ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ምስራሕ ኣጽዋር ውግእ ናብ ዕዮ ምድሓን ህይወት

ካብ ምስራሕ ኣጽዋር ውግእ ናብ ዕዮ ምድሓን ህይወት

ታሪኽ ህይወት

ካብ ምስራሕ ኣጽዋር ውግእ ናብ ዕዮ ምድሓን ህይወት

ኢሲዶሮስ ኢስማይሊዲስ ዘዘንተዎ

ንብዓት በዒንተይ ጀረብረብ እናበለ ተምበርኪኸ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ቀሪበ ከምዚ በልኩ:- “ዎ ኣምላኽ: ኣጽዋር ውግእ ኣብ ምስራሕ ክቕጽል ከም ዘይክእል ሕልናይ ይነግረኒ ኣሎ። ካልእ ስራሕ ክረክብ ጽዒረ: ክረክብ ግን ኣይከኣልኩን። ጽባሕ ናይ ስንብታ ወረቐት ከቕርብ ኢየ። በጃኻ የሆዋ እዞም ኣርባዕተ ደቅና ክጠምዩ ስቕ ኢልካ ኣይትርአ።” ኣብዚ ውሳነ እዚ ዝበጻሕኩ ብኸመይ ኢየ፧

 ኣብቲ ብ1932 እተወለድኩሉ ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ዝርከብ ድራማ ዝብሃል ወረዳ: ህይወት ሰላም ዘለዎን ዘይተሓላለኸን ኢዩ ነይሩ። ኣቦይ እንታይ ክኸውን ከም ዝደልየኒ ደጋጊሙ ይነግረኒ ነበረ። ትምህርቲ ክረክብ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸይድ የተባብዓኒ ነበረ። ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ግሪኽ ተወሪራትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ኣብ ግሪኻውያን ልሙድ ኰይኑ ዝነበረ ጭርሖ ከምዚ ዝብል ኢዩ:- “ንብረትና ክትሰርቁ ትኽእሉ ኢኹም: ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ግን ክትሰርቁ ኣይትኽእሉን ኢኹም።” ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ብምብጻሕ ዋላ ሓደ ሰብ ክሰርቆ ዘይክእል ፍልጠት ክሕዝ ወሰንኩ።

ካብ ግዜ ንእስነተይ ኣትሒዘ: ኣብ ትሕቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ እተፈላለየ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ኣባል ነበርኩ። ካብ ሓደገኛታት ዝዀኑ ኣንቆራታት ክንጥንቀቕ ይንገረና ነበረ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ጕጅለ ኣጸቢቐ ኢየ ዝዝክሮ: ከመይሲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝንገር ነይሩ።

ኣብ ግሪኽ ብ1953 ካብ ቤት ትምህርቲ ስነ⁠-​ኪነት ድሕሪ ምምራቐይ እናሰራሕኩ ዝመሃረሉ ኣጋጣሚ እንተ ረኸብኩ ኢለ ናብ ጀርመን ከድኩ። እንተ​ዀነ ግን ኣይሰለጠንን ስለዚ ናብ ካልኦት ሃገራት ተጓዓዝኩ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት: ኣብ ሓንቲ ወደብ ናይ በልጂዩም ድሕሪ ምብጽሐይ ዝነበረኒ ኵሉ ገንዘብ ወዳእኩ። ናብ ሓደ ቤተ-ክርስትያን ኣትየ ኣብ ምድሪ ናይቲ ኮፍ ኢለዮ ዝነበርኩ ቦታ ንብዓት ጥብጥብ ክሳዕ ዝብል ኣበርቲዐ ክበኪ ትዝ ይብለኒ። ኣምላኽ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽኸይድ እንተ ሓጊዙኒ: ደድሕሪ ንዋታዊ ነገራት ከም ዘይጐዪ ኣብ ክንድኡስ ተማሂረ ጥዑይ ክርስትያንን ጥዑይ ዜጋን ክኸውን ከም ዝጽዕር ጸለኹ። ኣብ መጨረሽታ ብ1957 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በጻሕኩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ምጅማር

ንሓደ ቋንቋ ዘይፈልጥን ገንዘብ ዘይብሉን ስደተኛ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምንባር ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ለይቲ ኣብ ክልተ ቦታ እሰርሕ: ቀትሪ ድማ ክምሃር እጽዕር ነበርኩ። ኣብ እተፈላለየ ኮለጅ ተማሃርኩ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ዲፕሎማ ወሰድኩ። ብድሕርዚ ኣብቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ናይ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዓውዲ ስነ⁠-​ፍልጠት ብኣፕላይድ ፊዝክስ ዲግሪ ወሰድኩ። እተን ኣቦይ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝብለኒ ዝነበረ ቃላት ኣብዘን ጽንኩራት ዓመታት እዚኣተን ንቕድሚት ክቕጽል ኣኽኣላኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ሓንቲ ኤካተሪኒ እትበሃል ምጭውቲ ግሪኻዊት ጓል ተፋለጥኩ: ብ1964 ድማ ተመርዓና። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ነቲ ናይ መጀመርታ ወድና ወለድና: ካብ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝውሕድ ግዜ ድማ ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ነበሩና። ስድራ​ቤት እናኣለኻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ብሓቂ ከቢድ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ሳኒቬል: ካሊፎርኒያ: ዝርከብ ክፍሊ ሚሳይልን ጠፈርን ኢየ ዝሰርሕ ነይረ። ነቲ ኣጀና ከምኡውን ኣፖሎ ዝበሃል ፕሮግራማት ሓዊስካ ኣብ እተፈላለየ ናይ ኣየርን ጠፈርን ፕሮጀክትታት ሰሪሐ ኢየ። በቲ ኣብ ኣፖሎ 8 ከምኡውን ኣፖሎ 11 ንዝገበርክዎ ኣበርክቶ: ኒሻን ከይተረፈ ተሸሊመ ኢየ። ብድሕርዚ: ትምህርተይ ቀጸልኩ ኣብ እተፈላለየ ናይ ጠፈር ወተሃደራዊ ፕሮጀክትታት ዓየኹ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕኩ ህይወተይ ምሉእ ዝዀነ ኰይኑ ተሰምዓኒ: ከመይሲ ምጭውቲ በዓልቲ ቤት: ኣርባዕተ ደስ ዝብሉ ውሉዳት: ክብረት ዘለዎ ስራሕ: ከምኡውን ጽቡቕ ቤት ነይሩኒ ኢዩ።

ዘይሕለል ብጻይ

ኣብ መጀመርታ ናይ 1967 ኣብ ስራሕ ምስ ሓደ ትሑትን ሕያዋይን ዝዀነ ጂም ዝብሃል ሰብኣይ ተላለኹ። ጂም ኵሉ ግዜ ሕጉስ ኢዩ ነይሩ: ኣብ እዋን ዕረፍቲ ብሓንሳብ ኴንና ቡን ክንሰቲ ምስ ዝዕድሞ ድማ ኣብዩ ኣይፈልጥን። ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ገለ ሓበሬታታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽነግረኒ ይጥቀመሉ ነበረ። ጂም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የጽንዕ ከም ዘሎ ይነግረኒ ነበረ።

ጂም ኣብዚ ሃይማኖታዊ ጕጅለ እዚ ክሓብር ምጅማሩ ኣሰምበደኒ። ከምዚ ዝበለ ጥዑይ ሰብ ከመይ ኢሉ ግዳይ ናይዚ ጸረ ክርስቶስ ዝዀነ ኣንቆራ ክኸውን ከኣለ፧ እንተ​ዀነ ግን እቲ ጂም ኣባይ ዝነበሮ ተገዳስነትን ሕያውነቱን ካብኡ ከም ዘይርሕቕ ገበረኒ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ዝንበብ ጽሑፍ የምጽኣለይ ነበረ። ንኣብነት ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈተይ መጺኡ ከምዚ በለኒ:- “ኢሲዶሮስ ኣብዛ ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ብዛዕባ ንናብራ ስድራ​ቤት ጽኑዕ ምግባሩ እትዛረብ ዓንቀጽ ኣላ። ገዛ ውሰዳ እሞ ምስ በዓልቲ ቤትካ ኴንካ ኣንብባ።” ንዕኡ ከንብባ ምዃነይ ገለጽክሉ: ጸኒሐ ግን ናብ ዓይኒ ምድሪ ከይደ ነታ መጽሔት ቀዲደ ናብ እንዳ ጐሓፍ ደርበኽዋ።

ንሰለስተ ዓመት ምሉእ ንዅሉ እቲ ጂም ዝህበኒ ዝነበረ መጻሕፍትን መጽሔታትን እቐዶ ነበርኩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይመርመርኩ ብሕማቕ እፈርድ ነበርኩ: እንተ​ዀነ ግን ምስ ጂም ዝነበረኒ ዕርክነት ከቋርጽ ኣይደልን ነበርኩ: ስለዚ እቲ ዝብሎ ሰሚዕካ ድሕሪኡ ብኡንብኡ ምውጋዱ እቲ ዝሓሸ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ነበረኒ።

እንተ​ዀነ ግን ካብቲ ምስኡ ዝገበርክዎ ምዝርራባት ዝበዝሐ ካብቲ ዝኣምነሉን ዝገብሮን ዝነበርኩ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ከም ዘይኰነ ተረድኣኒ። ስላሴ: ገሃነም እሳት: ከምኡውን ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርትታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ከም ዘይኰነ ተገንዘብኩ። (መክብብ 9:⁠10፣ ህዝቅኤል 18:⁠4፣ ዮሃንስ 20:⁠17) ምኩሕ ሰዓቢ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ከም ምዃነይ መጠን: ንጂም ብግህዶ ሓቅኻ ኢኻ ክብሎ ኣይደለኹን። እንተ​ዀነ ግን ኵሉ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባት ዘይኰነስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ ስለ ዝነበረ: ኣብ መወዳእትኡ እዚ ሰብኣይ እዚ ንዓይ ዝኸውን ክቡር መልእኽቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዎ ተገንዘብኩ።

በዓልቲ ቤተይ ገለ ለውጢ ከም ዘሎ ተሰምዓ: እሞ ምስቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዓርከይ እዘራረብ እንተ ኣልየ ሓተተትኒ። እወ ኢለ ምስ መለስኩላ: ከምዚ በለት:- “ብዘይ​ካ ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ካልእ ሃይማኖት ንእቶ።” ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣርባዕተ ደቅናን: ስርዓታውያን ኴንና ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ ኣኼባ ክንካፈል ጀመርና።

ከቢድ ውሳነ

መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እናቐጸልኩ ምስ ከድኩ: “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብላ ቃላት ነብዪ ኢሳይያስ ፈለጥክወን። (ኢሳይያስ 2:⁠4) ንገዛእ ርእሰይ ከምዚ ኢለ ሓተትኩ:- ‘ሓደ ኣገልጋሊ ናይቲ ሰላም ዝፈቱ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኣዕናዊ ኣጽዋር ኣብ ምንዳፍን ኣብ ምፍራይን ክሰርሕ ይኽእል፧’ (መዝሙር 46:⁠9) ስርሐይ ንምቕያር ኣብ ውሳነ ንኽበጽሕ ብዙሕ ኣይወሰደለይን።

እዚ ከቢድ ብድሆ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። ብኽብሪ ዝርአ ስራሕ ኢዩ ነይሩኒ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ንኽበጽሕ ንብዙሕ ዓመታት ኣበርቲዐ ጽዒረ: ተማሂረ: ከምኡውን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊለ ኢየ። ኣብዚ ንምብጻሕ ብእተፈላለየ ደረጃታት ኢየ ሓሊፈ ድሕሪ እዚ ዅሉ ግን ስርሐይ ናይ ምሕዳግ ውሳነ ኣጋጠመኒ። ይኹን እምበር: ኣብ መወዳእትኡ እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ ዓሚቝ ፍቕሪ ከምኡውን ፍቓዱ ንኽገብር ዝነበረኒ ባህጊ ተዓወተ።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠21

ኣብ ሓንቲ ኣብ ሲያትል ዋሺንግተን እትርከብ ኩባንያ ስራሕ ረኸብኩ። እቲ ዘሕዝን ግን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ምስ ኢሳይያስ 2:⁠4 ዘይሰማማዕ ስራሕ ምዃኑ ተረዳእኩ። ኣብ ካልእ ፕሮጀክትታት ጥራይ ንኽሰርሕ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ፈሸለ: እንደገና ድማ ሕልናይ ረበሸኒ። ብግልጺ ድማ ነቲ ስራሕ እናቐጸልኩ ጽሩይ ሕልና ክህልወኒ ከም ዘይክእል ተረዳእኩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠21

ኣብ ናብራ ኣድላዪ ለውጢ ክንገብር ከም ዘለና ብሩህ ኰነ። ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዝውሕድ ግዜ: ኣነባብራና ለወጥና ወጻኢታትና ድማ ብፍርቂ ከም እነትሕቶ ገበርና። ብድሕርዚ ነቲ ክቡር ቤትና ሸጥና: ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ድማ ንእስ ዝበለ ዓደግና። ብድሕርዚ ነቲ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ​—⁠ስራሕ ምግዳፍ​—⁠ንኽወስድ ድሉው ኰንኩ። ናይ ሕልናይ ኵነታት ዝገልጽ ናይ ስንብታ ወረቐት ጽሓፍኩ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ: ነቶም ቈልዑ ድሕሪ ምድቃስና ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጸ ተምበርኪኽና ምስ በዓልቲ ቤተይ ናብ የሆዋ ጸለና።

ኣብ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ናብ ደንቨር ገዓዝና: ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ኣብ ሓምለ 1975 ኣነን በዓልቲ ቤተይን ተጠመቕና። ንሽዱሽተ ወርሒ ምሉእ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን: ቀስ እናበልና ድማ ነቲ ኣዋህሊልናዮ ዝነበርና ገንዘብ እናወዳእናዮ ከድና። ኣብ ሻብዓይ ወርሒ እቲ ኣብ ባንክ ዝነበረና ገንዘብ ካብቲ ነቲ ገዛ እንኸፍለሉ ወርሓዊ ገንዘብ ዝውሕድ ኢዩ ነይሩ። ዝዀነ ዓይነት ስራሕ ክረክብ ፋሕተርተር በልኩ: ብድሕርዚ ብኡንብኡ ናይ ምህንድስና ስራሕ ረኸብኩ። እቲ ደሞዝ ፍርቂ ናይቲ ቅድም ዝወስዶ ዝነበርኩ ኢዩ፣ እንተ​ዀነ ግን ካብቲ ኣነ ንየሆዋ ዝሓተትክዎ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። መንፈሳዊ ነገራት ብምቕዳመይ ሕጕስ ኢየ ነይረ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠33

ደቅና ንየሆዋ ከም ዘፍቅርዎ ገይርካ ምዕባይ

ኣብቲ እዋን እቲ ኣነን ኤካተሪኒን ኣብቲ በዳሂ ዝነበረ ነቶም ኣርባዕተ ደቅና ብኣምላኻዊ ስርዓታት ናይ ምዕባይ ዕዮ ትሑዛት ኢና ነይርና። እቲ ዘሐጕስ ብሓገዝ የሆዋ ኵሎም ህይወቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ኣድላዪ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ብምውፋይ ብሱላት ክርስትያናት ኰይኖም ርኢናዮም ኢና። እቶም ሰለስተ ኣወዳት ደቅና ክሪስቶስ: ላኪስ: ከምኡውን ግረጎሪ ካብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ተመሪቖም ኢዮም: ሕጂ ድማ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ንጉባኤታት ይበጽሑን የባራትዑን ኣለዉ። ቱላ ጓልና ድማ ኣብ ኒው ዮርክ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወለንታ ትሰርሕ ኣላ። ኵሎም ንየሆዋ ምእንቲ ከገልግሉ ብልጹግን ጽቡቕ ደሞዝን ዘለዎ ስራሕ መስዋእቲ ክገብሩ ምርኣይና ልብና ብናይ ሓጐስ ስምዒት መሊኡ ኢዩ።

ብዙሓት ከምዚ ዝበለ ዕዉት ኣተዓባብያ ቈልዑ ብኸመይ ከም እተረኽበ ይሓቱ። ርግጽ ኢዩ ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ውሱን መምርሒ የለን: እንተ​ዀነ ግን ፍቕሪ የሆዋን ፍቕሪ ሰብን ኣብ ኣልባቦም ንኽንሰርጽ ብህርኩትና ኢና ጽዒርና። (ዘዳግም 6:⁠6, 7፣ ማቴዎስ 22:⁠37-39) እቶም ቈልዑ ብግብርና ዘይነርእዮ እንተ ዄንና ንየሆዋ ከም እነፍቅሮ ክንዛረብ ከም ዘይንኽእል ተማህሩ።

ሓንሳእ ኣብ ሰሙን መብዛሕትኡ ግዜ ቀዳም ብደረጃ ስድራ​ቤት ኣገልግሎት ንኸይድ። ሰኑይ ድሕሪ ድራር ኵሉ ግዜ ስርዓታውያን ኴንና ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ነበርና: ምስ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ድማ ጽንዓት ንገብር ነበርና። ንኣሽቱ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ምስ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ንሓጺር ግዜ ኣብ ሰሙን ብዙሕ ሳዕ ጽንዓት ንገብር ነበርና፣ ምስ ዓበዩ ድማ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ነጽንዕ ነበርና። ኣብቲ እዚ ጽንዓታት እዚ ንገብረሉ ዝነበርና ግዜ: ደቅና ልቦም ይኸፍቱልናን ጸገማቶም ናጻ ኰይኖም የዕልሉናን ነበሩ።

ከም ስድራ​ቤት መጠን እውን ሃናጺ ምዝንጋዕ ነዘውትር ነበርና። ብሓንሳብ ኴንና ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ምውቃዕ ንፈቱ ነበርና: ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ድማ እቲ ዝፈትዎ መዝሙር ክወቅዕ ባህ ይብሎ ነበረ። ኣብ ገለ ቀዳመ ሰንበት ካልኦት ስድራ​ቤታት እውን ንዕድም እሞ ንተሃናነጽ። ብደረጃ ስድራ​ቤትውን ንዕረፍቲ ንገይሽ ነበርና። ኣብ ሓደ ካብዚ መገሻታት እዚ: ንኽልተ ሰሙን ነቲ ኣብ ኮሎራዶ ዘሎ ኣኽራን ኣብ ምርኣይን ምስተን ኣብቲ ከባቢ እቲ ዘለዋ ጉባኤታት ግራት ኣገልግሎት ብምውፋርን ኣሕለፍናዮ። ደቅና ነቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ እተፈላለየ ክፍሊ ዝሰርሕዎ ዝነበሩን ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ምስራሕ ዝሓገዝዎን ብሓጐስ ኢዮም ዝዝክሩዎ። ምስ ኣዝማዶም ንኽላለዩ ናብ ግሪኽ ምስ ወሰድናዮም: ምስ እተፈላለዩ ብእምነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክራኸቡ እውን ክኢሎም ኢዮም። እዚ ድማ ኣብ ሓቂ ጽኑዓትን ተባዓትን ኰይኖም ከም ዝቕጽሉ ዝገብር ጦብላሕታ ኣሕደረሎም።

ርግጽ ኢዩ ሓድሓደ ግዜ እቶም ቈልዑ ኣደብ ዘይብሎም ይዀኑ ወይ ኣብ ኣመራርጻ ዕርክነት ይጋገዩ ነይሮም ኢዮም። ካልእ ግዜ ድማ ንሕና ባዕላትና ኣብ ገለ መዳያት ቀይድታት ብምብዛሕ ጸገም ንፈጥረሎም ነይርና ኢና። እንተ​ዀነ ግን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ገይርካ “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንነገራት ምቕናዕ ንዅልና ሓጊዙና ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17

ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ዘሐጕስ ግዜ

ደቅና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ድሕሪ ምእታዎም: ኣነን ኤካተሪኒን ነቲ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ብሰፊሑ ንኽንዓዪ ክንገብሮ እንኽእል እንተ​ድኣ ሃልዩ ኣርዚንና ክንሓስብ ጀመርና። ስለዚ ብ1994 ቀልጢፈ ጡረታ ድሕሪ ምውጽአይ ስርዓታውያን ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ጀመርና። ኣገልግሎትና እንፍጽመሉ ዝነበርና ዞባ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ምብጻሕ እውን ዘጠቓልል ኢዩ: ኣብኡ ድማ ነቶም ተማሃሮ ንምስክረሎምን ምስኦም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንገብርን ነበርና። ኣነውን ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ኣብቲ ናቶም ኵነታት ስለ ዝነበርኩ ነቲ ጸገማቶም እርድኣሎም ብምንባረይ ብዛዕባ የሆዋ ንኽፈልጡ ኣብ ምሕጋዞም ተዓዊተ ኢየ። ካብ መክሲኮ: ብራዚል: ቦሊቭያ: ቱርኪ: ታይላንድ: ቺለ: ቻይና: ኢትዮጵያ: ከምኡውን ካብ ግብጺ ምስ ዝመጹ ተማሃሮ ከጽንዕ ምኽኣለይ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኢዩ! ናይ ቴሌፎን ምስክርነት እውን የሐጕሰኒ ኢዩ ብፍላይ ድማ ምስቶም ናይ ሃገረይ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት።

ዋላ እኳ ብጽልዋ ናይ ግሪኽ ፍሉይ ኣደማምጻን ብዕድመ ምድፍአይን ድሩትነት እንተ ሃለወኒ: ኵሉ ግዜ ንገዛእ ርእሰይ ድልውቲ ክገብራን ከምቲ “እኔኹ ልአኸኒ” ዝበለ ኢሳይያስ ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ ክህልወንን ኢየ ዝጽዕር። (ኢሳይያስ 6:⁠8) ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ንኽውፍዩ ክንሕግዞም ብምኽኣልና ሕጕሳት ኢና። እዚ ብሓቂ ኣብ ህይወትና እቲ ዝበለጸ ግዜ ኢዩ።

ሓደ ግዜ ህይወተይ ብምሉኡ ንብጾተይ ሰባት ዝቐትል ዓርሞሸሽ ኣጽዋር ኣብ ምስራሕ ወፍየዮ ነበርኩ። እንተ​ዀነ ግን የሆዋ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ኣቢሉ ንዓይን ንስድራ​ቤተይን እተወፈዩ ኣገልገልቱ ንኽንከውንን ህይወትና ድማ ንሰባት ብስራት ኣብ ምንጋር ንኸነሕልፍን መገዲ ከፊቱልና ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዝገበርክዎ በዳሂ ውሳነታት ከስተንትን ከለኹ እቲ “ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ​ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዐዘቡኒ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዝብል ኣብ ሚልክያስ 3:⁠10 ዘሎ ቃላት እዝክር። ብሓቂ ልብና ብዝዓግበሉ መገዲ ከምኡ ገይሩልና ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ክሪስቶስ:- ወለደይ በቲ ንየሆዋ ዘርኣይዎ እሙን ተወፋይነትን ነቲ ከም ወለዲ መጠን ዝነበሮም ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ስለ እተዋጽእሉን ኣጸቢቐ ኢየ ዘማስዎም። ከም ስድራ​ቤት መጠን ካብ ኣገልግሎት ጀሚርና ክሳዕ ዕረፍትና ኵሉ ሳዕ ብሓንሳብ ኢና ነይርና። ህይወቶም ኣብ ብዙሕ ነገራት እቱው ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ ነበረ: ወለደይ ናብርኦም ቀሊል: ትዅረቶም ድማ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝኸውን ኢዮም ገይሮም። ሎሚ ናይ ሓቂ ሕጕስ ዝኸውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምስ ዝጽመድ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ላኪስ:- ኣቦይ ግብዝና ይጸልእ ነበረ። ግቡዝ ንኸይከውን ኣበርቲዑ ይጽዕር ነበረ: ብፍላይ ድማ ንስድራ​ቤቱ ቅኑዕ ኣብነት ኣብ ምዃን ክጽዕር ከሎ። ደጋጊሙ ከምዚ ይብለና ነበረ:- “ህይወትኩም ንየሆዋ እንተ ወፊኹም: ሓደ ነገር ኢዩ። ንየሆዋ ብዙሕ መስዋእቲ ክትከፍሉ ፍቓደኛታት ክትኰኑ ኣሎኩም። ክርስትያን ምዃን ድማ ነዚ ዘጠቓለለ ኢዩ።” እዚ ቃላት እዚ ኣብ ውሽጠይ ተቐሪጹ ተረፈ እሞ ከም ኣቦይ ንየሆዋ ኢለ ብዙሕ መስዋእቲ ክኸፍል ፍቓደኛ ንኽኸውን ሓገዘኒ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ግረጎሪ:- ካብቲ ወለደይ ንዓይ ንምትብባዕ ዝዛረብዎ ዝነበሩ ቃላት ንላዕሊ እቲ ኣብነቶምን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሕጕሳት ምዃኖም ብግህዶ ብምርኣዮምን ኵነታተይ እንደገና ብምምርማር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽጅምር ዝነበረኒ ጭንቀትን ሻቕሎትን ከልግሶ እሞ ኣብ ዕዮ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክጽመድ ኣኽኣለኒ። ነቲ ብጻዕሪ ዝርከብ ሓጐስ ንኽረኽቦ ስለ ዝሓገዙኒ ንወለደይ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖም።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ቱላ:- ወለደይ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነጥርዮ ካብ እንኽእል ነገራት እቲ ዝኸበረ ነገር ምዃኑ ከምኡውን ናይ ሓቂ ሕጕሳት ክንኰነሉ እንኽእል መገዲ ንየሆዋ ካብቲ ዘለና እቲ ዝበለጸ ምሃብ ምዃኑ ኵሉ ግዜ የጕልሑ ነበሩ። የሆዋ ናይ ሓቂ ህያው ኰይኑ ንኽርኣየና ሓጊዞምና ኢዮም። ኣቦይ ብዙሕ ግዜ ንየሆዋ ንምሕጓስ እቲ ዝከኣለካ ከም ዝጸዓርካ ብምፍላጥካ ዝርከብ ጽሩይ ሕልና ሒዝካ ድቃስ ለይቲ ምድቃስ: ብቓላት ምግላጹ ዘሸግር ስምዒት ከም ዝፈጥረልካ ይነግረና ነበረ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ግሪኽ ወተሃደር ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ: ብ1951

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኤካተሪኒ ብ1966

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ስድራ​ቤተይ ብ1996:- (ካብ ጸጋም ናብ የማን: ድሕሪት ) ግረጎሪ: ክሪስቶስ: ቱላ፣ (ቅድሚት) ላኪስ: ኤካተሪኒ: ከምኡውን ኣነ