ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣብ ቺለ ዝርከብ ዘርኢ ሓቂ ማይ ምስታዩ

ነቲ ኣብ ቺለ ዝርከብ ዘርኢ ሓቂ ማይ ምስታዩ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ነቲ ኣብ ቺለ ዝርከብ ዘርኢ ሓቂ ማይ ምስታዩ

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ቺለ ዝርከብ ምድረ በዳ ንዓመታት ዝናም ኣይዘንምን ኢዩ። ክዘንም ከሎ ግን እቲ ኣጻምእን ኣኻውሕ ዝመልኦን መሬት ብእተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ዕንባባታት ኢዩ ዝሽፈን። እዚ መስተንክር ትርኢት እዚ ካብ ብምልእቲ እታ ሃገር በጻሕቲ ይስሕብ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ ህዝቢ ቺለ ዝያዳ ዘገድስ ተርእዮ ይፍጸም ኣሎ። ማይ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኵሉ ኵርናዓት እታ ሃገር ይውሕዝ ኣሎ: ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ከኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን “ይዕምብቡ” ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ነዚ ማይ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዝርጋሕ ዘገልግል መገዲ ተሌፎን ኢዩ። እዚ ዝስዕብ ተመክሮታት በዚ መገዲ ምስክርነት እዚ እተረኽበ ጽቡቕ ፍረ ይሕብር።

• ሓንቲ ካሪና እትበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ከመይ ገይርካ ብተሌፎን ምስክርነት ከም እትህብ ኣብ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ብመርኣያ ከተቕርብ ተሓተት። ካሪና ግን ኣብቲ መዳይ ዕዮ ምስክርነት እቲ ፈጺማ ተኻፊላ ኣይትፈልጥን ነበረት። ሓደ ሽማግለን ሰበይቱን ኣብቲ ናይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ተሳትፎ ንምግባር ምእንቲ ክትተባባዕ ኢሎም ብተሌፎን ከመይ ገይራ ምስክርነት ከም እትህብ ዝሕግዛ ገለ ነጥብታት ምስኣ ተመያየጡ። ኣብቲ ጕዳይ እቲ የሆዋ ንኽመርሓ ክትጽሊ እውን ኣተባብዑዋ። ጸለየት እሞ ኣብ መወዳእታ ሓንሳእ ክትድውል ወሰነት።

ካሪና ናይ ሓንቲ ኣብ ቀረባ እትርከብ ቍሸት ስልኪ ቍጽሪ ሓረየት። ሓንቲ ኦፐሬተር ተቐበለታ: ካሪና ኸኣ ናይቲ ዝደወለትሉ ዕላማ ገለጸትላ። እታ ኦፐሬተር ነቲ መልእኽቲ ብጽቡቕ ተቐበለቶ: ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እንደገና ንኽዘራረባ ድማ ቈጸራ ገበራ። እቲ ብተሌፎን እተገብረ ተመላሊስካ ምብጻሕ በታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ምግባር መርሐ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ መሳጥን ህያውን ጽንዓት ይገብራ ኣለዋ: ካሪና ኸኣ ንሕቶታት ናይታ ሰበይቲ ንምምላስ ጽሑፋት ሰዲዳትላ ኢያ።

• በርናርዳ ንሓደ ብጌጋ ተሌፎን ዝደወለ ሰብኣይ ንምምስካር ተበግሶ ወሰደት። በርናርዳ ኣብ ክንዲ እትቝጣዕ: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ሓበረቶ እሞ ብምንታይ ክትሕግዞ ከም እትኽእል ሓተተቶ። እቲ ዝርርብ ቀጸለ: እቲ ሰብኣይ ከኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኸመይ ንምጕዳል ፍትሒ ከም እተጥፍኦ ክትገልጸሉ ከላ ሰምዓ። እቲ ሰብኣይ ንበርናርዳ ቍጽሪ ተሌፎኑ ሃባ: ብተሌፎን ገይራ ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ገበረትሉ። ኣብ ሓደ ካብቲ ዝርርቦም ካብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገለ ክፋል ኣንበበትሉ። ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ብኸመይ ክረክብ ከም ዝኽእል ሓተታ: በርናርዳ ድማ ሓንቲ ቅዳሕ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ሰደደትሉ። ኣብ ከባቢኡ ብዝርከብ ሓው ምብጻሕ ንኽግበረሉ ምድላዋት ተገብረ: ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ሓው ነዚ ዝጭብጭብ ዘሎ “ተኽሊ:” “ማይ የስትዮ” ኣሎ።

እወ: ኣብዚ ኣጻምእ ዝዀነ መንፈሳዊ መሬት ናይዛ ዓለም እዚኣ: እቲ ህይወት ዝህብ ሓቂ ምስ በጽሖም ዝጥጥዑ እተሓብኡ ኣዝርእቲ ኣለዉ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዝጸምኡ ሰባት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ብምዃን ካብ “ምብቋልን ምዕንባብን” ኣየቋረጹን።​—⁠ኢሳይያስ 44:⁠3, 4