ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ ትንሳኤ ርግጽ ኢዩ!

ተስፋ ትንሳኤ ርግጽ ኢዩ!

ተስፋ ትንሳኤ ርግጽ ኢዩ!

“ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ።” —⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

1. ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ክንገብር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ክንገብር ዘኽእለና ቅቡል ምኽንያት ሂቡና ኢዩ። ምዉታት እንደገና ክትንስኡ ምዃኖም ዘረጋግጸልና መብጽዓ ኣትዩልና ኣሎ። ነቶም ብሞት ዝደቀሱ ዝምልከት ዕላምኡ ከም ዝፍጽሞ እውን ርግጸኛታት ኢና። (ኢሳይያስ 55:⁠11፣ ሉቃስ 18:⁠27) አረ ርግጸኛታት ንምዃን እንተ​ድኣ ተደልዩስ: ኣምላኽ ንምዉታት ናይ ምትንሳእ ክእለት ከም ዘለዎ ኣቐዲሙ ኣርእዩ ኢዩ።

2. ተስፋ ትንሳኤ ክጠቕመና ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

2 ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ምዉታት ንምትንሳእ ገይርዎ ኣብ ዘሎ ምድላው ምእማን: ንዘጋጥመና ጽንኩር እዋናት ክንሰግሮ ዘኽእለና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ርግጽነት ተስፋ ትንሳኤ ነቲ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ንጽህና ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ንምዕቃቡ ዘኽእለና ኢዩ። ስለዚ ብዛዕባ እቶም እንደገና ህያዋን ዝዀኑ ሰባት ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻባት ምስ እንምርምር: እቲ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ ከይደልደለ ኸም ዘይተርፍ እተረጋገጸ ኢዩ። ኵሉ እቲ ተኣምራት ካብቲ ሉዓላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዝመጸ ሓይሊ ኢዩ ተፈጺሙ።

ንምዉታቶም ብትንሳኤ ተቐበልዎም

3. ወዲ እታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር ዝነበረት መበለት ምስ ሞተ: ኤልያስ እንታይ ንምግባር ኢዩ ሓይሊ ዝረኸበ፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘርኣይዎ እምነት መሳጢ ብዝዀነ መገዲ ክትንትኖ ኸሎ “ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም” ብምባል ጸሓፈ። (እብራውያን 11:⁠35፣ 12:⁠1) ሓንቲ ኻብዘን ኣንስቲ እዚኣተን እታ ኣብ ከተማ ሰራጵታ ናይ ከነኣን እትነብር ዝነበረት መስኪን መበለት ኢያ። ንኤልያስ ነብዪ ኣምላኽ ኣአንጊዳቶ ስለ ዝነበረት ኣብ እዋን እቲ ንዓኣ ይኹን ንወዳ ኣብ ሓደጋ ሞት ከብጽሖም ዝኽእል ዝነበረ ጥሜት: እቲ ዝነበራ ሓርጭን ዘይትን ብተኣምራታዊ መገዲ ከይተወድአ ከናብሮም ክኢሉ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ቘልዓ ሞተ እሞ ኤልያስ ኣብ ዓራት ኣደቀሶ: ጸለየ: ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ እውን ሰለስተ ሳዕ በጥ በለ፣ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: በጃኻ: ነፍሲ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳ” ኢሉ ድማ ለመነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ቘልዓ ነፍሲ ወይ ድማ ህይወት ከም ዝዘርእ ገበሮ። (1 ነገስት 17:⁠8-24) እዛ መበለት እዚኣ በቲ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ፈለማ ትንሳኤ ናይቲ እትፈትዎ ወዳ ኣቢላ ዓስቢ እምነታ ምስ ረኸበት እተሰምዓ ሓጐስ እሞ ሕሰቦ!

4. ኤልሳእ ኣብ ሹኔም እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝፈጸመ፧

4 ካልእ ምዉታ ብትንሳኤ እተቐበለት ከኣ እታ ኣብ ከተማ ሹኔም እትነብር ዝነበረት ሰበይቲ ኢያ። ሰብኣያ ብዕድመ ዝደፍአ ኢዩ ነይሩ። ንሳ ንነብዪ ኤልሳእን ጊልያኡን ሕያውነት ዝመልኦ ግብሪ ስለ ዝገበረትሎም ወዲ ብምውላድ ዓስቢ ረኺባ ኢያ። ሓያለይ ዓመታት ጸኒሑ ግን ነቲ ነብዪ ጸውዓቶ: እቲ ወዲ ድማ ሞይቱ ጸንሖ። ኤልሳእ ጸሎት ምስ ኣቕረበን ሓድሓደ ተግባራት ምስ ፈጸመን: ‘ስጋ እቲ ቘልዓ ሞቐ።’ ድሕርዚ “ሾብዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ።” እዚ ትንሳኤ እዚ ነታ ኣደ ይኹን ነቲ ውሉድ ብርግጽ ኣሐጒስዎም ኢዩ። (2 ነገስት 4:⁠8-37፣ 8:⁠1-6) በቲ “ዚሐይሽ ትንሳኤ” ኣቢሎም ናብቲ እንደገና ከይሞቱ ክነብሩሉ ዝኽእሉ ምድራዊ ህይወት ምስ ተንስኡ ግዳ ክንደይ ኰን ክሕጐሱ ኢዮም! እዝስ ነቲ ኣምላኽ ትንሳኤ ዝዀነ ፈቃር የሆዋ ንምምስጋኑ ከመይ ዝበለ ብቝዕ ምኽንያት ኰን ኢዩ!​—⁠እብራውያን 11:⁠35

5. ኤልሳእ ምስ ሞተ እውን እንተ​ዀነ ብእኡ ኣቢሉ ተኣምራት እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧

5 ኣምላኽ ድሕሪ ሞትን ቀብርን ኤልሳእ እውን ከይተረፈ ኣዕጽምቱ ብመንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኸም ዝህልዎ ገይሩ ኢዩ። ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “[ገለ እስራኤላውያን] ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለዉ: እንሆ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ [ሞኣባውያን] ርእዮም ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ [ምዉት] ሰብኣይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ: ሐወየ: በእጋሩ ድማ ደው በለ።” (2 ነገስት 13:⁠20, 21) እቲ ሰብኣይ ክንደይ ኰን ኢዩ ተደኒቑን ተሓጒሱን ዝኸውን! ብመሰረት እቲ ዘይተርፍ ዕላማ የሆዋ ኣምላኽ: እቶም ብሞት እተፈልዩና እነፍቅሮም ሰባት ብህይወት ምስ ተንስኡ ንዝህሉ ሓጐስ እሞ ሕሰቦ!

ወዲ ኣምላኽ ምዉታት ኣተንሲኡ

6. የሱስ ኣብ ጥቓ ከተማ ናይን እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝፈጸመ: እዚ ፍጻመ እዚኸ ኣባና እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል፧

6 እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ምዉታት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ክትንስኡ ከም ዝኽእሉ ዘእምነና ምኽንያት ሂቡና ኣሎ። እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ናይን ዘጋጠመ ፍጻመ: ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት በቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሓይሊ ክግበር ከም ዝከኣል ንኽንግንዘብ ዝሕግዘና ኢዩ። ሓደ ግዜ: ሬሳ ናይ ሓደ መንእሰይ እተሰከሙ ቀባሮ ካብታ ኸተማ ክወጹ ኸለዉ ንየሱስ ተጓነፍዎ። እቲ ምዉት ንሓንቲ መበለት ሓደ ወዳ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ድማ ነታ ሰበይቲ “ኣይትብከዪ” በላ። ድሕርዚ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ እሞ “ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ” በለ። እቲ መንእሰይ ድማ ኮፍ በለ: ክዛረብውን ጀመረ። (ሉቃስ 7:⁠11-15) እዚ ተኣምራት እዚ ተስፋ ትንሳኤ ርግጽ ምዃኑ ንዘሎና እምንቶ ብሓቂ ዘደልድሎ ኢዩ።

7. ንጓል ያኢሮስ ብዝምልከት እንታይ ኵነታት ኢዩ እተፈጸመ፧

7 ነቲ ንያኢሮስ ዝስሙ: መራሒ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝርከብ ቤት ጸሎት ዝምልከት ጕዳይ እውን ንርኣዮ። ነታ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረት 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ዝፈትዋ ጓሉ ኸይዱ ክረድኣ ንየሱስ ሓተቶ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እታ ቘልዓ ኸም ዝሞተት ተነግሮም። የሱስ ነቲ ብሓዘን ተዋሒጡ ዝነበረ ያኢሮስ እምነት ክገብር ብምምሕጻን ምስኡ ናብቲ ሰባት ተኣኪቦም ዝበኽይሉ ዝነበሩ ቤት ያኢሮስ ከደ። የሱስ “እዛ ቘልዓ ደቂሳ አላ እምበር: ኣይሞተትን” ምስ በሎም እቶም እኩባት ሰባት ሰሓቑ። ብርግጽ ሞይታ ኢያ ነይራ: የግዳስ የሱስ ከምዚ መበሊኡ ልክዕ ከምቲ ንሰባት ካብ ዓሚቝ ድቃስ ምብርባሮም ዝከኣል ንምዉታትውን ናብ ህይወት ምትንሳኦም ከም ዝከኣል ክገልጽ ስለ ዝደለየ ኢዩ። ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ “ኣቲ ጓል: ተንስኢ” በለ። እታ ጓል ድማ ብኡንብኡ ተንስአት: ‘ወለዳ’ ኸኣ ብሓጐስ “ተገረሙ።” (ማርቆስ 5:⁠35-43፣ ሉቃስ 8:⁠49-56) ብሞት እተፈልዩ ሰባት ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ብህይወት ክትንስኡ ኸለዉ: እቶም ዘፍቅርዎም ኣባላት ስድራ​ቤቶም ብዘይ​ጥርጥር ‘ክግረሙ’ ኢዩ።

8. የሱስ ኣብ መቓብር ኣልኣዛር እንታይ ፈጸመ፧

8 የሱስ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ክኸይድን እቲ ኣብ ኣፍደገ ዝነበረ እምኒ ክለዓልን ከሎ ኣልኣዛር ካብ ዝመውት ድሮ ራብዕቲ ዀይንዎ ነበረ። ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሓይሊ ይውከል ከም ዝነበረ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ምእንቲ ኽፈልጡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑ ምስ ጸለየ ብብርቱዕ ድምጺ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” በለ። ኣልኣዛር ድማ ወጸ! ገና ግን ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብመግነዝ ተኣሲሩ ገጹ ኸኣ ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ነበረ። የሱስ ከኣ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በለ። ነተን ኣሓት ኣልኣዛር ዝዀና ማርያምን ማርታን ከጸናንዑ ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ነዚ ተኣምራት እዚ ምስ ረኣዩ ብየሱስ ኣመኑ። (ዮሃንስ 11:⁠1-45) እዚ ጸብጻብ እዝስ እቶም ብሞት እተፈልዩኻ እተፍቅሮም ሰባት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብህይወት ክትንስኡ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ከም እተንብር ዝገብረካዶ ኸይኰነ፧

9. የሱስ ንምዉታት ከተንስኦም ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

9 ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ የሱስ ‘ዕዉራት ይርእዩ: ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ’ ዝብል ዘተባብዕ መልእኽቲ ሰደደሉ። (ማቴዎስ 11:⁠4-6) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ምዉታት ካብ ኣተንስአ እምበኣር: ሓያል መንፈሳዊ ፍጥረት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ በቲ ኣምላኽ ዝህቦ ዓቕሚ ብርግጽ ተመሳሳሊ ተግባር ክፍጽም ይኽእል ኢዩ። የሱስ “ትንሳኤን ህይወትን” ኢዩ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ሰሚዖም ክወጹ ምዃኖም’ ምፍላጥ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 11:⁠25

ተስፋና ዘደልድል ትንሳኤ ካልኦት

10. ነቲ ብሃዋርያት ካብ እተፈጸሙ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ተዋሂብሉ ዘሎ ትንሳኤ ብኸመይ ክትገልጾ ምኸኣልካ፧

10 የሱስ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽሰብኩ ክልእኮም ከሎ “ምዉታት ኣተንስኡ” በሎም። (ማቴዎስ 10:⁠5-8) ከምዚ ንምግባር ግን ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ክውከሉ ኸም ዝነበሮም እተረጋገጸ ኢዩ። ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዮጴ እታ ንኣምላኽ እትፈርህ ዝነበረት ዶርቃስ (ጣቢታ) ዝስማ ሰበይቲ ሞተት። ንስኡናት መበለታት ክዳውንቲ ምስፋይ ሓደ ካብቲ ሰናይ ግብርታታ ነበረ: ስለዚ ናታ ሞት ነተን መበለታት ኣዝየን ከም ዝሓዝና ገይርወን ኢዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንኽትቅበር ኣዳለዉዋ: ምናልባትውን ንኸጸናንዖም ኢዮም ዝዀኑ ልኡኽ ሰዲዶም ንጴጥሮስ ጸውዕዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠32-38) ንሱ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ካብቲ ደርቢ ኣውጺኡ ጸለየ እሞ “ጣቢታ: ተንስኢ” በለ። ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት: ኮፍ ከኣ በለት: ንጴጥሮስ ብኢዱ ሒዛ ድማ ተንስአት። እዚ ብሃዋርያት ካብ እተፈጸሙ ናይ መጀመርታ ዝዀነ ትንሳኤ ንብዙሓት ከም ዝኣምኑ ገይርዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠39-42) ንዓናውን ኣብ ትንሳኤ እምነት ንኽንገብር ተወሳኺ ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና።

11. እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ትንሳኤ ኣየናይ ኢዩ፧

11 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመወዳእታ ግዜ ተጠቒሱ ዘሎ ትንሳኤ ኣብ ጥሮኣስ ኢዩ ተፈጺሙ። ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ናብ ጥሮኣስ ምስ ተኣልየ: ንዝርርቡ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣናውሖ። ሓደ ኣውጢኮስ ዝስሙ መንእሰይ ድኻም ስለ ዘሰነፎ ምናልባትውን ብሰንኪ ሙቐት ናይቲ ኣብኡ ዝነበረ ብዙሕ ቀንዴላትን መሊኡ ዝነበረ መአከቢ ቦታን ኢዩ ዝኸውን ድቃስ ወሲድዎ ካብ መስኰት ሳልሳይ ደርቢ ክምብል ኢሉ ወደቐ። ምስ ወደቐ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ዘይኰነስ “ሞይቱ . . . ኣልዐልዎ።” ጳውሎስ ኣብ ልዕሊ ኣውጢኮስ በጥ ብምባል ሓቘፎ እሞ ነቶም ተዓዘብቲ “ነፍሱ ኣብኡ አላ እሞ: ዋይዋይ ኣይትበሉ” በሎም። ጳውሎስ ከምዚ ዝበለ: ህይወት እቲ መንእሰይ ከም እተመልሰት ንምሕባር ኢዩ ነይሩ። እቶም ሽዑ ኣብኡ ዝነበሩ “ኣዝዮም ተጸናንዑ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠7-12) ሎሚ እውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቶም ብሞት ተፈልዮምዎም ዘለዉ ብጾቶም ንፍጻሜ ተስፋ ትንሳኤ ከም ዝምኰርዎ ስለ ዝፈልጡ ዓቢ ምጽንናዕ ኢዮም ዝረኽቡ።

ትንሳኤ​—⁠ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተስፋ

12. ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ እቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ምስ ቀረበ ብዛዕባ ኣየናይ እምንቶኡ ኢዩ ዝገለጸ፧

12 ጳውሎስ ‘ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ እናኣመንኩ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ክኸውን ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ’ ብምባል ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌሊክስ ኣብ መጋባእያ ተመጻረየ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠14, 15) እቲ ኸም ‘ሕጊ’ ዝኣመሰለ ክፍልታት ቃል ኣምላኽ: ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ዝገልጽ ብኸመይ ኢዩ፧

13. ኣምላኽ ነቲ ናይ ፈለማ ትንቢት ክህብ ከሎ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣተምቢሁ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ኣምላኽ ኣብ ኤደን ነቲ ናይ ፈለማ ትንቢት ክህብ ከሎ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣተምቢሁ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ውሳነ ፍርዲ ክህብ ከሎ ኣምላኽ ባዕሉ ከምዚ በለ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ራእይ 12:⁠9፣ ዘፍጥረት 3:⁠14, 15) መንከስቲ ሸዀና ዘርኢ እታ ሰበይቲ: መቕተልቲ የሱስ ክርስቶስ ማለት ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘርኢ: ርእሲ ናይቲ ተመን ክጭፍልቕ ካብ ነበሮ እምበኣር: ክርስቶስ ካብ ምዉታት ክትንስእ ግድን ነበረ።

14. የሆዋ ‘ናይ ህያዋን እምበር ናይ ምዉታት ኣምላኽ ዘይኰነ’ ብኸመይ ኢዩ፧

14 የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣፍለጠ:- “ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና: ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርአየ። ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ: ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር: ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን።” (ሉቃስ 20:⁠27, 37, 38፣ ዘጸኣት 3:⁠6) ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ምዉታት እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ንምትንሳኦም ዝነበረ ዕላማ ኣምላኽ: ፍጻሜኡ ኸም ዝረክብ ኣዝዩ ርግጽ ብምዃኑ ንዕኡ ልክዕ ብህይወት ከም ዘለዉ ኢዩ።

15. ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ ንኽኣምን ምኽንያት ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ክገብር ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ: ከመይሲ ንሱን ሰበይቱ ሳራን ኣዝዮም ኣሪጎም: ቈልዑ ንኽወልዱ ብዝነበሮም ተኽእሎ ዝመጸ ኸኣ ምዉታት እኳ እንተነበሩ ኣምላኽ ነቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሞም ብተኣምራታዊ መገዲ ከም ዝምለስ ገይርዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከም ትንሳኤ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 18:⁠9-11፣ 21:⁠1-3፣ እብራውያን 11:⁠11, 12) ወዶም ይስሃቅ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ ኣምላኽ ንኣብርሃም መስዋእቲ ክገብሮ ነገሮ። ይኹን እምበር: ኣብርሃም ንይስሃቅ ንኽቐትሎ ኢዱ ወስ ምስ ኣበለ: መልኣኽ የሆዋ ነታ ኢዱ ሓዛ። ኣብርሃም “ኣምላኽ [ንይስሃቅ] ካብ ምዉታት . . . ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ: ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።”​—⁠እብራውያን 11:⁠17-19፣ ዘፍጥረት 22:⁠1-18

16. ኣብርሃም ብሞት ደቂሱ እንታይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ፧

16 ኣብርሃም ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ መሲሓዊ ግዝኣት ናይቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዝፍጸም ትንሳኤ ብተስፋ ይጽበዮ ነይሩ ኢዩ። ወዲ ኣምላኽ ከም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ነታ ኣብርሃም ዝነበረቶ እምነት ኣስተብሂሉላ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ንኣይሁድ “ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ” ዝበሎም። (ዮሃንስ 8:⁠56-58፣ ምሳሌ 8:⁠30, 31) ሕጂ ኣብርሃም ብሞት ደቂሱ ኢዩ ዘሎ: ኣብ ምድሪ ብህይወት ንኽነብር ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝፍጸም ትንሳኤ ይጽበ ኣሎ።​—⁠እብራውያን 11:⁠8-10, 13

ኣብ ሕግን መዝሙራትን ዘሎ መርትዖ

17. እቲ ‘ኣብ ሕጊ ዘሎ’ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ዝሓበረ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

17 እቲ ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮ ተስፋ ምስቲ ‘ኣብ ሕጊ ዘሎ’ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም:- “ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ: ነታ እንዳእቲ [ኣብ 16 ኒሳን] ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ።” (ዘሌዋውያን 23:⁠9-14) ጳውሎስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ ዝኸውን “ክርስቶስ: በዅሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ: ካብ ምዉታት ተንስኤ” ብምባል ዝጸሓፈ። የሱስ “በዅሪ” ዀይኑ ብ16 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ተንስአ። ድሕርዚ ኣብ እዋን ህላወኡ: ትንሳኤ እቶም ‘ዳሕሮት በዅራት’​—⁠ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቱ​—⁠ክኸውን ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:20-23፣ 2 ቈረንቶስ 1:⁠21፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠20, 27

18. ትንሳኤ የሱስ ኣቐዲሙ ኣብ መዛሙራት ተነጊሩ ምንባሩ ጴጥሮስ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጸ፧

18 መዝሙራት እውን ንትንሳኤ ዝድግፍ ኢዩ። ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ንመዝሙር 16:⁠8-11 ጠቒስዋ ኣሎ:- “ዳዊት ብዛዕባኡ [ብዛዕባ የሱስ] ይብል እዩ እሞ፤ ንእግዚኣብሔር ኵሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ: ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ: ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ: ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ: ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት: ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ።” ጴጥሮስ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ: ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። . . . [ዳዊት] ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ: ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ: ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ: ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠25-32

19, 20. ጴጥሮስ ንመዝሙር 118:⁠22 ዝጠቐሳ መዓስ ኢዩ: እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳብ ምስ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እተተሓሓዘኸ ብኸመይ ኢዩ፧

19 ድሕሪ ገለ መዓልትታት ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ቈይሙ እንደገና ካብ መዝሙራት ጠቐሰ። ንሓደ ሓንካስ ለማኒ ብኸመይ ከም ዘሕወዮ ምስ ተሓተተ እቲ ሃዋርያ ነዚ ዝስዕብ በለ:- “ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ: ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ: ኣብ ኵላትኩምን ኣብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ: ንሱ [የሱስ] እዩ። ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ: ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠10-12

20 ጴጥሮስ ካብ መዝሙር 118:⁠22 ብምጥቃስ ኢዩ ነቲ ሓሳብ ኣብ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ኣውዒልዎ። ኣይሁድ ብድፍኢት መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ነጺጎምዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 19:⁠14-18፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠14, 15) ‘ነደቕቲ ነቲ እምኒ ምንዓቖም’ ሞት ክርስቶስ ኣስዒቡ እኳ እንተ​ዀነ: እቲ ‘እምኒ ግን ርእሲ መኣዝን ኰነ’ እዚ ኸኣ ናብ ሰማያዊ መንፈሳዊ ክብሪ ምትንሳኡ ዘመልክት ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተዛረቦ “እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ።” (መዝሙር 118:⁠23) ነቲ “እምኒ” ርእሲ መኣዝን ምግባሩ ክበሃል ከሎ ናብቲ ንጉስ ክሳዕ ዝኸውን ዝጽበየሉ ቦታ ክብ ምባሉ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።​—⁠ኤፌሶን 1:⁠19, 20

ብተስፋ ትንሳኤ ምብርታዕ

21, 22. ኣብ እዮብ 14:⁠13-15 ተመዝጊቡ ከም ዝርከብ እዮብ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝገለጸ: እዚኸ ነቶም ሞት ዘፍቅርዎ ሰብ ዘጋጠሞም ብኸመይ ኢዩ ከጸናንዖም ዝኽእል፧

21 ካብ ምዉታት ዝተንስአ ሰብ በዒንትና ርኢና ዘይንፈልጥ እኳ እንተዀንና: ብዛዕባ ትንሳኤ ርግጸኛታት ክገብረና ዝኽእል ገለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ጸብጻባት ግን ተገንዚብና ኢና። ስለዚ እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ተስፋ ክገልጽ ከሎ ዝበሎ ሓሳብ ከነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። ኣብ ስቓይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ለመነ:- “[ዎ የሆዋ] ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብኣኒ: መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ: ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ። ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ . . . ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ: ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።” (እዮብ 14:⁠13-15) ኣምላኽ ንእዮብ ከተንስኦ ኻብ ዘለዎ ብርቱዕ ድሌት እተላዕለ ‘ንተግባር ኢዱ ክናፍቖ ኢዩ።’ እዝስ ንዓና ከመይ ዝበለ ተስፋ ኰን ኢዩ ዘስንቐና!

22 ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝዀነ ኣባል ስድራ​ቤትና ልክዕ ከም እዮብ ኣጸቢቑ ይሓምም ይኸውን: ኣብ ኢድ እቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት እውን ይወድቕ ይኸውን። ልክዕ ከምቲ የሱስ ብሞት ኣልኣዛር ዝበኸዮ እቶም ሞት ዘፍቅርዎ ሰብ ዘጋጠሞም እውን ይበኽዩ ኢዮም። (ዮሃንስ 11:⁠35) ኣምላኽ ንምዉታት ክጽውዖም ምዃኑን እቶም ኣብ መዘከርታኡ ዘለዉ ኸኣ ክምልስሉ ምዃኖምን ምፍላጥ ግን ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ሽዑ ልክዕ ካብ መገሻ ከም እተመልሱ ኢዮም ክዀኑ​—⁠ሕሙማትን ጕዱኣትን ዘይኰኑስ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ክምለሱ!

23. ገሊኦም ነቲ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎም እምንቶ ብኸመይ ገለጽዎ፧

23 ሞት ናይ ሓንቲ ዕድመ ደፊኣ ዝነበረት እምንቲ ክርስትያን: ንኣመንቲ ብጾት ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ንኽጽሕፉ ደሪኽዎም ኢዩ:- “በጃኺ ነዚ መግለጺ ናይቲ ኣዴኺ ብሙማታ እተሰማዓና ዓሚቝ ሓዘን ተቐበሊ። እታ ምጭውቲ ዀይናን ውዕዉዕ ስምዒት ሒዛን ክትምለስ ከላ እንቕበለላ እዋን ክትመጽእ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ኢዩ ተሪፍዋ ዘሎ!” ሞት ወዶም ዘጋጠሞም ወለዲ እውን ከምዚ ዝስዕብ በሉ:- “ነታ ጀይሰን ካብ ሞት ዝበራበረላ መዓልቲ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢና እንናፍቓ! ሽዑ ንከባቢኡ ምስ ተዓዘበ ኣብታ ዝብህጋ ዝነበረ ገነት ምህላዉ ክግንዘብ ኢዩ። . . . እዚ ነቶም እነፍቅሮ ዝነበርና ሰባት እውን ኣብኡ ንኽንህሉ ክንጽዕር ከመይ ዝበለ ደራኺ ሓይሊ ዀን ኢዩ።” ኣየወ ተስፋ ትንሳኤ ርግጸኛ ብምዃኑስ ክንደይ መማሰውቲ ኰን ኢና!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣብቲ ኣምላኽ ንምዉታት ከተንስእ ዘለዎ ምድላው ምእማን ክጠቕመና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

• ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ንምግባር መሰረት ክዀነና ዝኽእል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት ኣየናይ ኢዩ፧

• ትንሳኤ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተስፋ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

• ንምዉታት ብዝምልከት ብዛዕባ ኣየናይ ብርታዐ ዝህብ ተስፋ ኢና ከነስተንትን እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኤልያስ ነቲ ካብ የሆዋ ዝረኸቦ ሓይሊ ተጠቒሙ ንህይወት ናይቲ መንእሰይ ወዲ ሓንቲ መበለት መሊስዋ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንጓል ያኢሮስ ምስ ኣተንስኣ ወለዳ ብሓጐስ ተገሪሞም ኢዮም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጴጥሮስ: የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብትብዓት መስኪሩ ኢዩ