ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ

ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ

ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ

“ትዕቢት እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ: ” NW  ] እያ።”​—⁠ምሳሌ 11:2

1, 2. ትዕቢት እንታይ ኢዩ: ናብ ውርደት ዝመርሕከ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ፧

 ሓደ ቐናእ ሌዋዊ ንዓለወኛታት ዝዀኑ ሰባት ኣንጻር እቶም የሆዋ ዝሸሞም ሰበ⁠-​ስልጣን ንኽኸዱ መርሖም። ሓደ ህርፋን ስልጣን ዝነበሮ መስፍን ዝፋን ኣቦኡ ንምምንዛዕ ተንኰል ፋሓሰ። ሓደ ህዉኽ ንጉስ ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝሃቦ ንጹር መምርሒታት ጠሓሰ። እዞም ሰለስተ እስራኤላውያን እዚኣቶም ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎም። ሰለስቲኦም ትዕቢት ኣንጸባሪቖም ኢዮም።

2 ትዕቢት ኣብ ልቢ ዝንጸባረቕ ባህርይ ኢዩ: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ከቢድ ሓደጋ ከምጽእ ዝኽእል ኢዩ። (መዝሙር 19:⁠13) ትዕቢተኛ ሰብ ብዘይ​ገለ ፍቓድ ብድፍረት ደረት ይሓልፍ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ናብ ውርደት ዝመርሕ ኢዩ። እዚ ባህርይ እዚ ንነገስታት እውን ከይተረፈ የዕንዩ: ንሃጸያዊ ግዝኣታት ከኣ ኣነቓኒቑ ኢዩ። (ኤርምያስ 50:29, 31, 32፣ ዳንኤል 5:​20) ንገለ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፈ መፈንጠራ ኰይንዎም: ናብ ውድቀት እውን መሪሕዎም ኢዩ።

3. ትዕቢት ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ክንርዳእ እንኽእል፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ “ትዕቢት እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW  ] እያ” ምባሉ ብሓቂ ቅቡል ኢዩ። (ምሳሌ 11:2) መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅነት ናይዚ ምስላ እዚ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣብነታት ይህበና ኢዩ። ንገለ ካብዚ ኣብነታት ምምርማር ካብቲ ግቡእ ደረትካ ምሕላፍ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ። ስለዚ ነቶም ኣብ መእተዊ ዝረኣናዮም ሰለስተ ሰባት ቅንኢ: ህርፋን: ከምኡውን ሃወኽ ብኸመይ ናብ ትዕቢትን ውርደትን ከም ዝመርሖም ንመርምር።

ቆራሕ​—⁠ቀናእ ዓለወኛ

4. (ሀ) ቆራሕ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ነየናይ ታሪኻዊ ፍጻመታትከ ኢዩ ብዘይ​ጥርጥር ዝረኣየ፧ (ለ) ዳሕራይ ግን እንታይ ዕሉል ዝዀነ ናይ ጸይቂ ተግባር ኢዩ ዘለዓዓለ፧

4 ቆራሕ ካብ ዓሌት ቃሃት ዝመጸ ሌዋዊ ኰይኑ: ንሙሴን ኣሮንን ወዲ ሓው ኣቦኦም ነበረ። ንዓሰርተታት ዓመታት እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ምንባሩ ርግጽ ኢዩ። ቆራሕ ኣብ መንጎ እቶም ብተኣምራታዊ መገዲ ብቐይሕ ባሕሪ ናይ ምሕላፍ መሰል ዝረኸቡ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከረን ሲና ንምራኽ ዘምለኹ እስራኤላውያን ፍርዲ የሆዋ ኣብ ምውራድ እውን ተኻፊሉ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘጸኣት 32:⁠26) ይኹን እምበር: ቆራሕ ነቶም ካብ ዓሌት ሮቤል ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን ኦንን ከምኡውን ካልኦት 250 ሓላቑ እስራኤላውያን መሪሑ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ዓለወ። a ንሙሴን ኣሮንን ከምዚ በልዎም:- “ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም: እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ: እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ: ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ አሎኹም፧”​—⁠ዘሁልቍ 16:⁠1-3

5, 6. (ሀ) ቆራሕ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ዝዓለወ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቆራሕ ነቲ ኣብ ናይ የሆዋ ምድላው ዝነበሮ ቦታ ኣትሒቱ ኢዩ ርእይዎ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ቆራሕ ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ከብቅዕ ስለምንታይ ኢዩ ዝዓለወ፧ ሙሴ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል” ስለ ዝነበረ ኣብ ኣመራርሕኡ ጨቋኒ ኣይነበረን። (ዘሁልቍ 12:⁠3) ቆራሕ ግን ብሙሴን ኣሮንን ከምኡውን በቲ ዝነበሮም ስልጣን ዝቐንአ ኢዩ ዝመስል: እዚ ኸኣ ብኢደ⁠-​ወነኖምን ብስስዐን ኣብ ልዕሊ ማሕበር የሆዋ ርእሶም የልዕሉ ኣለዉ ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ መርሖ።​—⁠መዝሙር 106:⁠16

6 ገለ ካብቲ ናይ ቆራሕ ሽግር ነቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ምድላው ዝነበሮ መሰል ኣኽቢሩ ዘይምርኣዩ ኢዩ። እቶም ካብ ደቂ ቃሃት ዝነበሩ ሌዋውያን ካህናት እኳ እንተ ዘይነበሩ: መምሃራን ቃል ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። እቲ ማሕደር ኣምላኽ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክግዕዝ ከሎ እውን ነቲ ኣቕሑ ንሳቶም ኢዮም ዝስከምዎ ነይሮም። እዚ ብቐሊሉ ዝርአ ሓላፍነት ኣይነበረን: ከመይሲ እቲ ኣቕሑ ቅዱስ ብምንባሩ እቶም ብሃይማኖታውን ስነ⁠-​ምግባራውን ንጹሃት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ኢዮም ክስከምዎ ዝኽእሉ ነይሮም። (ኢሳይያስ 52:⁠11) ስለዚ ሙሴ ንቖራሕ ኣብ ዝሃቦ መልሲ: ብኻልእ መልክዑ ክርአ ኸሎ ‘ነቲ ዘሎካ ሓላፍነት ኣቕሊልካ ስለ ዝረኣኻዮ ዲኻ ክህነት እውን ትደሊ ዘሎኻ፧’ ኢዩ ኢልዎ። (ዘሁልቍ 16:⁠9, 10) ቆራሕ እቲ ዝያዳ ክብረት ዘውህብ ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝገብሮ ስርዓት ንዕኡ እሙን ኴንካ ምግልጋል ድኣ እምበር ገለ ፍሉይ መዓርግ ወይ ስልጣን ከም ዘይኰነ ኣይተገንዘበን።​—⁠መዝሙር 84:⁠10

7. (ሀ) ሙሴ ንቖራሕን ንሰቡን ብኸመይ ኢዩ ዝመለሰሎም፧ (ለ) ዕልወት ቆራሕ መወዳእትኡ ጥፍኣት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ሙሴ ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ንግሆ ጽንሃህን ዕጣንን ሒዞም ናብ ድንኳን ምርኻብ ክመጹ ንቖራሕን ሰቡን ነገሮም። ቆራሕን ሰቡን ካህናት ስለ ዘይነበሩ ዕጣን ክዓጥኑ መሰል ኣይነበሮምን። ጽንሃህን ዕጣንን ሒዞም እንተ​ድኣ መጺኦም እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ጕዳይ ምሉእ ለይቲ ምስ ሓሰብሉ እውን ከይተረፈ ከም ዘይተጣዕሱ: ካህናት ክዀኑ መሰል ዘለዎም ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዘረጋግጽ ኢዩ ዝኸውን። ንጽባሒቱ ምስ መጹ የሆዋ ቍጥዓኡ ገለጸሎም። ነቶም ደቂ ሮቤል ‘ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም።’ ንቖራሕን ነቶም ዝተረፉ ኻልኦትን ድማ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ሓዊ በልዖም። (ዘዳግም 11:6፣ ዘሁልቍ 16:16-​35፣ 26:10) ትዕቢት ቆራሕ ናብ ዝኸፍአ ውርደት​—⁠ስምረት ኣምላኽ ናብ ምስኣን​—​መርሐ!

‘ንመንፈስ ቅንኢ’ ተጻረሮ

8. ኣብ መንጎ ክርስትያናት ‘መንፈስ ቅንኢ’ ክንጸባረቕ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

8 እቲ ብዛዕባ ቆራሕ ዝገልጽ ጸብጻብ ንዓና መጠንቀቕታ ኢዩ። ዘይፍጹማት ሰባት ‘መንፈስ ቅንኢ’ ስለ ዘለዎም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከይተረፈ ክንጸባረቕ ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 4:⁠5) ንኣብነት: ብዛዕባ ስልጣን እምብዛ እንግደስ ዓይነት ሰባት ክንከውን ንኽእል። ከም ቆራሕ በቶም ነቲ ንሕና እንደልዮ መሰላት ዝረኸቡ ሰባት ንቐንእ ንኸውን። ወይ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ድዮትሬፌስ እተባህለ ክርስትያን ክንከውን ንኽእል ኢና። ንስልጣን እቶም ሃዋርያት ኣበርቲዑ ይነቅፍ ነበረ: ምናልባት ነቲ ቦታ ባዕሉ ክሕዞ ይደሊ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዮሃንስ ብዛዕባ ድዮትሬፌስ “እቲ ኣዉራኦም ኪኸውን ዚደሊ” ኢሉ ዝጸሓፈ።​—⁠3 ዮሃንስ 9

9. (ሀ) ብዛዕባ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ምርካብ እንታይ ኣረኣእያ ኢና ከነወግድ ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድላዋት ኣምላኽ ዘሎና ቦታ ክህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧

9 ልክዕ ኢዩ ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንናይ ጉባኤ ሓላፍነት ክመጣጠር ጌጋ ኣይኰነን። ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እዚ ኣተባቢዑ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) እንተ​ዀነ ግን: ናይ ኣገልግሎት መሰል ምርካብ ኣብ ሓደ መደያይቦ ንላዕሊ ሓደ ደረጃ ከም ዝደየብካ ገይርካ ብምሕሳብ ፍሉይ ክብሪ መውሃቢ ገይርና ክንርእዮ የብልናን። የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝበለ ኣይትረስዕ:- “እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ድኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን።” (ማቴዎስ 20:26, 27) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ዋጋ በቲ ኣብ ማሕበሩ ዘሎና “ቦታ” ከም ዝዕቀን ገይርና ብምውሳድ ነቶም ካባና ንላዕሊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ክንቀንኣሎም ጌጋ ኢዩ። የሱስ “ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 23:8) እወ: ኣስፋሒ ይኹን ፓይነር: ሓድሽ ጥሙቕ ይኹን ንነዊሕ ግዜ ንጽህናኡ ዝሓለወ ብዘየገድስ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዘገልግልዎ ኣብ ምድላዋት የሆዋ ክቡር ቦታ ኣለዎም። (ሉቃስ 10:27፣ 12:​6, 7፣ ገላትያ 3:​28፣ እብራውያን 6:​10) ምስቶም “ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ዝብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጽዕሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ክትዓዪ ብሓቂ በረኸት ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:5

ኣቤሴሎም​—⁠ህርፋን ስልጣን ዝነበሮ ተበላጺ

10. ኣቤሴሎም እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ብሻሕራ ደገፍ ናይቶም ፍርዲ ደልዮም ናብ ንጉስ ዝመጹ ሰባት ክረክብ ዝፈተነኸ ብኸመይ ኢዩ፧

10 እቲ ሳልሳይ ወዲ ዳዊት ዝነበረ ኣቤሴሎም ዝገበሮ: ብዛዕባ ህርፋን ስልጣን ጽቡቕ ትምህርቲ ኢዩ ዝህብ። እዚ ተበላጺ እዚ ስምረት ናይቶም ፍርዲ ደልዮም ናብቲ ንጉስ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ክረክብ ይደሊ ነበረ። መጀመርታ ዳዊት ብድሌታቶም ከም ዘይግደስ ገይሩ ብምእማን ከስድዖም ጸዓረ። ደሓር ግን ነቲ ናይ ምስዳዕ ውዲቱ ገዲፉ ብቐጥታ ጕዳዩ ከስልጥ ጀመረ። ብትዕቢት ድማ “ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኽፈርደሉስ: ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ፧” በለ። እቲ እኩይ ውዲት ኣቤሴሎም ደረት ኣይነበሮን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዅሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ።” እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ “ኣቤሴሎም . . . ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።”​—⁠2 ሳሙኤል 15:⁠1-6

11. ኣቤሴሎም ዝፋን ዳዊት ንምምንዛዕ ዝፈተነ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ኣቤሴሎም ካብ ኣቦኡ ንግስነት ንምምንዛዕ ቈሪጹ ነበረ። ኣምኖን ንትእማር ሓብቲ ኣቤሴሎም ስለ እተጋሰሳ ኣቤሴሎም ሕነ ሓብቱ ዝፈዲ ኣምሲሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቐዲሙ ነቲ ቦኽሪ ወዲ ዳዊት ዝነበረ ኣምኖን ቀቲልዎ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 13:⁠28, 29) ይኹን እምበር: ንኣምኖን ክቐትሎ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንግስነት ክወስድ ኣማዕድዩ ይጥምት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ ንኣምኖን ብምቕታል ክወዳደሮ ዝኽእል ሰብ ኢዩ ኣልዩ። b ግዜኡ ምስ ኣኸለ ኸኣ ኣቤሴሎም ውጥኑ ንምፍጻም ተንቀሳቐሰ። ንጉስ ምዃኑ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ኣወጀ።​—⁠2 ሳሙኤል 15:⁠10

12. ትዕቢት ኣቤሴሎም ብኸመይ ናብ ውርደት ከም ዝመርሐ ግለጽ።

12 እቲ ጸብጻብ “ምምሕሓል ከኣ በርትዔ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዚኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሔ ኸደ” ስለ ዝብል ኣቤሴሎም ንግዜኡ ተዓዊቱ ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ክሃድም ተገደደ። (2 ሳሙኤል 15:⁠12-17) ይኹን እምበር: ዮኣብ ንኣቤሴሎም ቀቲሉ ኣብ ጕድጓድ ደርብዩ ኵምራ ኣእማን ምስ ደርደረሉ ንግስነቱ ተቛረጸ። ሕሰቦ እሞ! እዚ ንጉስ ክኸውን ዝደሊ ዝነበረ ህሩፍ ሰብኣይ እዚ ንቡር ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ እኳ ኣይረኸበን! c ትዕቢት ብሓቂ ንኣቤሴሎም ናብ ውርደት መሪሕዎ ኢዩ።​—⁠2 ሳሙኤል 18:⁠9-17

ንህርፋን ንዮ በሎ

13. ናይ ህርፋን መንፈስ ኣብ ልቢ ሓደ ክርስትያን ሱር ክሰድድ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

13 ኣቤሴሎም ስልጣን ምሓዙ ዳሕራይ ድማ ምውዳቑ ንዓና ትምህርቲ ኢዩ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ጭከና ዝመልኣ ዓለም ሰባት ገለ መሰላት ወይ ሓለፋታት ንምርካብ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣዘዝቶም ብጽቡቕ ምእንቲ ክርኣዩ ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ብቓላት ምሽሓር ልሙድ ኢዩ። ካብቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ስምረትን ደገፍን ንምርካብ ድማ ይጃሃሩ ኢዮም። እንተ ዘይተጠንቂቕና ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ህርፋን መንፈስ ኣብ ልብና ሱር ክሰድድ ይኽእል ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እዚ ኣጋጢሙ ኢዩ: ነቶም ሃዋርያት ድማ ብዛዕብኡ ብርቱዕ መጠንቀቕታ ከም ዝህቡ ገይርዎም ኢዩ።​—⁠ገላትያ 4:⁠17፣ 3 ዮሃንስ 9, 10

14. ህርፋን እተሓወሶ ርእስኻ ናይ ምልዓል መንፈስ ከነወግድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 የሆዋ ኣብ ማሕበሩ ነቶም ርእሶም ብምዕባይ “ክብሪ ገዛእ ርእሶም ንምርካብ ሃለው ዝብሉ” ሰባት ዝኸውን ቦታ የብሉን። (ምሳሌ 25:⁠27 NW  ) መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን . . . ኪምንቍ[ሰን] እዩ” ይብል። (መዝሙር 12:⁠3) ኣቤሴሎም መቀባጠርቲ ከናፍር ነበራኦ። ነቶም ክድግፍዎ ዝደልዮም ዝነበረ ሰባት ይሽሕሮም ነበረ: እዚ ዅሉ ዝገበረ ኸኣ ነቲ ዝብህጎ ዝነበረ ስልጣን ንምርካብ ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ዝስዕቡ ሰባት ምህላውናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተባረኽና ኰን ኢና።​—⁠ፊልጲ 2:3

ሳኦል​—⁠ህዉኽ ንጉስ

15. ሳኦል ሓደ ግዜ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

15 እቲ ዳሕራይ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ሳኦል ሓደ ግዜ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: መንእሰይ ከሎ ዘጋጠመ ነገር ንርአ። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል ብዛዕብኡ ጽቡቕ ምስ ተዛረበ ሳኦል ብትሕትና ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ኣነስ ቢንያማዊ: ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንኩን፧ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ቢንያም ዚንእስዶ ኣይኰነን፧ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ፧”​—⁠1 ሳሙኤል 9:⁠21

16. ሳኦል ናይ ታህዋኽ ዝንባለ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ዳሕራይ ግን ሳኦል ነዚ ባህርይ እዚ ኣጥፍኦ። ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ከሎ ናብ ጊልጋል ተመልሰ: ኣብኡ ኸኣ ሳሙኤል መጺኡ መስዋእቲ ብምቕራብ ንየሆዋ ክሳዕ ዝልምን ክጽበ ነበሮ። ሳሙኤል ኣብቲ እተባህሎ ግዜ ከይመጸ ምስ ተረፈ ሳኦል ብትዕቢት ዝሓርር መስዋእቲ ባዕሉ ኣቕረበ። መስዋእቲ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ ኸኣ ሳሙኤል መጸ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “እንታይ ግብሩ ገበርካ፧” በሎ። ሳኦል ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ: ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልትታት ከም ዘይመጸእካ . . . ርኤኹ እሞ . . . ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ።”​—⁠1 ሳሙኤል 13:⁠8-12

17. (ሀ) ኣብ መጀመርታ ክትርእዮ ኸሎኻ ሳኦል ዝወሰዶ ስጕምቲ ቅኑዕ ዝመስል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ሳኦል ዝወሰዶ ናይ ታህዋኽ ስጕምቲ ዝዀነኖ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 መጀመርታ ክትርእዮ ኸሎኻ ሳኦል ዝወሰዶ ስጕምቲ ልክዕ መሲሉ ይርአ ይኸውን። ከመይሲ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ጸቢብዎምን’ በቲ ዝነበረ ዘሕዝን ኵነታት ተስፋ ቈሪጾምን ኢዮም ነይሮም። (1 ሳሙኤል 13:⁠6, 7) እቲ ኵነታት ብሓቂ ዘገድድ ምስ ዝኸውን ተበግሶ ምውሳድ ብርግጽ ጌጋ ኣይኰነን። d እንተ​ዀነ ግን: የሆዋ ልቢ ከንብብ: ውሽጣዊ ድራኸ ድማ ክፈልጥ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። (1 ሳሙኤል 16:⁠7) ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዘይተገልጸ የሆዋ ኣብ ሳኦል ዝረኣዮ ገለ ነገራት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት: ሃወኽ ሳኦል ብትዕቢት እተለዓዓለ ምዃኑ የሆዋ ኣስተብሂልሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንጉስ ምልእቲ እስራኤል ክነሱ ንሓደ ዕንይንይ ክብል ግዜኡ ዘጥፍእ ገይሩ ዝሓሰቦ ኣረጊት ነብዪ ምጽባዩ ኣዝዩ ኣቘጢዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ! እቲ ዀይኑ እቲ: ሳኦል ምድንጓዩ ሳሙኤል ንነገራት ባዕሉ ክገብሮ ከምኡውን ነቲ እተዋህቦ ንጹር ዝዀነ መምርሒ ንኽጥሕስ ውሕስነት ዝዀኖ ገይሩ ወሲድዎ ኢዩ። እቲ ውጽኢትከ፧ ሳሙኤል ነቲ ናይ ሳኦል ተበግሶ ኣይወደሶን። ኣብ ክንድኡስ “እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ: መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ” ኢሉ ገንሖ። (1 ሳሙኤል 13:⁠13, 14) ኣብዚ እውን እንተ​ዀነ ትዕቢት ናብ ውርደት ኢዩ መሪሑ።

ካብ ታህዋኽ ተሓለዉ

18, 19. (ሀ) ታህዋኽ ንሓደ ዘመናዊ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ናብ ትዕቢት ብኸመይ ክመርሖ ከም ዝኽእል ግለጽ። (ለ) ብዛዕባ ኣሰራርሓ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧

18 እቲ ሳኦል ዝፈጸሞ ናይ ትዕቢት ተግባር ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመዝገበ ንረብሓና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠11) ብናይ ኣሕዋትና ዘይፍጽምና ብቐሊሉ እንሓርቕ ክንከውን ንኽእል ኢና። ዘጋጥም ገለ ጕዳያት ክዕረ እንተ​ድኣ ኰይኑ ባዕልና ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና ዝብል ስምዒት ብምሕዳር ከም ሳኦል ህዉኻት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሓደ ሓው ብገለ ናይ ምምሕዳር ክእለት ሓለፍ ዝበለ ክኸውን ይኽእል። ሰዓቱ ዝሕሉ: ምስቲ ናይ ጉባኤ ኣሰራርሓ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለት ድማ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል። ካልኦት ግን ነቲ ናቱ ደቂቕ መዐቀኒታት ከም ዘይበጽሕዎ: ብኣሳልጦ እውን ጥቓኡ ከም ዘይቀርቡ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። እዚ ግን ንኽህወኽ ውሕስነት ክዀኖ ይኽእልዶ ኢዩ፧ ንሱ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይዕመም: እታ ጉባኤ ኸኣ ከም እትበታተን ገይሩ ብምሕሳብ ንኣሕዋቱ ክነቕፎምዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ከምዚ ምግባር ትዕቢት ኢዩ!

19 ብሓቂ ክርአ ኸሎ ንሓንቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጠርኒፉ ዝሕዛ እንታይ ኢዩ፧ ናይ ምምሕዳር ክእለት፧ ኣሳልጦ፧ ዕምቈት ፍልጠት፧ እታ ጉባኤ ስሉጥ ኣሰራርሓ ንኽህልዋ እዚ ነገራት እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 14:40፣ ፊልጲ 3:​16፣ 2 ጴጥሮስ 3:​18) ይኹን እምበር: የሱስ ሰዓብቱ ብቐንዱ በቲ ዘርእይዎ ፍቕሪ ከም ዝልለዩ ኢዩ ገሊጹ። (ዮሃንስ 13:⁠35) ስለዚ ኸኣ ኢዮም ሓለይቲ ሽማግለታት ብስርዓት ዝመላለሱ እኳ እንተዀኑ ነታ ጉባኤ ከም ሓንቲ ተሪር ምምሕዳር ዘድልያ ትካል ገይሮም ኣይርእይዋን ኢዮም፣ ኣብ ክንድኡስ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት ብዘድልየን ኣባጊዕ ከም ዝቘመት ኢዮም ዝርድኡ። (ኢሳይያስ 32:​1, 2፣ 40:11) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ብትዕቢት ምጥሓስ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ባእሲ ዘብጽሕ ኢዩ። ኣምላኻዊ ስርዓት ግን ሰላም ኢዩ ዘፍሪ።​—⁠1 ቈረንቶስ 14:⁠33፣ ገላትያ 6:⁠16

20. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና እንርኢ፧

20 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ቆራሕ: ኣቤሴሎም: ከምኡውን ሳኦል ዝገልጽ ጸብጻብ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 11:⁠2 ተገሊጹ ዘሎ ትዕቢት ናብ ውርደት ከም ዝመርሕ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ምሳሌ 11:⁠2 “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW  ] እያ” እውን ትብል ኢያ። ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ንምርዳእ ዝሕግዘና እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ኣሎ: ዓቕምናን ቦታናን ከም እንፈልጥከ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእየን ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሮቤል ቦኽሪ ወዱ ንያእቆብ ስለ ዝነበረ እቶም ብቖራሕ እተታለሉ ደቁ: እቲ ሌዋዊ ዝነበረ ሙሴ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ምምሕዳር ስልጣን ስለ እተዋህቦ ቅሒሮም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።

b እቲ ካልኣይ ወዲ ዳዊት ዝዀነ ኪልኣብ ከም እተወልደ ጥራይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ምናልባት ኣቤሴሎም እዚ ዕልዋ እዚ ቅድሚ ምግባሩ ሞይቱ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

c ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ዝሞተ ሰብ ልዑል ግምት ኢዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ንቡር ቀብሪ ዘይምርካብ መግደራን ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብልካ ዘርእን ኢዩ ነይሩ።​—⁠ኤርምያስ 25:⁠32, 33

d ንኣብነት: ፊንሃስ ነቲ ንኣሽሓት እስራኤላውያን ዝቐተለ መቕዘፍቲ ንምህዳእ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ፣ ዳዊት እውን ነቶም ጠምዮም ዝነበሩ ሰቡ ምስኡ ካብቲ ኣብ “ቤት ኣምላኽ” ዝነበረ እንጌራ ምርኣይ ክበልዑ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። ፊንሃስ ይኹን ዳዊት ዝወሰድዎ ስጕምቲ ግን ብኣምላኽ ከም ትዕቢት ኣይተራእየን።​—ማቴዎስ 12:⁠2-4፣ ዘሁልቍ 25:​7-9፣ 1 ሳሙኤል 21:​1-6

ትዝክሮዶ፧

• ትዕቢት እንታይ ኢዩ፧

• ቅንኢ ንቖራሕ ናብ ትዕቢት ዝመርሖ ብኸመይ ኢዩ፧

• ብዛዕባ እቲ ህሩፍ ዝነበረ ኣቤሴሎም ዝገልጽ ጸብጻብ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝህበና፧

• ነቲ ሳኦል ዘንጸባረቖ ናይ ሃወኽ መንፈስ ብኸመይ ኢና ከነልግሶ እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሳኦል ዘይዕጉስ ብምዃን ብትዕቢት ስጕምቲ ወሰደ