ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍጹም ህይወት ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን!

ፍጹም ህይወት ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን!

ፍጹም ህይወት ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን!

ፍጹም ህይወት ንዓኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ገበን: ሓሽሽ: ጥሜት: ድኽነት: ምጕዳል ፍትሒ ዘይርኣየሉ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከም ዘሎ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ኵሉ ሰብ ብስምዒታውን ብኣካላውን መገዲ ምሉእ ጥዕና የስተማቕር። ሞት እውን ከይተረፈ ስለ ዘልግስ ጓሂ ወይ ሓዘን የለን። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም ክትመጽእ ሃረር ምባልሲ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ድዩ፧

 መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ብስነ⁠-​ፍልጠትን ብቴክኖሎጅን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ዘይክሕድዎ እኳ እንተዀኑ: ወድሰብ ብኽእለቱን ብፍልጠቱን ኵሎም ሰባት ሰላምን ሓጐስን ዝረኽቡላ ሓንቲ ፍጽምቲ ዓለም ከምጽእ ኢዩ ኢሎም ኣይኣምኑን ኢዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ወድሰብ ነገራት ንምምሕያሽን ዘይፍጽምና ንምዕራይን ዝንባለ ኸም ዘለዎ ዘይክሓድ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ኣብ ክውንነት ዘይተመርኰሰ ትምኒት ንበይኑ ነቶም ግዳም ሓደርን ድኻታትን ምንም ኣይሕግዞምን ኢዩ: ነቶም ካብ ስቅያቶም ዕረፍቲ ክረኽቡ ሃረር ዝብሉ ስንኩላንን ሕሙማትን እውን ዘዕግቦም ኣይኰነን። ፍጽምቲ ዓለም ብምህዞ ወድሰብ እትመጽእ ኣይኰነትን። ይኹን እምበር: መከራን ግፍዕን እኳ እንተሎ: ሓንቲ ፍጽምቲ እትብላ ዓለም እትመጽኣሉ ግዜ ብርግጽ ከም ዝቐረበ ዘእምነካ ጽኑዕ ምኽንያታት ኣሎ።

ብዛዕባ ፍጹም ህይወት ክትሓስብ ከሎኻ: ህይወት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣእምሮኻ ይመጽእ ይኸውን። ኣብ ምድሪ ዝነበረ ፍጹም ሰብ የሱስ ጥራይ ኣይነበረን። እቶም ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ ኣዳምን ሄዋንን እውን ኣብ ገነት ፍጹም ህይወት እናኣስተማቐሩ ይነብሩ ነይሮም ኢዮም። ኣንጻር ሰማያዊ ኣቦኦም ብምዕላዎም ግን ነዚ ብሉጽ ኵነታት እዚ ሰኣንዎ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-6) ይኹን እምበር: ፈጣሪ ንደቅሰብ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ተኺሉሎም ኢዩ። መክብብ 3:⁠11 ነዚ ተረጋግጸልና ኢያ:- “[ኣምላኽ] ንዅሉ በብጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ: ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።”

ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ንወድሰብ ናይ ‘ከንቱነትን’ ‘ዘጥፍእ ባርነትን’ ናብራ ከም ዘሕልፍ ገይርዎ እኳ እንተ ሃለወ: ነቲ ዘጸናንዕ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣቕልበሉ:- “ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ: ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ: እአምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።” (ሮሜ 8:⁠19-21) ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ምእንቲ ኽምለስ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ምድላው ከም ዝገበረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይገልጸልና ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16፣ 17:⁠3

ኣብ ርእሲ እቲ ብዛዕባ ዝመጽእ ዘሎና ዘደንቕ ተስፋ: ኵላትና ሕጂ እውን ከይተረፈ ዕቤትና ከም ዝግለጽ እናገበርና ብመንፈስ ክንውስኽ ተኽእሎ ኣሎና።

ምኽንያታዊ ንምዃን ጽዓር

የሱስ ክርስቶስ ንፍጽምና ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት “ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” በሎም። (ማቴዎስ 5:⁠48) ብሓቂዶ የሱስ ኣብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ብዘይ ጕድለት ክንመላለስ ኢዩ ተጸብዩና፧ ኣይፋሉን። ናይ ልግስን ሕያውነትን ከምኡውን ንብጾትና ናይ ምፍቃር ባህርያት ክንኵስኵስ ከም እንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ: እንተዀነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ቅኑዕ ዘበለ ካብ ምግባር ንሰንፍ ኢና። ሓደ ካብ ሃዋርያት የሱስ እውን ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና: ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና: ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን: እንተ በልና: ሓሳዊ ንገብሮ: ቃሉውን ኣባና የሎን።”​—⁠1 ዮሃንስ 1:⁠9, 10

ይኹን እምበር: ሕሉፍ ትጽቢት ብምውጋድ ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘሎና ኣመለኻኽታን ምስ ካልኦት እንገብሮ ርክብን ከነመሓይሾ ንኽእል ኢና። ሚዛናውያንን ምኽንያታውያንን ዓይነት ሰባት ንምዃን ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ምኽሪ ብዝበለጸ ክሕግዘና ዝኽእል ካልእ እንታይ ኣሎ፧ ከም እኒ ሓጐስን ሚዛናውነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ምዅስኳስ ኣብ ስራሕ: ምስ ኣሚንና: ከምኡውን ምስ ወለድና ወይ ምስ ውሉዳትና ኣብ ዝህልወና ርክብ ተሰማሚዕና ንምምልላስ ይሕግዘና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ። እቲ ለውሃትኩም [“ምኽንያታውያን ምዃንኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ብምባል መዓዶም።​—⁠ፊልጲ 4:⁠4, 5

ምኽንያታዊ ምዃን ዘምጽኦ ረብሓ

ኣብ እትጽበዮ ነገራት ምኽንያታዊ ብምዃን ነቲ ዘሳቕየካን ዘሕምቐካን ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ተወግድ እንተ​ድኣ ዄንካ ንገዛእ ርእስኻን ንኻልኦትን ክትረብሕ ኢኻ። ናይ ሓቂ ተኽእሎኻ ምፍላጥ ኣብቲ ክትገብሮ እትደልዮ ነገራት ክውንነታውን ምኽንያታውን ምዃን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ክንነብር ከምኡውን በቲ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ክጠቅም ዝኽእል ትርጕም ዘለዎ ዕዮ ዕግበት ክንረክብ ኢሉ ከም ዝፈጠረና ኣይትረስዕ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠7-9

ካብ ገዛእ ርእስኻ ብዙሕ ትጽበ እንተድኣ ዄንካ: ስለምንታይ ናብ የሆዋ ብጸሎት ዘይትቐርብ፧ ስምረት ኣምላኽ ምርካብ ዓቢ ዕረፍቲ ከምጽኣልካ ኢዩ። የሆዋ ኣፈጣጥራናን ነቲ ዘይፍጹም ኵነታትናን ስለ ዝፈልጦ ዘይምኽንያታዊ ወይ ንኸተሐጕሶ ዘጸግም ኣይኰነን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:13, 14) ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምሕረት ዝመላለስ ምዃኑስ ኣዚና ከነማሱ ዘኽእለናዶ ኸይኰነ! ነቲ ድሩት ዓቕምና ይፈልጦ ኢዩ: ገና ግን ከም ፍቑራት ውሉድ ኣኽቢሩ ክርእየና ይኽእል ኢዩ።

ፍጽምና ኣብ ክንዲ እንጽበ: መንፈሳዊ ምስትውዓልን ሚዛናዊ ኣመለኻኽታን ክንኵስኵስ ክንደይ ጥበባዊ ኰን ኢዩ! ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ንደቅሰብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ፍጽምና ክብ ንኸብሎም ዘለዎ ዕላማ ካብ ምፍጻም ክዓግቶ ዝኽእል ዋላ ሓደ ከም ዘየለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሰብኣዊ ፍጽምና ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧

ካብቲ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ዝበልጽ ፍጹም ህይወት

ፍጽምና ክበሃል ከሎ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ዘሎካ ምዃን ማለት ኣይኰነን። እቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባር መሰል ዝረኽቡ ሰባት ካብ መጠን ንላዕሊ ትጽቢት ዘይገብሩ: ርእስኻ ናይ ምጽዳቕ ባህሪ ዘይብሎም ውልቀ⁠-​ሰባት ኢዮም ክዀኑ። ካብቲ ዓቢ ጸበባ ንምድሓን ካብ ዘድሊ ብቕዓታት ሓደ ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ልባዊ ሞሳ ምርኣይ ኢዩ። እዚ ኸኣ በቶም ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጠቐሶም ኣህጕራውያን ዓቢ ጭፍራ ዝበልዎ ተገሊጹ ኣሎ:- “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ።” (ራእይ 7:⁠9, 10, 14) ኵሎም እቶም ካብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ዝድሕኑ ሰባት: ክርስቶስ ኣብ ክንድኦምን ኣብ ክንዲ ዅሎም እቶም ብእኡ ዝኣምኑን ሰባት ብፍታው ብሙማቱ መማሰውቲ ክዀኑ ኢዮም። እቲ ፍቕራዊ መስዋእቱ ካብ ዘይፍጽምንኦምን ድኻሞምን ነባሪ ዝዀነ ዕረፍቲ ንኽረኽቡ መሰረት ዘንብር ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16፣ ሮሜ 8:⁠21, 22

ፍጹም ህይወት ከመይ ዓይነት ኢዩ ክኸውን፧ ኣብ ክንዲ ምውድዳርን ልዑል ደረጃ ንምርካብ ዝርአ ስስዐን: ኣብ ማእከል ደቅሰብ ዝርአ ፍቕርን ሕያውነትን ንህይወት ትርጕም ዘለዎ ይገብሮ ጭንቀትን ንርእስኻ ምንዓቕን ድማ የወግድ። ገና ግን ፍጹም ህይወት ዘሰልክን መለሳ ዘይብሉን ኣይክኸውንን ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ገነት ዘርዚሩ ዘይነግረና እኳ እንተዀነ ነቲ ክንጽበዮ እንኽእል ዓይነት ህይወት ይገልጸልና ኢዩ:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። . . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21-23

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት መዘናግዒታት: ናይ ሸመታ ኣገልግሎት: ቴክኖሎጂ: ወይ መጓዓዝያ ኰን ተዳሉ ትኸውን ኢልካ ኣብ ክንዲ ምጭናቕ: ፍጻመ ናይዚ ዝስዕብ ቃላት ከም ዝረኸብካዮ ገይርካ እሞ ሕሰብ:- “ተዅላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ እዮም: ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ: ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ። ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን ኣይኬጥፍኡን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር።” (ኢሳይያስ 65:⁠25) ፍጹም ህይወት ካብዚ ሕጂ እትረኽቦ ክንደይ እተፈልየ ኰን ኢዩ! ሓደ ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ክነብሩ ብቑዓት ኰይኖም እተረኽቡ ሰባት እንተድኣ ዄንካ: እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኻ ኣባኻን ኣብ ስድራቤትካን ከም ዝግደስ እምንቶ ንኸተሕድር ምኽንያት ክህልወካ ኢዩ። “ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ: ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:⁠4

ፍጹም ህይወት ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። እቲ የሆዋ ብዛዕባ ደቅሰብ ዘለዎ ፍቕራዊ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ክፍጸም ኢዩ። ንስኻን ስድራቤትካን ካብ መንጎ እቶም ናብ ፍጽምና ዝበጽሑ እሞ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ዝነብሩ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ይንበ።​—⁠መዝሙር 37:29

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ፍጽምና ናይ ምጽባይ ወይ ከኣ ኣብ ደቀቕቲ ነገራት ናይ ምትኳር ባህሪ ብምውጋድ ኣብ ገዛእ ርእስናን ኣብ ካልኦትን ንዘሎና ኣመለኻኽታ ከነመሓይሾ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ገነት ሰላማውን ጽድቃውን ኵነታት ተስተማቕር ከም ዘሎኻ ገይርካ ዘይትሓስብ፧