ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዎዶ ይኽእል፧

ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዎዶ ይኽእል፧

ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዎዶ ይኽእል፧

 ናይ ሓቂ ዋጋ ናይ ሓደ ነገር ኵሉ ግዜ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ተገሊጹ ዘሎ ኣሃዝ ኣይኰነን ዝፍለጥ። እቲ ዝለዓለ ቅርሺ ዶላር ኣመሪካ 10,000 ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን ዋጋ ናይቲ እዛ ቅርሺ እዚኣ ተሓቲማትሉ ዘላ ቍራጽ ወረቐት ሒደት ሰናቲም ጥራይ ኢዩ ዘውጽእ።

ብዙሕ ዋጋ ዘይብሉ ቍርጽራጽ ወረቐት ንህይወትካ ናይ ሓቂ ትርጕም ክህቦ ይኽእል ኢዩ ኢልካዶ ሓሲብካ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ከም ዝኽእል ኢዮም ዝሓስቡ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብዝከኣሎም መጠን ብዙሕ ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ ለይትን መዓልትን ይሰርሑ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ገንዘብ ንምርካብ ዝገብርዎ ምጕያይ ንጥዕንኦም: ንኣዕሩኾም: አረ ስድራ​ቤቶም እውን ከይተረፈ ከም ዝስውኡ ይገብሮም። እንታይ ረብሓኸ ይረኽቡ፧ ገንዘብ ወይ እቲ ብገንዘብ ክርከብ ዝኽእል ነገራት ናይ ሓቅን ነባርን ዕግበት የምጽእዶ ኢዩ፧

ብመሰረት እቲ ተማራመርቲ ዝብልዎ: ካብ ንዋታዊ ጥሪት ዕግበት ንምርካብ ምስ እንጽዕር: ክንረኽቦ ዘይመስል ኢዩ። ኣልፊ ኮን እተባህለ ጋዜጠኛ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይድምድም:- “ዕግበት ክዕደግ ዝኽእል ነገር ኣይኰነን። . . . እቶም ኣብ ህይወቶም ንብልጽግና ቀዳምነት ዝህቡ ሰባት ፍልይ ዝበለ ዓቕሊ ጽበትን መንፈስ ጭንቀትን የጋጥሞም ከምኡውን ብዙሕ ጥዕና ኣይህልዎምን።”​—⁠ኢንተርናሽናል ሄራልድ ትሪብዩን (እንግሊዝኛ)

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ገንዘብ ካብ ምህላው እተፈልየ ነገር ከም ዝሓትት ተማራመርቲ እንተ ተገንዘቡ እኳ ብዙሓት ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ ግን ኣንጻር እዚ ኢዩ። እዚ ዘገርም ኣይኰነን ምኽንያቱ እቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብ3,000 ዝኸውን ረክላማት ናይ ምጕባእ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ረክላም ብዛዕባ መካይን ይኹን ብዛዕባ ካራመለ ብዘየገድስ እቲ መልእኽቱ ‘ነዚ ዓድግ እሞ ዝያዳ ኽትሕጐስ ኢኻ’ ዝብል ኢዩ።

ብዘይ​ምቍራጽ ንዋታዊ ረብሓ ንምርካብ ድፍእ ምባል እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧ እቲ ዘገርም: ብዙሕ ግዜ መንፈሳዊ ረብሓታት ሸለል ኢዩ ዝብሃል! ብመሰረት መጽሔት ኒውስዊክ (እንግሊዝኛ) ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እቲ ናይ ኮሎን ጀርመን ሊቀ⁠-​ጳጳ​ሳት “ኣብ ሕብረተሰብና ኣምላኽ ኣብ ኣርእስቲ ኣይኣቱን ኢዩ” ብም​ባል ገለጸ።

ምናልባት ንስኻውን ናብራኻ ንምጥጣእ ምሉእ ሓይልኻ ወፊኻ ትኸውን ኢኻ። ንኻልእ ነገር ግዜ ዘለካ ዀይኑ ኣይስምዓካን ይኸውን። ይኹን እምበር ሓድሓደ ግዜ ህይወት ካብቲ ጥዕናኻ ወይ ዕድሜኻ ብኢድካ ክሳዕ ዝሕዘካ እትገብሮ ተደጋጋሚ ነገር ዝበልጽ ዘለዎ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

ንመንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ቈላሕታ ምስ እትህብ ዝያዳ ዕግበት የምጽኣልካዶ ይኸውን፧ ንህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ዝህቦ እንታይ ኢዩ፧