ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በደል ምሕዳግ—ስለምንታይ፧

በደል ምሕዳግ—ስለምንታይ፧

በደል ምሕዳግ​—⁠ስለምንታይ፧

 “በደል ምሕዳግ ብርግጽ ስምዒታዊ​—⁠ካብኡ ብዘይ​ተፈልየ ኵነታት ከኣ ኣካላዊ​—⁠ጥዕና ኸደንፍዕ ከም ዝኽእል መረጋገጺ ክህብ ጀሚሩ ዘሎ ምርምር ሊቃውንቲ ፈሊሞም ኣለዉ” ብምባል ናይ ካናዳ ዘ ቶሮንቶ ስታር (እንግሊዝኛ) ጸብጻብ ይህብ። እንተ​ዀነ ግን: ፕሮጀክት ስታንፎርድ ብዝብል ስያመ ንምሕዳግ በደል ኣብ ዝምልከት መጽናዕቲ መሪሕ ተመራማሪ ዝዀነ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስታንፎርድ ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ፕሮፈሰር ካርል ቶረሰን “ምሕዳግ በደል እንታይ ምዃኑን ኣተገባብርኡን ዝርድእዎ ሰባት ኣዝዮም ሒደት” ምዃኖም ይገልጽ።

ልባዊ ዝዀነ ምሕዳግ በደል ኣገዳሲ መዳይ ክርስትና ኢዩ። እቲ ኣብ ዘ ቶሮንቶ ስታር እተዋህበ ጸብጻብ ንምሕዳግ በደል ክገልጾ ኸሎ “ከም እተበደልካ ኣፍልጦ ብምሃብ: ንዅሉ እቲ ዝስምዓካ ቅሬታ ምሕዳጉ: ካብኡ ቐጺልካ ድማ ነቲ በዳሊ ብዓይኒ ድንጋጸን ፍቕርን ምርኣዩ” ማለት ምዃኑ ኢዩ ዘብርህ። ምሕዳግ በደል ካብ ሸለል ኢልካ ምሕላፍ: ይቕረ ምባል: ምርሳዕ: ወይ ድማ ካብ ቂም ዘይምሓዝ ተፈልዩ ክርአ ይግባእ፣ ካብ ሕኒን ምባል ከኣ እሞ ኣዝዩ ዝረሓቐ ዝንባለ ኢዩ። ካብ ልቢ በደል ንምሕዳግ እቲ ቐንዲ መፍትሕ “ኵራን ኣሉታዊ ስምዒታትን ምርሓቕ” ጥራይ ምዃኑ ኢዩ እቲ ጸብጻብ ዝገልጽ።

ምሕዳግ በደል ኣብ ኣካላትና ዘምጽኦ ረብሓ ንምፍላጥ ደቂቕ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ኢዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ። ይኹን እምበር: ከም “ምንካይ ውጥረት: ዓቕሊ ጽበት: ከምኡውን ጭንቀት” ዝኣመሰለ ስነ⁠-​ኣእምሮኣዊ ረብሓታት ከም ዘለዎ ኢዮም ዝዛረቡ።

በደል ንምሕዳግ ዝኸውን ቀንዲ ምኽንያት ግን ኣብ ኤፌሶን 4:⁠32 ተገሊጹ ኣሎ: “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ይብል። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምቲ ብኻልእ መዳያት ንኣምላኽ ክንስዕቦ ለበዋ ተቐቢልና ዘሎና: ብምሕዳግ በደል ዝመጸውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኰነን።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠1

ምሕረት ንምርኣይ ዝኸውን ምኽንያት እናሃለወ ክነሱ በደል ካልኦት ንምሕዳግ ኣበደን ምባል ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ክጐድኦ ይኽእል ኢዩ። የሆዋ በደል ሓድሕድና ክንሓድግ ኢዩ ትጽቢት ዝገብረልና። ብድሕሪኡ ኸኣ ኢና በደልና ንኽሓድገልና ናብኡ ኽንጽሊ እንኽእል።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠14፣ ማርቆስ 11:⁠25፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠11