ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጥበብ ግና ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ እያ”

“ጥበብ ግና ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ እያ”

“ጥበብ ግና ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ እያ”

“እግዚኣብሄርሲ . . . ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና [“ዓቕምኻን ቦታኻን ፈሊጥካ: ” NW ] ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧ ”​—⁠ሚክያስ 6:⁠8

1, 2. ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ እንታይ ማለት ኢዩ: ካብ ትዕቢትከ ብምንታይ ኢዩ ዝፍለ፧

 ሓደ ፍሉጥ ሃዋርያ ኣቓልቦ ናይ ሰባት ክስሕብ ኣይደለየን። ሓደ ተባዕ እስራኤላዊ መስፍን ንገዛእ ርእሱ ካብ ቤት ኣቦኡ እቲ ዝነኣሰ ምዃኑ ተዛረበ። እቲ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘለዎ ስልጣን ውሱን ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ዓቕሞምን ቦታኦምን ከም ዝፈልጡ ኣርእዮም ኢዮም።

2 ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ኣንጻር ትዕቢት ኢዩ። እቲ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ብዛዕባ ክእለታቱን ዘለዎ ዋጋን ሚዛናዊ ዝዀነ ግምት ኢዩ ዘለዎ: ካብ ትዕቢት ወይ ትምክሕቲ ኸኣ ናጻ ኢዩ። ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ክንዲ ዕቡይ: ተጃሃሪ: ወይ ህሩፍ ዝኸውን ደረት ከም ዘለዎ ኵሉ ግዜ ይግንዘብ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንስምዒትን ኣረኣእያን ካልኦት የኽብር ከምኡውን ግምት ይህብ ኢዩ።

3. ጥበብ “ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ” ዝዀነት ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢያ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW  ] እያ” ክብል ከሎ ድልዱል ምኽንያት ኣለዎ። (ምሳሌ 11:⁠2) እቲ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ መገዲ ስለ ዝስዕብ ጥበበኛ ኢዩ: ናብ ውርደት ዝመርሕ ናይ ትዕቢት መንፈስ ድማ የወግድ። (ምሳሌ 8:⁠13፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠5) ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ጥበብ ምዃኑ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዘርኣይዎ ናብራ ህይወት ክረጋገጽ ይከኣል ኢዩ። ነቶም ኣብ ቍጽሪ ሓደ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰለስተ ኣብነታት ንርአ።

ጳውሎስ​—⁠‘ኣገልጋሊ’ ከምኡውን ‘መጋቢ’

4. ጳውሎስ እንታይ ፍሉይ መሰላት ኢዩ ዝነበሮ፧

4 ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ፍሉጥ ሃዋርያ ኢዩ ነይሩ: ከምኡ ምዃኑ ድማ ልክዕ ኢዩ። ኣብ ግዜ ኣገልግሎቱ ብባሕሪ ይኹን ብመሬት ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ተጓዒዙ: ብዙሓት ጉባኤታት ድማ መስሪቱ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ራእያት ናይ ምርኣይ መሰል ከምኡውን ብልሳናት ናይ ምዝራብ ክእለት ብምሃብ ንጳውሎስ ባሪኽዎ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 14:18፣ 2 ቈረንቶስ 12:​1-5) ነተን ሕጂ ክፍሊ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኰይነን ዘለዋ 14 መልእኽትታት ንኽጽሕፍ እውን ብመንፈስ ደሪኽዎ ኢዩ። እቲ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበሮ እጃም ካብ ናይ ኵሎም ካልኦት ሃዋርያት ዝበልጽ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠10

5. ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

5 ጳውሎስ ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ግንባር ቀደም ስለ ዝነበረ: ገሊኣቶም ንገዛእ ርእሱ ኣቓልቦ ከም እትረክብ ክገብራ: ነቲ ዝነበሮ ስልጣን ንገዛእ ርእሱ ልዕል ንምባል ክጥቀመሉ ይጽበይዎ ይዀኑ። ጳውሎስ ግን ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ብምንባሩ ከምኡ ኣይገበረን። “ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ: ምንኣስ ኵላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቑዕ ኣይኰንኩን” በለ። (1 ቈረንቶስ 15:9) ጳውሎስ ቅድም ሰጓጒ ክርስትያናት ብምንባሩ ይትረፍዶ እቲ ዝነበሮ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል ክህልዎስ ምስ ኣምላኽ ርክብ ክምስርት ዝኸኣለ እኳ በቲ ዘይበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ምዃኑ ፈጺሙ ረሲዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ዮሃንስ 6:⁠44፣ ኤፌሶን 2:⁠8) ስለዚ ኸኣ ጳውሎስ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝዓሞ ዝነበረ ፍሉይ ነገራት ልዕሊ ኻልኦት ምዃኑ ከም ዝስምዖ ኣይገበረን።​—⁠1 ቈረንቶስ 9:⁠16

6. ጳውሎስ ኣብቲ ምስ ሰብ ቈረንቶስ ዝነበሮ ርክብ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧

6 ጳውሎስ ዓቕሙን ቦታኡን ይፈልጥ ምንባሩ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ሰብ ቈረንቶስ ዝነበሮ ርክብ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ገለ ካብ ሰብ ቈረንቶስ በቶም ከም በዓል ኣጵሎስ: ኬፋ: ከምኡውን ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ኣውራታት ኢሎም ዝሓስብዎም ተዓዘብቲ ይምሰጡ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 1:​11-​15) ጳውሎስ ግን ናይ ሰብ ቈረንቶስ ውዳሰ ክረክብ ወይ እውን ነቲ ኣብኡ ዝነበሮም ናይ ምድናቕ ኣረኣእያ ክምዝምዞ ኣይደለየን። ክበጽሖም ከሎ ንገዛእ ርእሱ “ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ” ኣየቕረባን። ኣብ ክንድኡስ ጳውሎስ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ብጾቱን ክዛረብ ከሎ “ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና” በለ። a​—⁠1 ቈረንቶስ 2:1-5፣ 4:1

7. ጳውሎስ ምኽሪ ክህብ ከሎ እውን ከይተረፈ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ጳውሎስ ትርር ዝበለ ምኽርን መምርሕን ክህብ ከሎ እውን ከይተረፈ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ንክርስትያናት ብጾቱ በቲ ከም ሃዋርያ መጠን ዝነበሮ ስልጣን ዘይኰነስ “ብምሕረት ኣምላኽ” ከምኡውን “ምእንቲ ፍቕሪ” ኢሉ ይምዕዶም ነበረ። (ሮሜ 12:⁠1, 2፣ ፊልሞን 8, 9) ጳውሎስ ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝገበረ፧ ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱ ከም ‘ደጋፊ’ ኣሕዋቱ ድኣ እምበር ‘ኣብ ልዕሊ እምነቶም ከም ዝጕይተት’ ገይሩ ኣይርእያን ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 1:⁠24) ጳውሎስ በተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ክርስትያን ጉባኤታት ኣዝዩ ፍትዊ ክኸውን ዝኸኣለ ዓቕሙን ቦታኡን ይፈልጥ ብምንባሩ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠36-38

ብዛዕባ ዘሎካ መሰላት ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ምሓዝ

8, 9. (ሀ) ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ክንሕዝ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህሪ ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

8 ጳውሎስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ኢዩ ገዲፍሎም። እተዋህበና ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ዋላ ሓደ ልዕሊ እቲ ሓደ ኰይኑ ክስምዖ የብሉን። ጳውሎስ “ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ: ንርእሱ ይጥብር አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 6:3) ስለምንታይ፧ ከመይሲ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢዮም። (ሮሜ 3:23፣ 5:12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ኵላትና ካብ ኣዳም ሓጢኣትን ሞትን ከም ዝወረስና ክንርስዕ የብልናን። ፍሉይ መሰላት ምርካብ ካብቲ ትሑት ሓጥእ ኵነታትና ክብ ከብለና ኣይክእልን ኢዩ። (መክብብ 9:⁠2) ልክዕ ከምቲ ናይ ጳውሎስ: ሰባት ኣይኰነንዶ ፍሉይ መሰል ረኺቦም ከገልግሉስ ምስ ኣምላኽ ርክብ ክገብሩ ዝኽእሉ እኳ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ጥራይ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 3:⁠12, 24

9 ሓደ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ነዚ ሓቂ እዚ ብምግንዛብ በቲ ዘለዎ መሰላት ኣይዕበን ወይ እውን በቲ ዝዓመሞ ነገራት ኣይንየትን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:⁠7) ምኽሪ ወይ መምርሒ ክህብ ከሎ ከም ጐይታ ዘይኰነስ ከም መዓይይቲ ኰይኑ ኢዩ ዝህብ። ሓደ ሰብ ብገለ መዳይ ንፉዕ ምስ ዝኸውን ካብ ካልኦት ውዳሰ ክደሊ ወይ ነቲ ካብ ኣመንቲ ብጾቱ ዝረኽቦ ኣድናቖት ክምዝምዞ ብርግጽ ጌጋ ኢዩ። (ምሳሌ 25:⁠27 NWማቴዎስ 6:⁠2-4) እቲ ካብ ካልኦት እትረኽቦ ክብሪ ለሚንካ ዘይኰነስ ባዕሎም ብተበግስኦም ምስ ዝገብርዎ ዝያዳ ዋጋ ኣለዎ። ካልኦት ምስ ዘኽብሩና ድማ ካብቲ ዝግብኣና ንላዕሊ ከም እንሓስብ ዝገብረና ክኸውን የብሉን።​—⁠ምሳሌ 27:⁠2፣ ሮሜ 12:⁠3

10. ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ጐሊሖም ዘይርኣዩ ሰባት እኳ እንተዀኑ ‘ብእምነት ሃብታማት’ ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

10 ገለ ሓላፍነት ምስ ዝወሃበና እታ ጉባኤ ብናትና ጻዕርን ክእለትን ጥራይ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ዘምስል ስምዒት ብምሕዳር ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንሓስብ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ምምሃር ፍሉይ ውህበት ይህልወና ይኸውን። (ኤፌሶን 4:⁠11, 12) ይኹን እምበር: ገለ ካብቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እንማሃሮ ዝበለጸ ትምህርቲ ካብቲ ካብ መድረኽ ዝበሃል ከም ዘይኰነ ብትሕትና ኣፍልጦ ክንህበሉ ኣሎና። ንኣብነት: ሓንቲ ንጽል ወላዲት ምስ ደቃ ሓቢራ ብተወፋይነት ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክትመጽእ ክትርእያ ኸሎኻስ ኣይትተባባዕንዶ ኢኻ፧ ወይ እተጨነቑ ሰባት ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ባዶነት ስምዒት እናሃለዎም ብተኣማንነት ጉባኤ ክመጹ ክትርኢ ኸሎኻኸ፧ ሓደ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ሕማቕ ጽልዋታት እናጋጠሞ ኸሎ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ክትርእዮ ኸሎኻኸ፧ (መዝሙር 84:⁠10) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብታ ጉባኤ ጐሊሖም ኣይረኣዩን ይዀኑ። እቲ ዘሕልፍዎ ናይ ንጽህና ፈተናታት ዝበዝሕ ግዜ ካልኦት ኣየስተብህልሉን ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ከምቶም ኣብታ ጉባኤ ዝያዳ ጐሊሖም ዝርኣዩ ዓይነት ሰባት ‘ብእምነት ሃብታማት’ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 2:5) ደሓር ከኣ ኣብ መወዳእታ ስምረት ኣምላኽ ከም እትረክብ ዝገብረካ እሙን ምዃን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠22፣ 1 ቈረንቶስ 4:⁠2

ጊዴዎን​—⁠ካብ ቤት ኣቦኡ ‘እቲ ዝነኣሰ’

11. ጊዴዎን ምስቲ መልኣኽ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ በየናይ መገዲ ኢዩ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘንጸባረቐ፧

11 እቲ ካብ ነገድ ምናሴ ዝነበረ ብሓይሉ እተፈልጠ መንእሰይ ጊዴዎን እስራኤላውያን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ብሚድያናውያን ተጨቊኖም ነበሩ። ደሓር ግን የሆዋ ንህዝቡ ዘድሕነሉ ግዜ ኣኸለ። ስለዚ ኸኣ ሓደ መልኣኽ ንጊዴዎን ተራእዮ እሞ “ኣታ ሓያል ጅግና: እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ። ጊዴዎን ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ብምንባሩ በዚ ዝረኸቦ ዘይሓሰቦ ውዳሰ ኣይተነፍሐን። ኣብ ክንድኡስ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ነቲ መልኣኽ “ኣየ ጐይታይ: እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደኣ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ረኸበና፧” በሎ። ድሕርዚ እቲ መልኣኽ ነቲ ጕዳይ ንጊዴዎን ገለጸሉ እሞ “ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም” በሎ። ጊዴዎን እንታይ ኢሉ መለሰ፧ ንገዛእ ርእሱ ናይ እስራኤል ጐብለል ንምግባራ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ኣብ ክንዲ ዝጓየ “ኣየ ጐይታይ: እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ: ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ: ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፧” ኢሉ መለሰ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኰን ኢዩ!​—⁠መሳፍንቲ 6:⁠11-15

12. ጊዴዎን መዝነቱ ክፍጽም ከሎ ምስትውዓል ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧

12 የሆዋ ንጊዴዎን ናብ ኲናት ቅድሚ ምስዳዱ ፈተኖ። ብኸመይ፧ ጊዴዎን ነቲ ናይ ኣቦኡ መሰውኢ በዓል ከፍርሶ: ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ክቘርጾ ተነግሮ። እዚ ዕዮ እዚ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ: ጊዴዎን ግን ነዚ መዝነት እዚ ክፍጽም ከሎ እውን ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ከምኡውን ምስትውዓል ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ብቓልዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዝገብሮ ብለይቲ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ክርእዮ ዘይክእል ግዜ ገበሮ። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ስራሕ ተጠንቂቑ ኢዩ ገይርዎ። ምስኡ ዓሰርተ ገላዉ ሒዙ ኸደ። እዚ ኸኣ ፍርቆም ነቲ መሰውእን ኣስታርተን ኣብ ምፍራስ ክሕግዝዎ ከለዉ እቶም ካልኦት ድማ ሓለውቲ ንምግባሮም ኢዩ። b እቲ ዀይኑ እቲ: ጊዴዎን ብበረኸት የሆዋ ነቲ ሓላፍነቱ ፈጸመ: ጸኒሑ ኸኣ የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ ሚድያናውያን ንምድሓን ተጠቐመሉ።​—⁠መሳፍንቲ 6:⁠25-27

ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ከምኡውን ምስትውዓል ምንጽብራቕ

13, 14. (ሀ) ናይ ኣገልግሎት መሰል ክወሃበና ኸሎ ዓቕምናን ቦታናን ከም እንፈልጥ ከነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ዓቕምኻን ቦታኻን ብምፍላጥ ዝመጸ ሓው ኤ. ኤች. ማክሚላን ሰናይ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ ኢዩ፧

13 ካብቲ ጊዴዎን ዘንጸባረቖ ባህርይ ብዙሕ እንማሃሮ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት: ገለ መሰል ኣገልግሎት ምስ ዝወሃበና ብኸመይ ኢና እንምልስ፧ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ እንረኽቦ ተፈላጥነት ወይ ክብረት ዲና እንሓስብ፧ ወይስ እቲ እተዋህበና መዝነት ክንፍጽሞ ንኽእል እንተዄንና ንምፍላጥ ብትሕትናን ጸሎትን ኢና እንሓስበሉ፧ እቲ ኣብ 1966 ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝወድአ ሓው ኤ. ኤች. ማክሚላን በዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉ ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሲ. ቲ. ራስል ክገይሽ ከሎ ኣብ ክንድኡ ዀይኑ ነቲ ቦታ መን ሓላፍነት ከም ዝወስድ ዘለዎ ርእይቶ ክነግሮ ንሓው ማክሚላን ሓተቶ። ኣብቲ ዝገበርዎ ምይይጥ ሓው ማክሚላን ዋላ እኳ ነቲ ቦታ ከም ዝበቕዖ ገይሩ ንኸቕርብ ኣጋጣሚ እንተ ነበሮ ሓንሳብ እውን ይኹን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ቦታ እቲ ከም እትበቅዕ ገይሩ ኣይጠቐሳን። ኣብ መወዳእታ ግን ሓው ራስል ንሓው ማክሚላን ነቲ ሓላፍነት ክቕበል ከመይ ከም ዝስምዖ ክሓስበሉ ነገሮ። ሓው ማክሚላን ዓመታት ጸኒሑ “ሽዑ ፈዚዘ ተዓነድኩ” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ “ንኽሕግዞ ዝዀነ ይኹን ነገር ንምግባር ሕጕስ ምዃነይ ቅድሚ ምንጋረይ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጸቢቐን ኣርዚነን ሓሰብኩሉ: ንገለ መዓልትታት ድማ ብዛዕባኡ ጸለኹ” በለ።

14 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓው ራስል ነቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ፕረዚደንት ቦታ ንዋላ ሓደ ከይመዘዘ ዓረፈ። ሓው ራስል ናይ መወዳእታ ናይ ስብከት ዑደት ክገብር ኣብ ዝኸደሉ እዋን ማክሚላን ነቲ ስራሕ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ወሲዱ ስለ ዝነበረ ሓደ ሓው ከምዚ በሎ:- “ማክ ነቲ ቦታ ባዕልኻ ክትሕዞ ዓቢ ኣጋጣሚ ኣሎካ። ሓው ራስል ገይሹ ኸሎ ናቱ ፍሉይ ወኪል ኢኻ ነይርካ: ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ክንገብር ከኣ ንዅላትና ነጊሩና ኢዩ። ንሱ ምስ ወጸ ኣይተመልሰን። ስለዚ ነዚ ስራሕ እዚ ክቕጽሎ ዝኽእል ሰብ ንስኻ ኢኻ።” ሓው ማክሚላን ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “ሓውና: ነቲ ጕዳይ ብኸምኡ ኣይኰንካን ክትርእዮ ዘሎካ። እዚ ዕዮ ጐይታ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ኣብ ማሕበር ጐይታ ክትረኽቦ እትኽእል ቦታ እቲ ንሱ ዝመደበልካ ቦታ ጥራይ ኢዩ፣ ኣነ ነዚ ቦታ እዚ ከም ዘይበቅዕ ድማ ርግጸኛ ኢየ።” ድሕርዚ ሓው ማክሚላን ነቲ ቦታ ካልእ ሰብ ክሕዞ ሓሳብ ኣቕረበ። ከም ጊዴዎን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ካብ ልክዕ ዘይሓለፈ ኣረኣእያ ነበሮ። እዚ ኸኣ ንሕና እውን እንተ ለመድናዮ ሰናይ ዝዀነ ኣረኣእያ ኢዩ።

15. ንኻልኦት ክንሰብከሎም ከሎና ምስትውዓል እነንጸባርቐሉ ተግባራዊ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

15 ንሕናውን ንእተዋህበና መዝነት ክንፍጽም ከሎና ዓቕምናን ቦታናን ከም እንፈልጥ ከነንጸባርቕ ኣሎና። ጊዴዎን መስተውዓሊ ኢዩ ነይሩ: ንጸላእቱ ብዘየድሊ ከየቘጥዖም ድማ ይጽዕር ነበረ። ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎትና ንኻልኦት ክንዛረቦም ከሎና ኣብ ኣዘራርባና ዓቕምናን ቦታናን እንፈልጥ ከምኡውን መስተውዓልቲ ክንከውን ኣሎና። “ጽኑዕ ዕርድታት” ከምኡውን ‘ሓሳባት’ ንምፍራስ ኣብ ሓደ መንፈሳዊ ኲናት ተጸሚድና ምህላውና ሓቂ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) እንተ​ዀነ ግን: ንኻልኦት ክንዕቆም ወይ ብዛዕባ መልእኽትና ቅርሕንቲ ከም ዘሕድሩ ክንገብሮም የብልናን። ኣብ ክንድኡስ ርእይቶኦም ከነኽብር: ብዛዕባ እቲ ዘሰማምዓና ነገራት ከነዕልል: ከምኡውን ኣብ ኣወንታዊ መዳይ ናይ መልእኽትና ከነተኵር ኣሎና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 22:⁠1-3፣ 1 ቈረንቶስ 9:⁠22፣ ራእይ 21:⁠4

የሱስ​—⁠ዓቕምኻን ቦታኻን ብምፍላጥ ዝመጸ እቲ ዝበለጸ ኣብነት

16. የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧

16 ዓቕምኻን ቦታኻን ብምፍላጥ ዝመጸ እቲ ዝበለጸ ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። c ምስ ኣቦኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ እኳ እንተ ኣለዎ: ገለ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ጕዳያት ከም ዘሎ ኣፍልጦ ንምሃብ ግን ዕጥይጥይ ኣይበለን። (ዮሃንስ 1:⁠14) ንኣብነት: ኣደ ያእቆብን ዮሃንስን ክልቲኦም ደቃ ኣብ መንግስቱ ብኽልተ ጐድኑ ኮፍ ክብሉ ምስ ለመነቶ “ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና . . . ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” ኢሉ መለሰላ። (ማቴዎስ 20:20-23) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ የሱስ ብግልጺ “ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ኣይደልን እየ” ብምባል ተኣመነ።​—⁠ዮሃንስ 5:30፣ 14:28፣ ፊልጲ 2:⁠5, 6

17. የሱስ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዝነበሮ ርክብ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

17 የሱስ ብዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ይበልጽ ኢዩ: ካብ የሆዋ ኣቦኡ ድማ መዳርግቲ ዘይብሉ ስልጣን ተቐቢሉ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: የሱስ ኣብቲ ምስ ሰዓብቱ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። እዚ ዘይበሃል ፍልጠት ከም ዘለዎ ብምንጽብራቕ ከም ዝምሰጡ ኣይገብሮምን ኢዩ ነይሩ። ስምዒት ናይ ካልኦት ዝሕሉን ደንጋጽን ኢዩ ነይሩ: ነቲ ሰብኣዊ ድሌታቶም ድማ ኣብ ግምት የእቱ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:32፣ 26:40, 41፣ ማርቆስ 6:​31) ስለዚ ኸኣ የሱስ ዋላ እኳ ፍጹም እንተ ነበረ ካብ ካልኦት ናይ ፍጽምና ባህርይ ዝጽበ ሰብ ኣይነበረን። ንደቀ መዛሙርቱ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ክገብሩ ሓቲትዎም ወይ እውን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ኣሰኪምዎም ኣይፈልጥን ኢዩ። (ዮሃንስ 16:⁠12) ስለዚ ብዙሓት ሰባት ምስኡ ምዃን ዕረፍቲ ኰይኑ እንተ ረኸብዎ ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠ማቴዎስ 11:⁠29

ነቲ የሱስ ዝገደፎ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ኣብነት ቅድሕዎ

18, 19. (ሀ) ብዛዕባ ኻልኦት ኣብ ዘሎና ኣረኣእያ (ለ) ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ: ነቲ የሱስ ዘንጸባረቖ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

18 እቲ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ካብ ኣንጸባረቐ: ንሕና ካብኡ ንላዕሊ እዚ ባህርይ እዚ የድልየና ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዘይፍጹማት ሰባት ስልጣኖም ደረት ከም ዘለዎ ክእመኑ ኣይደልዩን ኢዮም። ክርስትያናት ግን ንየሱስ ብምምሳል ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ ሰባት ንምዃን ኢዮም ዝጽዕሩ። ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ሓላፍነት ኣብ ምሃብ ትዕቢተኛታት ኣይኰኑን፣ ወይ እውን ካብቶም መምርሒ ክህብዎም ስልጣን ዘለዎም መምርሒ ንምቕባል ትዕቢተኛታት ወይ ዘይፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ናይ ምትሕብባር መንፈስ ብምርኣይ ንዅሉ ኣብታ ጉባኤ ዝግበር ነገራት “ብስርዓትን በጋባብን” ከም ዝካየድ ይገብሩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 14:40

19 ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኣብቲ ካብ ካልኦት እንጽበዮ ነገራት ሚዛናውያን ክንከውንን ብዛዕባ ድሌታቶም ክንሓልን እውን ትድርኸና ኢያ። (ፊልጲ 4:⁠5) ካልኦት ሰባት ዘይብሎም ክእለትን ብርታዐን ይህልወና ይኸውን። ዓቕምናን ቦታናን ንፈልጥ እንተ​ድኣ ዄንና ካልኦት ከምቲ ንሕና እንደልዮ ጥራይ ክገብሩ ኵሉ ግዜ ኣይክንጽበን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ደረት ከም ዘለዎ ብምፍላጥ ንጕድለታት ካልኦት ቦታ ክንገድፈሉ ኢና። ጴጥሮስ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ: ቅድሚ ኹሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም” ኢሉ ኣሎ።​—⁠1 ጴጥሮስ 4:8

20. ዓቕምኻን ቦታኻን ዘይትፈልጥ ናይ ምዃን ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ንኸነሰንፍ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧

20 ከምዚ እተማሃርናዮ ጥበብ ብርግጽ ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ ሰባት ኢያ ዘላ። ይኹን እምበር: ዓቕምኻን ቦታኻን ዘይትፈልጥ ወይ ትዕቢት ናይ ምንጽብራቕ ባህርይ ምስ ዝህልወካኸ እንታይ ይገበር፧ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ “ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሐልዎ: ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ” ኢሉ ዝጸለየ ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት ሰዓብ። (መዝሙር 19:⁠13) ናይ በዓል ጳውሎስ: ጊዴዎን: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ናይ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምቕዳሕ ንሓቅነት ናይተን “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW  ] እያ” ዝብላ ቃላት ባዕልና ክንምከሮ ኢና።​—⁠ምሳሌ 11:2

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ ‘ኣገልጋሊ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ነቶም ኣብ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ዝቕመጡ ባሮት እውን ትውዕል ኢያ። እታ ‘መጋቢ’ እትብል ግን ንሓደ ከም ንብረት ዝኣመሰለ ነገራት ከማሓድር ብዙሕ ሓላፍነት ዝወሃቦ ሰብ እትውዕል ኢያ። ይኹን እምበር: ብዓይኒ ናይቶም ጐይቶት ክርአ ኸሎ እቲ መጋቢ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ መርከብ ዘገልግል ባርያ ኢዩ።

b እቲ ጊዴዎን ዘርኣዮ ምስትውዓልን ጥንቃቐን ምስ ፍርሂ ክቝጸር የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ጊዴዎን ኣብ እብራውያን 11:⁠32-38 ኣብ መንጎ እቶም “ካብ ድኻም በርትዑ: ኣብ ውግእ ሐየሉ” ተባሂሎም ዘለዉ ተጠቒሱ ምህላዉ ተባዕ ምንባሩ ዘረጋግጽ ኢዩ።

c ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ክበሃል ከሎ እትገብሮ ነገራት ደረት ከም ዘለዎ ዝሕብር ብምዃኑ ኣብ የሆዋ ክውዕል ኣይክእልን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን የሆዋ ትሑት ኢዩ።​—⁠መዝሙር 18:⁠35 NW

ትዝክሮዶ፧

• ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

• ነቲ ጳውሎስ ዘንጸባረቖ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

• ካብቲ ናይ ጊዴዎን ኣብነት ዓቕምኻን ቦታኻን ብዛዕባ ምፍላጥ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

• ዓቕምኻን ቦታኻን ብምፍላጥ ዝመጸ የሱስ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ዓቕሙን ቦታኡን ይፈልጥ ብምንባሩ በቶም ክርስትያናት ብጾቱ ከም ዝፍቶ ገይርዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ጊዴዎን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ምስትውዓል ተጠቐመ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ: ወዲ ኣምላኽ: ኣብ ኵሉ ዝገብሮ ነገራት ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ኣንጸባረቐ