቲ ዘሎካ ጭንቀት ብጸሎት ገይርካ ስለምንታይ ናብ የሆዋ ዘይትድርብዮ፧

18, 19. ሓደ ሽማግለ እተጋገየ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ፧

18 ብምኽንያት ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ግድላት ወይ ጸገማት ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ንገሊኦም ዝርብሽ በደል ክገብር እውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከጋጥም ከሎ ተሃዊኽና ገለ ስጕምቲ ምውሳድና ነቲ ኵነታት ከዐርዮ ኣይክእልን ኢዩ። ነቲ ግድል መሊሱ የግድዶ ይኸውን። እቶም መንፈሳዊ ምስትውዓል ዘለዎም ሰባት: የሆዋ ነቲ ኵነታት ከዐርዮ ከምኡውን ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜን በቲ ንሱ ዝደልዮ መገድን ዘድሊ ተግሳጽ ክህብ ኢዮም ዝጽበዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16፣ እብራውያን 12:⁠7-11

19 ብዛዕባ ገለ ነገራት ምስ እትጕህኸ፧ ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣብ ክንዲ ምዝርራብ ሓገዝ ንምርካብ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ምስ ሽማግለታት ዘይትዘራረብ፧ ነቓፊ ከይኰንካ ክሳዕ ክንደይ ከም እተተንከፍካ ግለጽ። ኵሉ ግዜ ‘ደንግጸሎም:’ ከተማኽሮም ከሎኻ ኸኣ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ይኹን። (1 ጴጥሮስ 3:⁠8) ኣብ ክንዲ ምሕጫጭ ኣብቲ ዘለዎም ክርስትያናዊ ብስለት ተወከል። ነቲ ብሕያውነት ዝህቡኻ ዝዀነ ይኹን ክርስትያናዊ መተባብዒ ኣማስወሉ። ካልእ ናይ ምእራም ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ኰይኑ እንተ ተራእዩካ: እቲ ሰናይን ቅኑዕን ዝዀነ ነገር ንኽገብሩ የሆዋ ነቶም ሽማግለታት ከም ዝመርሖም እምንቶ ይሃሉኻ።​—⁠ገላትያ 6:​10፣ 2 ተሰሎንቄ 3:​13

20. ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንምርምር፧

20 እንተ​ዀነ ግን: ነቶም ስልጣን ዘለዎም ብዛዕባ ምኽባርን ግምት ምሃብን ክንዛረብ ከሎና ክንሓስበሉ ዘሎና ካልእ ነገራት እውን ኣሎ። እቶም ስልጣን ዘለዎምከ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ከኽብርዎምዶ የብሎምን ኢዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንምርምር ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ነቶም ስልጣን ዘለዎም ንኸነኽብሮም እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ኢዩ ዘሎና፧

• የሆዋን የሱስን ነቶም ኣምላኽ ንዝሰርዖ ስልጣን ዝንዕቁ ሰባት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎም፧

• ነቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ብምኽባር ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዝዀኑና በዓል መን ኢዮም፧

• ሓደ ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዘለዎ ሰብ እተጋገየ ኰይኑ ምስ ዝስምዓና እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ሳራ ነቲ ናይ ኣብርሃም ስልጣን ዓሚቝ ኣኽብሮት ነይሩዋ ኢዩ: ሕጕስቲ ኸኣ ኢያ ነይራ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ሚካል ነቲ ዳዊት ከም ርእሲ ስድራ​ቤትን ንጉስን መጠን ዝነበሮ ስልጣን ኣየኽበረቶን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

“ኢደይ ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሄር ካበይ የርሕቆ ”

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ነቲ ዘሎካ ጭንቀት ብጸሎት ገይርካ ስለምንታይ ናብ የሆዋ ዘይትድርብዮ፧