ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትጽቢታትና ምኽንያታውያን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ትጽቢታትና ምኽንያታውያን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ትጽቢታትና ምኽንያታውያን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 እተፈጸመ ተስፋን እተጋህደ ትጽቢትን ዕግበት የምጽኣልና ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: መብዛሕትኡ ትምኒታትናን ትጽቢታትናን ከምቲ እንደልዮ ከም ዘይኰነልና ዘይከሓድ ኢዩ። ኣብ ህይወት ተደጋጋሚ ተስፋ ምቝራጽ እንተ ኣጋጢሙና: ክንባሳጮን ብኻልኦት ክንሓርቕን ንኽእል ኢና። ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ብምባል ብልክዕ ተዛረበ።​—⁠ምሳሌ 13:⁠12

ናብ ተስፋ ምቝራጽ ክመርሕ ዝኽእል ገለ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ትጽቢታትና ምኽንያታውያን ንምዃን ብኸመይ ክንዓዪ ንኽእል፧ ከምዚ ምግባር ንረብሓና ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

ትጽቢታትን ተስፋ ምቝራጽን

ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሃታሃታ ዝመልኦ ህይወት: ብዙሕ ብዝጸዓርና መጠን ገና ዝያዳ ዘይተዓመ ዘሎ ኢዩ ዝመስለና። ግዜናን ጉልበትናን ክወስድ ዝኽእል ነገራት መወዳእታ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ነቲ ዝወጠንናዮ ምፍጻም ምስ ዘይንኽእል ድማ ንገዛእ ርእስና ናይ ምዅናን ዝንባለ ኢና እንሕዝ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንኻልኦት ተስፋ ነቝርጾም ከም ዘሎና ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ሲንቲያ እትበሃል ቈልዑ ምዕባይ ዘለዎ ጸቕጢ እትፈልጥ በዓልቲ ሓዳርን ኣደን “ንደቀይ ኣብ ምእራም ሓደ ዓይነት መትከል ዘይምሓዘይን ብግቡእ ኣየሰልጥኖምን ኢየ ዘለኹ ዝብል ስምዒትን ብሓቂ ዘባሳጩ ኢዩ” ትብል። ሓንቲ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘላ ስተፋኒ እውን ብዛዕባ ትምህርታ ከምዚ በለት:- “ንዅሉ እቲ ክገብሮ ዝደልዮ ነገራት ዝኸውን እኹል ግዜ የብለይን: እዚ ኸኣ ይርብጸኒ ኢዩ።”

ዘይምኽንያታዊ ልዑል ትጽቢታት ብቐሊሉ ናብ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህርይ ኢዩ ዝቕየር: እዚ እውን ኣዝዩ ዘበሳጩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ በን ዝበሃል መንእሰይ በዓል ሓዳር ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ተግባራተይ: ሓሳባተይ: ወይ ስምዒታተይ ክምርምሮ ከለኹ ኵሉ ግዜ ብኸመይ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ከም ዝነበረ አስተውዕል ኢየ። ኵሉ ሳዕ ፍጽምና ኢየ ዝጽበ: እዚ ኸኣ ናብ ምርባጽ: ብስጭት: ከምኡውን ተስፋ ምቝራጽ ኢዩ ዝመርሓኒ።” ሓንቲ ገይል እትበሃል ክርስትያን በዓልቲ ሓዳር ከምዚ በለት:- “ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህርይ ንድኽመት ኣብ ግምት ኣየእቱን ኢዩ። እተን እዚ ባህሪ እዚ ዘሎና ብሉጻት ኣዴታትን ኣንስትን ክንከውን ኢና እንደሊ። ሓጐስ ምእንቲ ክንረክብ ኣፍረይቲ ክንከውን ኣሎና: ስለዚ ዝባኽን ጻዕሪ የሕርቐና ኢዩ።”

ካልእ ናብ ተስፋ ምቝራጽ ዝመርሕ ረቛሒ ኸኣ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ጥዕና ምስኣንን እርጋንን ኢዩ። ከም ልብኻ ናይ ምንቅስቓስ ክእለትን ጉልበትን እናደኸመ ምኻዱ ንድሩትነትና የጕልሖ: ብስጭት ድማ ይውስኸልና። ኤሊዛቤት “ቅድሚ ምሕማመይ ኣዝዩ ቀሊልን ተራን ዝነበረ ነገር ክፍጽም ብዘይ​ምኽኣለይ እርበጽ ኢየ” ብምባል ትእመን።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ: ተስፋ ምቝራጽ ብምንታይ ክለዓዓል ከም ዝኽእል ዝሕብር ኣብነታት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ምቍጽጻር እንተ ዘይተገይሩሉ ካልኦት ከም ዘይሕጐሱልና እውን ከይተረፈ ክመስለና ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ንዘጋጥመና ተስፋ ምቝራጽ ንኽንዋጽኣሉን ምኽንያታዊ ትጽቢታት ንኽንኵስኵስን እንታይ ኣወንታዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

ምኽንያታዊ ትጽቢታት ክንኵስኵሰሉ እንኽእል መገድታት

ቅድም ቀዳድም: የሆዋ ምኽንያታውን ዝርዳእን ምዃኑ ኣይትረስዕ። መዝሙር 103:⁠14 “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ብምባል ተዘኻኽረና። የሆዋ ዓቕምናን ድሩትነትናን ስለ ዝፈልጥ ነቲ ክንህቦ እንኽእል ነገራት ጥራይ ኢዩ ዝጽበየና። ሓደ ካብቲ ዝሓተና ነገራት ድማ ‘ዓቕምና ብምፍላጥ ምስ ኣምላኽና ክንመላለስ’ ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 6:⁠8 NW

ብተወሳኺውን የሆዋ ብጸሎት ናብኡ ክንቀርብ ይምሕጸነና ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠17) እዚ ግን ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዘና፧ ጸሎት ንኣተሓሳስባና የርግኦን የህድኦን ኢዩ። ልባዊ ጸሎት ምልክት ናይ ዓቕምኻ ምፍላጥን ትሕትናን ስለ ዝዀነ ሓገዝ ከም እንደሊ ዘረጋግጽ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ከም ፍቕሪ: ለውሃት: ሕያውነት: ከምኡውን ርእሰ⁠-​ግትኣት ዝኣመሰለ ፍረ ዘፍሪ መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ንጸሎትና ምላሽ ክህበሉ ይደሊ ኢዩ። (ሉቃስ 11:⁠13፣ ገላትያ 5:⁠22, 23) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጸሎት ንጭንቀትን ብስጭትን የቃልሎ ኢዩ። ኤሊዛቤት: ጸሎት “ኣብ ካልእ ክርከብ ዘይከኣል ምጽንናዕ የምጽኣልካ” ትብል። ኬቨን ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ ከምዚ ይብል:- “ንጸገማት ክዋጽኣሉ ዘኽእለኒ ህዱእ ልብን ብሩህ ኣእምሮን ምእንቲ ክወሃበኒ እጽሊ ኢየ። የሆዋ እውን ጠንጢኑኒ ኣይፈልጥን ኢዩ።” ሃዋርያ ጳውሎስ ጸሎት ክቡር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ከምዚ ኢሉ እተላበወና:- “ድሌትኩም ዘበለስ . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ . . . እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:⁠6, 7) እወ: ምስ የሆዋ ርክብ ምግባር ካባናን ካብ ካልኦትን ምኽንያታዊ ትጽቢታት ናይ ምግባር ባህርይ ንምዅስኳስ ብሓቂ ይሕግዘና ኢዩ።

ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ብቕጽበት መጸናንዒ ቃላት ክንረክብ ንደሊ ኢና። ብግዜኡ ዝዝረብ ቃል ጽቡቕ ኢዩ። ንሓደ እንኣምኖን ብሱልን ፈታዊና ምስጢርና ምክፋል ብዛዕባ እቲ ተስፋ ዘቝርጸና ወይ ዘጨንቐና ዘሎ ነገር ሓድሽ ኣረኣእያ ንኽህልወና ይሕግዘና ኢዩ። (ምሳሌ 15:⁠23፣ 17:⁠17፣ 27:⁠9) ዝበሳጨዉ መንእሰያት ካብ ወላዲ ማዕዳ ምሕታት ሚዛናውያን ንኽዀኑ ከም ዝሕግዞም ይማሃሩ ኢዮም። ካንዲ “ካብ ወለደይ ዝረኸብክዎ ፍቕራዊ መምርሒ ዝያዳ ምኽንያታዊትን ሚዛነይ ዝሕሉን ተፈታዊት ብጸይትን ከም ዝኸውን ገይሩኒ ኢዩ” ብምባል ብሞሳ ኣፍልጦ ትህብ። እወ: እቲ ኣብ ምሳሌ 1:⁠8, 9 ዝርከብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መዘኻኸሪ ከም ሎሚ ገይሩ እዋናዊ ኰይኑ ኣይፈልጥን:- “ወደየ: እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ: ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ: ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።”

ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህሪ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ኣብቲ “ኵሉ ነገር ከምቲ እንደልዮ ክዀነልና ምጽባይ: ብስጭት ምዕዳም ኢዩ” ዝብል ምስላ ቀዳሞት ብሕጽር ዝበለ ጸቡቕ ኣገላልጻ ተጠቒሱ ኣሎ። ነዚ ንምውጋድ ኣብ ኣረኣእያ ምትዕርራይ ምግባር የድሊ። ትሕትናን ዓቕምኻ ምፍላጥን ማለት ብዛዕባ ድሩትነትና ክዉን ኣረኣእያ ምህላው: ኣብ ውሽጥና ሚዛናውን ምኽንያታውን ትጽቢታት ከም ዝዅስኵስ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እምበኣር: ሮሜ 12:⁠3 ‘ብዛዕባ ርእስና ካብቲ ዝግባእ ኣዕዚዝና ከይንሓስብ’ መጠንቀቕታ ምሃባ ዝግባእ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ፊልጲ 2:⁠3 ትሕትና ከነጥርን ንኻልኦት ካባና ኣብሊጽና ክንርእዮምን ተተባብዓና ኢያ።

እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ኤሊዛቤት ብሰንኪ ሕማማ ዓቕሊ ትስእን ነበረት። ኣረኣእያ የሆዋ ክሳዕ እተስተውዕልን ኣገልግሎትና ከም ዘይርስዖ ብምፍላጥ ምጽንናዕ ክሳዕ እትረክብን ግዜ ወሲዱላ ኢዩ። ካለን ብሕማም ስለ ዝማሰነ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ምስቲ ጽቡቕ ጥዕና ከለዎ ዘገልግሎ ዝነበረ ብምውድዳር ኣገልግሎቱ ዳርጋ ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ይስምዖ ነበረ። ኣብ ከም 2 ቈረንቶስ 8:⁠12 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ብምስትንታን ግን ነዚ ስምዒታት እዚ ከርሕቖ ከኣለ። እታ ጥቕሲ “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን” ኢያ እትብል። ካለን “ሽሕኳ ክህቦ ዝኽእል ኣዝዩ ሒደት እንተ​ዀነ: ገና ግን ክህብ እኽእል ኢየ: እዚ ድማ ኣብ የሆዋ ተቐባልነት ኣለዎ” በለ። እብራውያን 6:⁠10 “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ብምባል ተዘኻኽረና።

ብኸመይ ደኣ ኢና ትጽቢታትና ምኽንያታዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንፈልጥ እንኽእል፧ ንገዛእ ርእስኻ ‘ትጽቢታተይ ምስ ናይ ኣምላኽ ትጽቢታት ይሰማማዕዶ ኢዩ፧’ ኢልካ ሕተት። ገላትያ 6:⁠4 “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ትብል። የሱስ “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ” ከም ዝበለ ኣይትረስዕ። እወ: ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን እንጾሮ ኣርዑት ኣሎና: እንተ​ዀነ ግን “ፈኵሽ” ከምኡውን “ቀሊል” ኢዩ፣ የሱስ ድማ ብግቡእ ምጻሩ እንተ​ድኣ ተማሂርና ዕረፍቲ ከም ዝዀነልና ተማባጺዑልና ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-30

ምኽንያታዊ ትጽቢታት ዓስቢ የምጽእ

ምኽንያታዊ ትጽቢታት ኣብ ምዅስኳስ ምኽርታት ቃል ኣምላኽ ምስማዕን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ቅልጡፍ ከምኡውን ነባሪ ዓስቢ የምጽኣልና ኢዩ። ብቐዳምነት: ኣብ ኣካላትና ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ካብ መዘኻኸሪታት የሆዋ እተጠቕመት ጀኒፈር “ኣብ ህይወተይ ዝያዳ ብርታዐን ምዉቕ ስምዒትን ኣሎኒ” ብምባል ኣፍልጦ ትህብ። ምሳሌ 4:⁠21, 22 እተን የሆዋ ዘውስአን ቃላት “ንዝረኸበን ህይወቱ: ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ” ስለ ዝዀና ብዓይንና ከነተኵረለን: ብልብና ኸኣ ከነቕልበለን ምምሕጻና ዝግባእ ኢዩ።

ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ምርካብ እውን ካልእ ዓስቢ ኢዩ። ተሪሳ ከምዚ ትብል:- “ቃል ኣምላኽ ንኣእምሮይን ልበይን ክጸልዎ ምስ ዝፈቕደሉ: ኵሉ ሳዕ ዝያዳ ሕጕስቲ ኢየ ዝኸውን።” ልክዕ ኢዩ: ብሕጂ እውን ኣብ ህይወትና ተስፋ ዘቝርጽ ነገራት ከጓንፈና ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ብዝያዳ ክንጻወሮ ንኽእል ኢና። ያእቆብ 4:⁠8 “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ትላበወና። የሆዋ ኣብ ህይወት ንዘጋጥመና ብድሆታት ንምስጋር ከም ዘሐይለናን ሰላሙ ብምሃብ ከም ዝባርኸናን እውን ተማባጺዑልና ኣሎ።​—⁠መዝሙር 29:⁠11

ምኽንያታዊ ትጽቢታት ምግባር ብመንፈስ ጽኑዓት ኴንና ንኽንቅጽል የኽእለና። እዚ እውን በረኸት ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ህይወትና ዝያዳ ኣገደስቲ ዝዀኑ ነገራት ኣነጺርና ከነተኵር ንኽእል ኢና። (ፊልጲ 1:⁠10) ከምዚ እንተ​ድኣ ዀይኑ ሸቶታትና ክፍጸምን ክብጻሕን ዝኽእል ይኸውን: እዚ እውን ዝያዳ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣልና። የሆዋ ንጽቡቕና ከም ዝዓዪ ምፍላጥና: ኵሉ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ንምግዳፍ ብዝያዳ ፍቓደኛታት ንኸውን። ጴጥሮስ “ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” በለ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6) ካብ የሆዋ ክብሪ ካብ ምርካብ ዝበልጽ ዓስቢ ክህሉዶ ይኽእል ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ምኽንያታዊ ትጽቢታት ምዅስኳስ ነቲ ዘጋጥመና ብስጭትን ተስፋ ምቝራጽን ንኽንዋጽኣሉ ክሕግዘና ይኽእል