ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽልኢ ካብ ሱሩ ክጠፍኣሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ

ጽልኢ ካብ ሱሩ ክጠፍኣሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ

ጽልኢ ካብ ሱሩ ክጠፍኣሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ

“ፍርሂ እንተዘየለ ጽልኢ የለን። . . . ነቲ እንፈርሆ ኢና እንጸልኦ: ስለዚ ጽልኢ ምስ ዝህሉ ፍርሂ ኣንጸላልዩ ኣሎ ማለት ኢዩ።”—⁠ሲሪል ኮንሊ: ናይ ስነ⁠-​ጽሑፍ ነቓፍን ኣዳላውን

 ብዙሓት ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዘጽንዑ ክኢላታት ጽልኢ ኣብቲ ድቁስ ክፍሊ ኣእምሮ ሰብ ኣጸቢቑ ሱር ሰዲዱ ምህላዉ ኢዮም ዝኣምኑ። ሓደ ናይ ፖለቲካ ሊቅ “ዝበዝሕ ካብኡ ኣጸቢቑ ኣብ ኣእምሮ እተጠናነገ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” በለ። እዚ ድማ ክፍሊ ሰብኣዊ ባህርይ ኰይኑ ማለት ኢዩ።

ብዛዕባ ሰብኣዊ ባህርይ ዘጽንዑ ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ እንተ በጽሑ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ኣብቶም እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣበሳን ሓጢኣትን’ ዘለዎም ኢሉ ዝጽውዖም ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም ዝገብርዎ። (መዝሙር 51:⁠5) ፈጣሪ ባዕሉ እውን ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ነቶም ዘይፍጹማት ሰባት ምስ ረኣዮም “ክፍአት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን” ደምዲሙ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 6:⁠5

ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድን ምፍልላይን ከምኡውን እቲ ዘስዕቦ ጽልኢ ውጽኢት ናይቲ ሰባት ዝወረስዎ ዘይፍጽምናን ስስዐን ኢዩ። (ዘዳግም 32:⁠5) እቲ ዘሕዝን: ሰብኣዊ ትካል ይኹን መንግስቲ ወይ ዝወጽእ ፖሊሲታት በዚ መዳይ እዚ ንልቢ ሰብ ክቕይር ዝኸኣለ የለን። ናይ ወጻኢ ርክባት ሓላፊት ጆኣን ማክጌሪ ከምዚ በለት:- “እቲ ዓለምለኻዊ ሓይሊ ፖሊስ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ይኹን ብዘየገድስ ነቲ ንቦዝንያ: ሶማልያ: ላይበርያ: ካሽሚር: ካውካውስ ብደም ዘጠልቀየ ጽልኢ ንምድምሳስ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣለን።”

ነዚ ዝኸውን መፍትሒ ቅድሚ ምንዳይና ግን ብድሕርዚ ዝርአ ጽልኢ ዘሎ መሰረታዊ ነገር ክንፈልጦ ኣሎና።

ብፍርሂ ዝለዓል ጽልኢ

ጽልኢ ብእተፈላለየ ዓይነት መገዲ ኢዩ ዝንጸባረቕ። ኣንድሪው ሱሊቫን እተባህለ ጸሓፊ ነቲ ጕዳይ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ጾሚቑ ኣቕሪብዎ ኣሎ:- “ካብ ፍርሂ ዝፍጠር ጽልኢ ኣሎ: ንሓደ ነገር ከም እትፍንፍኖ ጥራይ ዝገብር ጽልኢ እውን ኣሎ፣ ሓይሊ ዘንጸባርቕ ጽልኢ ኣሎ: ካብ ሓይሊ ምስኣን ዝፍጠር ጽልኢ ኸኣ ኣሎ፣ ሕነ ምፍዳይ ኣሎ: ካብ ቅንኢ ዝመጽእ ጽልኢ ድማ ኣሎ። . . . እቲ ጨቋኒ ዘንጸባርቖ ዓይነት ጽልኢ ኣሎ: እቲ ግዳይ ዘንጸባርቖ ጽልኢ እውን ኣሎ። ፈኸም እናበለ ዝጕህር ጽልኢ ኣሎ: ቀስ እናበለ ዝሃስስ ጽልኢ ድማ ኣሎ። ዝነቱጕ ጽልኢ ኣሎ: ዘይባራዕ ዓይነት ጽልኢ እውን ኣሎ።”

ማሕበራውን ቍጠባውን ጕዳያት ገለ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ቀንዲ ምንጪ ጽልኢ ዝዀነ ረቛሒታት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ብርቱዕ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ምብራዕ ጽልእን ዝርአ ኣብቲ ቍጠባዊ ሓይሊ ኣብ ኢድ ንኡሳን ክፍሊ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝዀነሉ ቦታታት ኢዩ። ብሰንኪ ብዝሒ ወጻእተኛታት ደረጃ መነባብሮ ናይቲ ማሕበረሰብ ክኸብር ከሎ እውን ጽልኢ ይርአ ኢዩ።

ገሊኦም ሰባት ስደተኛታት ዝተሓተ ደሞዝ ስለ ዝኽፈሉ ኣብ ስራሕ ዝወዳደርዎም ወይ ዋጋ ንብረት ከም ዝቕንስ ዝገብርዎ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። እዚ ፍርሂ እዚ መሰረት ዘለዎ ድዩ ኣይኰነን ካልእ ጕዳይ ኢዩ። ቍጠባዊ ጸገም ከይህሉ ምፍራህ ከምኡውን ደረጃ ናይቲ ማሕበረሰብ ከይቅየር ወይ ኣገባብ ናብራ ከይበላሾ ምፍራህ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ጽልእን ከም ዝህሉ ዝገብር ቀንዲ ረቛሒታት ኢዩ።

ጽልኢ ካብ ሱሩ ንምጥፋእ ክውሰድ ዘለዎ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ፧ ናይ ኣመለኻኽታ ለውጢ ከም ዝህሉ ምግባር ኢዩ።

ናይ ኣመለኻኽታ ለውጢ ምግባር

ማክጌሪ “ናይ ሓቂ ለውጢ ክህሉ ዝኽእል ብድሌት ናይቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ኢዩ” ትብል። ናይ ሰባት ድሌትከ ብኸመይ ኢዩ ክልወጥ ዝኽእል፧ ጽልኢ ንኸይዓቢ ኣብ ምክልኻል ኣዝዩ ሓያል: ደራኺ: ከምኡውን ነባሪ ጽልዋ ክገብር ዝኽእል ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ምዃኑ ካብ ተመክሮ ተራእዩ ኢዩ። እዚ ድማ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን . . . ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ . . . ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ” ስለ ዝዀነ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 4:12

ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ጽልእን ግን ብሓደ ግዜ ካብ ሱሩ መንቊስካ ከተጥፍኦ እትኽእል ወይ እውን ብሓንቲ ለይቲ እትገብሮ ነገር ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ክግበር ይከኣል ኢዩ። እቲ ኣብ ኣልባብ ሰባት ብርቱዕ ድራኸ ኣብ ምሕዳር ከምኡውን ሕልና ሰባት ከም ዝሰርሕ ኣብ ምግባር ብርቱዕ ጽልዋ ዝነበሮ የሱስ ክርስቶስ ንሰማዕቱ ለውጢ ንምግባር ከም ዝለዓዓሉ ገይርዎም ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኸኣ ነቲ “ጸላእትኹም ፍተዉ: ንዚረግሙኹም መርቑ” ዝብል ምኽሪ የሱስ ክርስቶስ ስዒቦምዎ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 5:44

ትምህርቱ ውጽኢት ስለ ዝነበሮ ድማ ኢዩ የሱስ ነቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ኣዝዮም እተጸልኡ ተገውቲ ዝነበረ ማቴዎስ ካብ መንጎ እቶም ምሉእ ትውክልቲ ዝገብረሎም ዝነበረ ብጾቱ ከም ዝኸውን ዝገበረ። (ማቴዎስ 9:⁠9፣ 11:⁠19) ኣብ ርእሲ እዚ: ድሕሪ ገለ ግዜ ነቶም ግሉላትን ጽሉኣትን ዝነበሩ ኣህዛብ እውን ዘጠቓልል ኣገባብ ጽፉፍ ኣምልኾ እውን ኣቚሙ ኢዩ። (ገላትያ 3:⁠28) ካብ እተፈላለየ ቦታታት ናይታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ዝመጹ ሰባት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም በታ ዝነበረቶም ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ፍሉጣት ነበሩ። (ዮሃንስ 13:⁠35) ብርቱዕ ጽልኢ ዝነበሮም ሰባት ነቲ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ እስጢፋኖስ ክሳዕ ዝመውት ብዳርባ እምኒ ምስ ቀጥቀጥዎ እተን ዘውስአን ናይ መወዳእታ ቃላት “ጐይታይ: እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም” ዝብላ ነበራ። እስጢፋኖስ ነቶም ዝጸልእዎ ዝነበሩ ሰባት ጽቡቕ ነገራት ከጋጥሞም ተመነየ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 6:8-14፣ 7:54-60

ዘመናውያን ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ነቲ የሱስ ሰናይ ክገብሩ ዝመዓዶም ተቐቢሎም ሰሪሖምሉ ኢዮም። እዚ ድማ ኣብቶም ክርስትያናት ኣሕዋቶም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቶም ዝጸልእዎም እውን ከይተረፈ ኢዮም ዘንጸባርቕዎ። (ገላትያ 6:⁠10) ካብ ህይወቶም ጽልኢ ንኸልግሱ ኣበርቲዖም ኢዮም ዝጽዕሩ። ጽልኢ ከም ዘሕድሩ ክገብሮም ዝኽእል ብርቱዕ ጽልዋታት እንታይ ምዃኑ ብምፍላጥ ኣወንታዊ ዝዀነ ስጕምቲ ኢዮም ዝወስዱ: ንጽልኢ ድማ ብፍቕሪ ኢዮም ዝትክእዎ። እወ: እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጥበበኛ ሰብኣይ ከም ዝበሎ “ጽልኢ ቈየቛ የልዕል: ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።”​—⁠ምሳሌ 10:12

ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ በለ:- “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር: ትፈልጡ ኢኹም።” (1 ዮሃንስ 3:15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ይኣምንሉ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ካብ ኵሉ ቀቢላውን ባህላውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መበቈል ዝመጹ ኰይኖም ሓንቲ ሕብርቲ: ካብ ጽልኢ ናጻ ዝዀነት ማሕበረሰብ: ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት መስሪቶም ኣለዉ።​—⁠ምስዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሓቢሩ ዘሎ ሳጹናት ርአ።

ጽልኢ ካብ ሱሩ ክጠፍእ ኢዩ!

‘እዚ ነቶም ኣብኡ እቱዋት ዝዀኑ ሰባት ጽቡቕን ሰናይን እኳ እንተ​ዀነ: ጽልኢ ካብ ምድርና ጠሪሱ ከም ዝጠፍእ ክገብር ግን ኣይክእልን ኢዩ’ ትብል ትኸውን። እዚ ሓቂ ኢዩ: ከመይሲ ኣብ ልብኻ ጽልኢ ዋላ ኣይሃልኻ ግዳይ ጽልኢ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ኸኣ ነዚ ዓለም​ለኻዊ ዝዀነ ግድል እዚ ናይ ሓቂ መፍትሒ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ክንጥምት ኣሎና።

ኣምላኽ ኵሉ ኣሰራት ጽልኢ ካብ ምድሪ ጠሪሱ ንኽጠፍእ ዓሊሙ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይታ የሱስ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ክንጽልየላ ዝማሃረና ሰማያዊት መንግስቲ ኢዩ ዝኸውን።​—⁠ማቴዎስ 6:9, 10

እዚ ጸሎት እዚ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተመለሰ ጽልኢ ከም ዝህሉ ዝገብር ዝዀነ ይኹን ኵነታት ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። ጽልኢ ዘሳውር ኵነታት ከልግስ ኢዩ። ፕሮፓጋንዳ: ድንቍርና: ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ ብትምህርቲ: ሓቂ: ከምኡውን ብጽድቂ ክትካእ ኢዩ። ሽዑ ኣምላኽ ብርግጽ ‘ንብዘሎ ንብዓት ክደርዞ: ድሕሪ ደጊም ሞት: ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይክኸውንን ኢዩ።’​—⁠ራእይ 21:1-4

ንሕጂ እውን ከይተረፈ ዝኸውን ብስራት ኣሎ! ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ምህላውና ዘረጋግጽ ኣሉ ዘይበሃሎ መርትዖታት ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ድሕሪ ቐረባ እዋን ኣምላኻዊ ዘይኰነ ጽልኢ ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍእ ከሎ ክንርእዮ ምሉእ ትውክልቲ ክንገብር ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ማቴዎስ 24:⁠3-14) ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ደቅሰብ ኣብ ፍጽምና ክበጽሑ ስለ ዝዀኑ ናይ ሓቂ መንፈስ ሕውነት ክህሉ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 23:43፣ 2 ጴጥሮስ 3:​13

እንተ​ዀነ ግን: ናይ ሓቂ ሕውነት ንምስትምቓር ክሳዕ ሽዑ ምጽባይ ኣየድልየካን ኢዩ። አረ ካብቲ ኣብ ሳጹናት ተገሊጹ ዘሎ ጸብጻብ ክርአ ከም ዝከኣል: ክርስትያናዊት ፍቕሪ ድሮ ኣብቲ ብጽልኢ ክመልእ ዝኽእል ዝነበረ ልቢ ሚልዮናት ሰባት ቦታ ረኺባ ኣላ። ንስኻ እውን ክፍሊ ናይዚ ፍቕሪ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ክትከውን ተዓዲምካ ኣሎኻ!

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

“የሱስ እንታይ ምገበረ ነይሩ፧”

ኣብ ሰነ 1998 ኣብ ቴክሳስ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ኣብ ዝርከብ ሓደ ገጠር ሰለስተ ጸዓዱ ንሓደ ጀምስ ባይረድ ጁንየር እተባህለ ጸሊም ሰብኣይ ቀተልዎ። ኣብ ሓደ ርሑቕ ቦታ ወሲዶም ቀጥቀጥዎ: ክልተ ኣእጋሩ ኸኣ ብሰንሰለት ኣሰርዎ። ድሕርዚ ኣብ ፒክኣፕ ዝዓይነታ ማኪና ኣሲሮም ንሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ዝኣክል ጐተትዎ: ኣካላቱ ምስ ሓደ ካብ ስሚንቶ እተሰርሐ መትረብ ምስ ተላኽዐ ኸኣ ደው በሉ። እዚ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት (1990ታት) ዝኸፍአ ብጽልኢ እተለዓዓለ ዓመጽ ተባሂሉ ተመዝገበ።

ንጀምስ ባይረድ ሰለስተ ኣሓቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየን። ብዛዕባ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ ዝዀነ ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ከመይ ተሰምዐን፧ ብሓባር ብስድራቤት ደረጃ ከምዚ በላ:- “እንፈትዎ ሓውና ሕጋዊ ብዘይኰነ መገዲ ተሳቕዩ ምማቱ እዚ ዘይበሃል ሓዘንን ጓህን ተሰሚዑና ኢዩ። ሓደ ሰብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጭከና እተሓወሶ ተግባር ብኸመይ ኢዩ ክምልሰሉ፧ ሕነ ምፍዳይ: ጽልኢ እተሓወሶ መግለጺታት ምውሳእ: ወይ ጽልኢ ዘንጸባርቕ ፕሮፓጋንዳ ምንዛሕ ኣብ ኣእምሮና ፈጺሙ ኣይመጸን። ‘የሱስ እንታይ ምገበረ ነይሩ፧ ብኸመይ ምመለሰሉ፧’ ኢልና ሓሰብና። መልሲ ናይዚ ንጹር ኢዩ። ሰላምን ተስፋን ዘንጸባርቕ መልእኽቲ መመሓላለፈ ነይሩ።”

ካብቲ ኣብ ልበን ጽልኢ ንኸየማዕብላ ንኽጽዕራ ዝሓገዘን ገለ ጥቕስታት ሮሜ 12:17-19 ኢያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”

ቀጺለን ከምዚ በላ:- “ገለ ዓይነት ምጕዳል ፍትሒ ወይ ዓመጽ ኣሰቃቒ ብምዃኑ ነቲ በደለኛ ‘ይቕረ ኢለልካ ኣሎኹ’ ኢልካ ነቲ ጕዳይ ክትርስዖ ቀሊል ከም ዘይኰነ ዝገልጽ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ: ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ሓሳባት ዘከርና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገለ ኣጋጣሚታት ይቕረ ምባል ነቲ ጕዳይ ሸለል ኢልካ ብምሕላፍ ጕዳይካ ምግባር: ብሰንኪ ቂም ምሓዝ ብኣካል ይኹን ብኣእምሮ ዘይምሕማም ዝብል ሓሳብ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።” እዚ ዓሚቝ ጽልኢ ኣብ ልቢ ሱር ንኸይሰድድ ንምክልኻል መጽሓፍ ቅዱስ ሓይሊ ከም ዘለዎ ዘርኢ ከመይ ዝበለ መርትዖ ኰን ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ጽልኢ ናብ ዕርክነት ተለወጠ

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ስራሕ ደልዮም ናብ ግሪኽ ተሰዲዶም ኢዮም። ይኹን እምበር: ቍጠባዊ ኵነታት ብምንቍልቋሉ ስራሕ ምርካብ ከቢድ ኰነ: እዚ ድማ ነቲ ስራሕ ንምርካብ ዝግበር ፋሕተርተር ኣግደዶ። ስለዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ጕጅለታት ቀቢላ ጽልኢ ተፈጥረ። እቲ ኣብ መንጎ ኣልባንያውያንን ቡልጋርያውያንን ስደተኛታት ዘሎ ምውድዳር ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ግሪኽ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጕጅለታት እዚኣቶም ብርቱዕ ምውድዳር ኢዩ ዝግበር።

ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፔሎፖኒሶስ እትርከብ ክያቶ እትበሃል ከተማ ሓንቲ ካብ ዓሌት ቡልጋርያ ዝዀነት ስድራቤትን ኣልባንያዊ ሰብኣይን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ስለ ዝጀመሩ ንሓድሕዶም ተፋለጡ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓልዎ ነቲ ኣብ ብዙሓት ካብዞም ዓሌታት እዚኣቶም ዝዀኑ ሰባት ዝርአ ጽልኢ ከጥፍእዎ ከኣሉ። ኣብ መንጎኦም ሕውነታዊ ዕርክነት ከም ዝህሉ እውን ገይሩ ኢዩ። እቲ ኢቫን እተባህለ ቡልጋርያዊ ነቲ ሉሊስ እተባህለ ኣልባንያዊ ኣብ ጥቕኡ መንበሪ ገዛ ንኽረክብ እውን ከይተረፈ ሓገዞ። እዘን ክልተ ስድራቤታት እዚኣተን መብዛሕትኡ ግዜ ዘለወን መግብን ስጋዊ ነገራትን ሓቢረን ኢየን ዝካፈልኦ። ክልቲኦም ሰብኡት ሕጂ እተጠመቑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም: ብስራት ኣብ ምስባኽ ድማ ኣጸቢቖም ኢዮም ዝተሓጋገዙ። ነዚ ክርስትያናዊ ዕርክነት እዚ ኸኣ እቶም ጐረባብቶም ከየስተብሃልሉ ኣይሓለፉን።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኵሉ ኣሰራት ጽልኢ ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍእ ኢዩ