ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራእ

ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራእ

ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራእ

“ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር።”—⁠መክብብ 11:⁠6

1. ሎሚ ክርስትያናት ዘርኢ ዝዘርኡ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧

 ሕርሻ ኣብ ጥንታዊ ሕብረተሰብ እብራውያን ኣገዳሲ ተራ ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ምሉእ ሰብኣዊ ህይወቱ ኣብ ምድሪ ተስፋ ዘሕለፎ የሱስ ብዛዕባ ሕርሻ ዝገልጽ ፍረ ሓሳባት ኣብ ምሳሌታቱ ዘእቱ ዝነበረ። ንኣብነት: ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ምዝራእ ዘርኢ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 13:⁠1-9, 18-23፣ ሉቃስ 8:⁠5-15) ብሕርሻ ኣብ ዝመሓደር ሕብረተሰብ እንነብር ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ: ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ በዚ መገዲ እዚ መንፈሳዊ ዘርኢ ምዝራእ ክርስትያናት ክገብርዎ ካብ ዝኽእሉ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣድላዪ ዝዀነ ዕዮ ኢዩ።

2. ዕዮ ስብከትና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ: ነዚ ንምፍጻምከ ገለ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዝግበር ዘሎ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

2 ኣብዚ መወዳእታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣብ ምዝራእ ግደ ክህልወካ ዓቢ መሰል ኢዩ። ሮሜ 10:⁠14, 15 ንኣገዳስነት ናይዚ ዕዮ እዚ ጽቡቕ ገይራ ኢያ እትገልጾ:- “ብዘይ​ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ: ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ: ዚብል ጽሑፍ: እንተ ዘይተላእኩስ: ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ኣብ ምፍጻም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዝና ንቕድሚት ምስጓም ከም ሎሚ ገይሩ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይፈልጥን። ስለዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋትን ብ340 ቋንቋታት ኣብ ምድላውን ምዝርጋሕን ምሉእ ብምሉእ ተጸሚዶም ኣለዉ። ነዚ ጽሑፋት እዚ ንምድላው ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈትን ዝዓዩ ልዕሊ 18,000 ወለንተኛታት ኣለዉ። ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምዝርጋሕ ይካፈሉ ኣለዉ።

3. ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝራእ እንታይ ኢዩ ዝዕመም ዘሎ፧

3 ፍረ ናይዚ ጻዕሪ እዚ እንታይ ኢዩ፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ክርስትና ዝነበረ ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ሓቂ ይቕበሉ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠41, 46, 47) ካብ ብዝሒ ናይቶም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንላዕሊ ዘገድስ ግን እዚ ሰፊሕ ዕዮ ምስክርነት ንቕድስና ስም የሆዋ ከምኡውን ንሱ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠9) ብተወሳኺ: ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ንህይወት ብዙሓት የመሓይሽን ናብ ድሕነት ይመርሖምን ኣሎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠47

4. ሃዋርያት ብዛዕባ እቶም ዝሰብኩሎም ዝነበሩ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ይሓልዩ ነበሩ፧

4 ህይወት ንምርካብ ብስራት ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ሃዋርያት ምሉእ ብምሉእ ይርድእዎ ነይሮም ኢዮም: ብዛዕባ እቶም ዝሰብኩሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ ይስገጉ ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ እዚ ነገር እዚ ኣብ ቃላቱ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ:- “ከምዚ: ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።” (1 ተሰሎንቄ 2:⁠8) ጳውሎስን ካልኦት ሃዋርያትን ኣብ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቀኛ ሓልዮት ብምርኣይ ነቶም ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ኣጸቢቖም እቱዋት ዝዀኑ የሱስን ሰማያውያን መላእኽትን ይቐድሕዎም ነበሩ። እዞም ሰማያውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝራእ ዘበርክትዎ ኣገዳሲ ተራ ንመርምር: እጃምና ንምፍጻም ከኣ ኣብነቶም ብኸመይ ከም ዘበራትዓና ንርአ።

የሱስ​—⁠እቲ ዘራኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ

5. የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብቐዳምነት ኣብ ኣየናይ ዕዮ ኢዩ ተጸሚዱ ዝነበረ፧

5 የሱስ ፍጹም ሰብኣይ ከሎ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ብስጋዊ መገዲ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ናይ ምግባር ሓይሊ ነበሮ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ብዙሕ ግጉይ ናይ ሕክምና ኣረኣእያታት ከዐርዮ ምኸኣለ: ወይ ከኣ ኣብ ካልእ መዳያት ስነ⁠-​ፍልጠት ንናይ ደቅሰብ ምርዳእ ከሰጕሞ ምኸኣለ። እንተ​ዀነ ግን: ስብከቱ ክጅምር ከሎ ኣትሒዙ መዝነቱ ነቲ ብስራት ምስባኽ ምዃኑ ኣነጺሩ ኢዩ። (ሉቃስ 4:⁠17-21) ኣገልግሎቱ ናብ ምውዳእ ክገማገም ከሎ ድማ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በለ። (ዮሃንስ 18:⁠37) ስለዚ: ንገዛእ ርእሱ ንዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝራእ ትሕዝቲ ገበራ። ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ምምሃር ካብ ዝዀነ ይኹን ክህቦም ዝኽእል ዝነበረ ካልእ ትምህርቲ ንላዕሊ ዘገድስ ነበረ።​—⁠ሮሜ 11:⁠33-36

6, 7. (ሀ) የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ እንታይ ዘደንቕ መብጽዓ ኢዩ ዝኣተወ: ብኸመይከ ኢዩ ዝፍጽሞ ዘሎ፧ (ለ) እቲ የሱስ ንዕዮ ስብከት ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ኢዩ ብብሕቲ ዝትንክፈካ፧

6 የሱስ ንገዛእ ርእሱ ከም ዘራኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ገይሩ ገለጻ። (ዮሃንስ 4:⁠35-38) ኣብ ዝረኸቦ ዅሉ ኣጋጣሚ ንዘርኢ ናይቲ ብስራት ዘሪኡ ኢዩ። ኣብ ዕንጨይቲ ኣብ ጻዕረ ሞት ከሎ እውን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ እትህሉ ምድራዊት ገነት ብስራት ነጊሩ ኢዩ። (ሉቃስ 23:⁠43) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: እቲ ብስራት ክስበኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ድሌት ኣብቲ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ምስ ሞተ ኣየብቀዐን። ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንሃዋርያት ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራእ ክቕጽሉ ከምኡውን ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ኣዘዞም። ድሕርዚ: ከምዚ ብምባል ሓደ ዘደንቕ መብጽዓ ኣተወሎም:- “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19, 20

7 የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ንዕዮ ስብከት ናይቲ ብስራት “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ንምሕጋዝ: ንምምራሕ: ከምኡውን ንምክልኻል መብጽዓ ኣተወ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ክሳዕ እዚ ግዜና የሱስ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብብሕቲ ተገዳስነት ኣለዎ። ንሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝራእ ሓላፍነት ዘለዎ መራሒና ኢዩ። (ማቴዎስ 23:⁠10) ከም ርእሲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መጠን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ነዚ ዓለም​ለኻዊ ዕዮ እዚ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ኣለዎ።​—⁠ኤፌሶን 1:⁠22, 23፣ ቈሎሴ 1:⁠18

መላእኽቲ ዘሐጕስ ዜና ይእውጁ

8, 9. (ሀ) መላእኽቲ ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ሓቀኛ ተገዳስነት ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣብ መድረኽ ትያትር ኢና ዘሎና ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

8 የሆዋ ንምድሪ ኽፈጥራ ኸሎ መላእኽቲ ‘ሓቢሮም ኣመስጊኖምን እልል ኢሎምን’ ኢዮም። (እዮብ 38:⁠4-7) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ሰማያውያን ፍጥረታት ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርእዮም ኢዮም። የሆዋ ናብ ደቅሰብ መለኮታዊ ኣዋጃት ንምትሕልላፍ ተጠቒምሎም ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠20) ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ግዜና ዝግበር ዘሎ ምዝርጋሕ ናይቲ ብስራት እቱዋት ምዃኖም እተረጋገጸ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ እተዋህቦ ራእይ “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነ​ብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም [“ዘሐጕስ ዜና ክእውጀሎም:” NW  ] ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ . . . መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ” ረኣየ። እቲ መልኣኽ “ብብርቱዕ ድምጺ . . .፤ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ: በለ።”​—⁠ራእይ 14:⁠6, 7

9 መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ ‘ኵላቶም ንኣገልግሎት እቶም ምድሓን ክወርሱ ዘለዎም ዝለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት’ ኢልዎም ኣሎ። (እብራውያን 1:⁠14) መላእኽቲ ብሃንቀውታ እተመዘዝዎ ዕዮ ክፍጽሙ ከለዉ: ንዓናን ንዕዮናን ናይ ምዕዛብ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ዕዮና ክንፍጽም ከሎና ኣብ ቅድሚ ሰማያውያን ተዓዘብቲ ኣብ ሓደ ቅሉዕ ዝዀነ መድረኽ ትያትር ከም ዘለዉ ተዋሳእቲ ኢና። (1 ቈረንቶስ 4:⁠9 NW  ) ኣብቲ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዝራእ ዕዮ ንበይንና ንዓዪ ከም ዘየለና ምፍላጥሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣርዚንና ክንሪኦ ዘሎናን ዘሐጕስን ኰን ኢዩ!

ብሃንቀውታ ኢና ግደና እንፍጽም

10. ኣብ መክብብ 11:⁠6 ዝርከብ ተግባራዊ ምኽሪ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነትና ክውዕል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

10 የሱስን መላእኽትን ኣብ ዕዮና ኣጸቢቖም ዝግደሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ የሱስ “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ: እብለኩም አሎኹ” ብምባል ሓደ ምኽንያት ሂቡ ኣሎ። (ሉቃስ 15:⁠10) ንሕና እውን ተመሳሳሊ ሓቀኛ ተገዳስነት ኣብ ሰባት ኣሎና። ስለዚ: ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ቦታ ንምዝራእ ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና። እተን ኣብ መክብብ 11:⁠6 ዘለዋ ቃላት ኣብ ዕዮና ክውዕላ ይኽእላ ኢየን። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይምዕደና:- “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል: እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ: ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር።” ልክዕ ኢዩ: ሓደ ሰብ ንመልእኽትና ክቕበል ከሎ ብኣማእታት ወይ እውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ክነጽግዎ ይኽእሉ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ልክዕ ከም መላእኽቲ ዋላ እውን ‘ሓደ ሓጥእ’ ንናይ ድሕነት መልእኽትና ምስ ዝቕበል ንሕጐስ ኢና።

11. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ምጥቃም ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል፧

11 ስብከት ናይቲ ብስራት ብዙሕ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ብዙሕ ሓጋዚ ኰይኑ ዘሎ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሕተም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኢዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት እዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ፈቐድኡ ምስ እተበተነ ዘርኢ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ኣበይ ከም ዝበቍል ኣይንፈልጥን ኢና። ሓድሓደ ግዜ ገሊኡ ጽሑፋት ዘንብቦ ሰብ ቅድሚ ምርካቡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ይኽእል ኢዩ። የሱስን መላእኽትን እውን ከይተረፉ ኣብ ገለ እዋናት ንረብሓ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኢሎም ነዚ ፍጻመታት ይመርሕዎ ይዀኑ ኢዮም። የሆዋ ንሰባት ብእተዓደለ ጽሑፍ ገይሩ ትጽቢት ዘይተገብረሉን ኣደናቕን ውጽኢታት ንኽህሉ ብኸመይ ንነገራት ክመርሖም ከም ዝኽእል ዝሕብር ገለ ተመክሮታት እስከ ርአ።

ዕዮ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ

12. ሓንቲ ናይ ቀደም መጽሔት: ንሓንቲ ስድራ​ቤት ንየሆዋ ንኽትፈልጦ ብኸመይ ኢያ ዝጠቐመታ፧

12 ኣብ 1953 ሮበርትን ላይላን ምስ ደቆም ካብ ሓደ ዓቢ ከተማ ናብ ሓንቲ ኣብ ገጠራዊ ክፍሊ ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ዝዓነወት ኣረጊት ቤት ገዓዙ። ናብታ ቤት ምስ ገዓዙ ብዙሕ ከይጸንሐ ሮበርት ኣብ ትሕቲ መሳልል ኣብ እተሸጎጠ ክፍሊ ዓይኒ ምድሪ ክሰርሕ ሓሰበ። ገለ ጣዋሉ ምስ ኣውጽአ ብድሕሪ እቲ መንደቕ ኣናጹ ዝኣከብኦ ጭርምራም ወረቓቕትን ቅራፍ ካዕካዕን ካልእ ቀንጠመንጥን ረኸበ። ምስቲ ጐሓፍ ሓንቲ ቅዳሕ ናይ ዘ ጐልደን ኤጅ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ረኸበ። ንሮበርት ብፍላይ እታ ብዛዕባ ቈልዑ ምዕባይ እትገልጽ ዓንቀጽ ተገዳስነት ኣሕደረትሉ። በቲ ኣብታ መጽሔት ዝረኸቦ ንጹርን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን መምርሒ ኣጸቢቑ ስለ እተመሰጠ ንላይላ ኣባላት “ናይ ዘ ጐልደን ኤጅ ሃይማኖት” ክዀኑ ምዃኖም ነገራ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ቤት ከዱ: ሮበርት ግን እታ ስድራ​ቤት ኣብ “ናይ ዘ ጐልደን ኤጅ ሃይማኖት” እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ተገዳስነት ከም ዘይብላ ነገሮም። እታ ዘ ጐልደን ኤጅ እትበሃል መጽሔት ንቕሑ! ዝብል ሓድሽ ስም ከም እተዋህባ እቶም መሰኻኽር ነገርዎ። ሮበርትን ላይላን ስርዓታውያን ኰይኖም ምስቶም መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ: ኣብ መወዳእታ ድማ ተጠምቁ። ንሳቶም እውን ብግዲኦም ኣብ ደቆም ዘርኢ ሓቂ ዘርኡ እሞ ብበረኸት ድማ ዓጸዱ። ሎሚ ንዅሎም እቶም ሸውዓተ ደቂ ሮበርትን ላይላን ሓዊስካ ልዕሊ 20 ኣባላት እዛ ስድራ እዚኣ እተጠምቁ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ኢዮም።

13. ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንኸሕድሩ ዝደረኾም እንታይ ነበረ፧

13 ቅድሚ 40 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ዊልያምን አዳን ዝበሃሉ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቶም መጺኦም ክዅሕኵሑ ከለዉ ኣብ ቤት ከም ዘየለዉ የምስሉ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ዊልያም ኣብ ቤቱ ንምጽጋን ክጥቀመሉ ዝደለዮ ኣቕሓ ክገዝእ ናብ ዕዳጋ ሓራጅ ከደ። ካብቲ ዕዳጋ ቀቅድሚ ምውጽኡ ኣብ ሓደ ዓቢ እንዳ ጐሓፍ ሓንቲ ሓውሲ ቐጠልያ ዝሕብሩ ገበር ዘለዋ መጽሓፍ ረኣየ። እታ መጽሓፍ ረልጅን (እንግሊዝኛ) ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኰይና ብ1940 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢያ። ዊልያም ነታ መጽሓፍ ናብ ቤቱ ሒዝዋ ከደ እሞ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ሓሶትን ሓቀኛን ሃይማኖት ዘሎ ፍልልይ ተመሲጡ ኣንበቦ። ድሕርዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ቤት ምስ ከዱ ዊልያምን አዳን ተሓጒሶም ነቲ መልእኽቲ ሰምዑ: ምስኦም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብቲ ብ1958 እተገብረ “መለኮታዊ ፍቓድ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ ተጠምቁ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ንልዕሊ 50 ዝዀኑ ሰባት ክፍሊ ክርስትያናዊ ሕብረትና ክዀኑ ሓጊዞም ኢዮም።

14. ኣብዚ ተመክሮ እዚ ከም እተራእየ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና እንታይ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎ፧

14 ካርል ገና ወዲ 11 ዓመት ከሎ መትከኽ ዝዀነ ባህርይ ኢዩ ነይርዎ። ንህውከት ዝመልኦ ናብራ ናተይ ኢሉ ዝሓዞ ኢዩ ዝመስል። እቲ ሰባኺ ሜቶዲስት ዝነበረ ጀርመናዊ ኣቦኡ እኩያት ምስ ሞቱ ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዝቃጸሉ ምሂርዎ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ካርል ገሃነም እሳት ኣጸቢቑ የፍርሆ ነበረ። ብ1917 ሓደ መዓልቲ ካርል ኣብ ጽርግያ ሓንቲ ወረቐት ረኣየ እሞ ኣልዓላ። ከንብባ ምስ ጀመረ ኣዒንቱ ቀልጢፈን ኣብታ “ገሃነም እሳት እንታይ ኢዩ፧” እትብል ሕቶ ኣተኰራ። እታ ወረቐት እቲኣ በቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሎሚ ግና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ናብ እተዳለወ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ዝወሃብ ህዝባዊ ዝርርብ እትዕድም ነበረት። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ: ካርል ንሓያለይ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ተጠምቀ እሞ ሓደ ካብ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ። ብ1925 ኣብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዓዪ ተጸውዐ: ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣብኡ የገልግል ኣሎ። እዚ ሓው ንዝፍጽሞ ዘሎ ልዕሊ ሰማንያ ዓመታት ዝገበረ ክርስትያናዊ ዕዮ ብሓንቲ ኣብ ጽርግያ ተደርብያ ዝነበረት ወረቐት ኢዩ ጀሚሩ።

15. የሆዋ ዝበቅዕ ሰብ እንተ​ድኣ ርእዩ እንታይ ክገብር ይኽእል፧

15 ልክዕ ኢዩ: መላእኽቲ ኣብዚ ተመክሮታት እዚ ብቐጥታ ዝዋስኡ እንተ ዀይኖምን ክሳዕ ክንደይ ከም እተዋስኡን ምፍላጥ ካብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ንላዕሊ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስን መላእኽትን ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ከም ዝዋስኡ ከምኡውን የሆዋ ዝበቅዕ ሰብ ምስ ረኣየ ንነገራት ከጠዓዕሞ ከም ዝኽእል ፈጺምና ክንጠራጠር የብልናን። እዝን ካልእ ምስዚ ዝመሳሰል ብዙሕ ተመክሮታትን ንጽሑፋትና ምስ ዓደልናዮ ኣወንታዊ ፍረ ክህልዎ ከም ዝኽእል ኢዩ ዘርእየና።

መዝገብ ብሕድሪ ተዋሂቡና ኣሎ

16. ካብተን ኣብ 2 ቈረንቶስ 4:⁠7 ዘለዋ ቃላት እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

16 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ “መዝገብ . . . ኣብ ኣቕሓ መሬት” ተዛሪቡ ኣሎ። እቲ መዝገብ ንኽንሰብኽ ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ኢዩ: እቲ ኣቕሓ መሬት ከኣ እቶም የሆዋ ነቲ መዝገብ ብሕድሪ ዝሃቦም ደቅሰብ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይፍጹማትን ዓቕሞም ድሩትን ስለ ዝዀኑ: ከምዚ ዝኣመሰለ መዝነት ክወሃቡ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት ጳውሎስ ክገልጽ ከሎ “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን” ኢሉ ተዛረበ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠7) እወ: ነዚ ተዋሂቡና ዘሎ ዕዮ ንምፍጻም ዘኽእለና ሓይሊ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።

17. ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ክንዘርእ ከሎና እንታይ ከጓንፈና ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ስለምንታይ ኢና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክንሕዝ ዘሎና፧

17 መብዛሕትኡ እዋን መስዋእትታት ክንገብር ኣሎና። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ምግልጋል ኣጸጋሚ ወይ ዘይምቹእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ምንም ተገዳስነት ዘይብሎም: ሕሉፍ ሓሊፉ ኸኣ ተጻረርቲ ዘለዉዎ ዝመስል ቦታታት ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከባቢታት ብዘይ​ ገለ ዝርአ ፍረ ብዙሕ ጻዕሪ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘለዉ እቲ እንገብሮ ጻዕሪ ዝግባእ ኢዩ። እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ንሰባት ሕጂ ሓጐስ: ኣብ መጻኢ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከምጽኣሎም ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። ብዙሕ ግዜ እተን “ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር: እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ” ዝብላ ቃላት ናይ መዝሙር 126:⁠6 ሓቂ ምዃነን ኣመስኪረን ኢየን።

18. ንኣገልግሎትና ቀጻሊ ኣቓልቦ ክንገብረሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና: ስለምንታይከ ኢና ከምኡ ክንገብር ዘሎና፧

18 ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብልግሲ ንምዝራእ ንነፍሲ ወከፍ ዝምችእ ኣጋጣሚ ንጠቐመሉ። ነቲ ዘርኢ እንዘርእን ማይ እነስትን ንሕና እኳ እንተ ዀንና: እቲ ዘብቍል ግን ኣምላኽ ምዃኑ ፈጺምና ኣይንረስዕ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠6, 7) ይኹን እምበር: ከምቲ የሱስን መላእኽትን ኣብቲ ዕዮ ዘለዎም እጃም ዝፍጽሙ: ንሕና እውን ኣገልግሎትና ክንምልእ የሆዋ ትጽቢት ይገብረልና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠5) ንትምህርትና: ንኣረኣእያና: ከምኡውን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ሃንቀውታ ብቐጻሊ ነቕልበሉ። ስለምንታይ፧ ጳውሎስ “እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ብምባል ይምልሰልና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

እንታይ ኢና ተማሂርና፧

• እቲ ናይ ምዝራእ ዕዮና ብኸመይ ኢዩ ጽቡቕ ፍረ ዘፍሪ ዘሎ፧

• ሎሚ የሱስ ክርስቶስን መላእኽትን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ዝካፈሉ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧

• ከም ዘራእቲ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ኣስፊሕና ክንዘርእ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ኣብ ኣገልግሎትና ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር ምስ ዘጋጥመና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ክድርኸና ዘለዎ እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ሓረስቶት ጥንታዊት እስራኤል: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብሰፊሑ ኢዮም ዝዘርኡ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብዙሕ ዓይነት ጽሑፋት ብ 340 ቋንቋታት የዳልዉን ይዝርግሑን