ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓመጽ መወዳእታ ዝገብረሉ መን ኢዩ፧

ንዓመጽ መወዳእታ ዝገብረሉ መን ኢዩ፧

ንዓመጽ መወዳእታ ዝገብረሉ መን ኢዩ፧

 ኣብ መስከረም 1999 ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኮፊ ኣናን ንተኣከብቲ ናይ መበል 54 ዓመታዊ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም በሎም። ኣብ ዘ ቶሮንቶ ስታር እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ተሓቢሩ ከም ዘሎ ነቶም መራሕቲ ዓለም ከምዚ ብምባል ሓደ ብድሆ ኣቕረበሎም:- “ብዙሓት ሰባት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ድንጋጽ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ይደልዩ ኣለዉ። ካብቲ ግዳይ ዓመጽ ዝገብር ዓንኬል ወጺኦም መገዲ ብልጽግና ንኽጅምሩ ሓቀኛን ነባርን መብጽዓ ይደልዩ ኢዮም።”

ው.ሕ.ሃ. ከምኡውን ኣባል ሃገራቱ ንዓመጽ መወዳእታ ንምግባር ዘድሊ “ሓቀኛን ነባርን መብጽዓ” ክኣትዉ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ስታር: ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ቢል ክሊንተን ከምዚ ከም ዝበለ ጠቒሳ ኣላ:- “ድሕሪ እዚ ዅሉ ኣብዚ ዘመን እዚ እተፈጸመ ምፍሳስ ደም ‘ፈጺሙ ኣይክድገምን ኢዩ’ ምባል ቀሊል ምዃኑ ኵልና ንፈልጦ ኢና: ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ግን ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ።” ቀጺሉ ድማ “ካብ መጠን ንላዕሊ መብጽዓ ምእታው ካብቲ ኣብ ቍጽሪ ዘይኣቱ ሓልዮት ምርኣይ ኣይሓይሽን ኢዩ” በለ።

ቅድሚ 2,500 ዓመታት ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ ደቅሰብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከምዚ በለ:- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” (ኤርምያስ 10:⁠23) እሞ ድኣ ዓመጽ ንኽውዳእ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧

ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠18 ምስ እነንብብ “ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ: ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ” ብምባል ኣምላኽ መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። እዚ ትንቢት እዚ ኣምላኽ ነቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ህዝቡ ናብ ዓዶም ምስ መለሶም ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ረኸበ። ንሕና ከነስተማቕሮ እንኽእል ዝዓበየ ፍጻሜ እውን ኣለዎ። የሆዋ “ካብ መጠን ንላዕሊ መብጽዓ” ኣይኣተወን። ልዑልን ፈጣሪ ደቅ​ሰብን ከም ምዃኑ መጠን ነቲ “ግዳይ ዓመጽ ዝገብር ዓንኬል” ንምጥፋእ ዓቕሚ ዘለዎ ንሱ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላም ክሰፍን ኢዩ። ዓመጽ ንዘለኣለም ኣይክህሉን ኢዩ!​—⁠ዳንኤል 2:⁠44