ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉዳት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧

ውሉዳት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧

ውሉዳት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧

 ደለን ፎላን a ኣብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝነብሩን ዝዓዩን ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኢዮም። ኣብኡ ከገልግሉ ምስ ጀመሩ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣደ ፎላ ክትበጽሖም ከደት። ሓደ ብዙሕ ሳዕ ድቃስ ዝኸልኣ ኣገዳሲ ጕዳይ ንኸተዘራርቦም ነዊሕ ተጓዕዘት።

ኣዲኣ ከምዚ በለቶም:- “ንዓይ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ኢኹም ትገብሩለይ። ህያብ ትሰዱለይ: ትበጽሑኒ። እዚ እተርእዩኒ መግለጺ ፍቕሪ ንዓይ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ‘ኣብዚ ናተይ ዕድመ ምስ በጽሑ መን ከምዚ ዝበለ ሰናይ ነገራት ክገብረሎም ኢዩ፧’ ኢለ ስለ ዝሓስብ ከም ዝጭነቕ እውን ኢዩ ዝገብረኒ። ካብ ትምርዓዉ ክልተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ ኣይወለድኩምን ከኣ። ሕጅስ ካብ ቤትኤል ወጺእኩም ስድራ​ቤት ከተቝሙሉ ዝግብኣኩም ግዜዶ ኣይኰነን፧”

ኣዲኦም ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኢያ ኣቕሪባ:- ደለን ፎላን ኣብ ቤትኤል እኹል ግዜ ኣሕሊፎም ኢዮም። ሕጂ ብዛዕባ መጻኢኦም ክሓስቡሉ ዝግብኦም ግዜ ኢዩ። ብርግጽ ስርሖም ካልኦት ሰባት ክዓይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ደለን ፎላን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክሓድጉ ኣየድልዮምን ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ወሊዶም ወለዲ ናይ ምዃን በረኸት እናስተማቐሩ ክገብርዎ ዝኽእሉ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ይኽእሉ ኢዮም።

ሻቕሎት ኣደ

ናይታ ኣደ ሻቕሎት ርዱእ ኢዩ ነይሩ። ክትወልድ ናይ ምድላይ ባህጊ ባህርያዊ ከምኡውን ኣብ ኵሉ ባህልታትን እዋናትን ዘሎ ኢዩ። ቈልዓ ምውላድ ናይ ሓጐስን ተስፋን ዓሚቝ ስምዒት ኢዩ ዘልዕል። መጽሓፍ ቅዱስ “ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ” ይብል። እወ: ቈልዓ ክትወልድ ምኽኣል ካብቲ ፈቃር ፈጣሪና ዝርከብ ውህበት ኢዩ።​—⁠መዝሙር 127:⁠3

ኣብ ብዙሕ ሕብረተሰባት ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓ ንኽወልዱ ካብቲ ሕብረተሰብ ከቢድ ጸቕጢ ይወርዶም። ንኣብነት ኣብ ናይጀርያ: ኣብቲ ሓንቲ ሰበይቲ ብገምጋም ሽዱሽተ ቈልዑ እትወልደሉ ሃገር: ሰባት ኣብ መዓልቲ መርዓ ነቶም ሓደስቲ መርዑት “ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ገዛኹም ዝበኪ ቈልዓ ክንሰምዕ ትጽቢት ንገብር” እናበሉ ትምኒቶም ክገልጹ ክትሰምዕ ልሙድ ኢዩ። ኣብ እዋን መርዓ ዓራት ቈልዓ ከም ህያብ ዝቕበልሉ ኣጋጣሚታትውን ኣሎ። ሓማውቲ ንዓውደ ኣዋርሕ ይከታተልኦ። እታ መርዓት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ግዜ እንተ ዘይጠኒሳ: ሽግር እንተልዩ ንምፍታሕ ምእንቲ ክሕግዛ ክምርምራ ይጅምራ።

ብዙሓት ኣዴታት ሰባት ዝምርዓዉ ቈልዓ ንምውላድን ዘርኢ ስድራ ከም ዝቕጽል ንምግባርን ኢዩ ዝብል ምርዳእ ኢዩ ዘለወን። ኣደ ፎላ ንጓላ ከምዚ በለታ:- “ዘይትወልዲ እንተ ዄንኪ ስለምንታይ ተመርዒኺ፧ ንዓኺ ዝወለደኪ ሰብ ኣሎ: ንስኺ እውን ናይ ገዛእ ርእስኺ ውላድ ክህልወኪ ይግባእ።”

ብዘይ​ካዚ ክሕሰበሉ ዝግባእ ካልእ ጕዳያት ኣሎ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ: ብዕድመ ንዝደፍኡ ንምእላይ ዝግበር ናይ መንግስቲ ምድላዋት የለን። ብልምዲ ከምቲ እቶም ወለዲ ንውሉዳቶም ንኣሽቱ ከለዉ ዝኣለይዎም: እቶም ወለዲ ብዕድመ ምስ ደፍኡ እቶም ውሉዳት ኢዮም ዝኣልዩዎም። ስለዚ ኣደ ፎላ ደቃ እንተ ዘይወሊዶም ደሓር ምስ ዓበዩ ናይ ጽምዋ ስምዒት ክስምዖም: ሰብ ከግልሎም: ከምኡውን ክደኽዩን ዝቐብሮም ክስእኑን ኢዮም ዝብል ሓሳብ ኢዩ ነይርዋ።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ኣፍሪቃ: ዘይምውላድ ከም መርገም ኢዩ ዝቝጸር። ኣብ ገለ ከባቢታት ኣንስቲ ክወልዳ ከም ዝኽእላ ቅድሚ መርዓ ከረጋግጻ እውን ከይተረፈ ትጽቢት ይግበረለን። ብዙሓት ክወልዳ ዘይክእላ ኣንስቲ መኻናት ኰይነን ንኸይተርፋ ብጭንቀት መድሃኒት ይወስዳን ሕክምና ይገብራን።

በዚ ኣመለኻኽታታት እዚ ክትርእዮ ከለኻ እቶም ፈትዮም ውሉድ ከይህልዎም ዝመርጹ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ንገዛእ ርእሶም ዘሐጕስ ነገር ዝኽልክልዋ ዘለዉ ኢዩ ዝመስል። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ስግንጢራት: ናይ ሕጂ ጥራይ ዝሓስቡ: ከምኡውን ዘሕዝኑ ገይርካ ኢዮም ዝርኣዩ።

ሓጐስን ሓላፍነትን

ቈልዑ ምዕባይ ሓጐስ ዘለዎ እኳ እንተ​ዀነ ሓላፍነት ዝሓትት ምዃኑ እውን ህዝቢ የሆዋ ይግንዘቡ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8 ከምዚ ይብል:- “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ።”

ወለዲ ንስድራ​ቤቶም ብስጋውን መንፈሳውን ክኣልዩ ይግብኦም: እዚ ድማ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ይሓትት። ውሉዳት ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ ኣምላኽ ይኣልዮም ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ የብሎምን። ንቘልዑ ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምዕባይ ኣምላኽ ንወለዲ ዝሃቦም ናይ ምሉእ ግዜ ሓላፍነት ምዃኑ ደኣ እምበር ንኻልኦት ክወሃብ ዝግብኦ ነገር ከም ዘይኰነ ይግንዘቡ ኢዮም።​—⁠ዘዳግም 6:⁠6, 7

ብፍላይ ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” (NW  ) ናይዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ቈልዑ ናይ ምዕባይ ዕማም ከቢድ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ኣብ ርእሲ እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ኵነታት: እቲ ኣብ ሕብረተሰብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኵነታት ንምዕባይ ቈልዓ ከቢድ ከም ዝኸውን ይገብሮ ኣሎ። ከምኡ እንተ​ዀነ እውን ኣብ ብዘላ ዓለም ኣዝዮም ብዙሓት ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ብድሆ እዚ ተሰኪሞምዎ ኢዮም: ብዓወት ከኣ ኣምልኾ ዘለዎም ቈልዑ ‘ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን የዕብዩ’ ኣለዉ። (ኤፌሶን 6:⁠4) የሆዋ ነዞም ወለዲ እዚኣቶም በቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ የፍቅሮምን ይባርኾምን ኢዩ።

ገሊኦም ዘይምውላድ ዝመርጹሉ ምኽንያት

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ብዙሓት ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ውሉዳት የብሎምን። ገሊኦም መኻናት ኢዮም እንተ​ዀነ ግን ካልኦት ቈልዑ ከዕብዩ ኣይመርጹን። ካልኦት ከኣ ክወልዱ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ንኸይወልዱ ይውስኑ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰብኣይን ሰበይትን ዘይወልዱሉ ምኽንያት ሓላፍነት ስለ ዘይደልዩ ወይ ወላዲ ኣብ ምዃን ንዘሎ ብድሆታት ክጋጠምዎ ስለ ዘፍርሆም ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ምሉእ ኣትኵሮኦም ኣብቲ ውሉዳት ከዕብዩ እንተ ዀይኖም ክፍጽምዎ ዘይክእሉ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክገብርዎ ስለ ዝደልዩ ኢዩ። ገሊኦም ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ። ካልኦት ንየሆዋ ኣብ ናይ መገሻ ዕዮ ወይ ኣብ ቤትኤል የገልግልዎ።

ከምቲ ኵሎም ክርስትያን ዝርድእዎ ንሶምውን ክግበር ዘለዎ ህጹጽ ዕዮ ከም ዘሎ ይግንዘቡ ኢዮም። የሱስ ከምዚ ይብል:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” እዚ ዕዮ እዚ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ ምስ ህይወት እተተሓሓዘ ኢዩ ከመይሲ “መወዳእታ” ነቶም ነቲ ብስራት ዘየቕልብሉ ሰባት ጥፍኣት ኢዩ ዘምጽኣሎም።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ 2 ተሰሎንቄ 1:⁠7, 8

እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ምስቲ ኖህን ስድራ​ቤቱን ነታ ካብ ማይ ኣይሂ ዘድሓነቶም ዓባይ መርከብ ዝሰርሑሉ እዋን ዝመሳሰል ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠13-16፣ ማቴዎስ 24:⁠37) ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ ምርዑዋት እኳ እንተ ነበሩ: ዋላ ሓደ ካብኦም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝወለደ ኣይነበረን። ሓደ ካብቲ ምኽንያት እዞም ምርዑዋት ሰባት እዚኣቶም ምሉእ ኣትኵርኦምን ሓይሎምን ኣብቲ ክዕመም ዝነበሮ ዕዮ ንምግባር ክኸውን ይኽእል። ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብታ ረኺሳን ዓመጻ መሊእዋን ዝነበረት ‘ክፍኣት ሰብ ዝበዝሓላን ብሓሳባት ልቡ ዝሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ዝዀነላን’ ዓለም ውሉዳት ከተዕቢ ዘይምድላይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 6:⁠5

ሎሚ ውሉዳት ክህልዉኻ ጌጋ ኢዩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ ብዙሓት ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ የሆዋ ንህዝቡ ክገብርዎ ዝሃቦም ህጹጽ ዝዀነ ዕዮ ብዝያዳ ክዓዩ ምእንቲ ንኸይወልዱ ወሲኖም ኢዮም። ገሊኦም ንገለ እዋን ከይወለዱ ክጸንሑ ወሲኖም ኢዮም፣ ካልኦት ድማ ሕጂ ከይወለዱ ጸኒሖም ክወልዱ እንተ ደልዮም ደሓር ኣብቲ ናይ የሆዋ ጽድቃዊት ሓዳስ ምድሪ ንዘሎ ውሉዳት ናይ ምዕባይ ኣጋጣሚ ክጥቀምሉ መዲቦም ኢዮም። እዚ ኣርሒቕካ ዘይምሕሳብ ድዮ፧ ሕጂ ኣብ ህይወቶም ዝሓልፎም ነገር ኣሎዶ ኢዩ፧ ዘሕዝኑ ድዮም፧

ድሕንነት ዘለዎን ሕጕስን ህይወት

እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ደለን ፎላን: ሕጅስ ካብ ዝምርዓዉ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ: ሕጂ እውን ከይወልዱ ኢዩ ውሳነኦም። ደለ ከምዚ ይብል:- “ኣዝማድና ንኽንወልድ ገና ጸቕጢ ይገብሩልና ኣለዉ። እቲ ንዕኦም ዘገድሶም ቀንዲ ነገር ናይ መጻኢ ድሕንነትና ኢዩ። በቲ ዘርእዩና ሓልዮት ኵሉ ግዜ ነመስግኖም ኢና: እንተ​ዀነ ግን ብጥበብ እቲ እንገብሮ ዘለና ከም ዘሐጕሰና ንነግሮም። ንድሕንነት ዝምልከት ድማ ትውክልትና ኣብቲ ንድሕንነት ናይቶም እሙናቱ ዝሓሊ የሆዋ ከም ዝዀነ ንገልጸሎም። ቈልዑ ብምውላድካ ጥራይ ደሓር ምስ ኣረግካ ክኣልዩኻ ምዃኖም ውሕስነት ከም ዘይብሉ ነረድኦም። ገሊኦም ሰባት ንወለዶም ብዙሕ ኣይሕግዝዎምን: ካልኦት ከኣ ክሕግዙ ኣይክእሉን: ካልኦትውን ወለዶም ከይሞቱ ከለዉ ይሞቱ። በቲ ሓደ ሸነኽ ክንርኢ ከሎና ግን መጻኢና ኣብ ኢድ የሆዋ ምስ ዝኸውን ድሕንነት ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ።”

ደለን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉን ኣብቲ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብል የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ እተማባጽዖ ትውክልቲ ኣለዎም። (እብራውያን 13:⁠5) ነቲ “ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን: ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ” ዝብል እውን ይኣምንዎ ኢዮም።​—⁠ኢሳይያስ 59:⁠1

የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝሕብሕቦም ምዕዛብ እውን ተኣማንነት ንኽህልወካ ዝሕግዝ ምኽንያት ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።” ሕስብ እሞ ኣብል። ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ‘ተሐዲጉ’ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧​—⁠መዝሙር 37:⁠25

እቶም ህይወቶም ንየሆዋን ንብጾቶም ክርስትያናትን ኣብ ምግልጋል ዘሕለፉ ሰባት ንድሕሪት ጠሚቶም ኣይጥዓሱን ኢዮም ኣብ ክንድኡስ ብዕግበት ኢዮም ዘስተንትኑሉ። ሓው ኢሮ ኡማህ ን45 ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኢዩ ኣሕሊፍዎ ሕጂ ድማ ኣብ ናይጀርያ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል ዘሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ኣነን በዓልቲ ቤተይን ውላድ ዘይብልና እኳ እንተ​ዀንና: የሆዋ ብመንፈስን ብስጋን ኵሉ ግዜ ከም ዝኣለየና ኢና ንዝክር። ዝጐደለና ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ምስ ኣረግና ኣይጥንጥነናን ኢዩ። እዘን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍናየን ዓመታት እተን ኣብ ህይወትና ዘጋጠማና ኣዝየን ዘሐጕሳ ዓመታት ኢየን። ነሕዋትና ከነገልግል ምኽኣልና መመስገንቲ ኢና: ኣሕዋትና እውን እቲ እንገብሮ ኣገልግሎት የማስዉሉ ኢዮም: ይሕግዙና ድማ።”

ብዙሓት ምርዑዋት ሰባት ብስጋ ዘይወለዱ እኳ እንተ​ዀኑ: ብእተፈልየ መገዲ ብዙሓት ውሉዳት ኣፍሪዮም ኢዮም: እዚኦም ከኣ ንየሆዋ ዘምልኹ ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ኢዮም። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ዳርጋ ወዲ 100 ዓመት ኢዩ ነይሩ። (3 ዮሃንስ 4) እቶም ኣብ ‘ሓቂ’ ዘምጽኦም ‘ደቁ’ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ዓቢ ሓጐስ ኣምጺኡሉ ኢዩ።

ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ሓጐስ ኢዩ ዘሎ። በርኒስ እትብሃል ጓል ናይጀርያ ካብ ትምርዖ 19 ዓመታት ኢዩ ሓሊፉ: ብምርጭኣ ድማ ኣይወለደትን። ፓይነር ኰይና ምግልጋል ካብ እትጅምር እንሆ 14 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ናብቲ ክትወልደሉ ዘይትኽእል ዕድመ እናቐረበት ትኸደሉ ኣብ ዘላ እዋን ህይወታ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብምሕላፋ ኣየጣዓሳን። ከምዚ ትብል:- “እቶም መንፈሳውያን ደቀይ ብመንፈስ ክዓብዩ ከለዉ ምርኣይ የሐጕሰኒ ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእሰይ ውሉዳት እንተ ዝነብሩኒ: ካብቶም ሓቂ ንኽምሃሩ ዝሓገዝኩዎም ሰባት ንላዕሊ ምቅርራብ ዝህልወና ኣይመስለንን። ከም ኣዲአን ኢየን ዝርእያኒ: እቲ ዘጋጠመን ሓጐስን ሽግርን ይነግራኒ: ምኽረይ ከኣ ይሓታ። ደብዳቤ ይሰዳለይ: ንበጻጻሕ ከኣ።

“ገሊኦም ዘይምውላድ መርገም ገይሮም ይሓስብዎ። ዕድመ ምስ ደፋእካ ክትሳቐ ኢኻ ይብሉ። ኣነ ግን ከምኡ ገይረ ኣይርእዮን ኢየ። ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሰይ ክሳዕ ዘገልገልክዎ ዓስቢ ከም ዝህበንን ከም ዝኣልየንን እፈልጥ ኢየ። ምስ ኣረግኩ ኣይክድርብየንን ኢዩ።”

ኣምላኽ ዘፍቅሮምን ዋጋ ዝህቦምን

እቶም ወሊዶም “ብመገዲ ሓቂ ዝመላለሱ” ውሉዳት ዘዕበዩ ወለዲ ኣመስገንቲ ክዀኑሉ ዝግብኦም ብዙሕ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ: ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ። ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም: እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ” ምባሉ እምብኣር ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠ምሳሌ 23:⁠24, 25

እቶም ነቲ ካብ ምዕባይ ቈልዑ ዝመጽእ ሓጐስ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ክርስትያናት ከኣ ብኻልእ መገድታት ተባሪኾም ኢዮም። ብዙሓት ካብዚኣቶም ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስፋሕ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎም ኢዮም። ኣብቲ ዘሕለፍዎ ዓመታት ንዕዮ እታ መንግስቲ ቍም ነገር ዘለዎ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ዝሕግዞም ተመክሮ: ጥበብ ከምኡውን ክእለት ኣጥሪዮም ኢዮም። ብዙሓት ኣብቲ ዕዮ ግንባር ቀደም ኢዮም።

ንረብሓ እታ መንግስቲ ክብሉ ዘይወለዱ እኳ እንተ ዀኑ: የሆዋ ነቲ ዝገበርዎ መስዋእትታት ዓሚቝ ሞሳ እተርኢ ፈቃር መንፈሳዊት ስድራ​ቤት ብምሃብ ባሪኽዎም ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: . . . ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ [ቃል ብቓሉ “ዝጠንጠነ”] ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ውሉድ: ግርሁ: ሚእቲ ኻዕበት . . . ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን።”​—⁠ማርቆስ 10:⁠29, 30

ኵሎም እቶም እሙናት ዝዀኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ኢዮም! ኵሎም እዞም እሙናት እዚኣቶም ዝወለዱ ይኹኑ ዘይወለዱ: ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል የረጋግጸሎም:- “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”​—⁠እብራውያን 6:⁠10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ዘይወለዱ ምርዑዋት ሰባት ፈቃራት ዝዀኑ መንፈሳውያን ስድራ​ቤት ብምርካቦም ተባሪኾም ኢዮም