ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ ትንሳኤ ሓይሊ ኣለዎ

ተስፋ ትንሳኤ ሓይሊ ኣለዎ

ተስፋ ትንሳኤ ሓይሊ ኣለዎ

‘[ንየሱስ ክርስቶስን] ሓይሊ ትንሳኤኡን ምእንቲ ኽፈልጥ ብዅሉ ተወጻዕኩ።’ ፊልጲ 3:⁠8-10

1, 2. (ሀ) ሓያለይ ዓመታት ይገብር ሓደ ካህን ንትንሳኤ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) ትንሳኤ ዝፍጸም ብኸመይ ኢዩ፧

 ኣብ መጀመርታ 1890ታት ሓደ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ሓደ ካህን ንዘቕረቦ ፍሉይ ስብከት ዝምልከት ጸብጻብ ሃበ። ትንሳኤ: ኣዕጽምቲ ዅሎም እቶም ክሳዕ ሕጂ ብሓዊ ይኹን ብሓደጋ: ወይ ድማ ብኣራዊት ተበሊዖም ዝሞቱ ይኹኑ ኣብ መሬት ድዅዒ ዝዀኑ ሰባት ዝእከበሉን ህያው ዝዀነሉን ኵነታት ምዃኑ እቲ ኻህን ገለጸ። ኣብ ሓንቲ 24 ሰዓታት ዘለዋ መዓልቲ ሃዋህው ብኣእዳው: ቀላጽም: ኣእጋር: ኣጻብዕቲ: ኣዕጽምቲ: ጅማውቲ: ከምኡውን ብቘርበት ናይ ቢልዮናት ሰባት ክመልእ ምዃኑ እቲ ሰባኺ ርእይቶኡ ገለጸ። እዚ ክፍልታት ኣካል እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ክፍልታት ኣካል ክረክብ ሃለው ክብል ኢዩ። ሽዑ ነፍሳት ኣብቲ ዝተንስአ ኣካላት ንኽስኵዓ ካብ ሰማይን ገሃነምን ክመጻ ኢየን።

2 ንኣቶማዊ ባእታታት እንደገና ብምእካብ ዝፍጸም ትንሳኤ ዘይርትዓዊ ኢዩ: ሰባት ድማ ዘይትመውት ነፍሲ የብሎምን። (መክብብ 9:⁠5, 10፣ ህዝቅኤል 18:⁠4) ነቲ ኣምላኽ ትንሳኤ ዝዀነ የሆዋ ንሰብኣዊ ኣካል ኣብ መጀመርታ ኣቚሞምዎ ዝነበሩ ኣቶማት እንደገና ምእካብ ኣየድልዮን ኢዩ። ነቶም ዝትንስኡ ሓድሽ ኣካል ከልብሶም ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ንዘለኣለም ምንባር ከም ዝኽእሉ ገይሩ ንምዉታት ናይ ምትንሳእ ሓይሊ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ሂብዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:⁠26) ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ:- “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ።” (ዮሃንስ 11:⁠25, 26) እዝስ ከመይ ዝበለ ልቢ ዘረስርስ መብጽዓ ዀን ኢዩ! እዚ ንዘጋጥመና ፈተናታት ተጸሚምና ንኽንሓልፎ: አረ ካብኡ ሓሊፉ እውን ከም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ መጠን ሞት ከም ዘይዓጅበና ገይሩ ዘበርትዓና ኢዩ።

3. ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ክጣበቕ ዘድለዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ትንሳኤ ምስቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ዝዀነ ፕላቶ ኣብ ዝሃቦ ኣረኣእያ እተመስረተ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላቶም ዝገልጽ ትምህርቲ ከቶ ኣይሰማማዕን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣርዮስፋጎስ: ኣቴና ዝነበሩ ምርኡያት ግሪኻውያን ናብ የሱስ ብምእማት ኣምላኽ ከም ዘተንስኦ ክምስክረሎም ከሎ ደኣ እሞ እንታይ ኢሎም ይዀኑ፧ “ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና: ገሊኦም ኣላገጽሉ” ብምባል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠29-34) ነቲ ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ዝረኣይዎ ገና ብህይወት ነይሮም ኢዮም: ኣብ ርእሲ እዚ እውን ምንም እኳ ባጫ ይወርዶም እንተ ነበረ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ይምስክሩ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ ናይ ሓሶት መማህራን ግን ንትንሳኤ ክሒዶምዎ ነበሩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ብዛዕባ እዚ ክርስትያናዊ ትምህርቲ እዚ ኣበርቲዑ እተጣበቐ። ነቲ ዘቕረቦ መርትዖ ብጥንቃቐ ምምርማር: ተስፋ ትንሳኤ ዘየጠራጥር ሓቅነትን ሓይልን ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ድልዱል መርትዖ ትንሳኤ የሱስ

4. ጳውሎስ ንትንሳኤ የሱስ ብዝምልከት ነየናይ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ኢዩ ከም መርትዖ ዘቕረቦ፧

4 ጳውሎስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘቕረቦ መርትዖ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። (1 ቈረንቶስ 15:⁠1-11) ሰብ ቈረንቶስ ንኸንቱ ኣሚኖም እንተ ዘይኰይኖም: ነቲ ወንጌል ምድሓን ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ነበሮም። ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ: ተቐብረ: ተንስአ እውን። አረ ምስ ተንስአስ: ንኬፋ (ጴጥሮስ) “ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ” ተራእይዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 20:⁠19-23) ምናልባትውን ኣብቲ ‘ኪዱ: ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ኢሉ ዝኣዘዘሉ እዋን ኢዩ ዝኸውን ገለ 500 ዝዀኑ ረኣይዎ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) ከም ንዅሎም እሙናት ሃዋርያት ንያእቆብ እውን ተራእይዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠6-11) ኣብ ከባቢ ደማስቆ ንሳውል “ቍላዕ ንዝመስል”​—⁠ሳውል ንገዛእ ርእሱ ኣቐዲሙ መንፈሳዊ ህይወት ከም ዝሓዘ ገይሩ ስለ እተዛረበላ​—⁠ተራእዮ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠1-9) ሰብ ቈረንቶስ ኣመንቲ ዝዀኑ ጳውሎስ ስለ ዝሰበኸሎምን ንሳቶም ከኣ ነቲ ወንጌል ስለ እተቐበሉን ኢዩ።

5. ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:⁠12-19 ተመዝጊቡ ዘሎ ጳውሎስ እንታይ ተኸታታሊ ርትዓዊ ሓሳባት ኢዩ ዘቕረበ፧

5 ነቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ተኸታታሊ ርትዓዊ ሓሳባት እሞ ኣስተብህለሉ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠12-19) ክርስቶስ ከም ዝተንስአ ብዓይኖም ዝረኣዩ ሰባት ብዛዕባኡ ካብ ሰበኹ ደኣ ትንሳኤ ከም ዘየልቦ ክዝረብ ዝከኣል ከመይ ገይርካ ኢዩ፧ የሱስ ካብ ምዉታት ዘይተንስአ እንተ​ድኣ ዀይኑ ስብከትናን እምነትናን ንኸንቱ ኢዩ: ከምኡውን ኣምላኽ ንክርስቶስ ከም ዘተንስኦ ብምምስካርና ኣንጻር ኣምላኽ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኢና ማለት ኢዩ። ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ​ድኣ ዀይኖም: ‘ገና ኣብ ሓጢኣትና ኢና ዘሎና:’ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ ድማ ጥፉኣት ኢዮም ማለት ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ “ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ: ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።”

6. (ሀ) ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ኣርጊጹ ኽዛረብ ከሎ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ (ለ) ‘እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ’ እንታይ ኢዩ: ከመይ ኢሉ ኢዩኸ ዝሰዓር፧

6 ጳውሎስ ንትንሳኤ የሱስ ኣርጊጹ ይዛረበሉ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠20-28) ክርስቶስ “በዅሪ” እቶም ብሞት ዝደቀሱ ኰይኑ ካብ ተንስአ እምበኣር: እቶም ካልኦት እውን ክትንስኡ ኢዮም ማለት ኢዩ። ከምቲ ሞት ብሰንኪ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብ ንሱ ኸኣ ኣዳም ዝመጸ: ትንሳኤ ድማ ብሓደ ሰብ ንሱ ኸኣ የሱስ ክኸውን ኢዩ። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኣብ እዋን ህላወኡ ኢዮም ዝትንስኡ። ክርስቶስ ሉዓላውነት ኣምላኽ ንዝጻረር ‘ኵሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን’ ይስዕር: ከምኡውን የሆዋ ንዅሎም ጸላእቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዝገብሮም ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ። ‘እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ’ ዝዀነ ካብ ኣዳም እተወርሰ ሞት እውን ከይተረፈ ብዋጋ መስዋእቲ የሱስ ክሰዓር ኢዩ። ድሕርዚ ነታ መንግስቲ ናብቲ ኣምላኹ ዝዀነ ኣቦኡ ከረክባ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ‘ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ክኸውን ክርስቶስ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ’ ክግዛእ ኢዩ።

ኣብ ክንዲ ምዉታት እተጠመቑ ድዮም፧

7. ‘ንኽሞቱ ዝጥመቑ’ መን ኢዮም: እዚኸ ንዕኦም እንታይ ማለት ኢዩ፧

7 ነቶም ተጻረርቲ ትንሳኤ ዝዀኑ ሰባት “እቶም ኣብ ክንዲ ምዉታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ አለዉ፧” ዝብል ሕቶ የቕርበሎም። (1 ቈረንቶስ 15:⁠29) ኣብዚ ጳውሎስ ህያዋን ኣብ ክንዲ ምዉታት ክጥመቑ ከም ዘለዎም ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ: ከመይሲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብውልቀ⁠-​ሰብ ደረጃ ክመሃሩን ክኣምኑን ክጥመቑን ኢዩ ዝግባእ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠41) ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሞትን ትንሳኤን ዝወስድ መገዲ ብምስዓቦም ‘ንኽሞቱ ተጠሚቖም’ ኢዮም። እዚ ዓይነት ጥምቀት እዚ ካብቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ውሽጦም ሰማያዊ ተስፋ ዘስርጸሎም እዋን ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ሒዞም ኣብ ሰማይ ንኽነብሩ ካብ ሞት ዝትንስእሉ ግዜ ዝቕጽል ኢዩ።​—⁠ሮሜ 6:⁠3-5፣ 8:⁠16, 17፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠14

8. ሰይጣንን ሰዓብቱን ክቐትልዎም ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ክርስትያናት ርግጸኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ፧

8 ቃላት ጳውሎስ ከም ዝሕብሮ: ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንክርስትያናት ኣብ ቅድሚ እቲ ወትሩ ዘጋጥሞም ሓደጋን ሞትን ድምብርጽ ከም ዘይብሎም ይገብሮም። (1 ቈረንቶስ 15:⁠30, 31) ሰይጣንን ሰዓብቱን ንኽቐትልዎም የሆዋ እንተ​ድኣ ፈቒዱ: ከተንስኦም ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም። ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ንነፍሶም ወይ ንህይወቶም ኣብቲ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዘመልክት ገሃነም ክድርብያ ዝኽእል።​—⁠ሉቃስ 12:⁠5

ጥንቁቕ ምዃን ዘለዎ ኣድላይነት

9. ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ህይወትና ዘበራትዕ ሓይሊ ክህልዎ ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ካብ ምንታይ ኢና ክንርሕቕ ዝግብኣና፧

9 ተስፋ ትንሳኤ ንጳውሎስ ኣበርቲዕዎ ኢዩ። ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ጸላእቱ ምናልባት ምስ ኣራዊት ንኽቃለስ ናብ መድረኽ ምርኢት ደርብዮምዎ ይዀኑ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:⁠32) ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እንተ​ድኣ ዀይኑ ድሒኑ ኢዩ ማለት ኢዩ: እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ዳንኤል ካብ ኣናብስ ዝድሓኖ ኢዩ። (ዳንኤል 6:⁠16-22፣ እብራውያን 11:⁠32, 33) ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ገይሩ ስለ ዝነበረ ከምቲ ናይቶም ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ከሓድቲ ሰብ ይሁዳ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ንሳቶም “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕን ንስተን” ይብሉ ነበሩ። (ኢሳይያስ 22:⁠13) ተስፋ ትንሳኤ ልክዕ ከም ጳውሎስ ንዓናውን ከበራትዓና ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና: ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ መንፈስ ካብ ዘለዎም ሰባት ክንርሕቕ ይግብኣና። ጳውሎስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33) ርግጽ ኢዩ እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ናብራ እውን ይውዕል ኢዩ።

10. እቲ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ ህያው ኰይኑ ከም ዝቕጽል ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ጳውሎስ ነቶም ብዛዕባ ትንሳኤ ዝጠራጠሩ ከምዚ ዝስዕብ በሎም:- “ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ: ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ።” (1 ቈረንቶስ 15:⁠34) ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” እዚ ምስ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽን ክርስቶስን ተሰማሚዕና ክንመላለስ የድልየና። (ዳንኤል 12:⁠4፣ ዮሃንስ 17:⁠3) እዚ ነቲ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ ህያው ኰይኑ ከም ዝቕጽል ክገብሮ ኢዩ።

እንታይ ዓይነት ኣካል ሒዞም ኢዮም ክትንስኡ፧

11. ጳውሎስ ንትንሳኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ብዝምልከት እንታይ ምሳሌ ሃበ፧

11 ጳውሎስ ኣስዒቡ ገለ ሕቶታት ኣልዒሉ ይዛረብ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠35-41) ሓደ ኣብ ትንሳኤ ምጥርጣር ክዘርእ ህርድግ ዝብል ሰብ ምናልባት ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሕቶ ይሓትት ይኸውን:- “ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧ እንታይ ዓይነት ኣካል ሒዞምከ ኢዮም ዝትንስኡ፧” ከምቲ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ ሓንቲ ዘርኢ ኣብ ሓመድ ተዘሪኣ ናብ ምብቋል ገጻ ኽትከይድ ከላ ሙማታ ዘይተርፍ ኢዩ። ብተመሳሳሊውን መንፈስ ውልድነት ዝረኸበ ሰብ ክመውት ግድን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ተኽሊ ሓድሽ ኣካል ሒዛ ካብ ሓንቲ ዘርኢ እትበቍል: እቲ ዝትንስእ ኣካል ናይ ሓደ ቅቡእ ክርስትያን እውን ካብቲ ሰብኣዊ ስጋ እተፈልየ ኢዩ። ቅድሚ ሙማቱ ዝነበሮ ኣገባብ ህይወት ዝህልዎ እኳ እንተ​ዀነ: ኣብ ሰማይ ከንብሮ ዝኽእል መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ ከም ሓድሽ ፍጥረት ኢዩ ዝትንስእ። እቶም ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ ግን ሰብኣዊ ኣካል ሒዞም ከም ዝትንስኡ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

12. “ሰማያዊ ኣካል” ከምኡውን “ምድራዊ ኣካል” ዝብል መግለጺታት እንታይ ማለት ኢዩ፧

12 ከምቲ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ ሰብኣዊ ስጋ ካብ ናይ እንስሳታት ይፍለ ኢዩ። ናይ እንስሳታት ስጋ እውን ኣብ ንሓድሕዱ ከከም ዓይነቱ ይፈላለ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:​20-25) እቲ ናይ መንፈሳውያን ፍጡራት “ሰማያዊ ኣካል” (NW  ) ካብ ናይቶም ስጋውያን “ምድራዊ ኣካል” (NW  ) ይፍለ ኢዩ። ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እውን ኣብቲ ዘለዎም ክብሪ ይፈላለዩ ኢዮም። እቶም ዝትንስኡ ቅቡኣት ግን ኣዝዩ ዝዓበየ ክብሪ ኢዩ ዘለዎም።

13. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 15:⁠42-44 ዝዝራእ እንታይ ኢዩ: ዝትንስእከ እንታይ ኢዩ፧

13 ነዚ ፍልልያት እዚ ድሕሪ ምጥቃሱ ጳውሎስ “ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ” ብምባል ይዛረብ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠42-44) ኣስዒቡ ድማ “ብዚሐልፍ ይዝራእ: ብዘይ​ሐልፍ ከኣ ይትንስእ” ይብል። ምናልባት ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ብሓፈሻ ኢዩ ዝዛረብ ዝህሉ። ብዝሓልፍ ብሞት ምስ ተዘርአ: ካብ ሓጢኣት ናጻ ዀይኑ ብዘይ​ሓልፍ ይትንስእ። እዚ ኣካል እዚ ኣብ ዓለም ሕስረት እኳ እንተ ኣጓነፎ: ናብ ሰማያዊ ህይወት ይትንስእን ምስ ክርስቶስ ብኽብሪ ይግለጽን። (ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠41፣ ቈሎሴ 3:⁠4) ኣብ ግዜ ሞት “ነፍሳዊ ስጋ” ይዝራእ: “መንፈሳዊ ኣካል” (NW  ) ድማ ይትንስእ። እዚ ኣብቶም መንፈስ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት ክትግበር ዝከኣል ካብ ኰነ እምበኣር: ካልኦት ደቅሰብ ኣብ ምድሪ ንኽነብሩ ከም ዝትንስኡ ምግባር ዝከኣል ምዃኑ እውን ዘረጋግጸልና ኢዩ።

14. ጳውሎስ ንክርስቶስን ኣዳምን ዘነጻጸሮም ብኸመይ ኢዩ፧

14 ጳውሎስ ኣስዒቡ ንክርስቶስ ምስ ኣዳም የነጻጽሮ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠45-49) ኣዳም እቲ ቐዳማይ ሰብ “ህያው ነፍሲ ዀነ።” (ዘፍጥረት 2:⁠7) “እቲ ዳሕራይ ኣዳም”​—⁠የሱስ​—⁠“ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ።” ህይወቱ በጅነታዊት መስዋእቲ ኽትከውን ሂቡ ኢዩ፣ ብቐዳምነት ኣብ ክንዲ ቅቡኣት ሰዓብቱ ኢዩ በጃ ዀይኑ። (ማርቆስ 10:⁠45) እቶም ቅቡኣት ኣብ እዋን ሰብኣዊ ህይወቶም ‘ምስሊ እቲ መሬታዊ ኢዮም ዝለብሱ:’ ትንሳኤ ኣብ ዝረኽብሉ ግዜ ግን ምስሊ እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ኢዩ ክህልዎም። ርግጽ ኢዩ መስዋእቲ የሱስ ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ እንተላይ ነቶም ትንሳኤ ኣብ ምድሪ ዝረኽቡ እውን ክጠቕሞም ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2

15. ቅቡኣት ክርስትያናት ብስጋ ዘይትንስኡ ስለምንታይ ኢዮም: ኣብ እዋን ህላወ የሱስከ ብኸመይ ኢዮም ዝትንስኡ፧

15 ቅቡኣት ክርስትያናት ምስ ሞቱ ስጋዊ ኣካል ሒዞም ኣይኰኑን ዝትንስኡ። (1 ቈረንቶስ 15:50-53) ሓላፊ ዝዀነ ስጋን ደምን: ኣብ ሰማይ ዘይሓልፍ ህይወትን መንግስቲ ኣምላኽን ኣይወርስን ኢዩ። ገሊኦም ቅቡኣት ንነዊሕ እዋን ብሞት ደቂሶም ክጸንሑ ኣየድልዮምን ኢዩ። እቶም ኣብ እዋን ህላወ የሱስ ምድራዊ ህይወቶም ብተኣማንነት ዝውድኡ ‘ብሓንሳእ: ብቕጽበት ዓይኒ ክልወጡ ኢዮም።’ ብኡንብኡ ብዘይ​ሓልፍ መንፈሳዊ ህይወትን ክብርን ክትንስኡ ኢዮም። ኣብ መወዳእትኡ ቍጽሪ ኣባላት ሰማያዊት “መርዓት” ክርስቶስ 144,000 ክመልእ ኢዩ።​—⁠ራእይ 14:⁠1፣ 19:⁠7-9፣ 21:⁠9፣ 1 ተሰሎንቄ 4:⁠15-17

ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት!

16. ጳውሎስን ካልኦት ቀዳሞት ነብያትን ከም ዝገለጽዎ ነቲ ካብ ሓጥእ ኣዳም እተወርሰ ሞት እንታይ ክወርዶ ኢዩ፧

16 ጳውሎስ ሞት ንዘለኣለም ክወሓጥ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ዓወት ኣዋጅ ይእውጅ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠54-57) እቲ ሓላፍን መዋትን: ዘይሓልፍን ዘይመውትን ምስ ለበሰ እዚ ዝስዕብ ቃላት ክፍጸም ኢዩ:- “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ።” “ዎ ሞት: ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ: ኣበይ አሎ ዓወትካ፧” (ኢሳይያስ 25:⁠8፣ ሆሴእ 13:⁠14) እቲ ሞት ዘምጽእ ብልሒ: ሓጢኣት ኢዩ። ሓጢኣት ከም ዝጸንዕ ዝገብር ከኣ እቲ ንሓጥኣን ንሞት ዝዅንኖም ዝነበረ ሕጊ ኢዩ። ሳላ መስዋእትን ትንሳኤን የሱስ ግን: እቲ ካብ ሓጥእ ኣዳም እተወርሰ ሞት ዕዉት ኣይክኸውንን ኢዩ።​—⁠ሮሜ 5:⁠12፣ 6:⁠23

17. እተን ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:⁠58 ዝርከባ ቃላት ሎሚ ኣብ ግብሪ ዝውዕላ ብኸመይ ኢየን፧

17 ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “ስለዚ: ፍቁራት ኣሕዋተየ: ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።” (1 ቈረንቶስ 15:⁠58) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቶም ሎሚ ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍ ይኹን ኣብቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሞት ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ የሱስ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ዝውዕላ ኢየን። (ዮሃንስ 10:⁠16) እቲ ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዝጽዕርዎ ጻዕሪ ከንቱ ዀይኑ ኣይክተርፍን ኢዩ: ከመይሲ ትንሳኤ ኢዩ ዝጽበዮም። ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን እምበኣር ነታ ብሓጐስ ‘ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧’ ኢልና እንጭድረላ መዓልቲ እናተጸበና ሃየ ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ንኹን!

ተስፋ ትንሳኤ ይፍጸም!

18. እቲ ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮ ተስፋ ክሳዕ ክንደይ ድልዱል ነበረ፧

18 እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ተመዝጊቡ ዘሎ ጳውሎስ እተዛረቦ ቃላት: ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ህይወቱ ሓይሊ ኸም ዝነበሮ የነጽር። የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአን ካልኦት ከኣ ካብቲ ናይ ደቅሰብ ተራ መቓብር ምውጽኦም ዘይተርፍ ምዃኑን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ድልዱል እምንቶ ኣሎካዶ፧ ጳውሎስ ‘ንክርስቶስን ሓይሊ ትንሳኤኡን ምእንቲ ኽፈልጥ’ ኢሉ ንስሱዕ ረብሓ “ከም ጐሓፍ” ከምኡውን ‘ንዅሉ ከም ወጽዓ’ ቈጺርዎ ኢዩ። እቲ ሃዋርያ “ናይ ፈለማ ትንሳኤ” (NW  ) ንኽረክብ ተስፋ ብምግባር ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ሞት ንኽመውት ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። እዚ “ቐዳማይ ትንሳኤ” እውን ተባሂሉ ዘሎ ኣብቶም 144,000 ዝፍጸም ኢዩ። እወ: እዚኣቶም ኣብ ሰማይ መንፈሳዊ ህይወት ንኽህልዎም ክትንስኡ ኸለዉ “እቶም ዝተረፉ ምዉታት” ግን ኣብ ምድሪ ክትንስኡ ኢዮም።​—⁠ፊልጲ 3:⁠8-11፣ ራእይ 7:⁠4፣ 20:⁠5, 6

19, 20. (ሀ) ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝትንስኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት በዓል መን ኢዮም፧ (ለ) መን ክትንስእ ኢኻ እትናፍቕ፧

19 ተስፋ ትንሳኤ ነቶም ክሳዕ ሞት እሙናት ዝዀኑ ቅቡኣት ግርማዊ ግህዶ ኰይንሎም ኣሎ። (ሮሜ 8:⁠18፣ 1 ተሰሎንቄ 4:⁠15-18፣ ራእይ 2:⁠10) ‘ባሕሪ: ሞት: ሲኦል ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ምስ ወፈዩ’ ደሓንቲ ናይቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ምድሪ ክገሃድ ከሎ ክርእዩ ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9, 13, 14፣ 20:⁠13) ሓደ ካብዞም ብህይወት ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ እቲ ናይ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሞት ደቁ ዘጋጠሞ እዮብ ኢዩ። ነቲ ምስ ተንስኡ ክቕበሎም ከሎ ዝስምዖ ሓጐስ እሞ ክትግምቶ ፈትን​—⁠ደቁ ኸኣ ካልኦት ሸውዓተ ኣሕዋትን ሰለስተ መልክዐኛታት ኣሓትን ከም ዘለውዎም ምስ ፈለጡ ክንደይ ኰን ክሕጐሱ ኢዮም!​—⁠እዮብ 1:⁠1, 2, 18, 19፣ 42:⁠12-15

20 ኣብርሃምን ሳራን ይስሃቅን ርብቃን ‘ኵሎም ነብያትውን:’ ኰታ ብዙሓት ካልኦት ኣብ ምድሪ ብህይወት ምስ ተንስኡ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ክህሉ ኢዩ! (ሉቃስ 13:⁠28) ሓደ ካብቶም ነብያት እቲ ኣብ ትሕቲ መሲሓዊ ግዝኣት: ትንሳኤ ከም ዝህሉ መብጽዓ እተገብረሉ ዳንኤል ኢዩ። ኣብ መቓብር ካብ ዝዓርፍ ድሮ 2,500 ዓመታት ሓሊፉ እኳ እንተ ሃለወ: ከም ሓደ ካብቶም ‘ኣብ ብዘላ ምድሪ መሳፍንቲ’ ዝዀኑ ሰባት ‘ናብ ግዴኡ ክትንስእ ኢዩ።’ (መዝሙር 45:⁠16፣ ዳንኤል 12:⁠13) ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ጥራይ ዘይኰነስ ኣቦኻ: ኣዴኻ: ወድኻ: ጓልካ: ወይ ካልኦት ብሞት እተመንዝዑ እትፈትዎም ሰባት ተንሲኦም ክትቅበልስ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ!

21. ንኻልኦት ሰናይ ኣብ ምግባር ክንደናጐ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

21 ገለ ካብ ኣዕርዅትናን ፍቑራትናን ንኣምላኽ ምግልጋል ካብ ዝጅምሩ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ: ሕጂ ኸኣ ዕድመ ደፊኦም ይህልዉ ይዀኑ። ዕድመ ምድፋእ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ጸገማትን ብድሆታትን የምጽኣሎም ይኸውን። ኣብዛ እዋን እዚኣ ዓቕምና ዝፈቕዶ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ክንውፍየሎምስ ክንደይ ፍቕራዊ ኰን ኢዩ! ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርና ኣብቲ ሞት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ዝምንጥለሉ እዋን: ግዴታና ብዘይ​ምፍጻምና ዝስምዓና ጣዕሳ ኣይክህልወናን ኢዩ። (መክብብ 9:⁠11፣ 12:⁠1-7፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠3, 8) ዕድሜኦምን ኵነታቶምን እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ንኻልኦት እንገብሮ ሰናይ ነገራት: የሆዋ ከም ዘይርስዖ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ጳውሎስ “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 6:⁠10፣ እብራውያን 6:⁠10

22. ተስፋ ትንሳኤ ፍጻሜኡ ክሳዕ ዝረክብ እንታይ ንምፍጻም ኢና ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

22 የሆዋ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:⁠3, 4) ቃሉ የጸናንዓና ኢዩ: ንኻልኦት ሰባት እውን በቲ ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ሓይሊ ንኸነጸናንዖም ይሕግዘና ኢዩ። እዚ ተስፋ እዚ ምዉታት ኣብ ምድሪ ብህይወት ምስ ተንስኡ ፍጻሜኡ ኽረክብ ከሎ ክሳዕ እንርኢ ልክዕ ከም ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ እምነት ይሃልወና። ብፍላይ ነቲ ካብ ምዉታት ከተንስኦ ከም ዝኽእል ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተስፋ እተጋህደሉ የሱስ እንመስሎ ይግበረና። እቶም ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ምዉታት ድሕሪ ሓጺር እዋን ድምጺ ክርስቶስ ክሰምዑን ካብ መቓብር ክወጹን ኢዮም። እዚ ምንጪ ምጽንናዕን ሓጐስን ዝዀነና ይግበሮ። ልዕሊ ዅሉ ግን ነቲ ሞት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንኽሰዓር ምድላው ዝገበረ የሆዋ ምስጋና ይብጽሓዮ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ጳውሎስ ንትንሳኤ የሱስ ዝምልከት እንታይ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዘለውዎ መርትዖ ኢዩ ዘቕረበ፧

• ‘እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ’ እንታይ ኢዩ: ዝሰዓርከ ብኸመይ ኢዩ፧

• ንቕቡኣት ክርስትያናት ብዝምልከት እቲ ዝዝራእን ዝትንስእን እንታይ ኢዩ፧

• ኣብ ምድሪ ምስ ተንስኡ ክትረኽቦም እትደሊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ሰባት በዓል መን ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣበርቲዑ ተጣቢቑ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ናይ እዮብን ስድራ​ቤቱን ከምኡውን ናይ ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ትንሳኤ: ምንጪ ደረት ዘይብሉ ሓጐስ ክኸውን ኢዩ !