ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዎ ዝኽእለሉ መገዲ

ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዎ ዝኽእለሉ መገዲ

ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዎ ዝኽእለሉ መገዲ

 ሓደ ጥንታዊ ምስላ ከምዚ ይብል:- “ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐር: ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ። ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ: ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ: ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ፧” (ምሳሌ 23:⁠4, 5) ብኻልእ ኣዘራርባ: ሃብታማት ክንከውን ብምድላይ ገዛእ ርእስና ምስቓይ ጥበብ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ሃብቲ ከም ኣኽናፍ ንስሪ ነፊሩ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ።

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ: ንዋታዊ ሃብቲ ቀልጢፉ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ብምኽንያት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ: ብቝጠባዊ ዕንወት: ወይ ብኻልእ ዘይተሓስበ ኣጋጣሚታት ብሓንቲ ለይቲ ከም ዘይነበረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ንዋታዊ ዓወት ዝረኽቡ ሰባት እውን ከይተረፉ መብዛሕትኡ ግዜ ከምቲ ትጽቢት ዝገበሩሉ ኰይኑ ኣይረኽብዎን ኢዮም። ኵነታት ናይቲ ስርሑ ንፖለቲካውያን: ንውሩያት ስፖርታውያን: ከምኡውን ንንጉሳውያን ስድራ​ቤት ምዝንጋዕ ዝነበረ ጆን ንርአ።

ጆን ከምዚ ይብል:- “ንስርሐይ ውፉይ ኢየ ነይረ። ብቝጠባዊ መዳይ ኣጸቢቐ በልጸግኩ: ኣብ ዓበይቲ ሆቴላት እኣቱ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብናይ ብሕቲ ጀት ነፋሪት ንስራሕ እጕዓዝ ነበርኩ። ኣብ ፈለማ የሐጕሰኒ ነበረ: ቀስ ብቐስ ግን እናሰልቸወኒ ከደ። እቶም ዘዘናግዖም ዝነበርኩ ሰባት ናይ ላዕለ ላዕሊ ሓጐስ ጥራይ ኢዮም ዝረኽቡ ነይሮም። ህይወተይ ትርጕም ኣይነበሮን።”

ከምቲ ጆን እተገንዘቦ መንፈሳዊ ረብሓታት ዘይብሉ ህይወት ዕግበት ኣየምጽእን ኢዩ። ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ የሱስ ክርስቶስ ነባሪ ሓጐስ ብኸመይ ከም ዝርከብ ኣርኣየ። ከምዚ በለ:- “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጉሳት ኢዮም።” (ማቴዎስ 5:⁠3 NW  ) ስለዚ እምበኣር ኣብ ህይወትካ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ ጥበብ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንህይወት ዝያዳ ትርጕም ንምሃብ ዝሕግዝ ካልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ።

ስድራ​ቤትካን ኣዕሩኽካን ብሓቂ ኣገደስቲ ኢዮም

ምስ ስድራ​ቤትካ ርክብ ምስ ዘይህልወካ ከምኡውን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ምስ ዘይህልዉኻ ንህይወት መስተማቐርካያዶ፧ ከም ዘይተስተማቕራ ርዱእ ኢዩ። ፈጣሪና ከም እነፍቅርን ከም እንፍቀርን ገይሩ ኢዩ ፈጢሩና። የሱስ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ምፍቃር’ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሓሉ ሓደ ምኽንያት እዚ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠39) ስድራ​ቤት ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ንምርኣይ እተዳለወት ናይ ኣምላኽ ህያብ ኢያ።​—⁠ኤፌሶን 3:⁠14, 15

ህይወትና ዝበለጸ ትርጕም ምእንቲ ኽረክብ ስድራ​ቤትና ብኸመይ ትሕግዘና፧ ሓንቲ ሕብርቲ ስድራ​ቤት ምስ ሓንቲ ካብቲ መዓልቲ መዓልቲ ዘጋጥመካ ወጥሪ እትዕቆበላ መንፈስካ እተሐድስ ስፍራ ኣታኽልቲ ክትመሳሰል ትኽእል ኢያ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ​ቤት ነቲ ናይ ጽምዋ ስምዒት ዘልግስ ዘሐድስ ብጻይነትን ውዕዉዕ ፍቕርን ክንረክብ ንኽእል። ርግጽ ኢዩ ሓንቲ ስድራ​ቤት ብቕጽበት ከምዚ ዝኣመሰለ መዕቈቢ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ። ይኹን እምበር ነቲ ናይ ስድራ​ቤት ማእሰር ከነደልድሎ ከሎና ኣብ ንሓድሕድና ንቀራረብ: ህይወትና ድማ ዕግበት ዘለዋ ትኸውን። ንኣብነት እቲ ንናይ ሓዳር ብጻይና ወይ ብጸይትና ፍቕርን ክብርን ንምርኣይ እነጥፍኦ ግዜን ጻዕርን ንምሸቱ ብዙሕ በረኸት ክንዓጽደሉ እንኽእል ተግባር ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠33

ቈልዑ እንተ ኣልዮምና: ከነዕብዮም ከሎና ጽቡቕ ሃዋሁ ንምፍጣር ክንጽዕር ኣሎና። ምስኦም ግዜ ምሕላፍ: ነቲ ናይ ምዝርራብ መትረብ ክፉት ምግባሩ: ከምኡውን መንፈሳዊ ትምህርቲ ክትህቦም ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን እቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ነገራት ዝሓልፍ ግዜን ጻዕርን ኣዝዩ ኸዕግበና ይኽእል ኢዩ። ዕዉታት ወለዲ ንቘልዑ ከም በረኸት: ክትከናኸኖም ዝግብኣካ ውህበት ኣምላኽ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም።​—⁠መዝሙር 127:⁠3

ጥዑያት ኣዕሩኽ እውን ዕግበትን ትርጕምን ዘለዎ ህይወት ንኽህልወካ ኣበርክቶ ይገብሩ ኢዮም። (ምሳሌ 27:⁠9) ንኻልኦት ብምስጋግ ብዙሓት ኣዕሩኽ ክህልዉና ይኽእሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠8) ጥዑያት ኣዕሩኽ ክንወድቕ ከሎና ብድድ ንኽንብል ይድግፉና። (መክብብ 4:⁠9, 10) እወ ‘ፈታዊ ንጸገማ ዝውለድ ሓው ኢዩ።’​—⁠ምሳሌ 17:⁠17

ናይ ሓቂ ዕርክነት ኣየ ክንደይ ዘዕግብ ኢዩ! እትርእዮ ዕራርቦ ጸሓይ ዝያዳ ጽባቔኡ ባህ ዘብለካ: እትበልዖ መግቢ እተስተማቕሮ: ከምኡውን እትሰምዖ ሙዚቃ እትሕጐሰሉ ፈታዊኻ ኣብ ጐድንኻ ምስ ዝህሉ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ጥብቂ ርክብ ዘለዎ ስድራ​ቤትን እሙናት ኣዕሩኽን ንህይወትና ትርጕም ዝውስኽሉ ክልተ ረቛሒታት ኢዮም። ኣምላኽ ንህይወትና ዝበለጸ ትርጕም ክህብ ዝኽእል እንታይ ካልእ ምድላዋት ኢዩ ገይሩ፧

ንመንፈሳዊ ድሌትና ምዕጋቡ

ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ የሱስ ክርስቶስ ንሓጐስ ምስ ንመንፈሳዊ ድሌትካ ንቑሕ ምዃን ኣተሓሒዝዋ ኣሎ። መንፈሳውን ስነ⁠-​ምግባራውን ነገራት ንምንጽብራቕ ተኽእሎ ዘሎና ዄንና ኢና ተፈጢርና። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “መንፈሳዊ” ሰብ ከምኡውን ‘ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ’ ዝዛረብ።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠15፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4

እቲ ኣን ኤክስፖዚተሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዝበሃል ብዳብሊው. ኢ. ቫይን እተዳለወ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝገለጾ እቲ ምሳልያዊ ልቢ “ንብምሉኡ ናይ ሰብ ኣእምሮኣውን ስነ⁠-​ምግባራውን ንጥፈታት ከምኡውን ንናይ ሓሳብን ስምዒትን ረቛሒታት” ኢዩ ዘመልክት። ብተወሳኺውን ቫይን ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ብኻልእ ኣበሃህላ: ልቢ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ሕቡእ ውልቀ⁠-​ሰብ ንምምልካት ኢያ እትውዕል።” እዚ ጽሑፍ እዚ “ልቢ ውሽጣዊት ምዃና: ነቲ ‘ሕቡእ ሰብ’ . . . ከምኡውን ነቲ ናይ ሓቂ ሰብ እተመልክት ምዃና” ኸኣ የገንዝብ።

እቲ “መንፈሳዊ” ወይ “ሕቡእ ሰብ” ዝደልዮ ማለት ነቲ ‘ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ’ ከነዕግብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ተደሪኹ ንዝበሎ ኣፍልጦ ምስ እንህበሉ መንፈሳውነትና ንምዕጋብ ኣገዳሲ ስጕምቲ ንወስድ: ንሱ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ: ንሱ ገበረና: ባዕላትና ኣይኰንናን: ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።” (መዝሙር 100:⁠3) ብዛዕባ እዚ ኣፍልጦ ምሃብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ከም ዝዀንና ናብ ምድምዳም ኢዩ ዝመርሓና። ኣብ መንጎ “ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን” ክንቍጸር ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና: ምስ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕና ክንከይድ ኣሎና።

ከምዚ ብምዃኑስ ዝጐደለና ነገር ኣሎ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ ኵለንትንኣዊ ምምልላስና ንኣምላኽ ከም ዘገድሶ ምፍላጥ ንህይወትና ትርጕም ዝውስኸሉ ኢዩ። ዝበለጹ ውልቀ⁠-​ሰባት ንኽንከውን የተባብዓና: እዚ ድማ ብሓቂ ረብሓ ዘለዎ ሸቶ ኢዩ። መዝሙር 112:⁠1 ከምዚ ትብል:- “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ: ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።” ኣኽብሮት ዘለዎ ፍርሂ ኣምላኽ ከምኡውን ንትእዛዛቱ ካብ ልቢ ምሕላው ንህይወትና ዝበለጸ ትርጕም ክህቦ ይኽእል።

ንኣምላኽ ምእዛዝ ዕግበት ዝፈጥረልና ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝሃቦም ሕልና ስለ ዘሎና ኢዩ። ሕልና ነቲ ዝገበርናዮ ወይ ክንገብሮ እንሓስብ ነገር ስነ⁠-​ምግባራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ዝምርምር ኢዩ። ኵላትና ነቲ ሕልናና ሕርኽርኽ ክብለና ኸሎ ዝስምዓና ተስፋ ምቝራጽ ተመኲርናዮ ኢና። (ሮሜ 2:⁠15) እንተ​ዀነ ግን ሕልናና ዓስቢ ኸም እንረክብ እውን ይገብረና ኢዩ። ምስ ኣምላኽን ምስ ብጾትና ሰባትን ብዘይ​ስስዐ ምስ እንመላለስ ዕግበት ኢዩ ዝስምዓና። ‘ካብ ምቕባል ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ’ ዝብል ሓቂ ኰይኑ ክንረኽቦ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) እዚ ዝዀነሉ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎ።

ፈጣሪና ናይ ብጾትና ሰባት ባህግን ድሌትን ከም ዝጸልወና ገይሩ ኢዩ ፈጢሩና። ንኻልኦት ምሕጋዝ ኣብ ኣልባብና ተድላ ይፈጥር። ብተወሳኺውን ንሓደ እተሸገረ ሰብ ምሃብ ንኣምላኽ ሰናይ ምግባር ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዘረጋግጸልና።​—⁠ምሳሌ 19:⁠17

ኣብ መንፈሳዊ መዳያት ኣትኵሮ ምግባር ውሽጣዊ ዕግበት ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ: ተግባራዊ ብዝዀነ መገዲ ክሕግዘና ይኽእልዶ፧ ሓደ ረይሞንድ ዝብሃል ወዲ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ነጋዳይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ኢዩ ዝኣምን። ከምዚ ድማ ይብል:- “ብሓጺሩ ሸቶይ ገንዘብ ምእካብ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ኣምላኽ ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ከም ዝገልጽ ዝፈለጥኩሉ ግዜ ኣትሒዘ ግን: እተፈለኹ ሰብ ኰንኩ። ሕጂ ናብራይ ኣብ ህይወተይ ካልኣይ ቦታ ኢዩ ዘለዎ። ንኣምላኽ ከሐጕስ ብምፍታነይ: ካብቲ መዕነዊ ዝዀነ ስምዒት ጽልኢ ክስተር ክኢለ ኢየ። ኣቦይ ኣብ ሓደ ግጭት እኳ እንተ ሞተ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓላፍነት ዝሕተቱ ሰባት ሕነ ክፈዲ ፈጺመ ድሌት የብለይን።”

ከምቲ ረይሞንድ እተገንዘቦ ንድሌት እቲ “መንፈሳዊ” ሰብ ምምላእ ዓሚቝ ስምዒታዊ ቍስሊ ከሕዊ ዝኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስቲ መዓልቲ መዓልቲ ዘጋጥመና ጸገማት ክንጋጠም እንተ ዘይክኢልና ህይወት ፍጹም ዘየዕግብ ኢዩ ዝኸውን።

“ሰላም ኣምላኽ” ክህልወና ይኽእል ኢዩ

ኣብዛ ዕግርግር ዝመልኣ ዓለም ብዘይ​ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዝሓልፍ መዓልትታት ኣዝዩ ሒደት ኢዩ። ሓደጋታት የጋጥም: መደባት ይበላሾ: ከምኡውን ብሰባት ንጕሂ ኢና። እዚ ዕንቅፋታት እዚ ነቲ ዘለና ሓጐስ የጥፍኣልና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዘገልግሉ ሰባት ውሽጣዊ ዕግበት​—⁠“ሰላም ኣምላኽ”​—⁠ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ይመባጻዕ። ነዚ ሰላም እዚ ብኸመይ ኢና እንረኽቦ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:⁠6, 7) ጸገማትና ንበይንና ክንስከሞ ኣብ ክንዲ ንፍትን: ዓሚቝ ጸሎት ብምጽላይ ነቲ መዓልታዊ ዘጋጥመና ሰኸም ናብ ኣምላኽ ክንድርብዮ ኣሎና። (መዝሙር 55:⁠22) ብመንፈስ እናዓበና ክንከይድ ከሎናን ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ምስ እንግንዘብን ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ከም ዝምልሰሉ ዘሎና እምነት ክዓቢ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 14:⁠6, 14፣ 2 ተሰሎንቄ 1:⁠3

ኣብቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ምትእምማን ድሕሪ ምህናጽና: ንኸም ንነዊሕ እዋን ምሕማም: ዕድመ ምድፋእ: ወይ ብምኽንያት ሞት እነፍቅሮም ምሕዛን ዝኣመሰለ ፈተናታት ክንጋጠሞ ዝያዳ እተዓጠቕና ኢና ንኸውን። (መዝሙር 65:⁠2) ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምእንቲ ክህልወና ግን ንመጻኢ እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።

በቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ተስፋ ተሓጐስ

መጽሓፍ ቅዱስ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን:” ኣብ ልዕሊ እዙዝ ሰብኣዊ ስድራ​ቤት ዝገዝእ ጽድቃዊ ሰማያዊ መንግስቲ ከም ዝህሉ ይማባጻዕ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ምድሪ: ውግእ ከምኡውን ምጕዳል ፍትሒ ብሰላምን ብፍትሕን ክትካእ ኢዩ። እዚ ግዝያዊ ባህጊ ጥራይ ኣይኰነን ኣብ ክንድኡስ መዓልቲ መዓልቲ እናደልደለ ክኸይድ ዝኽእል እምነት ኢዩ። ናይ ሓቂ ብስራት ኢዩ: ንኽትሕጐስ ድማ ጽኑዕ ምኽንያት ይህብ።​—⁠ሮሜ 12:⁠12፣ ቲቶስ 1:⁠2

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ጆን: ሕጂ ህይወቱ ዝበለጸ ትርጕም ከም ዝረኸበት ኢዩ ዝስምዖ። “ዋላ እኳ ሃይማኖታዊ ኰይነ ዘይፈልጥ እንተ ነበርኩ: ኵሉ ግዜ ኣምላኽ ከም ዘሎ እኣምን ነይረ ኢየ። ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገዛይ ክሳዕ ዝመጹኒ ግን ብዛዕባ እዚ እምነት እዚ ዋላ ሓንቲ ኣይገበርኩን። ከም ‘ኣብ ምድሪ እንታይ ንገብር ኣሎና፧ ናበይ ኢና ነምርሕ ዘሎና፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት ሓተትኩዎም። እቲ ዝሃቡኒ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ዘዕግብ መልሲ ድማ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ዕላማ ከም ዘሎ ተረድኣኒ። እዚ ንመጀመሪ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ንዅሉ እቲ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ዝቕይር ጽምኢ ሓቂ ኣማዕበልኩ። ሕጂ ብንዋታዊ ነገራት ሃብታም እኳ እንተ ዘይኰንኩ: ብመንፈሳዊ መገዲ ሚልዮነር ዝዀንኩ ኢዩ ዝስምዓኒ።”

ከም ጆን መንፈሳዊ ጐንኹም ንብዙሕ ዓመታት ደስኪሉ ነይሩ ይኸውን። “ጥበበኛ ልቢ” ንኽህልወና ብምጽዓር ግን ከነባራብሮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 90:⁠12) ብቘራጽነትን ብጻዕርን ናይ ሓቂ ሓጐስን ሰላምን ተስፋን ክህልወና ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 15:⁠13) እወ ህይወትካ ዝበለጸ ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎት “ሰላም ኣምላኽ ” ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንናብራ ስድራ​ቤት ዝያዳ ዕግበት ዘለዎ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧