ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ደሴት ሮቢንሶን ክሩሶ ዘሎ ዕዮ ድሕነት

ኣብ ደሴት ሮቢንሶን ክሩሶ ዘሎ ዕዮ ድሕነት

ኣብ ደሴት ሮቢንሶን ክሩሶ ዘሎ ዕዮ ድሕነት

 ሮቢንሶን ክሩሶ ሓንቲ ካብተን ካብ ገማግም ቺለ 640 ኪሎ ሜተር ርሒቐን ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ሰለስተ ደሴታት ኢያ፣ a እዘን እኩባት ደሴታት እዚኣተን ጁዋን ፈርናንደዝ ይበሃላ። እዛ 93 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ ደሴት በታ ኣብ መበል 18 ዘመን ብዳንኤል ደፎ ዝበሃል እንግሊዛዊ ደራሲ እተጻሕፈት ሮቢንሶን ክሩሶ ዘርእስታ ልቢ ወለድ ኢያ ተሰምያ። እታ መጽሓፍ ብሓፈሽኡ ንታሪኽ ናይቲ ኣብታ ደሴት ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኸውን ንበይኑ እተቐመጠ ኣሌክሳንደር ሰልከርክ ዝበሃል ስኮትላንዳዊ መሰረት ብምግባር ኢያ ተዳልያ።

ሓደ ኣብታ ደሴት ተተኺሉ ዘሎ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ታቤላ ገለ ክፋሉ ከምዚ ይብል:- “እቲ ስኮትላንዳዊ ባሕረኛ ኣሌክሳንደር ሰልከርክ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኰይኑ ካብቲ ተገሊልዎ ዝነበረ ኵነታት እተድሕኖ መርከብ ትመጽእ እንተልያ ንምርኣይ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝኸውን ናብቲ ኣድማሳዊ ደረት ትርኢት ገጹ መዓልቲ መዓልቲ ብሃንቀውታ የማዕዱ ነበረ።” ኣብ መወዳእታ ሰልከርክ ካብቲ ተገሊሉሉ ዝነበረ ኵነታት ደሓነ: ናብ ዓዱ ድማ ተመልሰ፣ እንተ​ዀነ ግን ኣብታ ንእሽቶ ገነት ድሕሪ ምንባር ናብ ዓዱ ምምላሱ ኣየዕገቦን። ጸኒሑ “ዎ: ዝፈትወኪ ደሴተይ! እንተ ዘይገድፈኪ ምሓሸኒ!” ከም ዝበለ ተገሊጹ ኢዩ።

ድሕሪ ግዜ: እታ ደሴት ኣንጻር ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን “ናይ እምነት ገበን” ዝፈጸሙ ሰባት ዝሕየሩላ ቦታ ኰይና ነበረት። እዝስ ምስቲ ሰልከርክ ዝፈልጦ ኣብታ ደሴት ዝነበረ ገነታዊ ኵነታት ክወዳደር ከሎ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘለዎ! እንተ​ዀነ ግን: ሎሚ ዘለዉ ተቐማጦ እዛ ደሴት ኣብ ብዙሓት ክፍልታት ዓለም ዘይርከብ ሰላማዊ ኵነታት የስተማቕሩ ኣለዉ። እቲ ናይ ሓያሎ ደሴታት ባህሊ ዝዀነ ርጉእ ኣነባብራ ዳርጋ ምስ ኵሉ ሰብ ዝርርብ ንምጅማር ዝቐለለ ይገብሮ።

ብወግዒ ከም ዝፍለጥ ሮቢንሶን ክሩሶ 500 ኣቢሎም ዝዀኑ ተቐማጦ ኣለዉዋ: ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ኣዋርሕ ገለ 400 ሰባት ጥራይ ኢዮም ዝቕመጡዋ። ገለ ካብቲ ምኽንያት: ገሊአን ኣዴታት ምስ ደቀን ኣብ ግዜ ትምህርቲ ናብታ ቀንዲ መሬት ቺለ ስለ ዝኸዳ ኢዩ: ቤት ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ ጥራይ ድማ ኢየን ምስ ስድራ​ቤተን ግዜ ንምሕላፍ ናብታ ደሴት ዝምለሳ።

ሮቢንሶን ክሩሶ ገነት ዝመስል ከባቢታት ዘለዋ እኳ እንተ ዀነት: ገለ ተቐማጦ ናይታ ደሴት መንፈሳዊ ደርቂ ይስምዖም ኢዩ: መፍትሒ ክረኽቡ ድማ ሃለው ይብሉ ኢዮም። ካልኦት ድማ መንፈሳዊ ድሕነት ከም ዘድልዮም ተሰሚዕዎም ኢዩ።

መንፈሳዊ ድሕነት

ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ዕዮ ድሕነት ብ1979 ኣቢሉ ተጀመረ። ሓንቲ ኣብ ሳንቲያጎ: ቺለ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዐት ሰበይቲ ናብታ ደሴት ገዓዘት እሞ ነቲ እተማህረቶ ንኻልኦት ክትምህር ጀመረት። ድሕሪ ገለ እዋን: ሓደ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ብኻልእ ጕዳያቱ ናብታ ደሴት ምስ ከደ: ሓንቲ ንእሽቶ ጕጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓገዝ ናይታ ሰበይቲ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ምስ ጸንሓቶ ተገሪሙ ኢዩ። እቲ ሽማግለ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ናብታ ደሴት ኣብ እተመልሰሉ እዋን: እታ ተገሊላ እትነብር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህርን ክልተ ተማሃሮኣን ንኽጥመቓ ተዳልየን ነበራ። ስለዚ: እቲ ሽማግለ ንስነ⁠-​ስርዓት ጥምቀተን መርሖ። ደሓር ሓንቲ ካብዘን እተጠምቃ ክርስትያናት ተመርዓወት እሞ: ምስ ሰብኣያ ኰይና ካልኦት ብመንፈስ ክድሕኑ ንዝደልዩ ሰባት ሃለው ምባል ቀጸለት። ሰብኣያ ሓንቲ ምጥንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ናይ ምስራሕ ዕዮ ይመርሕ ነበረ: እታ ኣደራሽ ነታ ኣብታ ደሴት ዘላ ንእሽቶ ጕጅለ ተገልግል ኣላ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ብሰንኪ ቍጠባዊ ጕዳያት ካብ ሮቢንሶን ክሩሶ ለቒቖም ናብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ቺለ እትርከብ ጉባኤ ገዓዙ: ኣብኡ እውን ብንጥፈት ንየሆዋ ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም።

በብቑሩብ: ካልኦት ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክድሕኑ ኸለዉ እታ ኣብታ ደሴት እትርከብ ጕጅለ እናዓበየት ከደት። ይኹን እምበር: እቶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ተማሃሮ ናብ ቀንዲ መሬት ቺለ ክኸዱ ስለ ዝነበሮም: እታ ጕጅለ ናብ ክልተ እተጠምቃ ኣሓትን ሓንቲ መንእሰይን ጐደለት። ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝዕጸወሉ እዋን ገለ ኣዴታት ናብታ ደሴት ስለ ዝምለሳ እታ ጕጅለ ትዓቢ ኢያ። እዚ ድማ ነተን ምሉእ ዓመት ተገሊለን ዝነበራ ሰለስተ ክርስትያናት ሓድሽ ሓይሊ ይህበን። ከም ውጽኢት ናይዚ ትግሃት ዝመልኦ ዕዮ ናይዘን ኣሓት ከኣ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሮቢንሶን ክሩሶ ኣጸቢቖም ፍሉጣት ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ገለ ተቐማጦ እታ ደሴት ነዚ ዕዮ እዚ ይጻረርዎ: ካልኦት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽነጽጉ ድማ ጸቕጢ ክገብሩ ይፍትኑ ኢዮም። እቲ ኣብ ቅኑዕ ኣልባብ እተዘርአ ዘርኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብ ምብቋል ኣየቋረጸን።

ነቶም ዝደሓኑ ምብርታዕ

ሓንሳእ ኣብ ዓመት: ገያሺ ተዓዛቢ ነታ ደሴት ይበጽሓ ኢዩ። ኣብ ምሕድግ ዝበለት ደሴት ዝርከቡ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ከመይ ይመስል፧ ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ናብ ሮቢንሶን ክሩሶ ንመጀመርታ ግዜኡ ንዝገበሮ ምብጻሕ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ:-

“እቲ ጕዕዞ ዘደንቕ ኢዩ ነይሩ። ካብ ቫልፐረይዞ ሰዓት 7:⁠00 ናይ ንግሆ ነቒልና ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንቲያጎ ሰሪዮስ ብማኪና ከድና። ኣብ ሸውዓተ ገያሾ እትሕዝ ንእሽቶ ነፋሪት ተሰቒልና ን2 ሰዓትን 45 ደቒቕን ምስ ተጓዓዝና: ልዕሊ ደበና እተቐልቀለ ጫፍ እምባ ካብ ርሑቕ ረኣና። እናቐረብና ምስ ከድና እታ ደሴት ተራእየትና። ኣብ ማእከል ውቅያኖስ እትርከብ እትምስጥ ዓባይ ከውሒ ኢያ። ከም ኣንፈታ ዘጥፍአት መርከብ ኣብ ጽፍሒ ማያት ጸምበለል እትብል ኢያ እትመስል።

“ናብ መሬት ምስ ዓለብና ሓንቲ ጃልባ ናብታ ቍሸት ወሰደትና። ኣብ ፈቐዶ እቲ ባሕሪ ተቐልቂሉ ዝርአ ኣኻውሕ ከም ንኣሽቱ ደሴታት ስለ ዝዀነ ነቶም ኣብ ጁዋን ፈርናንደዝ ዝርከቡ ፈር ሲል ዝበሃሉ እንስሳታት ከም መዕረፊ ኰኖም። ፈር ሲል ቍጽሮም ኣጸቢቑ ስለ ዝጐደለ ዕቝባ ዝግበረሎም ዘርኢ ኢዮም። ብሃንደበት ብጐድኒ እታ ጃልባ ሓደ ነገር ነፊሩ ናብ ባሕሪ ኣተወ። እዚ እቲ ንመንገብገብ ኣዕዋፍ ዝመስል ዕጥርጥር ዝበለ ክንፊ ዘለዎ በራሪ ዓሳ ዝበሃል ዓይነት ኢዩ። ሓሸራት ንምሓዝ ካብ ባሕሪ ዘሊልካ ምውጻእ ዘሐጐሶ ኢዩ ዝመስል። ርግጽ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ እቲ ሃዳኒ ንባዕሉ እውን ይተሓዝ ኢዩ፣ እቶም ክዘልል ከሎ ዝረኣይዎ ካልኦት በላዕቱ ናብ ባሕሪ ተመሊሱ ክዓልብ ከሎ ንኽውሕጥዎ ይዳለዉ ኢዮም።

“ኣብ መወዳእታ ኣብታ ሳን ህዋን ባውቲስታ (ቅዱስ ዮሃንስ መጥመቕ) እትበሃል ቍሸት በጻሕና። ኣብቲ መዐሸጊ ጀላቡ ብዙሓት ካብቶም ተቐማጦ እታ ደሴት ገሊኦም በጻሕቶም ክቕበሉ ገሊኦም ከኣ መን ኰን ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ ኢሎም ክርእዩ ተሃንጥዮም ደው ኢሎም ይጽበዩና ነበሩ። በቲ ውቁብ ትርኢት ናይቲ ኸባቢ ተመሰጥና። እቲ ኢል ዩንኬ (ወጸቓ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢ እምባ ሓምላይ ሃሪ እተነጽፎ መሲሉ: ብድሕሪኡ ድማ ጽዑቕ ብሩህ ደበና ዘለዎ ሰማይ ይርአ ነበረ።

“ኣብቲ መዐሸግ ጀላቡ ክርስትያን ኣሓትና ምስ ደቀን ኰይነን ክጽበያና ከም ዝጸንሓ ሽዑ ንሽዑ ኣስተብሃልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ቤት ትምህርቲ ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ እታ ጕጅለ ካብቲ ልሙድ ቍጽሪ ወሰኽ ገይራ ነበረት። ምዉቕ ሰላምታ ምስ ተለዋወጥና ናብ ሓንቲ ኣብታ ሰሙን መንበሪትና እትኸውን ጽብቕቲ መረባዕ ወሰዳና።

“ኣዝያ ፍልይቲ ሰሙን ኢያ ነይራ: በሪራ ከም እትሓልፍ እውን ድሮ ተረዲኡና ነይሩ ኢዩ። ንግዜና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ነበረና። ናብታ ደሴት ኣብ ዝኣተናላ መዓልቲ ደድሕሪ ምሳሕ ንሓንቲ ብመንፈስ ሓብትናን ክፍሊ ናይታ መንፈሳዊት ገነት ኣምላኽን ንኽትከውን ተዳልያ ዝነበረት ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ በጻሕናያ። ኣብ ገጻ ናይ ሓጐስ ስምዒት ይርአ እኳ እንተ ነበረ: ቁሩብ ፍርሂ እውን ነይርዋ ኢዩ። እቲ ንነዊሕ እዋን እትጽበዮ ዝነበረት ናይ ጥምቀት ሸቶኣ ቀሪቡ ነበረ። ኣስፋሒት ናይቲ ብስራት ንምዃን ብቕዓት ምእንቲ ክህልዋ ብዛዕባ ገለ ጠቓሚ ሓበሬታ ተመያየጥና። ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ: ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዕዮ ስብከት ተኻፈለት። ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ: ነቲ ንኽትጥመቕ ዘድልያ ብቕዓታት ክንመያየጠሉ ጀመርና። እታ ሰሙን ቅድሚ ምውዳኣ ድማ ተጠምቀት።

“ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ እተገብረ ኣኼባታት ቍጽሪ ተኣከብቲ ጽቡቕ ነበረ: ዝለዓለ ድማ 14 ነበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንግራት ኣገልግሎት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ንናይ ጕስነት ምብጻሕ ዝኸውን ምድላዋት ነበረ። እዝስ ነተን ምሉእ ዓመት በይነን ነቲ ዕዮ ዝፍጽምኦ ኣሓት ኣየ ከመይ ዝበለ መተባብዒ ኰን ኢዩ!”

ኣብታ ደሴት እቲኣ ዝነብሩ ሰብኡት ናብ ሓቂ ንኽመጹ ዝያዳ ኣጸጋሚ ኰይንዎም ኢዩ: እዚ ኸኣ ምናልባት እቲ ዓለማዊ ስርሖም ብዙሕ ጻዕሪ ስለ ዝሓትት ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ቀንዲ ስርሖም ሎብስተር ዝበሃሉ ዓይነት ዓሳ ምግፋፍ ኰይኑ: እዚ ኸኣ ብዙሕ ተወፋይነት ይሓትት ኢዩ። ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ እውን ንብዙሓት ብኣሉታዊ መገዲ ይጸልዎም ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ መጻኢ ዝያዳ ተቐማጦ እታ ደሴት ማለት ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ናብ ሓቂ ክመጹ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ክሳዕ ሕጂ: ኣብታ ደሴት እቲኣ ንሓቅን ንዕላማታት የሆዋ ኣምላኽን ብምፍላጥ ዓሰርተ ውልቀ⁠-​ሰባት ድሒኖም ኣለዉ። ገሊኣቶም ብእተፈላለየ ምኽንያት ካብታ ደሴት ግዒዞም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ኣብቲ ቦታ ይጽንሑ ወይ ይግዓዙ ብዘየገድስ እቲ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ድሕነት ካብቲ ናይ ኣሌክሳንደር ሰልከርክ ኣጸቢቑ ዝዓቢ ኢዩ። ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ መንፈሳዊት ገነት የስተማቕሩ ኣለዉ። እተን ገና ኣብታ ደሴት ዘለዋ ኣሓት ምስ ደቀን ኣብ ገነት ዝመስል ከባቢ ኢየን ዝነብራ: ካብዚ ዝዓቢ ግን ምልእቲ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ሓቀኛ ገነት ኣብ እትዀነሉ እዋን ንምንባር ተስፋ ኣለወን።

እቲ ናይ ድሕነት ዕዮ ይቕጽል

ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ እዛ ኣብ ሮቢንሶን ክሩሶ እትርከብ ንእሽቶ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ብመንፈስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝያ ርሒቓ ኢያ እትርከብ። እንተ​ዀነ ግን: ከም ስኮትላንዳዊ ሰልከ​ርክ እተደርበየት ኰይኑ ኣይስምዓን ኢዩ። በቲ ብቐጻሊ ዝለኣኸላ ቲኦክራሲያዊ ጽሑፋት: ካብቲ ኣብ ቺለ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ዝስደደላ ናይ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ቪድዮ: ከምኡውን በቲ ብናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝግበረላ ዓመታዊ ምብጻሕ ምስ ማሕበር የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኣለዋ። ስለዚ: ንጥፍቲ ክፍሊ ናይቶም ‘ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት’ ኰይና ኣላ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠9

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ደሴት ማስ ኣ ትየራ ዝብል ወግዓዊ ስም ኣለዋ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቺለ

ሳንቲያጎ

ደሴት ሮቢንሶን ክሩሶ

ሳን ህዋን ባውቲስታ

ኢል ዩንኬ

ሰላማዊ ውቅያኖስ

ደሴት ሳንታ ክላራ

[ስእሊ]

ናብታ ደሴት ከተማዕዱ ከሎኻ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ዝምስጥ ዓቢ ከውሒ ይርአ

[ምንጪ ስእሊ]

ናይ ቺለ ካርታ:- Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኢል ዩንኬ (ወጸቓ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢ እምባ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ቍሸት ሳን ህዋን ባውቲስታ (ቅዱስ ዮሃንስ መጥመቕ )

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሽቱ ደሴታት ነቶም “ፈር ሲል” ከምኡውን “ሲ ላዮንስ  ” ዝበሃሉ እንስሳታት ከም መዕረፊ ኰይኑ የገልግሎም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ሳንቲያጎ: ቺለ ብንእሽቶ ነፋሪት ከድና

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣኻውሕ ዝመልኦ ገማግም ደሴት ሮቢንሶን ክሩሶ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ደሴት እትርከብ ምጥንቲ ኣደራሽ መንግስቲ