ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ባህ ዘበለ መስዋእትታት

ንኣምላኽ ባህ ዘበለ መስዋእትታት

ንኣምላኽ ባህ ዘበለ መስዋእትታት

“ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ።”—⁠እብራውያን 8:⁠3

1. ሰባት ናብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ኣድላዪ ኰይኑ ዝስምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧

 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ታሪኽ ምሁር ኣልፍረድ ኤደርሻይም “መስዋእቲ ምቕራብ ክበሃል ከሎ ንወድ​ሰብ ልክዕ ከም ምጽላይ ‘ባህርያዊ’ ኢዩ ዝመስል፣ መስዋእቲ ምቕራብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንታይ ከም ዝስምዖ ዝገልጽ ክኸውን ከሎ: ምጽላይ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ንዝስምዖ ነገር ኢዩ ዝሕብር።” ካብቲ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወሉ ግዜ ኣትሒዙ ናይ ገበን ስምዒት: ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ: ከምኡውን ተስፋ ዘይምህላው መጺኡ ኢዩ። ካብዚ ስምዒታት እዚ እፎይታ ምርካብ ይድለ ኢዩ። ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ክኣትዉ ኸለዉ: ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ኣድላዪ ከም ዝዀነ እንተ ተሰምዖም እምበኣር ንምርድኡ ዝኸብድ ኣይኰነን።​—⁠ሮሜ 5:⁠12

2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየኖት ቀዳሞት ንኣምላኽ ዝቐረቡ መስዋእትታት ኢዮም ተመዝጊቦም እንረኽቦም፧

2 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ተመዝጊቡ ዝርከብ ንኣምላኽ ዝቐረበ መስዋእቲ ምስ ቃየልን ኣቤልን እተተሓሓዘ ኢዩ። ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ: ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ በዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ።” (ዘፍጥረት 4:⁠3, 4) ካብኡ ቀጺልና ድማ ኣምላኽ ካብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበረ እኩይ ወለዶ ዘጥፍአ ማይ ኣይሂ ምስ ኣድሓኖ ኖህ ‘ዝሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ንኸዕርግ’ ከም እተደረኸ ዝገልጽ ሓሳብ ንረክብ። (ዘፍጥረት 8:⁠20) እቲ እሙን ኣገልጋልን ዓርክን ኣምላኽ ዝነበረ ኣብርሃም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት በቲ መብጽዓታትን በረኸታትን ኣምላኽ ተደሪኹ “መሰውኢ ሰርሔ: ብስም እግዚኣብሄርውን ተማህለለ።” (ዘፍጥረት 12:⁠8፣ 13:⁠3, 4, 18) ጸኒሑ: ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ዝሓርር መስዋእቲ ገይሩ ክስውኦ የሆዋ ምስ ሓተቶ እቲ ዝዓበየ ናይ እምነት ፈተና ኣጋጠሞ። (ዘፍጥረት 22:⁠1-14) እዚ ጸብጻባት እዚ ሓጺር እኳ እንተ​ዀነ: ከምዚ ቀጺልና እንርእዮ ብዛዕባ መስዋእቲ ብዝያዳ ዘብርህ ኢዩ።

3. መስዋእትታት ኣብ ኣምልኾ እንታይ ግደ ኣለዎ፧

3 ካብዝን ካብ ካልእ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስን ከም እንዕዘቦ: ገለ ዓይነት መስዋእቲ ምቕራብ ገና የሆዋ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንጹር ሕጊ ከይሃበ ከሎ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ዝነበረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፍሊ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። ምስዚ ብምስምማዕ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነታ “መስዋእቲ” እትብል ቃል “ሰብ ምስቲ ቅዱስ ገይሩ ዝቘጽሮ ኣወንታዊ ርክብ ምእንቲ ክምስርት: ክዕቅብ: ወይ ክሕድስ ኢሉ ንመለኮት ሓደ ነገር ዝውፈየሉ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኢዩ” ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ። እዚ ግን ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ብጥንቃቐ ክምርመር ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶታት የልዕል ኢዩ:- ኣብ ኣምልኾ መስዋእቲ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎም ዓይነት መስዋእትታት ኣየኖት ኢዮም፧ ናይ ጥንቲ መስዋእትታት ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

መስዋእቲ ንምንታይ ኣድለየ፧

4. እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝፈጸምዎ ሓጢኣት እንታይ ኣስዓበሎም፧

4 ኣዳም ደይ መደይ ኢሉ ኢዩ ሓጢኡ። ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ምውሳዱን ምብልዑን ኰነ ኢሉ ትእዛዝ ከም ዝጠሓሰ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ናይ ዘይምእዛዝ ተግባር እዚ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣስዓበ: ከመይሲ “ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ” ብምባል ኣምላኽ ብንጹር ነጊርዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠17) ኣብ መወዳእታ ኣዳምን ሄዋንን ዓስቢ ሓጢኣቶም ረኸቡ: ማለት ሞቱ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠19፣ 5:⁠3-5

5. የሆዋ ኣብ ክንዲ ዘርኢ ኣዳም ገለ ነገር ንምግባር ተበግሶ ዝወሰደ ስለምንታይ ኢዩ: እንታይከ ኢዩ ዝገበረሎም፧

5 ብዛዕባ ዘርኢ ኣዳም ግን እንታይ ኢዩ ዝግበሮ፧ ካብ ኣዳም ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ስለ ዝወረሱ ተመሳሳሊ ካብ ኣምላኽ ከም ዝረሓቕካ ናይ ምዃን ስምዒት ይስምዖም: ተስፋ ምቝራጽ የጥቅዖም: ከምኡውን እቲ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዘጋጠሞም ሞት ይገዝኦም ኣሎ። (ሮሜ 5:⁠14) የሆዋ ግን ኣምላኽ ፍትሕን ሓይልን ጥራይ ኣይኰነን: አረ ብቐንዱስ ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8, 16) ስለዚ: ነቲ ሃጓፍ ንምዕባስ ተበግሶ ወሰደ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ድሕሪ ምባሉ “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ይብል።​—⁠ሮሜ 6:⁠23

6. ሓጢኣት ኣዳም ንዘምጽኦ ጕድኣት ብዝምልከት ፍቓድ የሆዋ እንታይ ኢዩ፧

6 የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ውህበት እቲ ውሕስነት ዘለዎ ንምግባሩ ንሓጢኣት ኣዳም ዘስዓቦ ጕድኣት ዝሽፍን ሓደ ነገር ኣዳለወ። እታ ብእብራይስጢ ካ·ፋር  ʹ እትብል ቃል ብቐዳምነት “ምሽፋን” ወይ “ምድምሳስ” ዝብል ትርጕም ነይርዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: “ምትዕራቕ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ። a ብኻልእ ኣዘራርባ: እቶም ነቲ ውህበት ዝበቕዑ ሰባት ካብቲ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ኵነኔ ናጻ ምእንቲ ክወጹ የሆዋ ነቲ ካብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት ንምሽፋንን ነቲ ዘስዕቦ ጕድኣት ንምድምሳስን ዘኽእል ብቑዕ መገዲ ኣዳለወ።​—⁠ሮሜ 8:⁠21

7. (ሀ) ኣምላኽ ንሰይጣን ክፈርዶ ኸሎ ካብ እተዛረቦ ቃላት እንታይ ተስፋ ተረኽበ፧ (ለ) ንደቅ​ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንምውጻእ እንታይ ዋጋ ክኽፈል ኣለዎ፧

7 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓጥኡ ብኡንብኡ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ናይ ምውጻእ ተስፋ ተነግረ። የሆዋ ነቲ ብተመን ተመሲሉ ዝነበረ ሰይጣን ክፈርዶ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ዘፍጥረት 3:⁠15) እዚ ትንቢታዊ መግለጺ እዚ ንዅሎም እቶም ኣብቲ መብጽዓ እምነት ዝገብሩ ባና ብርሃን ኣብርሃሎም። ነዚ ሓርነት እዚ ንምርካብ ግን ዋጋ ክኽፈል ነበሮ። እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ብኡንብኡ መጺኡ ንሰይጣን ከጥፍኦ ኣይኰነን ተደልዩ ዝነበረ፣ እቲ ዘርኢ ሸዀናኡ ክንከስ ነበሮ: እዚ ማለት ድማ ዋላ እውን ሞይቱ ክተርፍ እንተ ዘይነበሮ ክመውት ግን ነበሮ።

8. (ሀ) ቃየል ዘጕሂ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዝረኸበ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ኣዳምን ሄዋንን እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ብዙሕ ከም ዝሓሰቡ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሄዋን ንቃየል እቲ በዅሪ ወዳ ምስ ወለደት “ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ” በለት። (ዘፍጥረት 4:⁠1) ምናልባት ወዳ እቲ ዘርኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢላ ድያ ትሓስብ ነይራ፧ ከምዚ ኢላ ትሕሰብ ኣይትሕሰብ ብዘየገድስ ቃየልን መስዋእቱን ዘጕህዩ ኢዮም ኰይኖም። በቲ ኻልእ ሸነኽ: ሓዉ ኣቤል ኣብ መብጽዓ ኣምላኽ እምነት ኣርኣየ: ካብ በዅራት ኣባጊዑ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ ንምቕራብ ተደረኸ። ብዛዕባኡ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። . . . ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ።”​—⁠እብራውያን 11:⁠4

9. (ሀ) ኣቤል ኣብ ምንታይ ኢዩ እምነት ዘሕደረ: ነዚኸ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) መስዋእቲ ኣቤል እንታይ ኢዩ ዝፈጸመ፧

9 ኣቤል ኣምላኽ ከም ዘሎ ጥራይ ኣይኰነን ዝኣምን ነይሩ: ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት እምነት እንተ ዀይኑ እሞ ቃየል እውን ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣቤል እቲ ኣምላኽ መብጽዓ ዝገበረሉ ዘርኢ ንእሙናት ደቅሰብ ድሕነት ከም ዘምጽእ እምነት ነበሮ። እዚ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ኣይተገልጸሉን: እንተ​ዀነ ግን ካብቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ: ሓደ ሸዀናኡ ዝንከስ ኣካል ከም ዘሎ ተረድኦ። እወ: ደም ክፈስስ ይግባእ ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐ ኢዩ ዝመስል: እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ልክዕ ትርጕም ናይ መስዋእቲ። ኣቤል ህይወትን ደምን ዘጠቓልል ውህበት ነቲ ምንጪ ህይወት ኣቕረበ: እዚ ድማ እቲ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ንኽፍጸም ዓሚቝ ሃረርታን ትጽቢትን ከም ዝነበሮ ዘርኢ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ እምነት እዚ ኢዩ ኸኣ ነቲ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሐጕስ ከም ዝኸውን ዝገበሮ: ብእተወሰነ መገዲ ድማ ነቲ ሓቀኛ ቁም ነገር ናይ መስዋእቲ ይገልጾ ኢዩ። እዚ ኸኣ ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ናብኡ ዝቐርቡሉ መገዲ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠4፣ እብራውያን 11:⁠1, 6

10. ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ክስውእ የሆዋ ብምሕታቱ ትርጕም ናይ መስዋእቲ ብኸመይ ንጹር ኰነ፧

10 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ከም ዝሓርር መስዋእቲ ገይሩ ክስውኦ የሆዋ ምስ ኣዘዞ ዓሚቝ ትርጕም ናይ መስዋእቲ ብዘደንቕ መገዲ ንጹር ኰነ። እቲ መስዋእቲ እቲ ቃል ብቓሉ እኳ እንተ ዘይተፈጸመ: ምሳሌ ናይቲ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዝገብሮ ነገር ኰይኑ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ እቲ ብዛዕባ ደቅሰብ ዘለዎ ፍቓድ ንምፍጻም ነቲ ሓደ ወዱ ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝቐረበ እቲ ዝዓበየ መስዋእቲ ገይሩ ምሃቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16) የሆዋ በቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ መስዋእትታትን ወፈያታትን ገይሩ እቶም ሕሩያቱ ንሓጢኣቶም ምሕረት ንምርካብን ንድሕነት ዘለዎም ተስፋ ንምድልዳልን እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ዝሕብር ትንቢታዊ ኣገባብ ሰርዓሎም። ካብዚ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

ብየሆዋ ተቐባልነት ዝነበሮ መስዋእትታት

11. ብናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት እንታይ ክልተ እተፈላለየ መስዋእትታት ኢዩ ዝቐርብ ዝነበረ: ንምንታይ ዕላማኸ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ “ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ” በለ። (እብራውያን 8:⁠3) ጳውሎስ ነቲ ብሊቀ ኻህናት ናይ ጥንታዊት እስራኤል ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ኣብ ክልተ ከም ዝመቐሎ ኣስተውዕል: እዚ ኸኣ “መባእን” “መስዋእትን” ወይ ‘መስዋእቲ ሓጢኣትን’ ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠1) ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ሰባት ፍቕሮምን ሞሳኦምን ንምግላጽ ከምኡውን ምሕዝነት ንምምዕባል: ስምረት: ወይ ተቐባልነት ንምርካብ ውህበታት ይወሃሃቡ ኢዮም። (ዘፍጥረት 32:⁠20፣ ምሳሌ 18:⁠16) ብተመሳሳሊ: መብዛሕትኡ ብሕጊ ሙሴ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ካብ ኣምላኽ ተቐባልነትን ስምረትን ንምርካብ ዝወሃብ ‘መባእ’ ገይርካ ክርአ ይከኣል ኢዩ። b እቲ ሕጊ እንተ ተጣሒሱ ካሕሳ የድሊ ነበረ: ኣምሳይኡ ድማ ‘መስዋእቲ ሓጢኣት’ ይቐርብ ነበረ። ፔንታቲዩክ: ብፍላይ ድማ ዘጸኣት: ዘሌዋውያን: ከምኡውን ዘሁልቍ ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት መስዋእትታትን መባእን ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታን መምርሕን ዝሓዘ ኢዩ። ንዅሉ እቲ ዝርዝራት ኣብ ኣእምሮና ምሓዝን ምዝካርን ብሓቂ በዳሂ እኳ እንተ​ዀነ: ንእተፈላለየ ዓይነት መስዋእትታት ብዝምልከት ተጠቒሱ ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ግን ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዝግባእ ኢዩ።

12. ብዛዕባ ኣብቲ ሕጊ እተጠቕሱ መስዋእትታት ሓፈሻዊ መብርሂ ክንረክብ እንኽእል ኣበየናይ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ፧

12 ኣብ ዘሌዋውያን ካብ ምዕራፍ 1 ክሳብ 7 ዋላ እኳ ገለ ካብቲ መስዋእትታት ብሓደ ይቐርብ እንተ ነበረ መሰረታዊ ዝዀነ ሓሙሽተ ዓይነት መስዋእትታት በብሓደ ተዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ዝሓርር መስዋእቲ: መስዋእቲ ብልዒ: መስዋእቲ ምስጋና: መስዋእቲ ሓጢኣት: ከምኡውን መስዋእቲ በደል ኢዩ። ብተወሳኺውን: እዚ መስዋእትታት እዚ ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን ንእተፈላለየ ዕላማ ክልተ ሳዕ ተገሊጹ ንረኽቦ: እዚ ድማ እቲ ቐዳማይ ኣብቲ መሰውኢ እንታይ ክቐርብ ከም ዘለዎ ዝርዝር ነገራት ዝገልጽ ካብ ዘሌዋውያን 1:⁠2 ክሳብ 6:⁠7 ዝርከብ ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ንኻህናትን ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ውልቀ⁠-​ሰብን እተመደበ ግደ ዝሕብር ካብ ዘሌዋውያን 6:⁠8 ክሳብ 7:⁠36 ዝርከብ ኢዩ። ቀጺሉ: ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 28ን 29ን ኣብ መዓልታዊ: ሰሙናዊ: ወርሓዊ: ከምኡውን ኣብ ዓመታዊ በዓላት ክቐርብ ዘለዎ እንታይ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክበሃል ዝከኣል ዝርዝር ንረክብ።

13. ከም መባእ ገይርካ ብፍቓድ ንኣምላኽ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ግለጽ።

13 ዝሓርር መስዋእቲ: መስዋእቲ ብልዒ: ከምኡውን መስዋእቲ ምስጋና ካብቲ ከም መባእ ኰይኑ ብፍቓድ ዝቐርብ ዝነበረ ወይ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ናብኡ ንኽትቀርብ ዝወሃብ ዝነበረ መስዋእትታት ኢዩ። ገለ ምሁራት እታ “ዝሓርር መስዋእቲ” እትብል ናይ እብራይስጢ ስያመ “መስዋእቲ ምዕራግ” ወይ “ዝዓርግ መስዋእቲ” ዝብል ትርጕም ከም ዘለዋ ርእይቶኦም ይህቡ ኢዮም። ኣብ ዝሓርር መስዋእቲ እቲ ዝሕረድ እንስሳ ኣብቲ መሰውኢ ይሓርር እሞ ምኡዝ ሽታ ወይ ጥዑም ጨና ናብ ኣምላኽ ገጹ ናብ ሰማይ ስለ ዝዓርግ እዚ መግለጺ እዚ ዝሰማማዕ ኢዩ። እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ፍልይ ዘብሎ ነገር ደም ናይቲ እንስሳ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግን እቲ እንስሳ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ይስዋእን ምንባሩ ኢዩ። እቶም ካህናት ‘ንዅሉ ንዝሓርር መስዋእቲ: ንመስዋእቲ ሓዊ: ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብቲ መሰውኢ የሕርርዎ’ ነበሩ።​—⁠ዘሌዋውያን 1:⁠3, 4, 9፣ ዘፍጥረት 8:⁠21

14. መስዋእቲ ብልዒ ብኸመይ ይቐርብ ነበረ፧

14 መስዋእቲ ብልዒ ኣብ ዘሌዋ​ውያን ምዕራፍ 2 ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ብፍቓድ ዝቐርብ መስዋእቲ እዚ ካብ ድኹም ሓርጭ እተዳለወ ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይትን ዕጣንን ይግበረሉ ነበረ። “እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ: ምስ ኵሉ እቲ ዕጣኑን ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ: መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።” (ዘሌዋውያን 2:⁠2) እቲ ካብ መቐር ዝርከብ ንጥረ⁠-​ነገር ሓደ ካብቲ ነቲ ቕዱስ ዕጣን መስርሒ ዝኸውን ነገራት ነበረ። እቲ ቕዱስ ዕጣን ድማ ኣብቲ ኣብ ማሕደርን ቤት መቕደስን ዝርከብ ዝነበረ መሰውኢ ዕጣን ይተክኽ ነበረ። (ዘጸኣት 30:⁠34-36) ንጉስ ዳዊት “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን: ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን” ክብል ከሎ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 141:⁠2

15. ዕላማ ናይ መስዋእቲ ምስጋና እንታይ ነበረ፧

15 ካልእ ብፍቓድ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 3 ተገሊጹ ዘሎ መስዋእቲ ምስጋና ኢዩ። እዛ ስያመ እዚኣ “መስዋእቲ ናይ ሰላም ወፈያታት” እውን ተባሂላ ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። ብእብራይስጢ እታ “ሰላም” እትብል ቃል ውግእ ወይ ዕግርግር ዘይምህላው ካብ ዝብል ትርጕም ንላዕሊ ዝሓዘት ኢያ። “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ኵነታት ወይ ርክብ ከም ዝህሉ ምግባር: ብልጽግና: ፍስሃ: ሓጐስ እውን ኢያ እተመልክት” ብምባል እታ ስታዲስ ኢን ዘ ሞዛይክ ኢኒስቲቱሽንስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ትገልጽ። ስለዚ: መስዋእቲ ምስጋና ዝቐርብ ዝነበረ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝህሉ ሰላም ውሕስነት ከም ዝህልዎ ንምግባር ዘይኰነስ: እቶም ስምረት ኣምላኽ ዝረኸቡ ሰባት ነቲ በረኸት ዝዓሰሎ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ሰላማዊ ኵነታት ብዝምልከት ምስጋንኦም ንምግላጽ ወይ ንምጽምባል ኢዩ። እቲ ደምን ስብሕን ንየሆዋ ምስ ተሰውአ እቶም ካህናትን እቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ውልቀ⁠-​ሰብን ግዴኦም ይወስዱ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 3:⁠17፣ 7:⁠16-21፣ 19:⁠5-8) ብዝምስጥን ብምሳልያውን ኣዘራርባ ንምግላጹ: እቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ውልቀ⁠-​ሰብ: እቶም ካህናት: ከምኡውን የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሓደ መኣዲ ይካፈሉ ነይሮም ማለት ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ንዝነበረ ሰላማዊ ርክብ የመልክት።

16. (ሀ) ዕላማ ናይ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን እንታይ ነበረ፧ (ለ) እዚ ክልቲኡ ካብ ዝሓርር መስዋእቲ ብኸመይ ይፍለ፧

16 ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ ወይ እቲ ሕጊ ምስ ዝጠሓስ ንምትዕራቕ ዝቐርብ መስዋእትታት ንመስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ዘጠቓልል ነበረ። እዚ መስዋእትታት እዚ ኣብ መሰውኢ ብሓዊ ምሕራር ዘጠቓልል እኳ እንተ ነበረ: እቲ ስብሕን ገለ ክፋላትን ጥራይ እምበር ብምሉኡ እቲ እንስሳ ንኣምላኽ ይስዋእ ስለ ዘይነበረ ካብ ዝሓርር መስዋእቲ በዚ ይፍለ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ እንስሳ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ይድርበ: ኣብ ገሊኡ ኵነታት ግን እቶም ካህናት ግዴኦም ይወስዱ ነበሩ። እዚ ፍልልይ እዚ ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። ዝሓርር መስዋእቲ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ምእንቲ ክትክእል ዝወሃብ ውህበት ኢዩ: ስለዚ ዋላ ሓንቲ ኸየትረፍካ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ይስዋእ ነበረ። እቲ ዘገርም ከኣ: ቅድሚ ዝሓርር መስዋእቲ ምቕራቡ መስዋእቲ ሓጢኣት ወይ መስዋእቲ በደል ይቐርብ ነበረ: እዚ እውን ውህበት ናይቲ ሓጥእ ሰብ ብኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ ሓጢኣቱ ይቕረ ክበሃለሉ የድሊ ኸም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ።​—⁠ዘሌዋውያን 8:⁠14, 18፣ 9:⁠2, 3፣ 16:⁠3, 5

17, 18. መስዋእቲ ሓጢኣት ንምንታይ ኢዩ ተዳልዩ: ዕላማ ናይ መስዋእቲ በደልከ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

17 መስዋእቲ ሓጢኣት ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል ኣንጻር እቲ ሕጊ ደይ መደይ ኢልካ ንዝፍጸም ሓጢኣት ዘይኰነስ ብሰንኪ ናይ ስጋ ድኻም ንዝፍጸም ሓጢኣት ኢዩ ነይሩ። “ሓደ ሰብ: ካብቲ እግዚኣብሄር፤ ኣይትግበርዎ: ኢሉ ዝአዘዞ ዅሉ: ሓደ ብምግባሩ ብዘይ​ ፍልጠት ሓጢኣት እንተ ገበረ:” እቲ ሓጥእ ምስቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዎ ደረጃ ወይ ቦታ ዝመጣጠን መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርብ። (ዘሌዋውያን 4:⁠2, 3, 22, 27) በቲ ኻልእ ሸነኽ: ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት ጥፍኣት ኢዩ ዝስዕቦም እምበር ንዖኦም ዝኸውን መስዋእቲ ኣይነበረን።​—⁠ዘጸኣት 21:⁠12-15፣ ዘሌዋውያን 17:⁠10፣ 20:⁠2, 6, 10፣ ዘሁልቍ 15:⁠30፣ እብራውያን 2:⁠2

18 ትርጕምን ዕላማን መስዋእቲ በደል ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 5ን 6ን ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ሓደ ሰብ ብዘይ​ፍላጥ ይሓጥእ ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ በደል ንናይ ብጾቱ ወይ ንናይ የሆዋ ኣምላኽ መሰላት ብምጥሓስ እተፈጸመ ክኸውን ስለ ዝኽእል: እቲ በደል ክከሓስ ወይ ክዕረ ኣለዎ። እተፈላለየ ዓይነት ሓጢኣት ተጠቒሱ ኣሎ። ገሊኡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዝፍጸም ሓጢኣት (5:⁠2-6): ገሊኡ ኣብ ልዕሊ “እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነገር” ዝፍጸም ሓጢኣት (5:⁠14-16): ገሊኡ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኰነ ኢልካ እተገብረ ኣይኰነን ክበሃል እኳ እንተ ዘይተኻእለ: ግጉይ ባህግታት ወይ ስጋዊ ድኽመታት ዘምጽኦ ሓጢኣት ኢዩ (6:⁠1-3)። እቲ በዳሊ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ኣብ ርእሲ ምንስሑ ኣብቲ ክኽሕስ ግቡእ ዝዀነሉ ኵነታት ካሕሳ ከቕርብ: ድሕሪኡ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ በደል ክስውእ ነበሮ።​—⁠ዘሌዋውያን 6:⁠4-7

ዝሓሸ ነገር ክመጽእ ነበሮ

19. እስራኤላውያን ሕጊ ተዋሂቡዎምን መስዋእትታት የቕርቡን እኳ እንተ ነበሩ: ስምረት ኣምላኽ ዝሰኣኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

19 እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ክሳዕ ዝመጽእ እስራኤላውያን ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ንምርካብ ከምኡውን ንምዕቃብ ናብኡ ክቐርቡ ምእንቲ ክኽእሉ: እቲ ሓያሎ መስዋእትታትን መባእን ዝሓቘፈ ሕጊ ሙሴ ተዋህቦም። እቲ ኣይሁዳዊ መበቈል ዝነበሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ጕዳይ እዚ ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ: ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።” (ገላትያ 3:⁠24) እቲ ዘሕዝን ግን: እስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽላል ኣይተዓቝቡን: የግዳስ ነቲ መሰል ብዘይ​ግቡእ ተጠቕሙሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሓያሎ መስዋእትታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን ኰነ: ከምዚ ድማ በሎም:- “ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ: ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 1:⁠11

20. ነቲ ሕግን መስዋእትታትን ብዝምልከት ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ኰነ፧

20 ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ምስ ቤት መቕደሱን ክህነቱን ጠፍአ። ድሕሪኡ ነቲ ኣብቲ ሕጊ እተጠቕሰ መስዋእትታት ምቕራብ ኣይተኻእለን። እዚ ክበሃል ከሎ መስዋእትታት ከም ዘይንጸል ክፍሊ ናይቲ ሕጊ መጠን ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን ማለት ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣወዓዕላ: እታ ‘ምትዕራቕ’ ተባሂላ ዘላ ቃል ‘ምሽፋን’ ወይ ‘ምልውዋጥ’ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ኣለዋ: እቲ ከም ለውጢ ወይ ከም ‘መሸፈኒ’ ዝወሃብ ድማ ምስቲ ዝኽፈለሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ማዕረ ክኸውን ኣለዎ። . . . ማዕረ እቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ነገር ካሕሳ ንምቕራብ: ዝመጣጠን ዋጋ ዘለዎ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ኰይኑ ክቐርብ ኣለዎ።”

b እታ ብተደጋጋሚ “መስዋእቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ቝር·ባን ʹ እትብል ኢያ። የሱስ ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ስለቲ ስርዓት ዘይብሉ ተግባራቶም ክዅንኖም ከሎ ኣብ ዘውስኦ ቃላት “ቝርባን” ማለት “መባእ” ከም ዝበለ ማርቆስ ገሊጹ ኣሎ።​—⁠ማርቆስ 7:⁠11

ክትገልጾዶ ምኽኣልካ፧

• ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት ንየሆዋ መስዋእቲ ንኸቕርቡ ዝደረኾም እንታይ ኢዩ፧

• መስዋእትታት ዘድሊ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣብ ትሕቲ ሕጊ እንታይ መሰረታዊ ዝዀነ ዓይነት መስዋእትታት ኢዩ ዝቐርብ ዝነበረ: ናይዚ ዕላማኸ እንታይ ነበረ፧

• ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ዝበሎ: እቲ ሕግን መስዋእትታቱን ነየናይ ቀንዲ ዕላማ ኢዩ ዘገልገለ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ኣብ መብጽዓ የሆዋ ዝነበሮ እምነት ስለ ዘርኣየ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይዚ ፍጻመ እዚ ትርጕም ተገንዚብካዮዶ ኢኻ፧