ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስደት ኣብ ኣንጾክያ ዕቤት ከም ዝህሉ ይገብር

ስደት ኣብ ኣንጾክያ ዕቤት ከም ዝህሉ ይገብር

ስደት ኣብ ኣንጾክያ ዕቤት ከም ዝህሉ ይገብር

እስጢፋኖስ ሰማእታዊ ሞት ድሕሪ ሙማቱ ስደት በርትዐ: ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ድማ ካብ የሩሳሌም ሃደሙ። ሓደ ካብቲ ዝሃደሙሉ ቦታታት ከኣ እታ ሰሜን ካብ የሩሳሌም 550 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣንጾክያ ኢያ ነይራ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠19) እቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንብምሉኡ ታሪኽ ናይ ክርስትና ዝትንክፍ ነበረ ። እቲ ዝዀነ ነገር ምእንቲ ክርድኣና ቍሩብ ብዛዕባ ኣንጾክያ ምፍላጥ ሓጋዚ ኢዩ።

ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ካብ ዝነበራ ከተማታት ብዘይ​ካ ሮሜን እስክንድርያን ብዕቤት: ብብልጽግና: ከምኡውን ብኣገዳስነት ንኣንጾክያ ዝበልጽ ኣይነበረን። እዛ ሶርያዊት ከተማ እዚኣ ንሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ሜዲተራንያን እትቈጻጸር ከተማ ኢያ ነይራ። ኣንጾክያ (ዘመናዊት ኣንታክያ: ቱርኪ) ኣብቲ መራኽብ ክጓዓዛሉ ዝኽእላ ውሕጅ ኦሮንቲዝ ኢያ ትርከብ ነይራ: እዚ ድማ ምስቲ 32 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ወደብ ሴሌውቅያ የራኽባ ነበረ። ንሓደ ካብቲ ኣብ መንጎ ሮሜን ስንጭሮ ጢግሪስ⁠-​ኤፍራጥስን ዝነበረ ቀንዲ መገድታት ንግዲ ትቆጻጸር ዝነበረት ከተማ ኢያ። ከም ማእከል ንግዲ መጠን ድማ ምስ ኵሉ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ንግዲ ተካይድ ነበረት: እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ዝመላለስዋ ዝነበረት ከተማ ኢያ: እቶም ሰባት ካብ ኵሉ ግዝኣት ሮሜ ወረ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ሒዞም ይመጹ ነበሩ።

ናይ ግሪኽ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ኣብ ኣንጾክያ ዓምቢቡ ነበረ። እንተ​ዀነ ግን እቲ ግላንቨል ዳውኒ ዝበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝብሎ “ኣብ እዋን ክርስቶስ . . . ኣብ ግዜ ጥንቲ ሃይማኖታውያን ጕጅለታትን ፍልስፍናታትን ምእማን ብሕታዊ ጕዳይ እናዀነ ከደ: ከመይሲ ሰባት ነቲ ዘጋጥሞም ጸገማትን ዝነበሮም ባህግታትን ብሃይማኖታዊ ዕግበት ክፈትሕዎ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም።” (ታሪኽ ናይታ ኣብ ሶርያ ዝነበረት ኣንጾክያ [እንግሊዝኛ]) ብዙሓት በቲ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማንን በዓላትን ስርዓታትን ኣምልኾ ኣይሁድነት ዕግበት ረኸቡ።

ካብቲ እታ ከተማ እተመስረተትሉ 300 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ብዙሓት ኣይሁድ ኣብ ኣንጾክያ ይቕመጡ ነበሩ። ካብ 20,000 ክሳዕ 60,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ከም ዝነበሩ ይግመት: እዚ ድማ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ናይቶም ተቐማጦ ኢዩ። እቶም ናይ ሴሌውቅያ ስርወ⁠-​ንግስነት ምሉእ መሰል ዜግነት ብምሃብ ንኣይሁድ ኣብታ ከተማ ክነብሩ የተባብዕዎም ከም ዝነበሩ እቲ ጆሰፉስ ዝበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ይገልጽ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቛንቋ ግሪኽ ነይሩ ኢዩ። እዚ ድማ ንተደናገጽቲ እቶም መሲሕ ክመጽእ ትጽቢት ዝነበሮም ኣይሁድ ዝያዳ ተገዳስነቶም ዘለዓዕል ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ግሪኻውያን ጵሮሴሊት ኰኑ። እዚ ዅሉ ረቛሒታት እዚ ኣንጾክያ ልሙዕ ግራት ናይ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ከም እትኸውን ገበራ።

ነህዛብ ምስባኽ

ዝበዝሑ ካብቶም ብስደት ፋሕ ዝበሉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እምነቶም ንኣይሁድ ጥራይ ኢዮም ዝነግሩ ነይሮም። ኣብ ኣንጾክያ ግን ገለ ካብ ቆጵሮስን ቄሬኔን ዝመጹ ደቀ መዛሙርቲ ነቶም “ጽርኣውያንውን” የዛርቡዎም ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠20) ነቶም ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ምስባኽ ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ዝቕጽል ዝነበረ እኳ እንተ​ዀነ እቲ ኣብ ኣንጾክያ እተገብረ ስብከት ሓድሽ ነገር ኢዩ ነይሩ። ናብ ኣይሁድ ጥራይ ዘቕንዐ ኣይነበረን። ሓቂ ኢዩ እቲ ካብ ኣህዛብ ዝነበረ ቆርኔሌዎስን ስድራ​ቤቱን ድሮ ደቀ መዛሙርቲ ኰይኖም ነይሮም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን ሃዋርያ ጴጥሮስ ነህዛብ ምስባኽ ግቡእ ምዃኑ ንኽርድኦ ሰማያዊ ራእይ ኣድልይዎ ኢዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠1-​48

ኣብ ሓንቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ብዙሓት ኣይሁድን ኣህዛብን ብዘይ​ ምጽባእ ዝነብሩላ ከተማ: ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ምስክርነት ይወሃቦም ነበረ: ነቲ ብስራት ድማ ብኣወንታ መለሱሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለ ንኽህሉ ኣንጾክያ ምቹእ ሃዋሁ ፈጠረት: ‘ብዙሓት ድማ ኣመኑ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠21) እቶም ቅድም ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ዘምልኹ ዝነበሩ ጵሮሴሊት ክርስትያን ምስ ኰኑ: ነቶም ገና ጓኖት ኣማልኽቲ ዘምልኹ ዝነበሩ ሰባት ንምስባኽ ብዝበለጸ ተዓጥቁ።

እቲ ኣብ ኣንጾክያ ዘጋጠመ ምዕባለ ምስ ተሰምዐ: እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ነቲ እተፈጥረ ኵነታት ክርኢ ንበርናባስ ለኣኸቶ። እዚ ምርጫ እዚ ጥበባውን ፍቕሪ ዝመልኦን ኢዩ ነይሩ። ንሱ ወዲ ቆጵሮስ ኢዩ ነይሩ: ልክዕ ከም ገለ ካብቶም ኣቐዲሞም ኣይሁድ ንዘይኰኑ ክሰብኩ ጀሚሮም ዝነበሩ ንሱውን ይሰብኽ ነበረ። በርናባስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነብሩ ኣህዛብ ከም ወዲ ዓዲ ክስምዖ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ንሳቶም ብግዲኦም ከኣ ከም ኣባል ናይ ሓደ ኣብ ጥቕኦም ዘሎ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ማሕበረሰብ ገይሮም ክርእይዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። a ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ዕዮ ብዝበለጸ ክርድኦ ይኽእል ነበረ። ስለዚ “ምስ መጸ: ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሐጐሰ። . . . ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መኸሮም: ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠22-24

ዳውኒ እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብ ኣንጾክያ እተኻየደ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ተልእኾ ዕዉት ክዀነሉ ዝኸኣለ ተግባራዊ ምኽንያት ምናልባት እቶም ሚስዮናውያን ነቶም ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኣኽረርቲ ኣይሁድ ከምቶም ኣብ የሩሳሌም ዘጓንፍዎም ዝነበሩ ገይሮም ስለ ዘይፈርሕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ኣንጾክያ ከም ርእሲ ከተማ ሶርያ ትጥመት ስለ ዝነበረት ብወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢያ ትመሓደር ነይራ: ስለዚ ድማ ኣብኣ ጽቡቕ ህዝባዊ ስነ⁠-​ስርዓት ኢዩ ነይሩ: ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዘጋጠመ እሞ እቶም ኣመሓደርቲ ይሁዳ (እንተ ወሓደ ኣብዚ ግዜ እዚ) ደው ከብልዎ ዘይከኣሉ ኣኽረርቲ ኣይሁድ ዘለዓዓልዎ ናይ ዓመጽ ናዕቢ ንኽልዓል ቀሊል ኣይነበረን።”

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝምችእን ብዙሕ ዝዕየ ዘለዎን ኵነታት: በርናባስ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ተገንዚቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ነቲ ዓርኩ ዝነበረ ሳውል ድማ ዘከረ። ስለምንታይ ንሳውል ወይ ጳውሎስ፧ ጳውሎስ ሓደ ካብቶም 12 ሃዋርያት እኳ እንተ ዘይነበረ ምናልባት ነህዛብ ሃዋርያኦም ክኸውን ተመዚዙ ስለ ዝነበረ ኢዩ ዝኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠15, 27፣ ሮሜ 1:⁠5፣ ራእይ 21:⁠14) ስለዚ ጳውሎስ ናብታ ናይ ኣህዛብ ከተማ ዝነበረት ኣንጾክያ ነቲ ብስራት ንኽእውጅ ብቑዕ ብጻይ ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 1:⁠16) ስለዚ በርናባስ ናብ ጠርሴስ ከይዱ ንሳውል ረኸቦ ሒዝዎ ድማ ናብ ኣንጾክያ ከደ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠25, 26፣ ኣብ ገጽ 26-7 ዘሎ ሳጹን ርአ።

ብመለኮታዊ መሪሕነት ክርስትያን ተሰምዩ

ንሓደ ዓመት ምሉእ በርናባስን ሳውልን ‘ንብዙሕ ህዝቢ መሀሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ [“ብመለኮታዊ መሪሕነት:” NW  ] ክርስትያን ተሰምዩ።’ ንመጀመርታ ግዜ እቶም ኣይሁድ ንሰዓብቲ ክርስቶስ “ክርስትያን” (ብግሪኽ) ወይ “መሲሓውያን” (ብእብራይስጢ) ኢሎም ክሰምይዎም ዘይመስል ኢዩ: ከመይሲ ንየሱስ ከም መሲሕ ወይ ክርስቶስ ገይሮም ኣይተቐበልዎን: ስለዚ ብተዘዋዋሪ ነቶም ሰዓብቱ ክርስትያናት ኢሎም ብምጽዋዕ ኣፍልጦ ክህብሉ ኣይደልዩን ኢዮም። ገሊኦም ሰባት ከኣ ኣረማውያን ንምውዛይ ወይ ንምስትንዓቕ “ክርስትያናት” ዝብል ሳጓ ሂቦምዎም ነይሮም ይዀኑ ኢሎም ይሓስቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እታ ክርስትያናት እትብል ስም ኣምላኽ ከም ዝሃቦም የርኢ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠26

ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እታ ምስቲ ሓድሽ ስም ተተሓሒዛ እትጥቀስ ብሓፈሽኡ “ተሰምዩ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ግሲ: ኵሉ ግዜ ምስ ልዕለ⁠-​ባህርይ: ምስ ራእይ ምርኣይ: ወይ ምስ መለኮታዊ ነገር ተተሓሒዛ ኢያ ትጥቀስ። በዚ ምኽንያት እዚ ምሁራት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽዋ:- “ራእይ ምዝራብ:” “መለኮታዊ ሓበሬታ ምሃብ” ወይ “መለኮታዊ ትእዛዝ ወይ ስምዕታ ምሃብ: ካብ ሰማይ ምምሃር።” ሰዓብቲ የሱስ “ክርስትያናት” እተባህሉ “ብመለኮታዊ መሪሕነት” ብምዃኑ የሆዋ ንሳውልን ንበርናባስን እቲ ስም ንኽህብዎም መሪሕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ብቐጻሊ በዚ ሓድሽ ስም እዚ ተጸውዑ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ሓደ ኣንቆራ ናይ ኣይሁድነት ገይርካ ክርኣዩሉ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጽሑ። ካብ ኣይሁድ ፈጺሞም እተፈልዩ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ከባቢ 58 ከ.ኣ.ዘ. ሰበ⁠-​ስልጣን ሮሜ ክርስትያናት መን ምዃኖም ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝፈልጡ ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠28) ብመሰረት እቲ ብ64 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ታሲተስ ዝበሎ እቲ ስም ኣብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ሓፋሽ ዝውቱር ኰነ።

የሆዋ ንእሙናቱ ይጥቀመሎም

እቲ ብስራት ኣብ ኣንጾክያ ኣጸቢቑ እናሰፍሐ ከደ። የሆዋ ስለ ዝባረኾምን እቶም ሰዓብቲ የሱስ ድማ ስብከቶም ክቕጽሉ ስለ ዝቘረጹን ኣንጾክያ ማእከል ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና ኰይና ነበረት። ኣምላኽ እቲ ብስራት ኣብ ርሑቕ ቦታታት ምእንቲ ክበጽሕ ነታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ ከም መበገሲ ይጥቀመላ ነበረ። ንኣብነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ ሚስዮናዊ ጕዕዞ መበገሲኡ ኣንጾክያ ኢያ ነይራ።

ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ቅንእን ኣብ ግዜ ፈተና ቈራጽ ምዃንን ብዙሓት ነቲ ብስራት ከም ዝሰምዕዎን ሞሳ ከም ዘርእዩን ስለ ዝገበሮም ሓቀኛ ክርስትና ንኸስፋሕፍሕ ሓጊዙ ኢዩ። b ስለዚ ንሓቀኛ ኣምልኾ ብምድጋፍካ ስደት እንተ መጽኣካ: የሆዋ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ከም ዘሎ ዘክር። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዑን ብወገን እታ መንግስቲ ኣቕዋሞም ክሕዙን ኣጋጣሚ ክወሃቦም ኣለዎ። ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋል ዘለካ ቈራጽነት ሓደ ሰብ ርጡብ ፍልጠት ንኽሕዝ ንምሕጋዝ ዘድሊ ነገር ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ደሴት ቆጵሮስ ደበና ወይ ግመ ኣብ ዘይብሉ መዓልቲ ካብቲ ብደቡባዊ ምዕራብ ኣንጾክያ ዝርከብ ከረን ካሲየስ ኴንካ ክትርአ ትኽእል ኢያ።

b ናይ 1 ነሓሰ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 9፣ ናይ 22 ሚያዝያ 1999 ንቕሑ! ኣብ ገጽ 21-2 (እንግሊዝኛ)፣ ናይ 1999 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገጽ 250-2 (እንግሊዝኛ) ርአ።

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ሳጹን]

እተን ብዛዕባ ሳውል “ዘይፍለጠለን ዓመታት”

ሳውል ኣብ ከባቢ 45 ከ.ኣ.ዘ. ናብ ኣንጾክያ ብዛዕባ ምኻዱ ቀቅድሚ ምግላጹ ንመጨረሽታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ የሩሳሌም ንኽቐትልዎ እተኣልመ ውዲት ምስ ፈሸለን በቶም ኣመንቲ ብጾቱ ናብ ጠርሴስ ምስ ተሰደን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠28-30፣ 11:⁠25) እዚ ግን ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ። ኣብተን ብዛዕባ ሳውል ዘይፍለጠለን ዓመታት ተባሂለን ዝጽውዓ ኣብ መንጎ ዝነበራ ግዜ እንታይ ኢዩ ዝገብር ነይሩ፧

ሳውል ካብ የሩሳሌም ናብ ከባቢታት ሶርያን ቂልቅያን ከደ: እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ጉባኤታት ድማ ‘እቲ ቐደም ዝሰጎጐን ነታ ቐደም ከዕንዋ ዝደሊ ዝነበረ እምነት ሕጂ ይሰብካ ከም ዘሎ’ ሰምዓ። (ገላትያ 1:⁠21-23) እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ እቲ ሳውል ኣብ ኣንጾክያ ምስ በርናባስ ዝገበሮ ንጥፈታት ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ እውን ሳውል ይዓዪ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ 49 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሶርያን ቂልቅያን ብዙሓት ጉባኤታት ነይረን ኢየን። ሓንቲ ኣብ ኣንጾክያ ነበረት: ገሊኦም ግን ኣብተን ብዛዕባ ሳውል ዘይፍለጠለን ዓመታት ብንጥፈታት ሳውል ዝቘማ ካልኦት እውን ነይረን ክዀና ይኽእላ ኢየን ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠26፣ 15:⁠23, 41

ገለ ምሁራት እቲ ኣብ ህይወት ሳውል ዘጋጠመ ዘደንቕ ፍጻመታት ኣብዚ እዋን እዚ ዘጓነፎ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። እንተ ዘይኰይኑ ዝበዝሐ ካብቲ ከም ‘ኣገልጋሊ ክርስቶስ’ ዝወረዶ ጸገማት ኣበየናይ እዋን ናይ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ከም ዘጓነፎ ክትውስን ኣጸጋሚ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠23-27) ሳውል ብኣይሁድ ሓሙሽተ ሳዕ 39 ግዜ እተገርፈ መዓስ ኢዩ፧ ሰለስተ ሳዕ ብሽመል እተዘብጠ ኣበይ ኢዩ፧ ‘ሕልፊ’ ማእሰርቲ ዘጋጠሞ ኣበይ ኢዩ፧ እቲ ናይ ሮሜ ማእሰርቱ ብድሕርዚ ኢዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ኣብ ፊልጲ ከም እተወቕዐን እተኣስረን ንረክብ። እንተ​ዀነ ግን እቲ ኻልእከ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠22, 23) ሓደ ጸሓፊ ከም ዝገልጾ ሳውል ኣብዚ እዋን እዚ “ካብ ሃይማኖታውያንን ካብ ሰበ⁠-​ስልጣንን ስደት ክሳዕ ዝመጾ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ኣብያተ⁠-​ጸሎት ይምስክር” ከም ዝነበረ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

ሳውል ኣርባዕተ ሳዕ መርከብ ተሰይራቶ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ዝርዝር ናይታ ንሰብ ቈረንቶስ መልእኽቲ ድሕሪ ምስዳዱ ዘጋጠመት ሓንቲ እዋን ጥራይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠27-44) ስለዚ እተን ካልኦት ሰለስተ ኣብቲ ንሕና ዘይንፈልጦ መገሻታት ዘጋጠማ ኢየን። ገለ ወይ ብምሉኡ እዚ ፍጻሜታት እዚ ኣብቲ ብዛዕባ ሳውል ዋላ ሓንቲ “ዘይፍለጠለን ዓመታት” ዘጋጠመ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!

ካልእ ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጠመ ዝመስል ፍጻመ ድማ ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:⁠2-5 ተጠቒሱ ኣሎ። ሳውል ከምዚ በለ:- ‘ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ: ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ: ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ: ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዐ: እፈልጥ ኢየ።’ ሳውል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይዛረብ ከም ዝነበረ ብሩህ ኢዩ። ነዚ ኣብ ከባቢ 55 ከ.ኣ.ዘ. ስለ ዝጸሓፎ: ቅድሚ 14 ዓመታት ኣብ ከባቢ 41 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ መፋርቕ ናይተን ብዛዕባ ሳውል “ዘይፍለጠለን ዓመታት” ማለት ኢዩ።

እዚ ራእይ እዚ ንሳውል ፍልይ ዝበለ ምስትውዓል ከም ዘጥሪ ገይርዎ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ንምዃን ኣዕጢቕዎ ድዩ፧ (ሮሜ 11:⁠13) ነቲ ደሓር ዝነበሮ ኣተሓሳስባ: ኣጸሓሕፋ: ከምኡውን ኣዘራርባ ተንኪፍዎዶ ይኸውን፧ እቲ ኣብ መንጎ ሳውል ዝኣመነሉን ናብ ኣንጾክያ ክኸይድ እተጸውዓሉን ግዜ ዝነበረ ዓመታት ኣብ መጻኢ ክቕበሎ ንዝነበሮ ሓላፍነት ንምስልጣኑን ንምብሳሉን ዝጠቅም ድዩ ነይሩ፧ እቲ መልሲ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: በርናባስ ንኣንጾክያ መበገሲ ብምግባር ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ግንባር ቀደም ኰይኑ ኣብ ምስፋሕ ምእንቲ ክሕግዞ ንሳውል ምስ ጸውዖ: ሳውል ነቲ እተዋህቦ መዚ ንምፍጻም ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠19-26

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

SYRIA

ኦሮንተስ

ኣንጾክያ

ሴሌውቅያ

ቆጵሮስ

ባሕሪ ሜዲተራንያን

የሩሳሌም

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ላዕለዋይ:- ዘመናዊት ኣንጾክያ

ማእከላይ:- ደቡባዊ ሴሌውቅያ

ታሕተዋይ:- ደንደስ ሴሌውቅያ