ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ብዙሓት ሃገራት ጸዋሪ ብርሃን

ናይ ብዙሓት ሃገራት ጸዋሪ ብርሃን

ታሪኽ ህይወት

ናይ ብዙሓት ሃገራት ጸዋሪ ብርሃን

ታሪኽ ናይ ጆርጅ ያንግ ሩት ያንግ ኒኮልሰን ዘዘንተወቶ

“ኣብ መድረኽ ስብከትና ዘይዝረብ ድኣ እሞ ስለምንታይ ኢዩ፧ . . . እዚ ዝጸሓፍክዎ ሓቂ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽና ዘይንዛረበሉ እንተ​ድኣ ዄንና እንታይ ዓይነት ሰባት ኢና ክንበሃል፧ እዚ ህዝቢ መሃይም ኰይኑ ከም ዝቕጽል ኣይንግበር: የግዳስ ነታ ሓቂ ብዘይ​ምምኽናይን ብዘይ​ምሽፍፋንን ንኣውጅ።”

 እዘን ቃላት እዚኣተን ክፍሊ ናይታ ኣቦይ ስሙ ካብ መዝገብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክስረዝ ዝሓተተላ 33 ገጽ ዘለዋ ደብዳበ ኢየን። እዚ ዝዀነ ብ1913 ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ነቲ ንብዙሓት ሃገራት ጸዋሪ ብርሃን ኰይኑ ንኸገልግል ዘኽኣሎ ብዙሕ ንጥፈታት ዝመልኦ ናብራ ጀመረ። (ፊልጲ 2:⁠15) ንእሽቶ ከለኹ ኣትሒዘ ናይ ኣቦይ ተመክሮታት ካብ ኣዝማደይን ካብ ታሪኻዊ ጽሑፋትን ኣኪበ ኢየ: ፈተውተይ ድማ ንታሪኽ ህይወቱ ንኸተኣሳስሮ ሓጊዞምኒ ኢዮም። ህይወት ኣቦይ ብብዙሕ መገዲ ንሃዋርያ ጳውሎስ የዘኻኽረኒ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ዝነበረ: ኣቦይ እውን ንናይ የሆዋ መልእኽቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ደሴትን ናብ ዝርከቡ ሰባት ምእንቲ ከብጽሕ ንምጋሽ ኵሉ ሳዕ ድሉው ነበረ። (ሮሜ 11:⁠13፣ መዝሙር 107:⁠1-3) ብዛዕባ ጆርጅ ያንግ ዝበሃል ኣቦይ እስኪ ከዘንትወልኩም።

እተን ቀዳሞት ዓመታት

ኣቦይ ካብቶም ስኮትላንዳውያን ፕረስባይተርያን ዝነበሩ ጆን ያንግን ማርጋሬት ያንግን ዝወለድዎም ኣወዳት እቲ ዝነኣሰ ነበረ። ብ8 መስከረም 1886 ተወልደ: ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ እታ ስድራ​ቤት ካብ ኤድንበርግ: ስኮትላንድ ናብታ ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ እትርከብ ብሪትሽ ኮሎምቢያ ገዓዘት። እቶም ሰለስተ ካብኡ ዝዓብዩ ኣሕዋቱ ማለት ኣሌክሳንደር: ጆን: ከምኡውን ማልከም ሒደት ዓመታት ኣቐዲሞም ኣብ ስኮትላንድ ኢዮም ተወሊዶም። እታ ነሊ ብዝብል ናይ ቅብጥሮት ስም ዝጽውዑዋ ዝነበሩ ካብ ኵሎም እቶም ኣወዳት ዝነኣሰት ማርያን እትብሃል ሓብቶም: ካብ ኣቦይ ብኽልተ ዓመት ትንእስ ነበረት።

እቶም ቈልዑ ኣብታ ጥቓ ቪክቶሪያ: ብሪትሽ ኮሎምቢያ እትርከብ ሳኒች ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ዝነበረ ሕርሻ ኢዮም ዓብዮም: ጽቡቕ እዋን ድማ ኢዮም ኣሕሊፎም። እንተ​ዀነ ግን: ሓላፍነት ምስካም እውን ተማሂሮም ኢዮም። ስለዚ: ወለዶም ናብ ቪክቶሪያ በጺሖም ክምለሱ ኸለዉ: ዕዮ ገዛ ተወዲኡ እቲ ቤት ድማ ጸፊፉ ይጸንሖም ነበረ።

ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣቦይን ኣሕዋቱን ኣብ ዕደናን ንግዲ ዕንጨይትን ተገዳስነት ከሕድሩ ጀመሩ። እቶም ኣወዳት ከም ኣናደይቲ ዕንጨይቲ (ብዙሕ ምህርቲ ዕንጨይቲ ክርከቦ ዝኽእል መሬት ዝምርምሩ) ከምኡውን ከም ዓደግትን ሸየጥትን ዕንጨይቲ ጽቡቕ ስም ኣትረፉ። ነቲ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዘካይዶ ዝነበረ ኣቦይ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ኣቦይ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ስለ ዝነበሮ: ኣገልጋሊ ናይ ፕረስባይተርያን ክኸውን ወሰነ። እንተ​ዀነ ግን: ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ቐዳማይ ፕረዚደንት ናይ ጽዮን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ትራክትን ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣብ ጋዜጣታት ዘውጽኦ ዝነበረ ስብከት ኣብ ህይወቱ ዓቢ ጽልዋ ኣሕደረሉ። እቲ እተማህሮ ነታ ኣብ መእተዊ እተጠቐሰት ናይ ስንብታ ደብዳበ ንኽጽሕፍን ንኽልእኽን ደረኸቶ።

ኣቦይ ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ ከምኡውን ኣምላኽ ንነፍሲ ሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም የሳቒ ኢዩ ዝብል ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ትምህርትታት ሓሶት ምዃኑ ንምርግጋጽ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብሕያውነት ግን ከኣ ብንጹር ይጥቀመሉ ነበረ። ብተወሳኺውን: ናይ ስላሴ ሰረተ⁠-​እምነት መበቈሉ ካብ ክርስትና ከም ዘይኰነን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዋላ ሓንቲ ደገፍ ከም ዘይብሉን መርትዖ ብምቕራብ የቃልዕ ነበረ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ከም የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ክእለቱን ጕልበቱን ብትሕትና ንኽብሪ የሆዋ ብምሃብ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ተጸምደ።

ብ1917 ኣቦይ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ካብቶም ሽዑ ፒልግሪም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ገየሽቲ ተወከልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ። ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ካናዳ ዝርርብ ሃበ: ነታ ብተንቀሳቓሲ ፊልምን ስላይድን እተዳለወት “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” (እንግሊዝኛ) እትበሃል ከኣ ኣቕረበ። ኣቦይ ዝርርብ ንምሃብ ኣብ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣደራሻት ይመልእ ነበረ። መደብ ናይቲ ፒልግሪም ኰይኑ ከገልግል ከሎ ዝገብሮ ዝነበረ ምብጻሕ ክሳዕ 1921 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ይወጽእ ነበረ።

ሓንቲ ኣብ ዊኒፔግ እትሕተም ጋዜጣ እቲ ወንጌላዊ ያንግ ን2,500 ሰባት ዝርርብ ከም ዝሃበ: ክንድኦም ዝኣኽሉ ኸኣ እቲ ኣደራሽ ስለ ዝመልአ ቦታ ስኢኖም ከም እተመልሱ ጸብጻብ ሃበት። ኣብ ኦተዋ “ናብ ሲኦል ምእታውን ምውጻእን” ዘርእስቱ ዝርርብ ሃበ። ኣብዚ ቦታ እዚ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ: ጆርጅ ያንግ ኣብ ሓደ መስርዕ ተር ኢሎም ንዝነበሩ ካህናት ናብቲ መድረኽ ደይቦም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ምስኡ ንኽዘራረቡ ዓደሞም: እንተ​ዀነ ግን ዋላ ሓደ ካብኣቶም ምዕይ ዝበለ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢየ ሓቂ ከም ዝረኸብኩ ዝፈለጥኩ።”

ኣቦይ ፒልግሪም ኰይኑ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ምብጻሕ ብእተኻእሎ መጠን ብዙሕ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክፍጽም ይጽዕር ነበረ። ድሕርዚ: ናብቲ ቀጺሉ ክበጽሖ መደብ እተገብረሉ ቦታ ንምኻድ ባቡር ከይተምልጦ ይጓየ ነበረ። ብመኪና ክጓዓዝ እንተ​ድኣ ዀይኑ ቅድሚ ቍርሲ ኣንጊሁ ኢዩ ናብቲ ዝቕጽል ምብጻሕ ዝገብረሉ ቦታ ንምኻድ ዝነቅል። ኣቦይ በቲ ዝነበሮ ቅንኢ ጥራይ ዘይኰነስ ሓላዪ ብምዃኑ እውን ጽቡቕ ስም ኣትሪፉ ኢዩ: ብክርስትያናዊ ተግባራቱን ልግስንኡን ድማ ፍሉጥ ነበረ።

ካብቲ ንሱ እተኻፈሎ ናይ ቀደም ዓበይቲ ኣኼባታት ብፍላይ እቲ ብ1918 ኣብ ኢድመንተን: ኣልበርታ እተገብረ ዘይርሳዕ ኢዩ ነይሩ። ነሊ ኣብቲ ግዜ እቲ ስለ እተጠምቀት ኵሎም ኣባላት ስድራ​ቤቱ ተረኺቦም ነበሩ። እቶም ኣወዳት ንመወዳእታ ግዜ እተኣኻኸቡላ ግዜ እውን ኢያ ነይራ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ማልከም ብነድሪ⁠-​ሳምቡእ ሞተ። ማልከም ከምቶም ሰለስተ ኣሕዋቱን ኣቦኡን ተስፋ ሰማያዊ ህይወት ነበሮ: ኵሎም ከኣ ክሳዕ ዕለት ሞቶም ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ኢዮም።​—⁠ፊልጲ 3:⁠14

ናብ ወጻኢ ሃገራት ምኻድ

ኣብ መስከረም 1921 ኣቦይ ኣብ ምሉእ ካናዳ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ስብከት መገሻታት ምስ ወድአ: እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ናብ ደሴታት ካሪብያን ክኸይድ መምርሒ ሃቦ። ኣቦይ ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ኣብ ዘቕረባ ቦታታት ኵሉ ተቐባልነት ረኸበት። ኣብ ትሪንዳድ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ቦታ መሊኡ ኢዩ ነይሩ: ብዙሓት ሰባት ድማ ተመሊሶም ኢዮም። ንጽብሒቱ ምሸት እቲ ህንጻ ብሰባት ክሳዕ ኣፉ መሊኡ ነበረ።”

ድሕርዚ: ብ1923 ኣቦይ ናብ ብራዚል ክኸይድ ተመደበ። ኣብኡ ድማ ብተደጋጋሚ ንብዙሓት ተኣከብቲ ዝርርብ ሂቡ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ እውን ዝኽፈሉ ተርጐምቲ ይጥቀም ነበረ። እታ ናይ 15 ታሕሳስ 1923 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ሓው ያንግ ካብ 1 ሰነ ክሳዕ 30 መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን ብድምሩ 3,600 ተኣከብቲ እተረኽቡሉ 21 ህዝባዊ ኣኼባታት ከምኡውን 1,100 ተኣከብቲ እተረኽቡሉ 48 ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ገይሩ ኢዩ: ብቛንቋ ፖርቱጋል እተዳለወ 5,000 ጽሑፋት ብናጻ ዓዲሉ ኢዩ።” ኣቦይ ነታ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዝርርብ ምስ ኣቕረበ ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ኣሕዲሮም ኢዮም።

ብ8 መጋቢት 1997 ኣብ ብራዚል ሓድሽ ህንጻ ክውፈ ኸሎ እታ ንናይ ወፈያ ፕሮግራም እተዳለወት ብሮሹር ከምዚ ትብል ነበረት:- “1923:- ጆርጅ ያንግ ናብ ብራዚል መጸ። ኣብ ማእከል ሪዮ ዲ ጃንየሮ ኸኣ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣቘመ።” ሽሕኳ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብቛንቋ ስጳኛ ዝርከብ እንተ ነበረ: ዝበዝሐ ህዝቢ ብራዚል ዝዛረበሉ ግን ቋንቋ ፖርቱጋል ስለ ዝዀነ በዚ ቋንቋ እዚ ጽሑፋት ምድላው ኣድላዪ ኰነ። ስለዚ: ካብ 1 ጥቅምቲ 1923 ኣትሒዙ ግምቢ ዘብዐኛ ብቛንቋ ፖርቱጋል ክሕተም ጀመረ።

ኣቦይ ኣብ ብራዚል ብዙሕ ዘይሃስስ ተዘክሮ ዝገደፈ ምሕዝነት መስሪቱ ኢዩ። ሓደ ካብዚ ምስቲ ቤቱ ኣኼባታት ክግበረሉ ዝወፈየ ጃሲንቱ ፒመንተል ካበራል ዝበሃል ሃብታም ፖርቱጋላዊ ሰብኣይ ዝነበሮ ርክብ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ጃሲንቱ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ተቐበለ: ጸኒሑ ድማ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰነ። ካልእ ድማ ምስቲ ሓላው ኣታኽልቲ ዝነበረ ማንወል ዳ ሲልቫ ዦርዳው ዝበሃል መንእሰይ ፖርቱጋላዊ ዝነበሮ ርክብ ኢዩ። ኣቦይ ዘቕረቦ ህዝባዊ ዝርርብ ምስ ሰምዐ: ናብ ፖርቱጋል ተመሊሱ ሓደ ካብቶም ሽዑ ኮልፖርተር ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንኽኸውን ድራኸ ኣሕደረሉ።

ኣቦይ ኣብ ምሉእ ብራዚል ብባቡር ነዊሕ ጕዕዞ ገይሩ ኢዩ: ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ምርካብ እውን ተዓዊቱ ኢዩ። ኣብ ሓደ ካብ መገሻታቱ ምስ ቦኒ ግሪንን ካታሪና ግሪንን ዝስሞም ሰብኣይን ሰበይትን ተራኸበ: ቅዱሳት ጽሑፋት እናገለጸሎም ከኣ ምስኣቶም ዳርጋ ክልተ ሰሙን ገበረ። ድሕርዚ ካብታ ስድራ​ቤት ዳርጋ ሸውዓተ ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ከም ዝወፈዩ ብማይ ጥምቀት ኣርኣዩ።

ብ1923 ከኣ ምስ ሴራ በሎና ፈርጊሰን ተራኸበ። ብ1867 ንእሽቶ ጓል ከላ ምስ ኤራስሙስ ፊዩልተን ስሚዝ ዝበሃል ሓዋን ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራኣን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ብራዚል ገዓዘት። ካብ 1899 ኣትሒዙ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብቐጻሊ ብጶስጣ ይመጻ ነበረ። ኣቦይ ናብኡ ምኻዱ ንሴራ ምስ ኣርባዕተ ደቃን እታ ኣቦይ ሳሊ ኢሉ ዝጸውዓ ዘመዶምን እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ናይ ጥምቀት ኣጋጣሚ ንኽረኽብዎ ኣኽኣሎም። እዚ ዝዀነ ብ11 መጋቢት 1924 ኢዩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ኣቦይ ኣብ ካልኦት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከባ ሃገራት ክሰብኽ ጀመረ። ብ8 ሕዳር 1924 ካብ ፔሩ “ሕጂ ኣብ ሊማ ከምኡውን ካያኦ 17,000 ትራክት ዓዲለ ወዲአ” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ ትራክትታት ንምዕዳል ናብ ቦሊቭያ ከደ። ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቦና ነዚ ጻዕሪ እዚ ይባርኾ ኣሎ። ሓደ ህንዳዊ ሓጊዙኒ ኢዩ። ቤቱ ኣብ ጥቓ ምንጪ ኣማዞን ኢዩ። ምስኡ 1,000 ትራክትታትን ገለ መጻሕፍትን ተማሊኡ ኣሎ።”

ኣቦይ ብዝገበሮ ጻዕሪ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ተዘሪኡ ኢዩ። ናይ 1 ታሕሳስ 1924 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ሃበት:- “ጆርጅ ያንግ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ገይሩ ኣሎ። . . . ነዚ መልእኽቲ ሓቂ ናብታ ኣብ ስትረይትስ ኦቭ ማጀላን እትርከብ ፑንታ ኣሪናስ እትበሃል ከተማ ናይ ምብጻሕ መሰል ረኺቡ ኢዩ።” ብተወሳኺውን: ኣቦይ ኣብ ከም ኮስታ ሪካ: ፓናማ: ከምኡውን ቬንዝዌላ ዝኣመሰላ ሃገራት ናይ ዝግበር ዕዮ ስብከት ፈላሚ ኰይኑ ኢዩ። ዋላ እኳ ሕማም ዓሶ ሒዛቶ ጥዕና እንተ ሰኣነ: ስብከቱ ግን ኣየቋረጸን።

ቀጺሉ ናብ ኣውሮጳ

ኣብ መጋቢት 1925 ኣቦይ ብመርከብ ገይሩ ናብ ኣውሮጳ ከደ: ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ከኣ 300,000 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክትታት ንምዕዳልን ሓው ራዘርፎርድ ህዝባዊ ዝርርብ ምእንቲ ክህብ ምድላው ንኽገብረሉን ተስፋ ገይሩ ነበረ። ኣብ ስጳኛ ምስ በጽሐ ግን ነቲ ዝነበረ ሃዋሁ ናይ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ኣብ ግምት ብምእታው ሓው ራዘርፎርድ ነቲ ዝርርባት እንተ ዘይሃበ ይሓይሽ ብምባል ሓሳቡ ገለጸ።

ሓው ራዘርፎርድ ንኢሳይያስ 51:⁠16 ጠቒሱ ከምዚ ኢሉ መልሲ ጸሓፈሉ:- “ንሰማያት ክተኽሎም: ንምድሪ ኸኣ ክስርታ: ንጽዮን ድማ: ንስኺ ህዝበይ ኢኺ: ክብልሲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ: ብጽላል ኢደይውን ከወልኩኻ።” ኣቦይ ነዚ ምስ ኣንበበ: “ፍቓድ ጐይታ: ኣነ ስርሐይ ክቕጽል: ዝተረፈ ኸኣ ኣብ ኢዱ ክገድፎ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ” ብምባል ደምደመ።

ብ10 ግንቦት 1925 ሓው ራዘርፎርድ ብሓደ ተርጓሚ ገይሩ ኣብ ባርሴሎና ኣብ ዝርከብ ኖቨዳደስ ትያትር ዝበሃል ኣደራሽ ዝርርብ ሃበ። ነቲ ናይ መንግስቲ በዓል ስልጣንን ሓደ ኣብ መድረኽ ዝነበረ ፍሉይ ሓላውን ሓዊስካ ልዕሊ 2,000 ዝዀኑ ተኣከብቲ ነበሩ። ኣብ ማድሪድ እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣኼባ ተገብረ: 1,200 ዝዀኑ ተኣከብቲ ድማ ነበሩ። እቲ ካብዚ ዝርርባት እዚ እተለዓዓለ ተገዳስነት ኣብ ስጳኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናብ ምምስራት መርሐ: እዚ ድማ ከምቲ ናይ 1978 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ዝበለቶ “ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጆርጅ ያንግ” ኢዩ ተገይሩ።

ብ13 ግንቦት 1925 ሓው ራዘርፎርድ ኣብ ሊዝቦን: ፖርቱጋል ዝርርብ ሃበ። እቶም ካህናት ብምጭዳርን መናብር ብምስባርን ነቲ ኣኼባ ክርብሹ እኳ እንተ ፈተኑ: እቲ እተገብረ ምብጻሕ ግን ዓቢ ዓወት ኢዩ ነይሩ። ደድሕሪ እቲ ሓው ራዘርፎርድ ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝሃቦ ዝርርባት: ኣቦይ ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ” ምቕራብ ቀጸለ: ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ከኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሑፋት ንኽሕተምን ንኽዝርጋሕን ምድላዋት ገበረ። ብ1927 እቲ ብስራት “ኣብ ኵለን ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ስጳኛ ተሰቢኹ ኢዩ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ።

ኣብ ሕብረት ሶቭየት ምስባኽ

እታ ኣቦይ ቀጺሉ ሚስዮናዊ ኰይኑ እተመደበላ ሃገር ሕብረት ሶቭየት ኢያ ነይራ: ብ28 ነሓሰ 1928 ድማ ናብታ ሃገር ከደ። ብ10 ጥቅምቲ 1928 ዝጸሓፋ ደብዳበ ገለ ክፋላ ከምዚ ይንበብ:-

“ናብ ሩስያ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዘ ብውዕዉዕ ስምዒት ‘መንግስትኻ ትምጻእ’ ኢለ ብሓቂ ክጽሊ እኽእል ኢየ። ነቲ ቋንቋ ቀስ ብቐስ እመሃሮ ኣለኹ። እቲ ዝትርጕመለይ ሰብ ኣይሁዳዊ እኳ እንተ​ዀነ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዝኣምንን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘፍቅርን ስለ ዝዀነ ፍልይ ዝበለ ሰብ ኢዩ። ገለ ባህ ዘብል ተመክሮታት ኣጋጢሙኒ ኣሎ: ክንደይ ግዜ ክጸንሕ ከም ዝፍቀደለይ ግን ኣይፈልጥን ኢየ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክወጽእ ዝሕብር መጠንቀቕታ ተቐቢለ ነይረ: እንተ​ዀነ ግን እቲ ጸገም ስለ እተፈትሐ ክጸንሕ ክኢለ ኣለኹ።”

ኣብታ ሕጂ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ካርኮፍ እትበሃል ኣገዳሲት ከተማ ምስ ዝርከቡ ገለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተራኸበ: እቲ ዝገበሩዎ ውዕዉዕ ምልውዋጥ ሓሳባት ድማ ናይ ሓጐስ ንብዓት ከም ዝነብዑ ገይርዎም ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ንእሽቶ ኣኼባ ይግበር ነበረ። ጸኒሑ: ኣቦይ ብዛዕባ እቲ ምስዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ዝገበሮ ኣኼባታት ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ ደብዳበ ከምዚ ትብል:- “መሳኪን ኣሕዋት: እተን ሒደት መጻሕፍቶም በቶም ተጻረርቲ ሰበ⁠-​ስልጣን እኳ እንተ ተሃገራ: ገና ግን ሕጕሳት ኢዮም።”

እቲ ኣቦይ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዝገበሮ ኣገልግሎት ኣብታ ብ21 ሰነ 1997 ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ: ሩስያ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ጨንፈር መሳለጥያታት ክውፈ ኸሎ ንዝነበሩ ሰባት እተዓደለት ፍልይቲ ብሮሹር ጐሊሑ ኣሎ። እታ ብሮሹር ኣቦይ ናብ ሞስኮ ከም እተላእከ ገለጸት ከምኡውን “ኣብ ሩስያ ዝዕደል 15,000 ቅዳሓት ናይተን ፍሪደም ፎር ዘ ፒፕልስ ከምኡውን ዌር ኣር ዘ ደድ፧ ዘርእስተን ንኣሽቱ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ንኸሕትም” ፍቓድ ከም ዝረኸበ ጸብጻብ ሃበት።

ኣቦይ ካብ ሩስያ ምስ ተመልሰ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፒልግሪም ኰይኑ ከገልግል ተመደበ። ነተን ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ፔሩ ሚስዮናውያን ኰይነን ዘገልገላ ነሊና ፑልን ቬርዳ ፑልን ዝበሃላ ብስጋ ኣሓት ኣብ ደቡብ ዳኮታ በጽሐን። ነቲ ኣቦይ ብዘይ​ምሕላል ዝገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎት ዘለወን ዓሚቝ ሞሳ ከምዚ ብምባል ገለጻ:- “ናይ ቀደም ኣሕዋት ኣብ ዓለም ዘጥረይዎ ሒደት ነገራትን ንየሆዋ ብዘለዎም ፍቕሪ ዝመልአት ልብን ሒዞም ናብ ወጻኢ ሃገራት ይኸዱ ስለ ዝነበሩ ብርግጽ ናይ ፓይነር መንፈስ ነይርዎም ኢዩ። እዚ ኢዩ ኸኣ ነቲ ዕዮኦም ክፍጽሙ ዝደረኾም።”

መርዓን ካልኣይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡን

ንነዊሕ ዓመታት ኣቦይ ምስታ ኣብ ደሴት ማኒተውሊን: ኦንታሪዮ ትነብር ዝነበረት ክላራ ሀበርት ይጸሓሓፍ ነይሩ ኢዩ። ክልቲኦም ኣብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም እተቐበሉሉ ብ26 ሓምለ 1931 ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተረኺቦም ነይሮም ኢዮም። (ኢሳይያስ 43:⁠10-12) ድሕሪ ሓደ ሰሙን ተመራዓዉ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣቦይ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ጀመረ። ኣብኡ ኣኼባታት ኣብ ምውዳብን ንኻልኦት ካብ ቤት ናብ ቤት ከገልግሉ ኣብ ምስልጣንን ሓገዘ።

ንኣደይ ካብ ሱሪናም: ሰይንት ኪትስ: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ቦታታት ስእልታትን ካርተሊናታትን ደብዳበታትን ይመጻ ነበረ። እቲ ደብዳበታት ብዛዕባ ዕቤት ናይቲ ዕዮ ስብከት ዝሕብር ነበረ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ብዛዕባ ኣብቲ ዝነበሮ ሃገር ዝርከቡ ዓይነት ኣዕዋፍ: እንስሳታት: ከምኡውን ኣታኽልቲ ዝገልጽ ነበረ። ኣብ ሰነ 1932 ኣቦይ ኣብ ደሴታት ካሪብያን እተዋህቦ መዝነት ፈጸመ እሞ ከም ልማዱ ኣብቲ ዝተሓተ ዋጋ ዝኽፈሎ ታሕተዋይ ክፍሊ መርከብ ተሰቒሉ ናብ ካናዳ ተመልሰ። ድሕርዚ: ኣብ ክረምቲ 1932/33 ንሱን ኣደይን ምስ ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኰይኖም ኣብ ከባቢ ኦታዋ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ተኻፈሉ።

ሓጺር ናብራ ስድራ​ቤት

ብ1934 ዴቪድ ሓወይ ተወልደ። ገና ቈልዓ ኸሎ ኣብታ ኣደይ ቆብዓ እተቐምጠላ ዝነበረት ሳንዱቕ ተሰቒሉ “ዝርርብ” ንምሃብ ይለማመድ ነበረ። ንሱ እውን ከም ኣቦኡ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ ዘለዎ ቅንኢ ኣርእዩ ኢዩ። ሰለስቲኦም ነተን ካብ ምብራቓዊ ገማግም ክሳዕ ምዕራባዊ ገማግም ካናዳ ዝርከባ ጉባኤታት ንምብጻሕ ኣብ ልዕሊኣ ናይ ድምጺ መጕልሒ እተገጥመላ መኪና ገይሮም ይጓዓዙ ነበሩ። ብ1938 ኣቦይ ኣብ ብሪትሽ ኮሎምብያ እናገልገለ ኸሎ ኣነ ተወለድኩ። ኣቦይ ብዛዕባይ ናይ ምስጋና ጸሎት ንምቕራብ: ንዓይ ኣብ ዓራት ገይሩ ንሱ: ኣደይ: ከምኡውን ዴቪድ ኣብ ዙርያ እቲ ዓራት ተምበርኪኾም ክጽልዩ ከለዉ ዴቪድ ይዝክሮ ኢዩ።

ኣብ ክረምቲ 1939 ኣቦይ ኣብ ቫንኮቨር ዝነበራ ጉባኤታት ክበጽሕ ከሎ ኣብታ ከተማ ንነብር ነበርና። ካብተን ዝኣከብናየን ብዙሓት ደብዳበታት ሓንቲ ብ14 ጥሪ 1939 ኣቦይ ኣብ ቬርኖን: ብሪትሽ ኮሎምቢያ ከሎ ዝጸሓፋ ኢያ። ናብ ክላራ: ዴቪድ: ከምኡውን ሩት ብምባል ዝጸሓፋ ኰይና “ሕቝፍ ኣቢለ ክስዕመኩም እምነ” ዝብል ተጻሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ንነፍሲ ወከፍና መልእኽቲ ተጻሒፉልና ኣሎ። ኣብቲ ዝነበሮ ቦታ እቲ እኽሊ ብዙሕ ምዃኑ ዓየይቲ ግን ሒደት ምዃኖም ገለጸልና።​—⁠ማቴዎስ 9:⁠37, 38

ኣቦይ ካብቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ቦታ ናብ ቫንኮቨር ምስ ተመልሰ ኣብ ሰሙኑ ኣብ ኣኼባ ወደቐ። ብተኸታታሊ ምርመራ ምስ ተገብረሉ ናይ ሓንጐል መንሽሮ ከም ዘለዎ ተረጋገጸ። ብ1 ግንቦት 1939 ምድራዊ ኣገልግሎቱ ወድአ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነ ጓል ትሽዓተ ወርሒ ነበርኩ: ዴቪድ ድማ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ገይሩ ነበረ። እታ ሰማያዊ ተስፋ ዝነበራ ፍቕርቲ ኣዴና ብ19 ሰነ 1963 ክሳዕ እትመውት ንኣምላኽ እምንቲ ዀይና ቀጺላ ኢያ።

ኣቦይ ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት ሃገራት ብስራት ናይ ምብጻሕ መሰል ከመይ ይስምዖ ከም ዝነበረ ኣብ ሓንቲ ካብተን ነደይ ዝጸሓፈላ ደብዳበታቱ ብጽቡቕ ገሊጽዎ ኣሎ። ገለ ክፋል ናይታ ደብዳበ ከምዚ ይብል:- “የሆዋ ብጸጋኡ ከም ጸዋሪ ብርሃን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይነ ናብዘን ሃገራት እዚኣተን ንኽኸይድ ፈቒዱለይ ኢዩ። ነቲ ቕዱስ ስሙ ውዳሰ ይኹኖ። ብድኻምን ጕድለት ብቕዓትን ክብሩ የንጸባርቕ ኢዩ።”

ሎሚ ደቂ ጆርጅ ያንግን ክላራ ያንግን: ደቂ ደቆም: ከምኡውን እቶም ደቂ ደቆም ዝወለድዎም ውሉዳት ነቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ኣቦይ ነታ ከምዚ ዝስዕብ እትብል ኣብ እብራውያን 6:⁠10 እትርከብ ጥቕሲ ብተደጋጋሚ ይጠቕሳ ምንባሩ ተነጊሩኒ ኢዩ:- ‘ኣምላኽ ንግብርኹምን ንስሙ ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹምን ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።’ ንሕና እውን ናይ ኣቦይ ግብርታት ኣይረሳዕናዮን።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣቦይ (ኣብ የማን ) ምስ ሰለስተ ኣሕዋቱ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣቦይ (ደው ኢሉ ) ምስ ሓው ዉድዎርዝ: ሓው ራዘርፎርድ: ከምኡውን ሓው ማክሚላን

ታሕቲ :- ኣቦይ (ጸጋማይ ጫፍ ) ምስ ሓው ራስልን ካልኦት ሰባትን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣቦይን ኣደይን

ታሕቲ :- ኣብ መዓልቲ መርዓኦም

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣቦይ ምስ ሞተ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ምስ ዴቪድን ኣደይን