ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ኣብ ታይዋን ዝርከብ ግርሁ ሩዝ ብስራት ምእዋጅ

ኣብቲ ኣብ ታይዋን ዝርከብ ግርሁ ሩዝ ብስራት ምእዋጅ

ንሕና ከምቶም እምነት ዘለዎም ኢና

ኣብቲ ኣብ ታይዋን ዝርከብ ግርሁ ሩዝ ብስራት ምእዋጅ

 መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ታይዋን ጽቡቕ ዝናብ ስለ ዘሎ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኢዮም እቶት ሩዝ ዝሓፍሱ። ሓድሓደ ግዜ ግን ዝናብ ኣብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እዋን ኣይመጽእን፣ እቲ ዝበቘለ ድማ ይሃጕግ። ከምዚ ከጋጥም ከሎ እቲ ሓረስታይ ተስፋ ይቘርጽዶ፧ ፈጺሙ ኣይቈርጽን ኢዩ: ክዕገስ ከም ዘድልዮ ይፈልጥ ኢዩ። ፈልሲ የዳሉ እሞ ነቲ ግራት እንደገና ይዘርኦ። ሽዑ ኵነታት እንተ ተመሓይሹ: እቲ ሓረስታይ ጽቡቕ እቶት ይረክብ። መንፈሳዊ ምዝራእን ምሕፋስን እውን ሓድሓደ ግዜ ምስዚ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝመሳሰል።

ኣብቲ መንፈሳዊ ምሕፋስ ምዕጋስ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገለ ፍረ ዝርከቦ ዘይመስል ከባቢታት ታይዋን ዘርኢ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንምዝራእን ንምዕጻድን ኣበርቲዖም ጽዒሮም ኢዮም። ሓደ ኣብነት ኣውራጃ ሚኣሊ ኢዩ። ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንምስባኽ ሓድሓደ ግዜ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብዙሕ ምላሽ ኣይተዋህቦን። ስለዚ ኣብ 1973 ፍሉያት ፓይነራት ዝዀኑ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ቦታ እቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ንኸገልግሉ ተመደቡ። ኣብቲ መጀመርታ ገሊኦም ሰባት ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ኣርኣዩ። እንተ​ዀነ ግን እቲ ተገዳስነት እቲ ብኡንብኡ ቀምሰለ። ብድሕርዚ እቶም ፍሉያት ፓይነራት ናብ ካልእ ከባቢ ተመዲቦም ከዱ።

ብ1991 ኣብኡ ካልኦት ክልተ ፍሉያት ፓይነራት ተመደባ። ሽዑ እውን እንተ​ዀነ ኣብቲ ከባቢ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽህሉ ዝሕግዝ ጽቡቕ “ክሊማ” ከም ዘየለ ተራእየ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት እተን ፍሉያት ፓይነራት ናብ ካልእ ዝያዳ ምዕባለ ከርኢ ተስፋ እተገብረሉ ከባቢ ገዓዛ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እታ ኣውራጃ ንገለ ግዜ ቃድራ ኰይና ተረፈት።

ከም ብሓድሽ እተገብረ ጻዕሪ ዓወት ይርከቦ

ኣብ መስከረም 1998 ካብቲ ሰፊሕ ንኣገልግሎት ዘይተሰልዐ ቦታታት ታይዋን ዝያዳ ዕቤት ከርኢ ዝኽእል ቦታ ንምርካብ ጻዕሪ ክግበር ተወሰነ። እዚ ብኸመይ ክፍጸም ነበሮ፧ ገለ 40 ዝዀኑ ግዝያውያን ፍሉያት ፓይነራት ኣብቲ ዝያዳ ተቐማጦ ዘለዉዎ ንኣገልግሎት ዘይተሰልዐ ቦታታት ብምምዳብ ኢዩ።

ክልተ ኣብ ኣውራጃ ሚኣሊ ዝርከባ ጐደቦ ዝዀና ከተማታት ገለ ካብተን ነቲ ወፈራ እተመርጻ ዞባታት ኢየን ነይረን። ኣርባዕተ ዘይተመርዓዋ ኣሓት ኣብቲ ቦታ ንሰለስተ ወርሒ ንመፈተንታ ክዓያ ተመደባ። ኣብኡ ምስ በጽሓ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብዛዕባ ቍጽሪ ናይቶም ዝረኽብኦም ዝነበራ ሰባት ዝገልጽ ውዕዉዕ ጸብጻባት ጸሓፋ። ክሳዕ እተን ኣብቲ ቦታ ንኽጸንሓ እተመደበለን ሰለስተ ወርሒ ዝውድኣ ብዙሕ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓ ነበራ። ብሓገዝ ሽማግለ ናይ ሓንቲ ኣብ ጥቕአን ዝነበረት ጉባኤ እውን ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ከቚማ ክኢለን ኢየን።

ሰለስተ ካብዘን ኣሓት እዚኣተን ነቲ ጽቡቕ ገይሩ ዝዓቢ ዝነበረ ሓድሽ “ቡቕሊ” ንምክንኻን ክቕጽላ ከም ዝደልያ ኣፍለጣ። ስለዚ ድማ ክልተ ካብኣተን ፍሉያት ፓይነራት ኰይነን ከገልግላ ተመዘዛ እታ ሳልሰይተን ድማ ኣብኡ ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ምግልጋል ቀጸለት። ካብታ ኣብ ጥቕአን ዝነበረት ጉባኤ ሓደ ሽማግለ ንኽሕግዘን ናብቲ ኸባቢ ገዓዘ። ልዕሊ 60 ተኣከብቲ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንመጀመርታ ግዜ እተዋህበ ህዝባዊ ዝርርብ ሰምዑዎ። ሕጂ እታ ኣብ ጥቕኣ ዘላ ጉባኤ ነዛ ትዓቢ ዘላ ጕጅለ ኣብ ርእሲ እቲ ዝገብርዎ ብዙሕ ትምህርቲ መጽሓፍ: ስርዓታዊ ናይ ሰንበት ኣኼባታት ንኸተካይድ ትሕግዛ ኣላ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብቲ ከባቢ ሓዳስ ጉባኤ ትቐውም ትኸውን።

ምጽማም ኣብ ካልእ ከባቢታት ታይዋን በረኸት የምጽእ

ኣብ ካልእ ከባቢታት እውን ተማሳሳሊ ምላሽ ተራእዩ ኢዩ። ኣብቲ ግዝያውያን ፍሉያት ፓይነራት ዝዓዩሉ ዝነበሩ ከባቢ ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ደሴት እትርከብ ኣውራጃ ኢላን ሓድሽ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተመስረተ።

ሓደ ምሸት ካብ ቤት ናብ ቤት እናዓየየት ከላ ሓንቲ ግዝያዊት ፍልይቲ ፓይነር ምስ ሓደ መንእሰይ ወዲ ተራኸበት እሞ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝርዝር ዝሓዘ ናይ ዕድመ ወረቐት ኣርኣየቶ። ንሱ ድማ ብኡንብኡ “ጽባሕ ምሸት ኣብቲ ኣኼባ ክካፈል እኽእል ድየ፧ ዝኽእል እንተ ኰይነኸ እንታይ ኢየ ክኽደን ዘሎኒ፧” ኢሉ ሓተታ። እዛ ፓይነር እዚኣ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ተገዳስነት ምስ ዘርኣዩ ሸሞንተ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ጀመረት። ነዊሕ ከይጸንሑ ዝበዝሑ ካብቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ንኽጥመቑ ሸቶ ብምግባር ንሶም እውን ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ንኽዀኑ መደባት ይገብሩ ነበሩ።

ካልእ ኣብዚ ከተማ እዚ እትነብር ሰበይቲ እውን ንብዙሕ ዓመታት ቤተ⁠-​ክርስትያን ትኸይድ ነበረት: እንተ​ዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህራ ሰብ ሰኣነት። መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝግበር ምድላው ከም ዘሎ ምስ ሰምዐት ከኣ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቕመትሉ። ነቲ እትምሃሮ ኣቐዲማ ተዳልያትሉ ኽትመጽእ ተተባብዐት። እታ ግዝያዊት ፍልይቲ ፓይነር ጽንዓት ክትመርሕ ምስ መጸት እታ ሰበይቲ ነቲ ተዋሂብዋ ዝነበረ “ዕዮ ቤት” ወዲኣ ጸንሓታ። ነዚ ድማ ደብተር ዓዲጋ ኣብኡ ድማ ካብቲ ዘጽንዕኦ ጽሑፍ ነቲ ሕቶታት ብድሕርዚ ድማ ነቲ መልሲ ብምጽሓፍ ኢያ ተዳልያ። ኣብቲ ደብተር ነቲ ኣብቲ ትምሃሮ ዘሎ ጥቕሱ ጥራይ እተመልከተ ጥቕስታት እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱሳ ብምቕዳሕ ጽሒፋቶ ኢያ። እታ ሓብቲ ነታ ናይ መጀመርታ ጽንዓት ክትመርሕ ምስ መጸት: እታ ሰበይቲ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ትምህርቲ ድሮ ተዳልያትሉ ጸንሓታ!

ኣብታ ኣብ ማእከላይ ታይዋን እትርከብ ከተማ ዶንግሺ እውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ተረኽበ። ኣብቲ ከባቢ እተመደቡ ግዝያውያን ፍሉያት ፓይነራት ኣብተን ኣብኡ ዝነበሩለን ሰለስተ ወርሒ ልዕሊ 2,000 ብሮሹር ዓደሉ። ኣብ ሳልሳይ ወርሒ 16 ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ነበሩ። ብ21 መስከረም 1999 እታ ከተማ በቲ ኣብ ማእከላይ ታይዋን ዘጋጠመ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝያ ዓነወት። ገለ ተገደስቲ ግን ኣኼባታት ንምክፋል ናብቲ ዝቐረበ ኣደራሽ መንግስቲ ንምብጻሕ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ጕዕዞ ዝሓቶም እኳ እንተ​ዀነ ገና መንፈሳዊ ዕቤት ምርኣይ ይቕጽሉ ኣለዉ። እወ: ብመንፈሳዊ መገዲ ይኹን ብስጋዊ መገዲ ጽቡቕ ፍረ ንምዕጻድ ትዕግስቲ የድሊ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቻይና

መጻብቦ ታይዋን

ታይዋን

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.