ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰናይ ኣርኣያ ዝዀኑ ካብኦም ረብሓ ትረክብዶ ኣሎኻ፧

ሰናይ ኣርኣያ ዝዀኑ ካብኦም ረብሓ ትረክብዶ ኣሎኻ፧

ሰናይ ኣርኣያ ዝዀኑ ካብኦም ረብሓ ትረክብዶ ኣሎኻ፧

 “ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዅላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም።” እዘን ቃላት እዚኣተን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ኢየን። እቲ ንኣመንቲ ብጾት ዝሓደጉሎም ኣርኣያ ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሰብ ተሰሎንቄ ዘርእይዎ ዝነበሩ ኣርኣያ ንባዕሉ ነጸብራቕ ናይቲ ጳውሎስን ብጾቱን ዝሓደግዎ ኣብነት ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ በለ:- “ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና: ከምቲ እትፈልጥዎ: እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ንስኻትኩምውን . . . [ሰዓብትና] . . . ኰንኩም።”​—⁠1 ተሰሎንቄ 1:⁠5-7

ጳውሎስ ካብ ስብከት ንላዕሊ ኸም ዝገበረ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣነባብርኡ ሓያል ጽልዋ ኢዩ ነይርዎ​—⁠እወ ናይ እምነት: ምጽማም: ከምኡውን ናይ ርእሰ⁠-​መስዋእቲ ኣርኣያ ኢዩ ነይሩ። እዚ ዓይነት ናብራ እዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ሰብ ተሰሎንቄ ሓያል ጽልዋ ኸም ዝህልዎም ዝገበረ፣ እዚ ጽልዋ እዚ እውን ብግዲኡ ሰብ ተሰሎንቄ ‘ብዙሕ ጭንቂ’ እኳ እንተ ነበሮም ሓቂ ክቕበሉ ደሪኽዎም ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ: ኣወንታዊ ጽልዋ ዝነበሮም ጳውሎስን እቶም ናይ ቀረባ መዓይይቱን ጥራይ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ካልኦት ጭንቂ ዝጽመሙ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝሓደግዎ ኣርኣያ እውን መተባብዒ ኰይንዎም ኢዩ። ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ “ኣሕዋተየ: ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ: ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም” ብምባል ጸሓፈሎም።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠14

ክርስቶስ የሱስ​—⁠እቲ ቀንዲ ኣርኣያ

ሽሕኳ ጳውሎስ ክሰዓብ ዝግብኦ ኣርኣያ ሓዲጉ እንተ​ዀነ: እቲ ክርስትያናት ክስዕብዎ ዘለዎም ቀንዲ ኣርኣያ ግን የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ካብ ምሕባር ዓዲ ኣይወዓለን። (1 ተሰሎንቄ 1:⁠6) ክርስቶስ እቲ ዝነበረን ዘሎን ቀንዲ ኣርኣያና ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠21

ይኹን እምበር: ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ካብ ዘብቅዕ እንሆ ዳርጋ 2,000 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሕጂ ንሱ ዘይመውት መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ “ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር” ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ስለዚ “ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረአዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠16) ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ክንስዕቦ እንኽእል፧ ነቲ ንናብራ ህይወት የሱስ ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣርባዕተ ጸብጻባት ምጽናዕ ሓደ መገዲ ኢዩ። ወንጌል ብዛዕባ ባህርያቱ: ኣነባብርኡ: ከምኡውን ብዛዕባ ‘ኣተሓሳስብኡ’ ዓሚቝ ምርዳእ ንኽህልወና ይሕግዝ ኢዩ። (ፊልጲ 2:⁠5-8) ነታ ኣብ እዋን የሱስ ንዝነበረ ፍጻመታት ናይ ግዜ ተርትኡ ብምሕላው ኣስፊሓ እትድህስሶ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብጥንቃቐ ብምጽናዕ ዕሙቕ ዝበለ ተወሳኺ ምርዳእ ክጥረ ይከኣል ኢዩ። a

እቲ የሱስ ዝሓደጎ ርእሰ⁠-​መስዋእቲ ዘንጸባርቕ ኣርኣያ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓያል ጽልዋ ገይሩ ኢዩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ሰብ ቈረንቶስ “ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ” በሎም። (2 ቈረንቶስ 12:⁠15) እዝስ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ኣመለኻኽታዶ ኸይኰነ፧ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝሓደጎ ፍጹም ኣርኣያ ምስ እነስተንትን: ንሕናውን ኣብ ናብራ ህይወትና ንዕኡ ንምምሳል ክንድረኽ ኢና።

ንኣብነት: ኣብቲ ብስጋዊ መገዲ ክሓልየልና ምዃኑ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ትውክልቲ ኽንገብር ከም ዘሎና የሱስ ምሂሩና ኢዩ። ትምህርቲ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኢዩ ግን ገይሩ። ኣብ መዓልታዊ ምምልላሱ ከምዚ ዝኣመሰለ ትውክልትን እምነትን ኣብ የሆዋ የርኢ ነበረ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ በለ:- “ንወኻሩ ጕድጓድ አለወን: ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን።” (ማቴዎስ 6:⁠25፣ 8:⁠20) ብስጋዊ ነገራት ምጭናቕ ንኣተሓሳስባኻን ተግባራትካን ይቈጻጸሮ ድዩ፧ ወይስ ኣነባብራኻ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐድም ከም ዘሎኻ ዘረጋግጽ ኢዩ፧ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎካ ኣመለኻኽታኸ ከመይ ኢዩ፧ ከም ናይቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ድዩ፧ የሱስ ሰባት ቅንኢ ንኽህልዎም ይሰብኽ ጥራይ ከም ዘይነበረ: እኳ ድኣስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ሃልሃል ዝብል ቅንኢ የርኢ ኸም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (ዮሃንስ 2:⁠14-17) ብፍቕሪ ዝመጸ እውን የሱስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣርኣያ ኰን ኢዩ! ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ ኽብል ህይወቱ መስዋእቲ ኸፊሉ ኢዩ! (ዮሃንስ 15:⁠13) ንክርስትያናት ኣሕዋትካ ፍቕሪ ብምርኣይ ንየሱስ ትመስሎዶ ኣሎኻ፧ ወይስ ኣብ ገሊኦም እትርእዮ ዘይፍጽምና ፍቕርኻ ኻብ ምግላጽ ዝሕጥ ከም እትብል ይገብረካ ኢዩ፧

ኣርኣያ ክርስቶስ ንምስዓብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ: ወርትግ ዕዉታት ኣይንኸውንን ኢና። ይኹን እምበር የሆዋ በቲ ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንምልባስ’ እንገብሮ ጻዕሪ ባህ ከም ዝብሎ እተረጋገጸ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 13:⁠14

‘ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ዝዀንዎ’

ሎሚ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣርኣያ ክዀኑና ዝኽእሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ኣለዉዶ፧ እወ ብርግጽ ኣለዉ! ብፍላይ እቶም ንቦታ ሓላፍነት ተመዚዞም ዘለዉ ኣሕዋት ኣርኣያ ክዀኑ ይግባእ። ጳውሎስ ነፍሲ ወከፍ እተመዘ ሽማግለ “መንቅብ ዜብሉ” ክኸውን ከም ዘለዎ ነቲ ኣብ ቅሬጥስ ኣብ ዝነበራ ጉባኤታት ዘገልግልን ተዓዘብቲ ዝምዝዝን ዝነበረ ቲቶስ ነጊርዎ ኢዩ። (ቲቶስ 1:⁠5, 6) ብተመሳሳሊውን ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሽማግሌታት” “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ክዀንዎ ማዕዳ ሂቡ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠1-3) ብዛዕባ እቶም ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ዘገልግሉኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንሳቶምውን ‘ኣጸቢቖም ዘገልግሉ’ ክዀኑ ይግባእ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠13

ርግጽ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ወይ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣብ ኵሉ መዳይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ሓለፍ ዝበለ ክእለት ንኽህልዎ ትጽቢት ምግባር ዘይክውንነታዊ ምዃን ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ኣሎና’ ብምባል ነጊርዎም ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠6) እተፈላለዩ ኣሕዋት ኣብ እተፈላለየ መዳያት ይበላለጹ ኢዮም። ሽማግለታት ንዅሉ ነገር ጕድለት ብዘይ​ብሉ ኣገባብ ክፍጽሙን ክዛረቡን ትጽቢት ምግባር ዘይምኽንያታውነት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ያእቆብ 3:⁠2 “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ይብል። ኣስዒቡ ድማ “ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ: ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” ይብል። ሽማግለታት ምንም እኳ ዘይፍጹማት እንተዀኑ ገና ግን ከም ጢሞቴዎስ ‘ነቶም ኣመንቲ ብቓል: በኻይዳ: ብፍቕሪ: ብእምነት: ብንጽህናውን ኣርኣያ ክዀንዎም’ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠12) ሽማግለታት ከምዚ ምስ ዝገብሩ: ኣባላት እቲ መጓሰ ድማ ነቲ ኣብ እብራውያን 13:7 ዘሎ “ነቶም . . . መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም: ኣስኣሰር እምነቶም ስዐቡ” ዝብል ማዕዳ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኢዮም።

ካልኦት ኣብ ዘመንና ዘለዉ ኣርኣያ

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ካልኦት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ሰናይ ኣርኣያ ዝሓድጉ ምዃኖም ኣመስኪሮም ኢዮም። ብዛዕባ እቶም ነቲ ክርስትያናዊ ተልእኾ ካብ ዓዶም ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ግራት ኣገልግሎት ምእንቲ ኽፍጽሙ ‘ኣባይቲ ዀነ: ወይስ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ሓዲጎም’ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊ መንፈስ ዘንጸባረቑ ሚስዮናውያን እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ (ማቴዎስ 19:⁠29) ብተወሳኺ ንገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን: ነቶም ኣብ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘገልግሉ ወለንተኛታት ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን: ከምኡውን ነቶም ፓይነራት ኰይኖም ንጉባኤታት ዘገልግሉ ኣብ ግምት ኣእትዎም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣርኣያ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ድራኸ ከሕድሩ ይኽእሉዶ፧ ሓደ ኣብ እስያ ዝርከብ ክርስትያን ወንጌላዊ ንሓደ ኣብ መበል ሻሙናይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተማህረ ሚስዮናዊ ይዝክር። ብዛዕባ እዚ እሙን ሓው እዚ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- ‘ነቲ ዕስለ ጣንጡን ነቲ ዓቕልኻ ዘጽብብ ኣውልን ብዘይ​ገለ ዕሚም ይዕገሶ ነበረ። . . . እቲ ልዕሊ ዅሉ ክሳዕ ሕጂ [ዝምስጠኒ] ግን ወዲ ዓዲ እንግሊዝ ክነሱ ብቛንቋታት ቻይናን ማለዥያን ብኽእለት ዝገብሮ ዝነበረ ኣቀራርባ ኢዩ።’ ውጽኢት ናይዚ ሰናይ ኣርኣያ እዚኸ እንታይ ነበረ፧ እቲ ሓው “እቲ ህድእ ዝበለ ምዃኑን ዘርእዮ ዝነበረ እምንቶን ምስ ዓበኹ ሚስዮናዊ ንምዃን ድሌት ኣሕዲሩለይ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። እዚ ሓው እዚ ሚስዮናዊ ክኸውን ምኽኣሉ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።

ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንዴክስ (እንግሊዝኛ) ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ናይቶም ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ታሪኽ ህይወቶም ዝወጸ ኣሕዋትን ኣሓትን ሒዙ ኣሎ። እዚ ታሪኽ እዚ ብዛዕባ እቶም ዓለማዊ ስራሕን ሸቶን ዝጠንጠኑ: ንሰብኣዊ ድኽመት ዘሰነፉ: ዘደንቕ ለውጢ ናይ ባህርይ ዝገበሩ: ኣብ እዋን መከራ ኣወንታዊ ዝንባለ ዝሓዙ: ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ህርኵትና: ምጽማም: ተኣማንነት: ትሕትና: መንፈስ ርእሰ⁠-​መስዋእትነት ዘንጸባረቑ ውልቀ⁠-​ሰባት ኢዩ ዝገልጽ። ሓንቲ ኣንባቢት ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ክትገልጽ ከላ “ነቲ ካልኦት ዘሕለፍዎ ኵነታት ከንብቦ ከለኹ ዝያዳ ትሕት ዝበልኩን መማሰዊትን ክርስትያን ይገብረኒ: ብተወሳኺውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ኣዕዚዘ ንኸይሓስብን ስስዕቲ ንኸይከውንን ሓጊዙኒ ኢዩ” ብምባል ትጽሕፍ።

ብተወሳኺውን ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ስጋውን መንፈሳውን ድሌት ስድራ​ቤቶም ካብ ምምላእ ሰኒፎም ዘይፈልጡ ርእሲ ስድራ​ቤታት: እተን ቈልዓ ኣብ ምዕባይ ንዘሎ ጸቕጢ ጸይረን ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ዝሳተፋ ንጽል ኣዴታት እውን ዝርከበአን ኣሓት: ከምኡውን እቶም እናሓመቐ ዝኸይድ ድኹም ኣካልን ጥዕናን ዘለዎም ክነሶም እሙናት ኰይኖም ዝቕጽሉ ብዕድመ ዝደፍኡን ስንኩላንን ዝሓድግዎ ሰናይ ኣርኣያ ዘክር ኢኻ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣርኣያስ ደራኺ ሓይሊ ኣየሕድረልካንዶ፧

ዓለም ሕማቕ ኣርኣያ ብዝሓድጉ ሰባት መሊኣ ምህላዋ ሓቂ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13) እንተ​ዀነ ግን: ጳውሎስ ነቶም ናብርኦም ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ክርስትያናት ዝሃቦም ማዕዳ እስከ ኣስተብህለሉ። ብዛዕባ እቲ ብዙሓት ጥንታዎት እሙናት ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዝሓደግዎ ኣርኣያ ምስ ኣዘንተወ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተማሕጸነ:- ‘ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዝኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ከኣ ንጠምት።’ (እብራውያን 12:⁠1, 2) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን በቶም ሰናይ ኣርኣያ ዝሓደጉ ጥንታውያንን ዘመናውያንን “ደበና ምስክር” ተኸቢቦም ኢዮም ዘለዉ። ብዝግባእ ካብኦም ረብሓ ትረክብዶ ኣሎኻ፧ ‘ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር: ነቲ እኩይ ንዘይምቅጻጽ’ ቈራጽነት እንተ​ድኣ ገይርካ ክትረብሕ ትኽእል ኢኻ።​—⁠3 ዮሃንስ 11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ወይ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣብ ኵሉ መዳይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ሓለፍ ዝበለ ክእለት ንኽህልዎ ትጽቢት ምግባር ዘይክውንነታዊ ምዃን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ” ክዀንዎ ኣለዎም