ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም”

“ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም”

“ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም”

“ንስኻትኩም ግና: መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።”​—⁠ማቴዎስ 23:8

1. ንኸመይ ዝበለ ጕዳይ ኢና ክንሓስበሉ ዝግብኣና፧

 ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እትርከብ ሃገር እትነብር ክርስትያን ሰበይቲ ንሓንቲ ጓል ኣውስትራልያ ሚስዮናዊት ብቕንዕና “ዝያዳ ኣኽብሮት ዝግብኦ መን ኢዩ: ሚስዮናዊዶ ወይስ ቤትኤላዊ፧” ኢላ ሓተተታ። ዝያዳ ግምት ክወሃቦ ዝግባእ ንሓደ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ሚስዮናዊ ድዩ ወይስ ንሓደ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘገልግል ወዲ ዓዲ ክትፈልጥ ደለየት። እዚ ቅንዕና እተሓወሶ ሕቶ ግን ከኣ ደረጃ መዓርግ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ባህሊ: ነታ ሚስዮናዊት ኣገረማ። ይኹን እምበር: እቲ መን ይበልጽ ዝብል ሕቶ ካብቲ መን ዓቢ ስልጣንን ዝያዳ ጽልዋን ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ዘሎ ድሌት ዝመነጨ ኢዩ።

2. ንክርስትያናት ብጾትና ብኸመይ ኢና ክንርእዮም ዝግብኣና፧

2 እዚ ነገር እዚ ፈጺሙ ሓድሽ ኣይኰነን። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ዓቢ ምዃን ኣብ መንጎኦም ቀጻሊ ክትዕ ነይርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 20:20-​24፣ ማርቆስ 9:​33-​37፣ ሉቃስ 22:24-​27) ንሳቶም እውን ካብ ሓደ ብዛዕባ ደረጃ መዓርግ እምብዛ ዝግደስ ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ማለት ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣይሁድነት ዝመጹ ኢዮም ነይሮም። የሱስ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበረሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ግና: መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ኢሉ መዓዶም። (ማቴዎስ 23:8) ኣልበርት ባርነዝ እተባህለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እቲ ‘መምህር’ ዝትርጕሙ “ራቢ” ዝብል ሃይማኖታዊ መዓርግ ከምዚ ይብል:- “ኣብቶም እቲ መዓርግ ዘለዎም ሰባት ናይ ትዕቢትን ልዕልነትን ስምዒት: ኣብቶም እቲ መዓርግ ዘይብሎም ከኣ ቅንእን ናይ ትሑትነት ስምዒትን ዘሕድር ኢዩ ነይሩ፣ እዚ መዓርግ እዚ ዘመሓላልፎ ሓፈሻዊ መንፈስን ዝንባለን ከኣ ምስቲ ‘ክርስቶስ ዘንጸባረቖ ትሕትና’ ዝጻረር ኢዩ።” ብርግጽ ከኣ ክርስትያናት ነታ “ሽማግለ” እትብል ቃል ከም መቀባጠሪ መዓርግ ገይሮም ብምውሳድ ነቶም ኣብ መንጎኦም ዘለዉ ተዓዘብቲ “ሽማግለ እገለ” ኢሎም ካብ ምጽዋዕ ኣጸቢቖም ይቝጠቡ ኢዮም። (እዮብ 32:⁠21, 22) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ምስ መንፈስ ናይቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ተሰማሚዖም ዝኸዱ ሽማግለታት ልክዕ ከምቲ የሆዋ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ከምኡውን የሱስ ክርስቶስ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ዘኽብርዎም ነቶም ካልኦት ኣባላት ናይታ ጉባኤ የኽብርዎም ኢዮም።

ኣብነት የሆዋን የሱስን

3. የሆዋ ነቶም መንፈሳውያን ፍጡራቱ ብኸመይ ኢዩ ዘኽበሮም፧

3 የሆዋ “ልዑል” እኳ እንተ​ዀነ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንፍጡራቱ ምስኡ ከም ዝዓዩ ብምግባር ኣኽቢርዎም ኢዩ። (መዝሙር 83:⁠18) ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ክፈጥር ከሎ ነቲ ሓደ ወዱ ከም “ሰራሕተኛ” ገይሩ ተጠቒሙሉ ኢዩ። (ምሳሌ 8:​27-​30፣ ዘፍጥረት 1:​26) የሆዋ ነቲ እኩይ ዝነበረ ንጉስ ኣከኣብ ከጥፍኦ ምስ ወሰነ ነቲ መስርሕ ብኸመይ ክገብሮ ከም ዘለዎ ሰማያውያን መላእኽቲ ሓሳቦም ክህቡ ዓዲምዎም ኢዩ።​—⁠1 ነገስት 22:⁠19-23

4, 5. የሆዋ ነቶም ሰብኣውያን ፍጡራቱ ብኸመይ ኢዩ ዘኽበሮም፧

4 የሆዋ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገዛኢ ኢዩ። (ዘዳግም 3:⁠24) ምስ ሰባት ምምኻር ኣየድልዮን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ንኽፈልጦም ኢሉ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብቲ ደረጃኦም ትሕት ኢሉ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ: ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቍሉ ዚጥምት: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧ . . . ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ።”​—⁠መዝሙር 113:5-8

5 የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ቅድሚ ምጥፍኡ ንሕቶታት ኣብርሃም ሰሚዕዎ: ነቲ ዝነበሮ ናይ ፍትሒ ድሌት ከኣ ኣማሊእሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:⁠23-33) የሆዋ መልሲ ናይቲ ኣብርሃም ዝሓቶ ዝነበረ ሕቶ ይፈልጦ እኳ እንተ ነበረ ብትዕግስቲ ሰሚዕዎን ነቲ ዝሃቦ ምኽንያት ተቐቢልዎን ኢዩ።

6. ኣንባቆም ሕቶ ምስ ሓተተ የሆዋ ስለ ዘኽበሮ እንታይ ኣፍረየ፧

6 የሆዋ ነቲ “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኸይሰማዕካንስ: ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧” ኢሉ ዝሓተተ ኣንባቆም እውን ጽን ኢሉ ሰሚዕዎ ኢዩ። የሆዋ ነዚ ሕቶ እዚ ንስልጣኑ ከም ዝግህስ ገይሩ ርእይዎዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣንባቆም ዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ኣርእዩ: ስለዚ ኸኣ ፍርዱ ንኽፍጸም ንከለዳውያን ከተንስኦም ምዃኑ ብምንጋር ዕላምኡ ገሊጽሉ ኢዩ። ነቲ ነብዪ ኸኣ እቲ ብትንቢት እተነግረ ‘ብርግጽ ከም ዝመጽእ’ ነገሮ። (ኣንባቆም 1:​1, 2, 5, 6, 13, 14፣ 2:​2, 3) የሆዋ ነቲ ንኣንባቆም ዘጨንቖ ዝነበረ ነገር ኣርዚኑ ብምውሳድን መልሲ ብምሃብን ዝነበሮ ኣኽብሮት ኣርእዩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ኣዝዩ ተጨኒቑ ዝነበረ ነብዪ ኣብቲ መድሓኒኡ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር ገጹ በርሀ: ተሓጐሰ እውን። ነዚ ኸኣ ኣብታ መንፈስ ዝነፈሳን ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኸኣ እተደልድለልናን መጽሓፍ ኣንባቆም ኢና እንረኽቦ።​—⁠ኣንባቆም 3:⁠18, 19

7. እቲ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሮ ተራ: ጕሉሕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ንኻልኦት ብምኽባር የሱስ ክርስቶስ እውን ካልእ ሰናይ ኣብነት ኢዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ክኽሕዶ ኢየ’ በሎም። (ማቴዎስ 10:32, 33) ይኹን እምበኣር: ኣብታ እተኻሕደላ ምሸት ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቱ ጠንጠንዎ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ሰለስተ ግዜ ከሓዶ። (ማቴዎስ 26:⁠34, 35, 69-75) የሱስ ክንዮ እቲ ደጋዊ ትርኢት ብምጥማት ነቲ ናይ ጴጥሮስ ውሽጣዊ ስምዒት ማለት ዓሚቝ ጣዕሳ ኣብ ግምት ኣእተወ። (ሉቃስ 22:⁠61, 62) ድሕሪ 51 መዓልትታት ጥራይ ከኣ የሱስ ነቲ እተናስሐ ሃዋርያ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ነቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ዝውክል ገይሩ ካብ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” ነታ ናይ መጀመርታ ከም ዝጥቀመላ ብምግባር ኣኽቢርዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:​14-​40) ጴጥሮስ ‘ተመሊሱ ንኣሕዋቱ ንኸጸናንዕ’ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 22:⁠31-33

ንኣባላት ስድራ​ቤት ምኽባር

8, 9. ሓደ በዓል እንዳ ንሰበይቱ ብምኽባር ዝመጸ ንየሆዋን የሱስን ክመስሎም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

8 ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ኣብ ምዝውታር ሰብ ሓዳር ሰብኡትን ወለድን ንየሆዋን ንየሱስ ክርስቶስን እንተ​መሰልዎም ሰናይ ኢዩ። ጴጥሮስ “ኣቱም ሰብኡት: ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት: ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት . . . እናኽበርኩምወን: ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ብምባል ምዒዱ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ሓንቲ ካብ ዕንጨይቲ ንላዕሊ ተሰባሪት ዝዀነት ብካይላ እተሰርሐት ኣቕሓ ትሕዝ ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰቦ። ኣዚኻዶ ኣይምተጠንቀቕካን፧ ሓደ በዓል እንዳ እውን ንስድራ​ቤት ዝምልከት ጕዳይ ክውስን ከሎ ነቲ ናይ በዓልቲ ቤቱ ኣረኣእያ ጽን ኢሉ ብምስማዕ ንየሆዋ ክመስሎ ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ምስ ኣብርሃም ክረዳዳእ ግዜ ከም ዝወሰደ ኣይትረስዕ። ሓደ በዓል እንዳ ዘይፍጹም ብምዃኑ ነቲ ጕዳይ ብዅሉ ጐድንታቱ ካብ ምርኣይ ይሰንፍ ይኸውን። ስለዚ ብሕያውነት ነቲ እትህቦ ርእይቶ ኣብ ግምት ብምእታው ንሰበይቱ እንተ ኣኽበራስ ጥበብዶ ኸይኰነ፧

9 ኣብተን ዓብላልነት ወዲ ተባዕታይ ዝረኣየለን ሃገራት: ሓንቲ ሰበይቲ ስምዒታ ንኽትገልጽ ብርቱዕ ዕንቅፋታት ክትሰግር ከም ዘለዋ እቲ በዓል እንዳ ክዝክር ይግባእ። ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ምስቶም ክፍሊ ናይታ መጻኢት መርዓቱ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ዘርኣዮ ኣገባብ ቅድሓዮ። ቅድሚ ንሳቶም ምዝራቦም እውን ከይተረፈ ኣካላውን መንፈሳውን ዓቕሞም ኣብ ግምት ብምእታው ይሕብሕቦም ነይሩ ኢዩ። (ማርቆስ 6:​31፣ ዮሃንስ 6:⁠12, 13፣ ኤፌሶን 5:​28-​30) ኣብ ርእሲ እዚ እቲ በዓልቲ ቤትካ ንዓኻን ንስድራ​ቤትካን እትገብሮ ነገራት ኣስተብህለሉ እሞ ዘሎካ ሞሳ ብቓላትን ተግባርን ግለጽ። የሆዋ ይኹን የሱስ ነቶም ዝግብኦም ኣማስዮምሎም: ንኢዶምዎም: ከምኡውን ባሪኾምዎም ኢዮም። (1 ነገስት 3:​10-​14፣ እዮብ 42:12-​15፣ ማርቆስ 12:41-​44፣ ዮሃንስ 12:​3-8) በዓል ቤታ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ክርስትያን ሰበይቲ ከምዚ በለት:- “ኵሉ ኣቕሑ በይነይ ተሰኪመዮ ኸለኹ በዓል ቤተይ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ስጕምቲ ቀዲሙኒ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ሕጂ ግን ነቲ ሳንጣታት ይስከመለይ: ነቲ ኣብ ገዛ ዝዓሞ ነገራት ከኣ የማስወሉ ኢዩ!” ናይ ሓቂ ሞሳ ምግላጽ ንሰበይቲ ዋጋ ዘለዋ ኰይኑ ከም ዝስምዓ ኣብ ምግባር ዓቢ ኣበርክቶ ኢዩ ዘለዎ።​—⁠ምሳሌ 31:⁠28

10, 11. የሆዋ ምስቶም ዓለወኛታት ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዝነበሮ ርክብ ካብ ዝገደፎ ሰናይ ኣብነት ወለዲ እንታይ ኢዮም ዝማሃሩ፧

10 ወለዲ ምስ ደቆም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ: ብፍላይ ድማ ተግሳጽ ከድሊ ኸሎ ንኣምላኽ ክመስልዎ ኣለዎም። የሆዋ “ንእስራኤልን ንይሁዳን” ካብቲ ሕማቕ መገዶም ክምለሱ ብቐጻሊ ኣጠንቂቕዎም ነበረ: ንሳቶም ግን “ኽሳዶም ኣትረሩ።” (2 ነገስት 17:⁠13-15) እስራኤላውያን ‘ብኣፎም ከቃባጥርሉ ብመልሓሶም ድማ ክሕስውሉ’ እውን ከይተረፈ ጽዒሮም ኢዮም። ብዙሓት ወለዲ ደቆም ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ክገብርዎም ዝፍትኑ ኰይኑ ይስምዖም ኢዩ። እስራኤላውያን “ንኣምላኽ ፈተንዎ:” ከምኡውን ኣጸቢቖም ኣቘጥዕዎ። የሆዋ ግን “መሓሪ ዀይኑ: አበሳኦም ይቕረ በለሎም: ኣየጥፍኦምን ከኣ።”​—⁠መዝሙር 78:36-41

11 የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እውን ለሚንዎም ኢዩ:- “ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት . . . ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ: ከም በረድ ኪጽዕዱ . . . እዩ።” (ኢሳይያስ 1:⁠18) የሆዋ ዋላ እኳ ጌጋ እንተዘይነበሮ ነቶም ዓለወኛታት ዝነበሩ ህዝቢ ግን መጺኦም ምስኡ ክማጐቱ ዓደሞም። እዚ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ክቐድሕዎ ዝኽእሉ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣረኣእያ ኰን ኢዩ! እቲ ኵነታት ዘፍቅድ ምስ ዝኸውን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎም ሓሳባት ብምስማዕ ኣኽብርዎም: ክልወጥሉ ዘለዎም ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ከኣ ምስኦም ተረዳድኡ።

12. (ሀ) ንውሉዳትና ካብ የሆዋ ንላዕሊ ከነኽብሮም ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንውሉዳትና ክንግስጾም ከሎና ከነኽብሮም እንተ​ድኣ ኴንና እንታይ የድሊ፧

12 ልክዕ ኢዩ ውሉዳት ሓድሓደ ግዜ ትርር ዝበለ ምኽሪ የድልዮም ኢዩ። ወለዲ ከምቲ ካብ የሆዋ ንላዕሊ ‘ንደቁ ዘኽበረ’ ኤሊ ክዀኑ የብሎምን። (1 ሳሙኤል 2:⁠29) ገና ግን እቶም ውሉዳት ነቲ ንኽእረሙ ዝደረኸ ፍቕራዊ ምኽንያት ክርድኦም ኣለዎ። ወለዶም ከም ዘፍቅርዎም ክግንዘቡ ክኽእሉ ኣለዎም። ጳውሎስ ንኣቦታት “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ኢሉ ምዒድዎም ኣሎ። (ኤፌሶን 6:4) ኣቦ ነቲ ከም ወላዲ መጠን ዘለዎ ስልጣን ከዘውትር ከሎ: ኣዝዩ ጨካን ብዘይ​ምዃን ከም ዘይሓርቁ ምስ ዝገብሮም ኣብቶም ውሉዳት ዘለዎ ኣኽብሮት የርኢ። እወ: ንኽብረት ናይቶም ውሉዳት ኣብ ግምት ንምእታው ብወገን እቶም ወለዲ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት እኳ እንተ​ዀነ እቲ ዘምጽኦ ፍረ ምስ እነስተውዕለሉ ግን ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ምግባር ዝግብኦ ኢዩ።

13. ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓንቲ ስድራ​ቤት ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ፧

13 ንኣባላት ስድራ​ቤት ምኽባር ክበሃል ከሎ ንበዓልቲ ቤትካን ደቅኻን ካብ ምኽባር ንላዕሊ ኢዩ። “ምስ ኣረግካ ንደቅኻ ተኣዘዞም” ዝብል ናይ ጃፓናውያን ምስላ ኣሎ። እዚ ኸኣ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ነቲ ከም ወለዲ መጠን ዝነበሮም ስልጣን ምጥቃም ከቋርጹ: ከምኡውን ነቲ ዓበይቲ ደቆም ዝብልዎም ነገራት ክሰምዑ ኣለዎም ማለት ኢዩ። ወለዲ ንደቆም ጽን ኢሎም ብምስማዕ ከኽብርዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ እኳ እንተ​ዀነ: እቶም ውሉዳት እውን ኣብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ስድራ​ቤት ኣኽብሮት ዝጐደሎ ኣረኣእያ ከንጸባርቑ የብሎምን። ምሳሌ 23:⁠22 “ኣዴኻ ምስ አረገት . . . ኣይትንዐቃ” ትብል። ንጉስ ሰሎሞን ምስ እዚ ምስላ እዚ ተሰማሚዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ: ኣዲኡ ክትልምኖ ምስ ኣተወት ከኣ ኣኽቢሩዋ ኢዩ። ነታ ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ኣዲኡ ባትሴባ ብወገን የማኑ ኣብ ዝፋኑ ኮፍ ከም እትብል ብምግባር ንዝበለቶ ዅሉ ሰሚዕዎ ኢዩ።​—⁠1 ነገስት 2:⁠19, 20

14. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ጉባኤ ብኸመይ ከነኽብሮም ንኽእል፧

14 ኣብቲ ሰፊሕ መንፈሳዊ ስድራ​ቤትና እውን ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምኽባሮም ‘ክንቀዳደም’ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዘሎና። (ሮሜ 12:⁠10) ከምቲ ቅድም ዝገብርዎ ዝነበሩ ከይገብሩ ይኽእሉ ኢዮም: እዚ ኸኣ ተስፋ የቝርጾም ይኸውን። (መክብብ 12:⁠1-7) ሓንቲ ኣብ መእለዪ ሕሙማት ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ቅብእቲ ሓብቲ ሓደ ግዜ “ሞይተ ናብ ሰማይ ብምኻድ ስርሐይ ንምጅማር ተሃዊኸ ኣለኹ” ብምባል ዝነበራ ተስፋ ምቝራጽ ገለጸት። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እቲ ዝግባእ ኣፍልጦን ክብርን ምሃብ ተስፋ ንኸይቈርጹ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። እስራኤላውያን “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 19:⁠32) ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ተደለይትን ሞሳ ዝወሃቦምን ምዃኖም ከም ዝስምዖም ብምግባር ሓልዮትካ ኣርኢ። እቲ “ተንስእ” ዝብል ኣገላልጻ ሓድሓደ ግዜ ነቲ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቅድም ዝዓመምዎ ነገራት ከዘንትዉ ኸለዉ ጽን ኢልካ ንምስማዕ ኮፍ ምባል እውን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምግባር ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘኽብሮም ንዓና ኸኣ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዘማዕብል ኢዩ።

‘ንምክብባር ተቐዳደሙ’

15. ሽማግለታት ንኣባላት እታ ጉባኤ ንምኽባር እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧

15 እቶም ሽማግለታት ሰናይ ኣብነት ምስ ዝዀኑ እቶም ኣባላት ጉባኤ ጽቡቕ ኢዮም ዝዓብዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠2, 3) ሓለይቲ ሽማግለታት ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተዀኑ ንመንእሰያት: ርእሲ ስድራ​ቤታት: ንጽል ኣዴታት: ገዛ ዝውዕላ ኣንስቲ ሓዳር: ከምኡውን ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሽግራት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ ቀሪቦም ከዘራርብዎም ተበግሶ ይወስዱ ኢዮም። እቶም ሽማግለታት ኣባላት እታ ጉባኤ ንዝብልዎ ነገራት ይሰምዑ: ከምኡውን በቲ ዝገብርዎ ነገራት ይንእድዎም ኢዮም። ሓደ ሽማግለ ነቲ ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ዝገብርዎ ብምዕዛብ ሞሳኡ ምስ ዝገልጽ ነቲ ንምድራውያን ኣገልገልቱ ዘማሱ የሆዋ ኢዩ ዝመስሎ ዘሎ።

16. ንሽማግለታት ዝወሃቦም ክብሪ ከምቲ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ዝወሃብ ክብሪ ገይርና ክንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ሽማግለታት ንየሆዋ ብምቕዳሕ ነቲ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም: ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዝብል ምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሰናይ ኣብነት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ሮሜ 12:10) እዚ ነቶም መዓርግ ኣጸቢቑ ኣቓልቦ ኣብ ዝግበረሉ ሃገራት ዝነብሩ ሽማግለታት ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር “ሓው” ዝብል ትርጕም ዘለወን ክልተ ቃላት ኢየን ዘለዋ: እታ ሓንቲ ናይ “ኣኽብሮት” እታ ሓንቲ ኸኣ ንተራ ሰብ እትውዕል ቃል ኢያ። ክሳዕ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣባላት ጉባኤ ነቶም ሽማግለታትን ዓበይትን በታ ናይ ኣኽብሮት ቃል: ነቶም ካልኦት ከኣ በታ ተራ ቃል ኢዮም ዝጽውዕዎም ነይሮም። ይኹን እምበር: የሱስ ንሰዓብቱ “ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ስለ ዝበሎም ኵሉ ግዜ በታ ተራ ቃል ክጥቀሙ ተተባብዑ። (ማቴዎስ 23:8) ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ፍልልይ ክሳዕ ክንድዚ ጐሊሑ ዝርአ እኳ እንተዘይኰነ: ኵልና ነቲ ሰባት ናይ መዓርግ ምፍልላይ ንኽገብሩ ዘለዎም ዝንባለ ግን ክንጥንቀቐሉ ኣሎና።​—⁠ያእቆብ 2:⁠4

17. (ሀ) ሽማግለታት ተቐረብቲ ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሽማግለታት ኣብቲ ምስ ኣባላት ጉባኤ ዝገብርዎ ርክብ ንየሆዋ ክመስልዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዮም፧

17 ጳውሎስ ንገለ ሽማግለታት “ዕጽፊ ኽብሪ” ክንህቦም ከም ዝግብኣና እኳ እንተ ኣተባብዐ ንሳቶም እውን ኣሕዋትና ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:17) “ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ” ናይቲ ናይ ኣድማስና ሉዓላዊ ‘ክንቀርብ’ ካብ ከኣልና: ነቶም ንየሆዋ ዝመስልዎ ሽማግለታትከ ከምኡ ገይርና ብትብዓት ክንቀርቦም ኣይግብኣናንዶ ኢዩ፧ (እብራውያን 4:16፣ ኤፌሶን 5:⁠1) ሽማግለታት ተቐረብቲ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ብመጠን ናይቲ ካልኦት ምኽሪ ደልዮም ዝመጽዎም ወይ ርእይትኦም ክገልጹ ዝቐርብዎም ክልክዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ካብቲ የሆዋ ንኻልኦት ብኸመይ ኣብ ዕዮታቱ ከም ዘእትዎም ዝገደፎ ኣብነት ተማሃሩ። ሓላፍነት ብምሃብ ንኻልኦት የኽብሮም ኢዩ። ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ ዝህብዎ ርእይቶ ዘይተግባራዊ እንተ​ዀነ እውን ከይተረፈ እቶም ሽማግለታት ነቲ ዘርኣዮ ወይ ዘርኣየቶ ሓልዮት ከማስውሉ ኣለዎም። የሆዋ ነቲ ናይ ኣብርሃም ሕቶን ናይ ኣንባቆም ናይ ጭንቀት ኣውያትን ብኸመይ ከም ዝመለሰሉ ኣይትረስዑ።

18. ሽማግለታት ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ኣብ ምዕራይ ንየሆዋ ክመስልዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

18 ገለ ክርስትያን ብጾት መአረምታ የድልዮም ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠1) ገና ግን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቡራት: ግምት ክወሃቦም ዝበቕዑ ኢዮም። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር “እቲ ምኽሪ ዝህበኒ ሰብ ብኣኽብሮት ምስ ዝሕዘኒ ክቐርቦ ደስ ኢዩ ዝብለኒ” በለ። ብዙሓት ሰባት ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ምስ ዝትሓዙ ነቲ ዝወሃቦም ምኽሪ ይቕበልዎ ኢዮም። ግዜ ዝወስድ እኳ እንተ​ዀነ ነቶም ጌጋ ስጕምቲ ዝወሰዱ ሰባት ጽን ኢልካ ምስምዖም ምኽሪ ንኽቕበሉ ዝቐለለ ኢዩ ዝገብረሎም። የሆዋ ካብቲ ንእስራኤላውያን ዝነበሮ ድንጋጽ ተበጊሱ ምስኦም ክንደይ ግዜ ከም እተዘራረበ ኣይትረስዓዮ። (2 ዜና መዋእል 36:15፣ ቲቶስ 3:2) ናይ ካልኦት ስምዒት ኣብ ግምት ዘእተወን ድንጋጽ እተሓወሶን ምኽሪ ንልቢ እቶም ምኽሪ ዘድልዮም ሰባት ክትንክፍ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 17:⁠17፣ ፊልጲ 2:⁠2, 3፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠8

19. ነቶም ከም ናይ ክርስትያናት እምነት ዘይብሎም ሰባት ብኸመይ ኢና ክንርእዮም ዘሎና፧

19 ንኻልኦት ምኽባር ነቶም ኣብ መጻኢ መንፈሳውያን ኣሕዋትና ክዀኑ ዝጽዕሩ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ሕጂ ንመልእኽትና ኣብ ምቕባል ዝሑላት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን ክንዕገሶምን ነቲ ከም ሰብ መጠን ዘለዎም ኣኽብሮት ኣፍልጦ ክንህበሉን ይግብኣና ኢዩ። የሆዋ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ኣረኣእያ የሆዋ ክህልወናዶ ኣይግባእን፧ ንዅሎም ሰባት ብሓፈሻ ተቐረብቲ ምስ እንኸውን ምስክርነት ንምሃብ መገዲ ክንከፍት ንኽእል ኢና። ካብቲ መንፈሳዊ ጕድኣት ከምጽእ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዕርክነት ንቝጠብ ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33) እንተ​ዀነ ግን: ነቶም ከም ናትና እምነት ዘይብሎም ሰባት ብዘይ​ምንዓቕ ‘ጽቡቕ ገጽ [“ሰብኣዊ ሕያውነት:” NW ]’ ነርእዮም ኢና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:3

20. ናይ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ኣብነት እንታይ ንኽንገብር ኢዩ ክደፋፍኣና ዘለዎ፧

20 እወ: የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ንነፍሲ ወከፍና ብኣኽብሮት ኢዮም ዝርእዩና። ነቲ ንሳቶም ምስ ሰባት ዝገብርዎ ርክብ ኵሉ ግዜ ብምዝካር ንሓድሕድና ተመሳሳሊ ምክብባር ነርኢ። ነተን “ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ዝብላ ቃላት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ኵሉ ግዜ ንዘክረን።​—⁠ማቴዎስ 23:8

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንኣመንቲ ብጾትካ ብኸመይ ክትርእዮም ኣሎካ፧

• እቲ ናይ የሆዋን የሱስን ኣብነት ንኻልኦት ንምኽባር ብኸመይ ይድርኸካ፧

• ሰብ ሓዳር ሰብኡትን ወለድን ንኻልኦት ከኽብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

• ሽማግለታት ንኣሕዋቶም ከም ኣመንቲ ብጾቶም ገይሮም ምስ ዝርእይዎም ብኸመይ ዝበለ መገዲ ንኽመላለሱ ኢዩ ዝድርኾም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብቓላት ብምምሳው ንበዓልቲ ቤትካ ኣኽብራ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጽን ኢልካ ብምስማዕ ንደቅኻ ኣኽብሮም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምስቶም ኣባላት ጉባኤ ኣኽብሮት ዘለዎ ርክብ ይሃልኻ