ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እኹል” ክርስትያን ዲኻ፧

“እኹል” ክርስትያን ዲኻ፧

“እኹል” ክርስትያን ዲኻ፧

“ቈልዓ ኸሎኹ: ከም ቈልዓ ተዛረብኩ: ልቢ ቘልዓ ነበረኒ: ከም ቈልዓ ሐሰብኩ።” ነዚ ቓላት እዚ ዝጸሓፎ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ። ብርግጽ ከኣ ሓደ ግዜ ኵላትና ቈልዑ ነይርና ኢና። ይኹን እምበር: ንዘለኣለም ቈልዑ ኴንና ኣይተረፍናን። ጳውሎስ “ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና: እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:11

ብተመሳሳሊ መገዲ ኵሎም ክርስትያናት ብመንፈሳዊ መገዲ ቈልዑ ኰይኖም ኢዮም ዝጅምሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ኵላቶም “ናብ ሕብረት እምነት: ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ: ናብ እኹል ሰብኣይ: ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክበጽሑ ይኽእሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:13) ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:⁠20 “ኣሕዋተየ: በእምሮ ሰብኡት ኩኑ: . . . ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ” ዝብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ።

ብፍላይ ሎሚ ብዙሓት ሓደስቲ ስለ ዘለዉ ብሱላትን እኹላትን ክርስትያናት ክርከቡ ኸለዉ ንህዝቢ ኣምላኽ በረኸት ኢዩ። እኹላት ክርስትያናት ንሓንቲ ጉባኤ ጽንዓት ኢዮም ዝውስኹላ። ኣብ ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ይሃልዉ ድማ ኣብ ኣመለኻኽታ ናይቶም ኣባላት ኣወንታዊ ጽልዋ ኢዮም ዘሕድሩ።

ኣካላዊ ዕቤት ዳርጋ ባዕሉ ዝመጽእ ነገር ክኸውን ከሎ መንፈሳዊ ዕቤት ግን ምስ ግዜን ጻዕርን ጥራይ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል። ኣብ ግዜ ጳውሎስ: ገለ ክርስትያናት ንብዙሕ ዓመታት ንኣምላኽ ዘገልገሉ እኳ እንተነበሩ ‘ናብ ብስለት ክበጽሑ’ (NW  ) እንተ ዘይከኣሉ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠12፣ 6:⁠1) ንስኻኸ፧ ንኣምላኽ ዘገልገልካዮ ዓመታት ብዙሕ ይኹን ሒደት ብዘየገድስ: ንገዛእ ርእስኻ ብቕንዕና ክትምርምር ግቡእ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 13:⁠5) ሓደ ካብቶም ብሓቂ ብሱላት ወይ እኹላት ክበሃሉ ዝኽእሉ ክርስትያናትዶ ኢኻ፧ እንተ​ድኣ ዘይኴንካ ብኸመይ ክትከውን ምኸኣልካ፧

“በእምሮ ሰብኡት”

ብመንፈስ ህጻን ዝዀነ ሰብ ብቐሊሉ ‘በቲ ካብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዝኸውን ተንኰልን ዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው ዝድፋእን ዝኽብከብን ኢዩ።’ ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዐብና: ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ” ብምባል ዝላበወና። (ኤፌሶን 4:14, 15) ሓደ ሰብ ከመይ ኢሉ ኢዩ ከምዚ ኽገብር ዝኽእል፧ እብራውያን 5:⁠14 “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ” ትብል።

ብሱላት ሰባት ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ብምዝውታር ዘላመዱ ወይ ከኣ ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ተመክሮ ዘጥረዩ ምዃኖም ኣስተብህል። ስለዚ እምበኣር ሓደ ሰብ ብሓንሳእ ብሱል ክኸውን ከም ዘይክእል ንጹር ኢዩ፣ ብመንፈስ ንምዕባይ ግዜ ይሓትት። ይኹን ድኣ እምበር: ብፍላይ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ዓሚቝ ነገራት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባር ምስ እትርድኦ ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ከተቀላጥፎ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ብዙሕ ዓሚቝ ኣርእስትታት ወጺኡ ኢዩ። እቶም ብሱላት ዝዀኑ እዚ ዓንቀጻት እዚ “ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ ነገር” ስለ ዘለዎ ሸለል ኢሎምዎ ኣይሓልፉን ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:⁠16) ኣብ ክንድኡስ ነዚ ዕጹም መግቢ እዚ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝምገብዎ!

ቀናኣት ሰበኽትን መምህራንን

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል መምርሒ ሃቦም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ ዕዮ ስብከት ቅንኣት ዝመልኦ ተሳትፎ ምግባር እውን ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ከቀላጥፎ ይኽእል ኢዩ። ኵነታትካ ብዘፍቀደልካ መጠን ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ንኽትካፈል ጻዕሪ ዘይትገብር፧​—ማቴዎስ 13:23

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጸቕጥታት ንስብከት ዝኸውን ግዜ ንምርካብ ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ከም ሰባኺ መጠን ‘ክትጋደል’ ከሎኻ: ነቲ “ወንጌል” ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ገይርካ ከም እትርእዮ ኢኻ እትገልጽ። (ሉቃስ 13:⁠24፣ ሮሜ 1:⁠16) በዚ ድማ ካልኦት “ነቶም ኣመንቲ . . . ኣርኣያ” ከም ዝዀንካ ገይሮም ክምልከቱኻ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:​12

ሓለውቲ ንጽህና

ናብ ብስለት ምብጻሕ ንጽህናኻ ንምሕላው ጻዕሪ ምግባር እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ከምቲ ኣብ መዝሙር 26:⁠1 ተመዝጊቡ ዘሎ ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር: ብንጽህና ተመላሊሰ . . . እየ እሞ: ፍረደለይ” በለ። ንጽህና ስነ⁠-​ምግባራዊ ጥቅውና: ምሉእ ምዃን ማለት ኢዩ። ፍጹም ምዃን ማለት ግን ኣይኰነን። ዳዊት ንባዕሉ እተፈላለየ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ኢዩ። ተግሳጽ ተቐቢሉ መገዱ ስለ ዘዐረየ ግን: ልቡ ገና ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ከም ዘይገደፈ ኣርኣየ። (መዝሙር 26:⁠2, 3, 6, 8, 11) ንጽህና: ናይ ልቢ ተወፋይነት ዘለዎ ምሉእነት ዘጠቓልል ኢዩ። ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ‘ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ: ብፍጹም ልቢ ኣገልግሎ’ በሎ።​—⁠1 ዜና መዋእል 28:⁠9

ንጽህናኻ ምሕላው ክበሃል ከሎ ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን:’ ካብ ናይ ሃገራት ፖለቲካን ውግኣቶምን ገለልተኛ ምዃን ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠16) ካብ ምንዝርን ዝሙትን ምውሳድ ሓሽሽን ዝኣመሰለ ብልሽው ተግባራት እውን ክትሕሎ ከድልየካ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠19-21) ይኹን እምበር: ንጽህናኻ ምሕላው ክበሃል ከሎ ነዚ ነገራት እዚ ካብ ምውጋድ ንላዕሊ ማለት ኢዩ። ሰሎሞን “ምዉት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን: ንእሽቶ ዕሽነት ከኣ ንጥበብን ክብርን ተባላሽዎ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (መክብብ 10:⁠1) እወ: ዘይግቡእ ዋዛ ወይ ከኣ ምስ ኣንጻር ጾታ ምኵሻም ዝኣመሰለ “ንእሽቶ ዕሽነት” ንጽቡቕ ስም ናይ ሓደ ‘ጥበብ’ ዘለዎ ሰብ ከበላሽዎ ይኽእል ኢዩ። (እዮብ 31:⁠1) ስለዚ እምበኣር ኣብ ኵሉ ጠባያትካ ኣብነታዊ ንምዃን ብምጽዓር አረ “ካብ ክፉእ ዘበለ” ብምርሓቕ ብስለትካ ኣርኢ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠22

እሙናት

ሓደ እኹል ክርስትያን እሙን እውን ኢዩ። ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 4:⁠24 ተገሊጹ ዘሎ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን [“ተኣማንነትን:” NW  ] ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ብምባል መዓዶም። ኣብቲ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት: እታ “ተኣማንነት” ተባሂላ ዘላ በዅሪ ቃል ቅድስና: ጽድቂ: ክብሪ ዝብል ሓሳብ እውን ተመሓላልፍ ኢያ። ሓደ እሙን ሰብ ውፉይ ወይ መንፈሳዊ ኢዩ፣ ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ግዴታ ድማ ብጥንቃቐ ኢዩ ዘቕልበሉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ከተማዕብለሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ ሓደ ካብዚ ምስቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ብምትሕብባር ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠17) ክርስቶስ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተሾመ ርእሲ ምዃኑ ኣፍልጦ ስለ ዝህቡ: ብሱላት ክርስትያናት ነቶም ‘ማሕበር ጐይታ ክጓስዩ’ ኣምላኽ ዝሸሞም ኣሕዋት እሙናት ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28) ነቲ እተመዘዙ ሽማግለታት እተዋህቦም ስልጣን ኣብ ሕቶ ከተእትዎ ወይ ከኣ ከተናእሶ ክንደይ ዘይግቡእ ኰን ኢዩ! ብዘይ​ዚውን ነቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን’ ነቶም መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ንኽዝርግሑ ዝጥቀመሎም ወኪላትን ናይ ተኣማንነት ስምዒት ክሓድረካ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:⁠45) ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኣብ ካልእ ጽሑፋት ዝርከብ ሓበሬታ ቀልጢፍካ ኣንቢብካ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።

ፍቕሪ ብግብርኻ ገይርካ ምግላጽ

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት “እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኵላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዐዘዘት” ብምባል ጽሒፉሎም ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:3) ብፍቕሪ ምዕባይ ንመንፈሳዊ ዕቤት ብፍላይ ኣድላዪ ረቛሒ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 13:⁠35 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። እዚ ሕውነታዊ ፍቕሪ እዚ ብስምዒት ጥራይ ዝግለጽ ኣይኰነን። ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ (እንግሊዝኛ) “ፍቕሪ በቲ እተርእዮ ግብሪ ጥራይ ኢያ ክትፍለጥ እትኽእል” በለ። እወ: በዚ መዳይ እዚ ናብ ብስለት ክትበጽሕ እትኽእል ንፍቕሪ ብተግባር ብምግላጽ ኢዩ!

ንኣብነት: ኣብ ሮሜ 15:⁠7 “ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” ዝብል ነንብብ። ፍቕሪ ከተርእየሉ እትኽእል ሓደ መገዲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኣመንቲ ብጾትካ ይኹን ንሓደስቲ ሰባት ምዉቕን ውዕዉዕን ሰላምታ ብምሃብ ኢዩ! ብብሕቲ ተፋለጦም። ኣብ ካልኦት ሰባት “ብሕታዊ ተገዳስነት” (NW  ) ይሃልኻ። (ፊልጲ 2:⁠4) ምናልባት እውን ተቐባል ጋሻ ክትከውንን ንእተፈላለዩ ሰባት ኣብ ቤትካ ክትዕድሞምን ትኽእል ኢኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠14, 15) ናይ ካልኦት ሰባት ዘይፍጽምና ሓድሓደ ግዜ እቲ ዘሎካ ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክፍትኖ ይኽእል ኢዩ: ግናኸ ‘ብፍቕሪ ክትጾሮም’ ብእተመሃርካ መጠን ናብ እኹል ሰብኣይ ገጽካ ትዓቢ ምህላውካ ተርኢ ኣሎኻ ማለት ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠2

ብጥሪትና ንጹህ ኣምልኾ ምስፍሕፋሕ

ኣብ ግዜ ጥንቲ: ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንኣምልኾ የሆዋ ንምድጋፍ ሓላፍነቶም ይፍጽሙ ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ኣምላኽ ከም ሃጌን ሚልክያስን ዝኣመሰሉ ነብያት በዚ መዳይ እዚ ንህዝቡ ከለዓዕልዎም ኢሉ ልኣኾም። (ሃጌ 1:⁠2-6፣ ሚልክያስ 3:⁠10) ሎሚ ዘለዉ ብሱላት ክርስትያናት ንጥሪቶም ኣምልኾ የሆዋ ንምድጋፍ ብሓጐስ ኢዮም ዝጥቀምሉ። ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:⁠1, 2 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ብምስዓብ: ነታ ጉባኤን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዝኸውን ገንዘብ ንምውጻእ ስርዓታዊ ኴንካ ‘ከተዋህልል’ ትኽእል ኢኻ። ቃል ኣምላኽ “እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዝዐጽድ” ብምባል ይመባጻዕ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠6

ነቲ ከም ግዜኻን ጕልበትካን ዝኣመሰለ ሃብትኻ እውን ዕሽሽ ኣይትበሎ። ካብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ‘ግዜ ንምዕዳግ’ ጻዕሪ ግበር። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16፣ ፊልጲ 1:⁠10) ብኣጠቓቕማ ግዜኻ ዝያዳ ስሉጥ ንምዃን ተለማመድ። እዚ ምግባርካ ኸኣ ኣብ ምጽጋን ኣደራሽ መንግስቲ ዝኣመሰለ ፕሮጀክትታትን ንኣምልኾ የሆዋ ከደንፍዕ ኣብ ዝኽእል ካልእ ተመሳሳሊ ንጥፈታትን ንኽትሳተፍ ከኽእለካ ኢዩ። ንጥሪትካ በዚ መዳይ እዚ ምስ እትጥቀመሉ እኹል ክርስትያን ትኸውን ከም ዘሎኻ ዘርኢ ካልእ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ።

ናብ ብስለት ብጻሕ!

ጻዕረኛታት: ፈላጣት: ቀናኣት ሰበኽቲ: ንጽህንኦም ዝሕልዉ: እሙናትን ፈቃራትን: ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ጕልበቶምን ንብረቶምን ንምሃብ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ብሓቂ ዓቢ በረኸት ኢዮም። ስለዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና . . . ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ [“ብስለት ንብጻሕ:” NW  ]” ዝብል መተባብዒ ምሃቡ ኣየገርምን ኢዩ!​—⁠እብራውያን 6:⁠1

እኹል ወይ ብሱል ክርስትያን ዲኻ፧ ወይስ ብገለ መገዲ ገና ብመንፈስ ህጻን ኢኻ ዘሎኻ፧ (እብራውያን 5:⁠13) እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ: ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ስብከትን ንምጽማድ ከምኡውን ንኣሕዋትካ ፍቕርኻ ንምርኣይ ቈራጽነት ግበር። ካብ ብሱላት ሰባት ዝዀነ ይኹን ምኽርን ተግሳጽን ክወሃበካ ከሎ ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበሎ። (ምሳሌ 8:⁠33) ንዅሉ ክርስትያናዊ ሓላፍነትካ ተሰከሞ። ንስኻውን ብግዜን ጻዕርን “ናብ ሕብረት እምነት: ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ: ናብ እኹል ሰብኣይ: ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ።​—⁠ኤፌሶን 4:13

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

እኹላት ክርስትያናት ንሓንቲ ጉባኤ ጽንዕቲ ይገብርዋ። ኣብ ኣመለኻኽታ ናይቶም ኣባላታ ድማ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብሱላት ክርስትያናት ኣብ ካልኦት ተገዳስነት ብምርኣይ ኣብ መንፈስ እታ ጉባኤ እጃሞም የበርክቱ ኢዮም