ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ፍሉጥ መሲሓዊ ትንቢት ዝሓዘት ኢያ። ቍጽሪ 10 “እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ” ትብል። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧
ብዛዕባ ኢሳይያስ 53:10 ስለምንታይ ሕቶ ክለዓል ከም ዝኽእል ክትግንዘብ ቀሊል ኢዩ። ሓቀኛታት ክርስትያናት እቲ ደንጋጽን ለዋህን ኣምላኽና ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብመከራ ክሕምሽሽ ይፈቱ ኢዩ ኢሎም ፈጺሞም ኣይሓስቡን ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንንጹሃት ብምስቓይ ባህ ከም ዘይብሎ ዘተኣማምን መሰረት ይህበና ኢዩ። (ዘዳግም 32:4፣ ኤርምያስ 7:30, 31) የሆዋ ምስ ጥበቡን ፍቕሩን ብምስምማዕ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ስቓይ ክህሉ ኣፍቂዱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብርግጽ ግን ነቲ ፍቑር ወዱ የሱስ ከም ዝሳቐ ኣይገበሮን። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ደኣ እሞ እንታይ ትርጕም ኢያ እተመሓላልፍ ዘላ፧
እታ “ፈተወ” እትብል ቃል ዘላትሉ ክልተ ቦታ እናኣስተብሃልና: ንብምልእታ እታ ጥቕሲ እንተድኣ መርሚርናያ ንትርጕማ ክንርድኦ ክሕግዘና ኢዩ። ኢሳይያስ 53:10 ከምዚ ትንበብ:- “እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ: ዘርኢ ኺርኢ: መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ: ፍቓድ [“ፍታው:” NW ] እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ።”
ሓፈሻዊ መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሕብሮ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይታ ጥቕሲ ተጠቒሱ ዘሎ “ፍታው እግዚኣብሄር” ዝብል ነቲ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ዝፍጽሞ ዕላምኡ ኢዩ ዘመልክት። የሆዋ ከምኡ ብምግባሩ ሉዓላውነቱ ከረጋግጽ ከምኡውን ነቶም እዙዛት ሰባት እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ክድምስሰሎም ከኽእሎ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:11፣ መዝሙር 83:18፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:24፣ እብራውያን 2:14, 15፣ 1 ዮሃንስ 3:8) እዚ ዅሉ ንኽፍጸም ወዲ ኣምላኽ ሰብ ክኸውን እሞ በጅነታዊ መስዋእቲ ከቕርብ ነበሮ። ከም እንፈልጦ እቲ ነገር ክፍጸም ከሎ የሱስ ተሳቕዩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ” ኢዩ ዝብለና። ስለዚ: የሱስ ካብቲ ስቅያት ጥቕሚ ረኺቡ ኢዩ።—እብራውያን 5:7-9
የሱስ እቲ ከሕልፎ ዝነበሮ ፍልይ ዝበለ ናብራ ገለ ስቅያት ዝሓትት ምዃኑ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ዮሃንስ 12:23, 24 ተመዝጊቡ ዝርከብ ቃላቱ ብንጹር ክንርእዮ ንኽእል ኢና: ከምዚ ዝስዕብ ድማ ይንበብ:- “ወዲ ሰብ ኪኸብር: ጊዜኡ በጺሓ እያ። ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን: በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና: ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” እወ: ክሳዕ ሞት እውን እንተዀነ ንጽህንኡ ክሕሉ ከም ዘለዎ ፈሊጡ ነይሩ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ አላ: እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ: ካብዛ ሰዓት እዚኣ አድሕነኒ። ግናኸ ምእንትዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ። ኣቦ: ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፤ ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ: ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ: ዚብል ድምጺ መጸ።”—ዮሃንስ 12:27, 28፣ ማቴዎስ 26:38, 39
በዚ ትሕዝቶ እዚ ገይርና ኢና ንኢሳይያስ 53:10 ክንርድኣ እንኽእል። የሆዋ ወዱ ብገለ መገዲ ምሕምሻሽ ከሕልፍ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ እዚ ዘምጽኦ ግርማውን ብዙሕን ሰናይ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው በቲ የሱስ ዘሕልፎ መከራ ባህ ኢልዎ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ የሆዋ ነቲ መሲህ “ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ:” ወይ ናይቲ መሲህ ምሕምሻሽ ባህ ኣበሎ። የሱስ እውን በቲ ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረን ዝገበሮን ባህ ኢልዎ ኢዩ። ብሓቂ እምበኣር ኢሳይያስ 53:10 ከም እትድምድሞ “ፍቓድ [“ፍታው:” NW ] እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ።”