ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያን ጓሶት “ልብኹም ኣግፍሑ”!

ክርስትያን ጓሶት “ልብኹም ኣግፍሑ”!

ክርስትያን ጓሶት “ልብኹም ኣግፍሑ”!

 “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን።” ዳዊት በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ኣብ ኣምላኹ ዘለዎ ምሉእ እምንቶ ገሊጹ ኢዩ። የሆዋ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ናብ “ልሙዕ ሸኻ” ከምኡውን ናብ “ዝዐርፈሉ ማይ” ብምወሳድ ‘ብመገዲ ጽድቂ መሪሕዎ’ ኢዩ። ብጸላእቱ ምስ ተኸበ ዳዊት ደገፍን ምትብባዕን ረኺቡ ኢዩ: እዚ ድማ ንየሆዋ “ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ: . . . ክፉእ ኣይፈርህን እየ” ክሳዕ ምባል ኣብጺሕዎ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልዑል ጓሳ ስለ ዝነበሮ ዳዊት “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር . . . ንዘለኣለም ክነብር” ቈሪጹ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 23:⁠1-6

እቲ ሓደ ወዱ ንኣምላኽ እውን ነዚ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ኣብ ህይወቱ ተመኲርዎ ኢዩ: ኣብ እዋን ምድራዊ ህይወቱ ምስ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ድማ ነዚ ሓልዮት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ሕያዋይ ጓሳ:” “ዓብዪ ጓሳ:” “ሓለቓ ጓሶት” ብምባል ይጠቕሶ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠11፣ እብራውያን 13:⁠20፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠2-4

የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ነቶም ዘፍቅርዎም ብዘይ​ምቍራጽ ይጓስይዎም ኢዮም። እዚ ጕስነቶም እዚ ኸኣ ኣብታ ጉባኤ ንኡሳን ጓሶት ብምቛም ኣብ ዝገበርዎ ፍቕራዊ ምድላው ብመጠኑ ተገሊጹ ኢዩ። ጳውሎስ ነዞም ንኡሳን ጓሶት እዚኣቶም ከምዚ ብምባል ተዛሪብዎም ኣሎ:- “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28

ምስቲ የሆዋን ክርስቶስ የሱስን ዝሰርዕዎ ኣብነት ተሰማሚዕካ ነቲ መጓሰ ክትጓሲ ቀሊል ዕዮ እኳ እንተ ዘይኰነ ከምኡ ምግባር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሎሚ ኣገዳሲ ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት እተጠመቑ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሞ ሕሰቡ! እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነዊሕ ዓመታት ብምግልጋል ክመጽእ ዝኽእል መንፈሳዊ ተመክሮ የብሎምን። ብዛዕባ እቶም ገና ቈልዑ ወይ ከኣ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሕሰቡ። ካብ ወለዶም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብታ ጉባኤ ካብ ዘለዉ ንኡሳን ጓሶት እውን ቈላሕታ የድልዮም ኢዩ።

ብርግጽ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ጸቕጢ መዛኑ ሓዊስካ ካብ ወጻኢ እታ ጉባኤ ዝመጾ ጸቕጥታት ኣለዎ። ኵሎም ነቲ ርእስኻ⁠-​ምርዋይ ዘጕልሕ መገዲ ዓለም ክስዕቡ ዝግበረሎም ብርቱዕ ጸቕጢ ክቃለስዎ የድሊ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝርከቡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ሰባት ንመልእኽቶም ዝህብዎ ምላሽ ይንኪ ስለ ዘሎ ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ከቢድ ናይ ጥዕና ግድላት ኣለዎም። ንኻልኦት ከኣ ቍጠባዊ ጸገማት ነታ መንግስቲ ንምቕዳም ንዝነበሮም ድራኸ ከጥፍኣሎም ይኽእል ኢዩ። ብሓቂ እምበኣር ኵልና: እንተላይ እቶም ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርና: ናይ ፈቃራት ጓሶት ሓገዝ የድልየናን ይግብኣናን ኢዩ።

ግቡእ ድራኸ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ልብኹም ኣግፍሑ” ዝብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:⁠11-13) ክርስትያን ሽማግለታት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብቲ ናይ ጕስነት ዕዮታቶም ክስዕብዎ ሰናይ ኢዩ። ነዚ ከመይ ገይሮም ኢዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ፧ እቶም መብዛሕትኦም ጓሶት ክዀኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣገልገልቲ ጉባኤኸ ነዚ ብኸመይ ክገብርዎ ይኽእሉ፧

ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ መጓሰ በረኸት ክዀኑ እንተ​ድኣ ተደልዩ: ሓላፍነቶም ንምፍጻም ብዝብል ስምዒት ጥራይ ኣይኰኑን ክድረኹ ዘለዎም። እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ተዋሂብዎም ኣሎ:- “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን።” (1 ጴጥሮስ 5:⁠2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እምበኣር: ኣሳልጦ ዘለዎ ናይ ጕስነት ዕዮ: ንኻልኦት ንምግልጋል ፍቓደኛ ምዃንን ህንጥዮትን ዝሓትት ኢዩ። (ዮሃንስ 21:⁠15-17) እዚ ኽበሃል ከሎ ኸኣ ንድሌታት እተን ኣባጊዕ ተገንዚብካ ቀልጢፍካ ምላሽ ምሃብ ማለት ኢዩ። ምስ ካልኦት ኣብ እትገብሮ ርክብ ነቲ ፍረ መንፈስ ዝበሃል ክርስትያናዊ ሰናይ ባህርያት ምንጽብራቕ ማለት ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠22, 23

ሓድሓደ ግዜ ጕስነት ንኣሕዋት ኣብ ኣባይቶም ምብጻሕ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። a እቶም ‘ልቦም ዘግፍሑ’ ጓሶት ግን ገዛእ ርእሶም ኢዮም ዝውፍዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ካብቲ ሳሕቲ ዝግበር ናይ ጕስነት ምብጻሕ ንላዕሊ ምግባር ማለት ኢዩ። ንዝረኸብዋ ኣጋጣሚ ነተን ኣብቲ መጓሰ ዘለዋ ኣባጊዕ ንምጕሳይ ኢዮም ዝጥቀሙላ።

ንኻልኦት ጓሶት ክዀኑ ምልምማድ

ዕድሚኡ ብዘየገድስ ነፍሲ ወከፍ ሓው “መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ [“ተመጣጠረ:” NW  ] ሰናይ ግብሪ ግብሪ ይምነ አሎ።” (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ብዙሓት ኣገልገልቲ ጉባኤ ተወሳኺ መሰላት ንምርካብ ክመጣጠሩ ፍታው ከም ዘለዎም ኣርእዮም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ሽማግለታት ነዞም ፍቓደኛታት ኣሕዋት እዚኣቶም ‘ናብ ማዕርግ ኤጲስቆጶስ ክመጣጠሩ’ ኸለዉ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ንኽወስዱ ብሓጐስ ይሕግዝዎም ኢዮም። እዚ ኸኣ ንፉዓት ጓሶት ንኽዀኑ ምልምማዶም ማለት ኢዩ።

ናይ የሆዋ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ልዑል መዐቀኒታት ናይ የሆዋ ጠቢቓ ስለ እትሕልዎ ኣባላታ በቶም ኣብ ህዝቅኤል 34:⁠2-6 ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ሓሶት ጓሶት ኣይተዳኸሙን። እዚኣቶም ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ንዑቓት ኢዮም ነይሮም: ክንዓቑ ኸኣ ዝግብኦም ኢዩ። ነተን መጓሰ ኣብ ክንዲ ዝምግብወን: ንገዛእ ርእሶም ኢዮም ዝምግቡ ነይሮም። ንዝሓመቓ ኣየበራትዑን: ንዝሓመማ ኣይፈወሱን: ንእተሰብራ ኣይዘነኑን: ንእተባረራ ወይ ንዝጠፍኣ ኣይመለሱን። ኣብ ክንዲ ከም ጓሶት ከም ተዃሉ ብምዃን ነተን ኣባጊዕ ገፍዕወን። እተን ዕሽሽ እተባህላ ኣባጊዕ ዝሓልየለን ስኢነን ፋሕ በላ።​—ኤርምያስ 23:​1, 2፣ ናሆም 3:​18፣ ማቴዎስ 9:⁠36

ክርስትያን ጓሶት ግን ከምቶም ዘይእሙናት ጓሶት ዘይኰኑስ ኣብነት የሆዋ ኢዮም ዝስዕቡ። ነተን ኣባጊዕ ናብቲ መንፈሳዊ “ልሙዕ ሸኻ” ከምኡውን ‘ዝዓርፋሉ ማይ’ ብምምራሕ ይሕግዝወን። ንቓል የሆዋ ብግቡእ ንኽርድእኦን ብብሕቲ ኣብ ተግባር ንኸውዕላኦን ብምሕጋዝ ‘ብመገዲ ጽድቂ ንኽመርሕወን’ ይጽዕሩ። ‘ንምስትምሃር ብቑዓት’ ስለ ዝዀኑ ነዚ ብስሉጥ ኣገባብ ክፍጽምዎ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠2

ሽማግለታት ዝህብዎ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ኣብ እዋን ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣብ መድረኽ ኰይኖም ዘቕርብዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሽማግለታት ብብሕቲ ደረጃ እውን ይምህሩ ኢዮም። ገሊኦም ምስ ኣሕዋት ብብሕቲ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ኸለዉ ኣብ ዝህብዎ ትምህርቲ ዝሓሹ ክዀኑ ከለዉ: ካልኦት ከኣ ዝርርብ ክህቡ ኸለዉ ዝያዳ ናይ ምምሃር ክእለት ኣለዎም። እንተ​ዀነ ግን: ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ መዳይ ኣመሃህራ ብዙሕ ክእለት ምስ ዘይህልዎ ከም መምህር መጠን ንዘለዎ ብቕዓት ኣይትንክፎን ኢዩ። ሽማግለታት ነቲ ተኸፊቱሎም ዘሎ ኣጋጣሚታት: ንጕስነት እውን ሓዊስካ: ንኻልኦት ንምምሃር ኢዮም ዝጥቀምሉ። ገሊኡ ጕስነት ዝግበር እተመሓደረ ምብጻሕ ብዝኣመሰለ ወግዓዊ ኣገባብ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ንእግረ⁠-​መገድኻ እውን ጕስነት ክግበር ይከኣል ኢዩ: እዚ ድማ ብዙሕ ረብሓ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።

ኵሉ ግዜ መማህራንን ጓሶትን

ሓደ ዶክተር ዕዮኡ ንኽፍጽም ፍልጠትን ተመክሮን የድልዮ። ይኹን እምበር ሕያውነት: ድንጋጽ: ሓልዮት: ልባዊ ተገዳስነት ምስ ዘርኢ ሕሙማቱ የማስዉሉ ኢዮም። እዚ ባህርያት እዚ ክፍሊ መንነቱ ክኸውን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ንሓደ ንፉዕ መምህርን ጓሳን ክፍሊ ሰብኣዊ መንነቱ​—⁠ክፍሊ መዓልታዊ ህይወቱ​—⁠ክኸውን ኣለዎ። ናይ ሓቂ መምህር ኣብቲ ዘድልየሉ ንሰባት ንምምሃር ድሉው ኢዩ። ምሳሌ 15:⁠23 “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ” ትብለና። እቲ ኣብዚ “ብጊዜኡ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብ መድረኽ ኰይኑ ክዛረብ ከሎ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኽ ከሎ: ወይ ከኣ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ብተሌፎን ክዘራረብ ከሎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዘይ​ዚውን ሓደ ንፉዕ ጓሳ: ጕስነታዊ ምብጻሕ ክገብር ከሎ ጥራይ ዘይኰነስ ኵሉ ግዜ ሓልዮት ዝመልኦ ሰናይ ባህርያት ከንጸባርቕ ኢዩ ዝጽዕር። ‘ልቡ ስለ ዘግፍሕ’ ነተን ኣባጊዕ እቲ ዘድልየን ሓልዮት ኣብ ግዜኡ እናሃበ ንዝረኸባ ኣጋጣሚ ንምጕሳይ ኢዩ ዝጥቀመላ። እዚ ኸኣ ኢዩ ኣብ ኣዒንቲ እተን ኣባጊዕ ተፈታዊ ዝገብሮ።​—⁠ማርቆስ 10:⁠43

ኣብዚ እዋን እዚ ሽማግለ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ቮልፍጋን: ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ምስ ሰበይቱ ዀይኑ ዝገበረሉ ምብጻሕ ይዝክር። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ደቅና በቲ እተገብረሎም ቈላሕታን ዘሕለፍናዮ ባህ ዘብል ግዜን ኣዝዮም ኢዮም ተሓጒሶም። ገና ሕጂውን እንተ​ዀነ ብዛዕብኡ ይዛረቡ ኢዮም።” እወ: እዚ ኣገልጋሊ ጉባኤ እዚ ሓላዪ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ፣ ‘ልቡ ኣግፊሑ’ ኢዩ።

‘ልብኻ ከተግፍሓሉ’ እትኽእል ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ንሕሙማት ብምብጻሕ: ሓጺር ናይ መተባብዒ ቃላት ጽሒፍካ ብምልኣኽ: ወይ ከኣ ተሌፎን ብምድዋል: ኰታ ሓላዪ ምዃንካ ክገልጸሎም ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ብምግባር ኢዩ! ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ሓገዝኩም ለግሱ። ክዛረቡ ምስ ዝደልዩ ጽን ኢልኩም ስምዕዎም። ኣብታ ጉባኤን ኣብ ካልእ ቦታታትን ብዛዕባ እተገብረ ኣወንታውን ባህ ዘብልን ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ተዛረቡ። ኣብቲ ነቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ሰባት ተዳልይሎም ዘሎ ግርማዊ መጻኢ ከተኵሩ ሓግዝዎም።​—2 ቈረንቶስ 4:​16-​18

ኣብ ርእሲ ጕስነታዊ ምብጻሕ

ዕላማ ጕስነት ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ንኣሕዋት ኣብ ገዝኦም ኬድካ ወግዓዊ ጕስነት ምግባር ኣድላዪ እኳ እንተ​ዀነ: ገለ ክፋል ጕስነት ጥራይ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ሓደ ፈቃር ጓሳ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታትን ኵሉ ግዜን ተቐራቢ ብምዃን ‘ልቡ የግፍሕ።’ እቲ ምስ ኣሕዋቱ ዝዅስኵሶ ምዉቕ ርክብ: ኣብ ሓደገኛ ግዜያት እውን ከይተረፈ እቲ ክርስትያን ጓሳ ዝዀነ ፈቃር ሓዎም ከም ዝሓልየሎም ስለ ዝፈልጡ ክፉእ ዘበለ ኣይፈርሁን ኢዮም።​—⁠መዝሙር 23:⁠4

እወ: ኵሉኹም ክርስትያን ጓሶት “ልብኹም ኣግፍሑ።” ንኣሕዋትኩም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ግለጹሎም። ብዝዀነ ይኹን ክትገብርዎ እትኽእሉ ኣገባባት ተጠቒምኩም ብመንፈሳዊ መገዲ ኣተባብዕዎም: ኣሐድስዎም: ህነጽዎም። ብእምነት ክጸንዑ ሓግዝዎም። (ቈሎሴ 1:⁠23) እተን ኣባጊዕ በቶም ‘ልቦም ዘግፍሑ’ ክርስትያን ጓሶት እተባረኻ ስለ ዝዀና ዝጐድለን የብለንን። ከም ዳዊት ኣብ ቤት የሆዋ ንዘለኣለም ክነብራ ክውስና ኢየን። (መዝሙር 23:⁠1, 6) ሓደ ፈቃር ጓሳ ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ጕስነታዊ ምብጻሕ እተዋህበ ርእይቶ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 መስከረም 1993 (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-3፣ ከምኡውን ናይ 15 መጋቢት 1996 ገጽ 24-7 ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ክርስትያን ጓሶት

• ብፍታውን ብታሕጓስን ኢዮም ዘገልግሉ

• ነተን መጓሰ ይምግብወንን ይሓልዩለንን

• ካልኦት ጓሶት ንምዃን ክመጣጠሩ ይሕግዝዎም

• ንሕሙማት ይበጽሑን ይሓልዩሎምን

• ንኣሕዋቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንኽሕግዝዎም ትኩራት ኢዮም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ግራት ኣገልግሎት ይኹን ኣብ ኣኼባታት: ወይ ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ሽማግለታት ኵሉ ግዜ ጓሶት ኢዮም