ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብኸመይ ኢኻ እተደቅሶ፧

ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብኸመይ ኢኻ እተደቅሶ፧

ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብኸመይ ኢኻ እተደቅሶ፧

 ኣብ መመዓልቲ እተፈላለየ ባህርያት ምስ ዘለዎም ሰባት ንራኸብ ኢና። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጐስን ሓድሽ ኣመለኻኽታን ኢዩ ዘምጽኣልና። ሓድሓደ ግዜ እውን ገሊኡ ከቢድ ገሊኡ ኸኣ ቐሊል ዝዀነ ዘይምርድዳእ ኣብ መዓልታዊ ናብራና የስዕበልና ኢዩ። ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ ነቲ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እንወስዶ ስጕምቲ ብኣእምሮ: ብስምዒት: ከምኡውን ብመንፈስ ይትንክፈና ኢዩ።

ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብሰላም ንምፍትሑ ዝከኣለና ዅሉ ምግባር ሕጕስ ናብራ ክንነብርን ምስ ካልኦት ሰባት ሰላማዊ ርክብ ክህልወናን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ሓደ ጥንታዊ ምስላ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 14:⁠30

“መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቐጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ” ዝብል ድማ ኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ኢዩ። (ምሳሌ 25:28) በቲ ንዓናን ንኻልኦትን ዝጐድእ ቄናን መገድታት ከም እንኸይድ ክገብረና ዝኽእል ግጉይ ሓሳባት እተቓልዐ ክኸውን ዝደሊ ካባና መን ኣሎ፧ ቍጽጽር ዘይተገብረሉ ናይ ቍጥዓ ምላሽ ልክዕ ነዚ ነገር እዚ ኢዩ ከስዕብ ዝኽእል። ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ: የሱስ ኣመለኻኽታና ክንምርምር ኢዩ ተማሕጺኑና። ከመይሲ ኣመለኻኽታና ነቲ ምስ ካልኦት ሰባት ከጋጥመና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ብኸመይ ከነደቅሶ ከም ዘሎና ጽልዋ ይገብር ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠3-5) ብዛዕባ ካልኦት ነቐፍቲ ኣብ ክንዲ እንኸውን: ምስቶም እተፈላለየ ኣመለኻኽታን መበቈልን ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ምሕዝነት ከም እነማዕብል ክንሓስብ ይግብኣና።

ኣመለኻኽታና

ንሓደ ዘስተውዓልናሉ ወይ ከኣ ብግሁድ እተፈጥረ ዘይምርድዳእ ክንፈትሓሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ንግጉይ ሓሳባትን ኣመለኻኽታን እተቓላዕና ምዃንና ምግንዛብ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኵላትና ከም ዝሓጣእናን ‘ክብሪ ኣምላኽ ከም ዝሰኣንናን’ የዘኻኽረና ኢዩ። (ሮሜ 3:⁠23) ብተወሳኺ: ምስትውዓል ምንጪ ናይ ግድላትና እቲ ሰብ ከም ዘይኰነ ከም እንግንዘብ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ: ተመክሮ ዮናስ ንርአ።

ዮናስ ካብ የሆዋ መምርሒ ተቐቢሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰብ ነነዌ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ፍርዲ ኣምላኽ ክሰብኽ ናብ ከተማ ነነዌ ከደ። እቲ ዘሐጕስ ድማ ብምሉኦም ነበርቲ ከተማ ነነዌ ተናሲሖም ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እምነት ኣሕደሩ። (ዮናስ 3:⁠5-10) የሆዋ እቲ ናይ ምንሳሕ ኣመለኻኽታኦም ይቕረ ክበሃለሉ ዝበቅዕ ምዃኑ ረኣየ እሞ ነሓፎም። “ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሀዮ: ኰረየውን።” (ዮናስ 4:⁠1) እቲ ዮናስ ኣብ ምሕረት የሆዋ ዘርኣዮ ምላሽ ዘስደምም ኢዩ ነይሩ። ዮናስ ብየሆዋ እተቖጥዐ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ማሕበረሰብ ክዋረድ ኢየ ኢሉ ብምሕሳብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ስምዒታት ተዋሒጡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንምሕረት የሆዋ ኣየማሰወሉን። የሆዋ ብሕያውነት ንዮናስ ኣመለኻኽትኡ ክቕይርን እቲ ብሉጽ ዋጋ ምሕረት ኣምላኽ ክግንዘብን ክሕግዞ ዝኽእል ትምህርቲ ከም ዝረክብ ገበረ። (ዮናስ 4:⁠7-11) ክቕየር ዘድልዮ ዝነበረ ኣመለኻኽታ የሆዋ ዘይኰነስ ኣመለኻኽታ ዮናስ ምዃኑ ንጹር ኢዩ።

ንሕናውን ብተመሳሳሊ ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዘሎና ኣመለኻኽታ ክንቅይር የድልየና ደዀን ይኸውን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ንሓድሕድኩም ብምክብባር ተቓዳደሙ’ ብምባል ተማሕጺኑና ኢዩ። (ሮሜ 12:10) እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ብሓደ መዳዩ: ምኽንያታውያን ክንከውን: ንኻልኦት ክርስትያናት ድማ ዓሚቝ ኣኽብሮትን ግምትን ከነርእዮም ኢዩ ዘተባብዓና ዘሎ። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ናጻ ድሌት ከም ዘለዎ ምግንዛብ ዘጠቓልል ኢዩ። ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ብምባል እውን የዘኻኽረና ኢዩ። (ገላትያ 6:5) ስለዚ እምበኣር ብዘይ​ምርድዳእ ጋግ ከይተፈጥረ ኸሎ: ናይ ገዛእ ርእስና ኣመለኻኽታ ምዕራይ ዘድልዮ እንተዀይኑ ምምርማር ክንደይ ጥበብ ኰን ኢዩ! ኣተሓሳስባ የሆዋ ከነንጸባርቕን ምስቶም ብሓቂ ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ዘሎና ሰላም ድማ ክንዕቅቦን ኣበርቲዕና ክንጽዕር ይግብኣና።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠8, 9

ኣቀራርባና

ክልተ ንኣሽቱ ቘልዑ ንሓንቲ ባንቡላ ይዋጠጡላ ከም ዘለዉ ገይርና እሞ ንሕሰብ። ነፍሲ ወከፎም ክወስዳ ስለ ዝደሊ ብዘለዎ ሓይሊ ይስሕብ። ሓዲኦም ክሳዕ ዝፍንዋ ወይ ከኣ ካልእ ሰብ ክሳዕ ዘተዓርቖም እናተዋጠጡ ብቝጥዓ ይጭድሩ።

እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ ከም ዝነግረና ኣብርሃም ኣብ መንጎ ጓሶቱን ጓሶት ወዲ ሓዉ ሎጥን ባእሲ ከም እተላዕለ ሰምዐ። ኣብርሃም ተበግሶ ወሲዱ ንሎጥ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ: በጃኻ: ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን: ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእሲ ኣይኹን” በሎ። ኣብርሃም ዝዀነ ይኹን ምስሕሓብ ንርክቦም ከበላሽዎ ንኸየፍቅደሉ ቈሪጹ ኢዩ ነይሩ። እንታይ ዋጋኸ ክኸፍል ነበሮ፧ ነቲ ከም ዓቢ መጠን ንኽመርጽ ዝነበሮ መሰል ክስውእ ድሉው ነበረ: ግቡኡ ክሓድግ ተቐሪቡ ኢዩ ነይሩ። ንሎጥ ስድራ​ቤቱን ጥሪቱን ኣበይ ክዀኑ ከም ዝደልዮም ንኽመርጽ ፈቐደሉ። ሎጥ ድማ ነቲ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ልሙዕ ቦታ ክወስድ መረጸ። ኣብርሃምን ሎጥን ብሰላም ተፋላለዩ።​—⁠ዘፍጥረት 13:⁠5-12

ምስ ካልኦት ሰላማዊ ርክብ ንምዕቃብ: ልክዕ ከምቲ ኣብርሃም ዘርኣዮ መንፈስ ብምንጽብራቕ ስጕምቲ ክንወስድ ድሉዋት ዲና፧ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ፍጻመ ዘይምርድዳእ ከነደቅስ ከሎና ክንቀድሖ ዘሎና ብሉጽ ኣብነት ገዲፉልና ኢዩ። ኣብርሃም “ባእሲ ኣይኹን” በለ። እቲ ናይ ኣብርሃም ልባዊ ባህጊ ኣብ ሓደ ሰላማዊ ፍታሕ ንምብጻሕ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ ከኣ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰላማዊ ርክብ ንኽፍጠር እተገብረ ዕድመ ንዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ንምውጋድ ዝሕግዝ ኢዩ ነይሩ። ኣብርሃም “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ” ዝብል መግለጺ እውን ተጠቒሙ ኣሎ። ብሕታዊ ምርጫ ከተቐድም ኢልካ ወይ ከኣ ብሰንኪ ትዕቢት ከምዚ ዝኣመሰለ ክቡር ርክብ ስለምንታይ እተጥፍእ፧ ኣብርሃም ኣብቲ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ ምሉእ ኣትኵሮ ገይሩ። ነዚ ኸኣ ተኣማንነቱን ክብሩን ከየጥፍአ: ንኽብረት ወዲ ሓዉ ብምሕላው ኢዩ ገይርዎ።

ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ናይ ካልኦት ሰባት ጣልቃ ምእታው ዘድልየሉ ኵነታት ዝለዓል እኳ እንተ​ዀነ: ብብሕቲ ደረጃ እንተ ተፈትሐ ክንደይ ዝሓሸ ኰን ኢዩ! የሱስ ምስ ሓውና ሰላም ኣብ ምግባር ተበግሶ ክንወስድ: እንተ ኣድልዩ ኸኣ ይቕረታ ክንሓትት ኣተባቢዑና ኢዩ። a (ማቴዎስ 5:⁠23, 24) እዚ ንምግባር ትሕትና ይሓትት። ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ:- “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ ትሕትና ተዐጠቑ።” (1 ጴጥሮስ 5:⁠5) ምስ ኣመንቲ ብጾትና እንገብሮ ምምልላስ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣጸቢቑ ይትንክፎ ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠20

ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤውን ምእንቲ ሰላም ኢልና መሰልና ክንገድፍ ዝሓትት ኵነታት የጋጥመና ይኸውን። ብዙሓት ካብቶም ሎሚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ዘለዉ ሰባት ናብታ ብሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዝቘመት ስድራ​ቤት ኣምላኽ ዝመጹ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኢዩ። ኣየ እዝስ ክንደይ ንልብና ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስ ነዞም ሓደስቲ እዚኣቶምን ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ካልኦትን ብርግጽ ይትንክፎም ኢዩ። እዚ ኸኣ ካልኦት ብኸመይ ከም ዝርድኡና ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣብ ምዝንጋዕ: ንመሕለፍ ግዜ ኣብ እንገብሮ ዕዮ: ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት: ወይ ኣብ ስራሕ እንገብሮ ምርጫታት ብጥንቃቐ ከም እንሓስበሉ ዝገብረና ብቑዕ ምኽንያት ኢዩ። ገለ ካብ ተግባራትና ወይ ቃላትና ጌጋ ትርጕም ተዋሂብዎ ንኻልኦት ዕንቅፋት ዝኸውን ድዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ “ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግን ኣይጠቅምን እዩ: ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ብምባል የዘኻኽረና። (1 ቈረንቶስ 10:⁠23, 24) ከም ክርስትያናት መጠን ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነት ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ንምህናጽ ኣጸቢቕና ንግደስ ኢና።​—⁠መዝሙር 133:⁠1፣ ዮሃንስ 13:⁠34, 35

ዝፍውስ ቃላት

ቃላት ንሰናይ ግብሪ ብርቱዕ ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ። “ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ: ንነፍሲ ጥዑም: ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።” (ምሳሌ 16:⁠24) ጊዴዎን ነቲ ምስ ኤፍሬማውያን ክለዓል ዝኽእል ዝነበረ ባእሲ ብኸመይ ከም ዝዓገቶ ዝገልጽ ታሪኽ ንሓቅነት ናይዚ ምሳሌ እዚ ዘብርሆ ኢዩ።

ጊዴዎን ምስ ሚድያን ብርቱዕ ውግእ ገጢሙ ነበረ: ንነገድ ኤፍሬም ከኣ ክሕግዝዎ ጸውዖም። ይኹን እምበር እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ: ሰብ ኤፍሬም ናብ ጊዴዎን ተመሊሶም: እቲ ውግእ ክጅምር ከሎ ስለ ዘይጸውዖም ኣማረሩ። እቲ ጸብጻብ “ብሓይሊ ኸኣ ተኸራኸርዎ” ይብለና። ጊዴዎን ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም:- “ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ገይረ እየ፧ ካብ ምቝራጽ ወይኒ ኣቢዔዘርስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይበልጽን፧ ኣምላኽ ነቶም ሹማምቲ ሚድያን ዖሬብን ዝኤብን ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ። ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከአልኩ፧” (መሳፍንቲ 8:⁠1-3) ጊዴዎን በቲ ምሩጽን ዘህድእን ቃላቱ ገይሩ ናብ ሓደገኛ ዓሌታዊ ውግእ ክቕየር ዝኽእል ዝነበረ ኵነታት ኣወገዶ። እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰባት ጸገሞም ንርእስኻ ኣልዕል ኣቢልካ ምርኣይን ትዕቢትን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ንጊዴዎን ሰላማዊ ኵነታት ንምፍጣር ካብ ምጽዓር ኣይዓገቶን። ንሕናኸ ከምኡ ክንገብር ንኽእልዶ፧

ሕርቃን ኣብ ካልኦት ሰባት ሱር ምስ ዝሰድድ ኣባና ጽልኢ ከም ዘሕድሩ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። ንስምዒታቶም ኣፍልጦ ንሃበሉ: ኣመለኻኽታኦም ንኽንርዳኣሎም ከኣ ንጽዓር። እዚ ስምዒታት እዚ ንኽሓድሮም ብገለ መገዲ ግደ ነይሩና ደዀን ይኸውን፧ ከምዚ እንተ​ድኣ ዀይኑ ነቲ ጸገም እቲ ንምፍጣር ብወገንና ንዝገበርናዮ ግደ ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ ሽግር ስለ ዘጋደድናዮ ንምንታይ ጓሂና ዘይንገልጽ። ኣጸቢቕና ዝሓሰብናሉ ሒደት ቃላት ነቲ እተበላሸወ ርክብ ናብ ቀደሙ ክመልሶ ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 3:⁠4) ንገለ ብኣና እተቘጥዑ ሰባት ብሕያውነት መጸናንዒ ምስ እንህቦም እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ: ሓዊ ይጠፍእ” ይብለና። (ምሳሌ 26:20) እወ: ብጥንቃቐ እተመርጸ ቃላት ብቕኑዕ መንፈስ ምስ ዝወሃብ ‘ንቝጥዓ ዘህድእን’ ፈዋስን ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ።​—ምሳሌ 15:1

ሃዋርያ ጳውሎስ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ብምባል ይምሕጸን። (ሮሜ 12:18) ናይ ካልኦት ስምዒት ክንቈጻጸር ዘይንኽእል ምዃንና ፍሉጥ እኳ እንተ​ዀነ ሰላም ንምፍጣር ግን ግደና ክንገብር ንኽእል ኢና። ናይቲ ንሕና ንኹን ካልኦት ብዘይ​ፍጽምና እነውስኦ ምላሽ ግዳያት ኣብ ክንዲ እንኸውን: ሕጂ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ስጕምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ነቲ ዝፍጠር ዘይምስምማዕ በቲ የሆዋ ክንገብሮ ዝመሃረና መገድታት እንተ​ድኣ ኣደቂስናዮ: ዘለኣለማዊ ሰላምን ሓጐስን ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 48:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነተን ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከባ “ካብ ልቢ ይቕረ በሉ” ከምኡውን “ንሓውካ እንተ ረባሕካዮ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለወን ዓንቀጻት ርአ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንነገራት ብናትና መገዲ ይኹን ኢልና ትርር ንብል ዲና፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ዘይምርድዳእ ንኸደቅስ ኢሉ ተዓጻፊ ብምዃን ሰናይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ