ትዝክሮዶ፧
ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-
• እቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:17-19 ዝርከብ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ዝገልጽ ትንቢት ፍጻሜኡ ካብቲ ናይ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ምምላስ ንላዕሊ ከም ዘጠቓልል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
ምኽንያቱ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ዮሃንስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ ገና ብሕጂ ዝመጽእ በረኸታት ዘጠቓለለ ኰይኑ ኣብ መጻኢ ፍጻሜኡ ከም ዝረክብ ሓቢሮም ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1-4)—15/4 ገጽ 10-12
• ነቲ ብዛዕባ ዓመጸኛታት ሓውሲ ኣማልኽቲ ዝትርኽ ናይ ግሪኻውያን ኣፈ-ታሪኻት መሰረት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
እዚ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ስጋ ሰብ ለቢሶም ኣብ ምድሪ ዓመጽ ዝመልኦን ዘይስነ-ምግባራውን ናብራ ዝነብሩ ዝነበሩ መላእኽቲ ዝገልጽ እተዀሓሓለን ቄናንን ጸብጻባት ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። (ዘፍጥረት 6:1, 2)—15/4 ገጽ 27
• ብሱላት ክርስትያናት ኣብ እዋን መርዓ ክጥንቀቕሉ ዘለዎም ገለ ሓደጋታት እንታይ ኢዩ፧
እቲ ኣልኮላዊ መስተ ብዘይገደብ ካብ ምስታይ ከምኡውን ቅጥዒ ዘይብሉ ሳዕስዒትን ዓው ዝበለ ሙዚቃን ካብ ምግባር ክስዕብ ዝኽእል ህውከት ዝመልኦ ቀይዲ በተኽ ድግስ ክውገድ ኣለዎ። ናብቲ ውራይ ዝዀነ ሰብ ክመጽእ ከም ዝኽእል እንተ ዘይተገሊጹ: ዘይተዓደሙ ሰባት ክኸዱ የብሎምን። እቲ መርዓዊ: ሓላፍነት ንምቕባል ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት እቲ ውራይ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ክሳዕ ዝውዳእ ዝጸንሑ ምዃኖም ከረጋግጽ ኣለዎ።—1/5 ገጽ 19-22
• ኣብ መዝሙር 128:3 ውሉዳት ኣብ ዙርያ መኣዲ ሰብኣይ “ኸም [“ጫሌዳ:” NW ] ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ” ክብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እግሪ ጉንዲ ኦም ኣውሊዕ ጫሌዳ ብቐጻሊ ይበቍል ኢዩ። እቲ ቐንዲ ጉንዲ ናይቲ ኣረጊት ኦም ብዙሕ ፍረ ኣውሊዕ ዘየፍሪ ምስ ዝኸውን: እቲ ዝኸቦ ጫሌዳታት ብዙሕ ዘፍሪ ኣጕናድ ይኸውን። ብተመሳሳሊ: ወለዲ ፍረ ዘፍርዩ ውሉዳቶም ምስኦም ኰይኖም ንየሆዋ ከገልግሉ ከለዉ ይሕጐሱ ኢዮም።—15/5 ገጽ 27
• ቈልዑ ካብ ጥዑይ ናይ ስድራቤት ሃዋሁ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ገለ ረብሓታት እንታይ ኢዩ፧
ኣብ ስልጣን ጥዑይ ኣረኣእያ ንኽህልዎም: ግቡእ ንዝዀነ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ክብሪ ንኸርእዩ: ከምኡውን ምስ ካልኦት ዘሐጕስ ርክብ ንኽፈጥሩ ሰረት የንብረሎም። ብተወሳኺውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ንኽዅስኵሱ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።—1/6 ገጽ 18
• ኣብ ሓንቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም እትርከብ ሃገር: ኵሎም ክርስትያናት ኣሕዋት ምዃኖም ክግንዘቡ ንምትብባዕ እንታይ ተገብረ፧
ኵለን ጉባኤታት ንገለ ኣሕዋት ብናይ ኣኽብሮት ስያመ ንኸይጽውዓ ምሕጽንታ ተዋህበን። ኣብ ክንድኡስ: ኵሎም ብማዕረ ኣሕዋት ተባሂሎም ኢዮም ክጽውዑ ዘለዎም።—15/6 ገጽ 21, 22
• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ደም እተሰርሐ መድሃኒት ይወስዱዶ ኢዮም፧
እቲ ካብ ‘ደም ተኸልከሉ’ ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትእዛዝ: ምትሕልላፍ ናይ ምሉእ ደም ኰነ ናይ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም (ፕላዝማ: ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ከምኡውን ፕላትለት) ዝእግድ ኢዩ ኢልና ኢና እንኣምን። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ብዛዕባ ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝርከብ ክፋላት: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎን ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብን ኣብ ግምት ብምእታው ብብሕቱ ኢዩ ዝውስን።—15/6 ገጽ 29-31
• ሎሚ ውሽጣዊ ሰላም ብሓቂ ክርከብዶ ይከኣል ኢዩ፧
እወ። የሱስ ክርስቶስ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ንሰባት ናብ ንጹህ ኣምልኾን ናብቲ ኣብ ኢሳይያስ 32:18 ተገሊጹ ዘሎ ሰላምን ይመርሖም ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ከምዚ ዓይነት ሰላም ዘለዎም ሰባት መዝሙር 37:11, 29 ፍጻሜኣ ኣብ እትረኽበሉ እዋን ኣብ ምድሪ ነባሪ ሰላም ናይ ምስትምቓር ተስፋ ኣለዎም።—1/7 ገጽ 7
• ጆርጅ ያንግ ኣብ ዘመናዊ ቲኦክራሲያዊ ታሪኽ እንታይ ግደ ነበሮ፧
ካብ 1917 ኣትሒዙ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጸዋሪ ብርሃን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎቱ ንካናዳ: ደሴታት ካሪብያን: ብራዚል: ካልኦት ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ: ማእከላይ ኣመሪካ: ስጳኛ: ፖርቱጋል: ነታ ናይ ሽዑ ሕብረት ሶቭየት: ከምኡውን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በጺሕወን ኢዩ።—1/7 ገጽ 22-7
• 1 ቈረንቶስ 15:29 “ኣብ ክንዲ ምዉታት ዚጥመቑ” ክትብል ከላ እንታይ ማለት ኢዩ፧
እዚ ክበሃል ከሎ ክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡ: ናብ ሞት ቀጺሉ ድማ ናብ ናይ ሰማያዊ ህይወት ትንሳኤ ዝወስድ መገዲ ህይወት ኣትዮም ማለት ኢዩ።—15/7 ገጽ 17
• ኣብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ዘይፍለጠለን ዓመታት ተባሂለን እተሰምያ እንታይ ይገብር ነበረ፧
ኣብ ሶርያን ቂልቅያን ጉባኤታት ኣብ ምቛም ወይ ምብርታዕ ሓጊዙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝበዝሐ ካብቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 11:23-27 ተጠቒሱ ዘሎ ጸገማት ኣብዚ እዋን እዚ ኢዩ ወሪድዎ ክኸውን ዝኽእል: እዚ ድማ ኣገልግሎቱ ብንጥፈት ይፍጽም ከም ዝነበረ የርኢ።—15/7 ገጽ 26, 27
• ኣብ ትጽቢታትና ምኽንያታውያን ንኽንከውን ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
የሆዋ ዝርዳእ ምዃኑ ዘክር። ናብኡ ምጽላይ እውን ኣተሓሳስባና ሚዛናዊ ንኽኸውን ይሕግዝ: እዚ ኸኣ ዓቕምና ከም እንፈልጥ የርኢ። ምስ ብሱላት ፈተውቲ ብምዝርራብ ሓድሽ ኣረኣእያ ምሓዝ ካልእ ሓገዝ ዝርከበሉ መገዲ ኢዩ።—1/8 ገጽ 29, 30