ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ብስራት ብሃንቀውታ ኣውጅ

ነቲ ብስራት ብሃንቀውታ ኣውጅ

ነቲ ብስራት ብሃንቀውታ ኣውጅ

“ብመንፈስ ተቓጸሉ: ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።”​—⁠ሮሜ 12:⁠11

1, 2. ክርስትያናት ከም ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት መጠን እንታይ ኣረኣእያ ክህልዎም ኢዮም ዝጽዕሩ፧

 ሓደ መንእሰይ ሓድሽ ስራሕ ምስ ዝረክብ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢዩ ዝብል። ኣብታ ናብ ስራሕ ዝኸደላ መጀመርታ መዓልቲ ካብ ወሃብ ስርሑ መምርሒታት ንምቕባል ብሃንቀውታ ኢዩ ዝጽበ። ነቲ ዝዋሃቦ ናይ መጀመርታ ስራሕ ተሃንጥዩ ይጽበ: ኣርዚኑ ድማ ኢዩ ዝርእዮ። ዝከኣሎ ዅሉ ንምግባር ይህንጠ ኢዩ።

2 ብተመሳሳሊ: ንሕና ክርስትያናት እውን ንገዛእ ርእስና ከም ጀመርቲ ሰራሕተኛታት ክንሪኣ ንኽእል ኢና። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ስለ ዘሎና: ሕጂ ኣብ ትሕቲ የሆዋ ኴንና ክንሰርሕ ጀሚርና ጥራይ ኢና ዘሎና ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ፈጣሪና ንዘለኣለም ትሑዛት ዝገብረና ማእለያ ዘይብሉ ስራሕ ኣዳልዩልና ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ናይ መጀመርታ መዝነትና ናይታ መንግስቱ ብስራት ምእዋጅ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:⁠4) ብዛዕባ እዚ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና መዝነት ከመይ ኢዩ ዝስምዓና፧ ልክዕ ከምቲ መንእሰይ ብዘሎና ኵሉ ክእለት: ብቕንኢ: ብሓጐስ: እወ ብሃንቀውታ ክንዓሞ ኢና እንደሊ!

3. ዕዉት ኣገልጋሊ ናይቲ ብስራት ንምዃን እንታይ የድሊ፧

3 ልክዕ ኢዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ ኣገልግሎትና ብዙሕ ካልእ ሓላፍነታት ኣሎና: ገለ ካብዚ ድማ ኣካላውን ስምዒታውን መስዋእቲ ክንገብር ዝሓተና ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ንኣገልግሎትና እኹል ኣቓልቦ እናሃብና ነዚ ነገራት እዚ ክንኣልዮ ንኽእል እኳ እንተዀንና: ገና ግን ዘየቋርጽ ቃልሲ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ማርቆስ 8:⁠34) ዕዉታት ክርስትያናት ንምዃን ክንጋደል ከም ዘሎና የሱስ ኣጕሊሑ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 13:⁠24

4. መዓልታዊ ጭንቀት ንመንፈሳዊ ኣረኣእያና ብኸመይ ኢዩ ክጸልዎ ዝኽእል፧

4 ብዙሕ ዝዕየ ነገራት ምስ ዝህሉ: ሓድሓደ ግዜ ብቐሊሉ ክትጭነቕ ወይ ክትድቈስ ትኽእል ኢኻ። ‘ሓልዮት ሓዳር’ ነቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዝነበረና ቅንእን ሞሳን ክሓንቆ ይኽእል ኢዩ። (ሉቃስ 21:⁠34, 35፣ ማርቆስ 4:⁠18, 19) ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና ‘ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርና’ ናይ ምሕዳግ ሓደጋ ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ። (ራእይ 2:⁠1-4) ገለ መዳያት ናይቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዘሰልቹ ክዀነና ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቅንኢ ህያው ኰይኑ ንኽቕጽል መጽሓፍ ቅዱስ ዘድሊ ምትብባዕ ዝህበና ብኸመይ ኢዩ፧

ኣብ ልብና ከም “ዚነድድ ሓዊ”

5, 6. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ናይ ምስባኽ መሰሉ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

5 እቲ የሆዋ ብሕድሪ ዝሃበና ኣገልግሎት ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝዀነ ከም ተራ ነገር ገይርካ ዝርአ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንስብከት ናይቲ ብስራት ኣዝዩ ዓቢ መሰል ገይሩ ይርእዮ ነበረ: ንገዛእ ርእሱ እውን ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምቕባል ዘይትበቅዕ ገይሩ ረኣያ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንኣይ: ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል: እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ: እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ። እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ።”​—⁠ኤፌሶን 3:⁠8, 9

6 ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ዝዀነና። ኣብታ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ “ብናይ ርእሰይሲ . . . ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ [“ሃንቀውታ ኣሎኒ:” NW  ]” በለ። በቲ ብስራት ኣይሓፍርን ነበረ። (ሮሜ 1:⁠15, 16) ቅኑዕ ኣረኣእያ ነይርዎ ኢዩ: ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ድማ ሃንቀውታ ነበሮ።

7. ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘጠንቀቐ፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ብቕንኢ ምቕጻል ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ: ስለዚ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ: ብመንፈስ ተቓጸሉ: ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ” ኢሉ መዓዶም። (ሮሜ 12:⁠11) እታ “ምህካይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ዘይንጡፍ: ስራሕ ዝጸልእ” ዝብል ሓሳብ ዝሓቘፈት ኢያ። ኣብ ኣገልግሎትና ዘይንህከ ክንከውን ንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ብመንፈስ ዘይንጡፋት ንኸውን ከም ዘሎና ዝሕብር ዝዀነ ይኹን ናይ ፈለማ ምልክት እንተ ተራእዩ ኵልና ተጠንቂቕና ክንከታተሎ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልክታት ምስ እንርኢ ኸኣ ግቡእ ምትዕርራይ ክንገብር ኣሎና።​—⁠ምሳሌ 22:⁠3

8. (ሀ) ኣብ ልቢ ኤርምያስ “ከም ዚነድድ ሓዊ” ዝነበረ እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ኤርምያስ እንታይ ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል፧

8 ክንሕለል ከሎና መንፈስ ኣምላኽ እውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነብዪ ኤርምያስ ተሓሊሉ ነይሩ ኢዩ: ነቲ ዕዮ ትንቢት እውን ከቋርጾ ሓሲቡ ነበረ። ሕሉፍ ሓሊፉ ብዛዕባ የሆዋ “ኣይክዝክሮን: ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ” ኢሉ ኢዩ። እዝስ ኤርምያስ ከቢድ መንፈሳዊ ድኻም ከም ዝነበሮ ዝሕብር ድዩ፧ ኣይፋሉን። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: እቲ ኤርምያስ ዝነበሮ ሓያል መንፈሳውነት: ንየሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ: ከምኡውን ንሓቂ ዝነበሮ ቅንኢ ነብዪ ኰይኑ ንኽቕጽል ሓይሊ ሂብዎ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “[ቃል የሆዋ] ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ: ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ: ግናኸ ኣይኰነለይን።” (ኤርምያስ 20:⁠9) እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሳሕቲ ናይ ምሕላል ስምዒት ምስ ዘጋጥሞም ዘይባህርያዊ ኣይኰነን። እንተ​ዀነ ግን: የሆዋ ክሕግዞም እንተ​ድኣ ጸልዮም: ድሌት ልቦም ብምፍላጥ መንፈስ ቅዱሱ ብናጻ ኢዩ ዝህቦም፣ እዚ ዝኸውን ግን ከም ኤርምያስ ቃሉ ኣብ ልቦም እንተ​ድኣ ሃልዩ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 11:⁠9-13፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠8

“መንፈስ ኣይተጥፍኡ”

9. መንፈስ ቅዱስ ኣባና ንኸይዓዪ ብኸመይ ክንዕንቅጾ ንኽእል፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ “መንፈስ ኣይተጥፍኡ” ኢሉ መዓዶም። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠19) እወ: ኣንጻር ስርዓታት ኣምላኽ ዝዀነ ተግባራትን ኣረኣእያን መንፈስ ቅዱስ ኣባና ንኸይዓዪ ክዕንቅጾ ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠30) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብስራት ናይ ምስባኽ መዝነት ኣለዎም። ነዚ መሰል እዚ ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣሎና። እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ሰባት ነዚ ዕዮ ስብከትና ብንዕቀት እንተ ረኣይዎ ኣየገርመናን ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ኰነ ኢሉ ንኣገልግሎቱ ሸለል እንተ​ድኣ ኢሉ ግን ነቲ ከም ሓዊ እናነደደ ዝድርኽ ሓይሊ ኣምላኽ ከጥፍኦ ይኽእል ኢዩ።

10. (ሀ) ብጻይና ሰብ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ብኸመይ ክጸልወና ይኽእል፧ (ለ) ኣብ 2 ቈረንቶስ 2:⁠17 ብዛዕባ ኣገልግሎትና እንታይ ክብ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

10 ገለ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ንኣገልግሎትና ከም ምዕዳል ጽሑፋት ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ካልኦት ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወፈያታት ንኽቕበሉ ኢዮም ካብ ቤት ናብ ቤት ዝኸዱ ኣብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ይበጽሑ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክጸልወና እንተ​ድኣ ፈቒድናሉ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝህልወና ኣሳልጦ ክቕንሶ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ክጸልወና ኣብ ክንዲ እንፈቕደሉ: ነቲ የሆዋን የሱስን ኣብ ኣገልግሎትና ዘለዎም ኣረኣእያ ንሓዝ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎ ክብ ዝበለ ኣረኣእያ ገለጸ:- “ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ አሎና እምበር: ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሐዋውሱ ኣይኰንናን።”​—⁠2 ቈረንቶስ 2:⁠17

11. ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ እውን ከይተረፈ ቀናኣት ኰይኖም ክቕጽሉ ዘኽኣሎም እንታይ ኢዩ: ኣብነቶምከ ብኸመይ ኢዩ ዝጸልወና፧

11 ድሕሪ ሞት የሱስ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ መስጐጕቲ ኣጋጠሞም: ምጕብዕባዕ ወረዶም: ስብከት ከቋርጹ ኸኣ ትእዛዝ ተዋህቦም። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ቅዱስ መልኡ: ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ” ብምባል ብዛዕባኦም ይነግረና። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠17, 21, 31) እቲ ድሕሪ ገለ ዓመታት ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ ቃላት ነቲ ክርስትያናት ክህልዎም ዘለዎ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ የንጸባርቕ። ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር: መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን እሞ: . . . ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር: ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱሩ ኣይትሕፈር።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠7, 8

ንብጾትና ሰባት እንታይ ዕዳ ኣሎና፧

12. ነቲ ብስራት እንሰብከሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

12 ንኣገልግሎትና ግቡእ ኣረኣእያ ምእንቲ ክህልወና: ቅኑዕ ድራኸ ክሓድረና ኣለዎ። ስለምንታይ ኢና እንሰብኽ፧ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ተገሊጹ ኣሎ:- “[ዎ የሆዋ ቅዱሳንካ] ኪባርኹኻ እዮም። ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ: ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ: ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም።” (መዝሙር 145:⁠10-12) እወ: ንየሆዋ ብጋህዲ ንኽንውድሶን ንስሙ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቅሰብ ንኽንቅድሶን ኢና እንሰብኽ። ዋላ እውን ሒደት እንተ ሰምዑና: ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ብተኣማንነት ምእዋጅና ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ ኢዩ።

13. ንኻልኦት ናይ ድሕነት ተስፋ ክንነግሮም ዝድርኸና እንታይ ኢዩ፧

13 ብተወሳኺውን: ንሰባት ስለ እነፍቅሮምን ናይ ደም ገበነኛታት ንኸይንኸውንን ኢና እንሰብኽ። (ህዝቅኤል 33:⁠8፣ ማርቆስ 6:⁠34) እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ብምባል እተዛረቦ ቃላት ምስዚ ዝዛመድ ኢዩ:- “ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ።” (ሮሜ 1:⁠14) ፍቓድ ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን” ስለ ዝዀነ: ጳውሎስ ንኻልኦት ሰባት እቲ ብስራት ንኽሰብኽ ዕዳ ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) ሎሚ ኣብ ሰባት ተመሳሳሊ ፍቕርን ግዴታን ይስምዓና ኢዩ። እቲ የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ: ኣብ ክንድኦም ምእንቲ ኽመውት ንወዱ ናብ ምድሪ ኽሰዶ ደረኾ። (ዮሃንስ 3:⁠16) እዚ ዓቢ መስዋእቲ ኢዩ ነይሩ። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መስዋእቲ የሆዋ እተመርኰሰ ናይ ድሕነት ብስራት ንምንጋር ግዜናን ጻዕርናን ምስ እነጥፍእ ንፍቕሪ የሆዋ ንቐድሖ ኣሎና።

14. መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘላ ዓለም ብኸመይ ይገልጻ፧

14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ናይቲ ክርስትያናዊ ሕውነት ኣባላት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም። ብትብዓት ክንሰብኽ ኣሎና: እቲ ትብዓትና ግን ጐነጽ እተሓወሶ ኣይኰነን። ከም ሓቂ እንተ​ድኣ ዀይኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓለም ብሓፈሻኡ ክዛረብ ከሎ ተሪር ቃላት ይጥቀም ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ”ን “ዓለማዊ ትምኒትን” ክዛረብ ከሎ ነታ “ዓለም” እትብል ቃል ብኣሉታዊ መገዲ ኢዩ ተጠቒሙላ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠19፣ ቲቶስ 2:⁠12) ብተወሳኺውን: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት “ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ” ኣብ ዝመላለስሉ ዝነበሩ እዋን ብመንፈስ “ምዉታት” ምንባሮም ኣዘኻኸሮም። (ኤፌሶን 2:⁠1-3) እዚ መግለጺታት እዝን ነዚ ዝመስል ካልእን ምስቲ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ኢያ ተታሒዛ ዘላ’ ዝብል ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ ቃላት ዝሰማማዕ ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:⁠19

15. ብዛዕባ እቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ዝመጸ እንታይ ኢና ዘይንገብር: ስለምንታይከ፧

15 እንተ​ዀነ ግን: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት ብሓፈሻ ነታ ካብ ኣምላኽ ርሒቓ ዘላ ዓለም እምበር ንውልቀ⁠-​ሰባት ከም ዘየመልክት ኣይትረስዕ። ክርስትያናት ዝዀነ ይኹን ውልቀ⁠-​ሰብ ነቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም ዝቕበሎ ኣቐዲሞም ኣይፈርዱን ኢዮም። ንዝዀነ ይኹን ውልቀ⁠-​ሰብ ካብ ኣጣል ምዃኑ ንምውሳን ዘኽእሎም መሰረት የብሎምን። የሱስ “ነባጊዕ” ካብ “ኣጣል” ክፈላልየን ምስ መጸ እቲ ውጽኢት እንታይ ከም ዝኸውን ምዝራብ ናትና ግደ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 25:⁠31-46) የሱስ ደኣ እምበር ንሕና ኣይኰንናን ፈረድቲ ክንከውን እተሾምና። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ዝኸፍአ ኣነባብራ ዝነበሮም ገለ ሰባት እውን ከይተረፉ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ክቕበሉ: ክልወጡ: ከምኡውን ጽፉፍ ናብራ ክርስትና ክነብሩ ከለዉ ካብ ተመክሮታት ርኢና ኢና። ስለዚ: ምስ ገለ ውልቀ⁠-​ሰባት ሕብረት ክንገብር ዘይንደሊ ንኸውን እኳ እንተ ዀንና: ኣጋጣሚ ምስ እንረክብ ብዛዕባ ናይታ መንግስቲ ተስፋ ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይንብልን ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ገና ዘይኣመንቲ ከለዉ “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ገለ ውልቀ⁠-​ሰባት ይዛረብ ኢዩ። እዚኣቶም ኣብ መወዳእታ ኣመንቲ ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48) ምስክርነት ከይሃብና ንህይወት ዘለኣለም እተመደበ መን ምዃኑ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምናልባት እውን ደጋጊምና ምስክርነት ክንህብ የድልየና ይኸውን ኢዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና ገለ ካባታቶም ነቲ ናይ ህይወት መልእኽቲ መልሲ ይህብሉ ይዀኑ ዝብል ተስፋ ብምግባር ነቶም ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ገና ዘይተቐበሉ ውልቀ⁠-​ሰባት “ብህድኣት” ከምኡውን “ብዓሚቝ ኣኽብሮት” ኢና እንቐርቦም።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠25፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠15 NW

16. “ክእለት ኣመሃህራ” ከነማዕብል ካብ ዝገብሩና ምኽንያታት ሓደ እንታይ ኢዩ፧

16 ከም መምህር መጠን ክእለት ምምዕባል ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዘሎና ሃንቀውታ የዛይዶ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ዘሐጕስ ጸወታ ወይ ዓይነት ስፖርት ብኸመይ ከም ዝጽወት ንዘይፈልጦ ሰብ ኣይስሕቦን ይኸውን። ጽቡቕ ገይሩ ክጻወት ንዝኽእል ሰብ ግን ባህ ኢዩ ዘብሎ። ብተመሳሳሊ እውን: እቶም “ክእለት ኣመሃህራ” ዘማዕብሉ ክርስትያናት እቲ ካብ ኣገልግሎት ዝረኽብዎ ሓጐስ ወሰኽ ይገብር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2 NW፣ ቲቶስ 1:⁠9) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ኢሉ መዓዶ:- “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር።” (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15) ክእለት ኣመሃህራና ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧

17. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝርከብ ፍልጠት ብኸመይ ኢና ‘ባህጊ’ ከነሕድር እንኽእል: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠትከ ኣብ ኣገልግሎትና ክጠቕመና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

17 ሓደ መገዲ ተወሳኺ ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ: ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” ብምባል የተባብዓና ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠2) ጥዕና ዘለዎ ሕጻን ብተፈጥሮኡ ጸባ ይብህግ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ‘ባህጊ’ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ፍልጠት ከሕድር የድልዮ ይኸውን ኢዩ። ነዚ ድማ ጽቡቕ ናይ መጽናዕትን ንባብን ልማድ ብምዅስኳስ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 2:⁠1-6) ክኢላታት መምህራን ቃል ኣምላኽ ክንከውን እንተ​ድኣ ዄንና ጻዕርን ርእስኻ ምቕጻዕን የድሊ: እዚ ጻዕርታት እዚ ግን ዓስቢ ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ ካብ ምምርማር ዝመጽእ ሓጐስ ነቲ እተማሃርናዮ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እንቃጸልን ንኻልኦት ንምንጋር ህንጡያት ከም እንኸውንን ይገብረና።

18. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ቃል ኣምላኽ ብቕንዕና እነማቕል ንኽንከውን ብኸመይ ከዕጥቐና ይኽእል፧

18 ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ንቓል ኣምላኽ ብውሕሉል መገዲ ከም እንጥቀመሉ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ኣብ ህዝባዊ ዝርርባትን ካልእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምይይጣትን ጥቕስታት ክንበብ ከሎ: መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ክንከታተል ሰናይ ኢዩ። ንዅሉ ኣብ ኣኼባታት ዝቐርብ ክፍልታት ብፍላይ ከኣ ነቲ ምስ ዕዮ ስብከትና ዝተሓሓዝ ተጠንቂቕና ክንከታተሎ ጥበብ ኢዩ። ንረብሓ ናይቲ ብመርኣያታት ዝቐርብ ፈጺምና ኣትሒትና ክንርእዮ የብልናን: ስለዚ ኣቓልቦና ምእንቲ ኸይስረቕ ምጥንቃቕ የድልየና ይኸውን። ኣብዚ እውን ርእስኻ ምቕጻዕን ኣትኵሮን የድሊ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንእምነትና ይሃንጾ: ንቓል ኣምላኽ ከም እንብህጎ ይገብር: ከምኡውን ህንጡያት ኣወጅቲ ናይቲ ብስራት ንኽንከውን የሰልጥነና ኢዩ።

ኣብ ሓገዝ የሆዋ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና

19. ኣብ ዕዮ ስብከት ብቐጻሊ ምክፋል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 እቶም ‘ብመንፈስ ዝቃጸሉን’ ነቲ ብስራት ክእውጁ ዝህንጠዩን ክርስትያናት ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምክፋል ይጽዕሩ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16) ልክዕ ኢዩ: ኵነታትና ይፈላለ ኢዩ: ኵሎም ክርስትያናት ድማ ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ማዕረ ግዜ ከሕልፉ ኣይክእሉን ኢዮም። (ገላትያ 6:⁠4, 5) እንተ​ዀነ ግን: ምናልባት ካብቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዝሓልፍ ጠቕላላ ግዜ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝኸውን እቲ ምድግጋም ናይቲ ብዛዕባ ተስፋና ንኻልኦት እንዛረቦ ነገር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠1, 2) ዝያዳ ብዝሰበኽና መጠን ኣገዳስነት ናይዚ ዕዮ እዚ ብዝያዳ ይርድኣና። (ሮሜ 10:⁠14, 15) ነቶም ተስፋ ዘይብሎም ግን ከኣ ዝጕህዩን ዝትክዙን ቅኑዓት ሰባት ብቐጻሊ ምስ እንረኽቦም ርህራሀናን ድንጋጽናን እናዓበየ ይኸይድ።​—⁠ህዝቅኤል 9:⁠4፣ ሮሜ 8:⁠22

20, 21. (ሀ) ገና ዝጽበየና ዘሎ ስራሕ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንጻዕርታትና ብኸመይ ይድግፎ ኣሎ፧

20 የሆዋ ነቲ ብስራት ሕድሪ ሂቡና ኢዩ። እዚ እቲ ከም ‘መዓይይቱ’ ኴንና ክንሰርሕ እተዋህበና ናይ መጀመርታ መዝነት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠6-9) ነዚ ኣምላኽ ዝሃበና ሓላፍነት ብምሉእ ነፍስና ማለት ብዘላትና ዓቕሚ ንምፍጻም ህንጡያት ኢና። (ማርቆስ 12:⁠30፣ ሮሜ 12:⁠1) ሕጂ እውን ገና ንሓቂ ጽምእን ቅኑዕ ዝንባለን ዘለዎም ሰባት ኣብ ዓለም ኣለዉ። ብዙሕ ክዕየ ዘለዎ ዕዮ ኣሎ: እንተ​ዀነ ግን ኣገልግሎትና ክንምልእ ከሎና ኣብ ናይ የሆዋ ሓገዝ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:⁠5

21 የሆዋ መንፈሱ ይህበና: በቲ ‘መንፈስ ሰይፊ’ ዝዀነ ቃሉ ገይሩ እውን የዕጥቐና ኢዩ። ብሓገዝ የሆዋ ኣፍና ከፊትና ‘ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክንነግር’ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 6:⁠17-20) ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝጸሓፈሎም ብዛዕባና እውን ከምኡ ዝበሃል ይግበሮ:- “እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን።” (1 ተሰሎንቄ 1:⁠5) እወ: ነቲ ብስራት ብሃንቀውታ ንኣውጅ!

ሓጺር ድግማ

• ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቅንኢ ብሰንኪ ሓልዮት ሓዳር እንታይ ክኸውን ይኽእል፧

• ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ዘሎና ድሌት ኣብ ልብና ከም “ዚነድድ ሓዊ” ክኸውን ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧

• ብዛዕባ ኣገልግሎት እንታይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኢና ከነርሕቕ ዘሎና፧

• ብሓፈሽኡ ነቶም ከምዚ ናትና እምነት ዘይብሎም ሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧

• ኣብ ዕዮ ስብከት ቀናኣት ኴንና ንኽንቅጽል የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዘና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ንናይ ጳውሎስን ኤርምያስን ቅንኢ ይቐድሕዎ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ሃንቀውታ ካብታ ንኣምላኽን ሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ዝምንጭ ኢዩ