ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትርእዮ ኣብ ዘይትኽእል ነገር ትኣምንዶ ኢኻ፧

ክትርእዮ ኣብ ዘይትኽእል ነገር ትኣምንዶ ኢኻ፧

ክትርእዮ ኣብ ዘይትኽእል ነገር ትኣምንዶ ኢኻ፧

 ሓደ ሰብ ‘ክርእዮ ኣብ ዝኽእል ነገር ጥራይ ኢየ ዝኣምን’ እንተ​ድኣ ኢሉ ቃል ብቓሉ ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ኵላትና ኣብ ክንርእዮ ዘይንኽእል ነገር ንኣምን ኢና።

ንኣብነት: ማግኔታዊ ሓይሊ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈተነ ገይርካ ትኸውን ኢኻ። እቲ ፈተነ ብኸምዚ ዝስዕብ ክግበር ይከኣል ኢዩ:- ገለ ካብ ብራድ ሓጺን ኣብ ልዕሊ ወረቐት ነስንስ። ድሕርዚ ነቲ ወረቐት ኣብ ልዕሊ እቲ ማግኔት ግበሮ። እቲ ወረቐት ምስ ወዝወዝካዮ: ሽሕራዊ ብዝመስል መገዲ እቲ ብራድ ሓጺን ኣብቲ ናይ ማግኔት ዋልታታት ይእከብ: ቅርጺ ናይቲ ማግኔታዊ ሜዳ ድማ ይሕዝ። ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርካ ነቲ ማግኔታዊ ሜዳ ብሓቂ ክትርእዮዶ ትኽእል ኢኻ፧ ኣይትኽእልን ኢኻ: ይኹን እምበር ኣብቲ ብራድ ሓጺን ዘለዎ ውጽኢት ብንጹር ዝርአ ኢዩ፣ እዚ ድማ ማግኔትነት ከም ዘሎ ዘእምን መርትዖ ይህብ።

ካልኦት ክንርእዮም ዘይንኽእል ነገራት እውን ብዘይ​ገለ ሕቶ ንቕበሎም ኢና። ጽቡቕ ቅብኣ ክንርኢ ከሎና ወይ ብሉጽ ውጽኢት ስነ⁠-​ቅርጺ ከነድንቕ ከሎና: ሰኣሊ ወይ ቀራጺ ከም ዘሎ ኣይንጠራጠርን ኢና። እምበኣር: ብዛዕባ መንጫዕጫዕታ ኣዕሚቝና ክንሓስብ ከሎና ወይ ጸሓይ ክትዓርብ ቀው ኢልና ክንጥምት ከሎና: እዚ እንተ ወሓደ ስርሓት ናይ ዓቢ ስነ⁠-​ጥበባዊ ወይ ቀራጺ ክኸውን ከም ዝኽእል ገይርና ንኽንቈጽሮ ክንድረኽዶ ኣይምተገብኣናን፧

ገሊኣቶም ዘይኣምኑሉ ምኽንያት

እቲ ዘገርም ግን: ገለ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን እተማህርዎ ነገራት ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣቋሪጾም ኢዮም። ሓደ ኖርዌጃዊ ሰብኣይ ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዘቃጽሎም ምስ ተነግሮ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣቋረጸ። ከምዚ ገይሩ ንሰባት ዘሳቒ ኣምላኽ እንተሎ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ነቲ ሰብኣይ ስለ ዘይተዋሕጠሉ ኢዚሄራዊ ኰነ።

ጸኒሑ ግን እቲ ሰብኣይ ብሓደ ናይ የሆዋ ምስክር እናተሓገዘ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርምር ፍቓደኛ ኰነ። መጽሓፍ ቅዱስ: እኩያት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዝሳቐዩ ዝገልጽ ትምህርቲ ከም ዘይህብ ምስ ፈለጠ ተገሪሙ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣብ መቓብር ስቓይ ዝበሃል የለን: ምንም ነገር ዘይንፈልጥ ድማ ኢና እንኸውን። (መክብብ 9:⁠5, 10) እቶም ዳግም ክቐንዑ ዘይክእሉ እኩያት ምዃኖም ኣምላኽ ዝፈረዶም ሰባት ንዘለኣለም ኣብ መቓብር ክተርፉ ምዃኖም እውን እቲ ሰብኣይ ፈለጠ። (ማቴዎስ 12:⁠31, 32) እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ሒዞም ክትንስኡ ኢዮም። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 17:⁠3) እዚ መግለጺ እዚ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኰነን። ምስቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ዝሰማማዕ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) እዚ ቅኑዕ ሰብኣይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ቀጸለ: ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ኣፍቀሮ።

ካልኦት ድማ ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ ንህላወ ናይቲ ፈቃር ፈጣሪ ይነጽግዎ ኢዮም። እዚኣቶም ምስቲ ሓደ እዋን “ኣብዚ ክንድዚ ዝኣክል ብልሽውናን ክፍኣትን እናሃለወ: ኣብ ላዕሊ ኵሉ ዝኽእልን ለጋስን ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ክህሉ ይኽእል፧” ኢሉ ናብ ሰማይ እናኣመልከተ ዝሓተተ ሽወደናዊ ይሰማምዑ ኢዮም። ሕቶኡ ክምልሰሉ ዝኽእል ስለ ዘይረኸበ ንሱ እውን ኢዚሄራዊ ኰነ። ደሓር ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ቃል ኣምላኽ ነታ ‘ኣምላኽ እከይ ክቕጽል ዝፈቐደ ስለምንታይ ኢዩ፧’ እትብል ናይ ጥንቲ ሕቶ ዘዕግብ መልሲ ከም ዝህበላ ፈለጠ። a

እዚ ቅኑዕ ሰብኣይ እዚ እከይ ምህላዉ ጥራይ ኣምላኽ ከም ዘየለ ንዝገልጽ ሓሳብ መርትዖ ከም ዘይከውን ተረድአ። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ መምተሪ ስጋ ዝኸውን ካራ ክሰርሕ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ነታ ካራ ዝዓደጋ ሰብ ግን ንምምታር ዘይኰነስ ሰብ ንምቕታል ክጥቀመላ ይኽእል ኢዩ። ነታ ካራ ብግቡእ ስለ ዘይተጠቕመላ: ሰራሒ ከም ዘይብላ ኣየረጋግጽን ኢዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ምድሪ ምስቲ እተፈጥረትሉ ዕላማ ብምስምማዕ ኣብ ጥቕሚ ብዘይ​ምውዓላ ፈጣሪ የብላን ማለት ኣይኰነን።

ግብርታት ኣምላኽ ፍጹም ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና ኢዩ። ኣምላኽ “ዓመጽ ዜብሉ . . . ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።” (ዘዳግም 32:⁠4) ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ጽቡቕ ውህበት ይህቦም: ገለ ውህበታት ግን ብግጉይ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ስለ ዝውዕሉ እዚ ዘይበሃል ስቓይ የስዕቡ። (ያእቆብ 1:⁠17) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንስቓይ መወዳእታ ክገብረሉ ኢዩ። ብድሕሪኡ: “ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: . . . ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:⁠11, 29

እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሽወደናዊ ሰብኣይ ስቓይ ናይ ብጾቱ ሰባት ምስ ረኣየ ተተንኪፉ ኢዩ። ብሓቂ: እቲ ንኻልኦት ሰባት ዘለዎ ሓልዮት ንህላወ ኣምላኽ ዘረጋግጽ ኢዩ። ብኸመይ፧

መብዛሕትኦም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ኣብ ፍልቀት ኢዮም ዝኣምኑ። ናይ ፍልቀት ሊቃውንቲ “እቲ ዝሓየለ ይነብር” ኢሎም ኢዮም ዝምህሩ፣ እዚ ማለት ድማ ደቅ​ሰብን እንስሳታትን ብህይወት ንኽቅጽሉ መምስ ዓሌቶም ይወዳደሩ ማለት ኢዩ። እቲ ዝሓየለ ይነብር: እቲ ዝደኸመ ድማ ይመውት። እዚ ናይ ነገራት ባህርያዊ ስርዓት ምዃኑ ይገልጹ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ዝሓየለ ቦታ ንምግዳፍ ናይቲ ድኹም ሙማት “ባህርያዊ” እንተ​ድኣ ዀይኑ: ከምቲ ሽወደናዊ ሰብኣይ ዝኣመሰሉ ሓያላት ሰባት ብስቓይ ናይ ብጻዮም ሰብ ዝትንከፉሉ ምኽንያት ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧

ንኣምላኽ ምፍላጡ

ኣምላኽ ሰብኣዊ ኣካል ስለ ዘይብሉ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ግን ክንፈልጦ ይደሊ ኢዩ። ንዕኡ ከነለሊ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ ነቲ ዘደንቕ ግብርታቱ​—⁠“ቅብኣን” “ቅርጽታትን” ፍጥረት​—⁠ብምዕዛብ ኢዩ። ኣብ ሮሜ 1:⁠20 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ [ባህርይ ኣምላኽ]: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።” እወ: ልክዕ ከምቲ ንስእሊ ወይ ንውጽኢት ስነ⁠-​ቅርጺ ምጽናዕ ንባህርይ ናይቲ ስነ⁠-​ጥበባዊ ኣጸቢቕካ ንኽትፈልጦ ዝሕግዘካ: ብዛዕባ ዘደንቕ ስርሓት ኣምላኽ ምስትንታን ድማ ንባህርያቱ ብዝያዳ ንኽትፈልጦ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

ርግጽ ኢዩ: ንፍጥረታት ኣምላኽ ጥራይ ብምዕዛብ ንዅሉ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ዘጨንቕ ሕቶታት ክንምልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር ብምግባር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት መልሲ ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና። እዞም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ክልተ ሰብኡት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽፉት ኣእምሮ ስለ ዘንበብዎ ኢዮም ንዘጋጥመና ነገር ርእዩ ዝሓሊ ኣምላኽ ከም ዘሎ ክድምድሙ ዝኸኣሉ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ እከይ ክቕጽል ብዛዕባ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: በጃኻ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢ ዘር ኤ ክሬአተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ምዕራፍ 10 ርአ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

J. Hester and P. Scowen (AZ State Univ.), NASA