ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓመታዊ ኣኼባ 7 ጥቅምቲ 2000

ዓመታዊ ኣኼባ 7 ጥቅምቲ 2000

ዓመታዊ ኣኼባ 7 ጥቅምቲ 2000

 ዓመታዊ ኣኼባ ኣባላት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ 7 ጥቅምቲ 2000 ኣብቲ ኣብ ጀርሲ ሲቲ: ኒው ጀርሲ 2932 ኬነዲ ቡልቫርድ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ክግበር ኢዩ። እቶም ኣባላት ጥራይ ዝገብርዎ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ሰዓት 9:15 ቅ.ቐ. ክግበር ኢዩ: ስዒቡ ሰዓት 10:00 ቅ.ቐ. ድማ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ክግበር ኢዩ።

ኣባላት ናይቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዀነ ይኹን ናይ ኣድራሻታት ለውጢ ዝገበርዎ እንተ​ድኣ ኣሎ ዀይኑ: እቲ ናይ ምልክታ ደብዳበን ናይ መምረጺ ወረቐትን ኣብ ሓምለ ምእንቲ ክበጽሖም ነቲ ጸሓፊ ሕጂ ከፍልጥዎ ይግባእ።

እቲ ነቶም ኣባላት ምስቲ ናይ ዓመታዊ ኣኼባ ምልክታ ዝስደደሎም ናይ መምረጺ ወረቐት: ነቲ ናይ ማሕበር ጸሓፊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደንጐየ ቅድሚ 1 ነሓሰ ምእንቲ ክበጽሖ ክምለስ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብኣካል ኣብቲ ኣኼባ ክህሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምጥቃስ ነቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ቀልጢፉ ብምምላእ ክመልሶ ኣለዎ። እቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ብኣካል መን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝርከብ ንምውሳን ዝጠቅም ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ ንጹር ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ፕሮግራም ብምሉኡ: ነቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ኣኼባን ጸብጻብን ሓዊስካ: ሰዓት 1:00 ድ.ቐ. ወይ ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሑ ክውዳእ ትጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ። ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም ኣይክህሉን ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ዘሎና ውሱን ቦታ: ምእታው ብወረቐት ጥራይ ክኸውን ኢዩ። ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ናብ ካልኦት ኣደራሻት ብተሌፎን ናይ ምትሕልላፍ መደብ ኣይክህሉን ኢዩ።