ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰናይ ተግባራት ንኣምላኽ ክብሪ ይህብ

ሰናይ ተግባራት ንኣምላኽ ክብሪ ይህብ

ሰናይ ተግባራት ንኣምላኽ ክብሪ ይህብ

 እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ነቲ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ብርሃን ንምንጽብራቕ ይጽዕሩ። በዚ መገዲ እዚ ነቲ የሱስ ዝሃቦ “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዝብል ትእዛዝ ይስዕቡ። (ማቴዎስ 5:⁠16) ዝዝረብ ቃልን ቅኑዕ ኣካይዳን ንኣምላኽ ክብሪ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ብምዕያይን ንኻልኦት ብመንፈስ ክሕግዙ ብምፍታንን ንኣምላኽ ከሐጕሱ ኢዮም ዝጽዕሩ። ኣብቲ ኣገልግሎቶም ብሕጊ ኣፍልጦ ዘይተዋህበሉ ቦታታት እውን ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ። ኣብ ርእሲ ኸተማ ናይ ሓንቲ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 6,000 ክሳብ 9,000 ዝዀኑ ተኣከብቲ ዝርከብዎ ዓመታዊ ኣኼባታት የካይዱ ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ኣኼባታት ንምክያድ ምርኢት ዝቐርበሉ ኣደራሻት ኢዮም ዝካረዩ። ከምቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዝገበርዎ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1999 ኣብ ዘካየድዎ ዓቢ ኣኼባ ኣቐዲሞም ነቲ ቦታ ንምጽራይ ከምኡውን መጕልሕ ድምጽን ብኣሽሓት ዝቝጸር መናብርን ንምትዕርራይ ኣበርቲዖም ጸዓሩ።

እዚ ዅሉ ምድላዋት እዚ ከይተስተብሃለሉ ኣይሓለፈን። እቶም ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ነዚ ንጥፈታት እዚ ተዓዘብዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ተኣከብቲ 15,666 እኳ እንተ ነበረ ኵሉ ነገር ብጽቡቕ ከም እተወድአን እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ስነ⁠-​ስርዓት ከም ዝነበሮምን ኣስተብሃሉ። እቶም ሰራሕተኛታት በቲ ኣኼባ ድሕሪ ምውድኡ እተገብረ ጥንቃቐ ዝመልኦ ጽሬት እውን ተገሪሞም ኢዮም።

እቲ ክፍሊ ምምሕዳር ነዚ ዅሉ ከም ዘማሰወሉ ንምርኣይ ኣብታ እትመጽእ ዓመት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቦታ ንኽካረይዎ ዕድል ንምሃብ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣእተዎም። እንተ​ዀነ ግን ካብዚ ንላዕሊ እውን ኢዩ እቲ ክፍሊ ምምሕዳር ፈጺሙ። ኣብ 15 ሓምለ 1999 ነቶም ናይ ዓቢ ኣኼባ ኮሚቴ ናይ ምስጋና ሽልማት ሃቦም። ኣብቲ ዝሃብዎም ጽላት “ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝብል ቃላት ተቐሪጹ ነበረ: እዚ ድማ ካብ ሓንቲ ነቲ ዕዮ ስብከት ቀይዲ እትገብር ሃገር ክርከብ ፈጺምካ ትጽቢት ዘይግበሮ ኢዩ።

ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ 2000/2001 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ “ገበርቲ ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክካፈሉ ትጽቢት ይግበረሎም። ኣብኡ ብምክፋል እቶም ብቕንኢ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ዘሎ ዝገብሩ ሰባት ኣብ ሰናይ ተግባራት ብምስታፍ ንኣምላኽ ክብሪ ዝህቡ ብኸመይ ምዃኑ ብብሕቲ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ።