ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ኣብ ቅድሚኡ ክቡራት ኢዮም

እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ኣብ ቅድሚኡ ክቡራት ኢዮም

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ኣብ ቅድሚኡ ክቡራት ኢዮም

 ሊባኖስ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጽሓፈሉ ዝነበረ ግዜ ኣትሒዛ በቲ ዘለዋ ባህርያዊ ሃብቲ ፍልጥቲ ሃገር ኢያ። (መዝሙር 72:⁠16፣ ኢሳይያስ 60:⁠13) ብፍላይ ክቡር ዝነበረ እቲ ብጽባቐኡ: ጥዑም ጨንኡ: ከምኡውን ብምድልዳሉ ንመስርሒ ህንጻ ዝጠቅም ዝነበረ ዓበይቲ ጽሕድታት ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ሓደ ክቡር ነገር ካብ ሊባኖስ ተረኽበ። ወንጌል ማርቆስ ካብተን ጥንታዎት ግዝኣት ሊባኖስ ዝነበራ ጢሮስን ሲዶናን ‘[የሱስ] ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ: ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ’ ብምባል ትገልጽ።​—⁠ማርቆስ 3:⁠8

ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን ሊባኖስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ፍረ ትፈሪ ኣላ። እዚ ቀጺሉ ዘሎ ተመክሮታት ነዚ ዘጕልሕ ኢዩ።

ሓደ ዊሳም ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቱ ኣብ ክፍሉ ናይ 30 ደቒቕ ዝርርብ ክህብ ተሓተተ። ዊሳም እዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስክርነት ንምሃብ ጽቡቕ ምዃኑ ሓሰበ። ስለዚ ነታ ላይፍ​—⁠ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክርኤሽን፧ እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተጠቒሙ ብዛዕባ ፍጥረት ዝርርብ ክህብ ተዳለወ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ኣርእስቲ ድሕሪ ምርኣይ ናይ ዊሳም መምህር እቲ ዝርርብ ኣድላዪ ትምህርቲ ዝሓዘ ብምዃኑ ናብ 45 ደቒቕ ከም ዝናዋሕ ገበረ።

ዊሳም ዝርርቡ ምስ ጀመረ መምህሩ ኣቋረጾ እሞ ነታ ርእሰ⁠-​መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ልኢኹ ጸውዓ። እታ ርእሰ⁠-​መምህር ቀልጢፋ መጸት ዊሳም ከኣ ዝርርቡ እንደገና ጀመረ። ነቲ ዊሳም ኣብ መእተዊ ናይቲ ዝርርብ ዘቕረቦ ሕቶ ምስ ሰምዐት እታ ርእሰ⁠-​መምህር ኣዝያ ተሓጐሰት እሞ ናይቲ ዝርርብ ቅዳሕ ንዅሎም ተማሃሮ ክዋሃብ ኣለዎ በለት።

ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ ሓደ መምህር ክሓልፍ ከሎ ነቲ አብቲ ክፍሊ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒት ኣስተብሃለሉ እሞ ከምኡ ዘግበሮም እንታይ ምዃኑ ሓተተ። ምስ ተነግሮ ድማ ዊሳም ንፍጥረት ወይስ ንፍልቀት ብምድጋፍ ይዛረብ ምህላዉ ንምርግጋጽ ሓተተ። እቲ መልሲ ድማ “ንፍጥረት” ዝብል ነበረ። ዊሳም ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ እቲ መምህር ነቶም ተማሃሮ “ብዝርርቡ ስነ⁠-​ፍልጠት ንፍጥረት እምበር ንፍልቀት ከም ዘይድግፍ ክትርእዩ ኢኹም” በሎም።

ደሓር ክርድእዎ ከም ዝኸኣሉ እዚ መምህር እዚ ቅዳሕ ናይታ ክሪኤሽን እትበሃል መጽሓፍ ተጠቒሙ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይምህር ነይሩ ኢዩ! እቲ መምህር ቅድሚ ምኻዱ ድማ ንጽብሒቱ ተማሃሮኡ ሒዙ ክመጽእ እሞ ዊሳም ከኣ ዝርርብ ክህቦም ዝከኣል እንተ​ዀይኑ ሓተተ። እዚ እውን ተወሳኺ ጽቡቕ ምስክርነት ንየሆዋ ኰነ።

እታ ጓል ዕስራን ክልተን ዓመት ኒና ጽምኢ ማይ ሓቂ ነበራ። ሓደ መዓልቲ ጓል ኣሙኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበታ እሞ ምስ ናይ ጴንጠቆስጠ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣላለየታ። ኒና ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሓጐስ ድሕሪ ምንባባ ክርስትያን ክሰብኩ ከም ዘለዎም ፈለጠት: ስለዚ ነቶም እትፈልጦም ሰባት ክትነግሮም ጀመረት። እተዛረበቶ ዘበለ ሰብ “ናይ የሆዋ ምስክር ዲኺ፧” እናበለ ይሓታ ነበረ። እዚ ኸኣ የደንጽዋ ነበረ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እንዳ ኒና መጺኦም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ነገርዋ። ኣብቲ መጀመርታ ካብቲ ትምህርትታቶም ጌጋ ክትረክብ ትጽዕር ነበረት። ይኹን እምበር: ኵሉ እቲ ዝህብዋ ዝነበሩ መልሲ ክውንነት ዘለዎን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑን ተረድኣ።

እቲ ኒና “የሆዋ” ስም ኣምላኽ ብዛዕባ ምዃኑ: በረኸታት ናይታ መንግስቲ: ካልእ ብዛዕባ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ዝቐሰመቶ ፍልጠት ኣብ መወዳእትኡ ሓቂ ምርካባ ከም እትኣምን ገበራ። ህይወታ ንኣምላኽ ወፈየት እሞ ተጠምቀት። ኒና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ምግልጋል ካብ እትጅምር እንሆ ሸውዓተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብርግጽ የሆዋ ነቶም ብሓቂ ዘፍቅርዎ ይባርኾም ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠9