ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ርኽሰት ዝመልኣ ዓለም ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣብዛ ርኽሰት ዝመልኣ ዓለም ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣብዛ ርኽሰት ዝመልኣ ዓለም ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

 ከደራይ ኰይኑ መልክዐኛ ኢዩ ነይሩ። ንሳ ኸኣ ክኢላን ጽብቕትን ኢያ። ኣብ ሓደ ኩባንያ ኢዮም ዝሰርሑ ነይሮም። ብዙሕ ብሕታዊ ኣቓልቦ ትገብረሉ ነበረት። ንሱ እውን ይንእዳ ነበረ። ህያባት ድማ ይወሃሃቡ ነበሩ። ብዙሕ ከይጸንሑ ፍቑራት ኰኑ። ምስኣ ንኽኸውን ንበዓልቲ ቤቱ ጠንጠና። ንሳ ግን ኣብ መወዳእታ ምስኡ ዘለዋ ርክብ ኣቋሪጻ ምስ በዓል ቤታ ክትከውን ወሰነት። ጎቦ ልቡ ዀይኑ ናብ ሰበይቱ ክምለስ ወሰነ። ናይ ሓቂ ጣዕሳ ስለ ዘይነበሮ ግን ሓዳሩ ክሰምረሉ ኣይከኣለን። ኵሎም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝነበሩ ነናብራኦም ክገብሩ እንተ ጀመሩ እኳ ካብ በሰላ ግን ናጻ ክዀኑ ኣይከኣሉን።

ካብ ጾታዊ ርኽሰት ርእስኻ ምሕላው ኣብ ዓለም ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ኰይኑ ኣይርአን ኢዩ። ቀይዲ በተኽ ኴንካ ክትሕጐስን ክትዓግብን ምድላይ ኣብ ኵሉ ልሙድ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ዝሙት ኣብ ኵሉ ዘሎን አረ ኣብ ገሊኡ ኵነታትስ ልክዕ ከም መርዓ ልሙድ ዝዀነን ኢዩ ዝመስል።”

የሆዋ ኣምላኽ ግን መርዓ “ኣብ ኵሉ ኽቡር:” እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ “ዘይረኸሰ” ክኸውን ኢዩ ዝደልዮ። (እብራውያን 13:⁠4) ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብል:- “ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሰዶም ዚገብሩ . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” (1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10) ስለዚ እምበኣር: መለኮታዊ ስምረት ምእንቲ ክንረክብ ኣብዛ ርኽሰት ዝመልኣ ዓለም ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ክንከውን ከድልየና ኢዩ።

ንገዛእ ርእስና: ካብቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ከበላሽወና ዝኽእል ጽልዋታት ከነዕቍባ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ኣብታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ ኣብ ምዕራፍ 5 መልሲ ሂቡና ኣሎ። ነቲ ዝበሎ እስከ ንመርምሮ።

ናይ ምሕሳብ ክእለት ምምዕባል ይሕልወካ ኢዩ

እቲ ንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ይጅምር:- “ወደየ: ናብ ጥበበይ ኣቕልብ። ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ክትሕልዎ: ከናፍርካ ድማ ፍልጠት ምእንቲ ክሕዛ ናብ ምስትውዓለይ እዝንኻ ኣድንን።”​—⁠ምሳሌ 5:⁠1, 2 NW

ናብ ርኽሰት ዝመርሕ ፈተናታት ንምቅዋም ጥበብ​—⁠ነቲ ዘጥረናዮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ናይ ምጥቃም ክእለት⁠—​ከምኡውን ምስትውዓል ወይ ቅኑዕ ካብ ጌጋ ናይ ምፍላይን ጥዑይ መገዲ ናይ ምምራጽን ክእለት የድሊ። ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ምእንቲ ክንሕልዎ ናብ ጥበብን ምስትውዓልን ከነቕልብ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ። ነዚ ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከሎና: የሆዋ ንነገራት ብኸመይ ከም ዝፍጽሞም ከነስተብህል ኣእዛንና ድማ ናብ ፍቓዱን ዕላማታቱን ከነድንን የድሊ። ከምዚ ብምግባር ንሓሳብና ናብ ቅኑዕ መገዲ ገጽና ክንመርሖ ኢና። ስለዚ ኸኣ እቲ እነጥርዮ ናይ ምሕሳብ ክእለት ምስ ኣምላኻዊ ጥበብን ፍልጠትን ዝሰማማዕ ይኸውን። ነዚ ክእለት እዚ ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ ብርኹስ መስድዒታት ንኸይንሕበል ከዕቍበና ኢዩ።

ካብ ልስሉስ ኣፍ ተጠንቀቑ

ኣብዛ ርኽሰት ዝመልኣ ዓለም ብስነ⁠-​ምግባር ንጹህ ኴንካ ንምምልላስ ናይ ምሕሳብ ክእለት ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት: መገድታት ናይ ሓደ ርኹስ ሰብ መስድዒ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ሰሎሞን ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ: ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስ። መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር: ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 5:3, 4

ኣብዛ ምስላ እዚኣ እቲ ቀይዲ በተኽ ዝዀነ ሰብ “ኣመንዝራ ሰበይቲ” ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ግዳያታ ንምስዳዕ እትጥቀመሉ ቃላት ከም መዓር ወለላ ኢዩ: ካብ ዘይቲ ኣውሊዕ ኸኣ ይልስልስ። ዝበዝሕ ናይ ርኽሰት ተግባራት ብኸምዚዶ ኸይኰነ ዝጅምር፧ ንኣብነት: ተመክሮ ናይ ሓንቲ 27 ዝዕድሜኣ ኣሚ እተባህለት ምጭውቲ ጸሓፊት ርአ። ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ኣቓልቦ ኢዩ ዝገብረለይ: ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ኸኣ ይውድሰኒ ኢዩ። ኣቓልቦ ክግበረልካ የሐጕስ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ድሌቱ ንጾታዊ ርክብ ምዃኑ ብንጹር ክርእዮ ክኢለ ኢየ። በዚ ዅሉ ተግባራቱ ኸኣ ኣይክማረኽን ኢየ።” እቲ መስድዒ ወይ እታ መስድዒት ዘውስእዎ ናይ ሻሕራ ቃላት እንተ ዘይተጠንቂቕና ብዙሕ ግዜ መሳጢ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ክንጥቀመሉ ኣሎና።

ርኽሰት ዘምጽኦ ሳዕቤን ከም ዕረ መሪር: ክልተ ኣፍ ካብ ዘለዎ ሰይፊ ኸኣ ዝበልሕ ማለት ዘሳቕን ዝቐትልን ኢዩ። ናይ ሕልና ዕረፍቲ ምስኣን: ዘይተደልየ ጥንሲ: ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ገለ ካብቲ መሪር ሳዕቤናት ርኽሰት ኢዩ። ናይ ሓዳር ብጻይ ናይቲ ዘይእሙን ወገን ዘሕልፎ ከቢድ ስምዒታዊ ስቓይ እውን ሕሰቦ። ሓንሳእ እተገብረ ናይ ዘይተኣማንነት ተግባር ዳርጋ ንምሉእ ህይወት ዝጸንሕ ዓሚቝ ቍስሊ ዝገድፍ ኢዩ። እወ: ርኽሰት ይጐድእ ኢዩ።

ብዛዕባ ኣገባብ ናብራ ናይ ብዕልግቲ ሰበይቲ ክዛረብ ከሎ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ከምዚ ይብል:- “ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ: ስጕምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ። ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስ: በኻይዳኣ ዀብላሊት እያ እሞ: ኣይትፈልጥን እያ።” (ምሳሌ 5:⁠5, 6) ነታ ርኽስቲ ሰበይቲ: ስጕምታ ናብቲ ተራ መቓብር ናይ ደቅሰብ ዝዀነ ሲኦል ኢዩ ዝመርሓ። ኣብዚ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት: ብፍላይ አይድስ: ኣስፋሕፊሕሉ ዘሎ ግዜ እዝስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! ከም ናይቶም ኣብ ቄናን መገዳ ዝሓብሩ ሰባት ዝኣመሰለ ፍረ ክትዓጽድ ኢያ።

ካብ ልባዊ ሓልዮት ተበጊሱ እቲ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ይምሕጸን:- “ኣቱም ደቀየ: እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ: ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሐቑ። መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ: ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ።”​—⁠ምሳሌ 5:⁠7, 8

ካብ ጽልዋ ርኹሳት ሰባት ብእተኻእለና መጠን ኣጸቢቕና ክንርሕቕ ኣሎና። ጽዩፍ ሙዚቃ ብምስማዕ: ብልሹው መዘናግዒታት ብምዕዛብ: ወይ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ብምርኣይ ስለምንታይ ንገዛእ ርእስና ንመገድታት እቶም ርኹሳት ሰባት እተቓልዐት እንገብራ፧ (ምሳሌ 6:​27፣ 1 ቈረንቶስ 15:33፣ ኤፌሶን 5:⁠3-5) ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኰሸምሸም ብምባል ወይ ብኣከዳድናን ኵልንትንኣዊ ኣቃውማን ሕንኪ ዘይብልካ ብምዃን ኣቓልቦ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስሓብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዕሽነት ኰን ኢዩ!​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4

እትኸፍሎ ዋጋ ክቡር ኢዩ

ካብ ብዕሉግ ዝዀነ ሰብ ኣእጋርና ከነርሕቐሉ ዘድልየና ካልእ ምኽንያትከ እንታይ ኢዩ፧ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ክብርኻ ንኻልእ: ዕድሜኻውን ንጨካን ከይትህብ: ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ: ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ: ኣብ መጠረስታ ነፍሰ ስጋኻ ምስ ተወድኤ: ከይተልቅስ።”​—⁠ምሳሌ 5:⁠9-11

ሰሎሞን: ሓደ ሰብ ኣብ ርኹስ ተግባራት ምስ ዝወድቕ ዝኸፍሎ ክቡር ዋጋ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ። ዝሙትን ክብርኻ ምጥፋእን ብሓደ ዝኸይድ ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእስና ወይ ናይ ካልእ ሰብ ጽፉፍ ዘይኰነ ስምዒት ንምርዋይ ክንሽየጥሲ ብሓቂ ውርደትዶ ከይኰነ፧ ጾታዊ ስምዒትካ ንምርዋይ ምስ ናይ መርዓ ብጻይካ ዘይኰነ ሰብ ናይ ቀረባ ርክብ ምፍጣር ርእስኻ ምውራድዶ ኸይኰነ፧

‘ዕድሜኻ: ጥሪትካ: ፍረ ድኻምካ ንኻልእ ምሃብ’ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧ ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሳብ ንጹር ኢዩ:- ኣብ ሓዳር ዘይእሙን ብምዃንካ እትኸፍሎ ዋጋ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ዝጸዓርካሉ ኵሉ ማለት ዝረኸብካዮ ቦታ: ስልጣን: ሃብቲ ብሰንኪ እታ ሰበይቲ እትገብሮ ስሱዕ ጠለባት ወይ እቲ ማሕበረሰብ ብዝገብሮ ኣውያት ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ።” ርኽሰት እዚ ዘይበሃል ዋጋ ኢኻ እትኸፍለሉ!

እቲ ዓሻ ሰብ ክብረቱ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ: ገንዘቡ ኸኣ ስለ ዝወድአ ከምዚ ኢሉ ይትክዝ:- “ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ: ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ: ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ: ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፧ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ።”​—⁠ምሳሌ 5:⁠12-14

ጸኒሑ እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ “እዚ ዘይበሃል ‘ከምዚ ገይረ ነይረ እንተ ዝኸውን’ ዘንጸባርቕ ስምዒታት የውስእ:- ነቦይ ሰሚዐዮ ነይረ እንተ ዝኸውን፣ ብገዛእ ርእሰይ ምኻድ ኣቋሪጸ እንተ ዝኸውን፣ ምኽሪ ካልኦት ሰሚዐ ነይረ እንተ ዝኸውን።” እዚ ግን ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኢዩ። እቲ ሕጂ ዝረኸሰ ህይወት ናይቲ ሰብ ድሮ ዓንዩ: ስሙ ኸኣ ተባላሽዩ ኢዩ። ኣብ ርኽሰት ቅድሚ ምእታውና ነቲ እንኸፍሎ ልዑል ዋጋ ምሕሳብሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ!

“ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ”

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ዘይጠቅስ መጽሓፍ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። ምስ ኣንጻር ጾታ ብእትምስርቶ ፍቕሪ ዝፍጠር ስምዒት ከምኡውን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝህሉ ባህ ዘብል ጾታዊ ስምዒት ውህበት ኣምላኽ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ክህሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሰሎሞን ንእተመርዓወ ሰብኣይ እዚ ዝስዕብ ማዕዳ ዝህብ:- “ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ: ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ። ምንጭኻ ንወጻኢ: ርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፧ ንኣኻ ጥራይ ይኹን: ጓኖት ኣይካፈሉኻ።”​—⁠ምሳሌ 5:⁠15-17

እቲ “ዔላኻ” ከምኡውን “ዚፍልፍል ምንጭኻ” ዝብል ጥዑም መግለጺታት ንሓንቲ ፍትውቲ በዓልቲ ቤት ዘመልክት ኢዩ። ምስኣ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ዝርከብ ሓጐስ ምስ መንፈስካ ዘሐድስ ማይ ምስታይ ኢዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። ዔላ ክበሃል ከሎ ከምቲ ኵሉ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ፈሳሲ ማይ ዘይኰነስ ብሕታዊ ንብረት ኢዩ። ብተወሳኺውን ሰብኣይ ንዘርኡ ኣብ ኣደባባይ ወይ ኣብ ካልኦት ኣንስቲ ኣብ ክንዲ ዝዘሩ ካብታ በዓልቲ ቤቱ ጥራይ ቈልዑ ክወልድ ኢዩ ምኽሪ ዝወሃቦ ዘሎ። ብንጹር እምበኣር: እዚ ሓሳብ እዚ ሓደ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ እሙን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝመክር ኢዩ።

እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ምንጭኻ ይባረኽ: በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ: ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ: እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ: ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።”​—⁠ምሳሌ 5:⁠18, 19

ኣብዚ ‘ምንጪ’ ክበሃል ከሎ ነቲ ካብ ጾታዊ ርክብ ዝርከብ ዕግበት ኢዩ ዘመልክት። እቲ ምስ ናይ መርዓ ብጻይካ ኴንካ እትረኽቦ ናይ ጾታዊ ርክብ ዕግበት ‘እተባረኸ’ ወይ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ ብሰበይቲ ንእስነቱ ክሕጐስ ኢዩ ተማዒዱ ዘሎ። ንዕኡ ከም ሓንቲ ፍትውቲ ዋላ ከምኡውን ጽብቕትን ባህ እተብልን ሜዳቝ ኢያ።

ሰሎሞን ቀጺሉ ክልተ ብውሕሉል ኣገባብ ዝቐረበ ሕቶታት ይሓትት:- “ኣታ ወደይ: ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፧ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ፧   (ምሳሌ 5:⁠20) እወ: ሓደ ሰብ ኣብ ስራሕ: ቤት ትምህርቲ: ወይ ካልእ ቦታ ካብ ናይ መርዓ ብጻዩ ወጻኢ ጾታዊ ስምዒት ንምርዋይ ብዝፍጠር ናይ ቀረባ ርክብ ስለምንታይ ዝሰሓብ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ንእተመርዓዉ ክርስትያናት እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ይህቦም:- “ኣሕዋተየ: እዚ ግና እነግር አሎኹ: እቲ ዘመን ሓጺር እዩ: እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ።” (1 ቈረንቶስ 7:⁠29) እዚ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ’ ክቕጽሉ ኣለዎም ማለት ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) ስለዚ እምበኣር: ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ንምትሕጕጓስ ኣዝዮም ትሑዛት ብምዃኖም ንረብሓታት እታ መንግስቲ ኣብ ህይወቶም ካልኣይ ቦታ ክህብዎ የብሎምን።

ርእስኻ ምግታእ የድሊ

ባህጊ ጾታዊ ርክብ ክትቈጻጸሮ ይከኣል ኢዩ። እቶም ስምረት የሆዋ ዝደልዩ ክቈጻጸርዎ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ: ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ: . . . ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ [“ንኣካላቱ:” NW  ] ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ: እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ” ብምባል መዓደ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 4:⁠3, 4

ስለዚ እምበኣር: መንእሰያት ናይ ጾታዊ ርክብ ስምዒት ክጅምሮም ከሎ ናብ መርዓ ክጐዩ የብሎምን። መርዓ ነባሪ ቃል ኪዳን ኢዩ: ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስካም ድማ ብስለት ይሓትት። (ዘፍጥረት 2:⁠24) ግዜ ‘ብጽሕና’​—⁠ናይ ጾታዊ ርክብ ስምዒታት ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ ንናይ ምምዝዛን ክእለት እውን ዘድክመሉ እዋን​—⁠ክሳዕ ዝሓልፍ ምጽባይ ጽቡቕ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠36) ሓደ ክምርዖ ዝደሊ በጽሒ ናይ መርዓ ብጻይ ስለ ዘይረኸበ ጥራይ ኣብ ርኽሰት ክወድቕስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕሽነትን ሓጢኣትን ኰን ኢዩ!

“እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል”

ካብ ስነ⁠-​ምግባር ወጻኢ ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ጌጋ ዝዀነሉ መሰረታዊ ምኽንያት እቲ ወሃብ ህይወትን ንሰባት ጾታዊ ስምዒት ከም ዝህልዎም ዝገበረን የሆዋ ስለ ዘይሰምሮ ኢዩ። ስለዚ ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት እንዀነሉ ቀንዲ ደራኺ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ሰሎሞን “እምበኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ: ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ” በለ። (ምሳሌ 5:⁠21) እወ: ካብ ኣዒንቲ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ” ኣምላኽ ዝኽወል ነገር የለን። (እብራውያን 4:⁠13) ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ርኽሰት ክሳዕ ክንደይ ሕቡእ ይኹን ወይ እቲ ዘምጽኦ ኣካላውን ማሕበራውን ጠንቅታት ብዘየገድስ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዘበላሽዎ ኢዩ። ንናይ ሓጺር ህሞት ሓጐስ ኢልካ ሰላም ኣምላኽ ክትስእንሲ ክንደይ ዕሽነት ኰን ኢዩ!

ገለ ብዘይ​ሕፍረት ርኽሰት ዝፍጽሙ ሰባት ሽግራት ዘጋጥሞም ኣይመስሉን ይዀኑ። እንተ​ዀነ ግን: ንግዜኡ ጥራይ ኢዩ። ሰሎሞን ከምዚ ይብል:- “እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል: በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር። ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት: በቲ ዓብዪ ድንቍርናኡ ኸኣ ይጋገ።”​—⁠ምሳሌ 5:22, 23

ሓደ እኳ ይኹን ካባና ስለምንታይ ካብ መገዱ ይወጽእ፧ ቅድም ቀዳድም መጽሓፍ ምሳሌ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መስድዒ መገድታት መጠንቀቕታ ትህበና ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ነቲ ጾታዊ ርኽሰት ኣብ ጥዕናና: ንብረትና: ሓይልና: ከምኡውን ክብረትና ዘውርዶ ክሳራ ብንጹር ትገልጸልና ኢያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንጹር ምርዳእ እናሃለወ ኣብቲ ምስ ኰነ “ከምዚ ገይረ ነይረ እንተ ዝኸውን” ዝብል ስምዒታት ክንወድቕ ኣይንደልን ኢና። እወ: ነቲ የሆዋ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ኣቢሉ ዝህበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኣብዛ ርኽሰት ዝመልኣ ዓለም ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ክንከውን ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ርኽሰት ዘምጽኦ ሳዕቤን ከም ዕረ መሪር ኢዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ ”