ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኻዊ ጥበብ ብኸመይ ኢዩ ዝንጸባረቕ፧

ኣምላኻዊ ጥበብ ብኸመይ ኢዩ ዝንጸባረቕ፧

ኣምላኻዊ ጥበብ ብኸመይ ኢዩ ዝንጸባረቕ፧

 “ጥበብ ድኻ . . . ንዕቕቲ እያ: ቃላቱውን ኣይስማዕን እዩ።” እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ነቲ ብዛዕባ ሓደ ንምልእቲ ከተማ ካብ ጥፍኣት ዘድሓነ ድኻ ግን ከኣ ጥበበኛ ሰብኣይ ዝገልጽ ዛንታ ደምደመ። እቲ ዘሕዝን ግን “ነዚ ድኻ ሰብኣይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።”​—⁠መክብብ 9:⁠14-16

ድኻታት ዋላ እውን ዓበይቲ ተግባራት እንተ ፈጸሙ: ደቅሰብ ንድኻታት ናይ ምንዓቕ ዝንባለ ኣለዎም። የሱስ እውን ከይተረፈ ብደቅ​ሰብ ተናዒቑ ኢዩ። ኢሳይያስ “ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ: ብዓል ስቓይ: ብሕማም ልዱይ” ብምባል ብዛዕባ የሱስ ተነበየ። (ኢሳይያስ 53:⁠3) የሱስ ከምቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ መዓርግ ወይ ጕሉሕ ስልጣን ስለ ዘይነበሮ ጥራይ ብገሊኣቶም ተናዒቑ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ዝዀነ ይኹን ሓጥእ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ኣዝዩ ዝበልጽ ጥበብ ነበሮ። እቶም ደቂ ዓዱ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ብምዃኑ ዝበለጸ ጥበብ ከም ዘለዎን ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ከም ዝፈጸመን ኣፍልጦ ኣይሃቡሉን። ይኹን እምበር: እዚ ዓቢ ጌጋ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ [የሱስ] ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን” ኢዩ ዝብል። ኣየ እዝስ ነቶም ህዝቢ ከመይ ዝበለ ዓቢ ክሳራ ኰን ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 13:⁠54-58

ንሕና እውን ተመሳሳሊ ጌጋ ኣይንፈጽም። የሱስ “ጥበብ ብደቃ [“ብግብራ:” NW  ] ጸደቐት” በለ። እቶም ግብሪ ኣምላኽ ዝገብሩን ኣምላኻዊ ጥበብ ዘማቕሉን ሰባት ብመዓርግ ወይ ደረጃ ዘይኰነስ በቲ ዘርእይዎ “ጽቡቕ ፍረ” ማለት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶምን ተግባራቶምን ኢዮም ዝልለዩ።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠18-20፣ 11:⁠19